“ወዮ ናታስ ንሓማታ”

2018-02-21 07:29:58 Written by  ኣዱሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2428 times

ብዛዕባ ሓደ ተግባር ደጊፍካ ድዩ ተቓዊምካ ክትዛረብን ክትጽሕፍን እንከለኻ፡ ነቲ ዛዕባ ምስ ሰባት፡ ውድብ፡ ሰልፍን ማሕበርን ብዝተፈላለየ ጥበብ ምዝማድ ልሙድ እዩ። ከምኡ እንተዘይገርካ እቲ ዝነኣድ ኮነ ዝንቀፍ ሓሳብ ዋና ዘየብሉ ክተርፍ  ስለዝኽእል። ስለዚ እቲ ዝጥቀስ ኣካል ወይ ምስቲ ዝነኣድ ሓቢሩ ይነኣድ ወይ ድማ ምስቲ ዝንቀፍ ሓቢሩ ይንቀፍ። ኣብ ተመኩሮና ብዛዕባ ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ክንጽሕፍን ክንዛረብን እንከለና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ይለዓል። ብዛዕባ ዲክታቶርነትን ጥልመት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ክንጠቅስ እንከለና ድማ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ይጥቀስ ከም ማለት እዩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ነቲ ሓሳብ ዘልዕሉ ምስ ይውክልዎ ዝብልዎም ኣካላት ኣጣቢቖም ክድግፉን ክነቕፉን እንከለዉ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ውሑስ ኣውንታዊ  ቦታ ንምቕማጥ ከም ዝስስዑ ብተግባር ዝርአ እዩ። እቶም ንገዛእ ርእሶም ኣካል ናይቲ ኣሉታ ወይ ኣውንታ ገይሮም በቲ ንዓኣቶም ዝምልከት ድኽመት ክጅምሩ ዝረአዩ ሳሕቲ እዮም ዘጋጥሙ። ኣብ መብዛሕትኡ ግዜ ዘጋጥም ግና፡ ካብ እቶም መልሓስ ወይ ብርዒ ኣብሊሕካ እትወቕሶም ዝያዳ ተወቃሲ ክንሰኻ፡ ብዛዕባኻ ክትዛረብ ትብዓትን ትዕግስትን ምስኣን እዩ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚ እሞኸኣ እቲ ህድማኦም ካብ ክውንነት እምብዛ ይዓቢ እሞ፡ ኣብ ዓይኒ ተዓዛቢ ይኣትዉ። ብዙሓት ተዓዘብቲ ከኣ ምናልባት ደኣ ዝስማዕ ቃላት ይነፍጉዎም እምበር ብውሽጦምስ “እዚኸ ኣምሒሩለይ ኢሉ ድዩ ዝግዕር?” ይብልዎም። ነቲ ናይ “ቀቅንዑ ነዓይ” ስስዐኦም ዝተዓዘቡ ከኣ “ሰይኮታ ግደ ዓዳላይ ደልዳላይ ማለት ከምዚ’ዩ” ዝብል  ሚዛን ይህብዎም። በቲ ንነብሱ ኣብ ናይ ቅንዕና ሰገነት ኣቐሚጡ ንካለኦት መጉሓፍ ግናይ ዝገብር ሰብ ፍጊዕ ዝበሎም ካለኦት ወገናት ነቲ ዘይቅዱስ ቃል ልቢዝልቦም ሰሚዖም “ልብኻ ይስዓር” ዝብል መጺጽ ናይ ሓሶት ናእዳ ሂቦም ክርሕቁ ዝደልዩ’ውን ኣለዉ። ወዮ ዝዘረኦ ዓንቢቡ ዝፈሪ ዘሎ ዝመስሎ ገገኒዑ ዓዳላይ ግና ነቲ ጉዳይ ሓንሳብ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ ስለ ዝኣተዎ ነቲ ብግሉጽን ብጥበብን ዝተነግሮ ስምዕታ ተርጒሙ ከስተመቕሮ ዘኽእል ህዱእ ዓቕሊ ስለ ዘየብሉ ኣጠርሚሙ ገልጠምጠሙ ይቕጽል። ምናልባት ዘይዓሚቝ ኣገናዕ እንዳሃቡ መመሊሶም ዘስክርዎ ደቀ-መዛምርቲ’ውን ይህልውዎ ይኾኑ።

ሕግን ስርዓትን እንዳጠሓስካ ሕጋዊ መሲልካ ምቕራብ፡ ሓድነት እንዳፍረስካ ናይ ሓድነት ተጣባቒ ክትመስል ምድንዳን፡ ናትካ ህርፋንን ስምዒትን ካብ ክሊ መሰልካ ወጺእካ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክትጽዕን እንዳሃቀንካን ነዚ ተግባርካ ንዘይተቐበሉ ብዘይተገርዘ ብርዕን መልሓስን እንዳነወርካ ናይ ዲሞክራሲ ኣብነት ክትከውን ምድላይ፡ ዝያዳ ድማ ንትርጉም ሓይሊ፡ ትዕቢትን ብደዐን ኣንዳንገስካ ፍትሓውነት ምስባኽ  “ኮር ተገልበጥ” ዘብል እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ከምቲ “ካብ በዓል ጣፍስ በዓል ኣፍ” እንዳኾነ ከምዚ ዓይነት ባህልን ውርዝናን ስነምግባርን ዝተሓረሞ ኣቀራርባ’ውን ውሱን እዝንን ኣሳሰይትን ዝረክብ ምዃኑ እዩ። ከምዚ ምስ ኣጋጠሞም እዮም ከኣ ኣበዋትና “ንመን ትመጾ፡ መን ይመጻ ትመጾ” ዝብሉ።

እዞም ብኸምዚ ሕዱር ሕማም ዝተጠቕዑ ወገናት ትሕዝተኦም ኮነ ኣቀራርባኦም ኣብ ቅድሚ ሓቀኛ ተዓዛቢ ቦታ ከምዘየብሉ ኣጠራጣሪ ኣይኮነን። እንተኾነ እቲ ናይ “ምሳኻ የለናን” መልእኽቲ ብልዑል ድምጽን ፍሩይ ቃላትን ስለ ዘይንገሮም’ሞ “ክንድቲ ንጽሕፎን ንምድሮን ንንበብን ንስማዕን ኣለና” ዝብል ኣብ ባይታ ዘየለ መንፈስ ስለ ዝወሮም በቲ  ዝጀመርዎ ዘይቅዱስ መንገዲ ክነጉዱ ንዕዘቦም። እቲ ተመሳሳሊ ሓረጋት፡ ኣስማትን ዕለትን ክደግሙ ሒዅ ምባሎም “ክንድቲ ትደጋግሞ ትስማዕ ኢኻ” ካብ ዝብል ከጽምሙ ዝዓጠቑ  ምዃኖም ዘረድእ እዩ። እዚ ኣገባቦም ሓቂ ክነሱ ቀልጢፉ ተቐባልነት ኣብ ዘይረኸበ ሓሳብ ምናልባት ይሰርሕ ይኸውን። ብመሰረቱ ሓቂ ንዘይኮነ ሓሳብ ግና  ደጋጊምካ ብምጽሓፍን ምርባሕን ናብ ሓቂ ክትቅይሮ ኣይከኣልን እዩ። ንኣብነት ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ 33፡ ኣባላት ፈጻሚ ድማ 9 እዮም፡ ንዝብል ብጉባአ ዝጸደቐ ስኑድ ወግዓዊ ሓቂ፡ ዝቕየር ኣብ ከምቲ ዝመጸሉ ወግዓውን ሕጋውን መድረኽ ጉባአ እምበር፡ ብኣቋራጭ መንገዲ ካልእ ኣሃዛት ደጋጊምካ ብምጽሓፍ ዝቕየር ኣይኮነን።

ኣብ ናይ ሰባት ኣተሓሳስባ ፍልልይ ክረአ ከምቲ ብዙሓት ዝርድእዎ ንቡር እምበር ሓጥያት ኣይኮነን። ብመሰረት እዚ ነቲ ፍልልያት ዘንጸባረቕ ኣብ ዝግበር  ፖለቲካዊ ይኹን ማሕበራዊ ዝምድናታት፡ ኣብ መንጎ ውሑዳት ይኹን ብዙሓት ኣብ ኣረዳድኣ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ብዝፍጠር ዘይምስምማዕ እዩ። ነቲ ፍልልያት ንኹልኻ ብዘሳኒ ኣገባብ ምውጋን ከኣ ናይቶም ብሓባር ዝሰርሑ ወይ ዝቃለሱ ኣካላት መሰረታዊ ዕማምን ሓላፍነትን እዩ። ኣብ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ሓቢርና ክንቃለስ  ከኣ ኣብዚ ውሕሉል ኣተሓሒዛ እምነት ኣንቢርና ኢና። ሓደ ኣካል  ነዚ ንክበቅዕ ብዙሓት ናይ ብቕዓት ረቛሕታት ከም ዘድልይዎም ርዱእ ኮይኑ፡ ካብዚ ረቛሕታት ቅሩብነት ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ቅኑዕ ቅሩብነት እንተዘየልዩ ግና ዝኾነ ይኹን ብቕዓት፡ ተመኩሮ ይኹን ደረጃ ትምህርቲ እንተሃለወ ኣየድምዕን። ኣድቂቕና እንተ ዳህሲስናዮ ተመኩሮና ዘርእየና’ውን ነዚ እዩ።  ደቀቕቲ ምኽንያታትን ኩራታትን እናተዓባበየ ክርሕቕ ዘንቀደ ኣካል እንተልዩ ንድሕሪት ኣይምለስን እዩ። ደድሕሪኡ እንዳሰዓብካ  ዘዘይዓገበሉ መዛግብቲ እንተዓጸኻ’ውን ካልእ መወዳእታ ዘየብሎም ናይ ኩራ ፋይላት ይኸፍተልካ። እዚ ከኣ  ኣብታ ዝበጽሐ ክሳብ ዝበጽሕ ይቕጽል። ከምዚሉ  ዘንቀደ ኣካል ወይ ጉጅለ  ከተቃንዕ ግዜኻን ጉልበትካን ንዘይምብኻን ከኣ ወለድና “ዘንቀደ ኣይትምዓድ” ይብሉ። ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ክንድቲ ክትከዶ ዝግበኣካ ርሕቀት ምጉዓዝ ግና ሓላፍነትካ ምፍጻም እምበር ምቅብጣር ኣይኮነን። ዝሓሰቦ መደባት መኺንዎ፡ ናይ እንጽርጹሮት  ኣእማን ንዝድርቢ ኣካል ከኣ በቲ ንሱ ዝመረጾ ኣገባብን መንገድን ዘይኮነ፡ እቲ ቅኑዕ መንገዲ እንዳመላኸትካ ብስነስርዓት “ኣይፋልካን” ምባሉ ንቡር እዩ።   

Last modified on Wednesday, 21 February 2018 08:32