ኦ! ህዝቢ ኤርትራ ነቲ መናፍሓት ንቕሓሉ

2017-11-16 12:09:04 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1942 times

ሃገርና ኤርትራ ብተፈጥራዊ ትዕድልታ ኣብ ክሳዳውን ብዓለምለኸ ተደላይ ቦታ ስለ ዘላ ጠመታ ብዙሓት እዮም። ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣፍደገ ወሽመጥ ባብኤልማንደብ ብምርካባ ንዓለምለኻዊ ጽጥታ ተባሂሉ ተጠማቲት ካብ ዝገብራ ምኽንያታት ሓደ እዩ። ኩሉ ጠማቲኣ ከኣ ንረብሓኡ ክብል ዘይገብሮን ዘይምህዞን ፍሕሶታት የለን። ገሊኡ ብጐራባብታ ሃገራት ኣቢሉ ገሊኡ ብቐጥታ ኢድ ብምእታው ነቲ ኣብኣ ዝነብር ህዝቢ ክሰምር ዘይኮነስ ክፈላለ እዩ እቲ ቀንዲ ጻዕርን ቃልስን።

 

ኣብ ኣርበዓታት ዝተኻየደ ፍሕሶታት ናይ ዓበይቲ ሓያልን መንግስታት ከም ታሪኽ ዝምህረና ዓቢ ተመኲሮ ኣሎ። በሰንኪ እዚ ድማ ኣመሪካ ንኤርትራ ብምኽንያት ሰላምን ጸጥታን ናይ ኣመሪካ ተባሂሉ ምስ ዘውዳዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽትቁረን ዝተበጽሐ ውሳኔ እዩ። ከምዚ ንኽገብሩ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ብሃይማኖትን ብጆኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን ክኸፋፍለዎን ክንደይ ዘይጸዓሩ።

 

 

ህዝቢ ኤርትራ ግን ሓደ ክንስና ተፈላሊና ካብ ምንባር ነታ ዕረ ዝኾነት ስሚ ክንውሕጣ ኣሎና ብማለት ንፈደረሽን ተቐቢሉ። እቲ ናይ ሽዑ ፍሕሶታት ግን ክሳብ ሎሚ ፈጺሙ ደው ኣይበለን። ዋላ እቲ ነጻነት ምስተረኽበ እቲ ዘሎ ስርዓት ንስልጣኑ ክብል ከፋፊልካ ግዛእ መርሆ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ገና ኣይሓደጎን። ስለዚ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ ሸነኻቱ ዝፈታትንዎ ሓይልታት ብዙሓት ምዃኖም ክግንዘብን፥ ነዚ ግንዛቤ እዚ ከኣ ኣብ ክንዲ እቲ ንፋስ ብዝነፈሶ ምኻድ ርግእ ኢሉ ኣብ ምንታይ ጸድፊ ኢዩ ከእትወና ኢሉ ክሓስብን ከስተውዕልን የድሊ።

 

 

ቅድሚ ሎሚ መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ መላኺ ስርዓት ኣብ ለንደን ካብ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነጺላ ንበይኑ ንሰላምን ምርግጋእን ህዝቢ ኤርትራ ዘየውሕስ ስልጣን ከም ዝጭብጥ ገይራቶ። ተመሊሳ ከኣ ንኣልሸባብ ይሕግዝ ኣሎ ብማለት ናይ ብረት ሸመታ ማዕቀብ ገይራትሉ። ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ከኣ ማዕቀብ ክግበር ኣለዎ፥ ማዕቀብ ክግበር እባ የብሉን ኣብ ዝብል ፍልልያት ከርኢ ጀሚሩ። ሕጂ ከኣ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ናይ 10 ሕዳር 2017 ብትግርኛ ዝፍኖ ብድምጺ ኣመሪካ ዝተመሓላለፈ ተመልከት፡፡ መስመር ናተይ’ዩ። “ዋሽንግተን — ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚቴ እገዳ ኤርትራን ሶማልያን፡ ኤርትራ ንኣልሸባብ ከም እትድግፍ ንራባዓይ ግዜ መረጋገጺ ስለ ዘይረኸበ፡ባይቶ ጸጥታ ነቲ ኣብ ኤርትራን ሶማልን ዘቐመጦ ማዕቀብ ከወግዶ ጸዊዑ።” እቲ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘሕዝንን ከኣ እቲ ማዕቀብ ብካልኦት ሃገራት ከም ዝተሓተ ዘምስል ምስክርነት ምሃቡ እዩ። ንሱ ድማ፡ “ኤርትራ ንኣልሸባብ ትድግፍያ ዝብል ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ንዞባዊ ኣመሓደርቲ ሶማል ዝተረኽበ ሓበሬታ ብዝምልከት እቲ ኮሚተ ነቲ ክስታት ዝድግፍ መርትዖ ከምዘይረኸበውን ገሊጹ`ሎ።”

 

 

ስለምንታይ እየ ነዚ ክጥቕሶ ዝፍትን ዘሎኹ እቲ ብደገ ዝግበር ውዲታት ንረብሓ እቲ ጨቋኒ ስርዓት ዝውዕል ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ተጠርኒፉን ሓድነቱ ኣደልዲሉን ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንኸይተክልን ኣብ ንሓድሕዱ እናተጠራጠረ ምትእማምን ከም ዝስእን ዝግበር መናወራት እዩ። ከመይሲ እታ ኢሳያስ ዝብላ ዝነበረ ማለት “ መንግስቲ ኣመሪካ ረብሓኣን ረብሓ ጐረባብቲ ሃገራትን ክትሕሉ ክትብል ብጐረባብቲ ሃገራት ዝተማህዘ ክስን ጠለበን ተመርኲሳ’ያ ንህዝቢ ኤርትራ ከይምዕብልን ከይብልጽግን ማዕቀብ ዝወስነት።” ዝበሎ፡ ሎሚ እቲ መርትዖታት ሓቂ እናመሰለ ንደምበ ተቓውሞ ዘዳኽም ምዃኑ ብሩህ እዩ።

ካልእ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ሓደ ሸኽ ዶክተር ዓብድልሃዲ ዩሱፍ ዝበሃል ምሁር፡ ብዛዕባ  ስምረትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ብዝዘርግ ኣገባ ዘቕረቦ መደረ፡ ንረብሓን ቀጻልነት ስልጣን ኢሳያስን እምበር ንእስላምን ንክርስትያንን ዘተሓቛቑፍ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ኢሰያስ “ኣይበልናኩምንዶ” እንዳበል ክሽቅጠሉ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።

 

 

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣመንቲ እስላምናን ክርስትያናን ናይ ደገ ሓይልታት ዝብልዎ ተመሲጥና ሓጋዚና ኢዩ ወይ እውን ሽግርና ኣቃሊሑልና ብዝብል፡ ካብ መንገዲ ተኣሊና ኣብ ክንዲ ንኤርትራዊ ሃገራውነትና ዘራጉድን ዘስስንን፡ ደድሕሪ ዘይሓላፍነታዊ መደረ ወጻእተኛታት ክንስዕብን ሓድነትና ክንሃስን ኣይግበኣና። ኣብ ኤርትራ መን ይበዝሕ፥ መንከ ይውሕድ፥ ክርስትያንዶ እስላማይ ኣብ ዝብል እንተኣቲና መፍቶ ድኽመትናን ውድቀትናን ምንቛትናን ዝምነዩን ጸላእትና ኮይና ኢና ኣፍደገ ምፍልላይ ኣይንኽፈት። ከምታ ኣቦታትና ዘጽንሑልና እስላማይ ኣብ መስጊዱ፥ ክርስታናይ ከኣ ኣብ ቤተክርስትያኑ፥ ኮይና ኣብ ጉዳይ ሃገር ከኣ ሓድነትና ኣጽኒዕና ክንቅጽል ይግበኣና።

Last modified on Thursday, 16 November 2017 13:12