ሕሹኽሹኽ ብትሑት ድምጺ መልእኽቲ ካብ እዝኒ ናብ እዝኒ፡ካብ ሰብ ናብ ሰብ፡ ብኣካል ይኹን ብዘመናዊ መራኸቢ ኣብ መንጎ ክልተ ተዋሳእቲ ዝመሓላለፍ ኮይኑ ብስቱር ክተሓዝ ዝምረጽ እዩ። ኣብ መንጎ ኣቐባልን ተቐባልን ኣብ ከራኽቦም ዝኽእል ዝተጠርየ ዝምድና ዝማኣከሉ ኮይኑ ናይ ነንሕድሕድ ምትእምማን ከምዘሎ ዘረድእ ባህሪ እዩ።
እቲ ሓሳብ ክነቅል ከሎ ናይ ምሕማይን ምትሕምማይን ወይ ብሕቡእ ብዛዕባ ካልኦት ከም ምዕላል እዩ ዘምስል።እቲ ዘድሊ መልእኽቲ እንታይ ዓይነቱ ብዘየገድስ ዋናኡ እቲ ኣቐባሊ ኣካል ንዕኡ ብዝጥዕሞን ዘገልግሎን ዓቒኑ ዘበግሶ ሕቡእ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃንቀውታ ዝሓዘ ሓሳብ ምዃኑ ርዱእ ክንሱ፡ ኣብ መንጎ ኣቐባልን ተቐባልን ውዑል ምትእትታው ዝዓይነቱ ኣብ ኣጀማምርኡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ዝተርፍ እዩ እናተባህለ ናይ ዝርገሐ ጠባይ ይውንን። እቲ ተቐባሊ ኣካል ነቲ መልእኽቲ እንተስ ብገርሁ ፡ እንተስ ኣስተውዒሉ ብዘየገድስ ናብ ሳልሳይ ኣካል ከምታ ንሱ ውዑል ኣትዩ ዝተቐበላ መስርሕ ተኸቲሉ ወፍሪ ናይ ምትሕልላፍ ይቕጽሎ። ከምዚ እናበለ ድማ ይባዛሕ ። ብኣወንታውን ኣሉታውን ውጽኢቱ ድማ ይምዘን ።ብኣሉታ ጥራሕ ዝግለጽ ስነ ምግባር ኣይኮነን ናቱ ፍሉይ ዕላማን ንምንታይ ትግልገለሉን እዩ እቲ ቀንዲ ወሳኒ።ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዓወተን ክሳብ ልዕላውነት ሃገር ምርግጋጽ ዘብጸሐ እተን ንዑሳን ትካላት ብጉጅለታት ዝፍለጣ ናይ ከተማ ስርርዓት ዝተጻወተኦ ግደ ንኡድ እዩ። ዕላምኡ ዝሰሓተ ሕሹኽሹኽ እንተኾይኑ ግን ካብ ዝሃንጾ ዘዕንዎ ስለ ዝበዝሕ ክሳብ ነብሳት ይወስድ ከም ዘሎ ክዝከር ይግባእ። ሕሹኽሹኽ ዝኣመላ ንዮው በላ ዝባሃለሉ መዋእል ምንባሩውን ናይዚ እዋን ዚ ትዝታ እዩ።
ሕሹኽሹኽ ሳልሳይ ኣካል ዘይብሉ ፡ ብሕጋዊ ሸነኽ ክትተሓሓዞ ወይ ክትማጻረየሉ ዝኸፍት ማዕጾ ዘይብሉ ፡ ምስክር ኣልቦ ወፍሪ፡ እቲ ብትሑት ድምጺ፡ ዝቃላሕ ዘይመስል፡ ተሰቲሩ ወይ ተቐቢሩ ክኸይድ ዝተሓስበ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ተጻይ ማዕበል ይብገስ እሞ ብግልጺ ንምቁጽጻሩ ኣብ ዘሸግር ህሞት ይሰጋገር። እዚ ኣብ መእተዊ ዝተገለጸ መካኒዝም ሕሹኽሹኽ ዝኽተሎ መስርሕ እዩ ።ብደረጃ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ክምዘን ከሎ፤ብባህርያቱ ንነዊሕ ይኹን ንሓጺር ዘማዕደወ ተልእኾ ዘለዎ እዩ። እዚ ስለዝኾነ ድማ እንታይ ዓይነት ሕሹኽሹኽ ? ምኽንያት መንቀሊ ናይቲ ዛዕባን ናይቲ ውሕሉል ኣማቲ ኣካልን ነቲ ሓሳብ ጋሻ ዝኾነ ተቐባሊ ኣካልን ዘጣምር መወዋስኢ መድረኽ ይፍጠር። ንኣብነት፤
- ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሓደ ሰብ፡ ጓል እገለ ጠኒሳ ኢሉ ወይ እገለ ኣጥኒሱ ኢሉ ናይ ሕሹኽሹክ መልእኽቲ ናብ ሓደ ተቐባሊ የሕልፍ ።ብትሒምትሒም ድማ ይዝርጋሕ። እቲ ነዚ ዘንቀለ ውልቀሰብ ካብ እንታይ ነቒሉ ኣንፊስዎ? ብሕታዊ ምኽንያት ይህልዎዶ? እዚ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ሓቂ ድዩ ሓሶት፡ ሳልሳይ ኣካል ዘየድልዮ ብተግባር ተፈጥራዊ መልሲ ስለዝረክብ ከም ዓቢ መተዓዛዘቢ ተረኽቦ እዩ ዝቑጸር።
- ኣብ ቁጠባዊ ጉዳይ፤ ኣብ ሓደ ዓዲ ክልተ ጎረባብቲ ቤት መሸጣ ስጋ ዘጋጥም ሕሹኽሹኽ ፡ ስጋ እንዳ እገለ ናይ ከልቢ ስጋ ሕዋስ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ይዝራእ።እዚ ብባህልን ብእምነትን መዳይ ክረአ ከሎ ዓቢ ነውሪ ስለዝኾነ ነቲ ሽሙ ዝላዓል ዘሎ እንዳስጋ ዓቢ ክሳራ ከስዕበሉ ይኽእል። እቲ ነዚ ሕሹኽሹኽ እዚ ዘንቀለ ሰብ፡ ካብ እንታይ ተበጊሱ? ስለምንታይ ከ? መርተዖ ኣለዎዶ? ዝብል ሰማዓይን ሓታታይን ዝምስክርን ይርከብ ዶ? ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተረኽቦ ንምጽራይ ማለት ሓቂ ድዩ ሓሶት ንምልላይ ቀሊል ከም ዘይኮነ ይምህረና።
ብዕድመ፡ ብደረጃ ትምህርቲ፡ ብተምኩሮን ብዝናን ተነይቶም ንነብሶም፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ተቐባልነት ኣሎና ኢሎም ዝዓገቡ ውሑዳት ኣይኮኑን። ብኣንጻር እዚ ንነብሶም ኣብቲ ሕብረተሰብ ትሑት ሚዛን ክህልወና ይኽእል እዩ ኢሎም ንምፍታሽ ብቕዓት ዝሓጽሮም ከምዘለዉ ዝሳሓት ኣይመስልን። ገለ ድማ ብፍላጥ ኮነ ኢሎም ዝዋፈርሉ ኣለዉ ። ዝብእስ ክሳብ ዝሓልፈሉ ይሕንክስ ከምዝባሃል ምስላ ፍሉይ ባህሪ ናይ ሕሹኽሹኽ ምጉዳል ርእሰ ምትእምማን እዩ። ብኽልተ ጎድኒ ንጎድኒ ዝጓዓዙ ሕንጻጻት መጣበቒ ጫፍ ዘይብሎም ክምሰል ይካኣል። እዚ ማለት ንምፍልላይ ሪሒብ ማዕጾ ስለዝኸፍት፡ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ተርእዮታት ተመሊሽካ ናብ ንቡር ቦታኡ ንምሽምቃቕ ጻዕሪ ይሓትት።
ኣምር ናይቲ ብሕሹኽሹኽ ዝዋፈር ነጥቢ በዓል ቤቱ እቲ ኣቐባሊ ኮይኑ፡ ምስ ናይ ገዛኣ ርእሱ ባዕላዊ ክውንነትን ትምኒትን ህርፋንን ዝተጎልበበ ፡ ኣነ ከምዚ በልኩ፡ ኣነ ከምዚ ሰራሕኩ ወዘተ እናበለ ፊቶራሪ ኮይኑ ንቕድሚት ዝስራዓሉ መዋእል ዘናዲ ኣካል ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ ዝላዓለ ደረጅኡ ምስ በጽሐ ድማ ደጋፊ መእመኒ ምእመኒ ዝመስል ጸሕይ ዝወቕዖ ኣብነታት እናወሰካ ምብታን ይስዕርር። ሰላሕታ ተበግስኡ ቀስ እናበለ ንጥዑይ ኣእምሮ ናይ ውልቀሰባት እናመረዘ ክሳብ ዘምልኽዎን ዘገልግልዎን ደቂ ገርሂ ልባ ዝኾኑ ባእታታት ኣብ ምፍራይ ደረጃ ይበጽሕ። ምስ ተጠቐመሎም ድማ ካብኦም ንምርሓቕ ኮነ ንምጉሓፍ ስክፍታ የብሉን።
ምኽንያት ናይቲ ዝላዓል ነጥቢ ሓቅነቱ ፡ ክብደቱ በቲ ሰማዓይ ብኸመይ ይምዘን? እቲ ተቐባላይ ኣካል ነቲ ኣብ እዝኑ ዝተዋህቦ መልእኽቲ ብጸቢብ ሞኽባዕቲ ክጸምቆ ዘኽእሎ ጥበብ ኣለዎዶ? ወይስ ኣብኣ ከላ ብጥሪኣ እዩ ዝቕበላን ዝኣምናን ዝምእዘዛን። ኩሉ እቲ ዝቕበል ኣካል ሓደ ዓይነት ናይ ምስትውዓልን ምስትባሃልን ምምርማርን ክእለት ኣለዎ ማለት ኣየስምዕን። እዚ ስለ ዝኾነ እቲ ሓደ ካብቲ ዘለዎ ብሕታዊ ኩነታቱ ተበጊሱ፡ ንኣተሓሳስብኡ ይኹን ርእቶኡ ዓቂቡ ምስቲ ኣቐባሊ ኣካል ክላፈን ከም መጀመርያ ዕማሙ ዝወስዶ ኣካል ክህሉ ይኽእል ። እቲ ካላኣይ ድማ ካብቲ ዘለዎ ጸኒሐ ዝምድና ነቒሉ ነቲ ኣቐባሊ ከሐጉስ ብዘይዕጣይ ምጣጣይ ተሓንጊሩ ክጓዓዝ ቀዳማይ ምርጫኡ ዝወስዶ ክህሉ ይኽእል። እቲ ሳልሳይ ኣካል ድማ ነቲ ናይ ተፈጥሮ ብልሓቱን ምስትውዓሉን ተጠቒሙ ነቲ ናብ እዝኑ ተቓንዩ ዝመጸ መልእኽቲ ቀራና ትርጉም ይህቦ እሞ ጥርጠራን ሕቶ ምልክትን የንብረሉን ንግዜ ድማ ይሓድጎን።
ኣብ መደምደምታ፤ እቶም ተቐበልቲ፡ ኣተግበርቲ ዘይረኸቡ ሕሹኽሹኻት ብልጭ ኢሎም ዝቕህሙ እዮም። እቶም ሓቅታት ዘለዎም ድማ እቲ ዝተጠንሰ ምስ ተወልደ ይጋሃዱ። ብመሰረቱ እቲ ንምዝራግ ዘቛምት ሕሹኽሹኽ ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሕሉ ግዜ ሕብረተ ሰብኣዊ ጸጋታት ከረጋግጽ ስለዘይክእል ናብ ማኣዝኑ ዝጠሓሰ ህልኪት ይንቆት።ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት እቲ ኣቐባሊ ኣካል ንብሕታዊ ድልየታቱንኸርዊ ኢሉ ዝሃንደሶ፡ ብጀካ ናቱ ናይ ካላኦት ዘይቅበል ስለዝኾነ ብዛዕብኡ ምዝራብ ኣድላይነት የብሉን። እንተ እቶም ተቐበልቲ ብደረጃ ትምህርቶም ዝምክሑ ኮነ ብገርሆም ብናይ ልቓሕ ኣእምሮ ዝምርሹን ግን ነቲ ነጥቢ ክምርምሩን ብኹሉ ሸነኻቱ ክመዝኑን፡ ከሐድሶም ዝኽእል ብልሓት ምምሃዝ የድልዮም። ስለዚ ሕሹኽሹኽ ንዓይ የድምዕ ኣየድምዕ ብዘየግድስ ሰላሕታ መጥቃዕቲ ናይ ዝሓልሙ ኣንቀዳዓውያን ውልቀ ሰባት ኣጉል ተስፋ ኮይኑ ዝመክን እዩ ።
ደምበ ተቋዉሞ ናይ ሽግርና ዋናታት ንሕና ኢና ፡ ፍታሕ ድማ ኣብ ኢድና ኣሎን ካባናን እዩ። ብሓባር ምቅላስ እዩ !!!
Sunday, 11 March 2018 21:00 Written by ጸሃየ ቀለታክቡራት ኣሕዋት ኣሓት ኤትርራውያን ክቡራት ኣንበብትን፡
ኣነ ከም ገዲም ተጋዳላይ ነበር ጽብቅ ዕድል ኮይኑ ስቱር ስሪዒት ምስ ደባይ ተዋጋእቲ ከተማ ኣብ ሜዳ ተሰሊፈ፡ ኣብ ወጻኢ እውን ተላኢኸ ብትሑት ዓቅመይ ገለ ንኡስ ግደ ዝገበርኩ ካብ መስዋእቲ ዲሒነ ኣብ ስደት ማዕዶ ሃገረይ ይነብር ኣሎኹ። እቲ ቦኽሪ እምነተይ ሒዘ ከኣ ጌና ይቃለስ ኣሎኹ። እዚ ንውሕ ዝበለ ተሳታፍነት ዘሎኒ ባእታ ኣብ ሜዳ ኤርትራን ወጻእን ዝተፈጸሙ መስተንክር ተጋድሎን መስራሕቶምን ናይ ክልተ ወድባት ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ክዝክሮም ከሎኹ ንክብሪ ተጋደላቲ ሓርነት ንጅግንነታዊ ታሪኽ ክዛረብ እንተኮይነ ፡ ንተወፋይነቶም ከየቋስሎ ከይጋገ ወይ ከየግድሎ ከቢድ ፍርሒ ስለ ዝጸዓነኒ ክሳብ ሎሚ ንብጭቡጥ ዝፈልጦን ዝተሳተፍኩዎን እንቢ ኣይዛረብ ኢለ ይኣቢ ነይረ ጌና እውን ኣሎኹ። ምኽንያቱ ንተቃለስቲ ሓርነት ሃገርን ህዝብን ተጋደልቲ ታሪኾም ክትነግር እንተኮንካ 1. ብኣካል ምስኡ ዝነበርካ ወይ ዝሬኤኻ ክትኸውን ኣሎካ፡ 2. ብመስርዕካ ጋንታኻ ቦጦሎኒኻ ዝተፈጸመ ምስ ዝኸውን 3. ኣብ ከባቢኻ እንተ ነይሩ ልክዕ ስም ቦታ ጊዜን ዉጺኢቱ ክትሕብር ይከኣል እዩ። እንተዘይኮነ ግና ኢሎሞ ወይ ሰሚዔ ኢልካ ታሪኽ ጀጋኑ ክትሕብር ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትዉ ኣገደስቲ እምነ ኩናዓት መረጋገጺ ኣምራት ጭብጥታት ክህልወካ ኣሎዎ። ክሳብ ሕጂ ብግቡእ ሩጡብ ብህልዋት ናይ ተሳተፍትን መራሕቱን ዝነበሩ ዉህሉል ኣፍልጦ ዘሎዎም ብሓባር ኮንካ ዝተሰነደ ታሪኽ ኣይውጻእ እምበር ፡ ገለ ገለ ዝፈተኑ ኣለዉ ፡ ግና ከም መበገሲ ወሲድና ጽቡቅ እዩ እንተተባህለ፡ ኮይኑ ግና ብዙሕ ጉድለታትን ጌጋታትን ከም ዘሎዎ ኣስተብሂለ ኣሎኹ ንገሊኦም ከኣ መኣረምታን ነቀፈታን ኣቅሪበ እየ። ስለምታይ ንዝብል ከኣ ቀንዲ ኣማእከልቱን ሓለፍቱን ተግበርቱ ዝነበሩ ብሂወቶም ኣብ ወጻእን ኣብ ኤርትራን ከለዉ ንስኻ ሰሚዔ ኢልካ ከተዘንትዎ እሙን ኣይከውንን ዝብል ዕግበት ኣሎኒ። በዚ ምኽንያት ሎሚ እውን ወስ ዘብሎ ዘሎኹ ሓጺር ምኽርን መዘካኸርን ካብ ምዃን ሓሊፋ ዝርዝር ታሪኽ ከዘንቱ ኣይኮንኩን። ጎድኒ ጎድኑ ከኣ ሓያሎ ብጾት ኣሕዋት እናፈልጥካ ስቅ ምባል ፡ ተመሊስካ ነቲ ዕዉት መስተንክር ተጋድሎ ንወለዶ ከይመሓላልፍ ትጎድኦ ኣሎኻ ስለ ዝበሉኒ ገለ ኣነ ዝፈልጦን ዝተሳተፍኩዎ ስሪሒታትን፡ እዚ ነውሕ ዝበለ ተመክሮ ዝመሃረኒ ትዕዝብተይ ከኣ ብዘይ ንሓፍነት ሓቂ ዝብሎ ክሕንጥጥ ክፍትን ኣብ ምቅራርብ ይርከብ።
ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ምድረ ባሕሪ ...
ንርእሱ ኣይተጥቅመሉ ሓደ ካብ ቀዳሞት መራሕቲ ገድሊ ዝነበረ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚ፡ ሰውራ ኤርትራ ዓቢ ዩኒቨርስቲ እዩ በለ፡ ብልክዕ ከኣ ሓቂ እዩ ፡ ናይ 57 ዓመታት ብጽሞና ንኩሎም ተረኽቦታትን ተመክሮታትናን ዝተጋገናዮምን ኣሉታዉያን ፡ኣወታታት ዝተዓወቱ ጉዕዞታትና። ብቀዳማይ፡ ካልኣይ ከኣ ንፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ዓለምና ዝተቃለሱ ምስ እንዳህስሶ ወይ እነንብቦ፡ ናይ ሽግርና ዋናታት ንሕና ምኳናን ፍታሕ ድማ ካባና’ዩ ብምባል እቲ ብሩህ ጸሓይ ቀትሪ ዝወቅዖ ሓቂ ኮይኑ፡ ዋላ ሓደ መዓንጣ ዘይቆጸረ ዕሸል ቆልዓ ክርድኦ ዝኽእል እዩ። ብተራ ቀሊል ሕቶ እዞም ሎሚ ኣሽሓት ትሕቲ ዕድመ ሃጽ ኢሎም ኣእጋሮም ኣብ ዝመርሖም ፈቀዶ በረኻታት ሰሃራ ዉቅያኖስን ዝስደዱ ዘሎዉ እንታይ ኮንኩም ምስ ትብሎም ??? ሰላም፡ ፍትሒ፡ ቅሳነት ሲኢና፡ ኣቦይን ኣደይን ኣሕዋተይን ኣብ ሳዋ ኣብቲ ግዱድ ኣገልግሎት ጠፊኦም እዮም ዝብሉ። እንሆ ህዝብና ካብ ዝጋደል ዳርጋ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን 57 ዓመታት ብቃልሲ ኣሕሊፍናስ ፡ ሽግርና ከኣ ኣብ ክንዲ እንዳ ሓሸን እናተፈትሐን እናማዕበለን ዝኸይድ እናኸፍእን እናበኣሰን ይኸይድ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኣእምሮን ጥዑይ ልቦና ዘለዎ ክፈልጦን ክርደኦን ዝደልሲ ናብ ናይ ክንህሉ ዲና ወይ ክንጠፍእ ንሰግኣሉ ኩነታት የምርሕ ከም ዘሎ እዩ ዘብርሃልና። እዚ ሽግርዚ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝጀመረ ኰይኑ ብቐጻሊ ፍታሕ ተሳኢንዎ ኣብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለናዮ ደረጃ ሓአገኛብ ተሃዋሲ ህሞት ወዲቅና ንርከብ ። እቲ ናይ 57 ዓመታት ፖሊቲካውን ወተሃደራዉን ተጋድሎና ዝሓለፍናዮ ተመክሮታት ብቅኑዕ ልቢ እንተንግንጽሎም ኣበይን ከመይን ስለምታይን ተጋጊና ??? ኣበይን ከመይን መዓስን ከ ብምንታይን ከ ተዓዊትና እንተነንብቦም ሎሚ እቲ መፍትሒ ምርካብ ኣይምሸገረናን ይብል። ንሱ ከኣ ንስለ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራና ብሓባር ብስኒት ብምክባርን ንጌጋታት ነቀፈታዊ ሕድገታት፡ ንዓወታትን መክሰባትን ዓቂብካ ንሓባራዊ ጥቅሚ ምምዕባል ፡ ጹጹይ መገዲ ሓርነት ንምሓዝ ኣይምጸገምን ይብል ። እዚ ኩሉ ግና ለባምን መስተውዓልን ጎዱፍ ህዝቢ ዝኾነ መራሒ የድሊ። ብኩራት ናይዚ ከኣ እዚ ሎሚ ዘሎናዮ ተሃዋሲ ሕልኽልኻት ኣብ ዓዘቅቲ ዝተደራረቡ ሽግራት ተዋሒጥና ንርከብ እኔና። እቲ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ከአ ከም ድላዩ ንህዝብናን ሃገርናን ዲሂኩ ንጽልቲ ሃገር ሒዙ ክዕንድረላ ይርከብ። ንሕና ኤርትራውያን ዝፈጠርናዮን ጌናውን ንቕጽሎን ዘሎና ሕድሕድ ምትኹታኽ ጠንቃም ዝኾነ ትሕቲ ሃገራውነትን ብሃይማኖታዊ ብኣውራጃዊ ብቢሄራዊ ምትእኽኻባት ፈጢርና ፡ ብድሑር ዘይምዕቡል ናይ ዓቅሊ ጽበት ደምበርበር ባህሪያት ሰጢምና ንፋላለን፡ ገለ እውን ክሳብ መሳርሒ ጓኖት ኮና ንርከብ። እንሆ እምበኣር ተመክሮና ከም ዝሕብሮ ቅድሚ ዳርጋ ሚእቲ ዓመት ቅድሚ ሰውራን ድሕሪ ሰውራን ቀጺሉ ዋላ ንስሙ ነጻነት ክቡር ከበድቲ መስዋእቲ ከፊልና ኣምጺእና ኢልና ንሕበነሉ እኳ እንተኾነ ግን ከኣ ናብ ሕሱም ባርነት ስለ ዝተቐየረ ባህግታትና ትጽቢትናን ተጥሊሙ ናብ ዘይውዳእ ህልኽን ሕድሕድ ዘይምትእምማን ፈጢሩልና ብ ዉሽጣዊ ጸገማትን ዘይምቅዳውን እነሆ ክሳብ ሕጂ ደም ክንነብዕን ዳርጋ ንብርሰት ኣሳጢሑና ይርከብ። ብርዱእ ጀመርቲ ፖለቲካዊ ብረታውን ቃልስና ብትሑት ንቕሓት ንጹሓት ሃገራውያን ሓረስቶትን ጓሶትን ንኡስ ተሞክሮ ወተደሃደራት ባዕዲ ዝነበሮም ኮይኖም፡ ብርሱን ሃገራዊ ኒሕን ሓቦን ስሚዒት ሓልዮትን ተበጃውነትን እዮም ተበጊሶም፡ ድሕሪ መሪር ተጋድሎ ክሳብ ጨካን ሕድሕድ ዉግእን ተባዕ ብረታዊ ጥምጥም ብመስተንክር ጅግንነት ንባዕዳዊ መግዛእቲ ስዒርና ነጻነት እንተ ኣምጻእና እቲ ዝፈላልየና ዝምባሌታትን ጸገማትን ጌና ከይተፈትሑ ስለ ዘሎዉ እዩ። ጨቋኒ ዉልቀ መራሒ ህግደፍ ሰብ ዝበልዕ ኣራዊት ፡ ካብ ሳሕል ጀሚሩ እናበልዓና ዝመጸ እነሆ ሃገርን መተካእታ ዘይርከቦም በላሕቲ ለባማትን ደቃን እናቀንጸለ ናብ ሕሱም ባርነትን ጭቆናን ወዲቕና ንርክርብ። ኣብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና ደረጃ ጥፍኣት ብቐጥታ ዝዋስኡ ዝነበሩ ዉልቀ ሰባት ጉጅለታት ላዕለዎት መራሕቲ ሰውራ ምሁራት ኣብ ፈቐዶ ወጻኢ ኣለዉ፤ ኣሉታዊ ተረኦም ብዕግበት ተቐቢሎም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተጋጊና ይቅረ ክብሉ ነብሰ ነቀፈታ ክቅበሉ ኣይበቖዑን ፣
ክሳብ ሎሚ ኣነ 3ተ ለባማት ኣሕዋት ጥራሕ ተጋጊና ብጌጋ ተረዲኡና ኢሎም ንህዝቢ ይቅረታ ዝሓተተቱ ሰሚዔ ኣሎኹ ።
1. ለባም ሓው ዳዊት መስፍን ዓዲ እንግሊዝ፡
2. ለባምን ንቁሕን ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን ሽወደን፡
3. ...................... ።
ብግልባጡ ህዝብና ዘሎዎ ጽምኣት ስምረትን ሰላምን ፈሊጦም ከምስሉ ደለይቲ ፍትሒ ኢና ኢሎም ፡ ወዳጀ ሙቁር ኣስማት እና መረጹ ዉድባት ክምስርቱን ንጽባሒቱ ከኣ በቲ ናይ ሳሕል ጠባዮም መርዛም ግናይ ብኽፋኣትን ጭከናን ዝተላዕጠጠ ትምክሕትን ብድዔን ባህርያቶም ጌና ክፍንጨሉን ክፋናጨሉን ይርከቡ እኔዉ። ዘገርም ዘሎ ካልኣይ ከኣ ዋላ እውን እቶም ኣብ ዲሞክራስያዊ ዉድብ ወይ መስመር ተሓኤ ዝዓበና ኢና ንብል ተቋወምቲ ከኣ ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ምድሓን” ዝብል ጭርሖ እናልዓልካ ብተግባር ግን ዘይትሰርሓሉ እቲ ዝገደደ ካልእ ዓቢ ጸገም እዩ። ከይዱ ከይዱ ከኣ ህዝቢ ንምትላል ዝግበር ፕሮፖጋንዳ እዩ ኢልካ ኣብ መደምደምታ ንክትበጽሕ ብግብሪ ኣብ ሜዳ መዓልታዊ ቁርቁስ መደረኦም ትረኽቦ ። ካብዚ ናይ ነዊሕ ዓመታት ኣውንታውን ኣሉታዊ ተሞክሮታትና ቍሩብ ተማሂርና ልቦናን ብስለትን ጌርና ብሓባር ሽግርና ኣብ ክንዲ ክንፈትሕ ንፍትን መሊስና ንረሓሓቕ ፡ ንፈናጣሕ ፤ ካብ ጌጋታትና ምምሃር ዘይኮነ ሕድሕድ ምክሳስ ምጽልላም፡ ዓቅሚ ድኣ የለን እምበር ክሳብ ኣእዳውና ናብ ካልኦት ምዉጥዋጥ ትርእን ትሰምዕን ተንብብን። ነቲ ሽግር ንኩልና ዝብጻሓና ከሎ ንኻልእ ክንህቦ ምጽዓርና እዩ ዘሕዝን። ምኽንያቱ እታ ሓቂ ኩልና ኣብ ሕቁፊ ህዝብና ኣብ ቅድሚ ዓለምን ስለ ዝተቃለስና ፡ ይትረፍ ህዝብናን ዓለምናንስ እቶም ጎቦታትን ስንጭሮታትን ዝምስክርዎ ታሪኽ ኣሎ፡ ታሪኽ ከኣ ኣይምሕርን እዩ ። ንኣብነት ኩሎም ጎባታትና ሃገርና ኣስማቶም ትርጉም ኣሎዎም... ካብ ጎቦ ኣዳል ጀሚርካ ክሳብ ፈንቅል ገደም ኣሽሓት ኣሎዉ፡ ስለምታይ ተባሂሎም ኩሎም ሰፊሕ ዓቢ ትርጉም ሓዘል መግለጺ ዘሎዎም ኮይኖም፡ ምስ እነልዕሎም ወይ እንሰምዮም እዋእ ስለምታይ ተብሂሉ መን ኢልዎ ብከመይ ብዓል መን መዓስ ...ወዘተ ዝብሉ ባዕሎም ዝምልሹ ሕቶታት ከም ዘሎዉ ኣይንዘግዕ፡ ኩሉ በብመዓልቱ ሓቅን ታሪኽን ክወጽእ እዩ። እቶም ዝርካቦም ምሁራትና እውን ብገንዘብን ብስም ህዝብን ዝተማህሩ ክነሶምን ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ሎሚ ግን ህዝብን ሃገርን ብሕሰም እናተበደለ ኣብ ክንዲ ዝመርሑን ዝምህሩን ንዘሎ ሕጽረታ ንምእራም ኣብተን ቅኑዓት ስሪዒታት ኣትዮም ዝቃለሱን ፡ ነቲ ድምጺ ዘይብሉ ውጹዕ ህዝቢ ድምጺ ኣፈኛታት ኰይኖም ዝጣበቕሉ ንሕናን ንሶምን ተባሂልና ተዓዘብትን ንሓንሳ ከኣ ፈረድቲ ይኾኑ። ነቲ ጉዳዮምን ጉዳይ ሃገሮምስ ዉድባት ከምዚ ዘይገበራ ከምዚ ዘይተጥቅማ ብማዕዶ ክብሉ ክትሰምዕ ከሎኻ፡ ነቲ ፍንቲሊኽ እናበለ ኣስናኑ ነኺሱ ኣንጻር ህግደፍን ምልክን ንፍትሕን ሕብረተሰብኣዊ ማዕርነትን ይቃለስ ኣሎኹ ዝብል ወገን ሞራልን ኒሕን ይጎድእዎ ስለ ዘሎዉ ብታሪኽ ክሕተቱ ምኻኖም ክዝንግዑ ኣይግባእን ይብል። ንሳቶምውን መብዛሕትኦም ኣብነት ክዀኑ ኣይበቕዑን ። እቲ ተካኢ ወለዶ መንእሰይና እውን እንተዀነ እቲ ኩሉ ዘሕለፎ መሪር ስቓይን መከራን ኣብ ትሕቲ ጨካን ኢሰብኣዊ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ዘንጊዑ ኣብ ዓዲ ሰላም ምስ ኣተዉ፡ መብዛሕትኣኦም ተመሊሶም ምስ ህግደፍ ይደናገጽ፤ ገለውን ብሕቡእ 2% ይኸፍል፣ ናይ ጣዕሳ ወረቐት መሊኡ’ውን ንዓዲ ይኸይድ እዚ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ካናዳን ንዕዘቦ ዘሎና ባህሪያት እዩ። ንፍትሒ ዝቃለስ የሎን ንምባል ዘይኮነስ እቲ ሽግርና ንምግላጽ ተባሂሉ’ዩ እምበር ብዙሓት ተስፋ ዘለዎም መንእሰያት ኣለዉና። ስለዚ ኤርትራውያን ናይዚ ኩሉ ዘሕለፍናዮን ነሕልፎ ዘሎናን ከቢድ ሽግር ዋናታቱ ቀደም ንሕና ሕጂውን ንሕና ኢና ፤ ፍታሕ ድማ ካባና ጥራይ’ዩ ዝመጽእ። ብተናጽል ዝዕወት ንዝስራሕ ቁምነገር ንሃገር ዘድሕን ወይ ዘልምዕ ጨሪሹ የሎን። ከም ህዝቢ ውራይና ብሓባር ኮፍ ኤልና ተላዚብና ክንፈትሕ የድልየና ኣሎ ። እዚ እንተዘይጌርና ንጥፋኣት’ምበር ንድሕነት ኣይነምርሕን ኢና ። ኣማእከልትን መራትን ከኣ ንስለ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ተኻኣኢሎም ብልዝብ ንኩሉ ተቋዋማይ ክጥርኑፉ ግድን ምኳኑ የስምረሉ።
ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ራህዋን ሰላምን ንውጹዕ ህዝብና
ዕንወት ንጨቋኒ መላኺ ስርዓት ኤርትራና።
ጸሃየ ቀለታ ሽወደን
20180308
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ዝልለየሉ ፖለቲካዊ መምዘኒታት ነዊሕ ዝርዝር ምስፋር ይከኣል። ፖለቲካዊ ባህሪኡ፡ ንሕቶ ህዝቢ ዘለዎ ምላሽ፡ ኣተሓሕዛኡ ኣብ ኩሉ መሰል ዜጋታት፡ ቁጠባዊ ፖሊሲኡ፡ ዝምድናታቱ ምስ ጐረባብትን ሕብረተሰብ ዓለምን፡ ፍልልይ ዘይጸውር ፖለቲካዊ መኣገሩ … ወዘተ እንዳበልካ እንተዘርዘርካ፡ “ እቲ ስርዓት ጸረ-ህዝብን ኩሉ መሰላቱን እዩ” ናብ ዝብል ሓጺር መደምደምታ እዩ ዝወስደካ። ብመጽር’ዚ ሕቶ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ንጹርን ንተግባራት እቲ ኣብ ሃገርና ዝዕንድር ዘሎ ስርዓት ዝጻረርን እዩ። ዕላምኡም ድማ ንህግደፍን ባህርያቱን ጸራሪግካ ብዲሞክራስያዊ፡ ፍትሓውን ቅዋማውን ምምሕዳር ምትክኡ እዩ። ብእምንቶይ ኣካላት ሓይልታት ለውጢ ክሳብ ዝኾና ዝፈላሊ ፖለቲካዊ ሕቶን ኣተኻኽኣ ስርዓት ህግደፍ የብልናን።
ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብሳላ ቅሉዕ ተግባራቱ ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ባህርያት ስርዓት ህግደፍ ፍልልይ የለን። እቲ ጸገምን ፍልልይን ጐሊሑ ዝረአ ኣብ ደንበ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ዘሎ ሓሓሊፉ ዝንጸባረቕ ዘይንጹርነት እዩ። ሕቶና ኣብ ክሊ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ዘኹድድ ኮይኑ፡ ኣብ ኣተገባብርኡ ግና ዘይምስምማዕ ብንጹር ይረኣ። እቲ ብንጹር ዝረኣ ፍልልያት ገሊኡ ብድኽመትና ዝፈጠርናዮ፡ ገሊኡ ግና ከጋጥም ባህርያዊ ዝኾነ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ኣብ ኣመላልሳ እቲ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ሕቶና ዝረአ ነጸብራቕ፡ ናይቲ ኣብቲ መሰረታዊ ሕቶ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍን ኣተሓሕዛኡን ዘሎ ዘይንጹርነት እዩ ዝብሉ ወገናት ብዙሓት እዮም። ካብዚ ነቒሎም ድማ ኣብቲ ናይ ለውጢ መስርሕ ንሕቶ ሃይማኖት ዘምርሕ፡ ኣብ ባህርያት ህግደፍ ነዚ ብዝምልከት ካብ ዘለዎ ቅኒት እዩ። እቲ ንሕቶ ብሄራት መሪሕ ጭረሖኡ ዝግበር እውን ከምኡ። እቲ ነዚ ክልተ ጫፋት ቅድሚት ዘይሰርዕ፡ ንኤርትራዊ ብዙሕነታዊ ዋልትኡ ገይሩ ሕቶ ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርና ክምልስ ዝቃለስ ከኣ ኣብ ኣገላልጻ እቲ ጨቋኒ ስርዓት ናቱ ዝተፈልየ ቅኒት ዘለዎ እዩ።
እቲ ኣብ ናይ ጽባሕ ኤርትራ “ቅዋማዊት” ንዝብል ሓረግ ምጉላሕ፡ ቅዋማውነት ካብ ሕጂ ጀሚሩ እግሪ ክተክል ኣለዎ ካብ ዝብል ኣርሒቑ ዝርኢ ኣተሓሳስባ ዝነቅል ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ካልእ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታትና እነስፍሮ ፖሊሲታት እውን ኣብ መጻኢ ናይ እንምረሓሉ ቅዋም መሰረት ንኽከውን እነማዕድወሉ መምዘኒና እዩ። ስለዚ ሎሚ ናይቲ እንቃለሰሉ መደብ ዕዮ ኮነ ንምረሓሉ ውድባዊ ይኹን ሰልፋዊ ቅዋም ምእዙዛት ምዃንን ዘይምዃንን ነቲ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ዝምስረት ስርዓት “ቅዋማዊ ክኸውን እዩ” እንብሎ ዘለና ትብዓትን ድሉውነትን ዘመልክት እዩ። “እተጽግበኒ ቅጫ ኣብ መቑለኣ እንከላ እፈልጣ” ከም ዝበሃል ምስላ ቀዳሞት። ቅዋማዊ ምዃን ከኣ ብዛዕባኡ ደጋጊምካ ብምጽሓፍን ቅዋም ከተግብሩ ሓላፍነት ንዝተዋህቦም እሞ በቲ ንስኻ እትደልዮ ንዘይከዱ ኣካላት ብምንቃፍን ምንእኣስን ዝረጋገጽ ኣይኮነን።
እዚ ኣብ ናይዚ እዋን ፖለቲካዊ ሕቶናን ኣተሓሕዝኡን ዝንጸባረቕ ፍልልይ መንቀሊኡ ብዘየገድስ ምኽሳቱ እምብዛ ዘግርምን ዘሻቕልን ኣይመኾነን። ንቕድሚት ከይንጐዓዝ በዚ ፍልልያትዚ ምዕጋትና ግና ዘገርምን መመሊስና ነንውሽጥና ክንምርምር ዘገድድን እዩ። ከምቲ ግቡእ ነዚ ፍልልያት ፈጺምና ከነወግዶ’ኳ እንተዘይከኣልናን እንተዘይተገደድናን ኣመሓዲርናዮ ንቕድሚት ከይንስጉም ቀፊዱ ዝሕዘና ክኸውን ግና ኣይመተገብኦን። እቲ ሕቶኻ እንታይ ምዃኑ ከተነጽር ምብቃዕ ፍርቂ ፍታሕዩ” ዝበሃል ብሂል ከኣ ኣባና ዝረአ ዘሎ ይመስል።
ብመንጽር እቲ ክትግበረልካ እትጽበዮ ኣተሓሳስባ ኣብ መስርሕ ፍልልያት ከጋጥም ባህርያውን ዘየሰንብድን እዩ። እቲ ዘጋጥመና ዘሎ ግና ዝፈላሊ ጥራይ ዘይኮነ እንትላይ ዘሰማምዕ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ካብቲ ዝፈላልን ዘሰማምዕን ነቲ ምስ ዕላማኻ ዝሰማማዕ ኢኻ እትመርጽን እተዕኩኽን። ስለዚ እቶም ሓይልናን ተዓዋትነትናን ኣብ ሓቢርካ ምቅላስ ምዃኑ ሃብታም ተመኩሮ ዘለና ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ እቲ ከነዕብዮ ዝግበኣና እቲ ዘመሳስለናን ብሓባር ዘጓዕዘናን እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ነቲ ዝሰፍሐ፡ ብሓባር ዘጓዕዘናን ምስጢር ሓይልና ምዃኑ ብተመኩሮ ዝተረጋገጸን ኣነኣኢስካ፡ ኣብ ናይ “ፍልልይ ዕበይለይ ዕበይለይ” ሓሸውየ ምእታው ግና ዝኾነ ሕብርን ቅጽልን እንተተወሰኾ፡ ካብ ንረብሓ እቲ ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘየብሉ ጨቋኒ ስርዓት ግዳይ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።
ውድባትና፡ ሰልፍታትናን ማሕበራትናን ነናቶም ኣተሓሳስባ ብዘለዎምን ኣብ ቃልሲ ዝተሰለፉን ሰባት እየን ዝቖማ። እዞም ዘቑምወን ሰባት ነናቶም ዝሕበንሉ ክብደትን ክብርን ኣለዎም። ከም ኣካል ብሓባር ክቃለሱ ምስ ፈቐዱ ከኣ በቲ እኩብ ናይ ሓባሮምን ብሕጊ ዘጸንበልዎን ኣተሓሳስባ እምበር ብውልቃዊ ወይ ጉጅላዊ ኣነነት ኣይኮኑን ዝንየቱ። ብተግባር ከም እንርእዮ ግና ኣብ መንጎ እቲ ካብ ውልቃዊ ኣነነት ዝነቅል ኒሕን ኣብ ጹረትን ምክእኣልን ዝምስረት ናይ ሓባር ኣተሃላልዋን ምድውዋሳት ይረአ እዩ። እቲ ብሰንኪ መሰረታዊ ዘይኮነ ጉዳያት፡ ናብ ምፍንጫል ዝመጣጠር ፍልልያትን ምርሕሓቕን ክፍጠር እንከሎ፡ ብዛዕባ ጠንቁ ክንዛረብ እንከለና “ብሰንኪ ናይ ሰባት ባህሪ ዘይምቅዳውን ንኡስ ምምሕዳርዊ ሕጽረትን ዘጋጠመ እዩ” እንብሎ ከኣ ነዚ ዘነጽር እዩ። ኣብ ከምዚ ነካይዶ ዘለና ኰርኳሕ ጉዕዞ ቃልሲ፡ ጸገማት ክፍጠር እንከሎ እቲ ፍታሕ ካብቲ ጸገም ምርሓቕ ከምዘይኮነ ምርዳኡ ዘጸግመና ኣይመስልንን። ብመሰረቱ እውን ንጸገም ናተይ ኢልካ ተቐቢልካ እምበር ካብኡ ብምህዳም ኣይኮነን እትፈትሖ። ምኽንያቱ ጸገም ስንኻ ነኺስካን ተጸሚምካን ምስኡ እንዳነበርካ እንተዘይፈቲሕካዮ፡ ኣብቲ ዝኸድካዮ’ውን ክስዕበካ ናይ ግድን እዩ። ንስኻ ክትሃድም እቲ ጸገም ክስዕበካ ምንባር ከኣ ኣጸጋሚ እዩ። ናብቲ ቀንዲ ርእሰ ነገርና ክንምለስ ጸገምና ኣብ ውህደት ፖለቲካዊ ሕቶና ከይከውን ኣስተብህሎ ዘድልዮ እዩ።
(ብእንግሊዝኛ ብወልደሱስ ዓማር ተጻሒፉ፡ ብነጋሽ ኣስፍሃ እተተርጐመ)

ካብ ኤርትራ ጽቡቕ ወረ ካብ ዘይንሰምዕ ነዊሕ ገይሩ`ሎ። ናይ ቀረባ እዋን ሓበሬታ ብመሰረት እቲ ናብ ኣሰና ቅርበት ዘለዎ ውሽጣዊ ምንጪ:ውፉይ ሃገራዊ ሓርበኛ ሃይለ ወልደትንሳኤ ወይ ብዘጉሂ መጸውዒ "እሱር ዒራ ዔሮ ቁጽሪ 4" ሞይቱ፡ ለይቲ 25 ጥሪ 2018 ከም እተቐብረ ተገሊጹ።እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ኣስማት ናይቶም ንድሩዕ ዝቐበሩ ኣርባዕተ ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ፡ማለት ሚኪኤል ወረደ: ትንሱእ ተወልደ: ዑስማን ዑመርን መድሃኔ መሓሪን ምንባሮም ዘርዚሩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሳክቲዝም ዝፍለጥ ምንጪ ኣሰና ኣብ ዝመጽእ ሳምንቲ ተወሳኺ ዝርዝር ክህብ ቃል ኣትዩ። እዚ እንተደኣተረጋጊጹ: ኣካላት ሃይለ ኣብ ዓሚቚ ጸልማት ካብ ፍጥረት ኩሉ ተነጺሉ 16 ዓመትን ኣርባዕተ ኣዋርሕን ሸውዓተ መዓልቲን ድሕሪ ምስቓይ፡ ካልእ መዓልቲ ንምርኣይ ዝነበሮ ናይ ህይወት ቃልሱ ኣብ መወዳእታ ተሸኒፉ።
ሒደት ሰሙናት ብ18 መስከረም 2001 ቅድሚምእሳሩ: ሃይለ ንዘይጽወር ኩነታት ኤርትራ ኣብ ምቕያር ዝግበር ቃልሲ ህይወቱ ንምኽፋል ድልው ምዃኑ ጽሓፈ። እዚ ናይዚ ሰሙንዚ ዘጉሂ ዜና እንተደኣ ተረጋጊጹ: እቲ ዝበሎ ሓቂ ኮይኑ። ስለ`ዚ ድማ እታ እንኮ ክንብላ እንኽእል ”ደሓን ኩን ሓርበኛ ሃይለ!" ድሕሪ ምባል "ሕልምኻን ሕልሚ ኩሎም ሃገራዊያን ሓርበኛታትን ንምትግባር መብጽዓና ነሐድስ” ምባል ኢዩ።
ኣብዚ ዘጉሂ ኣጋጣሚ ክዝክሮ ዝደሊ፡ ቅድሚ ሕጂ ናብ እሱር ሃይለ ድሩዕ ካብ ዘቕንዐ ክልተ ”ክፉት መልእኽትታት” ኢዩ። ሓንቲ እታ ብ2010፡ ሓለዋ እሱራት ዒራ-ዒሮ ዝነበረ ኢዮብ ባህታ ሃብተማርያም ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ እተበገሰትን፡ ካልኣይቲ እታ ብመስከረም 2005 እተጻሕፈትን ክጥቀሳ እፈቱ። እታ ናይ 2010 ቅልዕቲ ደብዳቤ፡ "ንድፊ" ቃል ሓዘን መሳሊት ነይራ፤ ትሕዝቶኣ ከእ "እንተሎኻ ብድሓን የራኽበና፡ እንተሞትካ ከኣ ብኽብሪ ትዝከር" ትብል። እታ ኣብዚ ድሒራ እትጥቀስ ካልኣይቲ ደብዳቤ ከኣ ክፋል ናይቲ ተኸታታሊ ”ብራቮ ድሩዕ ኣገናዕ ስዩም” ዘርእስቱ ጽሑፋተይ ኢዩ። ሎሚ ክልቲኡ ጽሑፋት ንክብሪን ዝኽርን ንናይ ቀደም ዓርከይ ድሩዕ ዝዳረግ ኢዩ።
ሰናይ ንባብ። ኣብ ምንባብን ዳግም ምንባብን (ማለት ነቶም ቀደም ንዘንበኩምዎን ከይተረፈ) እዚ ስዒቡ ዘሎ ገጻት ከገድሰኩም ዝኽእል ኢዩ። እቲ ምንታይሲ ንኡስ ዝመስል ግን ኣገዳሲ ዝርዝራት ክትረኽቡ ትኽእሉ። ገለ ነቲ ካብ 1960 ኣትሒዙ ንታሪኽ ኤርትራ ዘቖመ ኣዝዩ ደቂቕ ነገራት`ዩ።
ንድፊ ቃል-ሓዘንን ታሪኽ ሂወትን ናብ እሱር ዒራዔሮ ቁጽሪ 4
(18 መስከረም 2010)፡ክቡር ሃይለ:-እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ ዒራዔሮ ኢዮብ ባህታ ሃብተማርያም፡ ብጥሪ 2010 ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ካብ ዝገድፈካ ትሽዓተ ኣዋርሕ ሓሊፉ። ሽዑ ብርሃን ኣዒንቲኻ ጠፊኡ ኣካላትካ ረቒቑ ኣብ ነዊሕ መስርዕ መልኣከ ሞት ናብ ናይ ዘልኣለም ዕረፍቲ ከሰንየካ ተቐሪቡ ነበረ። መይትካ እውን ትኸውን ሃይለ: ንፈልጠሉ መንገዲ የብልናን። ወይ እውን ብሂወት ትህሉ፡ ዋላ እኳ ኩነታትካን ኩነታት ብጾትካን ብመሰረት እቲ ኢዮብ ዝገለጾ ከም ሂወት ክግለጽ ዘይክኣል እንተኾነ።
ሎሚ፡ ምስቶም ብትብዓት ንምሉእ ናጽነት ሓዲሽ ቃልሲ ዝጸውዑ ብጾትካ፡ ታሽዓይ ዓመት ማእሰርትኻ ኣብ ዝዝከረሉ መዓልቲ: ነዚ ዝስዕብ ቃል-ሓዘንን ታሪኽ ስውእን ከም ንድፊ ከቐምጥ መሪጸ። እዚ ጽሑፍ ክልተ ዕላማታት ኣለዎ።
- (ደሓን ሃሊኻ ነጻ እንተወጺእካ) ኣብቲ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ናጽነትካ ከም ሓበሬታ ይኾነካ። ካብታ እተኸወልካላ ዕለት 18 መስከረም 2001 ክሳዕ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ነገራት ብሓጺሩ ትርዳእ።
- ወይ (ሓሊፍካ እንተዀንካ) ናይ ስንብታ መልእኽቲ ንዓኻ ኰይና፣ ነቲ ብ2005 እተጻሕፈ እውን ኣብ ታሕቲ ብምድጋም ንሓዲሽ ወለዶ ብኣኻ ንዘይፈለጥዎ መፍለጢት ትኸውን። እታ ናይ 2005 ጽሕፍቲ ኣብ ራብዓይ ዓመት ማእሰርትኻ እተጻሕፈት ኰይና፡ ካብቲ ኣነን ንስኻን እንፈልጦ ንኡስ ጒዳያት ትጠቓቕስ ነይራ።
ክቡር-ዓርከይ ብዛዕባ ዘሎናዮ ሃለዋት ምጥቃሰይ፡ ህዝብና ብዛዕባኻ ብዙሕ ነገራት ከም ዝዝክር እገልጸልካ። ንኣብነት: እቲ ኣብ 2000ን 2001ን ናብ ህዝቢ ዘመሓላለፍካዮ ኣዝዩ ረዚን መልእኽትታት ኣሎ። ሓምለ 2000 ኣብ ፍራንክፈርት ፈስቲቫል ህግደፍ ዘቕረብካዮን ኣነ ብዛዕባኡ ፈለማ ኣብ ኢንተርነት ብምጽሓፈይ ሓለፋ ይስመዓኒ።ውሑዳት ኮነ ኢሎም ብጥምዙዝ ትርጉም ”ተጠላቒና” እትብል ቃል ተዓሽዮም ዘለው ገዲፍካ: መልእኽትኻ ዛጊት ኣብ ሃምን ቀልብን ብዙሓት ኤርትራውያን ይድውል ኣሎ። ሽዑ`ዩ ንስኻ "ኤርትራ ትካል ኣልቦ" ሃገር ክትከውን የብላን፡ ካብ ዓለም ተነጺላ ምንባር እውን ኣየርብሓን`ዩ ዝበልካ። ናይ 2001 ቃለ-መጠይቓትካን መግለጺታትካን እውን ነቲ ኢሳያስ ዘስረጾ ኣግላልነትን ትምክሕትን ዘሎካ ናይ ቀደም ጽኑዕ ተቓውሞ ደጊምካ ጥራይ ዘይኮነ: ንኤርትራውያን ኣብ መንጎኦም ዕርቂ ከስፍኑን ድሕሪ ኲናት ዶብ ሓዳስ ኤርትራ ክሃንጹ ኣዘኻኺርካ።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ካብ ባህግኻ ዝተፈጸመ የልቦን። ክኔው እታ 3x4 ሜትሮ ሸላ ዒራዔሮ ሓሊፍካ እትፈልጦ ነገር ከምዘየልቦ ንግንዘብ ኢና። ዘይምፍላጡ ከኣ ይሕሸካ። ናይ ሎሚ ኤርትራ ኣብ ዓለም በቲ ዝኸፍአ መግለጺታት እትልለ ተሕንኽ ሃገር ኰይና ኣላ። ኣስዒበ ንገለ ገሊኡ ክጠቕሰልካ፤

ካብ ዒራዔሮ እንተወጻእኻ መብርሂ ንዓኻ ሃይለ:-
- ሃገርና ሎሚ ግዝኣተ-ሕጊን ዝሰርሕ ትካላትን ዘይብላ ኣዝያ ጨቋኒት ተባሂላ ትግለጽ። ብዙሓት ጸሓፍቲ "ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ" ይብሉዋ።
- ኤርትራ ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቀዳመይቲ ኣላ። ናጻ ፕረስ ዘይተፍቅድ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንሳያ።
- ባይቶ ኤርትራ ኣንጻርኩም ኩነነ ንምውጻእ ብለካቲት 2002 ተኣኪቡ። ድሕሪኡ ብፍጹም ኣይተኣከበን። ብኣንጻር እቲ ንስኻትኩም ንዲሞክራሲ ዝገበርኩሞ መጸዋዕታ: ኢሳያስን ንኡስ ዓንኬል ጉጅለኡን ኤርትራ ንኣርብዓ ዓመትን ክኔኡን ሃገራዊ ምርጫ ከም ዘይትገብር ንህዝቢ ይገልጹ ኣለው።
- ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሻድሻይ ዝኸፍአ መላኺ ኣብ ዓለም ተባሂሉ ተረቚሑ። ኤርትራ ምስተን ውሑዳት ብኲናት ዝተሓመሳ ኰይና፡ ሻብዓይቲ ዝደኸየት ሃገር ኣብ ዓለም ተባሂላ ተሰሪዓ።
- ሃይለ፡-- እቲ ንስኻ ዝኸተምካሉ ስምምዕ ኣልጀርስ ክሳብ ሎሚ ኣይተተግበረን። ነገራት ዝያዳ ንምብልሻው እዚ ኣብ ዞባና ደጋፊ ዝብሃል ዘይብሉ ተናኻሲ ኢሳያይ ሕጂ ከኣ ንመጥቃዕቲ ጂቡቲ ኣዚዙ።
- ብኣንጻር እቲ ኣብ ፍራንክፈርት ብ2000 ዓ.ም. ተነጽሎ ኤርትራ ከብቅዕ ዝገበርካዮ መደረ: ንህዝቢና ዝውጽዕ ተነጽሎ ብዕጽፊታት ወሲኹ። ኤርትራ ንጽልቲ ሃገርን ናብቲ ዘስካሕክሕ ደረጃ ውዱቓት መንግስታት ገጻ ትድፋእ ኣላ። ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ኣይሰርሓን ኢየን፤ ኩለን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ካብ ሃገር ተባሪረን። ኤርትራ ሎሚ ምስ`ታ ናይ መወዳእታ 70ታት ካምቦድያን ፖልፖትን እቲ ጽሉእ ጒጅለ "ክመር ሩጅን፡ ከተመሳስላ ትኽእል።
- እቲ ኣብ ትሕቲ ደረት ዘይብሉ ”ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝካየድ ዓመጽ: ድሕሪ ምስዋርካ ብዝተሃንደሰ ሓዲሽ መደብ ተደሪዑ። ”ዋርሳይ ይከኣሎ” ዝበሃል መደብ ኢሳያስ፡ ንሓዲሽ ወለዶ ካብ ግቡእ ትምህርቲ ምቕሳም፣ ንመንእሰይ ነብሶምን ስድራቤቶምን ንክሕግዙ ዝነበሮም ዕድል ብምንፋግን ብከንቱ ኣባኺንዎም ይርከብ። ንልዕሊ 300,000 ወተሃደር ኣብ ትርጉም-ኣልቦ ዕርድታት ብምስፋር ኤርትራ (ንብዝሒ ህዝባን ብረት ዓጢቑ ዘሎ ሰብን ብምንጽጻር) ካልኣይቲ ሰሜን ኮረያ ኰይና ተባሂሉ።
- እቲ ዓብይ ትራጀዲ ሃገርና ሎሚ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት እሱራት ኣብ ልዕሊ 300 ኣብያተ ማእሰርትታን ኮንተይነራትን ዒራዒሮን ምድጓንን፣ ውድቀት ቁጠባን ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ዓቢ ትራጀዲ እቲ ብጅምላን በብዕለቱን ሃገር ዝገድፍ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ።ሃገር ትጸንት ኣላ። መደበራት ስደተኛታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያትና መሊኦመን። ካልኦት ኤርትራ ገሀነም ምስ ኮነቶም ዝዕቆቡሉ ንምንዳይ ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ይሞቱ`ለው።
- ሃይለ:- ኣብታ ናባኻ ልክዕ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝለኣኽክዋ ራብዓይቲ ቅልዕቲ ደብዳቤ: "ክትመውት ኣይፍቀደካን`ዩ” ኢለካ ነይረ። ሕጂ'ውን፡ ወላ'ኳ እቲ ዘሎ ሓበሬታ ዘየተባብዕ እንተመሰለ፡ ነታ ቃል ክደግማ ምደለኹ። ኣይትፈልጥን ትኸውን እንበር፡ 50% ካብቶም ኣብ ዒራዔሮ ምሳኻ ዝተኣስሩ ማሕሙድ ሸሪፎን ዑቕበ ኣብርሃን ሓዊስካ ብመደብ ብዝተኻየደ ፕሮጀክት ቅትለት ኣብዚ ትሽዓተ ዓመት ሞይቶም ይብሃል ኣሎ። ናይ ቀደም ብጻይካን ብጻየይን ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል እውን ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ካብዛ ዓለም ከም እተፈልየ ንዓኻ ውዑይ ዜና ከምዝኾነ ርግጸኛ ኢዩ።
- ሎሚ ብዝከኣለና፡ ነቲ ንስኻን ስዩም ሓረስታይን በብመንገድኹም ብ2001 ዘበገስኩሞ መስርሕ ዕርቂ ከነሰጉሞ ንጽዕር ኣሎና። ከም ናይ መጀመርያ ስጉምቲ ነቲ ዝነበረ ናይ ጀብሃን ሻዕብያን መዝገብ-ቅርሕንትታት ኣብ ታሪኽ ኣቐሚጥና: ነዘን ንሕልሚ ናጽነት ሃገርና ዘተግበራ ክልተ ኣካላት ሃገራዊ ቃልስና፡ ናብ ዕርቂ ወጂህና ንሰርሕ ኣሎና።ብኢሳያስ ዝተዘርአ ሕማም ቅርሕንቲ ክንስዕር፡ ብቐጻሊ ጽንዓት ናይ ህዝብና ክንፍውሶ ከም ዝከኣል ንተኣማመን ኢና። ጅግና ህዝብና ካብዛ ናይ ሎሚ ዝሓሸት ኤርትራ ኢያ እትግብኦ። ምሉእ ፖለቲካዊ ሓርነት ክጎናጸፍ ከኣ: ነዚ ዝከይድ ዘሎ ኣተፋናኒ ንፋስ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ሓጺር ጊዜ ክንቅይሮ ዕጥቅና ኣትሪርና ንርከብ።
(ቀጺሉ ዘሎ ንባብ ከኣ እቲ ብመስከርረም 2005 ኣብ ትሕቲ ብራቮ ድሩዕ: ኣገናዕ ስዩም (4ይ ክፋል) ዝብል ጽሑፍ ኢዩ።)
ናብ: ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)
እሱር ቁ. --- ቦታ: --- (ብ2005 ዘይተፈልጠ ነይሩ)
ኤርትራ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃ
ቅዳሕ ናብ: ስዩም ዑቕባሚካኤል(ሓረስታይ)
መስከረም 18, 2005
ክቡር ሃይለ:-
ብዘይ ሕጊን ብዘይፍትሒን ምስ ካልኦት ብጾትካ ካብ እትእሰር ድሮ ኣርባዕተ ዓመት ኮይኑ። ንሰብኡትን ደቀንስትዮን ንኣሽቱን ዓበይቲን ንኹሎም ብጠቐነ ዝተቐፈዱ ቃል መተበባዒን ደገፍን ኣብጽሓለይ። ነቶም ካብ ከሰላ ብሚያዝያ 26, 1992 ተጨውዮም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ”ሓዳስ ሃገረ ኤርትራ” ዝበልዩ ዘለው ንወዲ ባሻይን (ተኽለብርሃን ገብረጻድቕ) ንወልደማርያም ባህልቢን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ምብጻሕ ከም ዘይትዝንግዕ እኣምን ኢየ።

ሃይለ: እዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን ኣስመራ ብ1965 እተሳኣልናዮ ነይሩ፣ህያብ ንዓኻ። ኣብ መንጎ መነጸር ዝወደዩ ክልተ ሰባት ትርእያ ኣሎኻ። ሃብቶም ገ/ሚካኤል ከምኡ እውን ሓደ ካብ መማህራንና፣ ዓብዱራሕማን መሓሪ ልክዕ ብድሕረኻ ኮይኑ ኢሳያስን ናይ ሕጂ ሚኒስተር ሕርሻ ኣረፋይነን ካባኻ ርሒቖም ኣብ ድነ ኣለው።ነቶም ዝተረፍና ከተለልየና ተስፋ እገብር።(ካብ`ቶም ኣብ 12 ክፍሊ ዝነበርና ዳርጋ ዓሰርተ ኣብ ስእሊ የለዉን --ወልደዳዊት ተመስገንን ስዩምን ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ናብ ሜዳ ስለዝኸዱ፣: ሙሴ ተስፋሚካኤልን ሚኪኤል ጋብርን ካልኦትን እውን የለውን)። ምስ ተራኸብናን ብሂወት ምጽናሕካ ብዘረጋገጽናን ዝያዳ ተወሳኺ ስእልታት!
ኣብ ከምዚ ዘሎናዮ ሃዋህው: ናዓኻትኩም ንእሱራት ዓሚቑ ደገፍ ምግላጽ ግቡእ ንጹሃት ኤትራውያን ሓርበኛታት ምዃኑ ኣብ ሕቶ ዝኣቱኣይኮነን። እንተኾነ ቁጠባዊ: ማሕበራዊ: ፖለቲካውን ሰብኣውነትን ሰብኣዊ ኩነታትን ሃገር ናብ ዘሻቕል ደረጃ ወዲቑ እቲ ኣብ መንጎ ኩነታትኩምን ኩነታት ዝተረፈ ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ፍልልይ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ። ሕጂ እንተዘይኮነ ድማ ቀጺሉ ሓደን ተመሳሳሊን ምዃኑ ዘይተርፍ`ዩ። ሃገር ብቕልጡፍ መጠን ሰባ ትበትኽ ከም ዘላ ናዓኻ ዜና ይኸውን። እቶም ናይ ቀደም ስደተኛታትና ናብ ሃገሮም ከምዘይተመልሱ ትፈልጥ ኢኻ። ሕጂ መላእ መንእሰይ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲን መሐየሪ ስፍራታት ካብ ምማት: ሞት ኣብ ዕርድታትን መዓስከራት ግዱድ ዕዮን፣ ሞት ብጥሜት: ሞት ኣብታ እኹል መግቢን መድሃኒትን ዘይብላ ሃገር ኰይኑ ካብ ምጽባይ ሃገር ገዲፉ ይጠፍእ ኣሎ። ብዙሓት ካብ`ቶም ኣብ ዘይጊዚኦም ካብ ምማት ከምልጡ ዝፍትኑ ኣይዕወቱን ኢዮም። ገለ ብሓለዋ ዶብ ይቕተሉ፤ ካልኦት ኣብ ምድረበዳታትን ባሕርን ይሞቱ። ብኣጠቓላሊ ክነግረካ ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ከብቅዕ ዝግብኦ ሕማቕ ኩነታት ኣለው። ካብኡ ብዝተረፈ ሳዕቤኑ መግለጺ ኣይርከቦን`ዩ።
ክቡር ናይ ቀደም ዓርከይ:-
ኣብ ዓዋተ.ኮም ብ7 ጥሪ 2001 ብተመሳሳሊ ኣርእስቲ ዝሰፈረ ቀዳማይ ክፋል ናይ "ኣገናዕ ስዩም፡ ብራቮ ድሩዕ" ዝብል ጽሑፈይ ኣንቢብካዮ ትኸውን: ምኽንያቱ ሽዑ ኣብ ኣስመራ ናጻ ሰብ ኢኻ ኔርካ። እንተኾነ ነቲ ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ዓመት ማእሰርትኻ ብጓሂ ንምዝካር ዝቐረበ 2ይ ክፋል ብመስከረም 2002 ወይ ነቲ 3ይ ክፋል ብመስከረም 2003 እተጻሕፈ ከተንብቦ ከም ዘይትኽእል ርጉጽ`ዩ። ብዘይካ እዚ ን4ይ ዓመት ማእሰርትኻ ንምዝካር: ሎሚ ዝቐርብ ዘሎ 4ይ ክፋል፡ እዚ ዝስዕብ ዕላማታት ኣለዎ:-
- ንስኻ ሃይለ ንዝቖምካሉ ዕላማ ከተዐውቱ ብውሑዱ ኣብ መንጎ ሓምለ 2000ን መስከረም 2001ን ንዝገበርካዮ ንምጥቃስ...:
- ንስኻን ብዕድመ መዛኑኻን ኣብ ዕማም ቃልሲ ንናጽነት ክሳብ ክንደይ ተራ ከምዝነበረኩም ንምዝኽኻር ይፍትን::
ቴማ/ፍረ ነገር: ዕርቂ
ሹዱሽተ ሳምንቲ ቅድሚ ማእሰርትኻ እተዘርግሐ ተስፋ ዘንጸባርቕ ናይ 1ይ ክፋል (ጽሑፈይ ብዛዕባኻ): ዕላማኡ እቲ ኣዝዩ ተበሃጊ ዕርቂ ኣብ ኤርትራ ተበጊሱ ከምዘሎ ንምሕባር ነበረ። ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ 2001 ናትካን ናይ ስዩም ሓረስታይን ኣበርክቶ ንዕርቂ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ታሪኻዊ ተበግሶታትኩም ንምምዝጋብ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ከስፍሮ ፈቲነ:-
«ኣብ ተ.ሓ.ኤን ህ.ግ.ሓ.ኤን ተፈላልዮም ዝሰርሕዎን ዝሓስብዎን ዝነበሩ ገዲፎም ሎሚ ስዩምን ሃይለን ሓደ ቋንቋ ዕርቂ ይዛረቡን ተመሳሳሊ መጻኢ ሃገርን የናድዩን ኣለው። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ነዊሕ እዋን (ምንቅስቓስ ተመሃሮ ዝነበሩሉ) ዳግም ንሳቶም ኣብ ቅድመ-ግንባር ተሰሊፎም ኤርትራውያን ካብቲ ናይ ቀደም ብእተፈለ ኣተሓሳስባ ገይሮም ንሓዳስ ኤርትራ ንምቕባል ክበራበሩ የጎሳጉሱ ኣለው።»
ሃይለ፡- ሕማቕ ዕድል ኮይኑ:እቲ ዝተጀመረ ግስጋሰ ኣዝዩ ዛሕቲሉ። ብሓቂ ንስኻ ካብቲ መድረኽ ካብ እትእለ ኣብ መዳይ ዕርቂ ብዙሕ ክስራሕ ኣይተራእየን። ሰሚዕካዮ እንተኾንካ (ምናልባት ግን ኣይትሰምዖን)፡ብዙሓት ካብቶም ቀዳሞት ብጾትካ ከምቲ ንስኻ ዝገበርካዮ ካብቲ ጉጅለ ገበነኛታት ህግደፍ ነብሶም ኣርሒቖም። ገለ ናብ ደንበ ተቓውሞ ተጸንቢሮም፤ ገለ እውን ተሓቢኦም። ካብ መስከረም 2001 ንድሓር ከምቲ (ካብ ኣበሃህላ "ዓዋተ.ኮም ክልቃሕ)፡ 'ሓው-ለይቶን ላንጋላንጋን' ናብ ደንበ ተቓውሞ ተሓዊሶም።ንለውጢን ዲሞክራሲን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ድማ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ኩሎም እቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ነቲ ደብዛዝ ምንቅስቓሳቶም፡ ሳልሳይ ማዕበልን (third wave) ንዕኡ መሳሊ ኣስማት ማሕበርትን እናኣራብሑ ክኸዱ መሪጾም። ብዘይካ ውዕዋዕ/ድምጺ ክሳዕ ሕጂ (2005) ንደንበ ተቓውሞ ስድሪ ስጒምቲ ከወስኽዎ ኣይበቕዑን።
እቶም ናይ ቀደም ብጾትካ ከምቶም ዝተረፍና ኣባላት ተሓኤ-ነበር ኮይኖም ኣሎዉ።ብሓባር ምስራሕ ኣይከኣሉን። ድሮ ኣብ ብዙሓት ጉጅለታት/ማሕበራት ተመቓቒሎም ነቲ ንመላእ ሃገር ዘቐንዙ ሃለዋት ሃገር ኣብ ምቕያር ኣይሓገዙን። (ተስፋ ከኣ እገብር ካብቲ ዘሎኻዮ ሃለዋት ክትወጽእ እሞ ድሕሪ ሕጂ ደጊመ ብጽሑፍ ኲነታት ክገልጸካ ከይተገደድኩ ክተርፍ።)
ካብዚ ዝገለጽኩዎ እተፈልየ ምስ ዕርቂ ዝተኣሳሰር ንዓኻ ዝኸውን ጽቡቕ ሓበረታ ኣሎኒ። ንስኻን ናይ ቀደም ብጾትካን ነቲ ንዓመታት ዘጋገየኩም ድያብሎስ (ኢሳያስ) ኣብ ምግልጋል ዝፈጸምኩሞ ገበን ወይ ከም ገበን ዝውሰድ ብዝምልከት ህዝቢ ይቕረታ ይገብረልኩም ኢዩ። ሰባት ሓንሳብ ነቲ ዕቡይ ምልካዊን ኣግላሊ ፖሊሲኡን እንተድኣ ኮኒኖም ብናይ ቀደም ስሕታንን ዘይቅኑዕ ገምጋማትን ምኽሳስ ኣድላይነት ከምዘይብሉ ኣብ መሳርዕና ነንሓድሕድና ክንተዓጋገብ ንጽዕር ኣሎና። ኣብነት ክህበካ ንስኻ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 3ይ ጉባኤኹም ኣንጻርና እተጠቐምካሉ ዘይእሩም ቋንቋ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት ዝተዛረበሉ የልቦን። ብመንጽሩ ነፍስ-ወከፍ ተቓዋሚ ኣቓልቦኡ ኣብቲ እወንታዊ ኣበርክቶኻ እንተላይ ኣብዚ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ኢዩ ኣድሂቡ፤
ነቲ ንስኻ ሃይለ ድሩዕ ከም ናይ ፈለማ ወዲ ውሻጠ ብ15 ሓምለ 2000 ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ነቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረብካዮ መደረ ንፈለማ ንመላኺ ዝበድሀ ክብሪ ተዓዊትካ። ኤርትራውያን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ነዚ ክርስዕዎ ኣይደልዩን ኢዮም።ቋንቋ እቲ ሽዑ ዘቕረብካዮ መደረ ከምዚ ይመስል «ንሕሱ ኔርና።እዚ ኩሉ ጊዜ ክንሕሱ ከሎና ደው ከተብሉና ኔርኩም»።(ናይዚ ሓዲሽ መርገጺኻ ዜና ብካልኣይ ምንጪ ምስ በጽሓኒ: ነቲ ተባዕ መግለጺኻ ተቐላጢፈ ክጽሕፈሉ ዕድል ብምርካበይ ክብሪ ተሰሚዑኒ)። ህዝቢ ነቲ ኣብ ናይ ቀውዒ 2000 ኣኼባታት መሪሕነት ህግደፍ ዝነበረካ መርገጺ ይዝክሮ ኣሎ። ነቶም ገለ ዝፈርሁ ምሁራት ቃልዕ ወጺኦም ክቃወሙን ገሊኦም ገሊኦም ነቲ ናይ G-13 ስጒምቲ ንምውሳድ ከምዘተባባዕካን እናዘከሩ ክብሪ ዝህቡኻ ኣለው። መርበባት ሓበረታ ነቲ 2000-2001 ዘቃላሕካዮ መልእኽትታት ብኹሉ ኤርትራዊ ክስማዕ ካብ ምዕዳም ኣየቋረጻን።
ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ነቲ ሓጺር ዕድመ ዝነበሮ «ጽድያ ናጻ ፕረስ» ኣብ ኣስመራ ዝሃብካዮ ቃለ መጠይቕ ደጋጊመ ካብ ምንባብ ኣየዕረፍኩን። ብፍላይ ነቲ ኣብ ፈለማ ነሓሰ 2001 ዘውጻእካዮ ነባሪ መግለጺ፡ ኩሉ ገዲም ተቓላሳይ ዝብሎን ዝዋደቐሉን ዝነበረ ስለዝኾነ ደጊምካ ምንባቡ ደስ የብል። ኣብቲ 5 ሰሙን ቅድሚ ምእሳርካ ዝወጸ ታሪኻዊ ሰነድ፡ ዋላ` ኳ ነቲ ዝነበርካሉ ዓፋኒ ሃውህው ንክሰማማዕ ተባሂሉ እተወሰኸ ጥንቁቕ ቃላት እንተነበሮ፡ ብሓፈሻ ግን ከምዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኢኻ ናብ ህዝቢ ዘመሓላለፍካ፣-
- .እቶም ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎና፡ ነቶም ኣብ ናይ 50 ዓመታት ቃልሲ እተረባረቡ ደቂ ሃገር ዝግባኦም ክብሪ ክንከልኦም መሰል የብልናን: መርትዖ የብልናን።ኤርትራውያን ብኹሉ ሕብሪታት ፖለቲካ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ማዕረ ፍረ ዓወትን ጾር ምህናጽ ናይ ሓባር መጻኢን ክህልዎም ኣለዎ።
- እቶም ብጊዝያዊነት ንሃገር ተቖጻጺርና ዘሎና ዓረብን ትግርኛን ክልቲኡ ዕላዊ ቋንቋታት ክንቅበሎ ጊዚኡ ኢዩ።(ከምቲ ሓያሎይ ወገናት ተሓኤ ከየቋረጹ ዝጽውዕዎ ዝነበሩ)።
- ዝተረፉ ቀንዲ ሕቶታት ምምላእን፣ ግጉይ መደምደምታት ምእራምን፣ እንተላይ ንሕቶ መሬት: ቅዋም ዳግም ምርኣይን ደጊም እዋኑ ኢዩ።
- ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከይቀረቡ ንኤርትራውያን ተቓወምቲ «ብክሕደት»፣ «ሓሙሻይ መስርዕ» እናበልካ ምኽሳስ ደው ምባል ጊዚኡ ኢዩ።
- ብሓጺሩ:ንኩሎም ዜጋታትን ቀጸላታትን ብዙሕነታዊ ሕብረተሰብና ሓርነት: ፍትሒን ማዕርነትን ንምጉንጻፍ: ኣግላልነት ኣወጊድና ብመንጽሩ ባይታ ዕርቂን ምሉእ ተሳታፍነት ህዝብን ሓባራዊ ኣኽብሮትን ከንህብ ኣሎና።
ሓው ሃይለ :-
ኣብቲ ናይ ክፍላ 2001 መደረ: ሰባት ርትዓዊ መጎተ:ሓቂ:ንጽህናን ተስፋን ተመልኪቶም። ቅኑዕ ቋንቋን ቅኑዕ መርገጺን ኢዩ።እዚ መርገጺ እዚ ክትግበር ዛጊት ይእወዮ ኣሎ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት እቲ ትምክሕታዊ ጒዕዞ ኢሳያስን ናይ ጌና ዘይተጣዕሱ ተኸተልቱን ጽልዋ ይቕጽል ኣሎ። ንፋስ ዘይምትእምማንን ምትፍናናትን ሓይሊ ወሲኹ ካብ ኩሉ ኩርናዕ ሃገርናን ሕብረተሰብናን ይነፍስ ኣሎ። ሎሚ ካብ ኲሎም ዝያዳ ኣግላሊን ትምክሕተኛን ኣየናይ ጉጅለ`ዩ ኢልካ ዘይተለልየሉ ጊዜ ተበጺሑ ኣሎ። ኣብ ኩሉ ምትፍናናት ይርኤ። እታ እንኮ ብሓቂ ቀንዲ ምንጪ ኩሉ ሰሃሮን ጸገማትን ሃገርና እቲ ናዓኻ ኣሲሩ ዘሎ ባእታ ኢዩ። ንኢሳያስ ምልጋስ ድማ ንሓባር መጻኢና ዝሰማማዕ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ብሓባር ንሰርሓሉ ሃውህው ዝኸፍት ይኸውን።
ምፍልላይ/ምትፍናን (polarization) ከነውግድ ኢና
እቲ ብፍላይ ብኣኻን ብብጾትካን ብእዋኑ ክዕገት ዘይተኻእለ ምንጪ ትምክሕትን ኣግላልነትን፡ ሎሚ ኣብ ፖለቲካዊ ሂወትና ካብ ግምት ንላዕሊ ዓሚቑ: ንምውጋዱ ጊዜ ክወስድ ከም ዝኽእል ይርኤ ኣሎ። ግን ከኣ ሎሚ እቲ ዘተባብዕ ዜና ኩላትና ንኣድላይነት ምጅማር መስርሕ ምውጋድ ፍልልይን ምትፍናንን ነቒሕናሉ ኢና። ብዓወት ክድምደም ድማ ናይ ጊዜ ሕቶ ይኸውን።
ብዛዕባ`ዚ ጉዳያት ኣብ እንዝትየሉ እቲ ኣብ መወዳእታ 1980ታት ንጋዜጠኛታት ዝበልካዮ ኣይርስዖን`የ። ንኣብነት እንግሊዛዊ ምሁር ሊዮነል ክሊፍ (እቲ ኣብቲ እዋን ናይ ቀረባ መሓዛ ውድብካ ዝነበረ) ኣብ ሓደ ብ1989 እተሓትመ ጽሑፋቱ: ንዓኻ ብምጥቃስ እቲ ዝዓበየ ሻቕላኻ ድሕሪ ናጽነት ነቲ «ኣብ ህግሓኤ ዝገነነ ናይ ትግርኛ ትምክሕቲ» ብኸመይ ኢና እንቆጻጸሮ ዝብል ከም ዝነበረ ገሊጹ። ኣነ ከም ዝርደኣኒ ኣበሃህላኻ፡ እቲ ጌጋ ናይ ተራ ህዝቢ ዘይኮነ፡ ጌጋ ናይቲ ንኣባላቱ በቲ መንገዲን ኣረኣእያን ንክኸዱ መምርሒ ናይ ዝህብ መራሒ/መሪሕነት ኢዩ ምባልካ ኢዩ። እቲ ጸሓፊ ብልክዕ ከም ዝጠቐሰካ እግምት። ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋት ክጠቕሶ ከም ዝፈተንኩ: ካብ ቀደም ኣትሒዘ ካባኻ ዝወጽእ ተመሳሳሊ ቃና ዘለዎ ኣብነታት እፈልጥ`የ። (ኣብ ክፋል III "ኣገናዕ ስዩም:ብራቮ ድሩዕ" ተመልከት።)
ሃይለ:- ክትመውት ኣይፍቀደልካን`ዩ!
ሒደት ሳምንታት ቅድሚ ምእሳርካ ነዚ ዘይጽወር ኩነታት ሃገርና ንምቕያር ዋላ ሂወትካ ንምኽፋል ድልው ከምዝኾንካ ገሊጽካ። ክቐትሉኻ ከም ዝኽእሉ እናፈለጥኩ፡ ዛጊት እቲ ሞይቱ ዝብል ሓበረታ፡ ጸሓይ ኣብ ሃገርና ቅድሚ ምብራቓ ክሰምዖን ክቕበሎን ኣይደልን። ነቲ ኣብዛ ሃገር ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ኣብ ምጽጋን፣ ነቲ ቀደም ዝነበረ ዘይንቕነቕ ነብሰ-ምትእምማንን፡ ቅሩብነት ኣብ ህንጸት ፍትሓዊትን ብልጽግትን ሃገር ኣብ ምትብባዕ፣ ብሓባር ናይ ምስራሕን፡ ሓደ ኣካል ኰንካ ናይ ምንባርን ድልየታት ህዝብና ኣብ ምጽጋን: እጃምካ ቅድሚ ምጽዋትና/ምግባርካ ክትመውት ኣይፍቀደልካን`ዩ በሃላይ ኢየ። ነቲ ናይ ቀደም ንኣሽቱ ፍጻሜታት ብሓባር ተመሊስና ክንድህስሶ ጊዘ ከምዘድለየና ኣይትረስዕ። ዋላ`ኳ ካብ ዘይንራኸብ ልዕሊ ሰላሳ ዓመት እንተገበርና ሂወት ዘለዎ ዓበይቲ ዕላላት ኣይሰኣንን`ዩ፣ ንኣብነት ገለ ኣርእስትታት ክጠቕሰልካ:-
- ድሕሪ 44 ዓመታት፡ ቀደም እንታይ ከም ዝገበርና ንምዝካር ክንፍትን ጊዜ ክህልወና ኣለዎ። መጀመርያ ብመስከረም 1961 ኣብ 9ይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ልኡል መኮነን ኣስመራ ክንራኸብ ከሎና ዝነበረ ጌና ትሑት ሃገራዊ ንቕሓትናን ኣፍልጦናን ዘኪርና ነልዕል። ብኣጋጣሚ ከኣ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ኣብ ጎቦ ኣዳል ብመስከረም 1961 ኢዩ ነቲ ናትና ዝመስል ሃገራዊ ስራሕ ዝጀመረ!!
- ኣብ መንጎ መስከረም1961ን ሰነ 1965ን ኣብ ኣስመራ ብሓባር ዝገበርናዮም ንኣሽቱ ነገራት፣ እንተላይ ነቲ ኣዋልድናን ኣወዳትናን ካብ ቤት ትምህርትና ተበጊስና ንዝተረፈ ኣብያተ ትምህርቲ ኣስመራ ኣላዒልና ዝገበርናዮ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊታት ከነዕልለሉ ኢና።
- ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሕለፍናዮ እውን ኣካል ዕላላትና ክኸውን ኢዩ። ንዋህዮታት ተሓኤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጉልባብ ክኸውን ዝመሃዝናዮ ሓውሲ "ማሕበር ተመሃሮ ልኡል መኮነን ነበር" ኣብ ምቛም ከሎና ኣብ ኣብ እንጦጦ ብ1965 ናይ ዝገበርናዮ ኣኼባ ስእሊ ኣሎኒ።
- ነፍስወከፍ ሰሉስ ምሸት ሰዓት 8.00 ዋህዮና እትራኸበላ ዝነበረት ፊት ቤት-ማሕተም ብርሃንና ሰላም ዝነበረት ናይ ጉራጌ ቤት-ሻሂ ከም እትዝክራ ርግጸኛ`የ።
- ከምቲ ኣነ ዝዝክሮ፡ ንስኻኸ ትዝክሮ'ዶ ስም ናይቲ ካብ ብረስለስ ዝመደበሩ ባይቶ መንእሰያት ዓለም ናብ ኣኼባ ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብ1966 ዝመጽአ ወዲ ጋምብያ?። ሽዑ ንሰበስልጣንን ጸጥታን ኢትዮጵያ ዘሰንበደ መግለጺ ተሓኤ ዝሓዘ 60 ፖስታ ንኹሎም ልኡኻት መራሕቲ ሃገራትን ልኡኻት ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃን ከም ዝዕደል ገይሩልና። ክትርስዖ የብልካን፣ ምኽንያቱ እቲ ጉዳይ ካብቶም ካልኦት ዋህዮታት ብሚስጢር ተታሒዙ ብኽልተ ኣባላት ኢዩ ተፈጺሙ። ኣነን ንስኻን።
- ብዛዕባ እቲ ጊላይ ግርማይ ንዓይን ንዓኻን ዕቱብ ጉዳይ (ኣብ ኣዲስ ኣበባ) ክንፍጽም ዝኣተወልና መብጽዓ ግን ዘይተተግበረ ብዙሕ ዝብሎ የብለይን። ኣብ ክንድኡ እታ ናይ መወዳእታ መዓልትኻ ኣብ ኣዲስ ክጠቕሰልካ። ቅድሚ'ታ ንስኻን ሙሴ ተስፋሚካኤልን ሰንበት 4 ታሕሳስ 1966 ናብ ተሓኤ ክትስለፉ ብኣውቶቡስ ናብ ኣስመራ ዝተበገስኩሙላ ለይቲ ሓሙሽተ ወይ ሹዱሽተ ካባና ኣብ መርካቶ ኣብ ሆቴል ኣሕሊፍናዮ። ከም ዝዝከረኒ" ንኢሳያስ እውን ሰለስተ ሳምንታት ኣቐዲሙ ብ17 ጥቅምቲ 1966 ኣብታ "እስታር ሆቴል" ሓዲርና ኢና ኣፋኒናዮ። ንስኻ ናይ ዋህዮና ሓላፊ ጉጅለ ምርምር ምንባርካ እዝክር። ምብጋስ ምስ ኮነ እቲ ሰነዳት እንተላይ ካብ ከብሒ ዩኒቨርሲቲ ሃይለስላሴ ዝተወስደ ኣዝዩ ኣገዳሲ መጽሓፍ ኣረኪብካኒ። እታ ብስፐንሰር ትሪሚንግሃም ዝተጻሕፈት ብዛዕባ ኤርትራ ዕዙዝ ሓበሬታ ዘለዋ «እስላም ኣብ ኢትዮጵያ» ዘርእስታ መጽሓፍ ድሕሪ 39 ዓመት ምሳይ ኣላ። ኣብኣ እታ ንስኻን ሙሴ ተስፋሚካኤልን ዝተበገስኩምላ ዕለት ተመዝጊባ`ላ። ንሓላልካ ወይ እውን ምስጋና ኣሰኒና ናብቲ ሕጋዊ ዋንኣ ቤተ መጽሓፍቲ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ስድስት ኪሎ ንክትመልሳ ክህበካ።
- ስለዚ ብሂወት ክትጸንሕ ዘገድደላ ብዙሕ ምኽንያት ኣሎ፡ሃይለ። እንተደኣ ንሃገርን ንዓኻትኩም እሱራትን ንምድሓን: እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓድነት ናይ ውሽጥን ግዳምን ተቓውሞ ጊዜ ወሲዱ: ሂወትካ ንምድሓን ካልእ መንገዲ ክትሓስብ ኣሎካ። ብዛዕባ`ቲ ቅድሚ ልዕሊ 35 ዓመት ንበሪኽ መንደቕ ቤት ማእሰርቲ ኣስመራ ዝሰዓረ ጅግና ናይ ቀደም መማህርትኻ ዓብደላ ሓሰን እንተሓሰብካ ኸ? ወይ ጀጋኑ ስዒድ ሳልሕን ስዩም ዑቕባሚካኤልን ቅድሚ 30 ዓመት 1000 እሱራት እንተላይ ንዓኻን ንስዩም ካብ ዓዲዃላ ንምውጻኣ ብውሽጢን ብግዳምን ዝሃንደስዎኸ? ብዛዕባ ምንባር ሕሰብ። ክትመውት ኣይፍቀደልካን`ዩ።
ሓደ ነገር ምምሳልን ከምቲ ክኾኖ ዝግበኦ ምዃንን ሰፊሕ ፍልልይ ከም ዘለዎም ፍሉጥ እዩ። እቲ ምምሳል ዘይኮነካ ክነስኻ መሲልካ ክትቀርብ ምፍታን እዩ። ምዃን ከኣ ብትኽክል ከምቲ “ከምዚ እየ” እትብሎ ብግብሪ ኮይንካ ምቕራብ እዩ። ንመሲልካ ምቕራብ ካብ ምዃን ፈሊና እንርእየሉ መምዘኒ ተግባር እዩ። ምምሳል ካብ ድሌትን ባህግን ዝነቅል ኮይኑ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝተሓዝ ናይ ምትዕሽሻው ተልእኮ እዩ። ምዃን ግና ዝበሃልን ዝኸውንን ኣብ ምንጽብራቕ ስለ ዝምርኮስ ዘይከሓድ እዩ። “እነሆ ዝብል ነይሕሱ” ከም ዝበሃል።
ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኩሉ ዝብሎን ዝትልሞን ማእከሉ መሲልካ ምቕራብ እምበር ብተግባር ክትከውን ምብቃዕ ኣይኮነን። ከምስል ዲሞክራስያዊ፡ ብሃገርን ህዝብን ሓላዪ፡ ሰላማዊ፡ ኣኽባሪ ኩሉ መሰላት ህዝቢ፡ ናይ ልምዓትን ህንጸትን ሓርበኛ … ወዘተ መሲሉ ክቐርብ ይፍትን። ሓደ ሓደ ግዜስ ዕዮ ገዝኡ ከም ዘጻፈፈ መንግስቲ፡ ናይ ዞባዊ ጉዳያት ተሻቓሊ ዝመስለሉ’ውን ኣሎ። ነቶም ነዞም መሲሉ ዝቐርበሎም መሰረታዊ ኣምራት ዝተግብሩ መሲልካ ዘይኮነስ ኮይንካ ናይ ምቕራብ ትብዓትን ባህርን ዝውንኑ ኣካላት ከኣ “ስለምንታይ ኣቃሊዖሙኒ” ካብ ዝብል ስንባደ ከነኣእሶምን ክጥቅወሎምን ህርድግ ይብል። እቲ ንሱ መሲልካ ንምቕራብ ዝፍትነሉ ነጥብታት ብመንጽር ኮይንካ ናይ ምቕራብ መምዘኒ ክፍተሽ እንከሎ እምበር ህግደፍ ብግልባጥ እቲ ዝብሎ እዩ ዝግለጽ። ማለት ጸረ ዲሞክራሲ፡ ጸረ ሃገርን ህዝብን፡ ጸረ ሰላምን ቅሳነትን ጸረ ልምዓትን ህንጸትን እዩ። እዚ ርኡይ ስለ ዝኾነ ከኣ ኩሎም ወገናት ዝሰማምዕሉ መንነት ጉጅለ ህግደፍ በቲ ክመስሎ ዝፍትኖ ዘይኮነስ በቲ ብተግባር ዝኾኖ እዩ ዝዕቀን።
እዚ ኣብ መንጎ መሲልካ ምቕራብን ምዃንን ዘሎ ሸኾርተት ኣብ ባህርያት ህግደፍ ጥራይ ዝደረት ዘይኮነ፡ ናይ ኩሉ ጸገማትና ቀንዲ ጠንቂ እዩ እንተተባህለ እውን ምግናን ኣይኮነን። ምፍንጫላት፡ ዘይምጽውዋራት፡ ፍልልይ ከተመሓድር ዘይምብቃዕን ኣብ ጸቢብ ስምዒታት ምኹዳድን በዚ ካብ ምጽላው ዝድሕኑ ኣይኮኑን። ካብ ሕጋውን ስርዒታውን መሰረታዊ መትከላት ወጺእካ ንነብስኻ ኣብ ናይ ቅኑዕነት ሰገነት ኣቐሚጥካ ናይቲ ካልእ ወገን ሓሳብ ሓጢጥካ ከተነኣእስ ምህቃን እዚ እንተዘይሰሚሩልካ ከኣ፡ ካብ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ሓኪልካ በጨው ምባል ኣብ ክሊ መሲካ እምበር ኮይንካ ክትቀርብ ዘይምብቃዕ ዝሕቆፍ ባህርያት እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና በዂሮም ካብ ዘለዉ መሰረታዊ ጉዳያት ፍልልያትካ ዓቂብካ፡ ኣብቲ ዘስማምዓካ ኣትኪልካ ብሓባር ክትቃለስ ዘይምብቃዕ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። እዚ ሕጽረት ኣብ ኩሎም ሰብ ጉዳይ ግንዛበ ረኺቡ ዘሎ ምዃኑ ከኣ ዘዳዲ ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ዝቃልሑ መደረታት ነዚ እዮም ዘነጽሩ። ኣብ ጸቢብ ናይ ዕላል መድረኻት ዝለዓሉ እውን እዚኣቶም እዮም። ድሕሪ እዚ ኩሉ ግና ዝተፈላለዩ ኣካላት “ንሓቢርካ ምስራሕን ምጽውዋርን ዝኣምኑ ካብ ኮኑ ስለምንታይ እዮም ከምኡ ዘይገብሩ?” ኢልካ ክትሓትት ትግደድ። ድሕሪ ምምርማር እትበጽሖ መደምደምታ መልሲ ከኣ “እቲ ዝበሃል ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ ከምኡ ንምዃን ዘይክነስ፡ መሲልካ ንምቕራብ ዝግበር ሸንኮለል ስለ ዝኾነ እዩ” ኢልካ ክትድምድም ትግደድ። “ስለምንታይ’ሞ ንኻለኦት ተዕሹ ዘለኻ እንዳመሰለካ ነብስኻ ምትላል?” ኢልካ ዳግማይ ክትሓትት ከኣ ትግደድ። ኣብዚ እቲ ኣምስሉነት ካብቲ ንካለኦት ወገናት ተዕሽወሉ ንገዛእ ርእስኻ እተዕሽወሉ እዩ ዝዓዝዝ ንዝብል ግቡእ ኣስተብህሎ ምሃብ የድሊ።
ኣብ ደንበ ተቓውሞና ነጊሶም ካብ ዝረኣዩ ዘይናይስኒት ባህርያት፡ እቲ ቀንዲ ናይ ሓሳባት ዘይኮነስ ናይ ሰባት ምትህልላኽ እዩ። ኣብ ምትህልላኽ ዘይቅኑዕ ማዕረ ቅኑዕ እዩ ዝስለፍ። ምናልባት እውን ሆሆን ዳንኬራን ወሲኽካ ግዝያዊ ደኣ እዩ እምበር ኣምስሉነት ኣብ ልዕሊ ክውንነት ልዕልና ዝሓዘ ዝመስለሉ ኩነታት ይፍጠር እዩ። ከምቲ “ካብ በዓል ጣፍስ በዓል ኣፍ” ዝበሃል ማለት እዩ። ኣብዚ ምሳልያዊ ኣበሃህላዚ “በዓል ኣፍ” ንመሲልካ ምቕራብ፡ “በዓል ጣፍ” ከኣ ኮይንካ ንምቕራብ እዮም ዝውክሉ። ከምዚ ዓይነት ህልኽ ብዝፈጥሮ ስምዒት ምፍንጫልን ምሕካልን ይፍጠር። እቶም ዝሓከሉ ካብቲ ኣብ ንቡር ኩነታት እንከለዉ ዘስምዕዎ ዝነበሩ ጭረሖ ሓድሽ ቃና ሒዞም ኣይቀርቡን። ዋላ’ኳ ዝተፈልዩ ንከመስሉ ዝቀባብእዎ ሕብሪ እንተሃለወ፡ ነቲ ሕብሪ እንተ ሓኺካዮ ግና ነቲ ገዲፈምዎ ዝኸዱ ንቡር እዩ ዘርእየካ። ኣብ ከምዚ ኩነታት መሲሎም ክቐርቡ ዝገብርዎ ፈተነ፡ ኮይንካ ብምቕራብ ስለ ዘይስነ ሓድሽ ትሕዝቶ የብሉን።
ኣብ ደንበ ተቓውሞና ከምቲ እንመስሎን እንሃርፎን ኮይና እንተንቐርብ፡ ጉዳይና ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣይምፈዘዘን። ብዘይ ምኽኑይ ናይ ኣተሓሳስባ ኣፈላላይ ከም ቃንጥሻ ኣይምተራባሕናን። ክንድቲ ንራበሖ ንኤርትራን ህዝባን ዝጠቅም ናይ ኣተሓሳስባ ኣማራጽታት ሒዝናሉ እንተንቐረብ ግና እቲ ምብዛሕና ሃብትናን መልክዕናን መኾነ። ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ኣብ ዘየብሉ ብናይ ውሱናት ባእታታት ኩራን ድፍኢትን ዝፍጠር ናይ ውድባት ምርባሕ ግና ኪኖ ምብታንን ምድኻምን ዓቕምን ኣተሓሳስባን ደንበ ተቓውሞ ካልእ እቶት የብሉን። ንካብ መትከላዊ ኣሰራርሓ ህድማኻ ቅኑዕ ከተምስል ዝግበር መሲልካ ናይ ምቕራብ ፈተነ ከኣ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ተሓቢኡ ዝነብር ኣይኮነን “ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” ምባሉ’ውን ዘይተርፍ እዩ። ስለዚ ከምቲ “ጸገም፡ ናብ ውሽጥኻ ንኽትርኢ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ” ዝበሃል፡ ዘይኮኑ ክንሶም መሲሎም ክቐርቡ ዝመጣጠሩ ወገናት፡ ኮይንካ ንምቕራብ ንክበቕዑ ናብ ውሽጦም ክቋመቱ በዚ ኣጋጣሚ የዘኻኽሮም።
ሃገራውን ሰውራውን ተዘኩሮታተይ ምስ ጅግና ስውእ ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር
Monday, 05 March 2018 11:12 Written by ብገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ
ሓርበኛ ኣይነብርን እዩ ታርኹ እዩ ዝነብር
ኩቡር ሓርበኛ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ነታ ኣብ ሰምየን ከተማ ኣስምራ ዝተደኮነት ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ ኣኽርያ ዝምልከት ኮይኑ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተላዕለ ዘይፍትሓዊ ጠለብ ብኹሉ መዐቀኒታት ቁቡል ስለ ዘይነበረ፡ ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ዘማእክላ ንቤት ትምህርቲ ድያእ እተካይድ ኮሚተ፡ እቲ ጠለብ ብስርዓት ህግደፍ ምስ ቀረበ፡ ንመሰል እታ ቤት ትምህርትን መሰል ተመሃሮን ብኡ ኣቢሉ ንህዝቢ ዝትንክፍ ስለ ዝነበረ ከም ዘይትቕበሎ ብትብዓት ኣብ መርገጻ ጸኒዓ ምስ ነጸገቶ፡ ንሰበስልጣን ስርዓት ህግደፍ ስለ ዘይተዋሕጠሎም ከም እመሎም ከምቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝውንኑወን ኣብያትምህርታት ይኹና፡ ንሃይማኖት ጠቐስ ዝነበረ ንጥፌታት ደው ከብሉዎን ክዓጽዉዎን ንገለ መራሕተን ክኣስሩን ዝጽንሑ፡ ቤት ትምህርቲ ኣድያእ ውን ተረኣ በጺሑዋ ከይተማትኡ ንሓጅ ሙሳን ምስ ኩሉም ኣባላት ኮሜተ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣትዉ ምግባሮም ካብ'ቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ንኽትገልጾ ዘጸግም ማእላያ ዘይብሎም ግብፍዕታ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።
ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ንእስታት ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 94 ዓመት ዕድሜኡ ካብዛ ግዝያዊት ዓለምና እቲ ዘይተርፍ መጓዕዝቲ ወዲ ሰብ ዝኾነ ብሞት ተፈልዩና እንሆ ብዕለት 3- 3- 2018 ብኣሻሓት ዝግምት ህዝቢ ዝተሳተፉዎ ናይ ስነስርዓት ቀብሪ እታ ናይ መወዳእታ ሓመድ ኣዳም ኣብ መቓብር ሼኽ ኣልኣሚን ከም ዝለበሰ ክረጋገጽ ከሎ ህዝቢ ኣሰርካ ክንክተል ኢና ታሪኽካ ነባሪ እዩ ቅሰን ቅሰስን እንዳበሉ ከፋንውዎ ክሎዉ ሓዘን ዘይኮነስ ኩርዓትን ሓበንን እንዳተሰመዖም ብኡ ኣቢሎም ውን ቀጻልነንት ቃልሶም ከረጋግጽዎ ከሎዉ ንኹሉ ኤርትራ ወኪሎም ዘርኣይዎ ሃገራዊ ንሕን ትብዓትን፡ ንዓና ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ እንርከብ ዓቢ ኩርዓትን ሓበንን ጥራሕ ዘይኮነስ ቃልስና ከነሕይል ሓድነትና ከነደልድል ብኡ ኣቢልና ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ምእላዩ ክንቃላጠፍ ናይ ምብርባርን ሞራልን ከምዝሃበና ኣየጠራጥርን።
መን እዩ ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር? ኣብ ዝተናውሐ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተረኡ እንታይ ነይሩ ብኸመይ ነለልዮን ንገልጾን ዝብሉ ሕቶታት ክምልሽ እንተ ኾይነ፡ ሓጅ መሳ መሓመድኑር ካብ ንኡስ ዕድሜኡ ኣትሒዙ ኣብቲ ሃገራውን ሰውራውን ቃልሲ ህዝቢ ኢርትራ ብትብዓት ዝተሳተፈ ምኩሕ ኢርትራዊ ዜጋ ኮይኑ፡ ካብ ኣርባዓታት ጀሚሩ ኣብቲ ኤትራ ትሃሉ ዶ ኣይትሃሉ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ነዊሕ ናይ ዝተፋላለዩ ባዕዳዊያን ገዛእቲ ስርዓታት ተላቒቓ ህዝቢ ባዕሉ ዝውንና ሃገር ሃልያ ከቢሩ ምሉእ መሰሉ ተሓልዩሉ ክነብር፡ ኣብ ኩሎም ንሃገር ዝምልከቱ ናይ ምውሳን መሰል ሃልዩዎ ብኡ ኣቢሉ ኣብቶም ቀንዲ ናይ ሃገር ምዕባሌ ዝኾኑ ቀንድን መሰረታዊያን ረቛሒታት ኣብ ዕብየት ፖሎቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ሓላፍነት ወሲዱ ጉዕዞ ምዕባሌኡ ክቕጽል ዝብሉ ሃገራዊ ጠለብ፡ ነዞም ዝተጠቕሱ ኣብ ምትግባሮም ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ሓደ ካብቶም ቀንዲ ደረኽቲ ሓይልታት ከም ዝነበረ መዛግብቲ ሃገርና ኤርትራ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ ክበሃል ይከኣል።
ካብዚ ሓቅታት'ዚ ብምብጋስ እምበኣር ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ሓደ ካብቶም መስረቲ ውድብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትርታ (ብማሕበር ሸውዓተ) ዝፍለጥ ዝነበረ ኮይኑ ንህዝቢብሓፈሽኡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ንመንእሰይ ዘተኮረ ኮይኑ ኣብ ምልዕዓልን ምውዳብን ኣብ ኩሎም ዝካየዱ ንጥፌታት ቀንዲ ተዋሳኣይ ከም ዝነበረ ውን ይፍለጥ።
ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣበጊሱዎ ዝነበረ ኣብ ሓቀኛ ድልየቱ ዝተሞርኮሰ ሕጋውን ሰላማውን ሃገራዊ ቃልሱ፡ በቶም ኣብቲ ግዜ'ቲ ብደረጃ ዓለምና ላዕለዋይ ኢድ ዝነበሮም ገዛእቲ ሓይልታት ተቐባልነት ስለ ዘይረኸበ፡ ስርዓት ንጉሰነገስት ሃይለስላሴ ንኤርትራ ምጉዕጻጽ ብዙሓት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ሽርሕታን ንዓበይቲ ፖሎቲካዊያን ኤርትራዊያን ምቕንጻልን ዝገብሮ ዝነበረ እከይ ተግባራቱ ዝሰሓት ኣይኮነን፡ ይኹን'በር ህዝቢ ኤርትራ ብተባዕ ቃልሱን መስዋእቱን ኣብ ድልየቱ ክበጽሕ ኣሎዎ ዝብሉ ቆራጽ ፖሎቲካዊ ውሳኔኡ ምስ ወሰደ ነዚ ታሪኻዊ ውሳኔኡ ንምትግባር እምበኣር ኣብ ስሳታት ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተመስሪቱ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ 1961 ብጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ጋሽ ባርካ ንህዝቢ ኤርትራ ዘበሰረት ናይ መፈለምታ ጥይት ዝተቶከሰት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ምስ ሃገራዊ ዕጥቁ ምስ ተበገሰ፡ እዚ ሓድሽ ተረኽቦ'ዚ ንስርዓት ሃይለ ስላሴ ኣሰንቢዱዎ ስለ ዘይተቐበሎን ዘይተዋሕጠሉን ስራዊቱ ኣዕጢቑ ብድርኡ ንኽድምስስ ወላ እንተ ፈተነ ጅግና ስራዊት ሓርነት ኤርትራ ብመሪሕነት ሓምድ ዓዋተ እቲ ኲናት ክጅመር ክሎ ኣብ ርእሲ ጸላኢ ውን ብዙሕ ዓወታት ዝለ ዝተመዝገቡ፡ ንህዝቢ ኤርትርታ ዓቢ ብስራት ኮይኑ መቓልሑ ናብ መላእ ኤርትራ ስለ ዝተዘርገሐ ህዝቢ በብኩርናዓቱ ከውደብን ደገፉ ክገልጽን ከም ዝጅመረ ውን ይፍለጥ።
ካብዚ ርኡይ ሓቅታት'ዚ ብምብጋስ እምበኣር ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ካብቶም ቀዳሞት ናይ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስሩዕ ኮይኑ ካብቶም ውሑዳት ሓለፍቲ ስለ ዝነበረ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ዳርጋ ኣብትሕቲ ምቅጽጻሩ ስለ ዝነበረት ኩሉ እቲ ሰውራዊ ምንቅስቓስን ንጥፌታትን ሓጅ ሙሳ መሕመድኑር ላዕለዋይ ሓላፊ ከምዝነበረ ውን ይፍለጥ፡
እምበኣር ካብዚ ዝተገልጸ ሓቅታት'ዚ ብምብጋስ ኣነ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ ኣብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ስሩዕን ንጡፍን ስለ ዝነበርኩ፡ ዓወታት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን መቓልሑን ናብ መላእ ኤርትራ ክዝርጋሕ ምስ ጅመረ ጽልውኡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ምስ ተዘርገሐ ካብዚ ሓድሽ ስውራዊ ምዕባሌ ብምጋስ እምበኣር ከይወዓልካ ከይሓደርካ ክድ ተሰለፍ ኣርክቦ ነቲ ጅግና ዝብሉ ኣብ ኣእምሮም ሰፊሮም ብኽሎም ህዋሳተይ ክደፋፍኡኒ ስለ ዝጀመሩ ናብ እቲ ዝሰርዓኒ ያሲን ክለፋ ኣደም ከይደ ኣካፈልኩዎ እሞ ብሓደ ተታሓሒዝና ናብ ሙሳ መሓመድኑር ኬድና ኣቐዲመ ይፈልጦ ስለ ዝነበረኩ ዝኾነ ጸገም ኣይነበረን፡ እቲ ሰውራዊ ሓሳበይ ምስ እካፈልኩዎ እሞ ክትቅጽሎ ትኽእል ዲኻ ምስ'ቲ ወድ ከተማ ምዃነይ ኣጻምእ ባርካን ናይ ውግእ ሽግራቱን ክምቲ ብማዕዶ ትመዝኖ ቀሊል ከምዘይኮነ ክትጸሮ ትኽእል ዲኻ ዝብሉ ርእይትኡ ኣቕረበለይ ፡ ብወገነይ ንኹሉ ተዳልየሉ ስለ ዘሎኹ ምእንቲ ሃገር ስለ ዝኾነ ውን ክጸሮ እየ ብዓቢ ፍናን ክቃለስ እየ ኣጆኻ ከም ኣያይ ኣየሕፈረካን እየ ዝብሉ መልሰይ ምስ ሃብኩዎ፡ ተቐቢለካ ኣሎኹ ተዳሎ ባዕለይ ከበግሰካ እየ ዝብሉ ዝሃበኒ መልሱ ክሳብ ሕጂ ካብ ኣእምሮይ ኣይኩወሉንን ኣብ ትጽቢት ካኣ ኣቶኹ ኣብ ተጠንቀቕ ስለ ዝኣቶኹ ለይትን መዓልትን ክሓስብ ኣብ ሃወኽ ኣቶኹ፡ እንታይ ከም ዘሎ ክፈልጥ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ይምለሶ እሞ በቲ ሕያዋይ ኣቀራርብኡ በቲ ለባም ኣዘራርብኡ ህድእ ኢሉ እዞም ንኣገዳሲ ስርሒት ክፍጽሙ ካብ ሜዳ ዝመጹ ደባይ ተዋጋእቲ ስውእ ስዒድ ሑሴንን ብጾቱን ኣብ ቀይዲ ዘሎዉ ኣብዘን ቁሩብ መዓልታት ነጻ ክወጹ ዝብል ተስፋ ስለ ዘሎና ምሰኦም ክሰደካ እየ ዝብል መልሱ ምስ ሃበኒ ኣብ ቆጾሮ ናይ ቤት ፍርዲ መዓልቱ ፈሊጠ ፍርዶም ክሰምዕ ኣንጊህ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከድኩ፡ ውጽኢቱ ግን ከምቲ ዝተጸበናዮ ወይ ከምቲ እቲ ጠበቐኦም ተስፋ ገይሩሉ ዝነበረ ኣይኮንን፡ ፍርዶም ንዓሰርተ ዓመት ምስ ኮነ ኩሉና መብዛሕትና ስሩዓት ንኽንሰምዕ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ስለ ዝነበርና ተጣማሚትና ምልክት ናይ ሕርቃን ኣብነፍሰ ወክፍና ይረአ ምንባሩ ናይ ኩሉና ሓባራዊ ስምዒት እዩ ነይሩ ክበሃል ይካኣል።
ንጽቢሑቱ ምስ ሙሳ ምስ ተራኸብና ነቲ ኩነታት ብሓባር ርኢናዮ እሞ ጽባሕ ተዳሊኻ ኣብ ድንካን ናይ ኣሕመድ ሓሊ ኣብ ኩርናዕ ህንጻ ናይ እንዳ ፈረጅ ለማ ትርከብ ብዙሕ ግዜ ይመላለሶ ስለ ዝነበርኩ ኣየሕደሸንን፡ ንጽቢሕቱ ዓይነይ ሰለም ከየብልኩ ሓዲረ ደበኽ በልኩ፡ ሓጅ ሙሳ ክጽበየኒ ጸኒሑ ብሓደ ናብ ቤት ሸቐት ጅግና ስውእ መሓመድ ብርሃን ነጋሽ ንኹይድ እሞ ንሱ ንዓይ ዝወስደኒ ነባራይ ከተማ እቑርደት ኣዳልዮም ጽኒሖም ከበጉሱኒ ከሎዉ ሓጅ መሳ ምሓመድ ኑርን መሓመድ ብርሃን ነጋሽን ክልቲኦም በል ብርሃን ኣጆኻ ኣይትሕመቕ ብዙሕ ጸገማት ክህሉዉ ይኽእሉ እዮም ነዚ ፈሊጥካ ትብገስ ስለ ዘሎኻ ንኹሉ ከም ትጸሮ ንተኣማመን ኢና ኣጆኻ ንስኹም ብሜዳ ንሓና ብውሽጢ ብናይ ሓባር ቃልስና ንኤርትራና ነጻ ከነውጽኣ ኢና ደጋጊሞም ኣጆኻ ክብሉኒ ኣብ ሃገራውን ሰውራውን ዝተሞርኮሰ ሞራል ክህቡኒ ክሳብ ናብ ኣውቶቡስ ገጽና ኣርሒቕና ንኸይድ ናይተን ለዋሃት ኣዒንቶም ጠመተኦም ከየቋረጹለይ ዝህቡኒ ዝነበሩ ሓልዮትን ተገዳስነትን ክሳብ ሕጂ ካብ ኣእምሮይ ኣይኵአሉንን፡ እቲ ዝመርሓና ዝነበረ ካብቶም ቀንዲ ስሩዓት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ናብ ኩለን ክተማታት ማለት ካብ ተሰነይ ሃይኮታ ባረንቱ ኣቐርዳት ከረን ኣስመረ ብሰውራዊ ዕማም ተንቀሳቓሳይ ስለ ዝነበረ ዝኾነ ጸገም ከይተጓነፈና ናብ እቑርዳት ክንኣቱ ከሎና ናብ መንበሪ ስውእ ሳልሕ መሓመድ ስዒድ ኣብጽሓኒ፡ ንሱ ውን ተሓቢሩ ስለ ዝጸንሐ ዝኾነ ጸገም ኣይተጓነፈናን።
ኣብቲ ዝዓረፍኩሉ ናይ ስውእ ሳልሕ መሓመድ ስዒድ ገዛ ዳርጋ ንዓሰርተ ማዓልታት ምስኡ ክጸንሕ ከሎኹ እቲ ቃልሲ ሓቀኛ ድልየተይን ብስምዒተይን ካብሽዑ ዝጀመርኩዎ ኮይኑ ስለ ዝተሰማዓኒ ኣብ ክሊ ናይ ሰውራዊ መንፈስ ኣትየ ሞራለይ ናይ ብሓቂ መግለጺ ኣይረኽበሉን እንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን፡ ናብ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣሃዱታት ዝርከበኦ ዝነበራ ብልክዕ ኣበይ ክም ዘለዋ ምስ ተሓበረ፡ ኣብ ተጠንቀቕ ውን ስለ ዝጸናኩ በቲ ሩባ ባርካ ኣቢልና ናብ ሰሜየን ከተማ ኣቑርዳት ኣምራሕና እሞ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓት ዝኾውን ጉዕዞና ኣብ ብጅግና ስውእ ኣደም ግንድፍል ትምራሕ ዝነበረት ኣሃዱ ክጽንበር ከሎኹ ግዝያቱ ኣብ ወርሒ ጉንበት ናይ 1964 አቲ ናይ ጋሽ ባርካ ናይ መታሕት መሪር ጸሓይ ካብ ሽዑ ኣትሒዘ ኣስተማቒረዮን ከም ልምምድ ኮይኑ ኸኣ ንኽጸሮ ብዙሕ ሓጊዙኒ ክብል ይኽይእል።
እምበኣር እቲ ናይ ፈለማ ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሰይ ክጅምሮ ከሎኹ ናብ ሰራዊት ሓርነር ኤርትራ ተጸምቢረ ከም ጉቡእ በቶም ምኩራት ተጋደልቲ ሓጺር ወተሃደራዊ ታዕሊም ወሰደ ብረተይ ዓጢቐ እቲ ቃልሲ ክጅምሮ ከሎኹ ኣብ ኩሉ ጉዕዞታተይ ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ስለ ዘይተኸወለኒ እቲ መንፈሳዊ ምትእስሳር ኣይቋረጸን ክብል ይኽእል።
ኣብቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትርታ ድሒሩ ዝመጸ ምዕባሌታት ኣነ ካልእ መደብ ተዋሂቡኒ ንስርርዕን ምውዳብን ነስመራ ክንኣቱ ከሎና እቲ ቀዳማይ ንረኽቦን ዝሕግዘናን ሙሳ መሓመድኑር ስለ ስነበረ ምስቲ ዝጸንሓኒ እቲ ኣብ ሓባራዊ ቃልሲ ዝተሞርኮሰ ርኽክብና ኣዝዩ ከም ዝሕይል ምግባሩ ንዓይ ዓቢ ትምህርትን ተሞኩሮን እዩ ነይሩ ክብል ይኽእል።
ቃልሲ ቀጺሉ ጉዳይ ኤርትራና ብዓወት ምስ ተደምደመ ኣብ 1991 ንእስመራ ድሕሪ 27 ዓመት ምስ ተመለስኩዋ ካብቶም ቀዳሞት ዝረኸብኩዎም እቲ ዝተተምንናዮን ዝተቓለስናሉን ተዓዊቱ ዝብል እምነት ስለ ዝነበረና እቲ ናይ ናጽነት ሃዋሁ ብሓደ ኮይና ከነስተማቕሮ ባህርያዊ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።
እምበኣር ተዘኩሮታተይ ምስ ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ክብል ከሎኹ ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ዝወሰደ ሓባራዊ ቃልስና ንዘልዓለም ንውሉድ ወለዶ ቀጻሊ ስለ ዝኾነ ንዓና ክብረትን ሓበንን ከምዝኾነ ውን ኣይሰሓትን ።
ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ንስኻ ጅግና ንስኻ ያታ፡
ንስኻ ታሪኽ ንስኻ ሰነድ ንስኻ ኣብነት ናይ ሃገር ዋልታ፡
ቃልሲ ኣበጊስካዮ ብሓቦ ብኒሕ ካብ መፈለምታ፡
ተወዳዳሪ የብልካን ክዝረበሉ እዩ ናትካ ሓቀኛ ዛንታ፡
ብቃልስኻን ጻዕርኻን ክትህሉ እያ ኤርትራ ዘይብላ መሰታ፡
በዘን ውሑዳት ቃላተይ ክድምድም ክለኹ ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ከምቶም ኩሎም ጀጋኑ ስውኣትና ኣብ ነፍሰወክፍ ኤርትራዊ ልብና ሰፊሮም ንውሉድ ወሎዶና ካብቶም ንዝክሮም ስለ ዝኾነ ወላ ብኣካል እንተ ተፈልየና ብስምዒት ብመንፈስ ኣይክፍለየናን እዩ እንዳበልኩ እዛ ሓጻር ተዘኩሮታተይ ይድምድም።
ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ሙሉኣት ስድራቤቱ ጽንዓትን ሰብርን ንመዋቲ ኸኣ
ኣላህ ኣብቲ ሰፊሕ ዳሩ ምስቶም ዝሓለፉ ጻድቃናት ይጸንብሮ ራሕሲ ይግደፍ
እንዳበልኩ ንነፍሰይ ውን የጸናንዓ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ።
ውድባት: ማሕበራትን ሰልፍታትን ኩሉ ግዜ ምእንቲ ህዝብን ንረብሓ ህዝብን እየን ዝውደባን ዝቃለሳን። ልክዕ እዩ መላእ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር፡ ኣብ ማሕበራትን ከዐውትዎ ዝደልዩ መትከላትን ክስለፍ እንከሎ ዕላማኡ ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ዝውዕል ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን እንተዘይኮይኑ ህዝቢ ክስዕቦ ይኹን ክድግፎ ኣይክእልን እዩ።
እወ! ዝኾነ ይኹን ዝተጠርነፈ ወይ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ይኹን ዘይፖለቲካዊ ጉጅለ ብዘይ ሓገዝ ህዝቢ ንቕድሚት ከም ዘይስጉም ርዱእ እዩ። ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ሃገር ኩሎም ብማዕረ ክሳተፉ ወይ እውን ነቐፈታኦም ይኹን ደገፎም ከርእዩ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ምእንቲ ህዝቢ ኢሉ ዝንቀሳቕስ ብእኩብ ይኹን ብተናጸል፥ ህዝቢ ክከታተሎን ክቆጻጸሮን ስለ ዘለዎ። ህዝቢ ተኸታቲሉ ከኣ እቲ ዝትለምን ኣብ ተግባር ዝረአን ኣወዳዲሩ እንተስ ክነጽጎ እንተስ ክስዕቦ ምርጭኡን ሓላፍነቱን ስለዝኾነ። ሓደ ሰልፊ ወይ ፖለቲካዊ ውድብ፡ “ምእንቲ ህዝቢ ኢየ ዝቃለስ” ኢሉ ክንቀሳቐስ እንከሎ፥ ህዝቢ እውን “ናይ ብሓቂ ናተይ ዲዩ ኣይኮነን” ኢሉ ክመራመር ናይ ግድን እዩ። ሓደ ስርዓት ንህዝቢ ዘየርብሕ እንተኾይኑ ህዝቢ “ኣይፋልካን መንግስተይ እንተዀንካ ኣገልጋልየይ እምበር ጨፍላቕየይን ጨቛንየይን ክትከውን የብልካን” ኢሉ ኣይናተይን ክብሎ ይግባእ። ንኣብነት ስርዓት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ሕጊ ኣልቦ ብምዃኑ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ዝዓጦ ኣይኮነን። ስልዝኾነ ከኣ ህዝቢ ፋሕ ክብልን ከይረዳዳእን እዩ ዝጽዕር።
ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ከኣ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ እንተርኢናዮ፥ ኣብ ክንዲ ሓቢሩ ዝሰርሕን፥ ፍልልያቱ ዓቂቡን ሰላማዊ ዘተ ዘካይዱን ዝሰርሕ፡ ወገሐ-ጸበሐ ክፈናጨልን፥ ፍልልያቱ ኣብ ህዝቢ ክዝርግሕን ሓድነት የዳኽም። ወላ’ውን እቲ ዝኸዶ መንገዲ ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ከምዘይውዕል ብሩህእንተኾነ ከእርም ኣይረአን። ስርዓት ኢሳይያስ ከኣ ናቱ ክፋእ ኣቐሚጡ፡ ንተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ “መሳርሕን ልኡኻትን ወያነ እዮም፥ ሽዩጣት እዮም፥ ከደምቲ ኮይኖም … ውዘተ” ብዝብላ ጽዩቓት መውጽኢ ኣፉ ቃላትዩ ዝደጋግም። ኣብ ደምበ ተቓውሞና ከኣ ነቲ መሰረታዊ ምኽንያት ብምስሓት፡ “ስርዓት ኤርትራ ናይ ሓደ ኣውራጃ ወይ ወኪል ናይ ሓደ ሓደ ቋንቋ ተዛረብቲ እዩ፥ እገለ ኣውራጃ ኣንጻር ለውጢ እዩ፥ እገለ ዝበሃል ሰልፊ ህዝቢ ኣይውክልን እዩ፥ እገለ ኣንጻር ኢሰይያስ ኣይኮነን ዝቃለስ ዘሎ … ወዘተ ዝብል ህዝቢ ሓቢሩ ኣንጻር ወጽዓ ከይቃለስ ዝዕንቅፍ ወስታታት ሓሓሊፉ ይስማዕ እዩ። እዚ ከኣ ንጉጅለ ኢሳይይያስ እምበር ንናይ ለውጢ ቃልሲ ዝሕግዝ ኣይኮነን።
ክልቲኡ ፖለቲካዊ ሸነኻት፥ እምበኣር ንሓድነት ህዝብን ዓወቱን ይቃለስ ኣለኹ ካብ ዝብል ወገን ክወጽእ ዝግበኦ ኣይኮነን። ስርዓት ኢሳይያስስ ሕራይ ኣቡኡ ዘፍለጠ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይኣፈላላይ ክደቁስ፡ ክጭፍልቕ፡ ክኣስርን ክፈላልን ባህርያቱ እዩ። እቲ ንለውጢ ዝቃለስ ደምበ ተቓውሞኸ ስለምንታይ እዩ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝተናኾልን። ንካለኦት ኣግሊልካ “ኣነ ጥራሕ እየ ቅኑዕ እሞ ነዓይ ጥራይ ስምዑ” ምባልሲ ብሓቂ ቃልሲ ኣሰሲኑ ንሃገርን ህዝብን ዘርብሕ ዲዩ? እቲ ነዚ ዘቅርዑይ መንገዲ ዝመርጽ ንካለኦት እናተጸላለመ ስልጣን በቋራጽ ክጭብጥ’ሞ፡ ጽባሕ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ድከቱ ከስትዮ ዲዩ ሕልሙ? እቲ ስልጣን ዋንኡ ህዝቢ ምዃኑኸ ደኣ በየን ኣቢሉ እዩ ከረጋገጽ? ስለዚ እንተደኣ ስልጣን ዋንኡ ህዝቢ ኮይኑ’ሞ ነዚ ኩሉ ተቓዋማይ ዝኣምነሉ እንተ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ዘተ ምክያድን እንካን ሃባን ምብህሃል ተጸሊኡ ኣኣጉዶኻ ምሓዝዶ መድለየ? ህዝቢኸ ኣብ ከምዚ ኩነታት ነቶም ካብ መስመር ዝወጹ እንታይ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም ኢሉዶ ክውጥር ሓላፍነቱ ኣይኮነን እዩ? ስለምንታይ ደኣ ህዝቢ ክግስጥ፥ ኣይፋልን ክብል፡ ክተባብዕ፥ ካብ ብሕጂ መሰሉን ግቡኣቱን ምዃኑ ዘረጋግጸሉ መንገዲ ዘይምድመደሉ። እነሆ እምበኣር ገሌና እቲ ቅኑዕ መንገዲ ክንሕዝ ዘይምኽኣልና፥ ንግጉይ ከም ቅኑዕ ጌርና ወግሐ ጸብሐ ክንነዝሕ እንከሎና ብሓቂዶ ንረብሓ ህዝቢዶ ንቃለስ ኣለና? ኢልና ነንነብስና ክንሓትት ይግበኣና። ንህዝቢ ዘርሕቕ ሕድሕዳዊ ጸለምታትን ብምክያድከ ህዝቢ ነተን ሰልፍታት ኣለልዩ “እዚ ቅኑዕ እዚ ከኣ ግጉይ” ዝብል ብይን ከይብዶ ኣይዓግቶን?

ተጋዳላይ ብርሃነ ተስፋማርያም (ወዲ ጎሹ) ብ6 ለካቲት 2018 ብሕማም ካብ’ዛ ዓለም ምፍላዩ ሰሚዕና፡ ብዙሕ ድማ ጉሂና። ስውእ ብርሃነ ጎሹ፡ ሓደ ካብ’ቶም ቀዳሞት ተቓዳደምቲ ብሽክለታ ናይ ኤርትራ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ክፍላ ናይ 1970ታት ድማ ምስ’ቶም ናብ ተሓኤ እተጸንበሩ ብዙሓት ስፖርተኛታት ንሜዳ ኤርትራ ወጺኡ። ብድሕሪኡ ኣባል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ኣባል ግንባር ሃገራዊ ድሕነትን ኮይኑ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንብዙሕ ዓመታት ተቃሊሱ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስዉእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንቤተ-ሰቡን መቃልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም እናበለ ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኑ ይገልጽ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
4 መጋቢት 2018
ነጻ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን 2010፣ ጨንፈር ጀርመን ጉባኤ ኣካይዱ
Monday, 26 February 2018 14:48 Written by ሽማግለ ማሕበር ጨንፈር ጀርመንነጻ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን 2010፣ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብዕለት 24 ለካቲት 2018 ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣሰላሲሉ። ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ብሕግታት ማሕበራት ዝርከቦ ሃገር ዝቆመ፡ መኽሰብ ኣልቦ ትካል ስለዝኮነ፡ ብቕዋማት ነጻ ማሕበራት ዝቕየድን ዝምእከልን ማሕበር እዩ።
ጉባኤ ብኣቦ-መንበር ማሕበር ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ሰናይ ድምየትን ትምኒትን ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2017 ዝተሰላሰለ ዕማማት ማሕበርን ውጻኢቱን፡ ክፍጸሙ ዘይካኣሉ ምንቅስቓሳትን ምኽንያታቶምን፡ ህልዊ መደበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ኣብ ከሰላ ሱዳን ሰፊሕን ኣገዳስን ጸብጻብ ንተሳተፍቲ ኣቕሪቡ። ካብ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣብ መደበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ካብዝነብሩ ውጉኣት ሓርነትን ብባህርያዊ ጸገማት ዝሰንከሉ ኤርትራውያንን ብሕማምን ዕብየን ዝተሰዋኡ፡ ዕቁባ ረኺቦም ናብ ካልኦት ሃገራት ዝኽዱን፡ ሽግር ኤርትራውያ ብዘይምውድኡ ዝተወሰኹ ሓደስቲ ኣካለ ጽጉማን ደሚርካ ህሉዋት ተኣለይቲ ኣሕዋት ዝርዝር ዝሓዘ ነይሩ።
ስዒቡ፡ ኣብ 2017 ዝኣተወን፡ ብሕጊ ማሕበር ዝወጸን ገንዘባዊ ጸብጻብ ማሕበር ብሓው መዓሾ ኣስራት ቀሪቡ። ኣብቲ ጸብጻብ ዓመታዊ ውጻኢት ኣባላት፡ ወፈያ ኣባላትን ተሓባበርቲ ጀርመናውያንን ኤርራውያንን ብዝዓለ ድማ፡ እቲ ኣብ ዓመት በተን ሕድረን ዘይዘንጋዓ ደቂ-ኣንስትዮ ዘካይድኦ ናይ ድራር ምስዮትን ነቲ መደብ ዘዐውቱ ግዱሳት ኤርትራውያን ዝገበርዎ ኣስተዋጽኦን ብዝርዝር ንተሳተፍቲ ድሕሪ ምሕባር፡ ናይ 2018 ባጀታዊ ስልዕቲ መደበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ከሰላ ተላኢኹ ምብጽሑን ገሊጹ። ገንዘባዊ ጽብጻብ ማሕበር ብክልተ ተቖጻጸርቲ ሓው ግርማይ እልፉን ተኽለሃይማኖት ብርሃነን ብዘቕረብዎ ምስክርነት ጸብጻብ/ደብተር ተሓዝ ገንዘብን ናይ ባንክ ወረቓቅትን ማዕረ ምዃኑ ተረጋጊጹ።
ድሕር ዝቐረበ ጸብጻባት ምጽዳቕ፡ ኣብ መጻኢ ነቲ ማሕበር ኣብ ምንቅስቓሳቱን ምስ ጀርመናውያን ዝህልዎ ዝምዳታት ኣብ ምሕያልን ዝያዳ ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም ዝተባህሉ ገለ ነጥብታት ካብ ቅዋም ማሕበር ምምሕያሻት ዘድልዮም ነጥብታት ብምምልካት፡ ብምሉእ ድምጺ ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣጽዲቑ። ብዘይካዚ ኣብ ዓመት 2018 ማሕበር ኣብ ህዝቢ ከካይዶም ዝለዎ ምንቅስቓሳትን ክፍጸሙ ዘለዎም ርኽክባትን ኣመልኪቱ መደባት ሰሪዑ ምውጽኡ ተሓቢሩ።
ድሕርዚ ተሳተፍቲ ጉባኤ ማሕበር፡ ዕላማና ኣብ መደበር ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ዘለዉ ስንኩላን ንምእላይን ብሰሪ ሕጽረት መነባብሮ ኣብጸገም ከይወድቁ ምሕብሓብን እዩ። ስለዝኮነ ኣብ ሱዳን ዘሎ ክብሪ መነባብሮ ኣብ ግምት ብምእታውን፡ እቲ ካብ ማሕበርና ዝላኣኸሎም ዘሎ ገንዘብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ብማእከላይ ምምሕዳር ዝተወስነ ስለዝኮነ ምስቲ ዘሎ ሸርፊ ስለዘይሳንን፡ ካብ ሕጂ ንዳሓር ስልዕቶም ናብ 4000,00-ኤውሮ(ኣርባዕተ ሽሕ ኤውሮ) ወይ ከኣ $,4,900.00 (ኣርባዕተ ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ዶላር) ክድይብ ብድልየቶም ተሰማሚዖም/ወሲኖም። ምስ ላዕላአዋይ ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ብምዝርራብ ክስራዕ ድማ ኣዘካኺሮም።
ኣብ መጠረስታ፡ ነቶም ብደረጅ መራከቢ ብዙሃን (ፓልቶክስ) ብእምነትን ሓልዮትን፣ ንመደበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ከሰላ ንምሕጋዝ ጽዑቕ ምልዕዓላት ዝገበሩን ኣበርክቶኦም ዝለገሱን ኤርትራውያን ጉባኤ ኣመስጊኑን ንኢዱን፡ ኣብ መጻኢ እውን ንጽጉማት ወገናት ምሕጋዝ ልምድን ሓልዮትን ኤርትራውያን ምዃኑ ብምግንዛብ ከምዘይፍለዮም ብምእማን፡ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ምምሕዳር ሽማግለ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን 2010ን ክልተ ተቆጻጸርትን ብምምራጽ ጉባኤ ተድምዲሙ።
ሽማግለ ማሕበር ጨንፈር ጀርመን
ኣብ ከተማ ሉዛን ሃገረ ስዊዘርላንድ ነበርቲ ዝኾኑ ግዱሳት ኢርትራውያን ብምድግጋም ንጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ ብርኩት ሓገዝ ክገብሩ ምጽንሖም ኣብ መርበብ ሓቤሬታ ክዝርጋሕ ምስጽንሑ ዝዝከር ኢዩ።
ሎሚ’ውን ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ሕልንኦምን ልግሶምን $2.600.00 (ክልተሽሕን ሹዱሽተ ሚእቲን ዶላር ኣመሪካ) ኣዋጺኦምናብ መደበር ውጉኣት ሓርነት ኤርትራ ከሰላ ብቐጥታ ተስዲዱስ ድሮ ኣብ ኢዶም በጺሑ ምህላዉ ክንሕብር ደስ ይብላና። ከም ውጽኢቱ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድ ተጠቐምቲ ከምዝበጽሐ ዘረጋግጽ ናብ ገበርቲ ሰናይ መረጋገጺ ሰነድ ቅብሊት ክበጽሕን፡ ቅዳሕ ናብ ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ እውን በጺሑ ኣሎ።
እዚ ሰናይ ግብሪ እዚ ብዓብዩ ነቶም ዝርድኡ ውጹዓት ኣካላት ኣሕዋት፡ ካልእይ ድማ ነቶም ዘወፈዩ ርህሩሃት ኣሕዋትዓቢ ንያታዊ ታሪኽ ኮይኑ፡ነቶም ካልኦት ኤርትራውያንድማ ጽቡቕ ኣርኣያን ሓቦን ከምዝፈጥር ዘይዝንጋዕ ልግሲኢዩ።
ማሕበር ኣካለ ጽጉማን፡ነቲ ሰናይ ኣስተዋጽእኦም ብምምስጋን ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ቅዱስ ኣገልግሎት ጽቡቕ ምንዮቱ ይገልጽ።
ተስፋይ ተኽለዝጊ
ኣቦ መንበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ