ሓደ ኣካል ወይ ውዳበ ብዛዕባኡ ክጽሕፍን ክዛረብን እንከሎ፡ “ኣነ ከምዚ እየ” ኢሉ ነብሱ ከላሊ ዝተለምደ እዩ። ነዚ ሌላ ብዝተሰነደ ኣገባብ ከስፍሮ’ውን ንቡር እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ከምቲ “ግደ ዓዳላይ ደልዳላይ” ዝበሃል ገለ ወገናት ንተግባሮም ዘይምጥን ጸጽብቑ ስም ክሕዙ ምምጥጣር ልሙድ እዩ። ንነብሶምን ይውክለኒ ዝብልዎ ኣካልን ምስ ተግባሮም ዘይምጥን ስም ክህቡ ምዕዛብ ከምኡ ዝተለምደ እዩ። “ኣዴኻስ ብስም ኣይትወጽዕካ” ከም ዝበሃል። እቲ ጸገም እምበኣር ኣብ መንጎ እቲ ክትኮኖ እትደልዮን ከምኡ ንክትከውን ዘለካ ኣኽእሎን ዘሎ ፍልልይ ከተጻብብ ኣብ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ ዝንጸባረቕ።
እቶም “ታሕተዎት ደረጃታት፡ ንላዕለዎት ደረጃታት ይምእዘዙ፤ ላዕለዎት መሪሕነታት፡ ንሓሳባትን ለበዋታትን ኣባላት ብዕቱብነት ኣጽኒዖም፡ ግቡእን ፍጡንን መልሲ ይህቡ። ኣብ ኵሉ ደረጃታት፡ ውሳኔታት ብብዝሒ ድምጺ ይጸድቕ፤ ዝበዝሐ ድምጺ ዘይረኸበ ሸነኽ ድማ፡ ብውሳኔ ናይ ብዙሓት ይምእዘዝ፤ ውሑዳት ግቡኦም እናፈጸሙ፡ ኣብ ዘለውዎ ጽፍሒ ርእይቶኦም ብናጻ ክገልጹ መሰሎም ሕልው እዩ” ዝብሉ መስረታዊ ኣዕኑድ ንዝሓቁፍ፡ ደሞክራስያዊ ጥርናፈ “ናይ ምብራቓዊ ዲሞክራሲ ስዑር ኣምር እዩ” እንዳበልካ፡ ዲሞክራስያዊ ክትከውን ሕጊግ እንዳበልካን ልዕሊ ሕጊ ክትከውን እንዳተሃንጠኻን ናይ ሕጊ ልዕልና ተጣባቒ ክትመስል ምፍታን ቅቡል ኣይኮነን። ንናይ ካለኦት ርኢቶ ኣፍደገ ዓጺካ፡ ኣብ ክሊ “ናተይ ሓሳብ ጥራይ እንተዘይሰዓረ” እንዳኹደድካ፡ ናይ ብዙሕነት ሓብሓቢ መሲልካ ምቕራብ’ውን ቅቡል ኣይኮነን። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ዋላ እንተደጋገምካዮ፡ ዓምጣሪ ባህሪኻ ዘቃልዕ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ኣይክእልን።
ተፈትወ ተጸልአ፡ ኣብ ሕጋዊ ጉባኤ ዝተመዘዘ መሪሕነት ኣብ መንጎ ክልተ’ቲ ዝተመዘዘሉ ሕጋውን ወግዓውን መድረኻት ሰልፊ ውድብ ወይ ማሕበር ላዕለዋይ ኣካል እዩ። ውሳነታቱ ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝመዘዞ ሓፋሽ ልኡላውን ተተግባርን እዩ። እዚ መሪሕነት ኣብ መስርሕ ንዝወስዶም ስጉምትታት ምክትታልን ምቁጽጻርን ናይቶም ዝመዘዝዎ ኣካላት መሰልን ሓላፍነትን እዩ። እቲ መሪሕነት ዝወስዶ ስጉምትታት ቅኑዕን ምስቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ዘሳንን ክኸውን እንከሎ ምድጋፎምን ምትግባሮም፡ ካብ መስመር ክወጽእ እንከሎ ድማ እንዳተግበርካ ናይ ምንቃፍን ብኻልእ ንኽትክኦ ለበዋ ናይ ምቕራብን መሰል ከኣ ናይቲ መራጺ ኣካል ዕማም እዩ። መሪሕነት ነቲ ካብቲ ዝመረጾ ኣካል ዝመጽእ ነቐፈታን መተሕሳሳሰብን ናይ ምቕባል ወይ ናይ ምንጻግ ዘይገሃስ መሰል ኣለዎ። እቲ መሪሕነት ኪኖቲ ዝተዋህቦ መሰልን ዝተመርጸሉ ዕማምን እንተኸይዱ ከኣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓታቲ እዩ። እቲ ትሓታትነት ግና ብትዕቢት ዝተሰንጠቑ ኣካላት ኣብ ማእከል ጎልጎል ዘካይድዎ ዘይኮነስ ኣብ ንቡር ወይ ፍሉይ ወግዓዊ መድረኽ ዝካየድ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ኣተገባብራ ቀጥዒ ዘለዎ እዩ። ብጐኒ ኣቲኻ ንመሪሕነትን ስርዒታዊ ኣሰራርሓን ንምጉጣይ ዝግበር ፈተና ግና ዓማጺ፡ ጸረ ዲሞክራስን ኣፍራስን እዩ። ስርዒት ምሓዝ መሕብኢ መሪሕነት ወይ መጨቆኒ ተመራሕቲ ዘይኮነ ስርዓት ዝሕለወሉ ፍቱን ቀጥዒ እዩ።
ናይቲ መሪሕነት ዝመርጽ ሰልፊ፡ ውድብ ወይ ማሕበር ኣባላት ንመን ይመርጹ ወይ ኣይመርጹን ባዕላቶም እዮም ዝውስኑ። ምውሳን ከኣ ካብቲ ዝቐርብ ኣማራጽታት ኣብ ሓደ ምውዳቕ እዩ። ሰባት ኣብ ምምራጽ መሪሕነት ኮነ ውሳነ ኣብ ምውሳን ክጋገዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ጌጋ ከውድቕዎም ካብ ዝኽእሉ ምኽንያታት ብዛዕባቲ ንምርጫ ዝቐረብ ሓሳባት ኮነ ኣካላት እኹል ኣፍልጦ ዘይምውናን ክኸውን ይኽእል እይ። እንተኾነ ሓንሳብ ምስ ወሰንካ ወይ ምስ መረጽካ ከምቲ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ” ወይ “ቀሚሽ ኣደይ ኣሕንኲሉኒ” ዝበሃል፡ ምጥዓስን ምንጽርጻርን ተቐባልነት የብሉን። ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ቀሪብካ “ሰይጣን ወሰደኒ መልኣኽ መለሰኒ” ኢልካ ኣብቲ ኣቀዲምካ ዝረዓምካዮ ደሓር ግና ዘየዕገበካ ሓሳብን መሪሕነትን ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ኣራሚ ዳግመ ርኢቶ ምግባር ቅኑዕ ኣሰራርሓን መሰልን እዩ። ኣብዚ ሕጋዊ መድረኽ ክብትጽሕ ድማ ጹረትን ጽንዓትን ይሓትት። እንተቲ ነዚ ሕጋዊ ኣገባብ ምስዓብ ዘኽእል ትብዓትን ትዕግስትን ምስ ሰኣንካ፡ ኣብ ማእከል ጐልጐል ምጽሕታር ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ትዕዝብቲ ካብ ምውዳቕ ሓሊፉ ፋይዳ ስለ ዘየብሉ ክንጐርሓሉ ዝግበኣና እዩ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ እቲ ደሞክራሲያዊ መሰል መራጺ ጥራሕ ኣብ ምዃን ዝድረት ዘይኮነስ፡ ተመራጺ ናይ ምዃን መሰል እውን ዝውስኽ እዩ።
እዚ ስርዓትን ኣገባብን ንኹሉ ኣብቲ መስርሕ ፈትዩን ረድዩን ዝኣተዎ ኣካል ዝምልከት እዩ። ነዚ ብዘለካ ንብረት ተነይትካ ወይ ብዘለካ ናይ ትምህርቲ ኮነ ናይ ካልእ ማሕበራዊ ብልጫ ተኸዊልካ ዝሰዓር ኣይኮነን። እኳ ደኣ ከምቲ ቀደም ወለድና “ ናይ ሎሚ ገደደ ሰያብ ዝዓብደ” ዝብልዎ ዝነበሩን ሎሚ እንተላይ ናብ “ናይ ሎሚ ገደደ ምሁርን ምኩርን ዝዓበደ” ዝብል ኣበሃህላ ማዕቢሉ ዘሎን እቲ ዕዳ ኣብቶም እንዳፈለጡ ዘደናግሩን ናይ ካለኦት መሰል ክጉዕጽጹ ዝደናደኑን እዩ ዝኸብድ። ኣብ ባህልና ንብዕድመ ዝደፈአን ብተመኩሮ ድዩ ብትምህርቲ ዝሰጐመን እምነት ኣንቢርካ ምስዓብ ዝተለምደ እዩ። እዚ ግና ደረት ዘየብሉ ኣይኮነን። እቲ “ናብ ዓዲ ደሓን ክመርሓኒ” ኢልካ እምነት ዘንበርካሉ ኣካል ቅኒቱ ክቕይር እንከሎ ከምቲ “ክሳብ ትኣምን ኪድ ካብዘይትኣምን ተመለስ” ዝበሃል ኣብ ዘይማእመካ ናብ ልብኻ ምምላስ ንቡር እዩ። እቶም “ኣነ ዘይተኣመንኩ ደኣ መን ክእመን” ኢሎም ዘንቀዱ ግና ናህሮም ቀልጢፉ ኣይዝሕልን እዩ። ኣብ ከምዚ ከኣ እዩ ብዘይካ ምድግጋም ጸርፍን ዘለፋን ካልእ ላዛ ዝሰኣነሎም ወገን ዝገድፎምን “ዓሻስ ጸጸር ክሳብ ዝውዳእ ገበጣ ይጻወት” ኢሉ ዝምስለሎምን። ካብዚ ንምድሓን እምበኣር ክትኮኖ ንእትደሊ ምስ ክትኮኖ እትኽእል ምምጥጣን የድሊ።
ስደተኛታት ኣብ ሆሎት መዳጎኒ ማእከል - እስራኤል
ዋሽንግተን —
እስራኤል ብዘይሕጋዊ መንገዲ እዮም ኣትዮም ንዝበለቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ ወይ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ክትገልጽ ጸኒሓ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናይ መጀመርያ ስጉምቲ’ቲ ምስጓግ ከምዝጀመረቶ ይሕበር ኣሎ።
ሰበስልጣን ኢምግሬሽን እታ ሃገር ንኤርትራዊያንን ሱዳናዊያን ሓተቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ክወጹ ዝእዝዝ መምርሒ ክህቡ ከምዝጀመሩ ተሓቢሩ።
እስራኤል ነዞም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው እዮም ዝበለቶም ኣስታት 40,000 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ክሳብ ወርሒ መጋቢት, 2018 ብፍቓዶም ናብ ካልእ ሳልሳይ ሃገር ክኸዱ ወይ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ክትገልጽ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ሚካኤል ዝተባህለ ካበይ ምኳኑ ክሕብር ዘይፈቐደ ስደተኛ ናብ ሩዋንዳ ክጥረዝ ምኳኑ ካብ ክፍሊ ኢምግሬሽን እስራኤል ወረቐት ከምዝበጽሖ ይሕብር።
ንሱ እስራኤል ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስድ ጌጋ ምዃኑ ብምግላጽ ምክንያቱ ድማ እዞም ስደተኛታት ኣብ ዝኸድዎ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞት እዩ ዝጸብዮም ይብል።
እስራኤል ግን ነዚ ጥርዓን ስደተኛታት ብምንጻግ መብዛሕትኦም ዝሓሸ ህይወት ንምምራሕ ዝመጹ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እዮም ትብል።
እቲ ነዞም ስደተኛታት ናይ ምስጓግ ውሳኔ እቶም ስደተኛታት 3,500 ናይ ኣሜሪካ ዶላር ተዋሂብዎም ብፍቓዶም ክወጹ ወይ ድማ ክእሰሩ ምኳኖም ይገልጽ።
ሰብስልጣን እስራኤል እዞም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ንመለለይ ኣይሁዳዊያን ዝኾነ መንነት ኣብ ሓደጋ ዘእትው እዮም ከምኡ’ውን ኣብታ ሃገር ንዝረአ ዘሎ በብጊዚኡ ዝውስኽ ገበን ንምትሓት መነባብሮ ዜጋታት ተሓተቲ እዮም ይብሉ።
ኣብቲ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝነብርሉ ደቡባዊ ከተማ ቴል ኣቪቭ ትነብር እስራኤላዊት ማይ ጎላን ብሰንኪ እቶም ስደተኛታት ኣይሁዳዊያን ኣብ ጎደናታት ምዝዋር ከምዘይኸአሉ ትገልጽ።
ኣብ እስራኤል ዝርኸባ ትካላት ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ግን ነዚ ስጉምቲ መንግስቲ እስራኤል ዘይሕጋዊን ንዓለምለኸ ሕጊ ዘይኽተልን ዘይሞራላዊያን እዩ ይብሉ።
ካብ ሊበራል ፓርቲ’ታ ሃገር ዝኾኑን ኣባል ፓርላማን ሚካኤል ሮሲን እስራኤል መጻኢኡ ናብ ዘይተፈልጠ ሃገራት ኣፍሪቃ እያ ነዞም ስደተኛታት ትሰጉግ ዘላ ብተወሳኺ ሩዋንዳ ብዛዕባ’ዚ ምስ እስራኤል ስምምዕ ከምዘይብላ ትገልጽ ኣላ ይብሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ገለ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ምጽናት ኣይሁድ ብናዚ ጀርመን ዝተረፉ ዜጋታት እታ ሃገር፡መራሕቲ ሃይማኖት፡ ምሁራትን ኣበረርቲ ነፈርቲን ነዚ ስጉምቲ ምስጓግ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ብትሪ ይቓወሙ ኣለው።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኢምግሬሽን እታ ሃገር ካብ ሰዓታት ወጋሕቲ ጀሚሮም ተሰሪዖም ይረአዩ ምህላዎም ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይሕብር።
እዚ ናይ ዑቕባ ሕትኦም ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ እንተተነጺጉ ድማ እቶም ሓዳር ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ ክልተ ምርጫ ኣለዎም ክእሰሩ ወይ ናብ ካልእ ሃገር ክስጓጉ።
ራቢ ናቫ ሃፊዝ ዳይሬክተር ክፍሊ ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላት እስራኤል እያ። ንሳ ብዛዕባ እዚ ስጉምቲ እስራኤል ከምዚ ትብል።
“ አጋይሽ ኣብ መንጎኹም እንተለው እቲ ዝበለጸ ቦታ ክትህቦም ይግባእ። ዝበለጸ ስራሕ ክትህቦም ይግባእ።እዚ እዩ እቲ ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ዝብል፡ እዚ ኣነ ዝብሎ ኣይኮንኹን።”
መራሕቲ ሃይማኖት፡ ተማሃሮን ካብ ምጽናት ኣይሁድ ኣብ እዋን ናዚ ዝተረፉ ዜጋታት'ታ ሃገር ነዞምሓተቲ ዑቕባ ኣብ እዋን እቲ ምስጓግ ክሓብኡ ይጽውዑ ኣለው።
ኣብረርቲ ነፈርቲ እታ ሃገር’ውን እዞም ስደተኛታት ዝስጎጉሉ ነፈርቲ ከምዘየብርሩ ይገልጹ ኣለው።
ወዲ 15 ዓመት ኮይኑ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ካብ ኤርትራ ናብ እስራኤል ዝመጸ ፊጎ ኣርባዕተ ጊዜ ናይ ዑቕባ ሕትኡ ምንጻጉን ኣቐዲሙ ንዓመትን ፈረቓን ተአሲሩ ከምዝነበረ ብምግላጽ ሕጂ’ውን ካብ ምስጓግ ማእሰርቲ ከምዝመርጽይ ገልጽ።
እስራኤል ኣብ 2012 ዓ.ም ምስ ግብጺ ዘዳውባ ዶብ ብሓጹር ቅድሚ ምእጻዋ ኣስታት 600,000 ስደተኛታት ንምድረበዳ ሲናይ ብምቁራጽ ናብታ ሃገር ምእታዎምን ድሕሪ ምዕጻው እቲ ዶብ ድማ ኣስታት 20,000 ስደተኛታት ብመንገዲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት፡ ብወለንትኦምን ካልእ መንገዲን ካብ እስራኤል ምውጽኦም ይፍለጥ።
ቅልዕቲ ደብዳበ ናብ ኣባላትን መራሕትን ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ውድባት፡
Thursday, 01 February 2018 10:15 Written by ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰሜን ኣሜሪካብቀዳምነት ብስም ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዕዙዝ ሰላምታና ነቕርበልኩም።ኣብ ጉዕዞ ቃልስኹም ከኣ ዓወት ንምነየልኩም።
ስምና ከም ዝሕብሮ፡ ንሕና ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ቅዋማውን ደሞክራስያውን ስርዓት ንምትካልን፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስን ዝግበር ቃልሲ፡ ህዝብና ኣድማዒ ተራ ንኽጻወት፡ ህዝቢ ንምብርባርን፡ ንምልዕዓልን ዝተበገስና ህዝባዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኢና።
መሰረታውያን መቖሚያታትና፡
1. ኣገባብ ኣሰራርሓናን ኣወዳድባናን ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝቐንዐ እዩ፣
2. ኣባልነት ኣብ ህዝባዊ ምልዕዓል ብውልቂ ደረጃ ኮይኑ፡ ኣብ ኩሉ ጸፍሕታት ዝግበር ምርጫታት ኣብቲ ሓደ-ሰብ ሓደ-ድምጺ ዝብል ኣምር ዝተርመርኮሰ ይኸውን፣
3. ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ንክረጋገጽ ዝቃለስ እምበር፡ ንባዕሉ ንፖለቲካዊ ስልጣን ዘይወዳደር በርጌሳዊ ማሕበር እዩ፣
4. ከም ሻርነት ዘይብሉ ነጻ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ መጠን ኣንጻር ወይ ደገፍ ናይ ዝኾነ ውድብ መርገጽ ኣይወስድን፣
5. ንኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ብዝምልከት ኣብ ዝለዓሉ ዛዕባታት ንጹር መርገጽ ይህልወና፣
6. ኣብ ታሪኻውን እዋናውን ግደ ናይ ፖለቲካውያን ውድባት ኣብ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ንኣምን፣
7. ንናይ ሓባር ራእይና ንምዕዋት ምስ ኩሎም ፖለቲካውያን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ብምትሕብባር ንሰርሕ፣
8. በርጌሳዊ ማሕበርና እንኮ ወካሊ ናይ ኣብ ደያስፖራ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ክኸውን ዕላማ የብሉን፣
ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን ምስ ኩሎም ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ውድባት ክሰርሕ ድልው እዩ። ፖለቲካዊ ውድባትና ፍልልያተን ኣጽቢበን ብኹሉ ዓቕመን ኣንጻር እቲ ቀዳማይ ጸላኢ ንኽቃለሳ ኣብ ዝውሰድ ተበግሶታትን ዝግበር ርክባትን ኣወንታዊ ተራ ይጻወት።
ኣብ መደምደምታ፡ ዕላማ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣብ ምስዓር ህግደፍ፡ ምስ ናይ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ውድባት ዕላማ ተማላላእን ተደጋጋፍን ስለ ዝኾነ፡ ኣባላት ፖለቲካውያን ውድባት ኣብ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ድርብ ኣባልነት ብምሓዝ ምሳና ሓቢርኩም ክትቃለሱ ንዕድም። ኣብቲ ነተን ዘይተወደባ ዘለዋ ከተማታት ንምውዳብ እነካይዶ ዘለና ጻዕሪ ሓገዝኩም ከይፍልየና ከኣ ነማሕጽን።
ዓወት ንተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ!
ዝኽርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
Our email: nah
ኣብ ዓለምና ዘይተኣደነ ፍልልያትን ሽግራትን ከም ዘሎ ንማንም ስዉር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ዝካየድ ምንቅስቓሳት ናይ ግድን እዩ ምፍሕፋሕ ክህሉ። እዚ ምፍሕፋሕ እወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ክወልድ ድማ ባህሪያዊ እዩ። ይኹን እምበር ነቲ ኣሉታውን እውንታውን ፈላሊና ዘርበሓናን ዘየርበሓናን ኣብ ምጥማት ስስዕቲ ስለ እነቕድም ኣብ ግርጭትን ፍልልያትን ንኣቱ።
ንፍልልያት ዝፈጥር ሽግራት ክህሉ ናይ ግድን እዩ። እቲ ፍልልያት እቲ ግና ኣብ ምንታይ ዝተመርኰሰ እዩ፡ ነቲ ፍልልያት ክወልድ እንክሎ ምጽናዕ ድማ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ሽግር ኣሎ ኢልካ ጥራሕ ፍልልያት ንምግፋሕ ክትጥቀመሉ ግን ካብ ፍትወት ነፍስን ኣነነትን ዝነቅል ፖለቲካዊ በለጽ እውን እዩ ክኸውን። ኣብዚ ክንግንዘቦ ዝግበኣና ነቲ ካብቲ ሽግራት ዝፍጠር ፍልልያት ኣብ ረብሓ ዝተመርኮሰ ዲዩ ወይ ኣብ መትከል፥ ኣብ ውሽጢ እዚ እቲ ፍልልያት ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ዲዩ ወይ ኣብ ናይ ኣፈጻጽማ ስራሓት ፈሊኻ ምንጻር እውን ዝያዳ ኩሉ ተደላይነት ኣለዎ። ኣፈጻጽማ መዓልታዊ ስረሓት ምስቲ መትከል ከተጽንዖን ወልቂ ረብሓኻ ከተቐድምን ምዃንካ ርዱእ እዩ።
ደቂ ሰባት ኣብ ክንዲ ብፍንው ብሓደ ዝነብርሉን ዘሰማምዕሉን ሕግታት ክሕንጽጹ ኣድላይነት ኣለዎ። ብዘይጠማሪ ሕጊ ምኻድ ግን ደቂሰባት ኣብ ነንሓድሕዶም ንዘቀራርቦም ይኹን ንዝየራኽቦም ፍልልያት መዕለቢ ክገብሩ ብጣዕሚ ክሽገሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ እዚ ዘይበሃል ምትፍናንን ግርጭታትን እዮም ክጥሕሉ። ከም’ዚ ክርከብ እንከሎ ድማ እቲ ምዕብልና ንድሕሪት ተጐቲቱ ናተይ ጥራሕ ስምዑ፥ ኣነ ዝበልክኹም ግበሩ ዝብል ናይ ምብሓት መንፈስ ይስዕርር። ናይ ምብሓት መንፈስ ክስዕርር እንከሎ ድማ እቲ ክክፉኡ ንካልኦት እንዳለጠፍካ፥ ንስኻ ንጹህ መሲልካ ምርኣይ ይስዕብ። ክሳብ ነቲ ጭቡጥ ስነ-ፍልጠታዊ ዝኾነ ኣምር እውን ብግልባጡ ክትጥቀመሉ ትህቅን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ እቲ ዲሲፕሊን ይጠፍእ እሞ ነቲ ብሓባር ከናብረካ ዝኽእል መትከል ዓነውነው ተብሎ። ውጽኢት ናይዚ ከኣ ቅድም ምርሕሓቕ ድሕሪ ምርሕሓቕ ከኣ ጽልኢ ድሒሩ ድማ ምጽልላምን ንሓድሕድካ ምትህርራምን የስዕብ።
ደቂሰባት ብባህሪኦም ዝፈላለዩሉን ዝሰማምዕሉን ጉዳያት ክህሉ ናይ ርዱእ እዩ። ገሊኡ ክጭክን፥ ከንበርክኽ፥ ክመልኽ፥ ኣነ ጥራይ እየ ቅኑዕ ... ወዘተ ይብል ። ገሊኡ ከኣ ክሰማማዕ፥ ክረዳዳድእ፥ ንሰናይ ዘበለ ክፍትሽን ካብ ትምክሕትን ኣነነትን ርሒቑ ነቲ ጌጋኡ ዝእርምን ብሓባር ናይ ምንባር ወጸዓ ደቂሰባት ወጽዕኡ ምዃኑ ዝኣምንን ኣብ ዝብሉ ባህሪያት ወይ ክፈላለዩ ወይ ከኣ ክመሳሰሉ ይኽእሉ። ብውሽጥኻ ብሓባር ንምንባርን ንኣምር ድሞክራሲ ንምትግባርን እንዳነጸግካ፥ ምስ ካልኦት ኰንካ ንኹሉ ዘርብሕ ክትስርሕ ይኹን ሽግራት ወይ ፍልልያት ኣብ ዝረኣዩሉ ብስልጡን ኣገባብ ፍታሕ ክተናዲ ማለት ዘበት እዩ። እንታይደኣ ኣብ ክንድኡ ምርሕሓቕ ንከዓሙቕ ዝዕድም ዘይምስልኻ ሒዝካ ነቲ ገፈል መፈል ኣብ ካልኦት ክትነግፎ ናብ ምጽላምን ሽምጠጣን ገጽካ ተድህብ። ኣብ ከምዚ ህሞት ከኣ እቲ ምፍራስ እምበር ምህናጽ ዝብል ሓሳብ ካብ ኣእምሮ ደቂሰብ ስለ ዝሕከኽ ነቲ ፍልልይ ዝፈትሕ ሓሳብ ኣብ ምቕራብ ኣይዕወቱን።
ስለዚ እቲ ኣብ ደቂ ሰባት ክርከብ ዝኽእል ፍልልያት ከም ውሁብ ተወሲዱ፥ ነቲ ፍልልያት ናይ ምምእካሉን ኣካሉ ናይ ምዃንን ብሓደ ተጣሚሩ ዝኸይድ እዩ። በቲ ፍልልያት ከይተገዛእካ ነቲ ንኹሉ ዘርብሕ ሕልና ምሓዝን ምትግባርን ቅድመ ተደላይነት ኣለዎ። ከመይሲ ንሱ እዩ ሓደ ካብቲ ኣካላት ናይቲ ፍታሕ።
ከም ሰባት ክንነብር እንከለና ፍጹም ከነወግዶም ዘይንኽእል ዝፈላልዩና መምዘንታት ኣለዉና። ዘቀራርቡና’ውን ከምኡ። እንተኾነ ኣብክንዲ ነቶም ዝፈላልዩና ነቶም ዘቀራርቡና ከነጉልሕ እንከለና፡ ብሓባር ንነብር ጥራይ ዘይኮነ ብዙሕ ሓባራዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ተግባራት ንፍጽም። ከም ዜጋታት ናይ ሓባር ሃገርን ልኡላውነትን ነውሕስ። ንኹልና ብዘማእክል ሕግን ስርዓት ድማ ንመሓደር። ካብዚ ሓሊፉ፡ ብባህሪ፡ ብዕድመ፡ ብጾታ፡ ብደረጃ መነባብሮ፡ … ውዘተ ዘለዉና ፍልልያት ንቕድሚት ኣምጺእና እንተነጉልሖም እቶም ኣቐዲምና ዝገለጽናዮም ናይ ሓብር ክብርታት ክንውንን ኣይመኸኣልናን።
በቲ ካልእ ማእዝን ናብ ህልዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞና እንተመጻእና፡ ከነወግዶም’ኳ እንተዘይከኣልና ንቕድሚት ኣምጺእና ከነጉልሖም ዘይግበኣና መፈላለዪ ነጥብታት ኣለዉና። ከከም ኩነታቱን ግዜኡን ከኣ እንዳተበራረዩ ነቲ ዘመሳስለና ኣተሓሳስባታት ከም ዝሃስይዎ ክንዕዘቦም ጸኒሕናን ኣለናን። በዚ መሰረት ኣብ ሕድሕድና፡ ሚዛና ኣብ ሕቶ ሃይማኖት፡ ኣገባብ ቃልሲ፡ ኣመዛዝና ስርዓት ህግደፍ፡ ዝምድናና ምስ ዘይኤርትራዊ ሓይልታት ዝኣመሰሉ ፍልልያት፡ እቲ ሓደ ክሃድእ እንከሎ እቲ ካልእ ንቕድሚት እንዳመጸ እንዳተበራረዩ የረሓሕቑና ኣለዉ። ብሓባር ክድመሩ እንከለዉ ከኣ ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፍልልያት እዮም ዝፈጥሩ። ብፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ፍልልይ ምፍጣር ብፍላይ ኣብዚ ንነብረሉ ዘለና ኩልኻ ሰዓራይ እትኾነሉ ዓለማዊ ርኢቶ፡ ብጥሪኡ እምብዛ ዘጻልእን ዘተፋንን ኣይኮነን። ብሰንኪ ኣብ ኣተሓሕዛኦም ዝፍጠር ጸገማትን ኣምላኺ ሰዓራይን ተሰዓራይን ምዃንን ግና እነሆ ፍልልይ ነጊሱ። ከም ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞ፡ ኣባና ዝንጸባረቕ ዘሎ ከኣ ንሱ እዩ።
ከምቲ “ካብ ልቢ እንተሓዚንካ ንብዓት ኣይኣብን’ዩ” ዝበሃል፡ ልባዊ ድሌትና ስኒትን ብሓባር ምስራሕን እንተኾይኑ፡ ነቲ ዝፈላሊ ከም ዘይነተባብዕ ባህርያዊ እዩ። ብንቕሓትን ምሉእ ሕልናን ንስኒትን ሓቢርካ ምስራሕን እንተ ተቢዕና ከኣ፡ እቲ እነጉልሖ እቲ ዘቀራርበና እዩ። ንጉዳያት እንተደኣ ብዓይኒ ቅንዕና ዘይሒዝካዮም ዘባእሱ ከም ዝኾኑ ከኣ እነሆ ብግብሪ ይረአ ኣሎ። ከምቲ “እምብዛ እንተጠሚትካዮ ጸባ’ውን ይጽልም” ዝበሃል። ኣብ ጉዳይ ተቓውሞና እቲ ቀንዲ ጸገም ናይ ፖሊሲ ፍልልይ ከምዘይኮነ ብብዙሕ ምኽንያታት ክመሳኸር ይኽእል። ብቐዳምነት ናይ ፖሊሲ ፍልልያት እንተሃለወ እውን ውሕልነትን ሓልዮትን እንተ ኣሰንይዎ ሓቢርካ ንምኻድ ዕንቅፋት ከምዘይከውን ብዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ዝተመስከረ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብዙሓት ብዘይካ ኣዝዩ ውሱን ነጥብታት ናይ መትከል ፍልልያት ዘይብልና ክነስና፡ ሰለስተ ኣርባዕተ ውድባት ኮይና ንኸይድ ምህላውና ካልእ ህያው ምስክር እዩ። “እዚ ስለምንታይ ይኸውን?” ኢልካ ክትሓትት እንከለኻ ውዱእ መልሲ ምርካብ ዓሚቝ መጽናዕቲ ዘድልዮ እዩ። ኣብ ኣተገባብራ ዝፍጠሩ ሜላውን ምምሕዳራውን ፍልልያት ክትጻወር ዘይምኽኣል፡ ናይቶም ተዋሳእቲ ናይ ባህሪ ፍልልያትን፡ ኩሉ ነገር ምሉእ ብምሉእ ከምቲ እትደልዮ ክኾነልካ ምድላይን ከኣ ናብ መልሲ እቲ ሕቶ ዝቐረቡ ምናልባታት ምዃኖም ምግማት ዘይከኣል ኣይኮነን። ባዕልኻ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ንዘጽደቕካዮ ሕግታት ምእዙዝ ዘይምዃን’ውን ኣብዚ መዳይ ዓብይ እጃም ዝሕዝ እዩ።
ብዛዕባ ብሓባር ምስራሕ ክትሓስብ እንከለኻ፡ እዞም ብሓባር ንዘይምስራሕ ምኽንያታት ክኾኑ ይኽእሉ ዝበልናዮም ከጋጥሙ ከም ዝኽእሉን ተዳሊኻሎም ምጽናሕ ከም ዘድሊ ምግንዛብ ይግባእ። ምስዚ ብዝተኣሳሰር ከም ውድብ ኮነ ከም ውልቀ ባእታ ከምቲ ንስኻ ናትካ ሓሳብን ህርፋንን ዘለካ፡ እቲ ካልእ መሻርክትኻ ወገን’ውን ከምኡ ዓይነት ዝንባለ ከምዝህልዎ ምርዳእ ካልእ ክንግዘቦ ዝግበኣና እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነታዊ ኣረኣእያ እንተዘየልዩ ግና ናይ ሓባር ረቛሒ ክርከብ ኣይክእልን እዩ። ናይ ሓባር ረቛሒ ኣብ ዘየብሉ ከኣ ከቶ ናይ ሓባር ስራሕን ጉዕዞን ኣይህሉን። ብሓባር ምስራሕ ዘይምህላው፡ ዓቕምኻ ከም ዘዳኽምን መፍቶ’ቲ ናይ ሓባር ጸላኢኻ ከም እትኸውንን ከኣ ኩነታትና ባዕሉ መስካሪ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከምዚ ዝኣመሰለ ክለሰ-ሓሳባዊ መረዳእታ እንዳሃለዋና ናብ ተግባር ዘይንተግህ ምህላውና እዩ። ኣብ ውሽጥኻ ካልእ ሓሳብ እንዳሃለወካ ነቲ ኩነታት ንምምሳል ኣብ ኣደባባይ ዝረአ ናይ ቃልዓለም ኣቀራርባ ከኣ ካልእ ጸገም እዩ። ብዛዕባዚ ክንዛረብ እንከለና ሓደ ብጻይ “ኣብ ግዜ ሓደ ዓይነት ጃኬት በበይኑ ኣተሓሳስባ ኢና ዘለና” ዝብለኒ ሕጂ ትዝ ይብለኒ።
ንትሕዝቶ ኣተሓሳስባ ምስቶም ነቲ ኣተሓሳባ ዘቕርቡ ኣካላት ምትእስሳር ልሙድ ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ “መን እዩ በሃሊ?” ምቁማት “እንታይ እዩ እቲ ዝተባህለ?” ምጉላሕ ሃናጺ ኣተሓሕዛ እዩ ዝብል ተረደኦ ኣለና። ነቲ ሓሳብ ዘቕርብ ወገን ውድብ ይኹን ባእታ ስለ ዝጸላእካዮ ነቲ ሓሳቡ ምንጻግ ሓደገኛ እዩ። እቲ ሓደጋ እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ነቲ ሓሳብ ዘቕርብ ውድብ ይኹን ባእታ ስለ ዝፈተኻዮ፡ ንሱ ንዘቕርቦ ሓሳብ ዘየድምዕ እንዳሃለወ ምቕባሉ’ውን ከኣ ካልእ ገጽ ናይቲ ሓደጋ እዩ። ስለዚ “መን ኣቕሪብዎ” ንዝብል ኣይንገደሰሉ’ኳ እንተዘይበልና ቀንዲ ቆላሕታና ግና ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐርብ ሓሳብ ዘዕዘዘ ክኸውን ይግባእ።
ጨንፈር ቶሮንቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ስሩዕ ኣኼባኡ ብዓወት ዛዚሙ
Tuesday, 23 January 2018 02:48 Written by EPDP Information Office in North America
ጨንፈር ቶሮንቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.) ብዕለት 21 ጥሪ 2018 ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ወዲኡ። ኣኼባ 16 ኣባላት ዝተሳተፍዎ ክኸውን ከሎ 4 ካብኦም ከኣ ሓደሽቲ መንእሰያት ነይሮም። ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከኣ ተመያይጦም ናይ ስራሕ መደብ ኣውጺኦም።
- ሌላ ምስ ሓደሽቲ ኣባለት፤ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ያሲን ዑስማን ንሓደሽቲ ኣባላት ምስ ጨንፈር ድሕሪ ምልላይ፣ ምስ ኣሰራርሓ ጨንፈር ከም ኣኼባ፣ ጉባኤ፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣብሪህሎም።
- ህልዊ ኵነታት ሰልፊ፤ ሓው ትኩእ ተስፍይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሰልፍና ብውሽጥን ብደገን ዘጋጥሞ ብደሆታት ኣዕሚቁ ገሊጹ። መሰረታት ሰሜን ኣመሪካ ንናይ ደገ ዑሱባት ኣብ ፍረ ከይበጽሐ ምብርዓኖም ኣመጒሱ።
- ጉባኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፤ ጨንፈር ኣብዚ መጨረሽታ ወርሒ ጥሪ ክግበር ተቀሪቡ ዘሎ ናይ ዞባ ጉባኤ ኣስፊሖም ተመያይጦም። ካብ ኣምራጺት ሽማግለ ዝመጾም መምርሒ ተኸቲሎም ንጉባኤ ዕዉት ንኽገብርዎ ወሲኖም።
- መደባት ጨንፈር፤ ኣብ ናይ መጻኢ መደባ ጨንፈር ክትዓብን ክትሰፍሕን ወሲና። ነዚ ኣብ ግብሪ ከተውዕል ከኣ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ኢድ ንኢድ ኮይና ክትሰርሕ ኣረጋጊጻ።
ህዝባዊ ቃልሲ መተካእታ የልብሉን!
ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ቅድመ-ምውዕዋዕ ዘይተገብረሉ ብ14 ጥሪ 2018 ምስተን ኣብ ኤርትራ በይነን ብሒተን ዘለዋ ሚድያታቱ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ። እዚ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ ፍሉይ ዝገብሮ ኣቐዲምካ ናይ ሰማዕትን ተዓዘብትን ናይ ተኸታተሉ መጸዋዕታ ዘይተገብረሉ ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘይተለምደ ኣገባብ ብቐጥታ ኣብ ኤርትራዊ ዘይኮነ ዞባዊ ዛዕባ እዩ ኣትዩ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ህልዊ ዞባዊ ወጥሪ ዝያዳቲ ኤርትራዊ ስግኣት ስለ ዘሕደረሉ ምዃኑ ብዙሓት ተዓዘብቲ ዝሰማምዕሉ እዩ።
እዚ ቃለመጠይቕ ዝተገብረሉ ግዜ በቲ ሓደ ወገን ኤርትራ እትርከበሉ ብሳዑዲ ዝምራሕ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሱዳን እትርከበሉ ብቐጠር ዝምራሕ ጋንታት ዘሎ ምፍጣጥ ናብ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ቅርኒ ኣፍሪቃን ዘሳፍሓሉ እዩ። ነዚ ምትእስሳራት ኣብዚ ከባቢና ክንዕዘቦ እንከለና ኤርትራን ግብጽን በቲ ሓደ ወገን፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ድማ በቲ ካልእ ወገን ኮይነን ዝጠማመታሉ ዘለዋ ኩነታት እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነታት ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ህይወትን ንብረትን ዝዓነወሉ ምዃኑ ርዱእ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ኣብ መንጎ ግብጽን ሱዳንን ብዙሕ ምኽንያታትን ነዊሕ ዕድመን ዘለዎ ምስሕሓብ ሕጂ ድሕሪ ኣብ መንጎ ሱዳንን ቱርክን ዝጸንሐ ዝምድና ምሕዳስ ተወሲኽዎ መሊሱ ዝዓረገ እዩ።
ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣቶ ኢሳይያስ ከምዚ ዝተኸታተልናዮ ትሕትና ዘለዎ ዝመስል ቃለ መጠይቕ ክህብ ዘገደድዎ ስግኣታት ብዙሓት ምዃኖም ናይ ብዙሓት ነቲ ቃለመጠይቕ ዝተኸታተልዎ ግምት እዩ። ብውሽጣዊ ዓይኒ ክረአ እንከሎ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ምሒር ግዝኣት መሪርዎ ኣንጻር ህግደፍ ብግሁድ ትንዕምንዕ ዝጀመረሉ እዋን እዩ። እዚ ሓደ መመሊሱ ዝመውቕ ዘሎ ስግኣት እዩ። ብዘይካዚ ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ዝነበራ ዝምድና ካብቲ ዝነበሮ ጸቢብ መሊሱ ጸቢቡ ምስ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡትን የመንን ዘራኽባ ዶባት ዕጽዊ እዩ። ካብዘን ሃገራት ናብ ኤርትራ ዝመጽእ ነገራት የለን። ካብ ኤርትራ ናብኣተን ዝኸይድ’ውን የለን። እዚ ዕጽዊ ኩነታት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሐ ውጡር ቁጠባዊ ኩነታት ናብ ኣዝዩ ዝተወጠረ ከደይቦ ግድን እዩ። እዚ ወጥሪ’ዚ ነቲ ኣብ መንጎ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ወጥርን ሰዓቦ ጉተቶን መሊሱ ከም ዝውጥሮ ፍሉጥ እዩ። ምናልባት ጐንጺ እንተተፈጢሩ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ብጉልባብ ምዕቃብ ልኡላውነት ዕድመ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ከናውሕ ኢሉ ክዋግ ዝህልዎ ቅሩብነትን ዓቕምን ንኣቶ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ዘቕስኖም ኣይኮነን። ኣንጻሩ ዘይምለስ ማዕበል ከይፍጠር’ውን ዘየስገኦ ኣይኮነን። እዚ ዘንጸላሉ ዘሎ ስግኣት ናብ ጕንጺ እንተማዕቢሉ ኤርትራ ዓውዲ ውግእ ናይ ምዃን ዕድላ ሰፊሕ ስለ ዝኸውን ዞባዊ ተሓታቲ ዝኸውን ንሱ ስለ ዝኾነ ካልእ ስግኣት ኣብ ልዕሊ ስግኣት ዝድርበሉ እዩ።
ኣቶ ኢሳይያስ ኣብዚ ቃለመጠይቑ ገበኑን ፍሽለቱን ኣቐሚጡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ወገናት ተወራዝዩ። ነቶም ደቂ ጋንታኡ ድማ ክዘርየሎም ሰሚዕና። በቲ ካልእ ወገን ንሱዳን ሸምጢጥዋ። ብዛዕባ ኢትዮጵያ እውን ብዙሕ ተመጻዲቑ። ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝያዳ ኢትዮጵያውያን ከም ዝፈልጥን ከም ዝሓልን ብዙሕ ሸንዳሕዳሕ ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝነበሮም ዕድል ኣይሰርሕሉ እንዳበለ ከኣ ንብዙሓት መንግስታት ጠቅይሎም። ከም በዓል ሱሌማን ዘዝመተረሎም ዝኹልሱ ዘይኮነ፡ “ንስኻኸ ነቲ ዝባኸነ ዓመታት ድሕሪ ናጽነት እንታይ ጌርካሉ?” ኢሉ ዝሓቶ እንተዝርከብ መልሱ እንታይ መኾነ እንድዒ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ እምበኣር ብዛዕባቲ ንሱ ብቐጥታ ዝሕተተሉ ኤርትራዊ ኩነታት ዝዛረበሉ ትብዓትን ባህርን ስለ ዘየብሉ፡ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጢ ናብ ደገ ንክርኢ ዝመሃዞ ምጥምዛዝ እዩ።
ኣብዚ ቃለመጠይቑ፡ ንሓንሳብ “ጐረቤት” ንሓንሳብ “ጎደቦ” ዝብሉ ቃላት እንዳደጋገመ ብዛዕባ ኣገዳስነት ንዝምድና ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ቀዳምነት ምሃብ ካብቲ ግዜኡ ዝነወሐ ዝወሰደሉ ነይሩ። ኣብዚ ግና ንሱን ጉጅለኡን ብሰንኪ ዘይዕጉስ ባህሪኡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ምስ ኣርባዕቲአን ጐረባብቱ ሃገራት ውግእ ዝኸፈተን ክሳብ ሕጂ ምስ ኩለን ውሕስነት ዘለዎ ስኒት ዘየብሉን ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። እቲ ካልእ ዘሕዝን፡ ዕዮ ገዝኡ ወዲኡ ያኢ መኻሪ ኮይኑ፡ እዘን ሃገራት መጻኢ ዕድለን ከመይ ምዃኑን ኣብ መጻኢ እንታይ ክገብራ ከም ዝግበአንን ብዙሕ ተዛሪቡ። እሞ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዲሞክራሲ፡ ሰላም፡ ምኽባር ኩሉ መሰላት ክንዲ ፍረ ኣድሪ ዘይሰረሐን ናይ ህዝቢ ብሕገመንግስቲ ናይ ምምሕዳር መሰረታዊ መሰል ዝነፈገ ኣካል ከምዚ ዓይነት ፈዳሕዳሕ ክብል እንከሎስ ናይ መን ልቢ እዩ ክሰብር?
እቲ መኻሪ መሲሉ ዝቐርቦ ሓሳብ ናይ ልቢ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። ግና ስለምንታይ ኣብዚ እዋንዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣምስሉ ሰባኺ መሲሉ ክቐርብ ደልዩ ምርኣዩ የድሊ። ተፈትወ ተጸልኣ ናይዚ ምስጢር ካብቲ ከቢብዎ ዘሎ ስግኣት ዝወጸሉ ግዜ ናይ ምሽማት ዕላማ እዩ። እዚ ጥበቡ ሎሚ ዘምጸኦ ዘይኮነ መቐጸልታ ናይቲ “ዝብእስ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ” ዝብል ነባር ጥበቡ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ንጸቢብ ረብሓኡ ክብል ክስሕቦ ዝጸንሐ ውዲታዊ ኣግማድ ኣብ ኤርትራ ማእከል ስግእት ኮይኑ ምህላዉ ዝረአ ዘሎ እዩ።
እምበኣር ኣቶ ኢሳይያስ እኩይ ስርሑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ደጊም ካብዚ ተግባሩ ክምለስ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ንሕና ናትና ኣቐሚጥና ብዛዕባ እከይ ተግባራቱ ምዝራብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ’ቲ ንሕና ክንገብሮ ዝግበኣና እጃም ድምጽና ከነስምዕ ይግበኣና። ከምቲ ናይ ክሳብ ሕጂ “ህዝቢ ኤርትራ ረብሓኡ ኣብ ምስ ጐረባብትኻ ምስናይ እምበር ምበኣስ ኣይኮንን” ዝብል ሓቀኛ ድምጽና ዓው ኢሉ ክስማዕ ይግበኦ። “ኤርትራ ንጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓ ናይ ግዳም ሓይልታት መዕንደሪ ክትከውን የብላን” ክንብል ሓላፍነትና’ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ተዓዋትነትን ዝሰረተ ፍተሓት ክኽተሉ ድምጽና ከነስምዖም እዋኑ እዩ።
ኤርትራውነት ንኹልና ኤርትራውያን ብማዕረ ዝብጸሓና ዜግነታዊ መለለይና እዩ። እቲ ኣብ መስርሕ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዝፍጠር ሓላፍዘላፍን ሓደ ልዕሊ እቲ ካልእ ምስራዕ ዝመስልን ምፍልላይ ከቶ ነቲ “ዜግነታና ንኹልና ብማዕረ ዝብጸሓና መለለይና እዩ” ዝብል ኣምር ዝቕይሮ ኣይኮነን። እዚ ኤርትራዊ ዜግነት ወይ ናይ ሓባር መለለዪ ኣብ ሓደ ጀኦግራፊያዊ ክሊ ስለ እንነብር ጥራይ እንውንኖ ዘይኮነ ኪኖቲ ጀኦግራፊያዊ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ሓባር ታሪኽን ዓሚቕ ርዝነትን እውን ኣለዎ።
ኣብ ትሕቲ እዚ ክንቕነቕ ዘይግበኦ ናይ ሓባር ዜግነትና ዝስራዕ ካልእ “ኣነ ከምዚ እየ” እንብለሉን ነቲ ዝሰፈሐ ሓድነትና ዘራጉድን እምበር ዘይጻረር ናይ መንነት መግለጽታት እውን ኣለና። ኤርትራዊ፡ መንእሰይ፡ ጓዳለንስተይቲ፡ ተመሃራይ፡ ሰራሕተኛ፡ ሓረስታይ፡ ናይዚ ቋንቋዚ ተዛራቢ፡ ናይ ከምዚ ሃይማኖት ሰዓቢ፡ ናይዚ ብሄርዚ ኣባል፡ ናይዚ ከባቢ ነባሪ፡ ናይዚ ሞያዚ ክኢላ …. ወዘተ እንዳበልና ንገዛእ ርእስና እነፋልጠሉ መንነት እውን ኣለና። እዚኣቶም እውን ከምቲ ንኤርትራዊ ዜግነትና እንሕብሕቦን እንሕልዎን ምክንኻንን ሓለዋን ዘድልዮም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ነፍስወከፍ እዞም ናይ መንነት መለለይታት ነቲ ሰፊሕ ጠማሪ ኤርትራውነት ብዘይጻባእ መንገዲ ክምዕብሉን ክውደቡን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። ምኽንያቱ ንሓያልን ጽኑዕን ኤርትራውነት ዝምግብዎን ዝሕይልዎን ንሳቶም ስለ ዝኾኑ። ምእንቲ እዚ ኢና ከኣ ኣብ ትሕቲ ጻላል ኤርትራውነት ንዝተፈላለየ ውዳበታት እነተባብዕን ንቐጻልነቶም እንጽዕትን። ኣብ ክንዲ ኣብ መንጎ ኤርትራዊ ዜግነትን እቲ ኣብ ትሕቲኡ ዘጽልል መንነታትን ዘሎ ዝምድናን ምድግጋፍን ሚዛናዊ ዝኸውን ሓላፍ ዘላፍ እንተኾይኑ፡ እቲ ህላወ ስጡም ኣይከውንን እዩ። ኤርትራዊ ዜግነት ነቲ ካልእ ዓማጺጹ ሚዛናውነት ብዝጐደሎ እንተነጊሱ ጭቆናን ምግሃስ መሰላትን እዩ ዝወልድ። ብኣንጻሩ እቲ ሓቛፊ ኤርትራዊ ዜግነት ሃሲሱ፡ እቲ ካልእ ናይ መንነት መግለጽታት ዝያዳ ሰዊዱ ከኣ ሓድነትን ዜግነትን ይዳኸም እሞ በበይንኻ ምውፋር ዕድል ይረክብ። በበይንኻ ምውፋር ከኣ ናይ ሓባር ሓይሊ ዘዳኽም እዩ። ስለዚ ዜግነት ዝማእከሉ ሚዛን ምሕላው ኣድላይን ኣገዳስን እዩ።
ንሕና “ኤርትራውያን ኢና” ክንብል እንከለና ዜግነትና ካብ ምሕባር ሓሊፉ ካልእ መልእኽቲ ዘለዎ ኣይኮነን። ምናልባት ገለ ነዚ ኣበሃህላ ብግጉይ ተረዲኦም ከም ናይ ኣነነትን ትምክሕትን መግለጺ ገይሮም ክወስድዎ ዝፍትኑ ኣለዉ። እዚ ዜግነታዊ መንነት ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ ዱብ ኢሉ ዝመጽእ ጸጋ ዘይኮነ፡ ብናይ ቃልሲ መስርሕ ዝጥረን ቀጻሊ ምሕብሓብ ዘድልዮን ኮይኑ፡ እንዳማዕበለ ዝኸይድ እዩ። ኤርትራውያን ነዚ ዜግነታዊ መንነትና ንምርካብ ኣብ ዝተፈላለዩ ምዕራፋት ኣንጻር ኤርትራዊ መንነት ንዝተላዕሉ ወረርትን ገዛእትን ተቓሊስና ብምስዓር ዝዓቀብናዮ ውጽኢት ጅግንነትን መስዋእትን እዩ። ዜግነትና ኣብ ኤርትራዊ ክሊ ንእንነብር ህዝቢ ዝወሃብ እዩ ክንብል እንከለና፡ እዚ ሕጂ “ኤርትራና” እንብሎ ክሊ ንሕናን ጐረባብትናን መን? ኣበይ? ናይ ኣየናይ ሃገር ዜጋ ይኹን? …ወዘተ ተመኺርናን ተላዚብናን ዝኸለልናዮ ዘይኮነ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽ ዘለዎን ብናይ ሽዑ ገዛእቲ ድሌት ዝተቐየሰ ምዃኑን ፍሉጥ እዩ። ምናልባት ብናትና ድሌት እንተዝኸውን፡ ኤርትራ ካብዚ ሕጂ ዘላቶ መዓበየት ወይ መነኣሰት። ናይቶም ኣብኣ ንነብር ዘለና ህዝቢ ናይ መንነት መለለይታት እውን ወይ ከምዚ ዘለዎ መኾነ ወይ ድማ መተቐየረ። እዚ ናትና ፍሉይ ዘይኮነ ኣብ ካለኦት ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ዝረአ እዩ። ብዝኾነ ነቲ ሓይልታት መግዛእቲ ንዓኣቶም ክጥዕሞም ብድሌቶም ዝኸለልዎ፡ እንደጋና ምኽላሱን ምዕራዩን ከምጸኦ ዝኽእል ዝነበረ ሳዕቤን ብምርዳእ ብናይ ሽዑ መራሕቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከም ዝነበሮ ከም ዝጸድቕ ምስተገብረ እነሆ ኤርትራ ሃገርና እዚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጺ ዓቂባ ብዙሕነታዊ መንነታ ሓቚፋ።
ኣመጻጸኣ ኤርትራ ኮነ ካለኦት ሃገራት፡ ከምዚ ዝተጠቕሰ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ በበይነን ጐረባብቲ ሃገራት ዝነብሩ ግና ድማ ተመሳሳሊ ሃይማኖት፡ ባህልን ቋንቋን ዘለዎም ሰባት ምህላዎም ርኡይ እዩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ መንነታት ሓደ ክንሶም ዶብ ደሪትዎም ናይ በበይኑ ዜግነት ኣባላት ምዃኖም ከተሓሳስቦም ከኣ ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ነቲ ዜግነታዊ ዶብ ከይጠሓስካ ብሳላቲ ዘመሳስለካ መንነታት፡ ተቐራሪብካ፡ ክትነግድ፡ ክትዋሰብን ክትተሓሓጋገዝን ዘኽእል መንፈስን ዝምድናን ፈጢርካ ክትነብር ከም ዝከኣል ክዝንጋዕ የብሉን። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ዓለምና ብሳላ ሳይነሳዊ ዕቤት ናብ ሓንቲ ገዛ ማዕቢላትሉ ዘላ መዋእል እዚ ቀሊል እዩ። ናይ ግድን ኣይኮነን ኣብ መንጎኻ ጀኦግራፍያዊ ዶም ስለ ዘሎ ብዓይኒ ጽልኢ ክትረአአን ክትረሓሓቕን። ነዚ ክትበቅዕ ግና ናይ ኩልኻ ምጽውዋር፡ ምክብባርን ሰላማዊ ሃዋህው ምፍጣርን የድሊ።
ናብ ኤርትራ ክንምለስ እንከለና ሎሚ ናይቶም ብግቡእ ክተሓዙ እንከለዉ ንኤርትራዊ ዜግነት ዝጻብኡ ዘይኮነስ፡ መሊሶም ዝኹልዑ ምውድዳባት እንዕዘብ ኣለና። ናይ ሓባር ሃይማኖትካ፡ ቋንቋኻ፡ ብሄርካ፡ ሞያዊ ክእለትካ፡ ጾታኻ፡ ባህልኻን ሞያኻን ናይ ምምዕባል መሰላት ከም ዝሕሎ ንምግባር ዝካየድ ውዳበታት መሰል እውን ስለ ዝኾነ ዝድገፍ እዩ። ነዚ ውዳበታት እዚ ንሓንሳብ ልዕሊ ንሓንሳብ ድማ ማዕረ ኤርትራዊ ዜገነት ክትሰርዖ እንከለኻ ግና ነቲ ብኤርትራዊ ዜግነት ሓደ፡ በቲ ኣብ ትሕቲኡ ዝሓቁፍ መንነታት ድማ ብዙሓት ኮይና ክሳብ ሕጂ ዘመዝገብናዮ ዓወትን፡ ኣብ መጻኢ ዝጽበየና ናይ ሓባር ጉዕዞን ዘብቅዕና ክብደትንን ዓቕምን ስለ ዝሃስዮ፡ ሓደን ብዙሓትን ኮይና ኤርትራውነትና ከነበርኽ ይግበኣና።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት እስራኤል ኣብ ሃገራ ዘለው ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ናብ ካልእ ሃገር ከይተጣይስ ጸዊዑ
Wednesday, 10 January 2018 06:55 Written by 8 ዊንታ ኪዳነ Lisa Schlein
ጀነቫ —
ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ንዘለው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብዘይፍቓዶም ናብ ካልኦት ሃገራት ትሕተሰሃራ ከየጣይስ ተማሕጺኑ።
እስራኤል ኣብ ሃገራ ዘለው ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ካልኦት ሃገራት ናይ ምጥያስ ፖሊሲ ኣብ 2016 ዓ.ም ዝጀመረ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ከይተተግብረ ከም ዝጸንሓ ዝሓበሩ ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ዊልያም ስፒንድለር እንተኾነ እዚ ካብ ጥሪ 1,2018 ክትግብር ዝተገልጸ ኤርትራዊያን ሱዳናዊያን ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ናብ ሳልሳይ ሃገር ምጥያስ ዝብል ፖሊሲን ትካሎም ከም ዘተሓሳሰቦም ገሊጾም።
“ወግዓዊ መግለጺ እቲ ፖሊሲ ነቶም ናይ ዑቕባ ሕትኦም ኣብ መስርሕ ንዘሎ’ውን ዝምልከት ምዃኑ ወይ’ውን ሓተቲ ዑቕባ ብመቑሕ ተአሲሮም ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ክውሰዱ ይኽእሉ’ዮም ምባሉ ዘሰኽፍ’ዩ። ብዘይፍቓዶም ናብ ውጽኢታዊ ሓለዋ ዘይብለን ሃገራት ምጥያስ እዞም ሰባት ዝቕጽል ስጉምቶም ብሊብያ ኣቢሎም ኣውሮጳ ንምብጻሕ ምጉዓዝ ምዃኑ ምርዳእ ድማ ዝያዳ ዘተሓሳስብ’ዩ።”
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 27,000 ኤርትራዊያንን 7,700 ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ዝርኸቡ ምዃኖምን መንግስቲ ነቲ ናይ ዑቕባ መስርሕ ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ 2009 ዓ.ም ድሕሪ ምቕባሉ ድማ 10 ኤርትራዊያን 1 ሱዳናዊያን ጥራይ ከም ስደተኛታት ኣፍልጦ ምርኻቦም እቲ ትካል ወሲኹ ይሕብር።
እቲ ትካል ካብ ሕዳር, 2015 ክሳብ ታሕሳስ, 2017 ኣብ ከተማ ሮማ ዘዘራረቦም 80 ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብዘፍቓዶም ካብ እስራኤል ናብ ካልእ ሃገራት ምጥያሶም ከም ዝገለጹ ዝሓበሩ ወሃቢ ቃል እቲ ትካል እዚ ድማ ንሓደገኛነት እቲ ፖሊሲ ዘርእይ’ዩ ኢሎም።
ንሶም ብተወሳኺ መብዛሕትኦም ኣብ እስራኤል ዝርኸቡ ኤርትራዊያን ብምድረበዳ ሲናይ ድሕሪ ብዙሕ ስቕያትን መስቀይትን ዝሓለፉ ምዃኖም ብምግላጽ ትካሎም እስራኤል ነቶም ስደተኛታት ናብ ካልእ ሃገር ዝጣየስሉ መንገዲ ኣብ ምድላውን መፍትሒ ንምርኻብን ምስ መንግስቲ እስራኤል ንምስራሕ ድልው ምዃኑ ሓቢሮም።
Source=https://tigrigna.voanews.com/a/unhcr-on-israel-policy-to-relocate-african-migrants/4199986.html