ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሃየባ፡ ንብዓት ኣደታትካ ሓብስ

2017-11-01 13:03:28 Written by  ድራር መንታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2247 times

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጋበርያ ናይ ጨቋኒ ስርዓት ምዃን ገዲፍካ ስቅያት ህዝቢኻ ዘብቀዓሉ መስመር ክትሕዝ ደጋጊምና  ጻውዒት ክነቕርበልካ እዋኑ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ከምቲ ቅድሚ ሎሚ “ህዝብን ሰራዊትን ሓደ ኢድ” ዝብል ጭርሖ ዘቃላሕና፡ ሎሚ ውን ምልኪ ብምውጋድ ቅሳነትካን ቅሳነት ህዝብኻን ክተውሕስ ነዘኻኽረካን ንምሕጸነካን ኣለና።

እቶም ላዕለዎት ሰብ ጸሩራ ንዓኻ ምስ ህዝብኻ ኣዳምዮም፡ ጽባሕ ንግሆ መሬት ምስ ጸበበቶም ንገዛእ ርእሶም “እግረይ ኣውጽእኒ” ኢሎም ኣብ ተሓታትነት ከእትዉኻ ኢዮም። ንሶም ብዝገበርዎ ገበን ንስኻ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክትፍደዮ ኢኻ። ንስኻ ንበይንኻ ጥራሕ ዘይኮንካስ እንተላይ ስድራ ቤትካ ንዘልኣለም ኩኑናት ኮይኖም ክሳቐዩ ኢዮም።

በዚ ናይ ትማሊ 31 ጥቅምቲ 2017 ህዝቢ ንመሰሉን እምነቱን እንተሓተተ ንስኻ ኣብ ክንዲ ኣብ ጎኑ ድው ትብል ከም ጠለበዱ ብጥይት ክትሃድኖ፡ እቶም ተሃደንቲ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ምዃኖም ብሓቂ ዘንጊዒካ ዲኻ? እዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝብል ስያሜ ዝለበስካኮ ህዝቢ ክትቀትልን፥ መሰሉ ክትዕፍንን ዘይኮነስ፥ መሰል እቲ ካብኡ ዝወጻእካ ህዝቢ ንኸተኽብር እዩ። ነዚ ጥሒስካ በትርን እምንን ንዝሓዘ ዓቕሉ ዝጸበቦ ሰላማዊ ህዝቢ ብብረት ክትምልዕሶ እንከለኻስ እምበርዶ ኤርትራዊዶ ኤርትራ ኢኻዶ ኣየብለካን?

በዚ እንተቐጺልካ፡ ጽባሕ ካብ ተሓታትነት ክተምልጥ ዘይትኽእልን ገበነኛ ምዃንካ ክትርዳእዶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣደታትካ ክሕጎሳን ክቐስናን እምበር፥ ብካብ ከሰዕአ ዝወጻእካ ክሓዝናን ክበኽያን እስኪ ኣስተውዕል። ሰራዊት ምኽልኻል ሃገር  ከምቲ ስምካ ዝሕብሮ ዘይትዋሳእ። ስርዓት ኢሰያስ ስርዓት ውሑዳት፥ ተረባሕቱ እውን ከምኡ ውሑዳት ኢዮም። ንስኻኸ እንታይ እዩ ረብሓኻ? እዚ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣልእስላምያ ጉዳይ ጽባሕ ኣብ መንጎ ህዝቢ ክፈጥሮ ዝኽእል ሓደገኛ ኩነት ንስኻ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈጠርካዮ ኮይኑ ከም ገበነኛ ከሕትተካ እዩ።

በዚ ንስኻ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ዝወሰድካዮ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ፡ ኣብቲ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ክኸፋፍል ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ናይቲ ንኤርትራዊ ብዙሕነት ናይ ምግሃስ ውዲት ተኻፋሊ ትኸውን ኣለኻ። ተግበርቲ ናይቲ ውዲት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ረብሓኦም ረብሓኻ ኣይኮነን። ዘርብሑኻ ነይሮም እንተዝኾኑ እስከ ህልዊ መነብብሮኦምን መነበባሮኻን ኣወዳድሮ። ንስኻ ካብዚ ህልዊ ወጻዒ ስርዓት ዝረኸብካዮ ረብሓ፡ ዘይክፈሎ ውትህድርና ስደትን ሳዕቤናቱን እዩ። ስለምንታይ ኢኻኸ ዓይኒኻ ኣዕሚትካ፡ እዝንኻ ዓጺኻን እእምሮኻ ኣደንቊርካን እትወስዶ ዘሎኻ ስጉምት፡ ንኣኻ ንስድራኻን ህዝብኻን ዝልክም ምዃኑ ዘይስቖረካ?

ኣንታ ንሃገርን ህዝብን ክትሓስብ ሓደራ ዘለካ ሰራዊት ብውሑዳት ተረባሕቲ ሕቚኻ ይስበር ከምዘሎ ስለምንታይ ዘይተስተብህል። ሰራዊት ደርጊ፡ እቲ መሳርሒ ዝገብሮ ዝነበረ ስርዓት ምስወደቐ ፍቕርን ደገፍን ህዝቢ ተነፊግዎ፡ ኣብ ምንታይ ሓደጋ ከምዝወደቐ ትምህርቲዶ ኣይኮነካን እዩ። ንስኻ እውን ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ ደው እንተዘይ ኢልካ  ጽባሕ መሬት ምስ ወገሐ ህዝቢ ኣይናተይን ምስ በለካ ኣብ ዘይምለስ ጣዕሳ ክትወድቕ ኢኻ።

ኣንቱም ንመላኺ ስርዓት እተሻድኑ ዘሎኹም ውሑዳት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልካል ሃገር’ውን፡ ጽባሕ ምስ ወገሐ ህዝቢ ባዕሉ ብወረጦ ክለቕመኩም እዩ። ካብ ዓይኒ ህዝቢ ዝኽወል ነገር ከምዘየለ ክትስትውዕሉ ድማ ህልዊ ኩነታት ይሓተኩም ኣሎ። “ምኸሮ ምኸሮ፡ እንተኣበየ መከራ ይምከሮ” ከም ዝበሃል፥ ደጊም ጨቋኒ ስርዓት ብኣባላት ምክልኻል ኣቢሉ ህዝቢ ንከበሳብስ ትንፋስ ትሰዂዓሉ ዘለኻ ንስኻ ሰራዊ ኢኻ። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ካባኻ ካብ ውላዱ ዘራይ እንተሰኣነ ጽባሕ ግን ብናቱ ልዕልና ብዝወጽእ ሕጊ ሕነ ክፈዲ ግድን’ዩ እሞ ካብዚ ንምድሓን ካብ ስምዒታዊ ኣካይዳ ወጺእካ፡ ኣብ ጐኒ ህዝብኻ ክትስለፍ እዋኑ እዩ። ደጊም ኤርትራውያን ኣዴታት ብሰንኪ ሰራዊት ባዕዲ ዝነበዐኦን ጸሊም ዝተኸድነኦን ይኣኽለን። ብሰንዲ ውላደን ክነብዓን ጸሊም ክኽደናን ዕዳኡ ናባኻ ከቢድ ምዃኑ ኣስተብል። ኣዚ ጉዳይ “ደጊም ይኣክል” ክበሃል ይግበኦ።

Last modified on Wednesday, 01 November 2017 14:19