ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ፍራንክፈርት ንዕለት 11.11.2017

2017-11-05 11:18:57 Written by  ህዝባውያን ሽማግለታት ጀርመን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1959 times

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ንጽሃት ዘጋታትና ግፍዕታት ምግባር ይቅጽል። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ተመሃሮን ስድራበታትን ቤት ትምህርቲ ኣልድያዕ ኣል እስላሚያ ነቲ ብህግደፍ ዝተመደበ ምትእትታውን ምውራስን ቤት ትምህርቲ ከምኡውን ነቶም ዝተእስሩ ኣምሓደርቲ በትትምህርቲ ይፈትሑልና ብማለት ተቓውሞኦም ንምርእይ ሰለማዊ ሰልፊ ዝገበሩ ተመሃሮን ስድራቤታትን ብዘይ ንሕስያ ብጥይት ሃዲኑ ብብዝሒ ከምዝቀተለን ከምዝቐሰሉን ከምዝገበረ ኩላትና ኣብ መዲያ  ንከታተሎን ንሪኦን ንርከብ።

ነዚ ኣረመናዊ ተግባራት ንምቕዋምን ነቶም ጀጋኑ ተመሃሮን ስድራን ኣመሓደርትን ቤት ትምህርቲ ኣልድያዕ ኣል እስላሚያ ኣልዒሎሞ ዘለው ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ጎድኖም ከምዘለና ንምግላጽን ከምኡውን ንዓለም ቀጻሊ ሽግራትና ንምሕባርን ኣብ ፍራንክፈርት ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ብደርጃ ጀርመን ክንገብር መዲብና ከምዘለና  ንሕብር።

ሰላማዊ ሰልፊ ዝገበርሉ : ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኮይኑ ካብ ሃውትባንሆፍ ጀምሩ ብሃውትቫኸ ገሩ ኣብ  ሮመር ፕላትስ ክበጽሕ እዩ።

(Frankfurt Hauptbahnhof à Hauptwache à Römerplatz)

መራኸቢ ቦታ : ፍራንክፈርት ሃውብት ባንሆፍ (Frankfurt Hauptbahnhof)

ዝግበርሉ መዓልቲ : ቀዳም ዕለት 11.11.2017

ዝግበርሉ ሰዓት : ካብ ሰዓት 11:00 ክሳብ ሰዓት 15:00 (ሰዓት 12:00 ጉዕዞ ይጅመር)

ኩሉ ደላይ ፍትሒን ሓላይ ህዝቡን ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብዚ ሰለማዊ ሰልፊዚ ሕልናን ሓቦን ብምጥራይ ዝገደፈ ገዲፉ ክርከብ ኣጥቢቕና ንላቦ።

Demonstration in Frankfurt / M am 11.11.2017 gegen Erschießung von Demonstranten in Asmara / Eritrea

Uhrzeit: 11:00 bis 15:00 Uhr

Treffpunkt: Hauptbahnhof Frankfurt (vor dem Haupteingang)

ጸዋዕቲ ሰላማዊ ሰልፊ ህዝባውያን ሽማግለታት ጀርመን

ከተማ ፍርንክፈርት : ከተማ ሽቱትጋር : ከተማ ኮሎን : ከተማ ካስልን: ካልኦት ከተማታት ጀርመንን

Last modified on Sunday, 05 November 2017 12:32