ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2017-11-01 12:58:55 Written by  ሽማግለ ማሕበር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1986 times

ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ፡ መዲብዎ ዝጸንሐ ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር ብዕለት 29-10-2017 ኣካይዱ። እዚ ማሕበር’ዚ “ ጥርናፈ ህዝብና ዋሕስ ዓወትና እዩ “ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጨርሖ ዝተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር ተሳተፍቲ ካብ ኣምስተርዳምን ከባቢኡን ዝተሳተፍዎ ኰይኑ ፥ ብሽማግለ ማሕበር ፡ ዓመታዊ ጸብጻብ ፥ ማለት ዝተኻየዱ ንጥፈታት ናይ ህዝባዊ በዓላትን ፡ ምስ ኣብ ሆላንድ ዝርከቡ መንግስታዊ ትካላት ዝትየኻየዱ ርኽክባት ፡ ብሓፈሻ እዚ ማሕበር እዚ ንኽድልድል ዝተኻየዱ ጐስጓሳት ፡ ከምኡ’ውን ገንዘባዊ ጉዳያት ዘጠቓለለ ጸብጻብ ፡ ቀሪቡ። ኣኼበኛ ብወገኑ ንዝቐረበ ጸብጻብ ግቡእ ገምጋምን ምዛናትን ብምግባር ፡ ሃናጺ ርእይቶታት ብምቕራብ ንዝቐረበ ጻብጻብ ብኣወንታ ተቐቢልዎ። ድሕሪ ዝቐረበ ጸብጻብ ፡ ዝነበረ ነጥበ ክትዕ ኣጀንዳ፥

1. ኣብ መደብ ዕዮን ዓንዲ-ሕጊ ማሕበርን ክመሓየሽ ዘለዎ ጉዳይ ምርኣይ
2. ማሕበርና ዝስስነሉን ኣብ ካልኦት ከተማታት ብተመሳሳሊ ዝትከለሉ ጐስጓሳትን ምክያድ
3. ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብና ፡ ከባቢናን ምርእይ
⦁ ብፍላይ’ውን ሓድነት ህዝብና ንምብትታን ዝካየድ ዘሎ ትሕተ ሃገራዊ ውደባታን ጐስጓሳትን ብዓቕምና ክንምክቶም ዘሎና ብድሆታትን ርኢና።
⦁ ከነስተውዕለሎም ዘሎና ፡ ብቐረባ ጸለውቲ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ….ወዘተ
4. ምምራጽ ኣካያዲት ሽማግለ ማሕበር

ኣኼበኛ ፡ ኣብ ዝተጠቕሱ ነጥበ ክትዕ ኣጀንዳ ብዕምቆት ፡ ኣብ ናይ እንካን ሃባን ተደጋጋፊ ሓላፍነታዊ ልዙብ ርእይቶታት ተጸምደ። ኣገደስቲንሃነጽትን እዋናውያን ንጥፈታትን ክካየዱ ርእይቶታትን ለበዋታትን ቀሪቦም ።

ብድሕሪዚ ምምራጽ ሓዳስ ኣካያዲት ሽማግለ ፡ ሓደ ካብቲ መደብ ስለዝነበረ፥ ብምልኡ ኣኼበኛ ፥ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣካያዲት ሽማግለ ማሕበር ኣቚምና ። ናይዚ መዓልቲ’ዚ ኣኼባ ፍሉይ ዝገብሮ ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብመሰረት ዕላማ ማሕበር ሓላፍነታውን ፡ ልዙብ ሃናጺ ዝደጋገፍ ርእይቶታቱን ንዕላማ ማሕበር ዘደንፍዕ ፥ ሞራል ዝህብ ምንባሩ ንኩሉ ኣባል ምስጋናን ሞጐስን ይግባእ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኩሉ ኣብ ሆላንድ ዝነብር ኒሕ ዘለዎ ኤርትራዊ ክንብሎ እንደሊ፥ ሓድነት ህዝብና ኣብ ሕሉፍ ዘካየዶን ብሕጂ ከካይዶ ዘሎውን ወሳኒ ስለዝዀነ ፥ ንሓድነትና ንክብትኑ ዝካየዱ ወስታታት ንምብዳህ ፡ ናብ ሃገርናን ህዝብናን ዝጠመተ ነጻ ማሕበር ኣብ እትነብርሉ ከተማታት ከተቑሙ በዚ ኣጋጣሚ ንጽውዕ ።

ህዝባዊ ውደባ ይሰስን !!
ሓድነትና ዋሕስ ዓወትና እዩ !!

ሽማግለ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን

Last modified on Wednesday, 01 November 2017 14:03