ምሃሪ ምሳልያዊ ታሪኽ ( Parable ) ንመን ?? ጭጉራፍሲ ንነብሳ ሃሪማ ተእዊ ከይከውን

2017-09-14 21:54:57 Written by  ተስፋማርያም ክብራኣብ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2472 times

ዝኸብረካ ዶክ. ገብረ ገብረማርያም

ሰላም ምሳኻ ይኹን። ካብዚ ቀጺለ ፡ ኣብ ራባዓይ ክፋል ጽሑፍካ ፡ ምሳልያዊ ታሪኽ (Parable) ድሕሪ ምቕራብካ ፡ ንኣንበብቲ እዞም ክልተ የእዱግ እንታይ ክገብሩ ኣለዎም ትብሉ? ንዝብል ሕቶ ብወገነይ ብከምዚ ዝስዕብ እፈትሖ። ንኣንበብቲ ንምዝኽኻር ዝኣክል፡ ትሕዝቶ ናይቲ  ምሳልያዊ ታሪኽ ከምዘለዎ ኣስፊረዮ ኣለኹ። ዘገርም እዩ ገለ ከዛኻኽረኒ ኪኢሉ ። ናይ ቛንቛ ትምህርቲ ኣብ ዝወስደሉ ዝነበርኩ ግዜ ፡ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ መምህረይ ቃላትን ሓረጋትን ስዉር ወይ ዝተማሳቓለ ትርጉማት ክህልዎም ከም ዝኽእል የውካኣልና ነይሩ።

ወዮዳኣ ምሳልያዊ ታሪኽ (Parable) ምጽሓፍ ካልእ ጣጣ ከይፈጥረለይ እንዳፈራሕኹ’ምበር፡ ብዛዕባ ክልተ ነብሶም ዝፈትዉ ዝነበሩ የእዱግ/ኣባቕል፡ መታን ከምመምሃሪ ክኾነና፡ ከዕለኩም። መጀመሪያ ግን ሓደራ ክብል፡ ምሳልያዊ ታሪክ መለኽቲ ጥራሕ ኢዩ ዘሕልፍ። ኣብቲ ታሪክ ዝጥቀሱ ባእታታ/ኣስማ (ተዋሰእቲ) ንዝኮነ ኣይመኽቱን/ኣይውኩሉን (ምናልባት ሕጂ’ውን “የእዱግ/እባቕ ኢሉና ዝብሉ ከይርከቡ)። እዞም ክልተ የእዱግ/ኣባቕ ሕጽር ብዝበለት ገመድ ፡እቲ ሓደ ንምብራቕ ኢቲ ሓደ ካኣ ንምዕራብ እንዳጠመቱ፡ ብሓደ ኣብ ክሳዶም ተኣሲሮም ነበሩ። ክልቲኦም ብሓደ ጊዜ ከምዘየርክብወን ተገይረን ዝተቐምታ ኣብ ቀቅሚኦም ክልተ ኩምራ ሓሰር ካኣ ነበራ። እቲ ሓደ ካብታ ኣብ ቅድሚኡ ዘላ ኩምራ ክምገብ እምተበል እቲ ካልእ’ውን ካብታ ኣብ ቅድሚኡ ዘላ ኩምራ ክምገብ ስለዝደሊ ይውጥቶ’ሞ ኣይርክባን። ኢት ሓደ’ውን ከምኡ። እንድሕርዳኣ እዞም ክልተ የእዱግ/ኣባቕ ክምገቡ ኮይኖም እንታይ ክገብሩ ኣለዎም ትብሉ? ንኻትኩም እንታይ ትብሉ እንድዒ’ምበር፡ ኣነስ “ዋዕላ ክገብሩ ኣለዎም” ንበልኩ።

ኣብ መእተዊ ናይዚ ታሪኽ ወዮዳኣ ምሳልያዊ ታሪኽ(Parable) ምጽሓፍ ካልእ ጣጣ ከይፈጥረለይ እንዳፈራሕኹምበር፡ዝብል ሓረግ ከተስፍር ከሎኻ፡ የእዱግ ኢሉና ዝብሉ ከይርከቡ ብምባል ስክፍታ ዘቐመጥካ ኮይኑ ኣይረኽብኩዎን ። ብብልሓት ዘስፈርካዮ ኣንባባይ ገላቢጡ ከይትርጉሞ ንምሽፋን ዝተመርጸ ሓረግ እዩ ። ብርድኢተይ ፡ ብኣንጻሩ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ መልስታት ክዋሃቦ ከም ዝኽእል ስለዝመዘንካ ፡ ከም መልጎሚ (መዕጸዊ ኣፍ) ዝተመርጸ ኣባህህላ እዩ ። ስለዚ በዓል ኢንታስ መስቆርቆሪ ከም ዝባሃል ምስላ ፡ ኣብ ውሽጢ ሕልናኻ ፍርሃት ወይ ምጉዳል ነብሰ ምትእምማን ሃኒጹልካ ኣብ ዝብል ገምጋም በጺሐ ።

ቅድሚ ነቲ ዝቐረበ ሕቶ ምፍተሐይ ፡ ባህርያት ናይዞም ክልተ ነብሶም ዝፈትዉ ኣእዱግ እንታይ ይመስል ምብርባሩ ዕዙዝ ኮይኑ ስለዝረኸብኩዎ ከም እንተታት ዝዳህሰሰኩዎም ነጥብታት ፤

ነብሰ ምፍታው ?????

  • ብጽጋብ ፍንጭሕ ዝበሉ
  • ስሱዓት ፡ ናይ ምሃብን ምቕባልን ባህሪ ዝጎደሎም
  • ተጃሃርቲ ፡ ብብደዐ ዝነብሩ ፡ ኣነ ከምዚ ገቢረ ዝብሉ፡
  • ክናባት/ሃካያት ካብ ንጥፈታት ነብሶም ዘግለሉ
  • ነብሰ ልዕልነት፡ ክሰምዑን ክስምዑን ዘይኮኖሎም
  •  ፍሉይነት ፡ ንነብሶም ካብ ካልእ ብፍሉይ ዝጥምቱ
  • ምቅንጃው ምውርዛይ ምንእኣስ ዘዘውትሩ
  • ኣነነታውያን ፡ ብሃብቶም ፡ ብፍልጠቶም ዝምክሑ
  • ነብሰ ምፍታሽ ዝጎደሎም ፡ ተመሊሶም ንነብሶም ዘየንብቡ
  • ብሕታውያን ፡ ፍንውነት ፡ ምእዙዝነት ኣልቦ ባህሪ ዝኸበቦም ። ወዘተ ፡ ወዘተ ፡ ወዘተ

 

ስለዚ ገለ ካብዚ እንተታት እዚ ብዝውንንዎ ባህሪ ዝተጎልበቡ ኣእዱግ ይመስሉ። ኣብቲ ዝቐረበ ምሳልያዊ ታሪኽ ኣብ ልዕሊ እቲ ዋና፡ ዝከታተል ወይ ዝዳኒ ሳልሳይ ኣካል ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ ባዕሎም ኣብ መቑሕ ክኣትዉ፡ ክእሰሩ ኮቶ ዘይከውን እዩ፡ እቲ ዋና ኣዋዲዱ ፡ ኣጠዓዒሙ፡ ምቹእ ግዜ ኣጽኒዑ ናብ ሳልሳይ ኣካል ድሕሪ ምቕራቡ፤ ገጋኦም ኣጽኒዑ፡ ከም ዘይእንቀሳቐሱ፡ ሓደ ንምብራቕ ሓደ ንምዕራብ ከም ዝጥምቱ ጌሩ ዝበየነ ( ዝቐየደ ) ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ ሳልሳይ ኣካል ከምዘሎ ክርዳእ ኪኢለ።

እቲ ሳልሳይ ኣካል ነቶም ክልተ ኣእዱግ ክኣስሮም ወይ ካብ ኩሉ ምንቅስቓስ ጠጠው ከብሎም ዝበየነሉ ምኽንያታት ገለ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝዳህሰስኩዎ እንተታት ዝተመስረተ ክሲ ስለዝቐረበሉ እዩ ዝብል እምነት የሕዲሩለይ። እቶም ነብሶም ዝፈትዉ ክልተ ኣእዱግ ፡ ኣብ ክንዲ ህርኩታት፡ ጻዕረኛታት ክሉ ዘማልኡ ፡ ምእዙዛት  ዝኾኑ ፡ ክናባት ፡ ዓዲ ዋዒላት ፤ ንዝውንንዎ ዓቕሚ ብተግባር ዘይተጠቐምሉ ፡ ኣብ ምፍራይ ዘይተዋፈሩ ከም ሓደ ኣብ ዕጹው ገንኢ ዝኣተወ ዝበርህ ቀዴል ኮይኖም ዝሓከሉን ምስቲ ዋና ንዝተሳማምዕሉ ውዑል ብተግባር ዘፍረሱን ፤ ንኽእረሙ ተባሂሉ ዝተወሰደ ብይን እዩ ኣብ ምባል በጺሐ። እቲ ብይን ካብቲ ሃንቀው ኢሎም ዝጽበይዎ ዝነበሩ፡ ኣጉል ናይ ተስፋ ሕልሚ ብግዜ ስለ ዝተቐደሙን እቲ ሓሳብ ስለ ዘበርዓነን ፡ ነቲ ናይ ሓባር መኣዲ ኩምራ ሓሰር ተመጣጢሮም ከርክብሉ ኣብ ዘይክእሉ ደረጃ በጺሖም። ማይ ተሐቚኑ ጠስሚ ኣየውጽእን እዩ።

ብናተይ ርእቶ፡ ከም ዘላቒ ፍታሕ ዘየዳግም ኢለ ዝሓስቦ፤ ከምቲ ባዕልኻ ዝመለስካዮ ዋዕላ ዘይኮነስ፡ መዲድ ተጻዒኖም ተደቢሮም ይቕረታ ሓቲቶም፡ ካብ ቂምን ቅርሕንትን ካብ ድሑር ዝንባለታቶምን ወጺኦም ናብ ልቦም ምስ ዝምለሱን ነቲ ምስ ዋኖኦም ደንበ ተዋሃሂዶም ክነብሩ ዝኣተውዎ ድንክል ኣኽቢሮምን ተማእዚዞምን ምስ ዝኸዱን ናይ መጻኢ ሂወቶምን ድልየታቶምን ዘርውይሉ ሰላማዊ መንገዲ ምስ ዝመርጹን ኢለ፡ ነቲ ምሳልያዊ ታሪኽ እፈትሖ።

ሓደ ናይ ኣዲኡ ድበልባ ብሰንጣቒት ዝቐንጠጠን ዘነወረን፡ ኣብ እቶን ኣዲኡ ውልዕ ጥፍእ ንዝብል ቁልዒ ከልምዕ ዘይኮነስ ንባዕሉ ከምቶም ቀዳሞት ቅልቅል ኢሎም ዝቐሃሙ ከይኸውን ንነብሱ ተመሊሱ ምንባይ ምሓሾ።

Last modified on Friday, 15 September 2017 00:04