ስርዓት ኣስመራ ብገዛእ ኢዱ ዝፈጠሮ ሓምቢሱ ኣብ ክወጸሉ ዘይክእል ፖለቲካዊ ቅልውላው ተሸሚሙ ይርከብ። እዚ ስርዓት እዚ ካብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ኣትሒዙ ዝጻወቶ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምንዝርና ህዝብና ክርደኦን ከስተውዕለሉን ኣይከኣለን። ኩሉ ንሱ ዝወስዶ ስጉምቲ ከኣ ጽባሕ ንግሆ እንታይ ክወልድ እዩ ኢሉ ዝመራመር እውን ኣይተረኽበን። ብግስ ከይበለ ምስ መጋበርያ ስርዓት ሃጸያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኣስራተ ካሳ ክራኸብ እንከሎ ክሳብ ሕጂ ኣሉ ይብል ኣሎ።

እዚ ናይ ተበለጽቲ ፖለቲካዊ ሽጣራታት ንግዚኡ እወንታዊ ውጽኢ ዝህልዎ እኳ እንተመሰለ ውዒሉ ሓዲሩ ግና ንሃገርን ህዝብን ኣብ ከቢድ ቅልውላው ክምዘእቱ እዚ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ መስርሓት እኹል ምስክር እዩ። ከምቲ ኣፍዑት ዓፈፋኡ ዝቐያይር ስርዓት ኣስመራ ከኣ ሕብሩ እናቐያየረን  ነቲ ህዝቢ እናታለለን ክመጽእ ዝጸንሐ ስርዓት እዩ። ኣብታ ኣብ መንቀራቕሮ ዝኣትወላ ሰዓት ምስቲ ዝጐራፈጦን ዝሕንፍጦን ዝነበረ ምእንቲ ጸቢብ ረብሓኡ ክዕረቕን ክጽጋዕን ግዜ ዝወስደሉ ኣይኮነን።

ረብሓኡ እተውሕስ ዝኾነት ትኹን ምሕዝነት ክገብርን ክሰማማዕን ዝእግሞ ኣይኮነን። ትማሊ ምስ ኢራን ተጸጊዑ ንካልኦት ከምዘየጥቀዐ፥ ሎሚ ንኢራን ገዲፉ ምስ ሱዑድያን ኢማራትን ተመሓዝዩ ስልጣኑ ዘናውሓሉ ኣጋጣሚ ሃሰውሃሰው ኣብ ምባል ይርከብ። እቲ ዝነበረ ምሕዝነታት ገሊኡ ክብተኽ እንከሎ ገሊኡ ድማ ይተርር ምህላዉ ከኣ ከከም ገጹ ክገላበጥ ብዙሕ ዘሰክፎ ኣይኮነን። እነሆ ከኣ ሎሚ እቲ ምስ ሱዳን ዝነበሮ ዝምድና ከም ኣመሉ ናብ ዝብተኸሉ ደረጃ ይገማገም ኣሎ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝሓሸ ዝምድና እናመስረታ ይኸዳ ኣለዋ። ሱዳን ምስ ግብጺ ዘነበራ ዝምድና ከምቲ ናይ ቀደም ከምዘይኮነ፡ እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ኣባይ ግድብ ንምህናጽ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንረብሓ ግብጺ ኣይኮነን ብዝብል፡ ናይቲ ዝምድና ስንከለክል ምባልን ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሕድሕደን ሰላምን ምርግጋእን ክፈጥራ ዝግበአን ክንሰን ምሕዝነታተን መምስረብሐአን ይጠላለፍ ስለዘሎ ኣብ ነንሓድሕድን ዶባተን ክሳብ ዝዓጽዋ ኣብ ዝኸዳሉ መድረኽ ኢና እንዕዘብ ዘሎና።

እዚ ነቲ ኣፍሪቃዊ ዘይኮነ ደጋዊ ሓይሊ ናይ ምእታው ኣፍደገ ክፉት ንክኸውን ዕድል ዝህብ እዩ። በዚ ዝኣክል እነሆ ሱዑዲ ዓረብያ፥ ኢማራትን ቱርክን ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኣትዋ ዕድል ረኺበን ኣለዋ። እዘን ሰለስተ ሃገራት ነናይ ገዛእ ርእሰን ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዘለወን ክኾና እንከለዋ ንቀርኒ ኣፍሪቃ በቲ ዘለውን ኣህጉራዊ ዝምድና፡ ምትእስሳርን ሃብትን ክጸልዋ ምዃነን ርጉጽ እዩ። ውጽኢት ናይዚ ከኣ እቲ ብርሑቕ ኮይኑ ዝዝውር ኣህጉራዊ ሓይልታት ጽልዋኡ እጃም ከም ዝህልዎ ዝከሓድ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ፖለቲካዊ ሃዋህው ናበይ ገጹ እዩ ዝዛዙ ዘሎ ምስትብሃል ናይ ኩልና ግደ ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ሃፈጽታ ናይቲ ሃልሃልታ ንመላእ ኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ ብድኽነት ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝሃሲ ብምዃኑ ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናይ መን መልእኽቲ እዩ ዘተግብር ዘሎ እውን ክንመራመረሉ የድሊ። እዚ ሰብ እዚ ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ንረብሓኡን መናውሒ ዕድመ ስልጣኑን ዝገበሮ ዘሎ ሽጣራታት ደም ንጽሃት ደቅና ብኸንቱ ምፍሳስ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓድነትን ጥምረትን ህዝቢ ኤርትራ ክበታተን እሞ ኣብ ዝደኸመ ደረጃ ከውድቖ ዝኣልሞ ዘሎ ውዲታት እዩ።  ኤርትራን ህዝባን ምስ ደኸሙ ከኣ ተኸቲሉ ዝመጽእ ሳዕቤን ከምዘሎ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ናይ ስዑዳውያን፡ ዒማራታውያንን ግብጻውያንን ኣብ ሃገርና ምእታው እዚ ዘይበሃል መዘዝ ከም ዘስዕብ ኣቐዲምና ክንግንዘቦን ክንቃለሶን ይግበኣና።

ወጽዓን ወጻዕትን

Wednesday, 03 January 2018 20:39 Written by

ትርጉም ወጽዓን ወጻዕትን ኣይኮነንዶ ንዓና ብሰንሰለታዊ ስርዓታት ብበዓይነቱ ወጽዓ ክድህከና ዝጸንሐን ዘሎን ኤርትራውያን ንካለኦት እውን ብሩህ እዩ። ቅድሚ ናብቲ ትርጉሙን ስንብራቱን ምስጋርና ወጽዓ ብዘይ ሃንደስቱን መራሕቱን  ወጻዕቲ ህልውና የብሉን። ወጽዓ ኩሉ መሰላት ህዝቢ ይገፍፍ። ንኹሉ ነገራት ብናቱን መሳርሕቱን ጥራይ ይዕቅኖ። ነዚ ንዝቃወሙ ወገናት ከኣ ኣንጻር ረብሓኦም ተሰሊፎም ከተግብርሉ የገድድ። ኩሉ ናይ መገደዲ መሳርሕታት ዝጥቀም ረጋጺ እዩ። ወጽዓ ኣብ ሓደ ውሱን መዳይ ዘተኩር ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ሰብኣውን መዳያት ኣእዳዉ ይሰድድ። ወጽዓ ብሓፈሻ ባህርኡን ተግባሩን ከምዚ ዝተጠቕሰ ኮይኑ ከከምቲ ዝትግበረሉ ግዜን ናይቲ ወጻዒ ባህርን ህርፋንን ናይ ትሕዝቶ ዘይኮነስ ናይ ኣተገባብራ ፍልልይ ክህልዎ ይኽእል።

ወጽዓ ብናይ ሓደ ሰብ ዊንታ ጥራይ ዝውነንን ዝትግበርን ዘይኮነ፡ ኣብ ወጽዓ ረብሓ ዘለዎም ኣካላት ብዝመረጽዎ መልክዕ ተጠርኒፎምን ነቲ ጥርናፈኦም ሰይሞምን ሕጋዊ መልክዕ ኣጐልቦቦምን ናይቶም ዝውጽዕዎም ሓለይቲ እንዳተመሰሉ  ዘተግብርዎ ሓደገኛ መስርሕ እዩ። ነዚ ከተግብሩ ድማ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ተኾይጦም ንኹሉ መሳለጢ መሳርሕታት ይግብቱ። ኮታ ወጽዓን ወጻዕትን ሓደ ብዘይቲ ሓደ  ህልወና ዘየብሎም ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት እዮም። እቲ ኣሰላልፋ ከኣ ኣብ ላዕሊ ውሑዳት ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኣብ ታሕቲ ድማ ግዳይ ናይቲ ወጽዓ ዝኸውን ሓፋሽ ህዝቢ እዩ።

እዚ ዝተጠቕሰ ኩነታ ኣብ ኤርትራ ኣብቲ ዝሓለፍናዮ ሰንሰለታዊ መስርሕ ተራእዩ እዩ። ሕጂ እውን ኣብ ግዜቲ ልዕሊ ጉዳይ ህዝብን  ሃገርን ጸቢብ ረብሓኡ ዝሰርዕ ጉጅለ ህደፍ ብግብሪ ይረአ ኣሎ። ከምቲ ወጽዓን ወጻዕትን ነጻጺልካ ዝረረአ ህልውና የብሎምን ዝበልናዮ፡ ወጽዓን ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓን እውን ማዕረማዕረ ዝስጉሙ እምበር ወጽዓ በይኑ ቀሲኑ መድረኽ ዝውንነሉ ኣጋጣሚ የለን። እቲ ኣንጻር ወጽዓ ዝግበር ቃልሲ ማዕረ ምረት እቲ ወጽዓ በሪኹ ኣብ ዘይወጸሉ ግና ወጽዓ በይኑ ብሒቱ ከምዘሎ ከምስል ይኽእል። ኣብቲ ክውንነት ተመጺኡ ግና ስፍሓቱን ዕምቆቱን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክብ ለጠቕ ዝብል ኮይኑ፡ ወጽዓ ክሳብ ዘሎ ኣንጻር ወጽዓ ፈኸም ዝብል ቃልሲ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩን ክብሩን ከም ዝፈቱ፡ ዛንታ ዘይኮነ፡ ንካለኦት ወገናት’ውን ኣርኣያ ብዝኸውን መስዋእትነት ኣረጋጊጽዎ እዩ። እንተኾነ እነሆ ሞሳ ቃልሱን መስዋእቱን ኣደዳ መወዳድርቲ ዘየሉ ወጽዓን በደልን ክይኑ። ነዚ ወጽዓ ዘወለዶ እቲ ንሱ ንክብሪ ሃገሩን ልኡላውነቱን ዘካየዶ ቃልስን ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋን ዘይኮነስ፡ በሓቲ ባህርን ጸቢብ ረብሓን ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳያት ከየደባለቐ፡ ብናጽነቱ እንዳተሓበነ ኣንጻር ወጽዓ ይቃለስ ኣሎ። ምስ ኩሉ ሕጽረታቱን ሓላፍ ዘለፍ ኣጠማምታትን ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራ እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣረኣእያ ዘአልዎ ኣይኮነን። ንጁጅለ ህግደፍ ንምሕራቕን ምርካብን ኢሉ ንክብሪ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውርድ ሓይሊ የለን። ምናልባት ኣሎ ተተባህለ እውን ገለ ከምቲ “ ካብ ቡል ጥረ” ዝበሃል እንተዘይኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ኮነ ንሓይሊ ተቓውሞኡ ዝውክል ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግደፍ ግና ንነብሱ ከም ናይ ውሱናት ናይ ወጽዓ ተረባሕቲ ምትእኽኻብ ዘይኮነ፡ ከም ከም ተሓላቒ ክብርን ሉኡላውነትን ኤርትራ ስኡሉ ስለ ዘቕርብ፡” ነዓይ ዝተንከፈ ንክብርን ሉኡላውነትን ኤርትራ ከም ዝተንከፈ” እንዳበለ እዩ ዘፈራርሕን ዝሕባእን። ኣብቲ ሓቂ እንተመጻእና ግና፡ እቲ ሓላፊ ጉጅለ ካልእ እዩ፡ ነባሪ ክብርን ልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን ከኣ ካልእ እዩ። ኣብ ከምዚ ዘለናዮ መስርሕ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ንወጻዕቲ ምምራቕን “ጽቡቕ ኣለኹም” ምባልን ዝከላ ኣይኮነን። ክንምርቖም እንተኮይና ከኣ ኣንጻር ወጽዓ ንቃለሰሉ ምኽንያት የብልናን። ንወጽዓ ኣብ ባይታ ዝከላኸለሉን ዝትግብሮም ኣካል ከም ዘየብሉ ኣብ ንፋስ ምንጥልጣሉ ከኣ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ነቶም ነቲ ወጽዓ ዘተግብሩ ዘለዉ ኣካላት “ናብ ሕጊ ነቕርቦም” ምባል ተሪፉስ ነቀባጥረሎም እንተ ኢልና ነቲ ንቃለሶን ንቃወሞን ንብሎ ወጽዓ ዝያዳኦም ናትና ኢልና ርዒማዮ ኣለና ማለት እዩ ከስምዕ።

ኣንጻር ወጽዓ ተቓሊስካ ምዕዋት ነብሱ ዝኸኣለ መስርሕ እምበር ኣብ ውሱን ግዜ ብውሱናት ሰባት ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ነዚ ክትበቅዕ ድማ ኣብቶም ናይ ለውጢ ባእታታት ንወጽዓ ዘውግዝ ኣተሓሳስባ ክሰርጽ ናይ ግድነት እዩ። እዚ ዝሰረጸ ኣተሓሳስባ ኣብ ፍረ ንክውዕል መሪሕ ክድልዮ ናይ ግድን እዩ። ነቲ ወጽዓ ዘይቅበል ኣተሓሳስባ ወጻዕቲ መሪሖም ከዕውትዎ ማለት ዘበት ስለ ዝኾነ፡ እቲ ዋና ናይ ጸረ-ወጽዓ ኣተሓሳስባ ክመርሖ እንተኽኢሉ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ክዕወት ዝኽእል። እዚ ማለት ግና ዘተኣማምን ኣተሓሳስባ ከየንጸካ ስለ ዝመራካ ጥራይ ትዕወት ማለት ኣይኮነን።

 

ምንጪ፡ ኣልጀዚራ

 

ትርጕም፡- ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

 

ዘመናዊ ብረት፡ ናይ ወተሃደራዊ መጕዓዝያ መኻይንን 4 ዊል ድራይቭ መኻይንን ዝውንን ሰራዊት ግብጺ ኣብ መደበር ሳዋ (ኤርትራ) ከምዝኣተወ፡ ወኪል ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ፍሉያት ምንጪታቱ ከምዝበጽሖ ሓቢሩ። መደበር ታዕሊም ሳዋ፡ ኣብ’ቲ ምስ ሱዳን ዝዳወብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኢዩ ዝርከብ።

 

ወተሃደራዊ መራሕቲ ናይ ግብጺ፡ ዓረብ ኤሚረይትስ፡ ኤርትራ፡ ገለ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ዳርፉርን ምንቅስቓስ ምብራቕ ሱዳንን ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ኣኼባ ከምዘካየዱ እቲ ምንጪ ሓቢሩ።

 

ድሕር’ዚ ምዕባለ’ዚ ምግሃዱ፡ ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሺር፡ ምስ ዞባ ጋሽ ባርካ እትዳወብ ኣውራጃ ከሰላ እትርከበን ኣብ ምብራቕ ዝርከባ ኣውራጃታት ሱዳን ናይ ህጹጽ ኵነታት ኣዋጅ ክእውጅ እንከሎ፤ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ድማ ምስ መራሕቲ ዓረብ ዓማራት ክልትኣዊ ዝምድናታት ብዝምልከት ንምዝርራብ ዑደት ኣካይዱ።

ኣብዚ እዋንዚ፡ ከም ኤርትራውያን ጸገምና እንታይ ምዃኑ ኣብ ዝተረዳእናሉ ደረጃ ንርከብ ኣለና ዝብል እምነት ኣለና። ብዓይብይኡ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ ብኹሉ መልክዑ እዚ ዝሓሸ ኣለዎ፡ ዘይበሃል ወጽዓ ጠንቂ ናይቲ ንሃገርና ብዘይሕጊ ዊን ከምዝበሎ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ደረ-ዲሞክራስን ጸረ-ህዝብን ባህርን ተግባርን ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ኣብ ደንበ ናይ ለውጢ ሓይልታት ክንመጽእ እንከለና ድማ ጸገምና ብዙሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ በሪኹ ዝረአ  ተኸኣኢልካን ተወሓሒጥካን ብሓባር ክትስጉም ዘይምብቃዕ እዩ። እቲ “ምክኣል” ዝብል ረዚን ቃል ስሙ ከም ዝሕብሮ ክትጽመሞ ዝግበኣካ ዕማም ከም ዘሎ እዩ ዘመልክት። ኣብ ዝርዝሩ ክንኣቱ እንከለና ንዓና ቅኑዕ ኮይኑ ዘይረኣየና ናይ መኻይድና ቅኑዕ ምስ ዝኸውን፡ ምስ ዝህልወና ዕቃበ ከም ናትና ቅኑዕ ሒዝናዮ ናይ ምጉዓዝ ሓላፍነት ከም ዝጽበየና ዘመልክት እዩ። ኣብ መስርሕ ምጽማምን ምክእኣልን፡ እቲ ሎሚ ንዓና ቅኑዕ ኮይኑ ዘይረኣየና ጽባሕ ምስ ዝፍጠር ምዕባለ፡ ናትና ቅኑዕ ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ። እቲ ንመጻምድና ሎሚ ቅኑዕ ኮይኑ ዘይራዮ ናትና ቅኑዕ’ውን ጽባሕ  ናቱ ቅኑዕ ኮይኑ ዝቕርበሉ ዕድል ዕጹው ኣይኮነን። እዚ እንተዘየጋጠመ ከኣ ናይቲ ላዕለዋይ ኢድ ዘለዎ ህዝቢ ናይ ምውሳን ሓላፍነት እዩ ዝኸውን። ስለዚ ኢና ከኣ እንተገደደስ ብሓሳብ ደኣ ንፈላለ እምበር ጽባሕ ብወሳኒ ግደ ህዝቢ ውዱእ መልክዑ ኣብ ዝሕዝ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ሎሚ ብዓይኒ ጽልኢ ኣይንመዓዳዶ እንብል።

ንኩነታታና ብዕምቆት ክንዕዘቦ እንከለና፡ ዝከኣል ክነሱ ዘይከኣልናዮ ዕማም እዩ ብሓባር ንቕድሚት ከይንስጉም ዓንቁጹና ዘሎ። እቲ ሓቂ ከምኡ ምዃኑ ከኣ በቲ ተመዓዳዲና እነስመዖ ዘለና ክቀራረብ ዘይበቐዐ መጸዋዕታታት ዘነጽሮ እዩ። ከምቲ ግቡእ ኣተሓሕዛን ኣፈታጥሓን ዓንቀጽቲ ጉዳያት፡ ጸገምና እንታይ ምዃኑ ፈሊጥና፡ መፍትሒኡ እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦ  ካብ ኣመትና፡ እቲ ዝተርፍ ናይ ምቅርራብ ትግባረ ኮይኑ፡ ዝቐለለ ክኸውን መተገበአ። ነዚ ክንበቅዕ እንተዘይክኢልና እቲ እንብሎ ካብ ልቢ ዘይነቐለ መሲልካ ንምቕራብ ዝበሃል መኸወሊ እዩ ዝኸውን። ርግጽ እዩ ፍልልያት የብልናን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ ብቕንዕና እንተሒዝናዮ  እቲ ዘሰማመዓና ብስፍሓቱ ኮነ ብትሕዝቶኡ ካብቲ ዝፈላልየና ከም ዝዓቢ ፍሉጥ እዩ። እቲ ጸገም ከኣ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝሰፍሐ ዘሰማመዓና፡ ነቲ ዝጸበበ ዝፈላልየና ኣዕቢና ከነቕርብ ንሃልኽ ምህላውና እዩ።

ግዜ ናይ ገዛእ ርእሱ መሃሪ ተጽዕኖ ኣለዎ። እቲ ኣብ ክንዲ ትመዓዳዶ ምቅርራብ ኣድላይነቱ ኣብዚ እዋንዚ ዝያዳ ዝዓዘዘ ይኸውን ኣሎ። ኩልና ከም እንረደኦ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ’ሞ እንተቐጺሉ ንህልውናን ቀጻልነትን ሃገርና’ውን ዘስግእ ወጽዓ ህግደፍ መመሊሱ እንዳገደደ ክኸይድ እንከሎ፡ ናትና ብሓባር ናይ ምስጓም ኣድላይነ ከኣ ብኽንድኡ ደረጃ እዩ ክዓዝዝን ክቕልጥፍን ዝግበኦ። ድሌትና ተመሳሳሊ “ምድሓን ህዝብን ሃገርን” እናሃለወ ብሓባር ናይ ዘይምስጓምና ምስጢር ናይቶም ሰብ ጉዳይ ብሓባር ይኹን ብውልቂ፡ ብዓል ቤታዊ ድኽመትን ዘይሃናጺ ኒሕን ዓብይ ግደ ከም ዝህልዎ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ጸገም ካብ ዝግለጸሉ ምልክታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ድኽመታት ንምጽብጻብን ምክሳስን ዝያዳ’ቲ ንቕድሚት ዝጽበየካ ዕማም ግዜን ጉልበትን ምሃብ ከም ምልክት በዓል ቤታዊ ድኽመትና ዘይውሰድ ኣይኮነን። ንናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ኣብ ክንዲ ናይ ርኢቶ መወዳዳሪ መጻልእን መፈኻኸርን ጌርካ ምውሳድ ካልእ ንበዓልቤታዊ ድኽመትና ዘርኢ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ሓደ ውደባ ወዮ ካባኻ ዝተፈልየ ርኢቶ ሃልይዎ ነብሱ ክኢሉ ተወዲቡስ ዝተወደበሉ ርኢቶ ገዲፉ ናትካ ርኢቶ ከም ዝርዕም ከተገድዶ ምፍታንን ኣብኡ ሕራይ እንተዘይሉ ኣብ ክንዲ ብዓይኒ መወዳድርቲ ብዓይኒ ጽልኢ ክትርእዮ ምድንዳንን ካልእ ዓንቃፊ ኣተሓሕዛ እዩ።

ከምቲ ብዉዱብ ኮነ ብዘይውዱብ ኣገባብ ብዛዕባ ሃይማኖት፡ ብሄርን ዝኣመአሉ ዛዕባታትን ሒዝናዮ ዘለና መርገጻት፡ ጽባሕ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምርጫ ምስ ኣየናይ ከም ዝኸውን ምግማት እምበር፡ ርግጸኛ ኮይንካ ውዱ መደምደምታ ክትህብ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ነቲ ሒዝካዮ ዘለኻ መርገጽ፡ ንናይ ካልኦት መርገጽ ብዘየነውርን መወዳደሪ መድረኽ ብዘየጻብብን ኣገባብ ካብ ምግላጽን ምውድዳርን ሓሊፍካ ሓላፍነት ህዝቢ ተኪእካ ክትፈርድ ኣጸጋሚ እዩ። ምእንቲ ናይ ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን መሰል እትቃለስ ክነስኻ፡ መን ኣብቲ ናይ ቃልሲ መድረኽ ይዋሳእ መንከ  ኣብቲ መድረኽ ኣይዋሳእን ምድራት ናይ ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ሓላፍነት ኣይኮነን። በቲ ብሓባር እትሰርሓሉ ሰፊሕ ጽላል ኣቢልካ ነዚ ጉዳይዚ ዝምልከት ቀጥዒ ኣውጺእካ መንዩ ውዱብ ሓይሊ ምምማይ ዘኽእለካ ቀጥዒ ምውጻእ ግና ዘይከኣል ኣይኮነን። ጥበብን ውሕልነትን ተጠቒምካ ኩሉ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ዘዝዓቕሙ ክድርቢ ቅሩብ ዝኾነ ዝሳተፈሉ ኩነታት ምፍጣር ከኣ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ኩሉ ክንበቅዕ እምበኣር ኣብ ክንዲ ንመዓዳዶ ክንቀራረብ ናይ ግድን እዩ።

ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን

Friday, 22 December 2017 20:22 Written by

ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ሓደ ካብቲ ሓደ ክፈላለ ዘይክእል ሰንሰለታዊ ምትእስሳር ኣለወን። ትማሊ ናይ ነባራት ነይራ፡ ሎሚ ናይ ነባራትን ናይ መንእሰያትን ናይ ሓባር መዋስኢትን መራኸቢትን መድረኽ እያ። ጽባሕ ድማ ናይ መንእሰያት እያ። እዚ ናይ ወለዶታት ኣተሓሳስባታትን ምትኽኻእን ከምኡ ኢሉ ይቕጽል። ኣብ ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ዝስለፍ ወለዶ ከከምቲ ዝነበረሉ ምዕባለታት  ንዘጋጥሞ ብደሆታት ከመሓድርን ክብድህን ትውልዳዊ ሓላፍነት ይስከም። ከም ኤርትራውያን ኣብ ተመኩሮ ቃልስና እንተመጻእና ኣብ 60ታት፡ 70ታትን 80ያታትን ዝነበረ መንእሰይ ይገጥሞ ዝነበረ ብደሆታትን ኣመኻኽታኡን ካብ ናይዚ እዋ’ዚ መንእሰይ ብደሆታት ይፍለ። እቲ ቀደም ናይ ደብዳበን ኣጋር ልኡኽን ግዜ ነይሩ፡ ሎሚ ድማ ናይ በብዓይነቱ ቅልጡፍ ማሕበራዊ ሚድያታት መዋእል እዩ። ናይቲ መጻኢ መንእሰይ ብደሆታት እንታይ ከም ዝኸውን ከኣ እቲ ሽዑ ዝመጽእ ምዕብልና ዝውስኖ እዩ ዝኸውን።  ናይ መጻኢ መድረኽ መሪሕ ቀላሲ መንእሰይ ከኣ በቲ ዝሓለፈ ይኹን በቲ ዝመጽእ ምዕባለታትን ጽልዋን ከየመኽንየ ነቲ ኣብ ግዜኡ ዝረአ ብደሆታት ናይ ምብዳህ ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎ።

ሎሚ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ዘሎ ሓይሊ፡ ብዛዕባቲ ናይ ትማሊ ፍጻመታት ክመዝዝንን ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ክውጥንን ባህርያዊ ኣካይዳ እዩ። ኣብ መንጎ ናይ ትማሊ፡ ናይ ሎምን ናይ ጽባሕን ምዕብልናታት ዘይጓዳእ ምፍሕፋሕ ክህልው ቅቡል እዩ። ኣብ ሎሚ ኮይንካ ነቲ ብኣካል ዘይነበርካሉ ናይ ትማሊ ተመኩሮ ምንቃፍ ልሙድ እዩ። እቲ ነቐፈታ ንቡር ዝኸውን፡  ነቲ ሎሚ ብኻልእ ዝተተከኣ ናይ ትማሊ ምዕባለ ዘንጸላልዎ ዝነበረ ምዕብልናታት ኣብ ግምት ምእታዉ ናይ ግድን እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታትዚ ዝግበር ገምጋምን ነቐፈታን ሃሳዪ ከም ዘይከውን ከኣ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ርትዓውን ምኽኑይን ስለ ዝኾነ። ጽባሕ ካብ ሎሚ ዝሓሸ ከም ዝኸውን ምግማት፡ መጻኢ ብሩህ ምዕባለ ኣብ ግምት ምእታው ስለ ዝኾነ ዝተባባዕ እምበር ዝጽላእ ኣይኮነን።

ኣብ ተመኩሮና ክንዕዘብ እንከለና፡ ነቲ ኣብ ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ኮነ፡ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ጉዕዘኡ ዝነበረ ኩነታት ኣብዚ ሎሚ ኮይንካ ምንቃፍ ዝተለምደ እዩ። ናይቶም ሽዑ  ነዚ ጌና ቀጻሊ ዘሎ ቃልሲ መንገዲ ዘትሓዙልና ሓርበኛታት ምንቃፍ’ውን ልሙድ እዩ። ካብ ምንቃፍ ሓሊፉ ኩነኔ ክኸውን እንከሎ ግና ኣቐንዛዊ እዩ። እቲ ነቐፈታ ገሊኡ ርትዓዊ እዩ። ገሊኡ ግና ነቲ ከቢብዎም ዝነበረ ኩነታት ኣብ ግምት ዘየእትውን ዘይሓላፍነታውን እዩ። እቲ ቃልሲ ካብ ምዕራፍ ናብ ምዕራፍ ክሰጋገር እንከሎ ኣብዚ ሎሚ ዘለናዮ ምዕብልና ኮይንካ ኢንታ ከተውጸኣሉ ይከኣል እዩ። ናይዚ ቀረባ እዋን ምቅርራባት፡ ምሕዝነት፡ ኪዳንን ባይቶን እውን በዚ ክሓልፉ ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ ነቲ ዝሓለፈ ምንቃፍ ብዙሕ ኣይመጐደአን። ሕሉፍ ሓሊፉ ነቲ ናይ ትማሊ እሞ ንናይ ሎሚ መሰረት ዘንበረ ተመኩሮ ጸንቂቕካ ምዅናን ግና ቅቡል ኣይኮነን። ዝሓለፉ ምዕራፋት ቃልስና እንተገደደ ዝንቀፍ እምበር ዝኹነን ትሕዝቶ የብሎምን።

ኣብዚ ሓደ ክሕለፍ ዘይግበኦ ጉዳይ ኣሎ። መጻኢ ብሩህ ዝኸውን ንናይ ትማሊ ተመኩሮ ብምኹናንን ብምንቃፍን ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ እቲ ምኹናንኳ ብዝኾነ መለክዒ ተቐባልነት ዘየብሉ እንድዩ፡ ክትነቅፍ እንከለኻ’ውን ዝሓሸ መተካእታ ሒዝካ ክኸውን ይግበኦ። ብኽምዚ እንተዘይተታሒዙ ግና ሎሚ ብጽባሕ ምትካእ ከቢድዩ ዝኸውን። ደሓር ከኣ ንናይ ሎሚ ድኽመትካ ብናይቶም ናይ ትማሊ ተዋሳእቲ ድኽመት ከተማኻኒ ምፍታን ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ንኣብነት ጉጅለ ህግደፍ ሓያሎ ጉዳያት ዘይምዕራዩ ክንቀፍ እንከሎ፡ ካብ ድኽመቱ ንምህዳም  “ካብ ገዛእቲ ስርዓታት ዝተወርሰ ሕማቕ ባህሊ ዓንቂፉና” ንዝብል ሓረግ ከም መኸወሊ  ይጥቀም። ብኸምዚ ኣገባብ ህድማ ክሳብ መዓስ ምዃኑ ዝፍለጥ ኣይኮነን። እቲ ዝሓለፈ ኣብ ናይ ሎሚ ኣውንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ጽልዋ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ግና ንሓዋሩ ኣይኮነን።

ሕጂ’ውን ኣብ ደንበ ተቓውሞና ክንመጽእ እንከለና፡ ብዝሓለፈ ድኽመታት፡ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ድሒሩ ድማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ከም መሕብኢ ምጥቃም ዝተለምደ ኮይኑ ኣሎ። ናይዞም ንቕሎታት ተመኩሮ ነናቱ መምሃሪ ዝኸውን ምልክት ገዲፉ ሓሊፉ እዩ። ሕጂ ዝጽበየና ዘሎ ናይዞም ንቕሎታት ድኽመት  ምኩምሳዕ ዘይኮነ፡ ካብቲ ተመኩሮ ተማሂርካ ካልእ ካብ ደውታ ዘውጽእ ዝሃብተመ መተካእታ ምርካብ እዩ። ዓቕሚ ተቓውሞና ውሱን ምዃኑ ዘሻቕል እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሻቕል ከኣ ነቲ ዝርካቡ ዓቕምና ኣብ ክንዲ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ትርጉም ዘየብሉ ናይ ሕድሕድ ምትህልላኽ ነባኽኖ ምህላውና እዩ። “ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይበቁል” ዝብል ኣዘራርባ ንኣገዳስነት ካብ ተመኩሮኻ ምምሃር ዘመልክት እዩ። ልብና ግና ኣብ ክንዲ እንዳሓደረ ዝበቁል እንዳሓደረ ክጭክን ኢና ንዕዘብ ዘለና። ግን ስለምንታይ። “ክትከይድ እንከለኻ ዝዓንቀፈካ እምኒ ክትምለስ እንከለኻ እንተደጊሙካ እቲ እምኒ ንስኻ ኢኻ” ዝበሃል ብሂል እውን፡ ንኣብ ሎሚ ኮይንካ ኣብ ናይ ትማሊ ዓለም ምንባር ግጉይ ኣተሓሕዛ ዘመልክት እዩ። ስለዚ ሎሚ በቲ ትማሊ ዝመጻእናዮ ዘየዕወተና  መንገዲ ናብ ጽባሕ ክንጐዓዝ ኣይግበኣናን። ብመንጽር እዚ ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ኣብ ሕድሕድ ዝመላልኡ እምበር ዝተፋነኑ ክኾኑ ኣይግበኦምን።

Parliament in Holland

ትርጕም፡- ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

 

ፓርላማ ሆላንድ፡ ኣብ ድሒሩ ዝተረኸበ ጭብጥታት ተመርኲሱ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሆላንድ ዝነብሩ   ኤርትራውያን ዝገብሮ ዘሎ ተጽዕኖታት እንታይ ዓይነት ግብረ መልሲ ክውሃቦ ከምዝግባእ ንምውሳን ይካትዓሉ ኣሎ።

 

ሓድሽ ጭብጥታት

ቀዳም፡ ኣብ ኣርጎስ ራድዮ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት፡ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ 2% ቀረጽ ክኽፈልን ናይ ጣዕሳ ሰነድ ክፍርምን እናተገደደ እንከሎ ዘቃልዕ መደብ ረድዮ ክፍንዉ ኢዮም። እዚ ናይ ኣስገዳድ ተግባር ደው ክብል ሰበስልጣን ሆላንድ ደጋጊኦም ንመንግስቲ ኤርትራ ከዘኻኽሩ ጸኒሖም ኢዮም።

 

ገለ ክፋል ካብ’ቲ ተረኺቡ ዘሎ ሓድሽ ጭብጢ ድሮ ናብ ዜና ማዕከናት ተዘርጊሑ ኣሎ። እቲ መደብ፡ ብፊልም ዝተቐርጸ ኰይኑ፡ ሓላፊ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ኣቶ ሰለሙን መሓሪ፡ ነቲ ስደተኛ 2% ግብሪ ክኸፍልን ናይ ጣዕሳ ፎርም ክመልእን ከገድዶ እንከሎ ተቐሪጹ ኣሎ።

 

እንተደኣ፡ ከም’ቲ ዝተባህሎ ዘይፈጺሙ ድማ፡ እቲ ካብ መንግስቲ ዝደልዮ ዘሎ ሰነዳት ክውሃቦ ከምዘይኰነ ተነጊርዎ። እቲ ሓላፊ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ዝዀነ ሰብ ናይ ጣዕሳ ፎርም ከይመልአን ከይፈረመን ዝዀነ ይኹን ኣግለግሎት ኣይግበረሉን ኢዩ። ነዚ ጐሲኻ ምኻድ ፈጺሙ ኣይከኣልን ኢዩ ይብል።

 

ላት ፓርላማ ሆላንድ ቍጥዐኦም ይገልጹ

ፓርላማ ሆላንድ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ሰለስተ ርእይቶታት ተመያይጡ። እቲ ርእይቶታት ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ክዕጾ ኣለዎ ዝብል ክሳብ 2% ቀረጽ ምኽፋል ዘድሊ ምርምር ድሕሪ ምክያድ ሕጋዎ ኣይኰነን ናብ ዝብል ውሳኔ ክብጻሕ ኣለዎ ዝብል ነበረ።

 

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሆላንድ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝገብሮ ጸቕጥን ምፍርራሕን ከቋርጾ ደጋጊሙ ተነጊርዎ ከብቅዕ፡ ክሳብ ሕጂ ይቕጽሎ ምህላዉ፡ ወከልቲ ኵለን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ፓርላማ ሆላንድ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢርሎም ከምዘሎ ገሊጾም።

 

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም፡ መንግስቲ ሆላንድ እዚ ደው እንተዘይሉ፡ ስጕምቲ ክንወስድ ኢና ምባሉ ዝዝከር ኢዩ። “ብምፍርራሕን ዘይሕጋዊ ናይ ምግዳድ ተግባርን 2% ቀረጽ ከምዝኽፈል ዘሎ ዘረጋግጽ ጭብጥታት እንተደኣ ረኺብና፡ ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ ክሳብ ምውሳድ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና” ዝብል ወግዓዊ መብጽዓ ብመንግስቲ ሆላንድ ተዋሂቡ ነይሩ ኢዩ።

 

ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት፡ ኣቶ ሃልበ ዚልስትራ፡ ምዕጻው ናይ ኤምባሲ፡ ምሉእ መረጋገጺ ዝጠልብ ኣዝዩ ዓቢ ጕዳይ ኢዩ ኢሉ።

 

 

ኣቶ ዚልስትራ፡ ብዛዕባ ተኽእሎ ናይ ብኣኽባር ሕጊ ኣቢልካ ዕላዊ ክሲ ምቕራብ ምዝርራብ ከምዝከኣል፡ ከምኡ’ውን፡ ምስ ኣምባሰደር ኤርትራ ኣብ ብራስልስ ነቲ ጕዳይ እንደገና ከልዕሎ ድሌት ከምዘለዎ ኣተንቢሁ።

 

ፓርላማ፡ ኣብ’ቲ ቀሪቡ ዘሎ ርእይቶታት ሎሚ ሓሙስ ድምጺ ክህብ ኢዩ።

 

ትሕዝቶ ናይ ብረድዮ ኣርጎስ ተቐሪጹ ዘሎ ዝርርብ

ሓታቲ ዑቕባ፡- እቲ ኣነ ክፍርሞ ዝሕተት ዘለኹ ሰነድ፡ ኣነ ናይ ፈጸምክዎ ጌጋታት ዝግብኣኒ መቕጻዕቲ ክወስድ ድልዊ ምዃነይ አረጋግጽ ስለዝብል ዘሎ፡ ብዛዕባ’ዚ ክሓስብ ግዜ ሃበኒ ኢየ ዝብለካ ዘለኹ። እንታይ ማለተይ ምዃኑ ተረዲእካኒ’ዶ?

 

ሰለሙን መሓሪ (ሓላፊ ኤምባሲ)፡- ኣይተረድኣንን። ኣነ ፍልይ ዝበለ መረዳእታ ኢዩ ዘሎኒ። እቲ መንግስቲ፡ ነዚ ንዓኻ ክሕግዝ ወይ ክጠቅም ኢሉ ዝገብሮ ዘሎ ኢዩ።

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- ሐራይ በል ክሓስበሉ ኢየ። ንዝገበርክዎ ጌጋ ዝግባእ መቕጻዕቲ ክውሃበኒ እቕበል’የ ስለዝብል ዘሎ፡ እቲ መቕጻዕቲ ናይ ሞት ብይን እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለ’ዚ ክሓስበሉ ፍቐደለይ።

 

ሰለሙን መሓሪ፡- ዝዀነ ሕልና ዘለዎ ሰብ ንዝፈጸሞ ጌጋ ኣሉ ክብል ኣይክእልን ኢዩ።

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ኢዩ ዝሃድም ዘሎ። ኣነ ድማ፡ ካብኡ ዝተፈልየ ነገር ኣይፈጸምኩን። ስለ’ዚ፡ ኣነ እናሓሰብኩሉ ከለኹ፡ እቲ ዝጠልቦ ዘለኹ ሰነዳት ክዳለወለይ ይኽእል’ዶ ይመስለካ?

 

ሰለሙን መሓሪ፡- ኣይዳለወልካን ኢዩ። እዚ ኣነ ዝውድኦ ጕዳይ ኣይኰነን። ኣነ፡ እቲ ኵሉ ሰብ ከማልኦ ዘለዎ ጠለባት እነግረካ ኣለኹ። ዝዀነ ንሃገሩ ራሕሪሑ ዝመጸ ሰብ ነዛ ናይ ጣዕሳ ሰነድ ክመልኣ ኣለዎ። ነዚ ከይገበርካ ዝሳለጠልካ ዝዀነ ይኹን ነገር የለን። ብድሕሪ ነዚ ምፍጻምካ ግን ዘድልየካ ኣገልግሎት ክንገብረልካ ኢና።

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- እቲ ሰነድ ግን ሕጂ የድልየኒ ኣሎ።

 

ሰለሙን መሓሪ፡- ኣይውሃበካን ኢዩ።

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- ሕጂ ልደት ይኣቱ ኣሎ። ምስ ደቀይ ከብዕሎ እደሊ ኣለኹ። ክኸፍሎ ዘሎኒ ኣማሊአ፡ ናይ ጣዕሳ ሰነድ እንተዘይፈረምኩ’ኸ?

 

ሰለሙን መሓሪ፡- ኣይውሃበካን ኢዩ።

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- ስለ’ዚ ሰነድ ኣይውሃበንን ኢዩ?

 

ሰለሙን መሓሪ፡- ቅድም ናይ ጣዕሳ ሰነድ ፈርም። ብድሕሪኡ ድማ ካባኻ እንጽበዮም ነገራት ከነስዕበልካ ኢና።

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- ዝዀነ ኣገልግሎት ዝደሊ ሰብ ነዚ ትብሎ ዘሎኻ ክፍጽሞ ኣለዎ ማለት ድዩ?

 

ሰለሙን መሓሪ፡- እወ፡ ድሕሪኡ ድማ ፍሉይ ካርድ ክውሃበካ ኢዩ።

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- እቲ 2% ግብሪ ብሓደ ግዜ ድየ ክኸፍሎ ዘሎኒ? ኣነ ን4-5 ዓመታት ዝኸውን ሰሪሐ ኣለኹ። ኣብ ሕሳብ ባንከኻ ገንዘብ እንተደኣ ዘይብልካ ትገብሮ ነገር የብልካን። ሽግር ኢዩ።

 

ሰለሙን መሓሪ፡- ስምዓኒ፡ ክሳብ ሕጂ ከይከፈልካ ምጽናሕካ ናትካ ጌጋ ኢዩ።

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- እቲ ግብሪ ምኽፋል ብወለንታ ኢዩ ዝብል ዘረባታት እሰምዕ ነይረ።

 

ሰለሙን መሓሪ፡- እወ፡ ብወለንታ ኢዩ። ኣብ ሆላንድ 10 ሽሕ ኤርትራውያን እንተልዮም፡ ፍርቆም እንተደኣ ከፊሎም፡ ናይ’ቶም ዝተረፉ ንምእካብ ገዛ ገዝ ኣይንኸይድን ኢና። ግን፡ ዝዀነ ሰብ ገለ ኣገልግሎት ካብ’ታ ሃገር ክግበረሉ ሓቲቱ፡ እቲ ሰብ ነቲ ዝሕተቶ ዘሎ ከማእል ኣለዎ። ኣብ’ዚ ዘረባና ደው እንተበልና’ዶ ይሓይሽ?

 

ሓታቲ ዑቕባ፡- በብቝሩብ ምኽፋሉ ይከኣል’ዶ ይመስለካ?

 

ሰለሙን መሓሪ፡- ከምኡ ዝብሃል ነገር የለን። ሎሚ ሓሙስ ኢዩ። ቀዳመ ሰንበት ኣሕሊፍካ ሓሲብካ ተመለሰኒ።

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን

ኮለኔል ጸጉ ፍስሃየ ኣብ ዕለት 11/11/2017 ምስ ረድዮ-ኤሬና ዘካየዱዎ ቃለ-መሕትት፥ ኣነ’ውን ከም ሕዝበይ ተኸታቲለዮ እየ። ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ካብ ዝግድሶም ሓደ ስለ-ዝኾንኩ ድማ፥ ንኣበሃህላ’ቶም ኮለኔል ተገዲሰ ክከታተሎ ግድነት ኮይኑኒ። ከመይሲ ንሶም እዞም ስሞም ዝተጠቕሱ ኮለኔል፥ ሓደ ካብቶም ነቲ ፖለቲካዊ ሥርዓት ብምውካል፥ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ብብዙሕ ክዋስኡ ዝጸንሑ ምዃኖም ስለ-ዝፈልጥ’የ።

ስለዚ’ውን ንሶም ዝብሉዎ ምስማዕ፥ ንዓና ነቶም ብጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን እንቕንዞ ኦርቶዶክሳውያን፥ ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎ ክኸውን ግድነት እዩ። ከመይሲ ከምቲ ዓደቦና “-መን ይንገር ዝወዓለ፥ መንከ የርድእ  ዝቐበረ-” ዝብሉዎ። ካብቶም ኣብቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያንና ደይቦም ክዋስኡ ዝጸንሑ ንላዕሊ፥ ክዛረብ ዝኽእል ኣሎ ስለ-ዘይበሃል፥ ነዚ ዝተገብረ ቃለ-መሕትት’ዚ ንምስማዕ ሕንጡያት ኮንና እንተ-ተረኸብና፥ ዘገርም ኣይኮነን።

ከመይሲ ኮለኔል ጸጉ መን ምዃኖምን፥ ሓደ ካብቶም ነቲ ፖለቲካዊ ሥርዓት ብምውካል፥ኣብ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያንና ብብዙሕ ክዋስኡ ዝጸንሑ ምዃኖም’ውን ስለ-ዝፍለጥ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ደምበ-ተዋሕዶና ብቐጻሊ ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰተ-ሕጊ፥ ካብኦም ንላዕሊ ዝፈልጦን ክዛረብ ዝኽእል’ውን፥ ክህሉ ይኽእል’ዩ ኢልካ ኣይሕሰብን። እቲ ብኣይ ወገን ዝነበረ ትጽቢት’ውን እዚ’ዩ ነይሩ። እቲ ንሶም ዝገበሩዎ ቃለ-መሕትት ምስ-ሰማዕኩ ግና፥ ኮለኔል-ጸጉ ነቲ ዝነበረ ሓቂ ክገልጹ ከም-ዝተጸገሙ፥ ወይ ድማ ትብዓት ዝወሓዶም ኮይኖም’የ ረኺበዮም።

ከመይሲ ንሶም ኮለኔል-ጸጉ ኣብ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዙሕ ዝተፈጸመ ግህሰተ-ሕጊ እናሃለወ፥ ንሶም ግና ዋላ ሓንቲ ክብሉ ዝደልዩ መሲሎም ኣይተራእዩን። ስለ-ምንታይ’ውን እቲ ኩሉ ዝተፈጸመ ናይ ሕጊ ግህሰታት፥ ተዓባቢጡ ክተርፍ ከም-ዝደለዩዎ ንኽትርድኦ ዘጸግም’ዩ። እቲ ሓቂ ግና ከምቲ ኮለኔል-ጸጉ ዝገለጹዎ ከም-ዘይኮነ፥ ንሕና እቶም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣረጋጊጽና እንፈልጦ ሓቂ እዩ።ስለዚ ድማ’ዩ ኣበሃህላ’ቶም ኮለኔል፥ ሓቂ’ዩ ኢልና ክንቅበሎ ከቢዱና ዝርከብ ዘሎ።

ንኣብነት ኢልካ ካብ ዝጥቀስ ሓደ፥ ማለት እቲ ጋዜጠኛ ዮሓንስ ተስፋ-ማርያም፥  ብዛዕባ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ፥ ናብ መንበረ-ፓትርያርክ ክመጽእ ዝኸኣለሉ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ሕቶ’ዩ። ኮለኔል-ጸጉ ነዚ ሕቶ’ዚ ክምልሱ ከለዉ “...ክሕግዝ ተባሂሉ’ዩ ተመዲቡ። እዚ’ውን ክሥርሓሉ ዝጸንሐ ልሙድ’ዩ፥ ቅድሚኡ’ውን በዓል መምህር ደሴን፥ ሃለቃ ግደይን፥ መምህር ፍስሃየን ነይሮም’ዮም...” ዝብል መልሲ ክህቡ’ዮም ተሰሚዖም። እዚ ኸኣ ነቶም ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ንፈልጦ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን፥ ኣዚዩ ዝገርመና ስለ- ዝኾነ፥ ንኣበሃህላ’ቶም ኮለኔል ብዓይኒ ትዕዝብቲ ክንጥምቶ ካብ ዝገብረና ሓደ’ውን እዚ’ዩ።

ከመይሲ መምህር ደሴ ብርሃነን ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ገብረን፥ ብመንበረ-ፓትርያርክ ዝተመደቡ ሕጋውያን-ጸሓፍቲ ክኾኑ ከለዉ፥ ዮፍታሔን ዲሜጥሮስን መምህር ፍስሃየ ተስፋ-ሥላሴን ግና፥ ብጸቕጢ ፖለቲካ ኣብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ዝተቐመጡ ዕዳ ምንባሮም እናተፈልጠ ከሎ፥ ናይዞም ኣርባዕተ ኣስማቶም ዝተጠቕሱ ሰባት፥ ከም ናይ ኩሉ ግዜ ልሙድ ኣመዳድባን፥ ሕጋዊ መሥርሕ ዝተኸተለ ኣገባብን ገይሮም ከቕርቡዎ ምፍታኖም፥ ንመንነቶም ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ጌጋ፥ ከም-ዝፈጸሙ ኮይኑ’ዩ ንዓይ ዝርድኣኒ።

ብዝተረፈ ምንም’ኳ ቤተ-ክርስቲያንና፥ ካብ 1983 ዓ/ም (1991 ኣትሒዛ ኣቶ ጴጥሮስ ሰሎሞን ብዝኸተሙዎ ደብዳቤ፥ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቁጽጻር-ፖለቲካ ኣትያ ትርከብ እንተ-ነበረት። ኣብ 1985 ዓ/ም (1997) እቲ ንሶም ብኣባልነት ዝርከብዎ ዝነበሩ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት ብዝወሰዶ ስጉምቲ ግና፥ እቶም ኣብቲ ግዜ’ቲ ዋና-ጸሓፊ ዝነበሩ፥ መሪጌታ ይትባረክ በርሀ ብግፍዒ ከም-ዝተኣስሩ ዝፍለጥ’ዩ።

 እቲ ኮለኔል-ጸጉ ዝነበሩዎ መስርያ-ቤት ብዝመሃዞ ተንኮል ድማ፥ ኣብ መንጎ ኣቡነ-ፊልጶስን ኣቡነ-ያዕቆብን ምስሕሓብ ከም-ዝፍጠር ስለ-ዝተገብረ፥ ብድሕር’ዚ እዩ “...ንስኻትኩም ክትሰማምዑ ካብ-ዘይትኽእሉ...” ዝብል ሰበብ ምኽንያት ብምግባር፥ ብውሳኔ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት፥ መምህር ፍስሃየ ዋና-ጸሓፊ ኮይኖም ክመጹ ዝኸኣሉ። እዚ መሥርሕ’ዚ ከኣ፥ እቶም ኮለኔል ዝተዋስኡሉ ጉዳይ ክኸውን ከም-ዝኽእል፥ ዓይንኻ ተዓሚትካ’ውን ክግመት ዘይከኣል ኣይኮነን። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ገለ ክብሉ ዘይምድላዮም ግና፥ እቲ ምስጢሩ ብቐሊል ክርድኦ ዝኽእል ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን።

ብዝተረፈ መሪጌታ ይትባረክ፥ ዋላ ሓንቲ ናብ ማእሰርቲ ዘብጽሕ ምኽንያት ከም-ዘይነበሮም ፍሉጥ’ዩ። ሃይማኖታዊ-ጉዳያት ኣብ ውሽጢ መንበረ-ጵጵስና፥ ብቀጥታ ጸብጻብ ዝህቦ ናቱ ኣንቴና ክተክል ስለ-ዝደለየ ግና፥ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ንመሪጌታ-ይትባረክ በርሀ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ፥ ንመምህር ፍስሃየ ዋና-ጸሓፊ ገይሩ ከቐምጦም ምኽኣሉ፥ ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኣረጋጊጾም ዝፈልጡዎ ሓቂ’ዩ። እዚ  ሓቂ’ዚ ከኣ ካብ ኮለኔል ጸጉ ዝተኸወለ’ዩ ነይሩ ክንብል ኣይንኽእልን። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ እቲ በቶም ኮለኔል ዝተባህለ ኣበሃህላ፥ ሕልናና ኣሚኑ ንኽቕበሎ ዝኸብዶ ዘሎ።

ብዝተረፈ ክሳብ ምሻም እቶም ቀዳማይ-ፓትርያርክ ዝነበረ ግዜ፥ ንመምህር ፍስሃየ ዋና-ጸሓፊ  ጌርካ እቲ ጉዕዞ ክኽየድ ምስ-ጸንሐ። እቶም ሓዲሽ-ፓትርያርክ ማለት ኣቡነ-ፊልጶስ፥ ንሶም ኣኅቲመዮ ዝብሉዎ መጻሕፍቲ፥ ብሃይማኖታዊ-ጉዳያት ምስ-ተሃገሮም፥ ሕነ ክፈዲ ኣሎኒ ኢሎም ስለ-ዝተላዕሉ፥ ንመምህር ፍስሃየ ተስፋ-ሥላሴ ካብቲ ሂቦሞም ዝነበሩ መንበሪ-ቤት ኣውጺኦም፥ ካብ ሥራሕ’ውን ከም-ዝሰጎጉዎም ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ከኣ ካብ ዝኾነ ሰብ ንላዕሊ ኮለኔል-ጸጉ ከም-ዝፈልጡዎ፥ ምንም ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ከምዚ ኢሎም መምህር-ፍስሃየ፥ ብውሳኔ እቶም ፓትርያርክ ምስወጹ ድማ፥  ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ብውሳኔ ፖለቲካ፥ ዋና-ኣማሓዳሪ ቤተ-ክርስቲያን ተባሂሉ፥ ከም ዕዳ ኣብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ክቕመጥ ምግባሩ፥ እዚ ምስጢር’ዚ ንኮለኔል ጸጉ ክጠፍኦም ይኽእል’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ግዳስ እቲ ዮፍታሔ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክኣቱ፥ ዝነበረ ፖለቲካዊ-መሥርሕ እዚ ምዃኑ እናተፈልጠ ከሎ፥ ኮለኔል-ጸጉ ግና ስለምንታይ ካብቲ ናይ ካልኦት ጸሓፍቲ ኣመዳድባ ዝተፈልየ ኣይኮነን ብምባል፥ ኣብ ባይታ ዘየሎ ሓቂ ክነግሩና ይደልዩ ከም-ዘለዉ፥ ክንርድኦ እንተደለና’ውን ምርድኡ ዝከኣል ኮይኑ ኣይንረኽቦን ዘሎና።

ብዝተረፈ ናይ ዮፍታሔ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ዋና-ኣማሓዳሪ ጌርካ ምሻም፥ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ፖለቲካዊ ምቁጽጻር ንምእታው ዝዓለመ ደኣምበር፥ ከምቲ እቶም ኮለኔል ክብሉዎ ዝተሰምዑ፥ ምስ ኣመዳድባ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ገብረን መምህር ደሴ ብርሃነን ዝመሳሰል ኣይኮነን። ከመይሲ ንሳቶም ብመንበረ-ፓትርያርክ ዝተመደቡ ሕጋውያን ክኾኑ ከለዉ፥ ዮፍታሔ ግና ብማዕበል-ፖለቲካ ተደፊኡ ዝመጸ ‘ዩ ነይሩ። እዚ ታሪኽ እናተዛረበሉ ክነብር ዘለዎ፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝተፈጸመ  ዓቢይ ናይ ሕጊ ግህሰት’ዚ ከኣ፥ ኮለኔል-ጸጉ ከም-ዘየዛርብ ኣርእስቲ ጌሮም ክሓልፉዎ እንተደለዩ ናቶም ምርጫ’ዩ። ንሕና እቶም ደቂ’ታ ዓባይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ዝኾንና ግና፥ ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ፈጺምና ክንቅበሎ ንኽእል ኣይኮናን።

ኮለኔል-ጸጉ ኣብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ስምምዕ ከም-ዘይነበረ ዝገለጹዎ’ውን ኣሎ። ኣብዝስ ኣይተጋገዩን። ኣብቶም ጳጳሳት ስምምዕ ከም-ዘይነበረስ ንሕና እቶም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን’ውን ንፈልጥ ኢና። ይኹን እምበር እዚ ዘይምስምማዕ’ዚ ካብቲ ኮለኔል-ጸጉ ዝነበሩዎ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት ዝነቅል ደኣምበር፥ ካብ ውሽጢ መንበረ-ፓትርያርክ ዝብገስ ነገር ኣይነበረን። ነዚ ከም ምኽንያት ካብ ዝጥቀስ ሓደ ከኣ፥ እቲ ኣቡነ-ያዕቆብ ኣብ 1989 ዓ/ም (1997) ናብቶም ርእሰ-ብሔር ዝጸሓፉዎ ደብዳቤ’ዩ።

እዚ ማለት ድማ፥ እቲ ንመሪጌታ ይትባረክ ኣሲርካ፥ ንመምህር ፍስሃየ ዋና-ጸሓፊ ጌርካ ንምእታው፥ ብሃይማኖታዊ-ጉዳያት ዝእለም ዝነበረ ረቂቕ ተንኮል፥ ጽቡቕ ጌሮም ይከታተሉዎ ስለ-ዝነበሩ። ኣብቲ ነዚ ኣመልኪቶም ናብቶም ርእሰ-ብሔር ዝጸሓፉዎ ደብዳቤ “...ሓደ ዋና-ጸሓፊ ኣብ ምምዳብ፥ ኣብ መንበረ-ጵጵስና ስምምዕ ከምዘየሎ ዘምስል፥ ዝናፈስ ዘረባ ምህላዉ ይስማዕ’ዩ። እንተኾነ እቲ ስምምዕ ንኸይርከብ ጠንቂ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ፥ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት ባዕሉ ደኣምበር፥ ካብዚ ካብ መንበረ-ጵጵስና ዝብገስ ጽልኢ የልቦን...” ዝበሉዎ ኣበሃህላ፥ በዚ ጉዳይ’ዚ ተሓታቲ ሃይማኖታዊ-ጉዳይ ደኣምበር፥ እቲ ብሳምቡእ-ፖለቲካ ከተንፍስ፥ ተፈሪዱዎ ዝነበረ መንበረ-ጵጵስና ከም-ዘይኮነ፥ መስክሩለይ ምባል ዘየድልዮ፥ ከም ማይ-ንግሆ ዝጸረየ ሓቂ’ዩ።

እታ ቤተ-ከርስቲያን ምሉእ ብምሉእ፥ ፖለቲካ ዝተቘጻጸራ ክትከውን ስለ-ዝተደልየ ግና፥ ኣብቲ ሲኖዶስ ስምምዕ ከም-ዘይርከብ ንምግባር፥ በቶም ሰብ-ፖለቲካ ብቐጻሊ ይሥረሓሉ ከም-ዝነበረ፥ ካብቶም ኣብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ዝነበርና ዉሉደ-ክህነት ዝተሓብአ ምስጢር ኣይነበረን። እቲ ዝነበረ ሓቂ ከምዚ ዝተባህለ ካብ ኮነ ከኣ፥ ሰላምን ስኒትን ዝነበሮ መንበረ-ፓትርያርክ ክርከብ፥ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል ኣይነበረን። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ፥ ካብቶም ኣብ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት ወሰንቲ ዝነበሩ ኣካላት ሓደ፥ ማለት ኮለኔል-ጸጉ ኣይፈልጥዎን’ዮም ነይሮም ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን።

ብጀካ’ዚ እውን እቲ መንግሥቲ፥ ገንዘባዊ ሓገዝ ይገብር ከም-ዝነበረ፥ ኣብቲ ኮለኔል-ጸጉ ዝሃቡዎ ቃለ-መጠይቕ ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ዝተባህለ ሓገዝ ግና፥ ብመሠረቱ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝሓተቶ ናይ ገንዘብ ሓገዝ’ውን ኣይነበረን። እቶም ብልቦና ዝፍለጡ ዝነበሩ መጋቤ-ሥርዓት ሉቃስ ገብረ-ሚካኤል፥ ብመንገዲ ኣቶ ጴጥሮስ ሰሎሞን ኣቢሎም፥ ናብቶም ርእሰ-ብሔር ቀሪቦም ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ግና። “...እንታይ ክንሕግዘኩም ትደልዩ-?...” ተባሂሎም ምስ-ተሓተቱ።

“...ንሕና ከም ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ መጠን፥ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይንሓትትን ኢና። ከመይሲ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ ኣብ ዝሓተትናዮ ግዜ፥  ኩሉ ክገብር ዝኽእል ኣማኒ ሕዝቢ’ዩ ዘሎና። ዝከኣል እንተደኣ ኮይኑ ግና፥ ንሕና ንሓቶ ሓደ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ መንፈሳዊ-ኮለጅ’ዩ። ከመይሲ ምስዚ ሕጂ ዘሎናዮ ብምዕባሌ ዝፍለጥ ዓለም፥ ሓቢርና ክንጐዓዝ እንተደኣ ኮንና፥ ብደረጃ ኮለጅ ዝተመረቑ ዉሉደ-ክህነት ከድልዩና’ዮም። ስለዚ ንሕና ኣብዚ እዋን’ዚ፥ ቅድሚ መንፈሳዊ-ኮለጅ ንሰርዖ ካልእ ምርጫ ክህልወና ኣይክእልን’ዩ...”ብምባል’ዮም መጋቤ-ሥርዓት ሉቃስ መልሲ ዝሃቡ።

እቶም ሰብ-ፖለቲካ ግና፥ እዚ ኩሉ’ዚ ምስቲ ሕቡእ ኣጀንዳኦም ተሳንዩ ክኸይድ ዝኽእል ስለ-ዘይነንበረ፥ እንኳንዶ ክገብሩዎ ክሰምዑዎ ዝደልዩ’ውን ኣይነበሩን። ብመሠረቱ’ውን ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ምሁራን ክህልዉ ይድለ ከም-ዘይነበረ፥ ክጥቀስ ዝኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ንኣብነት እቶም ሠለስተ-ካህናት መካነ-ሕይወት፥ ከምኡ’ውን መሪጌታ ይትባረክ፥ ንዓሠርተ-ሠለስተ ዓመት መመላእታ ተመቝሖም ዝርከቡ ዘለዉ፥ ምሁራን ኮይኖም ብምርካቦም ደኣ’ምበር፥ ዝፈጸሙዎ ገበን ስለ-ዝተረኽቦም ኣይኮነን። ብኣውርኡ እቲ ኣብ መካነ-ሕይወት ዝነበረ ቤት-ትምህርቲ-ሰንበት፥ ዕላማ ኮይኑ  ክጠፍእ ዝተገብረ’ውን፥ ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና ምሁራን ከይፈርዩ ስለ-ዝተሰግአ ደኣምበር፥ ካልእ ምኽንያት ስለ-ዝነበሮ ኣይኮነን።

ብዝተረፈ እቲ ሕንፃ መንበረ-ፓትርያርክ ንኽሥራሕ፥ እቲ መንግሥቲ ስለ-ዝደለየ ደኣምበር፥ ብወገን ቤተ-ክርስቲያን ዝቐረበ ሕቶ ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ ዝዓበየ ትዅረት ሰብ ኣብ ምሕናፅ ክቕድም’ዩ፥ ናይ ብዙሓት ውሉደ-ክህነት ድሌት ዝነበረ። ብጀካ ሓደ ሚልዮንን-ፈረቓን ገንዘብ የብልናን ተባሂሉ’ውን ተነጊሩዎም ነይሩ’ዩ። እቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ደሓን ዝተረፈ ባዕላትና ክንምልኦ ኢና ስለ-ዝበሉ ግና፥ እቲ ዕዮ ሕንፃ ክጅመር ክኢሉ። ኣብ ፍርቂ ምስ-በጽሐ ግና፥ እቶም ቻይናውያን በቲ ውዕል መሠረት፥ ዝተወሰነ ገንዘብ ክኽፈሎም ሓቲቶም።

እዚ ከኣ ነቶም ሰብ-ፖለቲካ ክግለጸሎም ግድነት’ዩ ነይሩ። እቲ ምስ ሥነ-ምግባር ዝፋለጥ ባህርያት ነይሩዎ ዘይበሃል ናይዝጊ ክፍሉ ግና፥ ናብ መንበረ-ፓትርያርክ ብምምጻእ፥ “...ንሕና ከም መንግሥቲ መጠን፥ ናይ ኩሎም ሃይማኖታት መንግሥቲ ኢና’ምበር፥ ናትኩም ናይ ተዋሕዶ መንግሥቲ ጥራይ ኣይኮናን። ስለዚ ዕዳኹም ባዕልኹም ኢኹም ክትከፍሉዎ ዘለኩም እምበር፥ ዕዳና ክፈሉልና ኢልኩም ናባና ዘመላልስ ምኽንያት የብልኩምን...” ብምባል፥ ብሁልን ዘይብሁልን ኢሉ ምስከደ፥ ኣብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ዓቢይ ምስንባድ ፈጢሩ ከም-ዝነበረ፥ ኣብ ተዘክሮ ብዙሓት ውሉደ-ክህነት ከም-ዝህሉ ርግጽ’ዩ።

እንታይ ደኣ’ዩ ክግበር-? ብምባል፥ ህጹጽ ኣኼባ ከም-ዝጽዋዕ ምስ-ተገብረ ከኣ፥ ባዕላቶም’ዮም ዘበገሱዎ እምበር፥ ንሕና ሕንፃ ክንሠርሕ ዝብል ሓሳብ ኣይነበረናን። ሕጂ ድማ እንሆ ግምጥል ኢሎም፥ ዕዳኹም ባዕልኻትኩም ክፈሉ ይብሉና ኣለዉ። ስለዚ እንታይ’ዩ ክግበር-? ብምባል ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ዘተ ምስ-ተገብረ። መወዳእታኡ እቲ ኣኼባ ንማኅበረ-ምእመናን ጸዊዕና፥ እቲ ዘጋጠመ ጸገም ነካፍሎም ብምባል ስለ-ዝተሰማምዐ፥ ናብ ሕዝቢ መጸዋዕታ ከም-ዝዝርጋሕ ተገይሩ።

ይኹን እምበር እቲ መጸዋዕታ ንሰንበት ስለ-ዝነበረ፥ ኣብቲ ቅድሚኡ ዘሎ ሣልስቲ ማለት ዓርቢ፥ ናይዝጊ ክፍሉ ናብ መንበረ-ፓትርያርክ ብምምጻእ፥ “...እዚ ናብ ሕዝቢ ዘርጊሕኩሞ ዘሎኹም መጸዋዕታ፥ ኣብ ምንታይ ኣጀንዳ ዘተኮረ’ዩ-? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ። እቶም ነቲ ናይ ሕንፃ ዕዮ ዝመርሑ ዝነበሩ ኣቡነ-ያዕቆብ ድማ “...ዕዳ ከካፍሉና ብምባል ኢና፥ ማኅበረ-ምእመናን ዓዲምና ዘሎና...” ዝብል መልሲ ሂቦሞ። ንሱ ድማ “...ሕዝቢ ክትጽውዑ ኣየድልየኩምን’ዩ። እቲ ዕዳ ባዕላትና ክንከፍሎ ኢና። በዚ ጉዳይ’ዚ ድማ ሰብ ክትእክቡ የብልኩምን...” ብምባል፥ ነቲ ምስ ሕዝቢ ክግበር ተመዲቡ ዝነበረ ኣኼባ ከም-ዝስረዝ ገይሩዎ ምኻዱ’ዩ ዝፍለጥ።

እዚ ኩሉ’ዚ ከርእየና ዝኽእል ድማ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ናይቲ ፖለቲካ ጸጋዕተኛ፥ ወይ ተመጽዋቲት ኮይና ክትነብር ካብ ዝነበሮም መደብ ደኣምበር፥ እቲ ሓገዝ ዝበሃል ንሓልዮት ተባሂሉ ዝግበር ዘይምንባሩ’ዩ። ብዝተረፈ እታ ቤተ-ክርስቲያን “...ርእስኺ ክኢልኪ ንበሪ ንዓና’ውን ኣይትጸበዪ..” ዝብል መግናሕቲ ተቐቢላ ከተብቅዕ። ምስ ሕዝባ ተራኺባ ውራያ ከተሳልጥ እንተደለየት ድማ፥ “...ምስ ሕዝቢ ክትራኸብስ ኣይንፈቕደልክን ኢና...”ዝብል ኣበሃህላ ምስ ሓልዮት ድዩ፥ ወይስ ምስ ሓገዝ ክቑጸር-? እምበኣር እቲ ኮለኔል-ጸጉ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሓገዝ ይግበረላ ነይሩ ዝበሉዎ፥ ነዚ’ዩ ዝመስል።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፥ ብዛዕባ’ቲ ኮለኔል-ጸጉ “ፓትርያርክ” ተመሪጾም ዝበሉዎ ኣበሃህላ’ዩ። እቲ ፓትርያርክነት’ቲ ግና፥ መንግሥቲ ሸይሙ ክበሃል እንተ-ዘይኮይኑ፥ ቤተ-ክርስቲያን መሪጻ ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ ነቲ ብሕጊ ዝካየድ ዝነበረ ምርጫ፥ ሃገራዊ-ድሕነት ወይ ጀረናል ኣብርሃ ካሣ መጺኦም፥ “መንግሥቲ ከይካየድ ኣጊዱዎ’ዩ” ብምባል እቲ መሥርሕ ምርጫ ከም-ዘቋርጽ ምግባሮም ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ክገብሩ ዘገደዶም ምኽንያት ድማ፥ እቲ ንሱ እቲ መንግሥቲ ፓትርያርክ ክገብሮም መዲቡዎም ዝነበረ ጳጳስ፥ ካብቶም ሠለስተ ንመወዳእታ ውድድር ዝሓልፉ ጳጳሳት ኮይኖም ክርከቡ ብዘይ ምኽኣሎም፥ ነቲ  ስዕረት ክጻወሮ ብዘይ ምኽኣሉ እዩ። 

መወዳታኡ ድማ ነቲ ጉዳይ ንሓደ-ዓመት ዝኸውን ግዜ፥ ብውንዙፍ ሒዙዎ ድሕሪ ምጽንሑ። ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምርጫ ባዕሉ እቲ መንግሥቲ፥ ካይሮ ወሲዱ ደኣ ኣቕቢኡዎም እምበር፥ እታ በዓልቲ ውራይ ክትከውን ዝነበራ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ኣብዚ ሽመት’ዚ ኢድ ኣለዋ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። ስለዚ እቲ ኮለኔል-ጸጉ ፓትርያርክ ተመሪጾም ዝበሉዎ ኣበሃህላ፥ ፖለቲካዊ-ሽመት እምበር፥ ብቀኖና ዝተፈጸመ ምርጫ ስለ-ዘይኮነ፥ ኣብ መንጎ ሽመትን ምርጫን ዘሎ ፍልልይ ምርዳእ ከም-ዘድሊ፥ ንእግሪ መንገደይ ንኮለኔል ጸጉ ከተሓሳስቦም እደሊ።

ብዝተረፈ ሓሳባተይ ኣብ ምጥቕላል ክብሎ ዝደሊ። ኮለኔል ጸጉ ሓደ ካብቶም ኣብ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት፥ ብዝለዓለ ናይ ሓላፍነት ጽፍሒ ክዋስኡ ዝጸንሑ በዓል-ሥልጣን ‘ዮም። እቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝተፈጸመ ናይ ሕጊ ግህሰት ከኣ፥ በቲ ንሶም’ውን ኣባሉ ኮይኖም ዝጸንሑ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት ኣቢሉ ክፍጸም ዝጸንሐ ምዃኑ ዘከራኽር ኣይኮነን። እምበኣር እዚ ቤት’ዚ፥ ማለት ሃይማኖታዊ-ጉዳያት፥ ከም ሰብ ኣካል ሰሪዑን ሕይወት ሰዅዑን፥ ደው ክብል ዝኽእል ነይሩ እንተ-ዝኸውን። ኣብ ቅድሚ ካህን ቀሪቡ ክንሳሕ ዘገድዶ፥ ብዙሕ ጾር ተሰኪሙ ከም-ዘሎ ምርድኡ ዝጽግም ኣይኮነን።

ከመይሲ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዝምልከት፥ ብሃይማኖታዊ-ጉዳያት ኣቢሉ ኣብ ልዕሊኣ ዘይተፈጸመ ግፍዕን ዓመጽን ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ብግዳም ክርአ ከሎ እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ፓትርያርክን ሲኖዶስን ዘለዋ ነፃ መሲላ ክትርአ ትኽእል’ያ። እቲ ሓቂ ግና ከምኡ ኣይኮነን። ከም ሓንቲ ትካል መንግሥቲ ተቘጺራ፥ ዝተኣዘዘቶ እትፍጽም ናይ ፖለቲካ መጋበሪ ኮይና ትርከብ ምህላዋ፥ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልው ኩነታት ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል ሓቂ’ዩ።

እሞ እዞም ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ፥ ተሓዊሶም ዝርከቡ ዘለዉ ኮለኔል-ጸጉ ደኣ፥ እንታይ’ዮም ክነግሩና ዝደልዩ ዘለዉ-?! በየናይ መዐቀኒ ኢናኸ ነቲ ዝበሉዎ ኩሉ፥ሓቂ’ዩ ኢልና ኣሚና ክንቅበሎ ንኽእል-?! ከመይሲ ብዛዕባ’ቲ ክፍጸም ዝጸንሐ ናይ ሕጊ ግህሰታት፥ ዝኾነ ነገር ክብሉ ኣይሰማዕናዮምን። ከም ሓቂ ክዝረብ እንተደኣ ኮይኑ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንምድኻምን ንምጥፋእን ዝዓለመ፥ ብዙሕ ነገር ነገራት ክፍጸም ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ካብ ኮለኔል-ጸጉ ዝተሓብአ’ዩ ነይሩ ክንብል ኣይንኽእልን።

ንሶም እቶም ኮለኔል ግና፥ ብዛዕባ’ቲ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ኩሉ፥ ዋላ ሓንቲ ክብሉ’ኳ ኣይተሰምዑን። ብዝተፈልየ ድማ እቲ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ናብ መንበረ-ፓትርያርክ ንምእታው ዝተኸተሎ ኣገባብ። ከም ልሙድን ቅቡልን ኣሠራርሓ ጌሮም ዝሃቡዎ መግለጺ። ነቲ ሕጂ ዘለዎም ኣቕዋም ኣብ ምልክት ሕቶ ከእትዎ ዝኽእል ምዃኑ ብምርዳእ፥ ሓደ ብሩህን ንጹርን መግለጺ ክህቡሉ፥ ትጽቢት ይግበረሎም ከምዘሎ ክርድኡዎ ይኽእሉስ’ዮም ዝብል ተስፋ ኣሎኒ።

ክብሪ ንኣምላኽ-!

ሰላም ንደቂ-ሰብ-!

ካህን ተክለማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

ኣብዚ እዋንዚ ብዘይካ ጉጅለ ህግደፍን ኣዝዮም ውሑዳት መዳኸርቱን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ሻቕሎት ይነብር ከምዘሎ ብሩህ እዩ። እቶም ካብዚ ሕማቕ ሃለዋት ንምውጻእ ዝብህጉን ንምርግጋጹ ዝጽዕቱን ከኣ እቶም ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሕሱም ኩነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ብውዱብ ይኹን ብዘይውዱብ ኣገባብ ራህዋን ቅሳነትን ዝብህጉ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ባህጎም ንምግሃድ ኣብ ቃልሲ እዮም ዘለዉ። ብኣንጻሩ ከኣ ብውጽኢት ቃልሶም ዕጉባት ዘይምዃኖም  ኣሻቓሊ እዩ። ኣሻቓሊ ዝኾነሉ መሰረታዊ ምኽንያት ከኣ እቲ ክህቦ ዝግበኦ ፍረ ምድንጓዩ ዕድመ ህግደፍን ወጽዓኡን ዘንውሕ ስለ ዝኾነ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ እቲ ብውዱብ መልክዕ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዘይምዕዋቱን ዘተኣማምን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ልባዊ ደገፍ ዘይምርካቡን መሰረታዊ ኣሻቓሊ ተርእዮ እዩ። እዚ ኩነታት ተቐይሩ ህዝብን ውድባቱን ብሓባር ኣብ መስርሕ ለውጢ መርሾም ርኡይ ውጽኢት ዝረኽብሉ ኩነታት ምፍጣር ከኣ ኣብ ቅድሚ ኩልና ሓይልታት ለውጢ  ተገቲሩ ዘሎ መሰረታዊ ዕማም እዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ናተይ ኢሉ ዘይተቐበሎን ዘይደገፎን ውደባ ኣብ ዓወት ክበጽሕ ስለዘይክእል። ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝጥቀስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ወጽዓ ሓለንጊ ብዘይዝኾነ ኣፈላላይ፡ ኣበይን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ይነብሩ ኣለዉን ብዘየገድስ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራዊ ተጻዒኑ ዘሎ ዕዳ እዩ። እዚ ዕዳን ወጽዓን ከኣ ኩሉ በብደረጃኡ ብዘበርክተሉ ህዝባዊ ቃልሲ እምበር፡ ሓደ ተሳታፊ እቲ ካልእ ተዓዛባይ ኣብ ዝኾነሉ ዝፍታሕ ከምዘይኮነ ብመጽናዕትን ተመኩሮታትን ዝተረጋገጸ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ እቲ ኣብ ቃልሲ ምስታፍ ንኹሉ ዝምልከትን ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ተሳትፎ ዘይስገርን ምዃኑ ንምንጻር “ዘይተርፈካ ጋሻስ ጠዊቕካ ሰዓሞ” እንብል።

ናይ ክሳብ ሕጂ ውጽኢት ቃልስና ትሕቲ ትጽቢትና ናይ ምዃኑ ምስጢር ክንፈልጥ ህርድግ ምባልና ኣይተረፈን። ብርግጽ እዚ’ዩ እቲ ምኽንያት ኢልካ ቁሩጽ ምኽንያት ምስፋር’ኳ ዘጸግም እንተኾነ፡ ወትሩ እንጠቕሶም ግና ድማ ከነእርሞም ዘይበቓዕና ምኽንያታት ግና ኣለዉ። እቲ ውሱን ዓቕምና ዝርካቡ ኣብ ሓደ ኣምጺእና ብግቡእ ከነውፍሮ ዘይምኽኣልና፡ ሓደ ካብ ምኽንያታትና እዩ። እዚ ዕማም ድማ ናይ ሓደ ውሱን ውድብ፡ ሰልፊ፡ ማሕበር ወይ ምሁር ዕማም ዘይኮነ፡ ናይ ኩልና ሓላፍነት ክነሱ ነቲ ተሓታትነት እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከላግበሉ ንዕዘብ ኢና። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና፡ ብምብቃዕና ዝምዝገብ መኽሰብ ኮነ ብዘይምብቃዕና ዘጋጥም ክሳራ ናይ ኩሉና ስለዝኾነ እቲ ኩልና መምስ ዝንባለናን ፍልልይናን ኣብቲ ንሰማማዓሉ ዘዋስእ ሜዳ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ሕጅ’ውን ናይ ኩልና እዩ። እቲ ውዱብ ሓይሊ ናብቲ ህዝቢ፡ እቲ ህዝቢ ከኣ ናብቲ ውዱብ ሓይሊ ኣጻብዕትኻ ምቕሳር ግና ውጽኢት ኣየምጽእን እዩ። ኣብ ክንዲ ወይለኻ ኣጆኻ ክንበሃሃል ከኣ ክንበቅዕ ይግበኣና።

እቲ ካልእ ከም ልሙድ እንጠቕሶ ብሓባር ክንሰርሕ ናይ ዘይምኽኣልና ምስጢር፡ ኣብ ክንዲ ዝያዳ ዓቕምና ንቕድሚት ዘማዕዱ፡ ኣብ ዝሓለፉን ክንመሃረሎም እንተዘይኮይና ንድሕሪት ክንመልሶም ዘይንኽእል ተመኩሮታት ናብ ምጽብጻብ ዝያዳ  ስለ እነድህብ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ጉዕዞና “ኣበይ ኣለኻ ኣብኡ፡ ናይበከ ኢኻ ናብኡ” ይኸውን ኣሎ። ንከምዚ ኣየእቱ ኣየውጽእ ኣካይዳ ዘይድግፉ ወለዲ ክምዕዱ እንከለዉ “ኣብ ዝኣረገ እቶን ምስሓን ኣየምውቕን’ዩ” ይብሉ ነይሮም። ተፈቲኑ ክሰርሕ ዘይምኽኣሉ ባዕሉ ምስ ዝዛረብ ተመኩሮ ቃልኪዳን ኣሲርካ ምኒን ምባል ከኣ ናይዚ ኣብነትዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ግደና ከም ፖለቲካዊ ውዳበታት ኣብ ክንዲ እነድምዕ፡ ኣብቲ ግደ ህዝብን ሕገመንግስታዊ መእሰሪ ዘድልዮን ናይ ጽባሕ ዛዕባታት ሎሚ ምውጣጥ ካልእ ብሓባር ንቕድሚት ከይንስጉም ቀፊዱና  ዘሎ እዩ። ካልኦት ከም ናይ ውልቀሰባት ፍሉይ ባህሪ ከም ዓብይ ፖለቲካዊ ነጥብታት ምውሳድን፡ በዚ ተረሳሲንካ ክሳብ ምፍንጫል ምኻድ’ውን ኣብቲ ናይ ጸገማትና ዝርዝር ዝርከብ ተርእዮ እዩ።

“ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ፡ ቆርበት ብርሕሱ ቆልዓ ብንእሱ … ወዘተ” ዝብሉ ኣበሃህላታት ሓንሳብ ዘሕለፍካዮ ዕድል ደሓር ምምላሱ ዘጸግም ምዃኑ ዘመልክቱ እዮም። ኣብ ከምዚ ሎሚ እንርከበሉ ዘለና መስርሕ ቃልሲ በብግዜኡ ብዝተፈላለዩ ኩርነዓት ንሓንሳብ ንቃልስኻ ዘዕንቅፉ ንሓንሳብ ድማ ዘቀላጥፉ ዕድላት የጋጥሙ እዮም። ነዚ ዕድላት እንዳጽናዕካ በቲ ዓንቃፊ ከምዘይትህሰ እንዳተኸላኸልካ፡ በቲ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ድማ ንቕድሚት እንዳሰጐምካ ክትጥቀም ምኽኣል ናይ ብቕዓት መምዘኒ እዩ። ብመንጽር እዚ ከም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ክንጥቀመሎም ዝግበኣና ግና ዘይተጠቐምናሎም ዕድላት ኣባኺንና ኢና። እንተኾነ ሕጂ እውን እቲ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ዕድል ኣይተዓጽወን። ነቲ ዘይተጠቐምናሉ ዕድላት ከኣ ክንጠዓሰሉን ክንትክዘሉን ዘይኮነ ክንመሃረሉ  ይግበኣና። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ክንዲ ተቐራሪብካ እህንምሂን ምብህሃል፡ ነንነብስና እንዳተኽላኸልና፡ ነቲ ተሓታትነት ናብ ካልእ ከነላግቦ እንተፈተና፡ መኽሰቡ ኮነ ክሳርኡ ናይ ኩልና ስለ ዝኾነ መፍትሒ ኣይኮነን’ሞ ካብኡ ንውጻእ።

 

 

f

ገርሃርድ ሴግፈሬድ ወኪል ልምዓትን ምትሕብባርን ዚዊዝን ሱዛን ንጎንጊ ዊኪል ፕሮገራም ልምዓት ው.ሕ. ኣብ ኤርትራ ውዕል እናተፈራረሙ Image copyright UNDPEritrea/Elizabeth Mwanik ናይ ምስሊ መግለጺ ሃገራት ኣውሮጳ ነቲ ካብ ኤርትራ ዝምንጩ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ገንዘባዊ ሓገዛት ንኤርትራ ክህባ ይራኣያ ኣለዋ

መንግስቲ ስዊዘርላንድ፡ ሞያዊ ዓቕሚ መንእሰያት ኤርትራ ንምምዕባልን ስደት ንምግታእን፡ ክልተ ሚልዮንን ሚእትን ዓሰርተ ክልተ ሽሕን ዶላር ($2,112,000) ንፕሮግራም ልምዓት ወዱብ ሕቡራት ሃገራት (ዩ.ኤን.ዲ.ፒ.) ኣብ ኤርትራ ክህብ ቃል ብምእታዉ ስምምዕ ከም ዝፈረመ ተፈሊጡ።

ብመሰረት እቲ ተወጢኑ ዘሎ ፕሮገራም፡ ነዚ ንምዕዋት $25 ሚለየን ዶላር ከም ዘድልን፡ ፕሮግራም ልምዓት ብወገኑ ኣስታት $7.8 ሚልየን ዶላር ሰሊዑ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

"ዕላማ ናይቲ ፕሮጀክት፡ መንእሰያት ባህጊታቶም ኣብ ሃገሮም ከተግብርሉ ዘኽእሎም ቁጠባዊ ዕድላት ብምፍጣርን መንግስቲ ንውሑስ፡ ስሩዕን፡ ዝተረጋገአን ፍልሰት ንምድንፋዕ ዘድልዮ ናይ ምሕደራ ዓቕሚ ብምስሳንን ዘይዉሑስ ፍልሰት ምጉዳል" ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እንተኾነ ግን፡ እዚ ኽዕወት እንተድኣ ኾይኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ቁጠባውን ፓለቲካውን ፖሊስታቱን ዝኽተሎ ዘሎ ኣተሓሕዛ መንእሰያትን ክልውጥ ኣለዎ ይብሉ ተንተንቲ።

"እቲ ዝሓሸ፡ እዚ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ እንተወሪዱ፡ እቲ መንእሰይ ግቡኡ ፈጺሙ፡ ኣብቲ ቁጠባዊ ንጥፈታት ብምስታፍ ናብርኡ ከመሓይሽን ስድርኡ ክኣልን እንተ ኺኢሉ፡ ኣብ ሃገሩ ክነብር ዘለዎ ባህጊ ክውስኽ ይኽእል።

"እቲ ንቁጠባ እታ ሃገር ሓኒቑ ሒዝዎ ዘሎ ፓሊሲ እቲ መንግስቲ ድማ ክልወጥ ኣለዎ፡ እንተዘይኮነ፡ ነቲ መንእሰይ ከረጋግእ ዝኽእል ኩነታት ክፍጠር ኣይክእልን'ዩ" ይብል ደራስን ተመራማራይ ጉዳያት ኤርትራ፡ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ካብ ሳውዝባንክ ዩኒቨርሲቲ።

ነቲ ስምምዕ፡ ዝፈረሙ ብወገን መንግስቲ ስዊዘርላንድ ወኪል ክፍሊ ልምዓትን ምትሕብባርን፡ ሓላፊ ምብራቕ፡ ሰሜንን ደቡባዊ ኣፍሪቃን ዝኾነ ሚስተር ገርሃርድ ሴግፈሬድ ክኸውን እንከሎ፡ ብወገን ፕሮግራም ልምዓት ወዱብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ወኪል ናይቲ ውድብ ኣብ ኤርትራ ሚስ ሱዛን ንጎንጊ እዮም።

ብመገዲ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተምሃሮን ኤርትራ (ሃማመተኤ) ኣብ ውሽጢ 5 ዓመታት ክትግበር ምዃኑ እውን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

እዚ ናይ ስዊዘርላንድ ደገፍ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ መንግስታት ኖርወይን ጃፓንን ዝለገስዎ ደገፍ ዘደንፍዕ ምዃኑ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝኾኑ ኤርትራውያን ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ኣብ ስዊዘርላንድን ካልኦት ኣውሮጳውያን ሃገራት ተዓቚቦም ከም ዘለዎ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ዝሓለፋ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ኤርትራ ከም ዝወጹ ጸብጻባት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-42356847

ኣብ ባህልና ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ምጉዓዝን ኣገዳስነት ንምዕዛዝ ዝበሃሉ ምሳልያዊ ኣበሃህላታት ብዙሓት እዮም። “በይኑ ዝበልዕ በይኑ ይመውት” ዝብል ኣበሃህላ ኪኖ ምብላዕን ምስታይን ኣገዳሲ ንበይናውነት ዘይድግፍ መልእኽቲ ኣለዎ። ሓባራውነት ኣብ ዝተወሰነ ጉዳይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወትና ዝንጸባረቕ እዩ። ሓቢርካ እትሰርሖ፡ ሓደ ቃል ኮይንካ እትዛረቦ፡ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ  ሃለዋት ከኣ ሓቢርካ እትቃለሶ ኣድማዒ ምዃኑ ብሳይነስ ኮነ ብተመኩሮ ዝተረጋገጸ እዩ። ምእንትዚ እዮም ድማ ሰባት ምእንቲ ሓድነት ዝዝምሩን ዝጭርሑን። ወለዲ እውን “ሕቡራትን ስሙራትን ኩኑ” ኢሎም ዝምርቑ።

እቲ ሓቢርካ ምጉዓዝ  ናይ ሓባር ድሌትን ቅሩብነትን ናይቶም ተዋሳእቲ ክኸውን እንከሎ ዝያዳ የድምዕ። ብሓባር ምኻድ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ናይ ምርጫ ዘይኮነ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ሕጂ ከም ኤርትራውያን ሓይሊ ተቓውሞ ዘለናሉ ኩነታት ብሓባር ምቅላስ፡ ንኹሉ ወገናት ዘርብሕን ህልውናኡ ዘውሕስን እምበር ንሓደ ዝጠቅም ነቲ ካልእ ከኣ ዝጐድእ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ፖለቲካዊ ሃለዋት ሓደ ብዘይካ’ቲ ሓደ ከድምዕ ከምዘይክእል ኣብ ዝተነጸረሉ እዩ ከኣ “ተመሊስካ ንእትረድኦ/እትደልዮ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ” ዝበሃል። ኣብ ጉዕዞ ደንበ ተቓውሞና እዚ መሰረታዊ ኣድላይነት ብሓባር ምስጓም ተዘንጊዑ፡ እቲ ሓደ ብመንፈስ “ዘርከበ የርከብ፡ ዘየርከበ ድማ ይትረፍ” ጠኒኑ ክኸይድ፡ እቲ ካልእ ከኣ “በል እስኪ ኣበይ ከምእትበጽሕ ክንርኤካ ኢና” ብዝብል ክሕንሕን ክንዋጠጥ ዘባኸናዮ ዕድል ቀሊል ኣይኮነን።

እዚ ብንጹር ዘርእየና ካብቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ፍልልያት ነየናይ ከተግዝፍ ነየናይከ ከተንእስ ከም ዝግበኣካ ካብ ዘይምርዳእ ዝመጽእ እዩ። ነዚ ናብ ተቓውሞና ኣምጺእና ክንቃንዮ እንከለና፡ እቲ ዝገዘፈ ጸገምናን ዝሰፈሐ ፍልልይናን ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዘለና ተጻራሪ  ዝምድና ክነሱ፡ ንዕኡ ኣንኢስና ብምርኣይ ጥራይ ዘይኮነስ ወረ ሓደሓደ ግዜስ  ረሲዕና ነቲ ከም ሓይልታት ለውጢ ዘለና ንኡስ ፍልልይ ኣብዘይግዜኡ ኣጉሊሕና፡ ውሕልነትን ጹረትን ብዝጐደሎ ኣገባብ ክንነጻጸግ ከም ዝጸናሕናን ጌና እውን ካብዚ ኣገባብዚ  ከምዘይወጻእና ኩነታትና መስካሪ እዩ። እዚ ኣገባብዚ ከም ዘየዋጸኣና ከም ዝተረደኣና ዘመላኽቱን ኣብ መጻኢ ክዓኩ ትጽቢት ዝግብረሎምን ምልክታት ግና ኣለዉ። ብውሕዱ ብክለሳ-ሓሳብ ደረጃ፡ ካብቲ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ሓዲድ ወጺእና ከም ዘለናን ናብኡ ብዘይካ ምምላስ ካልእ መተካእታ ከም ዘየብልናን ተረዲእና ኣለና ዝብል ግምት ኣለኒ። እዚ ብተግባር ክስነ ከኣ ትስፉዋት ኮይና ንቃለስ። ተስፋን ንቕድሚት ምምዕዳውን እንተዘየልዩ ግና ህልውና’ውን ብኡ ኣቢሉ ከኸትም ይኽእል እዩ። ስለዚ ኢና ድማ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ክሳብ ዘለና ተስፋና ወትሩ ለምለም ክኸውን ይግበኦ እንብል።

ፍልልያትካ ዓቂብካን ኣመሓዲርካን፡ ቀዳምነታትካ ሰሪዕካ ብመትከል ፍልልያዊ ሓድነት ተገዚእካ ኣብ ጐደና ዓወት ምምራሽ ቀሊል ከምዘይኮነ ዝሰሓት ኣይኮነን። ምስቲ ኩሉ ክብደቱን ዝተሓላለኸ ብህርያቱን ግና ዘይከኣል ኣይኮነን። እዚ መስርሕ ብዙሓት ዝተዓወትሉ ምዃኑ ካብ ማህደር ተመኩሮታት ምርዳእ ይከኣል። ስለዚ ካሳብ ሕጂ ነዚ ዘይበቓዕናዮ ዘይከኣል ስለዝኾነ ዘይኮነስ፡ ንሕና ባዕልና ንፍልልያት ኣጋፊሕና ከምዘይከኣል ስለ እንገብሮ ምዃኑ ኣሚንካ ምቕባሉ ኣብ መጻኢ ቃልስና ሓጋዚ እዩ። እቲ ምክእኣልን ምጽውዋርን ኣብ መንጎ ውድባት ወይ ሰልፍታት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ማሕበርን ውልቀሰብን እውን ብዘየዳግም ክሰርጽ ዝግበኦ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕዮ ገዛ ዘይዓመመ ኣብቲ ልፍንቲ እውን ከድምዕ ስለ ዘይክእል። እዚ ከኣ ንውሱን ኣካል ናይ ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ዝምልከት ዘይኮነ ኩሎም ኣካላት ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ፡ በቲ ቃል ኣትዮም ዝተቐበልዎ፡ ሕግን ስርዓትን ተማእዚዞም ኣብ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ክጽዕትሉ ዝግበኦም እዩ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ ብጾታዊ፡ ናይ ዕድመ ፍልልይ፡ ተመኩሮኣዊ፡ ከባብያዊ፡ ሃይማኖታውን ተመኩሮኣውን ጸቢብነት ከይትሰዓር ምጥንቃቕ እዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ ኩሎም እዞም ስምዒታት ሓደ ብዘይትሓደ በበይኖም ፋይዳ ስለ ዘየብሎም።

ብሓባር ንክንስጉም ዝኽፈል ዋጋ ቀሊል ግና ድማ ዘይስገር እዩ። ኣብ ክንዲ ክትስማዕ ጥራይ ክትሰምዕ’ውን ቅሩብ ምዃን፡ ትደልዮ ጥራይ ዘይኮነ ንድሌት ካለኦት’ውን ኣብ ግምት ምእታው፡ ፍልልይ ኣጻቢብካ ብሓባር  ዘሰጉመካ ኩነታት ንምርካብ ግቡእ ግዜን ጹረትን ምልጋስ፡ ኣብ መሰረታዊ መትከላት እምበር፡ እምብዛ ኣብቶም ነዚ ንምትግባር ዘተኩሩ ኣካላት ዘይምትኳር፡ ናይ ሎሚ ግደኻን ናይ ጽባሕ ግደ ህዝብን ኣለሊኻ ምሓዝን .. ወዘተ ካብቶም ክኽፈሉ ዝግበኦም ዋጋታት እዮም። ምናልባት ደኣ ኣዝዩ ክምጠጥ እንከሎ ጸገም ይህልዎ ይኸውን እምበር፡ ነቲ “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ፈጺምካ ዕድል ምኽላኡ ጽቡቕ ኣይከውንን። በይንኻ ተጓዒዝካ ኣብ ዘይትውደኦ ነዊሕ መንገዲ ክንድታ ዝኽእላ ርሕቀት መኻይድኻ ዝኸውን ኣካል ሓብሒብካ ምሓዝ ከኣ ብልህነት እምበር ተንበርካኽነት ኣይኮነን።