ኣብ ቀብሪ ሓጂ ሙሳ ካብ ዝተኣስሩ ትሕቲ ዕድመ ሕጂ’ውን ዘይተፈትሑ ኣለዉ

2018-04-20 08:49:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2144 times

ኣብ ቀብሪ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግዲፍ ዝዓረፉ ሓጂ ሙሳ ስለ ዝተሳተፉ፡ ካብ ዝተኣስሩ ትሕቲ ዕድመ ተመሃሮ መንእሰያት ብብዝሒ ተገፊፎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምእታዎም ዝዝከር እዩ። ካብዞም ዝኾነ ኣበሳ ከይፈጸሙ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጐኖም ትሕተ ዕድመ መንእሰያት 80 ዝኾኑ ኣብዝሓለፈ ቀዳም ብ14 ሚያዝያ 2018 ነጻ ዝተፈትሑ ከምዘለዉ ምንጭታት ሰዲህኤ ካብ ኣስመራ ገሊጾም። ይኹን እምበር ካብቶም ሽዑ ዝተኣስሩ መንእሰያት እቶም ዝበዝሑ ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሪፎም ምህላዎም ምንጭታትና ኣረጋጊጾም ኣለዉ። እዞም ድሕሪ ክንደይ ስቓይ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝወጹ ትሕቲ ዕድመ ተመሃሮ፡ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ቀብሪ ናይ ምስታፍ ዕድል ከም ዘይህብ’ኳ ዝፈልጡ እንተነበሩ፡ “ዝመጸ ይምጻእ” ኢሎም ምስ ተሳተፉ ብኣልማማ ከም ዝተኣሰሩ እዩ ዝፍለጥ።

ምንጭታትና ከምዘረጋግጾ፡ ሕጂ’ውን ዝተወሰኑ’ኳ ካብ ማእሰርቲ እንተወጹ ቁጽሮም ብልክዕ ክጠቕስዎም ዘይከኣሉ ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ብጾቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተሪፎም ከምዘለዉ ዝጠቐሱ ወገናት ኣለዉ። ስርዓት ህግደፍ ከም መርኣያ ናይቲ ክቱር ጸረ ኩሉ መሰላት ተግባራቱ፡ ክሳብ ምኽልካል ተሳትፎ ኣብ ቀብሪ ብህይወት እንከለዉ ንጭቋኒ ምሕደራኡ ዝቓወሙ ዝነበሩ ሰባት ምብጽሑ ዘገርም እዩ። እዚ ጉጅለ ብህይወት እንከለዉ ይነቕፍዎ ዝነበሩ ሰባት ምስ ሞቱ ኣብ ሃገሮም ናይ ምቕባር መሰል ከም ዝኸልእ’ውን ዝፍለጥ እዩ።

እዞም ሕጂ ገለን ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጹ ገለን ድማ ኣብ ቤት ማእሰቲ ተሪፎም ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ተመሃሮ፡ ኣብቲ ሓጂ ሙሳ ዝተኣስርሉ ግዜ እውን ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ናይ ተቓውሞ ድምጾም ካብዘስምዑ ዜጋታት ክኮኑ ከም ዝኽእሉ ዝግመት እዩ።

Last modified on Friday, 20 April 2018 15:39