ንተባባዕ!

2017-11-02 20:26:50 Written by  ተኽለ መለኪን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1994 times

ናዕቢ ክለዓል አንከሎ እታ ክርቢት ትውለዓላ ስፍራ፥ እንተ ብመደብ እንተብሃንደበት፥ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን ብዝተፈላለዩ ሰባትን ክኸውን ይኽእል፥ ናይ ቱኑዝያ ኣብ ማእከል ሹቕ ብሰንኪቲ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞኡን ምረት ናብርኡን ንምግላጽ ነብሱ ብሓዊ ዘንደደ ቆራጽ መንእሰይ ተላዕለ፥ ኣብ ግብጺ ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር ብምትእኽኻብ ተጀመረ፥ ኣብ አርትራ ድማ ብተበግሶ ደቂ ኣኽርያ ተበጊሱ ኣሎ። እቲ መበገሲ ብሓደ ጉዳዩ ዘበገሶ ውልቀ ሰብ ይኹን ጉጅለ ከምኡን ሃይማኖት ወይ ዓሌትን ብሔርን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ወጻዒ ንኹሉ ዝብድልን ራህዋ ዘይህብን፡ ዓቢሱ ዘጨንቕን ክሳብ ዝኾነ፥ እቲ ሕቶ በየናይ ሸነኽን ምኽንያትን መዓስን ብመንን ይጅምር ብዘየገድስ ንኹሉ ዝምልከት ብምዅዋኑ ኢዩ ሰዓባይ ዝረክብ። ከምዚ ሎሚ ዘለናዮ፥ እቶም ኣፍና መሊእና ክንዛረብ ዕድል ረኺብና ዘለና፥ ኩላትና፥ ኣብ ዓዲ ነርና እንተንኸውን: ኩላትና ምተሳተፍናዮ´ሞ: ሳላ ተበግሶ ደቂ ኣኽርያ: ዕድመ ምልኪ መብቅዐ ነይሩ ዝብል እምንቶ ኢዩ ዘለኒ።

ኣብ´ዚ ዝበልኵዎ ተሞርኲስና ክንርእዮ እንከለና፥ ዝኾነ ብውጹዓት ወይ ውጹዕ ዝብገስ ተቓውሞን ዝስዕብ ናዕብን ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተወሲዱ ክሰዕብን ክራሰንን ምግባር፥ ክሳብ ኣብ ፍጻመ ዝበጽሕ ድማ ሕልና ከየዕረብካ ምድፋእን ይሓትት። መን፤ ወዲ መን፤ ወዲ ኣየናይ ኣውራጃ፤ ኣይናይ ሃይማኖት …… ወዘተ፡ ጀሚርዎ ኢልካ ኣብ ምፍታሽ ምእታው ግን ነቲ ታሪኽ ከፊቱልካ ዘሎ ዕድልን ኣኽእሎን ምዕጻው ማለት ኢዩ። ንፍለጦ ኣይንፍለጦ ድማ ኣንጻር ህዝብኻ ገበን ምፍጻም ኢዩ። ከም ውልቀሰብ ክሳብ ጊዜ ሞትካ ሕልናኻ ክወቕሰካ ክነብር ድማ ኢዩ። (ኣካል ወጻዕቲ እንተዘይኮንካ ማለት ኢዩ)። ስለዚ ከምቲ ናይ ሃገርና ዋዛ ምስቁምነገር ዝብሎ፥ ”ሱቕ በል እግረይ ጥራሕ ኢዩ ዝበልዕ ዘሎ” (ዝብኢ)፤ ክሳብ ኣብ ርእስኻ ዝበጽሕ ምጽባይ ሕሉፍ ዕሽነት ምዃኑ ድሮ ብዙሓት ኣብነታት ርኢና ኣለና። ንበርትዕ፤ ዓወት ይሃበና።

ተኽለ መለኪን 2/11/2017

Last modified on Thursday, 02 November 2017 21:39