ህግዲፍ ንምንብርካኽን ንምልጋስን ሓቢርና ንቃለስ

2018-04-20 07:11:07 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1678 times

ዕላማ ቃልስና ጨቋኒ ስርዓትህግዲፍ ኣልጊስካ መስተርሆ ህዝቢ እትውሕስ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምህናጽ እዩ።ነዚ ሓሳብ’ዚ ዝቕበሎ እምበር ዝነጽጎ ኤርትራዊ ሰልፊ፡ ውድብ ወይ ማሕበር ክህሉ ማለት ዘበት እዩ። እቲ ምቕባል ግን ካብ ክሳድ ንላዕሊ ወይ ከኣ ብልቢ ክኸውን ይኽእል። ግን ከኣ ኩሉ ብሓደ መለክዒ ይኣምነሉ ከይትብል እቲ ኣብ ከመይነት ምህናጽ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንፈላለ ምዃና ኣመላኸቲ እዩ።

ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፥ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንምልጋሲ ቃልሲ ካብ ዝጅምር፥ እነሆ መስታ እቲ ብኢደወንኑ ስልጣን ዝጨበጠ፥ ቅዋም ኣልቦ ስርዓት፡ ብዕድመ ማዕረ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ኣተሃላልዋ ደንበ ተቓውሞ ንገዛእ ርእሱ ሃገራዊ ሓይሊ ከይዓኩኽ ዓንቂጽዎ። ምኽንያቱ ፋሕፋሕ ኢልካ ወይ በብናትካ፥ “መሰል እንዲዩ” እናበልካ ዝግበር ውደባን ቃልስን፥ ንቕድሚት ከሰጉመና ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ዝተበታተነ ቃልሲ ምክያድ ወይ ከም ምርጫ ምውሳድ፥ ብቕዓታት፡ ክእለታት፥ ተጻዋርነትን፥ ስልጣኔን ዘይምህላዉ እዩ ዘመስክር። ተጻዋርነትን ምክእኣልን እንተ ጠፊኡ፥ ብዓቕሚ ይኹን ክእለት ይዳኸም። ምትእምማን ይጠፍእ። ድሕሪ እዚ እቲ ኣተሓሕዛ ዘይስልጡን ኣገባብ ይኸውን። እምኽንያቱ እቲ ሓቢርካ ምስራሕ ዝብል ኣምር ዕድል ስለዝስእን ጥቕሙን ጉድኣቱን ከተለሊ ኣጸጋሚ ይኸውን።

ሎሚ ሓንቲ ካብ ክልተ ምምራጽ ናይ ግድን እዩ። ብመንጽር እዚ ደምበ ተቛውሞ ኤርትራ፡ ንኹሉ ፍልልያቱ ኣወንዚፉ ብሓባር ምስራሕ፥ ወይ ከኣ ተበታቲንካ መፍቶ መላኺ ስርዓ ምዃን ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ዘሎ ምርጫታት እዩ። ርግጽ እዩ; ነታ ምብትታን ዝመርጻኤርትራዊ ኣካል የለን። ነታ ምብትታን ዝመርጽ ካብ ዘይሃለወ እምበኣር፥ ነቲ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ፡ ምስ ኩሉ ኣውንታኡን ኣሉታኡን ተቐቢሉ፡ ኣብ ንኩልኻ ዘርብሕ ማእከላይ ቦታ ክራኸብ ይግበኦ። ምኽንያቱ እቲ ዝተበታተነ ዝተፈላለየ ርእይቶ ከም ምብዝሑ ስለዝኸውን ነቲ ካብ ብዙሓት ዝርከብ ርእይቶታት; ትግባረን፥ክእለታትን ምስ ዝጥርነፍ ኣድማዒ ተራ ክህልዎ ይኽእል።

ንሓደ ዕላማ ዝቃለሱ ኣካላት ኣብ ክንዲ በበይኑ ዝወፍር ብሓባር ከተስልፎ ኣዝዩ ተመራጺ እዩ። እዚ ዘመልክቶ እቲ ሓባራዊ ስራሓት ብዕቱብነት ተታሒዙ ምስ ዝስረሓሉ፡ እቲ ኣብ ሓድሕድካ ዘሎ ርክብ ይድልድል። እዚ ከኣ ናብቲ ዓቢ ኣድማዕነት ዘለዎ ስራሕ ንምብጻሕ እቲ ፍልልያት ንኽውንዘፍ ይኹን ንክሃስስ የተባብዕ።

“እቲ ውልቃዊ ጻዕሪ እዩ ዝያዳ ዘድምዕ” ብዝብል ግጉይ ብሂል ደንበ ተቓውሞ፡ መብዛሕትኡ ናብ ዘየድልን ዘየዕውትን ኣገባብ ውደባ ገጹ ሃሰውሰው ክብል ንርእዮ ኣሎና። ከምኡ ስለዘኾነ ከኣ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድሌታት ክማላእ ስለ ዘይክእል፥ ናብ ናይ ሕድሕድ እምነት ምጉዳል ገጹ ስለ ዘምርሓና፥ “ኣነ ብኣውራጃይ፥ ብብሄረይ፥ ብሃይማኖተይ” ናብ ዝብል ኣገባብ ስርርዕ ክወስደና ምዃኑ ርጉጽ እዩ። እዚኦም’ባ እቲኦም እናበልካ ሕድሕድ ምቁንጻባትን ምንእእስን ንወጽዓ ህዝቢ ዘገልግል ኣይኮነን። ዘገልግል ነይሩ እንተዝኸውን ንዕስራን ሽድሽተን ዓመት ተፈላሊናን ተረሓሒቕናን ኢና፥ ስለዚ ጎዲኡና እምበኣር ፍረ ኣይነበሮን። ውልቃዊ ጻዕሪ እዩ ዝያዳ ኣድማዒ ዝብል ኣምር ዝኽተል ከኣ፥ ነቲ ሓባራዊ ስራሓት ፍሕት ከምዘይብል ይገብሮ። ካብዚ ነቒሉ መራሕን ተመራሕን ክህሉ ዝግበኦ ተርሲዑ ኩሉ መራሒ ክኸውን ህርድግ ስለ ዝብል፡ ነቲ ምድሓን ወጽዓ ህዝብን ሃገርን የደናጉ ዮእዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ፈቲና ጸሊእና ፍልያትና ዓቂብና፥ ብሓባር ክንስርሕ ዘይንደሊ እንተኮይና፥ በዚ ድምበ ተቓውሞ ክሳብ ሕጂ ዝኸዶ ዘሎ ዝተበታተነ መንግዲ ነዚ ስርዓት ጽንጽያ ዓይኑ ኣይከነንፍረሉን ኢና። እዚ ካብ ኮነ ነቲ ስርዓት ናይ ምውጋድ ጉዕዞና ዘገምታዊ ከይከውን ዘየስግእ ኣይኮነን።

Last modified on Friday, 20 April 2018 09:14