ንሕና ኣብ ኣምስተርዳምን ከባቢኣን እንርከብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ብተባዕ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝተባርዐ ህዝባዊ ናዕቢ እናደገፍና ፥ ነቦና ሓጅ ሙሳን ነቶም ኣውሃሃድቲ ህዝባዊ ሰልፍን፡ ንዝገበርዎ ናይ መሰል ሕቶ ብትብዓት ፥ ኣድናቖትናን ደገፍናን ንገልጽ።
ስርዓት ህግደፍ ነዚ ሕጂ ተላዒሉ ዘሎ ሕቶ መሰል ዘበገሶ ህዝባዊ ናዕቢ፥ ከም ኣመሉ መእዝኑ ንከስሕቶ ኰነ ኢሉ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ርዱእ እዩ ። ልክዕ ከምቲ ምንቅስቓስ ናይ ፎርቶ ክገብሮ ዝፈተነ ፡ ሕጂ’ውን ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ፡ ሃይማኖታዊ ጸጊዕ ከምዘለዎ ገሩ ከቕርቦ ይህቅን ኣሎ።
መራሒ ህግደፍ ኣቶ ኢሰያስ ፣ ናይ ጥፍእት መሃንድስ ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ፣ ህዝቢ ንመሰሉ ምስዝሓትት ፣ ዝተፈላልለየ ሽም እንዳሃበ ፣ ሓንሳብ ኣውራጃውያን ፣ ሓንሳብ ሃይማኖታውያን እንዳበለ ንህዝቢ ኤርትራ ብምእሳርን ፣ ብምፍርራሕን ፣ ጸቒጡ ረጊጽዎ ይርከብ ኣሎ።
ሕጂ ግን መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ነቒሑሉ ኢዩ ። ይኹን እምበር ገለ ማሕዮታት፥ ገና ኣብ ውልቃዊ ጠቕሚ አእምሮኦም ዝደስከለ ክሳብ ሕጂ ከአ ሐንጎሎም ዘይተበራበረ ፣ ዜጋታት ከምዘለዉና ክንዝንግዕ አይግብአናን።
እዚ ሕጂ ተላዒሉ ዘሎ ተቓውሞ ፥ ህዝባዊ ተቓውሞ እዩ። ንዘልኣለም ተጨቊኑን ተረጊጹን ዝነብር ህዝቢ የለን። መዓልቱ ምስ ኣኸለ ፡ እቲ ጨቛኒ ስርዓት’ውን ከም ቀደሙ ክገዝእን ክጭፍልቕን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ ዝበጽሕ ፥ ህዝቢ ይኣክል ብምባል ህዝባዊ ናዕቢ ከምዘልዕል ካብ ታሪኽ ዝተመሃርናዮ ሓቂ እዩ። እዚ ኸኣ እዩ እዚ ሕጂ ኣብ ኣስመራ ዝተጀመረ ህዝባዊ ናዕቢ ናብ ካልኦት ዞባታት’ውን ክልሕም ዝኽእል። እዚ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ሃይማኖታዊ ፡ብሄራዊ ወይ’ውን ቀቢላዊ ( ኣውራጃዊ ) ኣይኰነን ። ጭቆና ዝወለዶ ህዝባዊ ዓመጽ እዩ። እቲ ሕቶ መሰል ፡ ሕቶ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ፡ ንሃገራዊ ነጻነትይ ክብል ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተላዒሉ ሰፍ ዘይብል ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ነጻነቱ ዝጨበጠ ፥ ሕጂ’ውን ከም ትማሊ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተላዒሉ ሰብኣዊ መሰሉን ሃገራዊ ሓርነቱን ከውሕስ ኣለዎ። ሰብእዊ መሰላትና ከነውሕስ ፥ ሃገራዊ ሓርነትና ክንጓናጸፍ እንታይ ክንገብር ኣሎና ?
- ተበታቲንካን ፡ ተጐጃጂልካን ዝግበር ቃልሲ ኣየዕውትን እዩ ። ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ብዘይ ዝዀነ ኣፈላላይ ፥ ሓቢሩ ንመሰሉ ክቃለስ ኣለዎ ። ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ኣብ ዝነብረሉ ሃገር ዝቕመጠሉ ከተማ ክጥርነፍ (ክውደብ) ኣለዎ።
በዚአጋጣሚ ክንብሎ እንደሊ ሐይልታ ምክልኻል ኤርትራ፣ መሰረታዊ ዕላማኡ መባእታዊ መሰል ህዝብን ክብርታቱን ንምሕላው ስለዝዀነ አብ ጐኒ ህዝቢ ተሰሊፎኩም ሞትን ስደትን ህዝብና ሐንሳብን ንሐዋሩን ንኸብቅዕ ፥ ምስ ህዝቢ ተሰሊፍኩም ሃገርን ህዝብን ንከተድሕኑ ታሪኻዊ ሓላፍነትኩም እዩ ። ሓይልታት ምክልኻል ፥ ነቲ ስልጣኑ ንምንዋሕ ፥ ህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን ስርሐይ ኢሉ ሒዝዎ ዝጸንሐን ዘሎን ናይ ጥፍእት ስርዓት መሳርሒ ንኸይከውን ነማሕጽን ።
ሰብእዊ መሰላትናን ሃገራዊ ሓርነትናን ንምውሓስ ብጽንዓን ሓድነትን ንቃለስ !!
ምልኪ ይፍረስ ፥ ሕጊ ይንገስ !!!
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!!!
ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን
ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ፍራንክፈርት ንዕለት 11.11.2017
Sunday, 05 November 2017 12:18 Written by ህዝባውያን ሽማግለታት ጀርመንስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ንጽሃት ዘጋታትና ግፍዕታት ምግባር ይቅጽል። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ተመሃሮን ስድራበታትን ቤት ትምህርቲ ኣልድያዕ ኣል እስላሚያ ነቲ ብህግደፍ ዝተመደበ ምትእትታውን ምውራስን ቤት ትምህርቲ ከምኡውን ነቶም ዝተእስሩ ኣምሓደርቲ በትትምህርቲ ይፈትሑልና ብማለት ተቓውሞኦም ንምርእይ ሰለማዊ ሰልፊ ዝገበሩ ተመሃሮን ስድራቤታትን ብዘይ ንሕስያ ብጥይት ሃዲኑ ብብዝሒ ከምዝቀተለን ከምዝቐሰሉን ከምዝገበረ ኩላትና ኣብ መዲያ ንከታተሎን ንሪኦን ንርከብ።
ነዚ ኣረመናዊ ተግባራት ንምቕዋምን ነቶም ጀጋኑ ተመሃሮን ስድራን ኣመሓደርትን ቤት ትምህርቲ ኣልድያዕ ኣል እስላሚያ ኣልዒሎሞ ዘለው ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ጎድኖም ከምዘለና ንምግላጽን ከምኡውን ንዓለም ቀጻሊ ሽግራትና ንምሕባርን ኣብ ፍራንክፈርት ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ብደርጃ ጀርመን ክንገብር መዲብና ከምዘለና ንሕብር።
ሰላማዊ ሰልፊ ዝገበርሉ : ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኮይኑ ካብ ሃውትባንሆፍ ጀምሩ ብሃውትቫኸ ገሩ ኣብ ሮመር ፕላትስ ክበጽሕ እዩ።
(Frankfurt Hauptbahnhof à Hauptwache à Römerplatz)
መራኸቢ ቦታ : ፍራንክፈርት ሃውብት ባንሆፍ (Frankfurt Hauptbahnhof)
ዝግበርሉ መዓልቲ : ቀዳም ዕለት 11.11.2017
ዝግበርሉ ሰዓት : ካብ ሰዓት 11:00 ክሳብ ሰዓት 15:00 (ሰዓት 12:00 ጉዕዞ ይጅመር)
ኩሉ ደላይ ፍትሒን ሓላይ ህዝቡን ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብዚ ሰለማዊ ሰልፊዚ ሕልናን ሓቦን ብምጥራይ ዝገደፈ ገዲፉ ክርከብ ኣጥቢቕና ንላቦ።
Demonstration in Frankfurt / M am 11.11.2017 gegen Erschießung von Demonstranten in Asmara / Eritrea
Uhrzeit: 11:00 bis 15:00 Uhr
Treffpunkt: Hauptbahnhof Frankfurt (vor dem Haupteingang)
ጸዋዕቲ ሰላማዊ ሰልፊ ህዝባውያን ሽማግለታት ጀርመን
ከተማ ፍርንክፈርት : ከተማ ሽቱትጋር : ከተማ ኮሎን : ከተማ ካስልን: ካልኦት ከተማታት ጀርመንን
ናዕቢ ክለዓል አንከሎ እታ ክርቢት ትውለዓላ ስፍራ፥ እንተ ብመደብ እንተብሃንደበት፥ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን ብዝተፈላለዩ ሰባትን ክኸውን ይኽእል፥ ናይ ቱኑዝያ ኣብ ማእከል ሹቕ ብሰንኪቲ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞኡን ምረት ናብርኡን ንምግላጽ ነብሱ ብሓዊ ዘንደደ ቆራጽ መንእሰይ ተላዕለ፥ ኣብ ግብጺ ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር ብምትእኽኻብ ተጀመረ፥ ኣብ አርትራ ድማ ብተበግሶ ደቂ ኣኽርያ ተበጊሱ ኣሎ። እቲ መበገሲ ብሓደ ጉዳዩ ዘበገሶ ውልቀ ሰብ ይኹን ጉጅለ ከምኡን ሃይማኖት ወይ ዓሌትን ብሔርን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ወጻዒ ንኹሉ ዝብድልን ራህዋ ዘይህብን፡ ዓቢሱ ዘጨንቕን ክሳብ ዝኾነ፥ እቲ ሕቶ በየናይ ሸነኽን ምኽንያትን መዓስን ብመንን ይጅምር ብዘየገድስ ንኹሉ ዝምልከት ብምዅዋኑ ኢዩ ሰዓባይ ዝረክብ። ከምዚ ሎሚ ዘለናዮ፥ እቶም ኣፍና መሊእና ክንዛረብ ዕድል ረኺብና ዘለና፥ ኩላትና፥ ኣብ ዓዲ ነርና እንተንኸውን: ኩላትና ምተሳተፍናዮ´ሞ: ሳላ ተበግሶ ደቂ ኣኽርያ: ዕድመ ምልኪ መብቅዐ ነይሩ ዝብል እምንቶ ኢዩ ዘለኒ።
ኣብ´ዚ ዝበልኵዎ ተሞርኲስና ክንርእዮ እንከለና፥ ዝኾነ ብውጹዓት ወይ ውጹዕ ዝብገስ ተቓውሞን ዝስዕብ ናዕብን ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተወሲዱ ክሰዕብን ክራሰንን ምግባር፥ ክሳብ ኣብ ፍጻመ ዝበጽሕ ድማ ሕልና ከየዕረብካ ምድፋእን ይሓትት። መን፤ ወዲ መን፤ ወዲ ኣየናይ ኣውራጃ፤ ኣይናይ ሃይማኖት …… ወዘተ፡ ጀሚርዎ ኢልካ ኣብ ምፍታሽ ምእታው ግን ነቲ ታሪኽ ከፊቱልካ ዘሎ ዕድልን ኣኽእሎን ምዕጻው ማለት ኢዩ። ንፍለጦ ኣይንፍለጦ ድማ ኣንጻር ህዝብኻ ገበን ምፍጻም ኢዩ። ከም ውልቀሰብ ክሳብ ጊዜ ሞትካ ሕልናኻ ክወቕሰካ ክነብር ድማ ኢዩ። (ኣካል ወጻዕቲ እንተዘይኮንካ ማለት ኢዩ)። ስለዚ ከምቲ ናይ ሃገርና ዋዛ ምስቁምነገር ዝብሎ፥ ”ሱቕ በል እግረይ ጥራሕ ኢዩ ዝበልዕ ዘሎ” (ዝብኢ)፤ ክሳብ ኣብ ርእስኻ ዝበጽሕ ምጽባይ ሕሉፍ ዕሽነት ምዃኑ ድሮ ብዙሓት ኣብነታት ርኢና ኣለና። ንበርትዕ፤ ዓወት ይሃበና።
ተኽለ መለኪን 2/11/2017
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጋበርያ ናይ ጨቋኒ ስርዓት ምዃን ገዲፍካ ስቅያት ህዝቢኻ ዘብቀዓሉ መስመር ክትሕዝ ደጋጊምና ጻውዒት ክነቕርበልካ እዋኑ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ከምቲ ቅድሚ ሎሚ “ህዝብን ሰራዊትን ሓደ ኢድ” ዝብል ጭርሖ ዘቃላሕና፡ ሎሚ ውን ምልኪ ብምውጋድ ቅሳነትካን ቅሳነት ህዝብኻን ክተውሕስ ነዘኻኽረካን ንምሕጸነካን ኣለና።
እቶም ላዕለዎት ሰብ ጸሩራ ንዓኻ ምስ ህዝብኻ ኣዳምዮም፡ ጽባሕ ንግሆ መሬት ምስ ጸበበቶም ንገዛእ ርእሶም “እግረይ ኣውጽእኒ” ኢሎም ኣብ ተሓታትነት ከእትዉኻ ኢዮም። ንሶም ብዝገበርዎ ገበን ንስኻ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክትፍደዮ ኢኻ። ንስኻ ንበይንኻ ጥራሕ ዘይኮንካስ እንተላይ ስድራ ቤትካ ንዘልኣለም ኩኑናት ኮይኖም ክሳቐዩ ኢዮም።
በዚ ናይ ትማሊ 31 ጥቅምቲ 2017 ህዝቢ ንመሰሉን እምነቱን እንተሓተተ ንስኻ ኣብ ክንዲ ኣብ ጎኑ ድው ትብል ከም ጠለበዱ ብጥይት ክትሃድኖ፡ እቶም ተሃደንቲ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ምዃኖም ብሓቂ ዘንጊዒካ ዲኻ? እዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝብል ስያሜ ዝለበስካኮ ህዝቢ ክትቀትልን፥ መሰሉ ክትዕፍንን ዘይኮነስ፥ መሰል እቲ ካብኡ ዝወጻእካ ህዝቢ ንኸተኽብር እዩ። ነዚ ጥሒስካ በትርን እምንን ንዝሓዘ ዓቕሉ ዝጸበቦ ሰላማዊ ህዝቢ ብብረት ክትምልዕሶ እንከለኻስ እምበርዶ ኤርትራዊዶ ኤርትራ ኢኻዶ ኣየብለካን?
በዚ እንተቐጺልካ፡ ጽባሕ ካብ ተሓታትነት ክተምልጥ ዘይትኽእልን ገበነኛ ምዃንካ ክትርዳእዶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣደታትካ ክሕጎሳን ክቐስናን እምበር፥ ብካብ ከሰዕአ ዝወጻእካ ክሓዝናን ክበኽያን እስኪ ኣስተውዕል። ሰራዊት ምኽልኻል ሃገር ከምቲ ስምካ ዝሕብሮ ዘይትዋሳእ። ስርዓት ኢሰያስ ስርዓት ውሑዳት፥ ተረባሕቱ እውን ከምኡ ውሑዳት ኢዮም። ንስኻኸ እንታይ እዩ ረብሓኻ? እዚ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣልእስላምያ ጉዳይ ጽባሕ ኣብ መንጎ ህዝቢ ክፈጥሮ ዝኽእል ሓደገኛ ኩነት ንስኻ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈጠርካዮ ኮይኑ ከም ገበነኛ ከሕትተካ እዩ።
በዚ ንስኻ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ዝወሰድካዮ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ፡ ኣብቲ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ክኸፋፍል ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ናይቲ ንኤርትራዊ ብዙሕነት ናይ ምግሃስ ውዲት ተኻፋሊ ትኸውን ኣለኻ። ተግበርቲ ናይቲ ውዲት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ረብሓኦም ረብሓኻ ኣይኮነን። ዘርብሑኻ ነይሮም እንተዝኾኑ እስከ ህልዊ መነብብሮኦምን መነበባሮኻን ኣወዳድሮ። ንስኻ ካብዚ ህልዊ ወጻዒ ስርዓት ዝረኸብካዮ ረብሓ፡ ዘይክፈሎ ውትህድርና ስደትን ሳዕቤናቱን እዩ። ስለምንታይ ኢኻኸ ዓይኒኻ ኣዕሚትካ፡ እዝንኻ ዓጺኻን እእምሮኻ ኣደንቊርካን እትወስዶ ዘሎኻ ስጉምት፡ ንኣኻ ንስድራኻን ህዝብኻን ዝልክም ምዃኑ ዘይስቖረካ?
ኣንታ ንሃገርን ህዝብን ክትሓስብ ሓደራ ዘለካ ሰራዊት ብውሑዳት ተረባሕቲ ሕቚኻ ይስበር ከምዘሎ ስለምንታይ ዘይተስተብህል። ሰራዊት ደርጊ፡ እቲ መሳርሒ ዝገብሮ ዝነበረ ስርዓት ምስወደቐ ፍቕርን ደገፍን ህዝቢ ተነፊግዎ፡ ኣብ ምንታይ ሓደጋ ከምዝወደቐ ትምህርቲዶ ኣይኮነካን እዩ። ንስኻ እውን ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ ደው እንተዘይ ኢልካ ጽባሕ መሬት ምስ ወገሐ ህዝቢ ኣይናተይን ምስ በለካ ኣብ ዘይምለስ ጣዕሳ ክትወድቕ ኢኻ።
ኣንቱም ንመላኺ ስርዓት እተሻድኑ ዘሎኹም ውሑዳት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልካል ሃገር’ውን፡ ጽባሕ ምስ ወገሐ ህዝቢ ባዕሉ ብወረጦ ክለቕመኩም እዩ። ካብ ዓይኒ ህዝቢ ዝኽወል ነገር ከምዘየለ ክትስትውዕሉ ድማ ህልዊ ኩነታት ይሓተኩም ኣሎ። “ምኸሮ ምኸሮ፡ እንተኣበየ መከራ ይምከሮ” ከም ዝበሃል፥ ደጊም ጨቋኒ ስርዓት ብኣባላት ምክልኻል ኣቢሉ ህዝቢ ንከበሳብስ ትንፋስ ትሰዂዓሉ ዘለኻ ንስኻ ሰራዊ ኢኻ። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ካባኻ ካብ ውላዱ ዘራይ እንተሰኣነ ጽባሕ ግን ብናቱ ልዕልና ብዝወጽእ ሕጊ ሕነ ክፈዲ ግድን’ዩ እሞ ካብዚ ንምድሓን ካብ ስምዒታዊ ኣካይዳ ወጺእካ፡ ኣብ ጐኒ ህዝብኻ ክትስለፍ እዋኑ እዩ። ደጊም ኤርትራውያን ኣዴታት ብሰንኪ ሰራዊት ባዕዲ ዝነበዐኦን ጸሊም ዝተኸድነኦን ይኣኽለን። ብሰንዲ ውላደን ክነብዓን ጸሊም ክኽደናን ዕዳኡ ናባኻ ከቢድ ምዃኑ ኣስተብል። ኣዚ ጉዳይ “ደጊም ይኣክል” ክበሃል ይግበኦ።
ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ
Wednesday, 01 November 2017 13:58 Written by ሽማግለ ማሕበርማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ፡ መዲብዎ ዝጸንሐ ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር ብዕለት 29-10-2017 ኣካይዱ። እዚ ማሕበር’ዚ “ ጥርናፈ ህዝብና ዋሕስ ዓወትና እዩ “ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጨርሖ ዝተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር ተሳተፍቲ ካብ ኣምስተርዳምን ከባቢኡን ዝተሳተፍዎ ኰይኑ ፥ ብሽማግለ ማሕበር ፡ ዓመታዊ ጸብጻብ ፥ ማለት ዝተኻየዱ ንጥፈታት ናይ ህዝባዊ በዓላትን ፡ ምስ ኣብ ሆላንድ ዝርከቡ መንግስታዊ ትካላት ዝትየኻየዱ ርኽክባት ፡ ብሓፈሻ እዚ ማሕበር እዚ ንኽድልድል ዝተኻየዱ ጐስጓሳት ፡ ከምኡ’ውን ገንዘባዊ ጉዳያት ዘጠቓለለ ጸብጻብ ፡ ቀሪቡ። ኣኼበኛ ብወገኑ ንዝቐረበ ጸብጻብ ግቡእ ገምጋምን ምዛናትን ብምግባር ፡ ሃናጺ ርእይቶታት ብምቕራብ ንዝቐረበ ጻብጻብ ብኣወንታ ተቐቢልዎ። ድሕሪ ዝቐረበ ጸብጻብ ፡ ዝነበረ ነጥበ ክትዕ ኣጀንዳ፥
1. ኣብ መደብ ዕዮን ዓንዲ-ሕጊ ማሕበርን ክመሓየሽ ዘለዎ ጉዳይ ምርኣይ
2. ማሕበርና ዝስስነሉን ኣብ ካልኦት ከተማታት ብተመሳሳሊ ዝትከለሉ ጐስጓሳትን ምክያድ
3. ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብና ፡ ከባቢናን ምርእይ
⦁ ብፍላይ’ውን ሓድነት ህዝብና ንምብትታን ዝካየድ ዘሎ ትሕተ ሃገራዊ ውደባታን ጐስጓሳትን ብዓቕምና ክንምክቶም ዘሎና ብድሆታትን ርኢና።
⦁ ከነስተውዕለሎም ዘሎና ፡ ብቐረባ ጸለውቲ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ….ወዘተ
4. ምምራጽ ኣካያዲት ሽማግለ ማሕበር
ኣኼበኛ ፡ ኣብ ዝተጠቕሱ ነጥበ ክትዕ ኣጀንዳ ብዕምቆት ፡ ኣብ ናይ እንካን ሃባን ተደጋጋፊ ሓላፍነታዊ ልዙብ ርእይቶታት ተጸምደ። ኣገደስቲንሃነጽትን እዋናውያን ንጥፈታትን ክካየዱ ርእይቶታትን ለበዋታትን ቀሪቦም ።
ብድሕሪዚ ምምራጽ ሓዳስ ኣካያዲት ሽማግለ ፡ ሓደ ካብቲ መደብ ስለዝነበረ፥ ብምልኡ ኣኼበኛ ፥ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣካያዲት ሽማግለ ማሕበር ኣቚምና ። ናይዚ መዓልቲ’ዚ ኣኼባ ፍሉይ ዝገብሮ ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብመሰረት ዕላማ ማሕበር ሓላፍነታውን ፡ ልዙብ ሃናጺ ዝደጋገፍ ርእይቶታቱን ንዕላማ ማሕበር ዘደንፍዕ ፥ ሞራል ዝህብ ምንባሩ ንኩሉ ኣባል ምስጋናን ሞጐስን ይግባእ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኩሉ ኣብ ሆላንድ ዝነብር ኒሕ ዘለዎ ኤርትራዊ ክንብሎ እንደሊ፥ ሓድነት ህዝብና ኣብ ሕሉፍ ዘካየዶን ብሕጂ ከካይዶ ዘሎውን ወሳኒ ስለዝዀነ ፥ ንሓድነትና ንክብትኑ ዝካየዱ ወስታታት ንምብዳህ ፡ ናብ ሃገርናን ህዝብናን ዝጠመተ ነጻ ማሕበር ኣብ እትነብርሉ ከተማታት ከተቑሙ በዚ ኣጋጣሚ ንጽውዕ ።
ህዝባዊ ውደባ ይሰስን !!
ሓድነትና ዋሕስ ዓወትና እዩ !!
ሽማግለ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን
ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝባን-ሕጊ’ዮም-!! ዝብሉ ዘለዉ
Wednesday, 01 November 2017 10:22 Written by ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮንብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን
ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ
ነገራት ካብ ሥሩዕ መንገዲ ወጺኦም ክበላሸዉ ከለዉ፥ ኅብረተ-ሰብና ዝጥቀመሉ ሓደ ኣበሃህላ ኣሎ። ንሱ ድማ ነቲ ንሕጊ ኣኽብሮት ዘይብሉ ወገን፥ ሥርዓት ንምትሓዝ ክድለ ከሎ “-ዝባን-ሕጊ-” ዝብል ኣበሃህላ ክጥቀም፥ ኅብረተ-ሰብና ክሠርሓሉ ዝጸንሐ ባህልና’ዩ። ስለዚ’ውን እቲ “-ዝባን-ሕጊ-” ዝብል ቃል፥ ከም ታቦት ዝፍራህን ዝኸብርን ቃል ስለ-ዝነበረ፥ ብምንም ተኣምር ረጊጽካዮን ጥሒስካዮን ክኽየድ ይከኣል ከም-ዘይነበረ፥ እቲ ነባር ባህልና ሕያው ምስክር’ዩ።
ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ቤተ-ክርስቲያን-ተዋሕዶ ድማ፥ ነገራት ካብ ዝበላሸዉ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። ንምዕራዮም ወይ ሥርዓት ንምትሓዞም ተባሂሉ፥ ዝተገብረ ጻዕርን ድኻምን’ኳ ብዙሕ እንተኾነ፥ ዛጊት ዘምጽኦ ለውጢ ግና ኣሎ ኣይበሃልን። ስለዚ ድማ እዛ ብቕድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ጥንታዊት ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፥ ንህልውናኣ ኣብ ዝፈታተን ቀራና-መንገዲ ትርከብ ምህላዋ፥ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።
ስለዚ ድማ’ያ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ኣደራዕ ክትቅበል ትርከብ ዘላ። ስለዚ ድማ’ያ በብግዚኡ ተሸይሞም ብዝተላእኩላ ፓትርያርክታት፥ ክትምራሕ ዝጸንሐትን ሕጂ’ውን ዘላን። ክሳብ ሕጂ ግና ባዕላ ይደልዎ ኢላ ዝመረጸቶ ፓትርያርክ የብላን። ብሕጊ ዝቖመን ንሕጊ ዝግዛእን ሲኖዶስ ከይሃለወ ‘ውን፥ ሲኖዶስ ወሲኑዎ እናተባህለ፥ መወዳእታ ዘይብሉ ዕንወት ክፍጸም ጸኒሑ’ዩ። ንእምነትን ረብሓን ቤተ-ክርስቲያን ዝውክል ሲኖዶስ ግና፥ ትማሊ ኣይነበረን ሎሚ’ውን ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።
ካብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ክፍለ-ዘመን ጀሚራ ድማ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ፖለቲካ ተታሒዛ እናሃለወት፥ ነፃ’ያ ተባሂላ ክንገረላ ጸኒሑ’ዩ። ነፃ ግና ኣይነበረትን፥ ነፃ ኮይና’ውን ኣይትፈልጥን። የግዳስ ዝተኣዘዘቶ ክትፍጽምን ዝተጻሕፈላ ከተንብብን ከም-ዝጸንሐት’ዩ እቲ ታሪኻ ዝዛረብ። ከም-ዝፍለጥ ብስማ ብዙሕ ተባሂሉ ብዙሕ’ውን ተገይሩ’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ዝበሃልን ዝግበርን ግና፥ እታ ብጳጳሳታ ዝተጠልመት ቤተ-ክርስቲያን፥ ምንም ትፈልጦ ነገር የብላን።
ይኹን እምበር እቲ ኣብ ልዕሊ’ዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰተ-ሕጊ፥ ምስ ማእሰርቲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዘተሓሕዙዎ ኣለዉ። እዚኣቶም ግና እቶም ንጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ብርሑቕ ዝፈልጥዎ ጥራይ’ዮም ክኾኑ ዝኽእሉ። ከመይሲ ቅድሚ’ቶም ፓትርያርክ ምእሳሮም፥ ኣብ ዝነበረ ግዜ ክልተ ፓትርያርክ ነይሮም’ዮም። ንሳቶም ግና ብሽመት ዝመጹ እምበር፥ ብመንገዲ ቀኖና ክምረጹ ዝኸኣሉ’ዮም ነይሮም ዝበሃል ታሪኽ የልቦን።ማለት ኣብ መንጎ ሽመትን ምርጫን ዘሎ ፍልልይ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ። ክሳብ ራብዓይ-ፓትርያርክ ድማ፥ ብሽመት እምበር ብምርጫ ዝመጸ ፓትርያርክ፥ ኣሎ ዝበሃል ታሪኽ ከምዘየሎ፥ ግልጺ ዝኾነ ሓቂ’ዩ። እንድሕሪ ነገር ክጅመር ከሎ፥ ካብ ሱሩ መሠረቱ ነፃ ዘይነበረት ድማ፥ ነፃ ኮይና ፓትርያርክ መሪጻ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።
ስለዚ እቲ መንበረ-ፓትርያርክ ብመጀመርታ፥ “ሀ” ኢሉ ክቐውም ከሎ፥ ኣብ መሠረት ሕጊ ረጊጹ ክቐውም ዕድል ኣይረኸበን። ኣብቲ እዋን’ቲ እቶም ሓደ ክልተ ንቕሓት ነይሩዎም ዝበሃሉ ዉሉደ-ክህነትና፥ እቲ ዘይሕጋዊ ኣከያይዳ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ኣጸቢቑ ይርድኦም’ኳ እንተነበረ፥ እቲ ኣብ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶና ዝነበረ ንቕሓት ግና፥ ኣብ ማእከል ቤተ-ክርስቲያን እንታይ ይግበር ከም-ዝነበረ፥ ክፈልጥ ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ንቕሓት ዝበጽሐ ስለ-ዘይነበረ፥ ዝበልካ ኣንተበልካ’ውን ክግበር ዝከኣል ነገር ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ ዋና ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ሕዝቢ፥ እቲ ዝፍጸም ዝነበረ ግህሰተ-ሕጊ ተረዲኡዎ ክልዓል እንተ-ዘይክኢሉ፥ ውሉደ-ክህነት ንበይኑ ክግበሮ ዝኽእል ኣይነበረን።
ስለዚ’ውን ነዚ ዝተባህለ ድኽመት ከም ምኽንያት ብምጥቃም፥ እቲ ፖለቲካዊ-ኃይሊ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስቲያን ኢዱ ክመልስን፥ ንኽቈጻጸራ ዘኽእሎ’ውን ምቹእ-ባይታ ስለ-ዝፈጠረ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ከም ሓንቲ መንግሥታዊት-ትካል ተቘጺራ፥ እቲ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኻ ክሳብ እትስእን ታሕቲ ወሪዳ፥ ዝበሉዋ ክትከውን ወይ ዝኣዘዙዋ ክትፍጽም ምጽንሓ ዝፍለጥ’ዩ። ብግዳም ንዝርኢ ግና፥ ሲኖዶስን ፓትርያርክን ዘለዉዋ፥ ነፃ ቤተ-ከስቲያን መሲላ’ያ ክትርአ ጸኒሓ። እቲ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ሓቂ ግና ብኣንጻሩ ካልእ’ዩ ነይሩ።
ነዚ ሕጊ ዝረግጸ ኣከያይዳ’ዚ፥ በብግዚኡ ክቃወሙ ዝጸንሑ ኣቦታት ነይሮም’ዮም። እቲ ክበጽሖም ዝጸንሐ ዕጫ ግና ተነጽሎን ማእሰርትን ስደትን እዩ። ከም መቐጸልታ’ዚ ኩሉ ከኣ’ዩ፥ እቶም ተስፋ ቤተ-ክርስቲያን ክኾኑ’ዮም ተባሂሉ ብብዙሕ ትጽቢት ክግበረሎም ዝጸንሑ፥ ሠለስተ-ካህናት መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም፥ ካብ ዝሓለፈ 13-ዓመት ጀሚሮም፥ ኣብ ትሕቲ መቑሕ ኣትዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ኣብዚ ፍጻሜ’ዚ ድማ ብኣውርኡ እቲ ብዮፍታሔን ሃብቶም ርእሶምን ክዝወር ዝጸንሐ መንበረ-ፓትርያርክ፥ ዋና ከሳስን ተዋሳእን ኮይኑ ምርካቡ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ከመይ ዝበለ መጻብቦ ኣትያ ከም-ዝጸንሐትን ከምዘላን፥ ንምርድኡ ዝጽግም ኣይኮነን።
ብመንጽር’ዚ ኣበሃህላ’ዚ ክርአ ከሎ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ዋና ነይሩዎ ክበሃል፥ ምስቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ሓቂ ክሳነየልና ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ ድማ’ዩ እቲ ዝኾነ ሞያ ነይሩዎ ዘይበሃል ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ፥ መሳልል-ፖለቲካ ተጠቒሙ ኣብ መንበረ-ፓትርያርክ እግሩ ከዕርፍ ዝኸኣለ፥ እቲ “-ዋና-ጸሓፊ-” ዝብል ዝነበረ መደብ ሥርሑ፥ ናብ “-ዋና-ኣማሓዳሪ ቤተ-ክርስቲያን-” ብምቕያር ድማ፥ ነታ ዋና ዝሰኣነት ቤተ-ክርስቲያን፥ ንልዕሊ 13-ዓመት ዝኸውን ከም-ዘይሓልፍ ክፍርሳን ከዕንዋን ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።
መወዳእታኡ ግና እቲ ደምበ-ተዋሕዶና፥ ነቲ ኩሉ ኣፍራሲ-ተልእኮ ዮፍታሔ ተጻዊሩዎ ክኸይድ ዝኽእል ኮይኑ ስለ-ዘይተረኽበ። ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝመርሑዎ ኃያል ተቓውሞ፥ ከልዕል ከም-ዝኸኣለ ዝፍለጥ’ዩ። በዚ ተቓውሞ ‘ዚ ድማ፥ እቶም ክልተ ብዕድልን ገንዘብን ቤተ-ክርስቲያን ከላግጹ ዝጸንሑ፥ እኩያን ተባሂሎም’ውን ክግለጹ ዝኽእሉ፥ ማለት ዮፍታሔ ዲሜጥሮስን ሃብቶም ርእሶምን፥ እቲ ተቓውሞ ብዘልዓሎ ማዕበል፥ ካብ ደምበ መንበረ-ፓትርያርክ ተሓግሒጎም ክወጹ ከም-ዝተገብረ፥ ኩሉ ዝፈልጦ ናይ ትማሊ ታሪኽ እዩ።
ይኹን እምበር እቲ መንበረ-ፓትርያርክ ግና፥ ጸርዩ ክጸሪ ዝኽእል ኮይኑ ኣይተረኽበን። ስለዚ ድማ ብድሕሪ ዮፍታሔን ሃብቶምን’ውን፥ ኣባ-ሉቃስ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ሰላም ክህቡዋ ዝደልዩ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። ኣብ ዓዲ ጥራይ ዘይኮነ፥ ካብ ኤውሮጳ ክሳብ ኣሜሪካ ዝርከብ ሰበኻታት፥ ሰላም ከም-ዘይርከብ ንምግባር ብቐጻሊ ሓዊ ክመልሱሉ’ዮም ዝተላዕሉ። እቲ ካብ ኣፎም ክወጽእ ዝስማዕ ዘሎ ቃላት፥ ካብ ሓደ ናይ ፖለቲካ ካድረ እምበር፥ ካብ ኣፍ ሓደ ኣብ መዓርገ-ጵጵስና ዝርከብ ጳጳስ ክወጽእ፥ ዝኾነ ሰብ ክጽበዮ ዝኽእል ኣይነበረን። ንሶም ግና በቲ ጥዑም ክዛረብ ዘይተዓደለ ልሣኖም ኣቢሎም፥ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ከናውጹዋ ዋና ሥርሐይ ኢሎም ተታሓሒዞሞ ይርከቡ ኣለዉ።
እቲ ምስ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዕርቂ ተገይሩ ብምባል፥ ዝጀመሩዎ ናይ ሸፈጥ-ጸወታ ከኣ፥ ገና ከይተበገሰ ከሎ’ኳ ምፍሻሉ እንተ-ተረጋገጸ፥ ንሶም ኣባ-ሉቃስ ግና ሕጂ’ውን ዓሪፎም ክቕመጡ ዝደልዩ ኮይኖም ኣይረኣዩን ዘለዉ። እቲ ብመሪሕነቶም ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ጸቕጢ ብምግባር፥ ክትግበር ዝተደልየ እኩይ ፈተነ’ውን፥ ሓንሳዕ ጥራይ ዘይኮነ ተደጋጋሚ ፍሽለት’ዩ ከጋጥሞ ዝተራእየ። ንሶም እዞም ጸረ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ኣቕዋም ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ጳጳስ እዚኦም ግና፥ ሕጂ’ውን ካብቲ ቤተ-ክርስቲያን ንምንዋጽ ዝተበገሱሉ እኩይ ሓቐነ፥ ንድሕሪት ክምለሱ ዝደልዩ መሲሎም ይረኣዩ የለዉን። እኳደኣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ሰላምን ምርግጋእን ከም-ዘይርከብ ንምግባር፥ ኣበርቲዖም ይንቀሳቐሱ ምህላዎም፥ ክንደይ ዘጉሂ ክንደይ ከኣ ዘሕዝን’ዩ። ንሕና ግና እግዚኣብሔር ይቕረ ይበለሎም ምባልና ክንቅጽል ኢና።
እምበኣር ነዚ ኩሉ’ዚ ክዕዘቡ ድሕሪ ምጽናሕ’ዮም፥ እቶም ኩሉ ግዜ ሓበን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝኾኑ ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን፥ ኣንጻር ኣባ-ሉቃስ ሕጂ’ውን ተቓውሞ ኣልዒሎም ዝረከቡ ዘለዉ። ርግጽ’ዩ ኣባ-ሉቃስ በዓል-ግዜ ከም ምዃኖም መጠን፥ ነቶም ገዳማውያን ኣቦታት ኣብ ሞቁሕ ከእትዉዎምን፥ ናዅራ ከም-ዝሰፍሩ ክገብሩዎምን ይኽእሉ እዮም። ግዳስ ኣንድዒ ደኣ ንዕኦም ዘይርኣዮም ከይከውን እምበር፥ ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶናስ ብማእሰርትን ሞቑሕን ዝፍታሕ ዕጥቂ ከም-ዘየልቦ ክርድኡ ምተገብኦም ነይሩ’ዩ።
ከመይሲ ባዕሎም ኣባ-ሉቃስ ንመቑሕ ኣሕሊፎም ዝሃቡዎም፥ ካብ ዝሓለፈ 13-ዓመት ጀሚሮም ተሞቒሖም ዝርከቡ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ዉሑዳት ኣይኮኑን። እንተኾነ “-እስመ በእንቲኣከ ይቀትሉነ ኩሎ ኣሚረ። ወኮነ ከመ ኣባግዕ ዘይጠብሁ። ንቃህ እግዚኦ ለምንት ትነውም-” እናበሉ ደኣ፥ እታ እግዚኣብሔር መልሲ ዝህበላ መዓልቲ ይጽበዩ ኣለዉ እምበር፥ ዕጥቁ ፈቲሑ ንድሌት በዓል ኣባ-ሉቃስ ዝምብርከኽሲ፥ ዛጊት ተረኺቡ ዝበሃል ታሪኽ ኣይተሰምዐን። እዚ ከኣ ኣባ-ሉቃስ ኣዐርዮም ይፈልጡዎ እዮም።ስ
ብዝተረፈ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ, ቀሲስ-ገብረ-መድኅን ገብረ-ጊዮርጊስ, ቀሲስ-ፉጹምብርሃን ገብረ-ንጉሥ, ቀሲስ-ተኽለ-ኣብ መንግሥተ-ኣብ, መሪ-ጌታ ይትባረክ በርሀ፥ በደልኩም ኣሚንኩም ይቕሬታ ሓቲትኩም ድሕሪ ምፍራም፥ ክትወጹ ትኽእሉ ኢኹም ዝብል ብመዓር ዝተሸፈነ ዕረ ቀሪቡሎም ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።
ንሳቶም እቶም ምእንቲ ቅድስናን ክብርን ቤተ-ክርስቲያን ክብሉ፥ ኣብ መቑሕ ዝበልዩ ዘለዉ ኣቦታት ግና፥ ኣብቲ ዝተዳለወሎም መጻወድያ ሕራይ ኢሎም ዝኣትዉ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ነቶም ሕማም ርእሲ ቤተ-ክርስቲያን ኮይኖም ዝንቀሳቕሱ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ፥ ይጠፍኦም’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።
ብዝተረፈ ኣብቲ 2 መስከረም 2010 ዓ/ም (2017) ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዘሕለፉዎ ቃለ-ውግዘት፥ ንኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን “-ሕዝበ ክርስቲያን ዘፋልስን፥ ቤተ-ክርስቲያን ዘፍርስን-” ተግባር ኣብ ምፍጻም ይርከቡ ኣለዉ ብምባል፥ ነቲ ተግባሮም ኣውጊዞሞ ኣለዉ። ግዚኡን ሰዓቱን ሓልዩ ዝተወስደ ቃለ-ውግዘት ብምዃኑ ድማ፥ ምሉእ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ ዝደገፎን ዝተሰማማዓሉን ውሳኔ ኮይኑ’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ውግዘት’ዚ ከኣ ብምንም ዓይነት ጥሒስካዮ ክሕለፍ ዝግባእ ኣይነበረን። እቶም ጳጳስ ክትብሎም ዘጸግሙ ኮይኖም ዝርከቡ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ ግና፥ ሕጂ’ውን ጌግኦም ክእርሙን ኣብ ልቦም ክምለሱን ዝደልዩ መሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ።
ናቶም ከይኣክል ግና፥ እቶም ብቅዉም-ነገር ዝፍለጥ ታሪኽ ኣለዎም ዘይበሃሉ ኣባ-ቄርሎስ፥ ነቲ ሲኖዶስ እውክል’የ ብምባል ጠበቓ ኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን ኮይኖም ክርከቡ ምድላዮም’ዩ። ግዳስ ወዮ ደኣ ንሶም ዝፈልጡዎ ነገር ዘይብሎም ኮይኖም እምበር፥ ፓትርያርክ ዘይብሉ ሲኖዶስ፥ ሲኖዶስ ክበሃል ከም-ዘይከኣል፥ በየናይ ቋንቋ እንተ-ዝንገሮም ኮን ክርድኦም ምኸኣለ ይኸውን-?! ንሶም ኣባ-ቄርሎስ ግና፥ ምስ ቤተ-ክርስቲያን ተረሓሒቖም ማዕዶ ተቐሚጦም ይርከቡ ስለ-ዘለዉ፥ ዘይተጻሕፈ ከንብቡ እንተ ተራእዩ ዘገርም ኣይኮነን።
ብዝተረፈ እንኳንዶ ንኻልኦት፥ ንርእሶም ክውክሉኳ ዘይክእሉ ክነሶም፥ ጠበቓ ካልኦት ኮይነ ክርከብ’የ እንተበሉ፥ እቲ ስበት ደኣ ምስሓቡ ከይ-ጨንቆም እምበር፥እኽእል’የ በሃሊ እንተደኣ ኮይኖምሲ፥ እንሆ ፈረስ እንሆ ሜዳ ካብ ምባል ሓሊፍና፥ ክንብሎም እንደሊ ካልእ ዘረባ የልቦን። ከመይሲ ኣባ-ቄርሎስ ኢሎም ኣይሎም ከምጽኡዎ ዝኽእሉ ለውጢ ስለ-ዘየሎ’ዩ።
ንመንነት ኣባ-ቄርሎስ ካብ ዝገልጽ ሓደ’ውን፥ እቲ ቤተ-መቕደስ ኣምላኽ መሕብኢ ብረት ክኸውን ብምፍቃዶም ምኽንያት፥ ሰርቲፊኬት ክቕበሉ ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ዝቐረቡሉ ግዜ፥ ኣርበኛ ተባሂለ ኢሎም ኩርዕርዕ ኢሎም ክርኣዩ ምድላዮም፥ ብዙሓት ብዕድል’ታ ዘይተዓደለት ቤተ-ክርስቲያን ክሓዝኑ ከለዉ፥ በቲ ታሕቲ ዝወረደ ዘሕፍር ተግባርም ድማ፥ ዝሓፈሩ ዉሑዳት ኣይነበሩን። ካብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ታሕቲ ወሪዶም መዓርጎም ዘዋረዱ ጳጳሳት ከኣ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ እትጽበዮ ተስፋ የብላን።
ብዝኾነ ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን፥ ኣንጻር ኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን ዘሕለፉዎ ውግዘት፥ ዝበልካ እንተበልካ ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ውግዘት’ዚ ንኸይፍጸም በዓል ኣባ-ሉቃስ ክፈጥሩዎ ኣብ ዝኽእሉ፥ ኣድማን ሕልኽልኽን ተሳታፊ ኮንካ ምርካብ፥ ኣንጻር ቤተ-ክርስቲያን ምስላፍ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ብዝተረፈ እዚ ውግዘት’ዚ፥ ኣቕሊልካ ክርአ ስለ-ዘይግባእ፥ እቶም ዘራያት በዓል ኣባ-ሉቃስ ኮይኖም ክለዓሉ ዝኽእሉ ወገናት፥ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኢዶም መሊሶም ከይርከቡ፥ ተዓገሱልና ኢልካ ምጥንቃቖም ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓና።
ከመይሲ ንሕቶ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣይሰምዕን’የ ምባል፥ ፈኸም እናበለ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ከይሃለዎ ስለ-ዘይተርፍ፥ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብናይ ትማሊ ዓይኒ ክትርእዮ ምፍታን፥ ዘይተደልየ ጸገም እምበር ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂ፥ ከምቲ ቅድሚ ዕሥራ-ዓመት ዝነበሮ፥ማንም መጺኡ ክዕንድረሉ ዝኽእል መድረኽ ከም-ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ። ማለት ሕጂ ዋናታት ዘለዉዎ መድረኽ ክኸውን በቒዑ’ዩ። ስለዚ እቲ ብከም በዓል ኣባ-ሉቃስ ኣቢልካ ክግበር ዝድለ ናይ ፖለቲካ ጸወታ ክብቅዕ ኣለዎ በሃልቲ ኢና።
ስለዚ ነዚ ብኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ኣቢሉ ዝቐርብ ዘሎ ተቓውሞ፥ ብጐነጽ ወይ ብማእሰርቲ ኣቢልካ ፍታሕ ክርከበሉ ኢልካ ምሕሳብ፥ ብልቦና ዝተጠመተ ኣሠራርሓ’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። የግዳስ እቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክውክሉ ዘይክእሉ፥ ምስ ከም በዓል ኣባ-ሉቃስ ክሠርሑ ካብ ምድላይ፥ ንሕዝቢ ተዋሕዶ ክውክሉ ምስ-ዝኽእሉ ኣቦታት ርክብ ብምግባር፥ እቲ ጸገም ክታሕ ክረኽበሉ ዝኽእል መንገዲ ክርከብ ምተኻእለ።
ይኹን እምበር ንዝኾነ ዝቐርብ ሕቶ ኣይሰምዕን ኢልካ፥ ከምኡ’ውን ንፓትርያርክ-እንጦንዮስን ንካህናት መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለምን ኣብ ትሕቲ መቑሕ ሒዝካ ግና፥ ክመጽእ ዝኽእል ዝኾነ ፍታሕ ክህሉ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት የብልናን። ስለ’ዚ እቲ ንበዓል ኣባ-ሉቃስ ከም መጋበሪ ብምጥቃም፥ ክግበር ዝድለ ጸወታ ኣብዚ’ዩ ከብቅዕ ዘለዎ። ድሕሪ ደጊም ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻርና ጌርና ክንሕዛ ኢና ምባል፥ ኣብ ድቃስ ኮንካ ዝሕለም ሕልሚ እንተ-ዘይኮይኑ፥ ክትግበር ይኽእል’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።
ከመይሲ ትማሊ ዋና ኣይነበራን። ሎሚ ግና ክብሪ ንዕኡ ንመድኃኔ-ዓለም ይኹን፥ ንዝኾነ መድረኽ ክገጥሙ ዝኽእሉ ምሁራን ወሊዳ’ያ። ስለ’ዚ እቲ ክሳብ ሕጂ ክግበር ዝጸንሐ ናይ ፖለቲካ-ጸወታ፥ ድሕሪ ደጊም ክድገም ከም-ዘይከኣል ምፍላጡ ኣገዳሲ’ዩ። ስለዚ ድማ ኢና እቲ ብኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝተመሓላለፈ ውግዘት ሕጋዊ ስለ-ዝኾነ፥ ነቲ ብኃይሊ ንምዕጋቱ ክግበር ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ-ምትእትታው፥ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ስለ-ዝኽእል፥ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ንሕዝቢ-ተዋሕዶ ዝግደፍ ዕዮ ገዛ ደኣምበር፥ ሰብ-ፖለቲካ ዝጭነቑሉ ጉዳይ ክኸውን ኣይግባእን ንብል ዘሎና።
ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን
ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ
ዝኾነ ይኹን ሰብ ርእይቶኡ ክህብ መሰሉ እኳ እንተኾነ፥ እቲ ርእይትኡ ግና ቅቡል ዲዩ ኣይቅቡልን፥ እወንታ ዲዩ ኣሉታ ተባሂሉ ክምዘን ጽቡቕ እዩ። ብድፍኑ ኣየናይ ይሓይሽ ከይተመራመርካ ንዝኾነ ይኹን ርእይቶ ምንጻግ ወይ ከኣ ብኣሉታ ምምዛን ነቲ ጉዳይ ብግቡእ ክንርዳእ የድሊ። እወ! “ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ ደው በል” ዝብል ጻውዒት ወይ ርእይቶ ንኹልና ዘኽስብ እምበር ዘኽስር ኣይኮነን።
መጀመርያ እዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ኣድራዕን መከራን ዝተፈልየ ራህዋን ቅሳነትን የብሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ኣብ ውሽጡ ብዋሕዲ ደሞዝ፥ ሕማቕ ምሕደራ፥ ዘይምዕሩይ ኣተሓሕዛ ይሳቐ ከምዘሎ ኩልና እንርድኦ ሓቂ እዩ። እወ! እዚ ሰራዊት እዚ ንኹሉ መከራ፥ ጥሜትን፥ ዕርቃንን ተጻዊሩ ንድሌታት እቲ መላኺ ስርዓት ብድፍኑ ብዕግበቱ የገልግልን ይፍጽምን ኣሎ ክንብል ግን ኣንጻር ለውጢ ተዓጠቕ ንብሎ ኣሎና ማለት እዩ ዝኸውን።
ቅድም ቀዳድም እዚ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ሰራዊት ዋላ እኳ ብፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ዘይተመልመለ እንተኾነ ናይ ፖለቲካ ሀ-ሁን ዲሞክራሲያዊ ራኢን ፍጹም ዘይብሉ ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ሰራዊት እዚ ኣብ ስለስተ ክፋላት ከፊልና ምርኣዩ ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ክፋላት እዚ ከኣ ላዕለዋይ፥ ማእከላይን ታሕተዋይን ጽፍሕታት ዝሓዘ ቀጸላታት ዘለዎ እዩ። እቲ ላዕለዋይ ጸፍሒ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ በቲ ማእከላይ ጽፍሒ ኣቢሉ ነቲ ታሕተዋይ ጸፍሒ ትእዛዙ የመሓላልፍ። ሰራዊት ከኣ ናይ ግድን እዩ ክሳብ እቲ ጉዳይ ዝበርሃሉ ዝወሃቦ ትእዛዝ ከተግብር ።
ከምቲ ዝተጠቕሰ እቲ ሰራዊት ኩሉ ጥዒምዎ ከምዘየለ፥ ግን ከኣ ካብ ውሽጡ ነቲ ስርዓት ብፍሉይ ኣገባብ ዝተሓዙን ሓላፋታት ዘለዎምን ኣይሳእንዎምን እዮም። ምኽንያቱ ምልኪ ኩሉ ግዜ ረብሓኡ ኣብ ከፋፊልካ ግዛእ ስለዝኾነ። በዚ እቲ ሰራዊት ዘጋጥሞ ዘሎ ከርፋሕ ናብራ ዕድልን መድሎን ኣብ ዝረኽበሉ እዋን ነቲ መላኺ ስርዓት ክልውጦ ተኽእሎ ኣለዎ። ልክዕ እዩ እዚ ሰራዊት ምክልኻል ውልቃዊ ድሌታት ወይ እውን ናይ እኩባት ረብሓታት ዘለውዎ ሰራዊት ምዃኑ ክንክሕዶ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ክህሉ ከኣ ባህሪያዊ እዩ። እዞም ንውልቆም ዲዮም ንእኩብ ረብሓታቶም ጥቑዓት ዝኾኑ ከኣ እዮም ነቲ መላኺ ስርዓት ብዝያዳ ዘገልግልዎን ዝከላኸልሉን። ስለዚ “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ከም ዝበሃል ብኣልማማ ኩሉ ዝኹነን ወይ ዝነኣድ ኣይኮነን።
ኣብ ውሽጢ እዚ ሰራዊት እቲ ንለውጢ ዝብህግ ክሳብ ዝዕወት ኣብ ዲሞክራሲያውነት ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ነዚ ከምዘይናትና ወይ ብኣተሓሳስባ ከም ኣካል ሓይሊ ተቓውሞ ምዃኑ ነጺግና ክንኩንኖ እንተዀንና፥ ነቲ ኣዕኑድ ናይቲ መላኺ ስርዓት ክንሰብሮ ኣይክንክእልን ኢና። እቲ ኩሉ ጻዕርና ፖለቲካዊ ቃልሲ ብምዃኑ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከኣ ተጻዋርነት እቲ ቀንዲ ሓያል ጎድኒ ናይ ቃልስና ኣካል እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ኣንጻርቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣብ ለውጢ ዝርባሕ ኣካል ሰራዊት ምክልኻል ተጻብኦታት እንተኣዘውቲርና መሊስና ነቲ ዕድመ ስርዓት ጉንዖ ነወፍየሉ ኣሎና።
ስለዚ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምኽሳቡ ስለዝፈሸልና ኣብ ሓደ ቁራዕ ኣእቲና ክኹነን ኣለዎ ኣብ ክንዲ ምባል ንኽንከስቦን ኣብ ጎኒ ደለይቲ ፍትሒ ደው ንኽብል ክነኽእሎ ዝግበኣና ጉዳያት ክነማልእ ኣሎና። ነቲ ሰራዊት ብዝተኻእለ መጠን ካብ ናይ ምልካዊ ፖለቲካዊ ጸወታ ገለልተኛ ክኸውን ምጽዓር። ካልኣይ ነጥቢ ከኣ ኩሉ ኣባል ደምበ ተቓውሞ ብዝተኻእለ መጠን ሰራዊትን ህዝብን ናብ ጥብቕ ዝበለ ዝምድና ንምብጻሕ ዝደጋገፉሉ ኣገባብ ምዝውታር። ወተሃደር መብዝሕትኡ ግዜ ዓመጽ፡ ምፍርራሕን ምግዳድን እኳ ዝጥቀም እንተኾነ፡ ነዚ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ንኸየዘውትሮ መጸዋዕታ ምቕራብ ነውሪ የብሉን። ከምዚ ምግባር ኣብ ድሌታት ወተሃደራዊ መሪሕነት ናይ ጉጅለ ህግደፍ ምውዳቕ ወይ ምርዓም ማለት ኣይኮነን። ከም ኣብነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤኣ ንናይ ሽዑ ኮማንዶስ ኣካል ህዝባዊ ቃልሲ እምበር ኣንጻር ናጽነት ኣይኮነን፡ ዋላ እኳ ንግዝያዊ ጠቕሙ ምስ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ደው እንተበለ ከም ጸላኢ ኣይንቖጽሮን ዝብል ውሳኔ ወሲዳ። ድሕሪ እዚ ሰራዊት ኮማንዶስ በብሓደ ይኹን ብእኩብ ናብ ሰውራ ኤርትራ ክጽንበሩ ጀመሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ማእከል ኣስመራ ንህዝቢ ካብ ስጉምቲ ሓይልታት መግዛእቲ ከምዝተኸላኸሉ ርኡይ ናይ ትማሊ ምስክር እዩ።
ብመንጽር’ዚ እዚ ህልዊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንስርዓት ህግዲፍ ደው ዘበለ ናይ ምልኪ ሰራዊት እዩ ኢልና ኣንጻር ህዝቡ ኣብ ክንዲ ዝብገስ፡ ኣንጻር እቲ ስርዓት ንኽብገስ መጸዋዕታ ምቕራብሲ ምስ ህግደፍ ምድንጋጽዶ የስምዕ ይኸውን? ነቲ ስርዓትሲ ደው ኣቢልዎ ዘሎ እዚ ፋሕ ከም ደቂ ዛግራ ኮይኑ ዘሎ ደምበ ተቓውሞዶ ኣይኮነን? ስለዚ ንሰራዊት ወትሩ መጸዋዕታ ምቕራብ ናብቲ እንደልዮ ዘሎና ለውጢ ተሓባባርን ተሓጋግዝን ጥራይ ንክኸውን ዘይኮነስ እንተላይ ንረብሓኡ ምዃኑ ምእማትን ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ደው ንኽብል ንምኽኣል ዝሕግዝ ኣገዳሲ መጸዋዕታ እዩ። ትርጉም ናይቲ መጸዋዕታ፡ ንህዝቢኻን ንሃገርካን ተኸላኸል፥ ነቲ ስርዓት ከኣ ፎእ በሎ ዝብል እዩ።
ስለምንታይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ደው ክብል መጸዋዕታ ምቕራብ የድሊ እምበኣር ምኽንያቱን ኣድላይነቱን ንጹር እዩ። ነዚ ሓይሊ እዚ ኣብ ክንዲ ብኣሉታ ንጥምቶ ብእወንታ ጠሚትና ንእወንታዊ ትግባረ ክንጽውዖ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ኣንጻር ረብሓኡ ተሰሊፉ ስለ ዘሎ። ብዘይካዚ፡ እዚ ስርዓት ከምቶም ዝሓለፉ ክሓልፍ ምዃኑ ናይ ግድን እዩ። ኣብ ከምዚ ህሞት ባዶነት ከጋጥም እንከሎ ነታ ሃገር ንግዚኡ’ኳ ይኹን ጸጥታን ምርግጋእን ናይ ምውሓስ ሓላፍነቱ ምዃኑ ክነተባብዖን ኣብ ጎንኻ ኣሎና ክንብሎን ብኣውንታዊ ጐኑ ክንርእዮን ኣድላይ’ዩ። ከምኡ’ውን ቃልስና ብብሄራዊ፥ ሃይማኖታውን ሕብረብሄራውን ኣሰላልፋ ተፈላልዩ፡ ነናቱ ሰራዊት ዘለዎ ደምበ ተቓውሞ ነታ ሃገር ዝከላኸል ሓይሊ ክኸውን ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ነናቱ ሰራዊት ሒዙ ጽባሕ እውን ኣብ ነንሓድሕዱ ናይ መን ዓብለለ ጉስጢ እንተካይዱ፡ እቲ ሰራዊት “ኣይከምኡን” ክብል ትጽቢት ይግበረሉ።
ስለዚ ደምበ ተቓውሞ ካብ ዘሰማምዕዎ ዝፈላልይዎ ዝወሓዱ ክንሶም፡ ከምቲ ዝድለ ኣብቲ ዘሰማምዖ ሰጢሙ ክሰርሕ ኣብ መስርሕ ኣብ ዝሃለወሉ፡ ናብቲ ፈትዩ ዘይኮነስ ተገዲዱ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘገልግል ዘሎ ሰራዊት “ዋልታ ህዝብኻ ኩን” ዝብል መጸዋዕታ ምቕራብ፡ ከም ምድጋፍ ንዲክታቶሪያዊ ጉጅለ ኣምሲልካ ምርኣዩ ቅቡልን ቅኑዕን ኣይኮነን።
ኣብ ሓደ ንኹልኻ ብማዕረ ዝምልከትን ዘርበሓካን ዕማም ክትወፍር እንከለኻ፡ ዕዉት ምእንቲ ክትከውን፡ ምትሕግጋዝ፡ ምትሕልላይ፡ ምፍቓርን ምትሕብባር ከም ዘድሊ ቅቡል እዩ። እዚ ቅቡልነት እዚ ኣብ ሕብረተሰብና ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወት እንተላይ ኣብ ፖለቲካዊ ዛዕባ ዝስረሓሉ እዩ። ውጽኢቱ ከኣ ናይ ሓባር ዓቕሚ ዘዕንትርን ኣድማዕን እዩ። እንተኾነ መን ይፈልጥ እቲ ምትሕብባር ከምቲ ዝድለ ኣብ ዘይኮነሉ እቲ መስርሕ ምእንቲ ስሩዕ ቀጻልነት ክህልዎ ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ምትሕልላይን ምትሕግጋዝን ቅሩብነት ጠማሪ ውዕል ወይ ስድቢ የድሊ። እዚ ኣብዚ ንነብረሉ ዘለና ዘበናዊ ኣሰራርሓ ጥራይ ዘይኮነ፡ ወለድና ኣብ ዓዶም፡ ጉዳይ ዘርዓ፡ ሓለዋ ሕዛእትን ኣግራብን፡ ዘጋጥም ሓጐስን ሓዘንን ዝምልከቱ ንምትሕብባርን ምትሕስሳብን ኣሳንዮም ዝሕዙ ስድብን ኣካይዳን ከዘውትሩ ጸኒሖም እዮም።
ስለዚ እቲ ካብ ቅሩብነትን ሓልዮትን ዝነቅል ድቡቕ ድሌት ብሕግን ስርዓትን ከም ዝስነ ይግበር። እዞም ቅሩብነትን ምትሕስሳብን በቲ ሓደ ወገን መቆጻጸሪ ሕግን ስርዓትን፡ በቲ ካልእ ወገን ተጻረርትን ሓደ ብዘይካቲ ካልእ ዝህሉን ዘይኮኑ ተመላላእቲ እዮም። ሕግን ምትሕስሳብን ዘይብሉ ኣብ ናይ ሰባት ጽቡቕ ድሌት ጥራይ ዝምርኮስ፡ ጉዕዞ ውሕስነት ቀጻልነት የብሉን። ጽቡቕ ድሌትን ቅሩብነትን ዘይተሓወሶ ሕግን ምቁጽጻርን በይኑ እውን ውጽኢቱ ኣድማዒ ኣይከውንን። ክልቲኦም ኣምራት ኣብቲ ዘዘድልይሉ ኣሳንዮም ክዝውተሩ እንከለዉ ግና ኣዕጋብን ቀጻልን ውጽኢት የመዝግቡ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት መስርሕ ብሓባር ክትጐዓዞ ዝጸናሕካ መስርሕ ኣብ ሓደ ምዕራፍ ኮይንካ ምምዛኑ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ምትሕስሳብ ንብሎ ዘለና ድማ ንሱ እዩ። ኣብዚ ሕጋዊ ናይ ምትሕስሳብ መድረኽ እቲ ማእከላይ መወከሲ እቲ ከሎ ጌና ከቢብካን ነቢብካን ዝሰነድካዮ መተሓሳሰቢ ሕጊ እዩ። እዚ ኣብ ሓደ ውሱን ጽፍሒ ናይ ሓደ ትካል ጥራይ ዘይኮነ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ እሞ ድማ ኣብ ዓብይ ይኹን ንእሽቶ ትካል ክዝውተር ዝግበኦ እዩ። እዚ ተቐራሪብካን ተሓጋጊዝካን ምስራሕ ኣድላይ ክኸውን እንከሎ፡ ዘይምንሕሓፍን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ህይወት ፖለቲካዊ ይኹን ማሕበራዊ ብመልክዕ ኣኼባታት፡ ሰሚናራትን ጉባአታትን ካልእ መላዘቢ ኣጋጣምታትን ዝትግበር እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ጨንፈራት ሰልፍና ዘካይደኦ ኣኼባታትን ብመሪሕነት ዝውደብ ናይ ሓባር ርክባትን ናይዚ “ከም ሓው ተፋቐር ከም ጓና ድማ ተሓሳሰብ” ኣብነት ኮይኑ ክጥቀስ ዝከኣል እዩ።
ብፍላይ ከም ጓና ተሓሳሰብ ክበሃል እንከሎ፡ ነቲ መኻይድኻን መቓልስትኻን ስለ እተፍቅሮን እተኸብሮን ሕጽረታቱ ኣይትሕበኣሉ ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ንሓደ ኣካል ክትተሓሳሰቦ እንከለኻ ንሱ ክርእዮ ዘይከኣለ ዘሓሸ መንገዲ ኢኻ እተርእዮ እምበር ኣይተነውሮን ኢኻ። ንሱ ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ካብ ዘርእዮ ጥሕሰት ኢኻ እትመልሶ እምበር ንኣበርክቶኡ ኣይተነኣእሶን ኢኻ። ንኣድላይነት ከምዚ ዓይነት ናይ ሓሳብ ሓገዝን ምዕዶን ከኣ እዮም ለባማት “ኣብ ልዕሊ ዘለካ እንተዝውስኹኻ፡ ኣብ ልዕሊ ልብኻ እንተዝመኽሩኻ” ዝብሉ። ብኣንጻሩ ናይ ቀረባ መሳርሕትኻን መኻይድኻ እተቐይሞ ዘለኻ መሲሉካ ኣድላይ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ዘይምትሕስሳቡ በደልካዮ እምበር ኣይሓገዝካዮን። ምኽንያቱ ብዓንተቦ እንተዝተሓዝ ብቐሊሉ ክፍታሕ ዝኽእል ዝነበረ ሕጽረት ምስ ሳዕረረ ምእላዩ ኣጸጋሚ ስለ ዝኸውን። እቲ እንተ ተሓሳሰብካዮ ዝጐዳእካዮ ዝመሰለካ ኣካል ብሰንኪ ናትካ ብእዋኑ ብዘይንሕስያ ዘይምትሕስሳብ ምስ ተጐድአ ብኣንጻሩ ክቕየመካ ከም ዝኽእል ፍሉጥ እዩ።
ኣብዚ ግሉጽነት ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዝተሓሳሰብ ኣካል ካብ ቅንዕና ክሕግዝን ቅኑዕ መንገዲ ከትሕዝን ከም ዝተላዕለ ነቲ ዝምልከቶ ኣካል ከረድእ ክበቅዕ ኣለዎ። ተግባሩ ሓላይን ተገዳስን መሲልካ ካልእ ሕቡእ ጐዳኢ ኣጀንዳ ከምዝየብሉ ከርኢ ክበቅዕ ይግበኦ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ምትሕስሳቡ ውጽኢት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። እቲ ካልእ ወገን እውን እቲ ምትሕስሳብ ንዕኡ ዝሕግዝን ካብ ሕጊ ወጻኢ ከይዱ ንከይጥቃዕ ንምድጋፉን ምዃኑ ብክፉት ሕልና ክቕበሎን፡ ሕነ ካብ ምፍዳይን ቂም ካብ ምሕዝን ናጻ ክኸውን ይግበኦ። ሕጂ እውን ደጊመ ክጠቕሶ ዝደሊ እዚ “ከም ሓው ምፍቓርን ከም ጓና ምትሕስሳብን” ፊን ብዝበለካ ኣገባብን ቃሕ ኣብ ዝበለካ ግዜን እሞ ድማ ኣብ ፍንው መድረኽ ዝካየድ ዘይኮነ ኣቐዲሙ ብዝተቐርጸ ቀጥዕን ኣገባብን እዩ ዝካየድ። ንኣብነት ኣብ ኣሰራርሕ ሰዲህኤ እንተመጻእና እቲ ቀጥዒ ቅዋም ሰልፊ፡ እቲ መድረኽ ካብ ኣኼባ ጨንፈር ጀሚርካ ክሳብ ጠቕላሊ ጉባአ ሰልፊ ዘለዉ ሜዳታት፡ እቲ ግዜ ድማ እዞም መድረኻት ዝዝውተርሉ ኣብ ቅዋም ዝሰፈረ ናይ ግዜ መቐናት ምዃኑ ምጥቃስ ይከኣል።
ወርሓዊ ኣኸባ ጨንፈር ስያትል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ
Monday, 30 October 2017 04:46 Written by EPDP North America Information Officeጨንፈር ስያትል ብሰንበት ዕለት 10/15/17 ምዱብ ወርሓዊ ኣኸባኡ ኣካይዱ፣ ኣባላት ጨንፈር ስያትል ዝተመያየጡሉ ኣጀንዳ ነዚኦም ዝስዕቡ ዝሓዘ እዩ
ገምጋም ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰደህኤ ከዛርብ ዝቐነየ ናይ ውሑዳት ኣባላት ሕቶን ውሳኔ ሰልፊን ዝምልከት፡
ጨንፈር ኣብዚ ጉዳይዚ እቲ ብባይቶ ሰልፊ ዝተወስደ ውሳኔ ቅኑዕ ምዃኑ እንደገና ኣስሚሮምሉ፣
ጨንፈር ስያትል፡ ውሳኔ ባይቶ ኣብ ልዕሊ ሓው መስፍን ቅኑዕ ከምዝኾነ፡ ብናይ ገለ ኣባላት ድሌት ዝቕየር ውሳኔ ከምዘይኮነ፣ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።
እቶም ሕቶ ዘልዓሉ ኣባላት ሕቶኦም ብቅዋም ሰልፊ መሰረት ተመሊሱ ከብቅዕ ርእይትኦም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ስለዘይተዓወተ ንመደባት ሰልፊ ክዕንቅፉ ስለዝተረኽቡ ብዓይኒ ቻርተር ወይ ቅዋም ሰልፊ ክርኤ ከሎ ኣብ ጌጋ ከምዘሎው ንጹር ምዃኑ ርእዩ፡
እቲ ኣብ ካልእ ዓለም ዝነብር ኣባል ሰልፊ በዚ ክሻቐል ከምዘየድሊ፡ ኣባላት ጨንፈር መልእኽቶም ኣምሓልሊፎም።
ካብዚ ሓሊፉውን ዋላ ፍልልይ ናይ ኣርኣእያታት እንተ ተረኽበ እቶም በዚ ፍልልይ ምኽንያት ኣብ ሰልፊ ከምዘየለዉ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ነበር እንበሉ ክጽሕፉ ዝውዕሉ ዘሎው ኣብ ክንዲ ኣትኩሮ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብቲ ውልቀ መላኺ ዝኸውን እዞም ኣሕዋት ግን ንውልቀ መላኺን ጉዳይ ምድሓን ህዝብን ገዲፎም ንብጾቶም ከም ቀዳማይ ጸላኢኦም ገሮም ጊዝየኦምን ጉልበቶምን እንተዘይ ኣባኽኑ ተመራጺ ምኾነ ብማለት ኣባላት ጨንፈር ሓሳባቶም ይገልጹ፣
ምዕባለታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ዝምልከት፡ ጨንፈር ስያትል ነቲ ብሰልፊ ዝቐረበ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብሓደ ምስራሕ ዝብል እማመን ጻውዒትን ደጊፉ፡ ነዚውን ብዓቕሙ ክሰርሓሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ፡
ኣባላት ጨንፈር ኣብ ኩሉ መዳያትን ምንቅስቓሳትን ናይ ሰልፊ፡ ኮምኡ ካብ ሰልፊ ወጻኢ ዝቃለሱ ኤሪትራውያን ዝገብርዎ ውደባን ምልዕዓልን ብሓደ ኰንካ ናይ ምስራሕ ሓሳባትን ብፍላይ ክኣ ኣብ ከተምኦም ዝግበር ምንቅስቓሳትን ስርሓትን ተራኦምን ኣበርክቶኦምን ክሓይሉ ብዳግማይ መብጽዓ ብምእታው ኣኸባ ደምዲሞም፣
ዓወት ንህዝብና
ጨንፈር ስያትል
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ብ26 10 2017 ንነውሕ ግዜ መቐጸልታ ስሩዕ ኣኼባታቱ ዝኾነ ኣኼባ ኣካይዱ። ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣጀንዳታቱ ኣብ ክልተ ከፋፊሉ ዘትዩ። ብሓደ ወገን ትግባረ መደባት ዝሓለፈ ዓመተ ሰራሕ ሪኢዩ፣ በቶም ዝተሰላሰሉ ክሕበን ከሎ፣ ነቶም ዘይተሰላሰሉን፣ ኣብ መስሪሕ ምስላጥ ዝርከቡ መደባት ግን ትግባረኦም ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሓሉ ከምዘለዎ ኣስሚርሉ። ቀጺሉ ኣኼባ ከም ካልኣይን ቀንድን ኣጀንድኡ ዝረኣዮ ናይ መጻኢ መደብ ዕዮኡ ቤት ጽሕፈት እዩ ነይሩ ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ ናይቲ ወጺኡ ዘሎ ውጥን ድማ ብዕምቆት ዘትዩ።
ኣብ መወዳእታ ኣኼበኛታት: ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክሳብ ዘውሕሱ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ሓቦን ኒሕን ተዓጢቆም ብጽንዓት ክቃለሱ ምዃኖምን፣ ተመያዪጦም ንዘጽደቁዎ መደብ ዕዮ ትግባረኡ ንምርግጋጽ ድርብ ክሰርሑ ቃል ኣትዮም።
ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ !
ሰላምን ፍትሕን ንውጹዕ ህዝብና!