ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ካቢነ ሚኒስትራት ለውጢ ገይሮም

2018-04-20 07:18:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2282 times

ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ፈደራላዊ ደሞክራስያዊት ረፐብሊክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ዝገበርዎ ለውጢ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ) ቀሪቡ ብ19 ማዝያ 2018 ጸዲቑ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ 32 ዝነበረ ብዝሒ ሚኒስትርታት ናብ 31 ኣውሪዶም ካብቶም ዝነበሩ ሚኒስተራት ኣብቶም 15 ለውጢ ኣይገበሩን። ካብቶም ከም ዝነበርዎ ዝቐጸሉ ምኒስተራት ናይ ወጻኢ ጉዳይን ናይ ገንዘብን ይርከብዎም።

ካብቶም ዝተረፉ 16 ምኒስተራት ዓሰርተ ሓደስቲ ከምጽኡ እንከለዉ ኣብቶም ሽዱሽተ ድማ ናይ ቦታ ሓላፍነት ለውጢ ገይሮም። ካብቶም ሓደስቲ ሚኒስተራት ናይ ሕርሻን ሃብቲ እንስሳን፡ ናይ መንግስታዊ ትካላት ልምዓት፡ ናይ ጥዕናን ንግድን ሚኒስትርታት ይርከብዎም። ካብቶም ናይ ሓላፍነት ቦታ ምቅይያር ዝተገብረሎም ድማ ናይ ምክልኻል፡ ናይ ትራንስፖርትን ባህልን ቱሪዝምን ሚኒስትርታት ይርከብዎም። ካብ ጠቕላላ እቶም ሚኒስተራት እተን 5 ደቂ ኣንስትዮ እየን። ድሕሪ እቲ ናይ ካቢነ ሚኒስተራት ምጽዳቑ ከኣ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ላዕለወይቲ ኣወሃሃዲት ማእከል ምህናጽ ደሞክራሲያዊ ስርዓት፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስን ሓላፊ ትካል መለስ ዜናዊ ኣካዳምን ዝርከብዎም 9 ላዕለዋይ መዝነታት ሂቦም።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ በቲ ዕለት ፓርላማ ኢትዮጵያ ንወይዘሮ ሞፍሪያ ካሚል ናይ መጀመርያ ጓለንስተይቲ ኣፈባይቶ ገይሩ መዚዝወን። ወይዘሮ ሞፍሪያ ካሚል ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሓላፍነት ክልልን ፈደራልን ክሰርሓ ዝጸንሓ እየን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ቅድም ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ግንባር ኢህወደግ ኣቦመንበር ኮይኖም ተመሪጾም። ድሕሪኡ ድማ ብመሰረት ናይ ኢትዮጵያ ሕገመንግስቲ ናይቲ መንግስቲ ዝመርሕ ግንባር ኣቦመንብር ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኑ ስለ ዝስየም ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቦም ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኖም። ድሕሪ ቀዳማይ ምኒስተር ምዃኖም ከኣ ኣብ ክልላት ሶማልያ ከተማ ጂግጂጋ፡ ኦሮሚያ ከተማ ኣምቦን ትግራይ ከተማ መቐለን ዑደትን ኣኼባታት ህዝብን ኣካይዶም። ብዘይካዚ ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፡ መንእሰያትን ሕብረተሰብ ንግድን እውን ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ክዘራረቡ ከም ዝቐነዩ ዝዝከር እዩ። ኣብ ኩሉ ርክባቶምን መደረታቶም ከኣ ኣብ መንጎ ኤርርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኣይሰላም ኣይውግእ ኩነታ ከም ቀንዲ ዛዕባ ይጠቕስዎም ካብ ዝነበሩ ጉዳያት እዩ።

Last modified on Friday, 20 April 2018 15:40