መግለጺን ዝኽሪ ሐርበኛ መምህር ኢብራሂም መሓመድ ማ. ም. ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን
Friday, 30 March 2018 20:06 Written by ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡንመምህር ኢብራሂም መሓመድ ብዝሓደሮ ሕማም ንገለ እዋን ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብዕለት 26-03-2018 ኣብቲ ክእለየሉ ዝጸንሓ ሕክምና ዓሪፉ።
ዘይተጸበናዮ መስዋእቲ ናይ ክቡር መምህር ኢብራሂም መሓመድ አብ ዝሰማዕናሉ እዋን አዝዩ መሪር ሐዘን ተሰሚዑና።
መምህር ኢብራሂም ካብቲ ዝልለየሉ አገደሲ ባህርያቱ፣ ምስ ኩሉ ሰብ ምቕሉል ጠባይ ዝውን፡ ጻዕረኛ ብናይ ህዝቢ ኤርትራ ሐድነት አዝዩ ዝሐምምን ዝግደስን፣ ንኤርትራ ብመላአ ምስ ኩሉ ብዙሕነታን ሕብርታታ ዝጥምት፣ ሐደ መዓልቲ ኤርትራ ናይ ጸላም መድረኻታ ተቐንጢጡ፣ አብ ነብሲወከፍ ዜጋ አብ ኩሉ ኩርናዕ ኤርትራ ወጋሕታ ብርሃንን ናይ ሐጎስ መቓልሕ ተጋሂዱ ክርኢ ዝሐልም ተቓላሳይ ኢዩ ኔሩ።

ወዲ ሰብ ብስጋዊ ሂወት ካብዛ ዓለም’ዚአ ክፍለ ባህርያዊ’ኳ እንተኾነ፣ ጅግና መምህር ኢብራሂ መሓመድ ኰነ፣ ካልኦት ጀጋኑ ሐርበኛታትና ንህዝቦምን ንሃገሮምን ክብሉ ተቓሊሶም ፥ ንፍትሓዊት ኤርትራ ከይረኣይዋ ክሓልፉ ብሐቂ ዘስደምም ኢዩ።
ሎሚ ነቲ ናይ ቃልሲ ብጻይና ንክቡር ሐርበኛ ሐውናን ዝኾነ መምህር ኢብራሂም መሓመድ፣ ነቲ ንሱ ዝሐደጎ ሃጓፍ ናይ ቃልሲ ቦታ ቁሊሕ ብምባል፣ ንአበርክቶኡን ነቲ ልዙብ ጠባያቱ ተሰንዩ ነዊሕ ዝጠመተ ራእዩን ብምሕሳብ እንዳተደፋነቕና፣ ንዝውንኖ ዓቕምን፣ ልቦናን ከይጸገብናዮ ክሳብ ተራና ሒዝና እነርክቦ ድሐን ኩን ጅግና ኢልና ብኽብሪ ንሳናበቶ።
በዚ አጋጣሚ ንመላእ ቤተሰቡን ብጾቱን ረቢ (አምላኽ)ጽንዓት ክህቦም፣ ንዕኡ’ውን መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ብምባል፣ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን ምስ ኩሎም አባላቱ ናይ ሐዘኖም ተኻፈልቲ ምዃንና ንገልጽ።
ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን
ዞባ ሽማግለ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ
Wednesday, 28 March 2018 05:29 Written by ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ.መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ስ.ዲ.ህ.ኤ. ቀዳም 24 መጋቢት 2018 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ።
ኣጀንዳ ኣኼባ ጸብጻብ ናይ ኩለን ቤት-ጽሕፈታት ምርኣይን ምምዛንን እዩ ነይሩ።
ናይ ውድባዊ ጉዳያት ቤት-ጽሕፈት መሰረታት ሰልፊ ንምስፋሕ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ጻዕርታት ድሕሪ ምግላጽ ድሮ ሓያሎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከበኦም ሓደስት ኣባላት ከም ዝተጸንበሩና ኣብሪሁ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት ዝሒሎም ዝጸንሑ ኣባላት እንደገና መንፈሶም ኣሐዲሶም ክቃለሱ ከምዝወሰኑ ኣበሲሩ። ናይ ዞባ ሽማግለ ነቲ ድሮ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወታት ኣሞጒሱ ዝያዳ ጻዕርታት ክካየድ ተላቢዩ።
ናይ ገንዘባዊ ሽማግለ ሰልፊ ንዝመደቦ ፕሮጀክት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ንዘካየዶ ናይ ገንዘብ ምውጻእ ወፈራ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ሽማግለ እቲ መደብ ዕዉት ምንባሩ መዚኑ። ኣባላት ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ኣመጒሱ።
ናይ ዜናን ባህልን ቤት-ጽሕፈት ጸብጻብ ድሕሪ ምቕራብ ተተሊሙ ዘሎ ናይ ስራሕ መደባት ገሊጹ።
ኣኼባ ብርጉእ መንፈስን ሞራልን ዞባ መሪሕነት ሓፍ ዘበለ ኮይኑ ተደምዲሙ።
ክንዕወት ኢና!
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!
ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣት ኤርትራ!
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ.
24 መጋቢት 2018
ኣብ መንጎ ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ክህሉ ብዛዕባ ዝግበኦ ውህደት ብዙሕ’ዩ ዘሰሓሕብ። እቲ ምስሕሓብ ዝመጽእ፡ እቶም ናይ ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ተዋሳእቲ፡ ነናይ ግዜኦም ፍጻመ ተሐለቕቲ ስለ ዝኾኑ እዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና፡ ሎሚ ካብ ትማሊ ዝተፈልየ ህልውና የብሉን። ጽብሕ እውን ከምኡ ካብ ሎሚ ነጺልካ ዝረአ ኣይኮነን።
እቲ “ናተይ ይሓይሽ” ዝብል ኒሕ እምብዛ ኣይጽላእን። ሎሚ ዘሎ ትውልዲ በዓል ግዜ ስለ ዝኾነ “ናተይ ዝመስል የለን” ምባሉ ኣየባእስን። እቲ ጸገም ዝመጽእ እቲ ናይ ሎሚ ጽቡቑ ኣብቲ ናይ ትማሊ ፍጻመ ዝተመስረተ ምዃኑ ክከሓድ እንከሎ እዩ። ሎሚ ንትማሊ ኽሒዳ፡ ጽባሕ’ውን ንሎሚ ነጺጋ ክስጉማ እንተፈቲነን፡ ኩለን ሱር ዝሰደደ ዘተኣማምን መሰረት ዘየብለን “ወትሩ ጀመርቲ” እየን ዝኾና። ጀማሪ ምዃን ከኣ ሒዝዎ ዝምጽእ ሕጽረት ኣለዎ። ርግጽ እዩ ናይ ትማሊ ተግባራት ኣብ ሎሚ ኮይንካ ክትልከዖ እንከለኻ፡ ዘይበሃግን ብዙሕ ዘጣዕስ ሕቶታት ዘልዕልን ክኸውን ይኽእል። ኮታ ነቲ ናይ ትማሊ ፍጻመን ውጽኢቱን ኣብ ናይ ሎሚ ኩነታትን ምዕባለን ኮይንካ ክትመዝኖ እንከለኻ ከጋጊ ይኽእል እዩ።
ትማሊ ኩሉ ነገሩ ትማሊ እዩ። እቲ ናይ ትማሊ ፍጻመታትን ውጽኢቱን ከኣ በቲ ትማሊ ዝነበረ ኩነታት እዩ ክዕየር ዝግበኦ። ትማሊ ዝነበረ ኣተሓሳስባ፡ መሳለጥያታትን ምዕባለን ምስ ናይ ሎሚ ክውዳደር እንከሎ ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ። እቲ ፍልልይ ውልቀሰባት ወይ ጉጅለታት ዝፈጠርዎ ዘይኮነ፡ ምስ ዓለም ለኻውን ከባብያውን ዕቤት ዝምድና ዘለዎ እዩ። ነዚ ናብ ተመኩሮ ቃልስና ኣምጺእና ከነዛምዶ እንከለና፡ ኣብቲ እዋን ብረታዊ ቃልሲ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ቡስጣ ሒዝካ ምጉዓዝ ግድን ነይሩ። እቲ ቡስጣ ከኣ ብመኪና ዘይኮነ ብኣጋር ወይ ብእድገ-በቕሊ’ዩ ዝጐዕዝ። ሎሚ ግና ካብ ትማሊ ብዝማዕበለ ካብ ኢ-መይል ጀሚርካ ዝተፈላለዩ ናይ መራኸቢ ብልሓታት ዝዓበየሉ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ናይ ኣዋርሕ ተግባር ኣብ ደቓይቕ ኣብ ዝትግበረሉ ደረጃ ኢና ንርከብ ዘለና። በዚ ኮይኑ በቲ፡ እቲ ስልጣነን ምዕባለን ዝፈጥሮ ተጽዕኖ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ሎሚ ካብ ናይ ትማሊ ሓለገት ምሉእብምሉእ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ሕጂ እውን ናብ ተመኩሮና ንመለስ፡ ትማሊ ብመሪር ቃልሲ ዘረጋገጽናያ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር መስሪትና ኢና ሎሚ ምእንቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤትን ንቃለስ ዘለና። ንትማሊ ነጺግካ ኣብ ዘየለ ሃገርነትን ልኡላውነትን ብዛዕባ ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤትን ምሕሳብ እምበኣር፡ መሰረት ኣብ ዘየብሉን ብንፋስ ኣብ ዝዕሎን መስርሕ ምጉዓዝ’ዩ ዝኸውን።
ትማልን ሎምን ብቐሊሉ ዝረአ ናይ ግዜ ምቅይያር ጥራይ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ዓሚቝ ናይ ወለዶታት ናይ ሓላፍነት ምርኽኻብ ትርጉም ዘለዎ እዩ። ሎሚ ብዘይ ትማሊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጽብሕ እውን ብዘይ ሎሚ ትርጉም የብሉን። እቶም ናይ ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ተዋሳእቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ስለ ዝዋሰኡ እቲ ሓደ ብናይቲ ካልእ እንተዘይዓገበ ክሕደሰና ኣይግባእን። እቲ ኣሰካፊ ዝኸውን ነንዝሓለፈ ተመኩሮ እንዳኮነንካ ወትሩ “መን ከማይ” ክትዝምር ምፍታን እዩ። ናይ ሎሚ ተዋሳእቲ ንናይ ትማሊ ሰብ ብጽሒት ግደ ከነኣእሱ እንከለዉ፡ እቲ ዝጉዳእ እቲ ትማሊ ግቡኡ ዝፈጸመ ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ንትማሊ ዘነኣኣሰ ንገዝእ ርእሱ ብዘይመሰረት ጸንበለል ስለ ዝብል ተሃሳዪ’ዩ ዝኸውን። ኣብ ሎሚ ኮይኑ ንናይ ትማሊ ባይታ ዘስተናዕቕ ከምቲ “ኢድ ሸናሒት ጸናሒት” ዝበሃል፡ እቲ ጽባሕ ዝርከቦ’ውን ብኸምኡ’ዩ ክገልጾ። ከምዚ እንተኾይኑ ከኣ እቲ ሰንሰለት ተቛሪጹ ምውርራስ ይበኩር። ኣብ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ክንመጽእ እንከለና ሓደ ጉዳይ ኣብ ሓደ ትውልዲ ተደሪቱ ዝውዳእ ዘይኮነ፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እንዳተሰጋገረ ዝቕጽል መስርሕ እዩ። ስለዚ ንትማሊ ዘየኽብር ናይ ሎሚ ተዋሳኢ፡ ኣንጻር ናይ ወለዶታት ምርኽኻብ ከምዘሎ ክእመንን ናብ ንቡር ኣተሓሳስባ ክምለስን ይግበኦ።
ናይ ትማሊ ፍጻመ ኣብ ሎሚ ኮይና ክትርእዮ እንከለና፡ ከምቲ ሎሚ ትደልዮ ከምዘይነበረ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ተረኪብካ ብዝሓሸ ናይ ምቕጻሉ ዘይስገር ሓላፍነት ስለ ዘለካ፡ ነቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮ ምስ ኩሉ ጸገማቱ ኢኻ እትርከቦ። ቀንዲ ዕላማኻ ከኣ ነቲ ካብ ትማሊ ዝተረከብካዮ ምስ ናይ ሎሚ ኩነታት ኣሳኒኻ፡ ንናይ ጽባሕ ትውልዲ ዝሓሸ ክተረክብ ምብቃዕ እዩ። ከምቲ “ናይ መወዳእታ ሕማቕ ወይ ጽቡቕ” የለን እንብል፡ እቲ ዝተረከበካ’ውን ነቲ ዝተረከቦ ብዝሓሸ ናይ ምቕጻሉ ዘይስገር ሓላፍነት ኣለዎ።
ሎሚ ካብቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዘሎ ጸገማት ስሩዕ ዘተኣማምን ምርኽኻብ ዕማም ዘይምህላዉ ቁጽሪ ሓደ ዝስራዕ’ዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። መንእሰያትና “ሎሚ ናይ መንእሰያት” ክነሱ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ኣንጻር ውሱናት ዓመጽቲ ዕስለ ኢሳይያስ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ምእንቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤትን፡ ከምቲ ዝድለ ካብቶም ሎሚ’ውን ካብ መድረኽ ዘይወረዱ፡ ናይ ትማሊ ተዋሳእቲ ሓርበኛታት በቲ ዝድለ ትግሃት ይርከቡ የለዉን። ዘቕርብዎ ምኽንያት ከኣ “እቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮ ክትርከቦ ዘጸግም ኩርኳሕ እዩ” ዝብል እዩ። እምበኣር ከምቲ ኣደሲ ብኹነታታ ንዘይተሓጐሰ ውላዳ “ፈቲኻ ጸሊእካ ኣነ እየ ኣዴኻ” በለቶ ዝበሃል፡ እቲ ናይ ሎሚ ስረሓትና ክህነጸሉ ዝግባእ መሰረት እቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮና ምስ ኩሉ ጸገማቱ ንሱ እዩ። እቶም ናይ ትማሊ ተዋሳእቲ እውን ምስ ኩሉ ድኽመቶም ኮነ ብርታዐኦም ንሳቶም እቶም ናይ “ተረከቡና” ጻዋዒት ዘስምዑ ዘለዉ ሓርበኛታት እዮም። ኣብዚ መንእሰይና ክግንዘቦ ዝግባእ፡ እንተገደደስ ንዘርኣይዎ ሕጽረት ደኣ ይሓቶም እምበር፡ ንተመኩሮኦም ኢንታ ብምሃብ ኣብ ናይ ተረኪብካ ምቕጻል ሓላፍነት ክማታእ ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። እክንደይን እንታይን ካብቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮ ትወስድ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ንትማሊ ሓጢጥካ ከምብሓዱሽ ክትጅምር ግና ጀማሪ ኢኻ ትኸውን። ወትሩ ጀማሪ ምዃን ከኣ ሒዝዎ ዝመጽእ ሕጽረት ኣለዎ።
Date: 22nd March 2018
Dear supporters and friends,
On behalf of Eritrean Women organisations and individual activists in Europe, We would like to express our deepest gratitude for your support to hold a demonstration and our conference at The Hague, The Netherlands on March 8-10, 2018. We had a very successful conference with a very enthusiastic group of Eritrean women who remain highly committed to the cause of lasting justice and peace in Eritrea.
We will update you as we make progress and hope to continue to count on your support going forward.
Best regards
Eritrean Women for Justice
الاصدقاء والداعمين الكرام
نيابة عن منظمات المرأة الاريترية والناشطات المستقلات فى اوروبا، نود ان نعبر عن عمق امتناننا لدعمكم مسيرتنا وعقد مؤتمرنا فى لاهاى – هولندا فى 8-10 مارس 2018م. لقد عقدنا مؤتمرا ناجحا مع مجموعة متحمسة جدا من النساء الاريتريات اللواتى يبقين ملتزمات لقضية تحقيق السلام الدائم فى اريتريا.
اننا سنقوم باعلان ونشر جميع المساهمين فى دعمنا ماليا ونأمل مواصلة دعمكم فى المستقبل.
تحياتنا الحارة
المرأة الاريترية من اجل العدالة
ክቡራት ደገፍቲናን መሓዙትናን፡
ኣብቲ ብማሕበር ደረጃን ብውልቂን አብኤውሮጳ ኣብ ምጥባቕ ሰብኣዊ-መሰል ህዝብና ብዝነጥፋ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ተዋዲዱ፡ ካብ 8ክሳብ 10 መጋቢት 2018 ኣብ ከተማ ደን-ሃግ፡ ሆላንድ ዝተኻየደ ሰላማዊ-ሰልፊን ዝተጋበአ ኮንፈረንስን ንዝገበርክሙልና ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ብስምናን ብስም ውጹዕ ህዝብናን ብልቢ ከነመስግን ንፈቱ።
ካብ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ዝተኣከብና ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዘሎና ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ነባሪ ፍትሒን ሰላምን ንምርግጋጽ ዝለዓለ እጃምና ነበርክተሉ ባይታ ዝእምትዕዉት ኮንፈረንስ ኣካዪድና፡፡
ነዚ ፈላሚ ተበግሶ ክዉን ኣብ ምግባር ዘርኣኹሞ ሰናይናይደገፍተበግሶ እንዳሞገስና፡ ኣብ መጻኢ’ውን ንኸይጋደፈና ንላቦ። መጻኢ ግስጋሰና ካብ ምሕባርኩም ዓዲ ኣይክንውዕልን ኢና።
ምስ ክቡር ሰላምታ፡
ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንፍትሒ።
ስም ወፈይቲ Name Donors
1. ኤሪ-ፕላትፎርም Eri-Platform
2. ደ ግ ሓ ኤ DFFEU (Sagm)
3. ሰ ደ ህ ኤ EPDP
4. ኤ ሰ ደ ለ EUDC
5. ኤ. ደቂ-ኣንስትዮንፍትሒ ኖርወይ Eritrean Women for Justice Norway
6. መንእሰያት ስምረት ፍራንክፉርት ESMNS
7. ኤርትራውያን ሽቱትጋርድን ከባቢኣን Eritreans in Stuttgart & surroundings
8. ፓል ህዝባዊ ባይቶ National Congress Pal Room
9. ኤርትራውያን ከተማ ኑርንበርግ Eritreans in Nürnberg
10. ኤርትራውያን ንፍትሒ በርግን ኖርወይ Eritreans for Justice -Bergen Norway
11. እስክንድር Eskender
12. ትርሓስ ኣማኑኤል Tirhas Amanuel
13. ምሕረት ወልደኣብ Mehret Woldeab
14. ኢሳቕ ገብረወልድ Isaac Ghebreweld
15. ሃይለ ወልደሚካኤል Haile Woldemikael
16. ከሰተ ገብረሂወት Ksete G/Hiwot
17. ክብረኣብ ምስግና Kibreab Misghina
18. ሙሳ ኣሕመድ Mussa Ahmed
19. ገብረሂወት ክፍለ G/Hiwot Kifle
20. ኢሳቕ ወልደማትያም Isaac W/Mariam
21. ረዘነ ኣብራሃ Rezene Abraha
22. ተስፋማርያም ሕርይቲ Tesfamariam Hiriti
23. ዓድል Adel
24. ትዕበ ተኪኤ Tiebe Tekie
25. ውልደግዮርጊሽ፣ጸጋዝጊ፣ገብረ Woldegiorgish,Tsegazghi,Ghebre
26. እድሪስ ዑመር Idris Omar
27. ኣበባ ኣብራሃ Abeba Abraha
28. እቴማር ንጉሰ Etemar Negusse
29. ኣስፍሃ Asfaha
30. ምኪኤል እስቲፋኖስ Michael Estifanos
31. መንግስተኣብ ገብረየሱስ Menghisteab G/Yesus
32. ስማ ክትዕቅብ ዝመረጸት ዜጋ Anonymous
33. ሐበን 1.ፓራዲዞ (ፓል ሸም) Haben1.Paradizo
34. ስሞም ዝዓቀቡክልተ ዜጋታት 2 anonymous individuals
35. ተኽሉ መሐሪ Tekhlu Mahari
36. ኣብዱራሕማን ስዒድ Abdurahman Said
37. እብራሂም ሳልሕ Ibrahim Saleh
38. ውልድሚካኤል (ፓል ሸም) Woldemichael
39. ዳዊት ተስፋማርያም Dawit T/Mariam
40. ሙስየ ዳነው Mussie Dagne
41. ሰመረ ፍሰሃየ Semere Fisshaye
42. ቲቲና ሃይለ Titina Haile
43. ማሕሙድ ዕላጅ Mahmoud Elaj
44. ባይረ ሰረቀ Bayre Sereke
45. ዓሻ ጋዓስ Aisha Gaas
46. ርግኣት ሓዲሽ Rigaat Hadish
47. ክብሮም ዳፍላ Kibrom Dafla
48. ተድሮስ ሃብተማርያም Tedros H/Mariam
49. ገብረኪዳን ገብረዝጊ Gebrekidan G/Ezghi
50. ውርቁ ግንቦት Worku Ginbot
ብኣጋጣሚ ዓለምለኻዊ በዓል ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ 10 ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝነብራ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ከተማ ዘ ሄግ፡ ኔዘርላንድስ ካብ 8-10 መጋቢት ተኣኪበን። ``ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ይከበር`` ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ ማእከላይ መደበር ባቡር ዘ ሄግ ተበጊሰን ክሳብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት (ICC) ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣካይደን። ኣስዒበን ንህልው ኩነታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንኩነታት ደቂ-ኣንስትዮ ሃገርና ድማ ብፍላይ ምስ ኩነታት ስደት ዜጋታትን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ብምትሕሓዝ ዝዘተየን ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎን ረዚንን ዋዕላ ኣካይደን።
እቲ እግሪ ጉዕዞን ዋዕላን ንብዙሕነት ኤርትራ ዘንጸባረቐ ነበረ። ተሳተፍቲ ካብ ዝተፈላለያ ማሕበራት ደቂ-ኣንስትዮ - ካብ መንእሰያት፡ ጋዳይም ተጋደልቲ፡ ሙያውያን (ፕሮፌሽናላት)፡ ከምኡ`ውን ኣክቲቪስት- ዘሳተፈ ነበረ። ገለ ካብ ዓወታት እቲ ምትእኽካብ፡
- እግሪ ጉዕዞ ኣንጻር ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብሓፈሻን ጽልዋኡ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብፍላይን ብምግባር ቅዋማዊ ምሕደራን ልዕልና ሕጊ ኣብ ኤርትራ ክነግስ ጸዊዐን።
- ብመሰረት ጸብጻባት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት፡ ስርዓት ህግደፍ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብምፍጻሙ ተሓታትነቱ ከረጋግጽ ምሕጽንታ ኣቕሪበን።
- ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ዋዕላ ብቐንዱ ብኸመይ ንዓቕምታት ደቂ-ኣንስትዮ ምሕያል ይከኣል ኣብ ዝብለ ኣርእስቲ ብምዝታይ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ነቲ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ለውጢ ንምምጻእ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ውጽኢታዊ ኣበርክቶአን ብምግባርን ተርአን ብምዕዛዝን፡ ንሰላም፡ ርግኣትን ልዕልና ሕጊ ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ ይጽዕራ
- ንምድንፋዕ ሓባራዊ ስርሓት ኣብ ውሽጥን ኣብ ዞባናን ከምኡ`ውን ተሳታፍነትን ምምዕባል ዓቕምታት ደቂ-ኣንስትዮ ትከታተል ኣወሃሃዲት ሽማግለ ተመሪጻ
እቲ ዋዕላ ንተሳተፍቲ ነንሕድሕዶም ክላለዩ፡ ተመኩሮ ክለዋወጡን፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዘጓንፎም ማሕበራዊ ግድላት ምስ ኩሉ ዓይነት ንጾታመሰረት ዝገበረዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ክዝትያ ዕድል ፈጢሩ።
በቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ተኣፋፊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብምሽቓል፡ ዋዕለኛታት ንውሕ ንዝበለ ሰዓታት ብዛዕባ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኤርትራ ድሕሪ ምዝታይ፡ ኩሎም ተቓወምቲ ውድባትን ማሕበራት ደቂ-ኣንስትዮን ብሓባር ክሰርሑን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ጽንኩር ኩነታት ናይ ሓዋሩ ፍታሕ ንምምጻእ ክጉስጉሱ ከምዘለዎምን ደምዲሙ።
እቲ ዋዕላ፡ ምሕዝነትን ሓድነትን ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኤውሮጳን ዓለምን ኣሐዪሉ`ዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ንኹሎም ፋይናንሳውን ሞራላውን ደገፋት ዘበርከቱልና ትካላትን ውልቀሰባትን ከምኡ`ውን ንኹሎም ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ናይ ኤርትራ ናይ ሚድያ መድርኻት ነመስግን። ሓገዛትኩም ንተበግሶና ናብ ዝቕጽል መድረኽ ክብ ክነብል ኣኽኢሎና`ዩ።
ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንፍትሒ
ብዕለት 17 መጋቢት2018 ብሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዝተዳለወ ዝኽሪ መበል 54 ዓመት በዓል ቶጎሩባ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ተኻይዱ። ኣብቲ በዓል ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ካብ ገዳይም ተጋደልትን መንእሰያትን ተሳቲፎም ነይሮም። እቲ በዓል ብሓው ኢሳቕ ወልደማርያም ሰናይ ትምኒትን ሰላምታን ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ሓው ኢሳቕ ንተሳተፍቲ በዓል ብምምስጋን፡ ነቲ በዓል ኣብ ምድላው ክረኤ ንዝኽእል ሕጽረታት እቕሬታ ድሕሪ ምሕታት፡ ሽማግለ ህዝቢ ንምእካብን ንምጥርናፍን ኣብ ቃልሲ ግዲኡ ከበርክትን፡ ዝካኣሎ ጻዕርታት ምክያዱ እውን ገሊጹ። እቲ ጎስጓስ ግን፡ ኣብ ሽማግለ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ዕማም ከምዝኮነን ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ክንከዶ ዘለና ስራሕን ጻዕርን ከምዝኮነ ብምሕባር መድረክ ንኣቦ-መንበር ሽማግለ ሓው ዓብደልቃድር ሽፋ መግለጽ ንኸቕርብ ምርካቡ ይፍለጥ።
ዝቐረበ መግለጺ ከምዘለዎ እነሆ።

መግለጺ በዓል ሰራዊት ሓርነት (በዓል ቶጎሩባ)
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተኻፈልቲ ዝኽሪ መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት - ቶጎሩባ
ብመጀምርያ ንዕድመና ኣኽቢሩኩም ብምምጻእኩም ነመስገና
ኣንቛዕ ድሓን መጻኹምን መጻእክንን ድማ ንብል።
ብምቅጻል ሎሚ ማዓልቲ ሰራዊት ሓርነት ማለት ቶጎሩባ ከንብዕሎ ተዳሊና ንርከብ።
ቅድሚ 54 ዓመታት ብ15.03.1964 ድሕሪ ናይ 2 ዓመትን ፈረቓን ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ኤርትራ፣ እቶም ንነጻነት ሃገርና ኤርትራ ንምምጻእ ብረት ሒዞም ዝቃለሱ ዝነብሩ ተጋደልቲ ወይ ሰርዊት ሓርነት ኤርትራ ነቲ ብብዝሒ ይኹን ብዕጥቂ ዝዕብልሎም ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጽያ ንመጀምርያ ጊዘ መጥቓዕቲ ብምግባር ዝተዓወትሉ መዓልቲ እዩ። ኣብዚ ውግእ እዚ 87 ሰርዊት ጸላኢ ዝመትሉን ብብዝሒ ዝቆሰሉሉን ክኸውን ከሎ ብወገን ተጋደልቲ 17 መስዋእቲን ከምኡውን ገለ መቕሰልትን ተኸፈለ። ውግእ ቶጎርባ ሰራዊት ሓርነት ወይ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ንጸላኢ ኣብ ቦታኡ ወይ ድፍዓቱ ከድካ ኣጥቂዕካ ከም ትስዕረሉ ዘተረጋገጸሉን ፣ ብኡ መሰረት ጸላኢ ብዝተናውሔ ቃልሲ ካብ ምሉእ ሃገር ተሓግሒጉ ክወጽእ ምዃኑ ዝሕብር መዓልቲውን እዩ። ምስቲ ናይ ሽዑ ጊዘ ዝነበረ ቁጽሪ ሰራዊት ሓርነት እቲ ዝተክፍለ መስዋእትን ኣዛሚድካ እቲ ቃልሲ ብርክት ዝበለ ኩቡር ዋጋ መስዋእቲ ጀጋኑ ክሓትት ምዃኑ ክርዳእ ተኻኢሉ። ሓደ ኣብቲ ጊዘ ዘተርእየ ክጥቀስ ዘለዎ ተርእዮ፣ ጸላኢ ንገለ ስውኣት ወሲዱ ኣብ ከተማታት ብምጥንጣል እቲ ኣረመናዊ ተግባራቱ ዘርእየሉን፣ ኣብ ልዕሊ ሂወቶም ዝሓለፉ ደቂ ሰባት ናይ እግዝኣብሀር ፍርሒ ከምዘይብሉ ዘመስከረሉን መዓልቲ እዩ። እዚ ግን ነቲ ቃልሲ መሊሱ ከምዘበርትዔ ታሪኽ ዝምስክሮ እዩ።
ብድሕርዚ ፈላሚ ኩናት ናይ ቶጎሩባ ኩላትና ከምንፈልጦ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ዝኣክል ሰራዊት ሓርነት ማእለያ ዘይብሉ ጅግንነታዊ ውግኣት ከም ንከተማታት ነጻ ምውጻእ ይኹን ካልእ ናይ ተረባረብ ውግኣት ኣኻይዱን ዓወታት ኣመዝጊቡን ኣብ መጨረሻ ድማ ብውግእ ነጻነት ሃገር ኣምጺኡ እዩ። ንኹሉ ዝተኻየደ ውግኣትን ጅግነነታዊ ተግባራትን ሰራዊት ሓርነት ወይ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ክትጽብጸብ ከምዘይክኣል ርድእ ይኸውን። ከም ኣብነት እቲ ናይ ባጽዕ ናይ መጨረሻ ነጻ ምውጽእ ዝተገብረ ውግእ (ብስርሒት ፈንቅል ዝፍለጥ) ፣ በቶም ጸላእቲውን ከይተረፈ ዓቢ ኣድናቖት ዘትረፈን ኩናት ክጥቀስ ይከኣል። እዚ ውግእ እዚ ኣብ ልዕልቲ ጅግነንትን ውፉዩነትን ናይ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት፣ በቲ ካብ ጸላኢ ዝተማረኸ ናይቲ ጊዘ ዘመናዊ መሳርሒ ውግእ ተጠቒሞሞ ብዝልዓለ ናይ ውግእ ስልትን ብልሓት ንዝነበራ ዝተፈላለየ መደበራት ብሕሉፍ ቅልጣፈ ዝተቆጻጸረን ንባጽዕ ንሓንሳብ ንሓዋሩን ነጻ ዘውጽኤ ኣዝዩ ዝድነቕን መንግስታዊ ደርጃ ዝሓዘ ኩናት ከም ወካሊ ምጥቃሱ ይከኣል። ኣብዚ ሕጂ እዋን ምልካዊ ስርዓት ነዚ ኩናትዚ ከም መሳርሒ ናይ ፕሮፖጋንድኡ ክጥቀመሉ ክትርኢ ከለኻ ዘሕዝን ኣዩ።
መዓልቲ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ወይ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኢልና ከነብዕል ከለና ነቶም ካብ 1961 ክሳብ 1991 ማለት ን30 ዓመት ምእንቲ ነጻነት ሃገር ኢሎም ከርተት ዝበሉን ዝተሰውኡን ይኽን ብሂወቶም ዘለው (ዝሰነክሉን ዘይሰንከሉን) ከምኡውን ነቶም ድሕሪ ነጻነትውን ዘርከበሎም ሓድሽ ወለዶውን ብምጥቅላል ኢና ንዝክሮ። ክብርን ምስጋናን ንኩሎም ብዘይ ኣፈላላይ ይግባእ።
እዚ ኩሉ መስዋእትን ስንክልናን 30 ዓመት ከርተትንስ እቲ ዝደለ ሽቶታትከ ብሙሉኡ ሃሪሙ ዶ ዝብል ሕቶ ክንርእን ክንፍትሽን ድማ ናይ ግድን ይኸውን። እወ ነጻነት መጺኣ። ሃገርና ከም ሃገር ኣብ ዓለም ተፈሊጣ። እቲ ምምሕዳር በቲ ናይ ሃገር ቋንቋ ኮይኑ። ግን እቲ ዝደለ መሰል ወዲ ሃገር ፣ እቲ ዝደለ ፍትሓውን ቅዋማውን መንግስቲ፣ እቲ ዝደለ ደሞክራስያዊ ቅርጽታት፣ እቲ መሰል ምምራጽን፡ መሰል ምዝራብን፡ መሰል ምጽሓፍን፣ መሰል እምነትን ዝኣመሰሉኸ ኣለውዶ ንዝብል ሕቶ፡ እቲ መልሲ የለውን ጥራይ ዘይኮነ ነዚ መሰልዚ ኣብ ኤርትራ ይረጋገጽ ኢሉ ንዝሓተተ ብዘይ ገለ ንሕስያ፣ መን ምዃኑ፣ እንታይ ኣበርክቶ ኣብ ቃልሲ ገሩ፣ ክንደይ ዕድሙኡ፣ እንታይ እዩ ጾትኡ ብዘይገድስ፡ ኣብ በት ማእሰርቲ ይዳጐን። ሓንቲ ገበን ዘይብሎም ጋዘጠኛታት ናይ ሃይማኖት መራሕትን ላዕሎዎት መራሕቲ መንግስትን ኣሽሓታት ካልኦት ዜጋታትን ኣብ ማእሰቲ ይእትው። ምስተኣስረ ዝኾነ ዓለምለኻዊ መሰለ ናይ እሱር ድማ ይንፈጎም። መሰል ናይ ጠበቓ ፣ መሰል ናይ ቤተ-ሰብ ምብጻሕ፣ ኣብ ፍርዲ ምቕራብ ዘይብሉ ፣ ኣብ ኣሰቃቂ ዝኾነ ቤት ማእሰርቲ ክሳብ ትመውት ትእሰር። ናይ ሓርበኛ ሃይለ ድሩዕን ናይ ሓርበኛ ኣቦና ሽኽ ሙሳን መስዋእቲ ሎሚ ቐነ ንከታተሎ ዘለና እዩ።
ብዙሓት ካብዞም ሎሚ ነብዕለሎ ዘለና ሰራዊት ሓርነት ነታ ብንእስነቶም ብድለየቶም ከርተት ዝበሉላ ሃገር ድሕሪ ነጻነት እታ መሬታ ገና ጨሪሶም ዘይረገጹን ኣለውን። ገለውን ከይረገጽዋ ካብዛ ዓለም ተፈልዮም። ካልኦትውን ካብታ ባዕሎም ነጻ ዘውጽእዋ ሃገር ብዘይድለየቶም ኣምሊጦም ኣብ ፈቐደ ስደት ከርተት ክብሉ ይረከቡ።
ሃገርና ዝኾነ ዘይቀስነላ ዓባይ ማእሰርቲ ወይ መደበር እያ ኮይና ዘላ። ዕደሚኦም ገና ዘይመልኡ መንእሰያት ካብ ስድርኦም ተመንጢሎም ኣብ ሳዋ ንዓመት ድሕሪ ምዕጣቕ ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ይሽኹዑ። ኣንጸርጺሮም ድማ ሃገር ጠንጢኖም ከምዝወጹን ይኾኑሞ ክንደይ ሽግራትን ጸበባን የሕልፉ። ገለ ካብእቶም ኣብ ሰሃራ መጻወቲ በደዊንን ገለውን ኣብ ባሕሪ ተዋሒጦም ይተርፉ።
ሃገርና ሓደ ምስ ሰዓብቱ ዝዋንኣ ካብ ዓለም ንጽልቲ ሃገር እያ ኮይና ዘላ። ጌና ኣብ ግዜ ቃልሲ ኮሎ ዝጀመሮ ስልጣን ብሒትካ ምሓዝን፣ ንዝወዳደሩ ወይ ዘይምእዘዙ እናእጥፋእካን ነቲ ካልእ ብተፈላለየ ሜላታት ማለት ብሃይማኖትን ኣውራጃን ዓለትን ከምዝፈላለ እናገበርካን ኣናኣፈራራሕካን ስልጣንካ ምንዋሕ ንነዊሕ ዝተጠቀመሉን ገናውን ዝጥቀመሉ ዘሎ ኣገባብ እዩ።
ሃገርና ብዘይካ ኣዝዮም ውሑዳት ዜጋታት እንተዘይኮይኖም፣ ዝኾነ ወዲ ሃገር ነብሱ ክኢሉ ክነብረላ ትኽእል ኣይኮነትን። እቲ ዝርካቡ ሰራሕተኛ ሓረስታይ ታሕተዋይ ሸቓጣይ ይኹን ዋላውን ዝለዓለ ትምህርቲ ዝተማህረ ነብሱ ዘይክእለላ ሃገር እያ። እተን ዝወሃብኡ ደሞዝ ካብ ገዛ ክራይ ዘይሓልፋ እየን። ናይ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ዝገብሩ ዜጋታት እዃ ዘይጥቃሱ እዩ ዝሓይሽ። ኣብ ጊላነት እዮም ዝርከቡ። ሎሚ ኩሉ ስድራታት ኤርትራ ካብ ሓገዝ ኣብ ወጽኢ ዝርከቡ ቤተ-ሰብዩ ዝነብር። ቤተ-ሰብ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘይብሉ ድማ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ዘሎ።
ህግደፍ ብኣህጉራዊ ደርጃ መንነቱ ካብ ዝግለጽ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። መራሒ ህግደፍ ብገበን ኣብ ልዕሊ ሰብእውነት ንምኽሳሱ ገና ኣብ መስርሕ ይረከብ። ኣብ ሆላንድ ኣብዚ ቀርባ ንሪኦ ዘለና ምዕብላናታት ዘሐጉስ እዩ። ናይ ፈልድሆፈን ተርእዩ ይኹን ናይ ህግደፍ ዲፕሎማት ምስጓጒ ንርኢ ኣለና። ኣብዚ ንቕምጦ ዘለና ሃገር ጀርመን ብፓርላማ መሰረት ብኹሉን ሰልፍታት እዃ ኣይኮነን እምበር፡ እቲ ዘድሊ ናይ ዲፕሎማሲ ምቁራጽ ስጉምትታት ምስ ህግደፍ ይኹን፡ ንተቓወምቲ ተግባራዊ ሓገዛት ምሃብ ዛጊት ኣይተወስደን። ናይቶም ዓቕሚ ዘለዎም ኣካልት ምብልሓት ከድሊ እዩ።
ሰራዊት ሓርነት ስውኣት ይኹን ህልዋት ክኸብርሉን ክምስገንሉን እቲ ንነጻነት ዝተኻይደ ቃልሲ ቅኑዕን ኣድላይ ምዃኑን ክፍለጥ ኣለው። እዚ ብሰንኺ ናይ መላኽን ሰዓብቱን መርሪር ጽቅጠት መሰረት ጌርካ ነቲ ዝተኻየደ ቃልሲ ንኹሉ ኣብ ምልክት ሕቶ ምእታው ቅኑዕ ኣይኮነን። ነዞም ኩሉም ንእስነቶም ዝገደዶም ዘይብሎ ብድልየቶም ራሕሪሖም ንዓመታት ከርተት ዝበሉን ስውኣት ይኹን ህልዋት ክብሪ ክንሕልው ይግባእ። ተኸባቢርካን ሓቢርካን ምስራሕ እምበር፡ እዚ ናይ ዓቅሊ ጽበትን ናይ ሕሉፍነትን ተርእዮታት ነቲ ሓቢርና ከነውድቖ ንደሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፣ ብሰሪ ዘየድሊ ምስሕሓብና ፖሊቲካዊ ስንቂ እና ንህቦ ዘለና።
ካልእ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ተቓውሞ ደንበ ብዙሓት ካብ ህግደፍ ዘተኣታትዎ ዝንባለታት ካብ ሓንጎሎም ዘይወጸሎም ወይ ገሊኦም ጸኒሖም ዘጥርይዎ ዘለው ናይ ሃይማኖትን ኣውራጃን ብሔርን መበቆላት ሃሰስ እናበሎ ክፈላልዩናን ዝደልዩ ተቓወምቲ ከነለልዮምን ክንጥንቐቐሎምን ክንምክቶምን ኣለና። ኣብ ጊዘ ተቓውሞ ይኹን ብድሕርኡ ወልቃዊ ረብሓ ክጥሪ ዝኽእል ኣካል ክፍሊ ሕብረተሰብና የለን። ኩሉ ምእንቲ ደሞክራሲን ፍትሕን ንስለ ህዝብናን፣ ኣንጻር እቲ ዓሚጺ ስርዓት ሃገርና እዩ ዝቃለስ ዘሎ። እቲ ኣብ ቃልሲ ዘይሳተፍ ዘሎ፣ በብሸነኩ ክሳተፍን ክኣትውን ድእ ንቃልስን ንጉስጉስን እምበር መነጸር ናይ መበቆልን እምነትን ብምሓዝ ነዚ ሰንከልከል ዝብል ዘሎ ተቓውሞ ደምበ መሊስካ ምድኻም ቅኑዕ ኣይኮነን።
ክብረትንምስጋናንንሰራዊትሓርነት
ዝኽሪ ንስዋትና
ጽን ኢልኩም ስለ ዝሰማዕኩምና ነመስግን
ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ፍራንክፈርትን ከባቢን
ሓሶት እንተ ተደጋገመስ ሓቂ ይመስል፣ ዶክቶር ገብረ...በዚሑ ጥራይ ዘይኮነስ.....!!
Thursday, 15 March 2018 10:39 Written by ዶር፡ ሃብተሚካኤል ተኽለ ስቶክሆልም፡ ሽወደንኣብዚ ቀረባ ሰሙናት፡ ካብ ሰብዓታት ኣትሒዛ መሓዛ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረትን ዘላን ሽወደናዊት ጋዜጠኛ፡ ክርስቲና ብዮርክ፡ ብቛንቋ ሽወደን ንኤርትራ እትምልከት መጽሓፍ (Christina Björk, ERITREA: En klassisk afrikansk diktator tog över.www.themisforlag.se. ኤርትራ፡ ክላሲካዊ ኣፍሪቃዊ ዲክታተር ኣብ ትሕቲ ምልኩ ኣእትዩዋ)፣ ጽሒፋስ ከንብባ ዕድል ረኺበ፤ ንዝነበረኒ ተረድኦታት ዘራጒድ ሓሳባት እውን ረኺበ። እታ መጽሓፍ ክሪስትና ምስ ገዳይም ተጋደልቲ ተሓኤን ህግን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መሕተት ዝተመርኮሰት እያ። ሓደ ካብኣቶም ሓው መስፍን ሓጐስ ኮይኑ እቲ ምስኡ ዝተገብረ ቃለ-መሕተት ብታሕሳስ 2015 ኢዩ ኔሩ።
ኣብ ናይ 10 መጋቢት 2018 Meskerem.net፡ ካብቲ ተደጋጋሚ "ገለጻታት" ሓውና ዶር. ገብረ ገብረማርያም ነዚ ዝስዕብ ቃላት ኣንቢበ፡- "ከምቲ ሓደሓደ መራሕቲ ክብሉና ዝፍትኑ (ብናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ድሌት ኢዩ ናጽነት ተረኺቡ ብዘስምዕ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1991/93 ኣፍልጦ ኣይህብን ኢየ እንተዝብል ነይሩ፡ ናጽነት ኣይምተረኽበን፡ ወዘተ”፡ እንዳተባህለ ዝጋማዳሕ ናይ ጥዑሳት ዘረባታት) ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ተቓሊሱ ኤርትራዊ መንነትን ናጻ ሃገርን ፈጢሩ ኢዩ። "ደድሕሪ ኣድጊ ዝኸደ …… ኣድጊ ለመደ ከምዝብሃል ከኣ፡ ቅድሚ ገለ መዓልታት ሓውና ክብሮም ግረነት ከምዚ ዝስዕብ ጽሒፉ፡ "...ወያኔ ንህግ ብ1991 ነቶም ካልኦት ውድባት ከምዝሳተፉ ክገብር ከገድዶ ነይሩዎ ክብል ዝመደሮ፡ ነጻነት ብለመና ወያኔ ዝመጸት ገይሩ ስለዝርድኦ እዩ። እንተኾነ መግዛእታዊ ሓይሊ ብዘይ ውዑልን፡ ወዓል ሕደር ኣውያት እናገበረ እዩ ንኤርትራ ገዲፉ እግረይ ኣውጽኢኒ እናበለ ንሱዳን ዝኣተወ።"
ኣይፋልካን ሓው ገብረ፡ ቅድሚ ሕጂ፡ እቲ ካብ ሓቅን ካብ እሩም ኣቀራርባን ዝረሓቐ ጽሑፋትካ ኣደንጽዩኒ "ኣይበዝሐንዶ ሕጅስ!" ዝብል ሓጺር ዓንቀጽ ጽሒፈ ነይረ። ሕጂ ዘጽሕፈኒ ዘሎ ከኣ ብጒዳይ ናጽነት ሃገር ኣልዒልካ ብዘይመንገዱ ሰብ ክትከስስ ከሎኻ፡ ንገለ ግሩሃት ከይተጋጊ ብማለት እየ።
እቶም "ሓደ-ሓደ መራሕቲ" እትብሎምን፡ ንናጽነት ሃገር ዘይደልዩ፡ "ናይ ጥዑሳት ዘረባ ዘገማድሑ" ኢልካ እትዝልፎምን እትኸሶምን ዘሎኻ ሰባት፡ እዚ ኣገላልጻኻ ዘይምልከቶም ናይ ሎሚ መሪሕነት ሰዲህኤ ዘሎዉ ምዃኖም ርዱእ ኢዩ። ንኣብነት እዚ ብተደጋጋሚ እተልዕሎ ዘሎኻ (ብሓው ክብሮም ግረነት'ውን እተደግመ) ገለጻኻ ንሓው ወልደሱስ ዓማር ከምዝኾነ ዝከታተል ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ። ሓው ወልደሱስ ኣብ ፓልቶክ ኮነ ኣብዛ ኣብ ታሕቲ ብምልእታ ሰፊራ ዘላ ዓንቀጽ፡ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ ኢሉ፡ "እወ፡ መሬት ኤርትራ ብምልኡ --ብዘይካ ባድመ-- ነጻ ወጺኡ። ግንከ፡ ወተሃደራዊ ዓወት ንበይኑ እኹል ኣይነበረን። ልኡላዊት ሃገር ምእዋጅን ብዓለም-ለኸ ተፈላጥነት (international recognition)ናይ ምርካብን ጒዕዞ ጌና ድሒሩ ዝርአ ጒዳይ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ በቲ ጊዜ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ፡ (ሳላ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ንናይ ሽዑ ወሓለ ኣተሓሕዛ ህዝባዊ ግንባርን) መሓዛ ኤርትራ ብምጽንሑ፡ ጸገም ኣይተረኽበን። ዕላዊ ምእዋጅ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከኣ፡ ኢትዮጵያ ብእተቐበለቶን እተሰማምዓትሉን መስርሕ ረፈረንዱም ብሕቡራት መንግስታት ተኻይዱ ተደምዲሙ።"
ብተመሳሳሊ ቃላት፡ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ መጽሓፍ፡ ሓው መስፍን ሓጐስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ፡- (ብሓገዝ ጉግል ካብ ቋንቋ ሽወደን ናብ እንግሊዘኛ ተርጕመ ከቕርቦ)- "Although, of course, we had to conduct the referendum, we also had to persuade the recently installed Ethiopian government to support the proposal. We knew that unless the Ethiopian government supported us and fully cooperated with us, the Eritrean people would not be able to decide on their future. The UN and the international community would not allow us or accept what we arrived at. Fortunately, we were endorsed by the Ethiopian government led by Tigray Liberation Front, TPLF; PP:172.
ብሓጺሩ፡ ሓው መስፍን እውን ምስቲ ናይ ሓው ወልደሱስ ብዝሰማማዕ ቋንቋ ኢዩ ነቲ ናይ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ሕቶ ዝገለጾ። እሞ ኣሕዋት፡ ንህዝብና ዘይኮነ ነገራት ምሕባር እንታይ ጥቕሚ ይርከቦ? ኣንበብቲ ምእንቲ ክመዝኑን ክፈርዱን፡ ከኣ ነታ ናይ ዓሚ ናይ ሓው ወልደሱስ ዓንቀጽ ብምልእታ ኣብ ታሕቲ ኣስፍራ ኣሎኹ።
ዶር፡ ሃብተሚካኤል ተኽለ
ስቶክሆልም፡ ሽወደን
ብ1991፡ ኢትዮጵያ ንናጽነት ኤርትራ ተፈላጥነት
እንተትኸልእ፡ ናይ ሎሚ ኤርትራ እንታይ ምዀነት᎒
ብወልደሱስ ዓማር
ብሳላ'ቲ ተስፋ ብዘይምቑራጽ ን30 ዓመታት ዝቐጸለ ጅግንነታዊ ቅያታት ሰራዊት ሓርነትን፡ ህዝባዊ ሰራዊትን፡ ምዑት ተሳትፎ ዓቃል ህዝብናን፣ እቲ ብሓያላን ሃገራት ዓለም ሰፍ ዘይብል ሓገዝ ዝረክብ ዝነበረ ወራሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ (ናይ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ይኹን ናይ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም) ተሳዒሩ፡ ብ24 ግንቦት 1991 ካብ መሬት ኤርትራ ከምዝወጸ ንታሪኽ ክዝከር ዝነብር ሓቂ'ዩ።
እወ፡ መሬት ኤርትራ ብምልኡ -- ብዘይካባድመ -- ነጻ ወጺኡ። ግንከ፡ ወተሃደራዊ ዓወት ንበይኑ እኹል ኣይነበረን። ልኡላዊት ሃገር ምእዋጅን ብዓለም-ለኸ ተፈላጥነት (international recognition) ናይ ምርካብን ጒዕዞ ጌና ድሒሩ ዝርአ ጒዳይ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ በቲ ጊዜ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ፡ (ሳላ ዕድል ህዝቢ ኤርትራን ናይ ሽዑ ወሓለ ኣተሓሕዛ ህዝባዊ ግንባርን) መሓዛ ኤርትራ ብምጽንሑ፡ ጸገም ኣይተረኽበን። ዕላዊ ምእዋጅ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከኣ፡ኢትዮጵያ ብእተቐበለቶን እተሰማምዓትሉን መስርሕ ረፈረንዱም ብሕቡራት መንግስታት ተኻይዱ ተደምዲሙ።
ቀሊል ይመስል። ግንከ እቲ ድሕሪ ስዕረት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምመንግስቲ ዝቐጸለ ሓይሊ ብመንግስቱ ሃይለማርያም ወይ ንዕኡ ብዝመስል ዝምራሕ እንተዝነብር፣ ወይ'ውን መሪሕነት ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ዘይመሓዙት ኤርትራ እንተዝነብሩ፡ እንታይ ምተረኽበ᎒ ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ኤርትራ እንታይ ምዀነ᎒
ተጻይ ኤርትራ ዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕራይ ከይበለ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ብመላአን ንኤርትራ ግድነት ልኡላውነታ ክንፈልጠላ ይግባእ ምበላዶ᎒ ኣሜሪካኸ᎒ ሃገራት ኤውሮጳኸ᎒ .... ወዘተ። ታሪኻዊ ድሕረ- ባይታን ፍትሓውነትን ጒዳይ ኤርትራ ከይገድሶም፡ ምዕራባውያን ሃገራትን ኣሕዋትና ኣፍሪቃውያንን ኣብ ልዕሊ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ እንታይ ርእይቶታት ከምዝነበሮም ከይዘንጋዕካ ምስ እትሓስብ፡ ጒዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ናይ ተፈላጥነት ጸገም ከጓንፎ ይኽእል ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን።
ብሓጺሩ፡ ኤርትራ ከምዛ ናይ ሎሚ ሶማሊላንድ ወይ ከኣ ኮሶቮ፡ ወይ'ውን ናይ 60ታት ሮዴዝያ፡ ናጽነታ ባዕላ ኣዊጃ (UDI - Unilateral Declaration of Independence) ፡ ዓለም-ለኻዊ ተፈላጥነት ዝሰኣነት "ሃገር" ኰይና ክትቅጽል ኣኽእሎ ነይሩ'ዩ። ሕጂ ግን፡ ናይ ኢሳያስን ህግደፍን ጸገም ደኣ ከቢዱና እንበር፡ ልኡላውነት ነጻ ኤርትራ (ብዘይፍቓድ ህዝባ) ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን።
ከምዚ ክብሃል እንከሎ ግን፡ ልኡላውነት ይረኸብ እንበር ህዝብና ንእተቓለሰሉ ዕላማታት ብምልኡ ጨቢጥዎ ኣየስምዕን፡፡ ንኣብነት፡ ካብ ዝቐደሙ ተቓለስቲ ኤርትራ ዝነበረ ስዉእ ሓርበኛ መሓመድ ስዒድ ናውድ (መስራቲ ሓረካ/ማሕበር ሸውዓተ)፡ ኣብቲ ብ1996 ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ከምዚ ዝስዕብ ርእይቶ ኣስፊሩ፡- "ቃልስና ጌና ኣይተወደአን። ካብተን እተበገስናለን ሰለስተ ዕላማታት፣ ማለት ሃገራዊ ሓድነትን፡ ናጽነትን ዲሞክራስን፡ ሓንቲ ጥራይ ኢና ኣዓዊትና። ነተን ዝተረፋ ዕላማታት ንምዕዋት ቃልስና ቀጻሊ'ዩ...።" እታ ሓቂ ንሳ'ያ። ግን ከኣ እታ ሓንቲ'ውን ትኹን እንቋዕ ድሕሪ ወተሃደራዊ ዓወት ናይ 1991 ከጓንፍ ዝኽእል ዝነበረ ጸገም ኣየጓነፋ!!
ሎሚ ስለምንታይ እዛ ዓንቀጽ'ዚኣ ኣድልየት?
ገለ ካብ ኣንበብቲ ክዝክርዎ ከምዝኽእሉ፡ ብ11 ለካቲት 2017፡ ጽሓፋይ ናይ'ዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ናይ ፓልቶክ ገዛ (ሕድሪ ጀጋኑ) ተዓዲመ ነይረ። ዝመረጽኩዎ ኣርእስቲ ከኣ፡ ሓደ ቅድሚ ዓመት ንብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ገይሩ ኣብ ከተማ ጅኔቭ ኣብ እተጋብኤ ኮንፈረንስ ንዘቕረብኩዎ ጽሑፍ ዝምልከት ነይሩ። እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ "ሰንኮፍ ኣጀማምራ ነጻ ኤርትራ ናይ 1991፡ ንዘሎናዮ ሃለዋት ከመይ ከምዝጸለዎ" ዝብል ኢዩ። እዛ ናይ ሎሚ ሓጻር ሓበረታዊት ዓንቀጽ እንብኣር፡ ነቶም እተማልአ ሓበረታ ብምስኣን ግር ንዝበሎም ደቂ ሃገር ክትሕብር ዝሓለነት ኢያ።
ብዙሓት ክዝክርዎ ከምዝኽእሉ፡ ገለ ሸነኻት ብፍላጥ ይኹን ሰኣን ቅኑዕ ንባብ ታሪኻውን ፖሊቲካውን ተረኽቦታት፡ "ጉድ በሉ፡ .....ሕጂ ኸኣ ሓደ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንናጽነት ኤርትራ ተጻሪሩ፥ ኢትዮጵያ (ወያኔ) ብ1991 ንናጽነት ኤርትራ እንቢ ክትብል ነይሩዋ ኢሉ.......ወዘተ ወዘተ" እናበሉ ብፓልቶክ ኮነ ብኻእል ማዕከናት ክደሃዩ ተሰሚዖም። ከምዚ ዝዓይነቱ ናይ ፈጠራ ወረን ክስታትን ዝበዝሖ ባይታ ከምዝጸንሓናን ጌና ይቕጽል ከምዘሎን ንፈልጥ እኳ እንተዀንና፡ ሓሓሊፍና ንከምዚ ዝዓይነቱ ጠቐነ ዓገብ ክንብልን ገለ ክንእርምን ጠቓሚ ኢዩ።
ዓለም-ለኸሕግን (international law) ዓለም-ለኸ ተፈላጥነትን ኣብ ገሊኡ ኲነታት በቶም ሓያላን ቀጽርታትን ውልቀ-ሃገራትን ይጥሓስ እኳ እንተኾነ፡ ሓፈሻዊ መለክዒ ሕጋውነት (legitimacy) ናይ ሎሚ ዓለምና ኢዩ። እሞ፡ ገለ ካብቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት እስቲ እስፍሕ ኣቢልና ንርኣዮ።
ጸገም ሶማሊላንድ፣
እታ ሎሚ ብ5 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ዘለዋ፥ ነብሳ ከም "ረፓብሊክ ኦፍ ሶማሊላንድ" እትሰሚ መሬት፥ ክሳዕ 1960 ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ ነይራ። በቲ ዓመት'ቲ ከኣ ምስታ ናይ ኢጣልያ ዝነበረት ሶማሊላንድን ብስምምዕ "ረፓብሊክ ኦፍ ሶማሊያ" መስሪተን።ብዚያድ ባረ ክትመሓደር ዝጸንሔት ሃገረ ሶማልያ ብ1991 ጀሚራ ኣብ ህውከት ምስ ኣተወት፥ እታ ናይ ብሪጣንያ ግዝኣት ዝነበረት ሶማሊላንድ ርእሲ-ከተማኣ ሃርገሳ ገይራ በይናዊ ናጽነተይ ፍለጡለይ ኢላ ኣዊጃ። ዝተረፈ ዓለም ግን ነታ ኣቐዲሙ ተፈላጥነት ዝሃባ፥ ሞቓድሾ ዝርእሰ-ከተማኣ ሃገረ ሶማልያ (ማለትን ባዕላ ኣብ ንቡር ሃለዋት ንዘይጸንሐት ሃገር/ደውላ) ቀዳምነት ሂቡ ንሶማሊላንድ ክሰምዓ ኣይደለየን። እታ ሞቓድሾ ዝርእስ-ከተማኣ ናይ ሶማሊያ ደውላ ንናጽነታ ፍለጡላ ክሳዕ እትብል ከኣ ሶማሊላንድ ከምታ ዘላታ ኮይና ክትቅጽል ተፈሪዱዋ ማለት ኢዩ።
ከምኡ'ውን ኮሶቮ/Kosovo
ናይ ቀደም ዩጎዝላቪያ ምስ ፈረሰት፥ ሰርብያ ወራሲት ናይ ዩጎዝላቭያ ተቘጺራ ከምሓዳስ ሃገር ተፈላጥነት ረኺባ። ኣካላ ዝነበረት ኮሶቮ ግን ፍልይቲ ሃገር ክትከውን ኣብ ቃልሲ ጸኒሓ። እቶም ካብ ኣልባንያ ዝመበቆሎም ህዝባ'ውን ብሰርብያውያን ክግፍዑ ጸኒሖም ኢዮም። ብወተሃደራዊ ሓይልታት ናቶ/NATO (ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝርከብዎ ሓይሊ) ተደጊፋ፡ ኮሶቮ ትሕቲ ምምሕዳር ሕቡራት መንግስታት ድሕሪ ምጽናሕ ፡ፍቓድ ናይ ሃገረ ሰርቢያ ከይረኸበት ብ2008 ባዕላ ናጽነታ ኣዊጃ። ካብ ሽዑ ጀሚራ ከኣ ኮሶቮ ጌና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣባልነት ስኢና ተንጠልጢላ ትነብር ኣላ።
ካብ ሶማሊላንድ ግን ትሓይሽ። ሳላ ኣመሪካን ደገፍታን፡ ንናጽነት ኮሶቮ ተፈላጥነት ዝሃባ ካብ 100 ዘይውሕዳ ሃገራት በጺሐን ኣሎዋ። ግንከ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ክሰማምዓላ ስለዘይከኣለ፡ ልኡላውነታ ብውንዙፉ ይነብር ኣሎ። እቲ ብቤት ፍርዲ ዓለም-ለኸ ንፍትሒ (International Court of Justice) ንኮሶቮ ደጊፉ ዝሃቦ ፍርዲ እውን ክሕግዝ ኣይከኣለን። ሩስያን፡ 'ኮር ተገልበጥ' ናይ ህግደፍ ኤርትራን ካብተን ንኮሶቮ ኣባል ሕቡራት መንግስታትን ካልእ ዓለም-ለኸ ማሕበራትን ንከይትኸውን ካብ ዝቃወማ ዘለዋ ሃገራት ኢየን።

ኤርትራ ካብተን "ሕጋዊ ሸነኽ" ኣመኽንየን ንናጽነት ኮሶቮ ካብ ዘይደገፋ ሃገራት ምዃና ዘርኢ ካርታ።
ዝገደደ ከኣ፡ ህግደፍ (ምእሳር ኣመል ኰይኑዎ) ንሓደ ወዲ ኮሶቮ ዝኾነ ጀይምስ በሪሻ ዝስሙ ዘዋር ነፋሪት፥ ቅድሚ ሽድሽተ ዓመታት ንኮሶቮ ተፈላጥነት ኣብ ዘይሃባ ሃገራት እናዞረ 'በጃኹም ንኮሶቮ ከምሃገር ፍለጡና' እናበለ ክዘውር ጸኒሑ ኣስመራ ምስ በጽሐ፡ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዳጐንዎ ይፍለጥ። ድሕሪ ክንደይ ላዕልን ታሕትን ከኣ'ዩ ካብ ማእሰርቲ ህግደፍ ነጻ ኰይኑ፡ዝረኸቦ ርካብ እናገረሞ ንሃገሩ እተመልሰ።
ኣብዚ ላዕሊ ብሓጺሩ ተጠቒሱ ዘሎ ነጥብታት ንገለ ካብቶም ኣንበብቲ ጠቓሚ ኮይኑ ክርከብ ተስፋ እገብር። እታ "ሰንኮፍ ኣጀማምራ ነጻ ኤርትራ ናይ 1991 ንዘሎናዮ ሃለዋት ከመይ ከምዝጸለዎ" ብዝብል ኣርእስቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት እተጻሕፈት ወረቐት ኣብ ቀረባ ጊዜ ናብ ኣንበብቲ ክትዝርጋሕ ኢያ።
ርሑስ በዓል ፋሲካን፡
ናብ ዝሓሸ መድረኽ ዝመርሕ
መበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራን ይግበሮ!!
መንጎኛን ዓላቝን፡ ተቐባል ሕድርን ሰራቕን። ዝወጸሉ ዝርያ ኣብ ልዕሊ ሰዲህኤ።
Tuesday, 13 March 2018 08:09 Written by ሃይለ ወልዱ። ሎንዶን።‘መንጎኛን ዓላቝን፡ ተቐባል ሕድርን ሰራቕን!’ ኣምላኽ ይኽልኣልና፡ ይብሉ ኣበዋትና’ሞ፣ መስከረም ወብ-ሳይት ኣብ ዓሎቕ ተሸሚሙ ኣንጻር’ቲ ዝሰፍሐ መሰረትን መሪሕነትን ሰድህኤ ጸሚዱ ክትርእዮ፡ ዕጹብ ድንቂ’ዩ ዝኾነካ’ሞ፡ እዚ ጥቕሲ’ውን ብዘይመኽንያት ከምዘይተደግመ ይስወጠካ። ብርግጽ ብሓሶት ዝጽልም ጻዕዳ ክንደየናይ ክህሉ ኮይኑ? ግን የተዓዛዝብ’ዩ። ውልቃዊ ዕርክነት ክቡር እንድዩ፡ ግቡእ ቦታ’ውን ኣሎዎ። ግን ንስለ ውልቃዊ ዕርክነት ተባሂሉ፡ ብዘይ ፍትሓዊ ሚዛን ኣብ ልዕሊ’ቲ ካልኣይ ምብዳል፡ ናቱ ሃየንታ ኣሎዎ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብባህሪኡ መላኺ’ዩ። ‘እቲ ሓርማዝ ኣብ ውሽጢ’ቲ ክፍሊ’ሎ!’ ስእሊ ሓሙኹሽታይ ሓርማዝ ሰቒሉ ዝቕኒ ዝነበረ ወብ-ሳይት፡ ኣብ ሎሚ-ዘበን በጺሑ ብሓሶት ኣብ ልዕሊ ሰዲህኤ ክጸምድ እንታይ ረኸቦ? ነቲ ቀንዲ ሰዲህኤ ብምህሳይከ እንታይ ዝኣትዎ ረብሓ ሃልዩዎ’ዩ ክንዲዚ ዝተሓዋወሶ? ብሓደ ምስራሕን ምፍልላይን ኣካልን ኣምሳልን ፖሊቲካዊ ሂወት ስለዝኾኑ፡ ምስ’ዞም ሕጂ ተፈልዮሙና ዘሎዉስ ይትረፍ፡ ምስ እቶም ናይ ቀደም’ውን ይኹኑ፡ ስጋብ እቲ ምፍልላያት ኤርትራዊ ዝኾነ ዝተለምደ’ዩ። ኣብዚ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርድዳት ‘ውን፡ ብዘይካ ኣብቲ ሓቢርናዮ ዘቖምናዮን ዝተሰማማዕናሉን መትከላትን ቅዋማትን ምፍልላያት እንተዘይኮይኑ፡ ዝተደፋፍእናዮ ግራታውቲ ይኹን፡ ኣሕሊፍና ዝሃብናዮ ዶባት የብልናን። ነዚ ዘይሓዲሽ ተረኽቦኸ፡ እንታይ ዘራያት ተደልዩሉ’ዩ። እቲ “ሓሲኻ ይዕረቕ እምበር፡ ሓሲኻ ምብኣስሲ፡ ኣብ መሬት ረብሓ የብሉ፡ ኣብ ሰማይ’ውን ጽድቂ የብሉ።” ዝብል ናይ ኣበዋትና ለባም ብሂል፡ ካን ወርጃ ክስእን? ብዘለዉዎ ሰላም ይጽንሓዮም፡ እዩ እቲ ብወገናን ዝበሃል ዘሎ። መኽንያቱ ሰላሞም ተመሊሱ ንዓና ነቶም ገዲፎሙና ዝኸዱ ዘሎዉ፡ ጸዳሉ ምግዳፍ ስለ ዘይተርፎን፡ ስለ እንኣምነሉን።
ሎሚ ኣገዲሱ ካብ ኣጽሒፉኒ ዘሎ ቀንዲ ነጥቢ፡ ከምቲ ሰዲህኤ ኣብ መትከላቱ ብብሩህ ኣቐሚጡ ከይተሓለለ ዝቃለሰሉ ዘሎን፡ መትከል ሰላማውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ’ዩ። ነዚ መሰረታዊ መትከል ሰዲህኤ ዘይቅበልን ዘይኣምንን ኣባል ሰልፊ’የ ክብል ዘይጠዓዓም’ዩ፡ ክህሉ’ውን ኣይግባእን። ምናልባት እንተተረኽበ’ውን፡ ዝተጸፍየን ክዉንን ዘይክዉንን ብምልዓል ከዕለብጥን፡ ንጉዳያት ሰልፊ ንድሕሪት ከጓትትን እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ቁምነገር ብምልዓል ንሰልፊ ከሳጉም ኣዝዩ ኣሸጋሪ’ዩ። ምናልባት ምሒር ወረጃ እንተኾይኑ ከምቲ ‘ዝብኢ ስጋብ ዝደልዎ ይሕንክስ።’ ዝበሃል፡ ነቲ ክኾነሉ ዝደልዮ ብሳላ ዘይተሓለለ ቃልሱ ብዝሒ ድምጺ ዕዉት ዝገብሮ፡ በቲ እቶም ብዙሓት ርዒሞሙሉ ዘሎዉ ተጸቒጡ ንለውጢ ክቃለስ ካልእ ምርጫ’ዩ። እቲ ካልእን ዓይኒ ብለይ ስኒ ብለይ ዝሓወሰ፡ ብዛዕባ ካልኦት ብዙሓት ዕሽሽ ብምባል፡ ነቲ ዝኣምነሉን ጸቢብን ራኢ ከቀላጥፈሉ ዘኽእል እንታይ ብዘይገድስ ሓደ ድምብልብል ዝበለ ሓርፋፍ ምጥማራት ምፍጣር’ዩ።
እምበኣርከስ ካብዚ ተርድኦ’ዚ ብምንቃል፡ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ሓው መስፍን ሓጎስ፡ ኣብቲ ምስ ሓው ኣንቶንዮ ተስፋይ ስኑድ ገይሩዎ ዘሎ ቃለ-መሓተት፡ ኣንጻር እምንቶን መትከልን ሰዲህኤ ዝኾነ፡ ነቲ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ፡ ብስያፉ መጺኡ፡ ኣይቅበሎን’የ ብምባል ገሊጹዎ ስለዘሎ፡ ብርግጽ ኣባል ሰዲህኤ ኮይኑ ክቕጽል ኣዝዩ ኣሸጋሪ’ዩ። ብወገነይ እዚ ብምስምዓይ፡ ሓደ ካብቲ ገሪሙኒ ዝጸንሐ ነጥቢ ኮይኑ፡ ሕጂ ግን ምስቲ እነ’የ መትከላት ሰዲህኤ ዝውንን ብምባል፡ ውሪሕሪሕ ዝብል ዘሎ ሸነኽ፡ ሓቢሩዎን ዝእንሆ ሓዲሽ ሓላፍነትን፡ ብኸመይ’ዩ ክጠዓዓም ዝኽእል፡ መሊሱ ካብ ዘገረመኒ’ዩ? ወይሲ፡ እዚ ውሪሕሪሕ በሃሊ’ዚ፡ ንስለ ባህጊ ሓው መስፍን ሓጎስ ካብቲ መሰረታዊ እምንቶ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ድሮ ኣላጊሱ ኣሎ’ዩ? እሞ በሉ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ እንተኣቐመጥኩ፡ ነቲ ልሙድን መስከርም ወብ-ሳይት ከልዕሎ ዝጸንሐን ተመሳሳልቲ ብሩሃትን ግቡኣትን ሕቶታት ቦዂሩ ብምርኣየይ፡ ኮነ ኢልካ ተዘንጊዑ ከይህሉ ገሪሙኒ፡ ‘ዓሎቕ’፡ ‘ሓርማዝ’፡ ካልእ ሃሰውሰው እንተበልኩ መኣስ ዘየምሕረለይ ክኸውን ኢሉ። ከምቲ ኣበዋትና ዝብሉዎ፡ ‘ወይ ጎቦ ኹን፡ ወይ ድማ ኣብ ጎቦ ተጸጋዕ!’ እንድዩ’ሞ፡ መስከረም ወብ-ሳይት ዝኣክል ጎቦ፡ ቁልቁል ኣፉ ተደፊኡን፡ ትሕቲ ባይታ ተሓቢኡን፡ ስኢነዮን፡ ንኻልእ ገጸይ ሃሰው እንተበልኩ መዓስ ዘይምሕረለይ ኮይኑ?
‘ኣሐ ዓዲ’ክስቶስ’፡ ተር እንተላ’ስ ሰልሰይተን ዒሉ!’ ከም ዝበሃል፡ መስከረም ወብ-ሳይት፡ ከምቲ ኣብ ካላኦት ኤርትራውያን ውድባትን ተበግሶታትን ክገብሮ ዝጸንሐ ፍተሻ፣ ማለት እኒ መን እዮም እቶም ዘይተነግሩ ዘሎዉ ኣስማት መሪሕነት? ሕጂ ንገሩና። እንተዘይልቦ፡ ባዕልና ክንከሽሖ ኢና። እንዳበለ ዓቕልታት የጻብብ ከም ዘይነበረስ፡ ኣብ ሎሚ በጺሑ እንታይ ጎልቢቡዎ’ዩ፡ ካን ብሓሙሽተ ፈጻሚት-ሽማግለን፡ መመላእታኣ መጻናናዕትን፡ እንታይዶ-መንዶን ክርዕምን ክቐስንን ዝተኻእሎ? ኣዝዩ ዝገርም’ዩ። እሞ እቲ መስከረም ወብ-ሳይት ክልጠፍ ንርእዮ ዝነበረናን ዝለመድናዮን ሓሙኽስታይ ሓርማዝ መመሊሱ ቅጅል ቅጅል እንተበለ እንታይ ዘገርም ክህሉዎ ኮይኑ? ግን ’ንተካል እዋን’ውን በዓል-ውቃበ ኣሎዋ’ ከምዝብሉዎ፡ ግዜ ዝሃቦም 10 ሰብ-ጋዕሲ ኢልካ ምሕላፉ ዝቐልል ምኾነ። ግን ከኣ መን ይፈልጥ? ዶኾን እታ ዓቕሚ ኮይኑዋ ንሳ ጥራሕ ምዃና ተመሊኻ ኮይና? ምባል ከይገደፍኩ፡ ካብ ምሕማይ ተሳጊረ ዓውታ ክውስኸ እንተመረጽኩ፡ ካልእን ዘይፈለጥኩዋን ዓሎቝ ምናልባት ከይትወጸኒ ንሎሚ ዳርጋ ንኽገድፋ መሪጸ ኣሎኹ።
ወድሓንኩም!
ሃገርና ፈጣሪ ይባርኸልና!
ሃይለ ወልዱ። ሎንዶን።
መግለጺ ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ዓመጽን ኣድልዎን
Monday, 12 March 2018 07:52 Written by በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ ብደረጃ ዓለም ንመበል 107 ግዜ፡ ይበዓል ኣሎ፡ እዚ በዓል እዚ ን ደቀ ኣንስትዮ ኤርትራውያን፡ ፍሉይ ትርጉም እኳ እንተተገበአ፡ ብሰንኪ ምሕደራ ህግደፍ ግን፡ ኣብ ትሕቲ ዓመጽን ኣድልዎን ድርብ ወጽዓን ንዝክሮ ምላውና ቃልስና ከነሐድስን፡ልዕልና ሕጊ ንምንጋስ ክንሰርሕ፡ ድርብ ሓላፍነት የሰክመና።
ኤርትራውያን ደቀ ኣንስትዮ፡ ወሃ ዘበለ ታሪኽ ዝሰርሓ፡ ኣብ ጎድኒ የሕዋተን ኮይነን ስረን ጋምባለን ወድየን ዝናረን ዓጢቐን ጸላኢ ዘባረራ፡ እተን ዝተረፋ ድማ ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ኮይነን ሓያል ደገፍ ብምግባር ቃልሲ ከምዝቀላጠፍ ዝገበራ፡ ጀጋኑ ወሊደን መሪቐን፡ ኪድ ዝወደይ እሾኽ ኣይውጋእካ ዓወት ሒዝካ ተመለስ ኢለን ዘፋንዋ እየን።
ሎሚ ግን፡ ሳላ ህግደፍ እንታይ ተሳኢኑ፡ እዚ ኩሉ ኣበርኩቶን ተወፋይነትን፡ ገደል ኣትዩ። ይትረፍ ዶ ክብረትን ምጎሳን ክትረክብ፡ እቲ ንቡር ንማንም ሰብ ዝግብኦ ክብሪ ሲኢና፡ ኣብ ግዱድ ዕስክርና፡ መፍሊሒት ቡን ብዕሉጋት ሰበስልጣን፡ ኮይና ኣብ ዝይፈልጥኦን ዘይሓሰብኦን በ ኣስገዳድ ይዕመጻን፡ ካብኡ ሓሊፉውን፡ ኣብ ዕሸል ዕድሜአን ጠኒሰን መጻኢኣን ጸልሚቱ፡ ኣብ ልመናን ምንዝርናን ተዋፉረን ይርከባ፡ ጥራይ ዘኮናስ መላገጺ ካብ ዲያስፖራ ዝኸዱ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣዳኸርቲ፡ ስርዓት ኢሰያስ ኮይነን ይርከባ ኣለዋ። እዚ ኩሉ ግን ሕመቕና ዘንጸባርቕ እዩ። ንሕና ደለይቲ ፍትሒ፡ ኩሉ ፍልልያትና ከም ጸጋ ተቐቢልና፡ ዘለና ዓቕሚ ኣወሃሂድና፡ ዕምሪ"ዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ንምሕጻር ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ፡በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ በዚ ኣጋጣሚ ከቢድ ለበዋ የመሓላልፍ።
ናይ ሎምዘመን ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ፡ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ብመስዋእቲ ሓትበኛ ሃይል ወልደትንሳአ (ድሩዕ)፡ ከምኡውን፡ ክቡር ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር፡ ክሊትኦም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኢሰያስ፡ ኣብ ዝዓረፉሉ እዋን ንዝክሮ ብምህላውና፡ ፍሉይ ይገብሮ። በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ዝተሰምዖ ዓሚቕ ሓዘን እንዳ ገለጸ፡ ሕጅውን ብሓያል ጥርናፈ ንቕድሚት ብምግስጋስ፡ ነቶም ተስፋ ቆሪጾም ኣብ ማሕዩር እዚ ኣረምየናዊ ስርዓት ኮይኖም ዕለተ ሞቶም ዝጽብጽቡ ዘለው ሓርበኛታት፡ ተስፈኦም ካባና ስለ ዝኾነ፡ ውዳቤና ኣሐይልና ንለውጢ፡ ክንሰርሕ፡ ንላቦ።
ሎሚ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ፡ይኸይድ ምህላው ካብ ዓይኒ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን፡ ስለዝኾነ፡ እዚ ማሕበር በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ መቃለሲ ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ስለዝኾነ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ተሳትፎኡ ብምዝይድ ሓባራዊ ስራሕ ይጽበዮ ከምዘሎ ብዝኽኻር፡ ብፍላይ፡ ከኣ መንእሰያት፡ ተረከብቲ ታርኽ ስለዝኾኑ፡ ዝያዳ ሓላፍነት ክስከሙን መሪሕ ተራ ክጻወቱን ናይ ወትሩ ጻዊዒትና፡ ለበዋናን እዩ። እዚ መግለጺ ብምኽንያት መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ፡ ኮይኑ፡ ንዓና ን ደለይቲ ፍትሕን ማዓርነትን፡ ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክመና ከምዝኺነ፡ ክንዝክር ይግባእ።
እዚ ክቡር ዕለት'ዚ፡ የሕዋትናን ኣዴታትናን ኣብ ከምይ ኩነታት ከምዘለዋ፡ ገምጊምና፡ መሰረታዊ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ፡ ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ። በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ንኹለን ኤርትራውያን ደቀ ኣንስትዮ፡ ርሑስ በዓል ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ ክኾነለን እንዳ ተመነየ፡ ሓድነቱን ወዳቤኡን ኣሐይሉ፡ ብሓያል መንኮርኩር ነዚ ሒዝዎ ዘሎ ቃልሲ ን ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ ከም ወትሩ ከይተሓለለ ክሰርሕ ምዃኑ፡ ይገልጽ።
በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ን መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ ዓመት መጸ ካብ'ቶም ብኽብሪ ዝዝክረን ሃገራውያን በዓላት እያ። በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንኹሉ ሕሉፍ ኣበርክቶን ተወፋይነትን ሓርበኛታት ኤርትራውያን፡ ዘለዎ ክብርን ሞጎስን ግምት ብምሃብ፡ ን መዓልት ቶጎርባውን፡ ብተመሳሳሊ ዕለት፡ ማለት ምስ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ፡ ኣወሃሂዱ ዓመት መጸ ብኽብሪ፡ የብዕል። በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ከይሰልከኹም ንሓርነታዊ ቃልሲ ዕዙዝ ኣበርክቶ ትገብሩ ዘለኹም፡ ርሑስ በዓል ቶጎርባ ንብል።
ሓድነትና ዋሕስና እዩ።
በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
9 መጋቢት 2018