ታሪኽ ዚምባብወን ታሪኽ ኤርትራን ዝተፈላለየ’ኳ እንተዀነ፡ ዘመሳስለንን ዘራኽበንን ነገራት ግን ኣሎ። ፕረሲደንት ሮበርት ሙጋበን ፕረሲደንት ኢሳያስን ኣብ ስልጣን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑ መራሕቲ ምዃኖም፡ ሓደ ካብ’ቲ ተመሳሳሊ ባህርያት ክህልዎም ዝገብር ምኽንያት ኢዩ።
ፕረሲደንት ሮበርት ሙጋበ ይኹን እቶም ሕጂ ዝቃወምዎ ዘለዉ ኣብ ከባቢኡ ዝጸንሑ ወተሃደራውን ሲቪላውን መራሕቲ፡ ኣንጻር ስርዓት ጽዓዱ ገዛእቲ (apartheid) ናይ ቀደም ሮደዝያ ዝነበሩ ተቓሊሶም ዝተዓወቱ ሰውራውያን ኢዮም ነይሮም። ኣብ መጀመርያ ስልጣን ምስ ሓዙ ድማ፡ ኣብ መዳይ ትምህርትን ሕክምናን ዘመዝገብዎ ለውጥታት፡ ህዝባዊ ደገፍ እናረኸቡ ክኸዱ ኣኽኢልዎም ነይሩ ኢዩ።
ኣብ ስልጣን ንብዙሕ ዓመታት ምስ ጸንሑ ግን፡ ብብልሽውናን ናይ ስልጣን ሕሳባትን እናተዋሕጡ ስለ ዝኸዱ፡ ንዝገበርዎ መብጽዓታት ክጠልሙ ጀመሩ። እዚ ድማ፡ ጠንቂ ምፍልላይ ናይ’ቲ ኣብ መንጐ’ቶም ትማሊ ናይ ቃልሲ ብጾት ዝነበሩ ኣባላት ስልፊ ናይ ዚምባብወ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ሕብረት-ሓርበኛዊ ግንባር (Zimbabwe African National Union-Patriotic Front) ኰነ።
ፕረሲደንት ሙጋበ፡ ብ1980 ኢዩ ናብ ስልጣን መጺኡ። ን37 ዓመታት ድማ ንዚምባብወ ቅድም ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ድሒሩ ድማ ከም ፕረሲደንት መሪሕዋ። ስልጣን እናጠዓሞ ስለዝኸደ፡ ነታ ተቐናቐኒቱ ዝነበረት ናይ ዚምባብወ ኣፍሪቃዊ ህዝባዊ ሕብረት (Zimbabwe African People’s Union-ZAPU) ደምሲሱ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ደገፍታ እውን ኣጽኒቱ። ብድሕር’ዚ፡ ብሞርጋን ስቪንጊራይ ዝምራሕ፡ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (Movement for Democratic Change) ዝብሃል ተቓዋሚ ሰልፊ ተመስሪቱ ኣንጻር ስርዓት ሙጋበ ክቃለስ ጸኒሑን ኣሎን።
መራሕቲ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ናጻ ጋዜጠኛታትን፡ ግዳይ ናይ ውጽኢት ምርጫታት ምጭዋይ፡ ማእሰርትን ምስጓጕን ምስ ኰኑ፡ ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክስደዱ ከምዝጸንሑ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ንኣብነት፡ መቀናቕንቱ ዝነበረ ኣቦ መንበር ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሞርጋን ስቪንገራይ ሓደ ካብኦም ኢዩ።
ሮበርት ሙጋበ፡ ሕሉፍ ሓሊፍዎ፡ ነቲ ቅዋም ናይ ዚምባብወ ዕሽሽ ብምባል፡ ስልጣን ናብ ሰበይቱን ስድራቤቱን ንምስግጋር ምድላዋት ክገብር ጸኒሑ። ነዚ ባይታ ንምምችቻእ ድማ፡ ነቲ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ናይ ጽዓዱ ዕብለላ ይኹን ኣንጻር ናይ ዚምባብወ ኣፍሪቃዊ ህዝባዊ ሕብረትን (Zimbabwe African People’s Union-ZAPU) ኣንጻር ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ኣብ ጐድኑ ደው ብምባል ንነዊሕ ዓመታት ዝደገፎ ኤመርሰን ምናናጋግዋ ዝተባህለ ምኽትሉ፡ ካብ ሓላፍነቱ ድሕሪ ምውራዱ፡ ንሰበይቱ ወራሲት ናይ መንግስቱ ክትከውን ባይታ ከንጽፈላ ጀመረ። ኤመርሰን ድማ ከም ስቪንግራይ፡ ናብ ጐረቤት ሃገር (ደቡብ ኣፍሪቃ ) ክስደድ ተገደደ።
ካብ’ዚ ተበጊሶም ኢዮም ደገፍቲ ናይ ኤመርሰን ምናናጋግዋ ዝዀኑ ወተሃደራት፡ ብመሪሕነት ሓለቓ ወተሃደራዊ ስታፍ ጀነራል ኮንስታንቲኖ ቺዋንጋ፡ ንትካላት መንግስቲ ክቆጻጸሩን ንፕረሲደንት ሙጋበ ድማ ኣብ ማሕዩር ከእትዉን ዝተራእዩ።
ሕጂ፡ እቶም ናብ ስደት ኣምሪሖም ዝጸንሑ ኤመርሰን ምናናጋግዋን ናይ ሙጋባ ቀንዲ ተቓዋሚ ዝነበረ ሞርጋን ስቪንገራይን ኣብ’ቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምስታፍ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ ዝብል ሓበሬታ ኣሎ።
ኣብ ኤርትራ ከኣ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ንመቀናቕንቱ ዝዀነት ተሓኤ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብምትሕብባር ኢዩ ብ1981 ካብ ሜዳ ክትወጽእ ብምግባር ንበይኑ ዝበሓቶ። ነዚ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ዝነብሮ ዘሎ ናይ ሓደ ሰልፊ ምልካዊ ግዝኣት ባይታ ዘጣጥሐ ድማ እዚ ኣብ ልዕሊ ተሓኤ ዝተወስደ ውዲታዊ መጥቃዕቲ ነበረ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንህግሓኤ መሪሑ ብ1991 ንኣስመራ ምእታዉን ብቅዋም እትምራሕ ብዙሓት ሰልፍታት ዝዋስኡላ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምህናጽ መብጽዓታት ምግባሩን ንግዚኡ ህዝባዊ ደገፍ ከም ዝረክብ ገይርዎ ነይሩ ኢዩ።
ድሒሩ ግን፡ ግዜ እናበለዐ ምስ ከደ ስልጣን ስለዝጠዓሞ፡ ድሕሪ ሕጂ ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይነፍቅድን ኢና ዝብል ነጋሪት ብምህራም ንዝገበሮ መብጽዓታት ልክዕ ከም ፕረሲደንት ሙጋበ ነቲ ዝኣተዎ ቃል ሓደ ድሕሪ ሓደ ከዋድቖ ጀመረ። ብዛዕባ’ቲ ነርባዕተ ዓመት ዝተደኽመሉ ቅዋም ይኹን ብዛዕባ ምፍቃድ ንህግዲፍ ዝወዳደራ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምዝራብ ሕማም መርዘን ኮኖ። ንቅዋምን ሕግታት ምምስራት ሰልፍታትን ኣብ ግብሪ መታን ከየውዕል ከኣ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብሓፈሻ፡ ምስ ኢትዮጵያ ድማ ብፍላይ ናይ ውግእን ወረ ውግእን ሃዋህው ከምዝኽሰት ገበረ።
ውግእ ንኸይጅመር ንዝግበረሉ ዝነበረ ዝተፈላለየ መጸዋዕታት ተሓሲሙ፡ ኣብ ልዕሊ ባድመ ፍሹል ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣካየደ። ኣብ’ቲ ውግእ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ሰፊሕ ክፋል ካብ መሬት ኤርትራ፡ ካብ ቍጽጽር ሰራዊት ኤርትራ ወጻኢ ዝገብር ስምምዓት ክቕበል ተገደደ። ክሳብ ሕጂ ከኣ፡ ስርዓት ኢሳያስ ነዚ መሬት’ዚ ብልዝብ ይኹን ብውግእ ክመልሶ ኣይከኣለን ዘሎ። ኢሳያስ እምበኣር ንልዕላውነት ናይ ኤርትራ ዘድፈረ፡ ንክብሪ ኤርትራውያን ዘሕሰረ መራሒ ምዃኑ ታሪኽ ክዝክሮ ክነብር ኢዩ።
ኢሳያስ፡ ብፍሽለቱን ኣብ ህዝቢ ኣውሪድዎ ብዘሎ ኣደራዕን ኣብ ክንዲ ዝኣምንን ሓላፍነት ዝስከምን፡ ንዝዀነ ይኹን ኣብ ኤርትራ ዝኽሰት ሽግር፡ ልክዕ ከም ሙጋበ፡ ንኣመሪካ፡ ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ምስካም ድማ ዕለታዊ ስርሑ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ ርእስ’ዚ፡ ነቶም ናብ ስልጣን ዘብጽሕዎ ናይ ቃልሲ ብጾቱ፡ ከም ቁማር ዝጻወትሉ ወረቓቕቲ ከምድላዩ ክብውዞምን ከናሽዎምን ምጽናሕ ከይኣኽሎ፡ ኣኼባ ክግበረሎም ስለዝሓተቱ ጥራሕ፡ ኣብ ማእሰርቲ ከብልዮምን ብሕማምን ብስዉር ኣገባብን ከጥፍኦምን ድሕር ኣይበለን። አረ ንገሊኦምሲ፡ ሬሳታቶም ካብ ግዳም ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ክኽልክል እውን ተራእዩ ኢዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ፡ ዲፕሎማሰኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ወጻኢ ዑቝባ ክሓቱ ተገዲዶም ኢዮም። ኣብ መወዳእታ፡ ሕፍር ከይበለ ቅዋም ሞይቱ’ዩ ዝብል መግለጺ ብምሃብ እቲ ሓቀኛ ድሌቱ ቅዋም ምቕታል ምንባሩ ብምንጻር ነቲ ንነዊሕ ከታልሎ ዝጸንሐ ህዝቢ ባዕሉ ብኣፉ መርድእ ነጊርዎ።
ኣብ መወዳእታ፡ ስርዓት ህግዲፍ ብብልሽውና ዝጠስጠሰ ስርዓት ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ኣዐርዩ ዝፈልጦ ጕዳይ ኢዩ። መቕተልቲ ናይ ፍቕረን መውጋእቲ ናይ ስምኦን ገብረድንግልን፣ ዓበይቲ ወተሃደራውን ጸጥታውን ሰበስልጣን ኣብ ንግዲ ደቂ ሰባት ክሳተፉ ከለዉ፣ ዘይሰርሕዎ ኣባይቲ ንዋናታቱ ኣባሪሮም ክሕዝዎ ከለዉ፣ ኣብ መስተን ምንዝርናን ዘጥፍእዎ በሽሓት ዶላራት ዝቝጸር ገንዘብ ምህላዉ ምጥቃስ እኹል ኢዩ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ እውን ከም ሙጋበ፡ ንወዱ ኣብርሃም፡ ኣብ ሓይሊ ኣየር ክብ ዝበለ ናይ ሓላፍነት ቦታ ምሃቡን ምስ ካልእ ምስ ስልጣን ዝምድና ዘለዎ ቦታታት ከላሊ ይፍትን ምህላውን፡ ንኣብርሃም ተካኢኡ ንክኸውን ዝግበር ዘሎ ምድላው ኢዩ ዝብል ትርጕም ዝሃብዎ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይኰኑን። ስልጣን ዘባዕልግ ምዃኑ ኵሉ ዝኣምነሉ ስለዝዀነ፡ ኢሳያስ ኣይገብሮን ኢዩ ወይ ኣይሓስቦን ኢዩ ኢልካ ክትዛረበሉ ኣይከኣልን ኢዩ። ከም’ዚ ዝብል መደብ ወይ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ክውዕል እንተደኣ ፈቲኑ ግን፡ ከም’ዛ ናይ ሙጋበ ናይ መወዳእታኡ ክትከውን ምዃና ዘጠራጥር ኣይኰነን።
መግለጺ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ጒጅለ ህግደፍን ምሕዝነት ምስ ሰፊሕ ህዝብናን።
ኣዋሃህዲ ሽማገለ ሰላማዊ ሰልፊ ሽወደን ስቶኮሆልም።
17 ሕዳር 2017።
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ።
ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ምስዚ ኣጋጣሚ ሰላማዊ ሰልፍና: ንሰፊሕ ህዝብና ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ህግደፍ ተቖሪኑ ንኹሉ ኣደራዕ ሽበራ: ስእንተ ሰላም: ጥሜት: ጽምኢ- ማይ: ዕርቃን: ባህላዊ ዱርቆሳን ማሕበራዊ ምብትታንን ተጻዊሩን ተጸሚሙን ምእንቲ ልዑላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝቡ ንምዕቃብን ብትዕግስቲ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ክቡር ሰላምታና ነቕርብ።
ቀጺልና ድማ እዞም ኣብዚ ተኻፊልኩም ዘለኹም ሓርበኛታት ኤርትራውያን: ነዚ ዝተጠቕሰ ብፍጹም ጭካኔ ዝተባዕጠ ርኹስ ምምሕዳር ህግደፍ ንምቁዋም ኢልኩም ግዜ ስራሕኩም; ትምህርቱኹም ኮታ ኩሉ ውልቃዊ ዕማምኩም ገዲፍኩም ንምሕዝነት ሰፊሕ ጩቁን ህዝብና ደው ምባልኩም ምስጋናና ዓቢ ምዃኑ እናገለጽና: ነቶም ሎሚ ኣብዚ ክርከቡ ዘይከኣሉ ብሓሳብን ርእይቶን ብመንፍስ ናይዚ ቅዱስ ዕላማ ጽምኣት ፍትሒ ኣብ ውሽጥና ስለዘለው ሰላምታና ይብጽሓዮም። ነቶም ኣብ ዝተፋላለያ ክፍሊ ዓለማት ዝርከቡ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ብህዝባዊ ክድዓት ዝግለጽ ስርዓተ ህግደፍ ንምቁዋም ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዞም ብቐጻሊ ዝገብርዎ ዘለው ሰንሰለታዊ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣድናቖትና ብምሃብ ምሳኹም ኢድ ንኢድ ተጣሚርና ኣሎና ብምባል ክቡር ሰላምትና ንህቦም። ኣውራ ግን ነቶም ኣብ ጋህስታትን ቤት ማእሰርትን ብዘይ ሕጋዊ ፍርዲ ተመቁሖም ሂወቶምውን ዝስእናዋ ዘለውን ኤርትራውያን ኣናዘከርና: ዓሙቚ ምሕዝነታዊ መልእኽትና ብምትሕላፍ: ጒጅለ ህግደፍ ብዘይ ቅድመ ኲነት ክፈትሖም በዚ ኣጋጣሚውን ጠለብና ምዃኑ ነረጋግጽ ኣለና።
ክቡራትን ክቡራንን ተኻፈለቲ ሰላማዊ ሰልፊ: እዚ ናይ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ መቐጸልታ ናይቲ ብዕለት 3 ሕዳር ኣብ ቅድሚ ህንጻ ባይቶ ሽወደን ዝገበርናዮ ዕውት ብዝሒ ተኻፈልቲ ዝዓሰሎ: ልዕሊ ኩሉ ድማ ተኻፋልነት ደቀንስትዮን እቶም ናይ ጽባሕ ተስፋ ሃገረ ኤርትራ ዝኾኑ መንእስያት ዝዓብለልዎ ምንባሩ ተስፋ ሓርነትና ብግብሪ ዝትርጎመሉ ግዜ ነዊሕ ዘይምትራፉ ዘርኢ ፍጻመ ምንባሩ ብኽብሪ ክንዝክሮ ይግባእ።
ሰላማዊ ሰልፍታትና ድሕሪ ክድዓት ህግደፍ ንስርዓተ ሕግን ቁዋምን ደረት ዘይብሉ ግፍዓዊ ምምሕዳሩን ብዓለምና ዝተፈንፈነ: መስጎጒትን ማእሰርትን ቅትለትን ኤርትራውያን: ብዘበጎሶ ነድሪ ክሳብ ሕጅስ ብሰላማዊ መገድን ጥርዓነ ጽሑፋትን ንሕልናና ንምርጋእን ንዓለም ጥርዓን ከነቕርብ ጸኒሕና። ብኡ መጠን ናይ ህገደፍን: መራሒኡ መሃንድስ ኩሉ ምብታን ህዝብን: መሓውር ስለያዊ ሰኬዕቱን ዘርጊሑ ብዝሰፍሐ ንህዝቢ የናዕብ ኣሎ።
እዚ ሎሚ ኣብዚ ናይ ምስላፍ ምኽንያት ኮይኑና ዘሎ ኸኣ መቐጸልታ ጽዩፍ ዕለታዊ ስራሕ ህግደፍ ዝኾነ: እቲ ብዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ህዝቢ ኣስመራ ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ኣኽርያ ዘካየዶ ህዝባዊ ናዕቢዩ። ምእሳር ኣካያዲ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላምያ ብልምዲ ድማ ቤት ትምህርቲ እስታዝ በሽር መሓመድ ኑር ዝበሃል ቤት ትምህርቲ: ንኣቦና ሙሳ መሓመድን ካልኣት መሳርሕቶምን ነጻ ንኽፍትሑ ዝጽውዕዩ። ንኣቦና ሙሳ መሓመድ ኣብነት ናይቶም ኩሎም ኣብ መቓውሕ ግፍዕኛ ስርዓተ ህግደፍን ብድዐኛ መራሒኡን ዝርከቡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ገርና ኢና ንዝክሮም ዘለና። ልዕሊ ኹሉ ግን እዚ ብዘይ ሕጊ ብኢደወነናዊ ንባህልን ኣቃውማን መሰረተ ሪም ኤርትራውያን ዝግህስ ዘሎ ስርዓት ጽልእና ኣግሂድና ንሓዋሩ ብሕቡር ቅልጽም ህዝብና ክስወር ዘለና ባህግን ሕልምን ንምግላጽውንዩ።
ክቡራት ተኻፈልቲ! ድሕሪዚ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ባህላዊ ድርቆሳ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል እስላምያ: ህግደፍን መሓውራት ስለያኡን ዝዝርግሕዎን ዘቃልሕዎን ዘለው ነውሪ ንዕዘቦን ንምልከቶን ኣለና። ሕቡእ ኣጀንደኦም ብዝያዳ ዝቐልዕሉ ዘመተ የካይዱ ኣለው። ንኹለን እምነታት ሃይማኖት እዶም ብምእታው: ከሳውርዎን ከተግብርዎን ዝጸንሑ ገበናት: ንኽብሪ ባህልታት ህዝቢ ኤርትራ ዝዘርግን ንርጉእ ናይ ነዊሕ ምትሕብባርን ምክብባርን ዝጸንሖን ዘለዎን እምነተ ሃያማኖታት ብምትንዃል: ምጽሕታር ሓዊ ህግደፋውያን ንርኢ ኣሎና። እዚ ግን ንሓርነታዊ ህዝባዊ ቓልስና መኣዝኑ ብግቡእ ከትሕዞ ዘለዎምበር ክፍንጥሖ የብሉን። መርዛም ተንኮል እስያስያዊ መስርሕ ከይነውሕን ብኡ ምጠን ሽግር ህዝብና ጸበብኡ ከይዓምቚን ንሕና እዞም ደለይቲ ፍትሒ ቀላጽምና ምሕባር ብዝያዳ ሎሚዩ ዘድልየና። ምልኪ ዕምሩ ኣብ ዝሓጽረሉ ግዜ ኣጥፊኡ ንምጥፋእ ነቲ ብጀጋኑ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ዝተረኽበ ዓወት ልዑላዊት ኤርትራና ካብ ኢድና: ህግደፋውያን ከየጥፍእዋ ፍጹም ንቑሕ ሓድነታዊ ቆላሕታና ክህመል የብሉን።
ነዚ ብኽልተ መገዲ ክንዕወተሉ ንኽእል ኢና። እቲ ቐዳማይ ሃይማኖትናን ውደባዊ መሳርዓትናን ኣብ ቦትኡ እናኣዘውተርና ነዛ ኩልና ንበኽየላ ዘለና ሃገርና ድማ ናይ ሓባር ዋንነት ምግባራ: እቲ ኻልኣይ ነዛ ህግደፍ ምስ ኩሉ መናውርኦም ብፖለትካኦም ነዞም ኣብ ሽወደን እንነብር ዘለና ዝጻወትሉ ዘለው ማሕበረ ሰብና ሓራ ንምውጻእ ንኹሉ ደምክራስያውን ፍትሓውን ቃልስና መሳርሒ ዝኾነና ናይ ሓባር ማሕበር ምህናጽን ምምዕባልን ንቃልስናን ዕላማናን ከቃላጥፎ ከምዝኽእል ምእማን ክህልውናዩ ዝግባእ። እዚ ምድላዋትዚ ደጊምሲ ብዘይ ወዓል ሕደር ክግበር ዘለዎዩ። ናይ ሎሚ ሕቡር ፍትሓዊ ቃልስና ነታ ድሕሪ ስርዓት ህግደፍ እንሃንጻ ኤርትራ መገዲ ዝጸርግ ውደባዊ መሳርሒ ምግባር ክብሪ መጻኢ ብሩህ ራኢናዩ።
ኣብ ምወዳእታ ንኹሉኹም ደለይቲ ፍትሒ ልባዊ ምስጋናና እናኣቕረብና: ነዚ ተሪፉ ዘሎ ግዜና ሓጺር መደረታት ብምቕራብ ወጅሂ ሰላማዊ ሰልፍና ክንቅጽል ኢና።
ውድቀት ንህግደፋውያን።
ዓወት ንፍትሓዊ ህዝባዊ ቃልስና።
ፍትሕን ሰላምን ንሰፊሕ ህዝብና።
ትግባረ ፖሊቲካዊ ናዕቢ ኣንጻር ምልክነት ኣብ ኤርትራ ከመይ ክኸውን ኣለዎ Applying Political Defiance in Eritrea
Thursday, 16 November 2017 13:12 Written by ፍስሓ ናይርሕዝቢ ኤርትራ ብኩሉ መነባብሮኡ በቲ ዘስካሕክ ጭቆናን ወጽዓን በቲ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ሕጅስ ይኣክል ኢሉ ኣብ ከተማ ኣስመራ ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር ዘርኣዮ ተባዕ ተቃውሞ ብመን ካበይ ተበጊሱ ብዘይገድስ እቲ ሕቶ ሕዝባዊ ሕቶ ድኣ እምበር ሕቶ ሓደ ክፋል ሕዝብናን ወይ ድማ ናይ ሓደ እምነት ምእማናን ኣይኮነን፡፤ እዚ ከምዘይኮነ ድማ እቲ ስዒቡ ነዚ ተቃውሞ ደጊፋ ኣብ መላእ ዓለም ዝተኻየደ መንፈስ ሓድነትን ኤርትራውንትን ዝመልኦ ምስክር ደለይቲ ፍትሒ ሓድነቶም ናይ ሓድሕድ እምነቶምን ዘንጸባረቀ ኢዩ ነሩ፣ እዛ ሎሚ ኤርትራ ተባሂላ ትጽዋዕ ሃገር እቲ ክርስትና ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን እቲ እስልምና ድማ ኣብ 6ይ ክፍለ ዘመን ካብ ዝአቱ ክልቲኡ ኣብ እስልምናን ክርስትናን ዝኣምኑ ሕዝብታት ኤርትራ ኣብ ነንሕድሕዶም ተኸባቢሮም ኢዮም ኣሽሓት ዓመታት ብሰላም ክነብሩ ጸኒሖም ኣለዉን ክህልዉን ድማ ኢዮም፣ ልክዕ ኢዩ ፖሊቲካውያን ባዕዳውያን ይኹኑ ዘበታውያን ንብዝሓዊ መንነታት ኤርትራ/ሃይማኖት፣ ዓሌት፣ ቦታ፣ኣውራጃ/ እናመዝመዙ ንሕዝቢ ፈላልዮም ክገዝኡ ኣብዚ 65 ዓመታት ዝረኤናዮን ዝተመኰርናዮን ኢዩ፣መሃንድስ ናይዚ ኩሉ ድማ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስን ወድቡን ሰልፉን ኢዮም፣እዚ እኩይ ባህሊ ናይ ጽል እን ቅርሕትን ድማ ክሳብ ሎሚ ኣሰር ውርሻኡ ኣብ ዘዝተበገሰ ሕዛባዊ ቃልሲ ክዕንቅፈናን፣ ክዕንቅጸናን ጽኒሑን ኣሎን፡፤ በገላልጻ ማክስ ወበር/ Max Weber/ The Idea of State/ ኤርትራ ድሕሪ ስማዊ ናጽነት ኤርትራ ማለት ካብ 1993 ክሳብ ሎሚ 2017 ኤርትራ ከም ሉዑላዊት ሃገር ትፍለጠሉ ኣብ ዓለም ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብምዃን ድኣ እምበር ውሽጣዊ ናይ ሕዝቢ ሉዑላውነት ዘይብላ ሃገር ኢያ እዚ ማለት ድማ ክሳብ ሎሚ መግለጺ መንግስትን ትካላትን ዘይብላ፣ ብዓቢዩ ድማ ቅዋም ሃገርን ሕዝብን ዘይብላ፣ ሓጋግን፣ፈጻምን ፣ ፈራድን ትካላት ይኹን ብፍጽም ነቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ከተማልእ ዝግባኣ ዘይተማልእ ድኽምቲ ሃገር ብወልቀ-መላኽን ውሑዳት መጋበርያታቱን ትካየድ ሃገር ምዃና ይትረፍዶ ንሕና ኤርትራውያን ሕብረተ-ሰብ ዓለም እውን ዝፈልጦ ኢዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ብዛዕባ እዚ ሎምቅነ ክካየድ ዝጸንሔን ዘሎን ከመይ ዝኣመሰላ ዕላማን እስትራጅን ክሕዝ ኣለዎ ብዝብል ርእይቶይ ክገልጽ ኣፍቅዱለይ፣ ነዚ ሓተታ ንኸቀርብ ዝተጠቀምክዎም ጽሑፋት ድማ ኩሎም ብዛዕባ ምስግጋር ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ ዝብል ጽሑፋት ኢዩ። ነዚ ሓተታዚ ኣብ ኣርባዕተ ክፋላት ገረ ክገልጾ ኢየ፡፤
1. ምጥቃም ፖሊቲካዊ ናዕቢ
2. ዝተመርጸ ምቅዋም
3. ኣብነታዊ ብድሆ
4. ኣብ ድኽመታት ምልካዊ ስርዓት ምትኳር
1. ምጥቃም ፖሊቲካዊ ናዕቢ
ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ፍርሕን ሓይልን ኣብ ዘይብሉ ሁሞት፣እቲ ዝውሰድ ተቃውሞ ሓደገኛነቱ ክውሕድ ኣለዎ፣እምነት ሓድሕድ ዝፈጥር ክኸውን ኣለዎ እምበር ብሓደ ሕቶ ምስ ዝለዓል ቀልጢፋ ክቅህም ይኽእል፣ ኣብ ኤርትራ እቲ ካብ 1993 በብእዋኑ ዝተረኽበ ፣ ከም ንኣብነት፣
- ሕቶ- ሰራዊት ህግሓኤ ድሕሪ ናጽነት- ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል/ ዓንቀጽ 25
- ሕቶ- ውጉኣት ሓርነት- ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል- ዓንቀጽ 25
- ሕቶ- ሰብስልጣን/ኣባላት መሪሕነት ህግድፍ- ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል- ዓንቀጽ 21
- ሕቶ- ፎርቶ ኣስመራ- ኣድማሳዊ ሰብ ኣዊ መሰል -ዓንቀጽ 21
-ሕቶ ኣርቶዶክሳዊት ቤት ክርስትያን- ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል ዓንቀጽ 18
- መልእኽቲ ኣቡናት ካቶሊካውያን ኤርትራ- ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል/ዓንቀጽ 1
- ሕቶ- ሓለፍቲ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኢስላምያ/አኽርያ- ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል ዓንቀጽ 18
እዚ በብእዋኑ ዝተላዕለ ተበግሶታት ዝተወስነ ሕቶታት ዘልዓለ ድኣ እምበር ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ዝጠልብ ኣይነበረን፣ እነተኾነ ግን ዝተወሰነ ዕላማታት ኣዓዊቱ ኢዩ። ዓወት ናይዚ ዝተረኽበ ናይ ሰብ መሰል ምሕታትን ምቅዋምን እቲ ሕቶታት ብሕዝቢ ተቀባልነትን ደገፍን ምስዝረክብ ኢዩ፡ ኩሉ ተቃውሞ ንመሰልካ ብምሉኡ እቲ ሕዝቢ ክሳተፎ ናይ ግድን ኣይኮነን፣ እቶም ቀንዲ ናይ ሕዝቢ ናዕቢ ስትራቲጂ- ውጥን ተለምቲ ቀጻልን ፍሉይን ካብ ሓደ ደረጃ፣ ካልኣይ ደረጃ ፣ ኣብ መጨረሻ ድማ እቲ ዝዓበየ ስትራተጂ እናውጽኡ ስርዓት ክሳብ ዝወድቀሉ ግዜ ዝሓስቡ ክኾኑ ኣለዎም። እቲ በብ ግዜኡ ዝተራእየ ሰልፍታት ብዓቀኑን ዓይነቱን ክፈላለ ናይ ግድን ኢዩ፡፤ እስከ ብብክፋሉ ንርኣዮ፡፤
2. ዝተመርጸ ምቅዋም
ዝተመርጸ ምቅዋም ወይ ሕዝባዊ ናዕቢ፣ ኣብቲ መጀመርታ መድረኽ ቃልሲ ኣንጻር ምልክነት ዝተፈላለዩ ወፈራታት ብዝተፈላለየን፣ፍሉይን ዕላማታት ክብገስ ከሎ ጠቓሚ ኢዩ፣ ንኣብነት ኣብ ኩነታትና ምስ እንርኢ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ በብእዋኑ ዝተረኽበ ውጺኢቱ እዚ ሎሚ ንርእዮ ኢዩ።
ኣብ ምውጣን ስትራተጂ ንዝተመርጸ ምቅዋም ንምትላም፣ እቲ ኣገዳሲ ፣ ነቲ ጉዳይ ምልላይን፣ ፍሉይን ውሱንን ሕቶታት ወጽዓ ሕዝቢ ነቲ ሓፈሻዊ ጭቆና ናይቲ ምልክነት ዝገልጽ ክኸውን ከምዘለዎ ምርዳ እ እዩ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት እቲ ቅኑዕ ሽቶ/ታርገት ንወፈራታትካ ከተካይድ ንሕመረት ናይቲ ዓቢይ ስትራተጂ ዕላማታቱን ንምዕዋት ይሕግዘካ፡፤
እዚ ናይ ቀረባ ስትራተጂካዊ ዕላማታት በቶም ተቃለስቲ ደለይቲ ፍትሒ ክዕወት ዘለዎ ኮይኑ እዚ ድማ ስዒቡ ተኸታታሊ ዓወታት ንሞራል ደለይቲ ፍትሒ ዘሕይልን፣ዘበራትዕን ኢዩ፣ደንበ ፍትሒ እናሓየለ ደንበ ምልኪ ድማ እናደኸመ ይኸይድ።
ስትራተጂ ናይ ዝተመርጸ ተቃውሞ ኣብቲ ኣገዳሲፖሊቲካውን፣ ቁጠባውን ማሕበራውን /ባህላውን ከተኩር ኣለዎ፣ እዚ ክበሃል ከሎ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ወኒንዎ/ገቢትዎ ዘሎ በብሓደ ከምዝኸስሮን እቲ ደንበ ተቃውሞ ድማ እናኸሰቦ ይኸይድ፣እንተታኻኢሉ ድማ ኣብታ ናቱ ዝደኸመት ወይ ተሳቅዮ ጐድኑ/Identifying the Achilles' heel /ምህራሙ ኣገዳሲ ኢዩ፡፤ ድኽመታት ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣለሊኻ ምቅላሱን ነቲ ምስኡ ዝጸንሔ ሕዝብን ትካላቱን ምፍራስ፣ እቲ ቀንዲ ናይ ዝተመርጸ ዓይነት ተቃውሞ ኢዩ።
3. ኣብነታዊ ብድሆ
ኣብ መጀመርያ እቲ ዝፍጸም ወፈራታት ንምልክነት ንምውዳቅ ፣እቲ ፖሊቲካዊ ሕቶታት ብ ዓቀኑ ዝተወሰነን ፍሉይን ክኽውን ኣላዎ፣ ንኣብነት እሱራትና ይፈትሑ ዝብል ሕቶ፣ ነዚ ሕቶዚ ብዝለዓለ ስኢልካ ምስ ምስክራቱ ኣብ ሕዝቢ ከምዝሰርጽን ዘተባብዕን ገርካ ምቅራብን፣ ንቀጻልነት እቲ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምድላውን፣ሕዝቢ ንምልክነት ከምዘይተሓባበርን ምግባር ኢዩ፡፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ በብግዜኡ ዝተራእየ ናዕቢ ወላ እኳ ብውሑዳት ይበገስ ኣብነታዊ ብድሆ ኣንጻር ምልክነት ኢዩ ነሩ። አንጻር እዚ ሕዝባዊ ናዕቢ ብምልካዊ ስር ዓት ኢሳያስ ናይ ሞትን መቁሰልትን ቀሊል ከምዘይነበረን ከምዘሎን ድማ ፍሉጥ ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ተበግሶታት ንቆላሕታን ምልዕዓልን ማሕበረ ሰብ ዓለም ድማ ይስሕብ፡፤ከምቲ ብ1989 ኣብ ከተማ በዪንግ ኣብ ኣደባባይ ትያናማን ብተማህሮ ዝተኻየደ ናዕቢ፣ ብ 1988 ሕዝባዊ ናዕቢ ኣብ ቡርማ -ምያናማር ቆላሕታ ማሕበረ-ሰብ ብምርካቡ ኣብነታዊ ብድሆ ኢዩ ዝበሃል፣ ናይዚ ከምዚ ዓይነት ብድሆ ኣንጻር ምልክነት ሞትን ማእሰርትን ዓብይ ሰብኣዊ ጉድኣት ከምዝርከቦ እቶም ተለምቲ ስትራተጂ ክሓስቡሉ ዘለዎም ጉዳይ ኢዩ።
ምንጭታትን ሓይልን ናይ ሓደ ምልክነት ብሓደ ግዜ ከተድክሞ ኣይከኣልን እንታይ ድኣ የድሊ ነቲ ስርዓት ብፍርሓት ወይ ብፍቲ ዘገልግል ሕዝብን ትካላትን ኣንጻሩ ከምዝለዓል ምግባር ኢዩ እቲ ቀንዲ ናይ ርሑቅ ጠመተ ናይቶም መራሕቲ ሕዝባዊ ናዕቢ፡፤ እዚ ከምዚ ኣይተረኽበን ከተዕውቶ ድማ ብርቱዕ ኢዩ፣ሰለዚ ሓደ ምልካዊ ስርዓት ብናይ ሓደ እዋን ሰላማዊ ሰልፍታት ዝወድቅ ኣይኮነን።
እንታይ ድኣ የድሊ፣ ምዝርጋሕ ሓላፍነት፣ ኣብ መጀመርያ ኣብ ከምዚ ሁሞት ናይ ቃልሲ ኣንጻር ምልክነት እቲ ቀንዲ ቃልሲ ብውሑዳት ተበጊሱ፣ ኣብቲ ቀጻሊ ድማ ምስ ዝተፈላለየ ዕላማታት፣ ንኣብነት ተመሃሮ ብጉዳይ ትምህርቶም ይለዓሉ ፣ ሰራሕተኛታት ብጉዳይ ደሞዞም ይለዓሉ፣ መራሕቲ ሃይሞኖት ብጉዳይ መሰል እምነቶም ይለዓሉ፣ ፖሊስ- ወተሃደር ብመሰል ህልዊ ሰብ ኣዊ ኩነታቶም ይለዓሉ፣ ኩሉ ዜጋ ብሰብ ኣዊ መሰሉ ይለዓል፣ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ተበግሶታት ሕዝባዊ፣ ዝተመርጸን፣ ኣብነታዊ ብድሆን ንምልክነት ንምልጋስ ዝኣመተ ኢዩ ነሩ ክበሃል ይከኣል፣ ከምዚ ምንባሩ ኣብዚ ዝስዕብ ራብዓይ ክፋል ፣" ኣብ ድኽመታት ምልካዊ ስር ዓት ምትኳር " ኣብ ዝብል ክግልጾ ክፍትን ኢየ።
4. ኣብ ድኽመታት ምልካዊ ስርዓት ምትኳር
ኣብ ምልካዊ ወልቀ-መላኺ ስርዓት ኢሳያስ እንተረኤና፣ እንታይ ኢዩ እቲ ድኹም ጐድንታቱ ምልላይ ንተለምቲ ሰፊሕን ዓብይን ስትራተጂ ኣገዳሲ ኢዩ። መጽናዕትታት ብትካል ኣልበርት ኣይንስተይን ፣ ብፕሮፈሶር ጂን ሻርፕ ከምዝምስክሮ፣ ምልካውያን እውን ድኹም ጐድንታት ኣለዎም እሞ እቶም ኢ-ጐነጻዊ ቃልሲ ዘካይዱ ተቃለስቲ ካብ ምልክነት ናብ ዶምክራስያ፣ ነዚ ድኹም ጐድንታት ናይ ምልካውያን ክሃርሙ ኣልዎም ይብል። ብወገን ናይ ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት ድኹም ጐድንታቱ ብዙሕ ክነሱ ንሕና ኣብ ደንበ ተቃወምቲ ግን ገና ኣቃልቦ ዘይሃብናዮ ኣሎ፣ ደንበ ደለይቲ ለውጢ ናይ መጽናዕትን ስትራተጅን ትካል ክሳብ ሕጂ ኣየጥረየን፣ እዚ 20 ዓመታት ኣብ ነንሕድሕዱ ኢዩ ክቈራቈስ ጸኒሑን ኣሎን። ን ኣብነት እቶም ኣብ 2012 ኣብ ሰምየን ኣፍሪቃን ማእከላይ ኣፍሪቃን ናይ ሕዝቢ ምል ዕዓል ዘበገሱን ንምልክነት ዘውደቁን፣ ኣብ ትካል ኣልበርት ኣይንስተይን ከምኡ እውን ኣብ ቦስንያ - ሀርሶጎቪና ስልጥና ዝወሰዱ ኢዮም ነሮም ኣባና ግን ከምዚኦም ባእታታት ክሳብ ሕጂ ኣየጥረናን ፡፤ ደንበ ተቃውሞና በርገሳዊ ይኹን ፖሊቲካዊ ክእለትን ብቅዓትን ንኸጥሪ ድልየትን ባህግን ዘለዎ እውን ኣይመስልን ኣብ ክሊ ናይ ምንጽጻግን፣ ንሕና ንሶም፣ እዚኦም ከለዉ እናተባብሃልካ ኣብ ውሀም/hallucinations ይነብር ኣሎ፡፤
ድኽመታት ናይ ኤርትራ ምልክነት እንታይ ይመስል፣
1. እቲ ስርዓት ሕዝቢ ከመሓድር ከምዘይኽእል ናይ ሕዝቢ ደገፍ ከምዘይረክብ ምግባሩ
2. ሰብኣውን ንዋታውን ምንጭታቱ ምድካም
3. ናይ ወጻኢ ዝምድናታቱ ምብታኽ
4. ሰራዊት ኤርትራ ንሕዝብን ዕላማታቱን እምበር ንምልክነት እምቢ ንክብል ምትብባዕን ምልዕዓልን
5. እቲ እንኮ ቲቪ ኤርትራን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን መጉልሕ ናይ ምልካዊ ስር ዓት ምድንጋራትን ሓሶትን ምፍሻል፣ ን ኣብነት መጉልሕ ናይ ምልክነት ኮይኑ ዘሎ መስከም ነት ብዝኾነ ኣገባብ ከምዘይሰርሕ ምግባር
6. ቁጹራትን ዕሱባትን ደገፍቲ ምልካዊ ስር ዓት ኤርትራ ኣብ ደሞክራስያዊ ሃገራት ዝቅመጡ ብገበን ምኽሳሶምን ፣ ምቅራቦምን
7. በቶም ሉኡኻቱ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ቀረጽ ምኽፋል ብሕጊ እታ ሃገር ጠጠው ምባሉን፣ ነቶም ኣምባሳዶሮት ናቱ ድማ ብሕጊ ው ዕል ጀነቫ ምኽሳሶም ኣብ ቤት ፍርዲ ምቅራቦምን፣ምኽንያቱ ዘካይድዎ ዘለዉ ብሕጊ ኣህጉራዊ ውዕል ክልኩል ኢዩ፣ ሓደ ኣባል ናይ ውጻኢ ዝምድና ቀረጽ ካብ ዜጋታት እታ ሃገር ክእክብ ብሕጊ ክልኩል ጥራሕ ዘይኮነ ዘይቅቡል ሰብ/ፐርሶና ኖን ግራታ ተባሂሉ ካብቲ ሃገር ይስጐግ፡፤
ናብቲ ሓያል ጉድኒ ናይ ምልካዊ ስርዓት ምእማት፣ እቲ ናይ ርሑቅ ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ እናተደልየን ብዙሓት እውን ክሳተፉ ምስ ዝጅምሩ፣ እቶም ተለምቲ ስትራጂ ሓይሊ ናይ ምልካዊ ስርዓት ምዕቃን ከድልዮም ኢዩ፣ ኣብዚ እቲ ዕላማ ምልዕዓል ሕዝባዊ ናዕቢ ንደንበ ደለይቲ ፍትሒ ዘሕይል ንምልካዊ ስርዓት ድማ ፈርከሽከሽ ኣቢሉ ኣብ መጨርሽታ ምውዳቁ ዝኸውን ምልክት ድማ ሰራዊት ኤርትራን ሕዝቢ ኣብ ውሽጥን ደገን ምስ ደለይቲ ፍትሒ ክጽንበር ከሎ ኢዩ፡፤
ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ እቲ ብቅዓታትን ክእለትን ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ ኣየጥረየን ኣሎ ኣብቲ ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣተሓሳሳባ ኢዩ፣ ጅብሃ፣ ሻዓብያ፣ ኢስላም ፣ ክርስትያን፣ ከበሳ ፣ መታሕት፣ ዓረብ ፣ ትግርኛ፣ ብሔር፣ ኣውራጃ፣ እወ እዚ ኩሉ መንነትና ዝገልጹ ባእታት ኢዮም፣ ሰለዚ እዚ ኣይኮነን እቲ ንሕና ክንጥምቶ ዘሎና እንታይ ድኣ ነዚ መንነታት እዚ መዝመዙ ሕዝባን ዘሳቂ ዘሎ ምልክነት ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ኢዩ። ነዚ ዝጥቀሙ ኣብ ውሽጢ ደንበ ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ እውን ከምዘሎዉና ክንፈልጥ ኣሎና ፣ ምኽንያቱ ካብ ናይ ሕጂ ምልክነት ዝገደዱ ከይኮኑና።
እምበኣር ኣብ መጨርሽታ እተን ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስኩወን ዓናቅጽ ካብ ኣድማሳዊ ሰብ ኣዊ መሰላት ንምዝካር ዝ ኣክል ኣብዚ ታሕቲ ኣስፊረየን ኣሎኹ።
ዓንቀጽ 1
ኩሎም ደቂ-ሰባት ሓራ ኮይኖም ዝተወልዱ፣ ከም ኡ እውን ማዕረ ክብርን መሰልን ዘለዎም ኢዮም። ኣእምሮን ሕልናን ዝተዓደሉ ብምዃኖም ድማ ኣብ ነንሕድሕዶም ብመንፈስ ሕውነት ኪቀራረቡ ይግባእ
ዓንቀጽ 18
ነፍሰ-ወከፍ ሰብ ንሓርነት ናይ ሓሳብ፣ሕልናን፣ ሃይማኖትን፣ መሰል ኣለዎ። እዚ መሰልዚ ፣ሃይማኖት ወይ እምነት ናይ ምልዋጥ ሓርነት፣ ከምኡ እውን ብውልቂ ወይ ምስ ካልኦት ብምምሕባር፣ብቅሉ ዕ ወይ ብብሕቲ ንሃይማኖቱ ወይ እምነቱ ብምምሃር፣ስራሕ፣ ኣምልኾትን ምክትታል ትግባረን ናይ ምግሃድ ሓርነት ዘጠቃለለ ኢዩ።
ዓንቀጽ 21
1. ነፍሰ-ወከፍ ሰብ ኣብ ናይ ሃገሩ መንግስቲ ብቀጥታ ወይ ብሓርነት ብዝተመርጹ ወከልቲ ንኽሳተፍ መሰል ኣለዎ።
2. ነፍሰ-ወከፍ ሰብ ኣብ ሃገሩ ንዘሎ ሕዝባዊ ኣገልግሎት ብማዕርነት ንኽጥቀመሉ መሰል ኣለዎ።
3. ድልየት ሕዝቢ መሰረት ስልጣን መንግስቲ ኽኸውን ይግባእ፣ እዚ ድልየትዚ ከኣ ኣድማሳውን ማዕረ መሰል ምድማጽን ብዘለዎ ከም ኡውን ብምስጢራዊ ወይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓራ ናይ ምድማጽ ኣገባባት ብዚካየድ ውቅታውን ሓቀኛን ምርጫ ክግለጽ ይግባእ።
ዓንቀጽ 25
ነፍሰ - ወከፍ ሰብ ንጥዕናን ድማዕን ናይ ገዛእ ርእሱን ናይ ስድራ-ቤቱን ብቁዕ ዝኾነ ደረጃ መነባብሮ ንኽረክብ መሰል ኣለዎ፣
ነዚ ዓናቅጽ ኣብዚ ሓተታ ንኸተሓሕዞ ዝያዳ ነቲ ክልዓል ዝጸንሔን ዘሎን ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ወጻኢ ነቲ ሓደን ዝቀርቦ ነቲ ካልእ ከኣ ዘይምልከቶ ገሮም ዝርእይዎ ኣላዉ፣ እዚ ድማ ካብ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዝምንጩ፣ ነቲ ናይ ምልካዊ ስርዓት ምድንጋራት ምትላላትን ዕድል ዝህብ፣ ንመንፈስ ሓድነትን ሕውነትን ናይ ደለይቲ ፍትሒ ዝምርዝ ዘይተድላዪ ተርእዮ ኢዩ፡፤ ምስዚ ጽሑፍ ኣተሓሒዘ ንኣዳለውቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ወጻኢ መልእኽቶም ንቆላሕታ ዝዕዘበካን ዝርእየካን መሳጢ ድኣ ክኸውን ኣለዎ እምበር ዝኾነ ከም ስሚዒቱ ብሽም እምነቱ ወይ ክፋል ሕዝቡ ክፍክርን ክጃሃርን ነቲ ምሳኻ ዘሎን ሓላፍ መገድን ቆላሕታ ዘርሕቅ ኢዩ፣ ስለዚ ኣዳለውቲ ሰላማዊ ሰልፍታት፣ ምድላው ሰላማዊ ሰልፊ፣ ቀሊል ከምዘይኮነ ተረዲኦም፣ ነየናይ ዕላማታት ክድግፉ ወይ ከዕውቱ ኣቀዲሞም ስትራተጂ ከውጽኡ ኣለዎም በሃላይ ኢየ።
ኩሉ እቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ወጻኢ ኣብ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተመርኰሰ ኢዩ፡፤
ዝተወከስኩዎ ጽሑፋት
1. ኣድማሳዊ ኣዋጅ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት
2. ኣህጉራው ወዕል ብዛዕባ ቁጠባዉን ማሕበራውን ባህላውን መሰላት
3. ኣህጉራዊ ወዕል ብዛዕባ ሲቪላውን ፖሊቲካውን መሰላት
4. From Dictatorship to Democracy, A Conceptual Framework for Liberation, Gene Sharp, The Albert Einstein Institution
5. Max Weber, " The Idea of State"
ሃገርና ኤርትራ ብተፈጥራዊ ትዕድልታ ኣብ ክሳዳውን ብዓለምለኸ ተደላይ ቦታ ስለ ዘላ ጠመታ ብዙሓት እዮም። ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣፍደገ ወሽመጥ ባብኤልማንደብ ብምርካባ ንዓለምለኻዊ ጽጥታ ተባሂሉ ተጠማቲት ካብ ዝገብራ ምኽንያታት ሓደ እዩ። ኩሉ ጠማቲኣ ከኣ ንረብሓኡ ክብል ዘይገብሮን ዘይምህዞን ፍሕሶታት የለን። ገሊኡ ብጐራባብታ ሃገራት ኣቢሉ ገሊኡ ብቐጥታ ኢድ ብምእታው ነቲ ኣብኣ ዝነብር ህዝቢ ክሰምር ዘይኮነስ ክፈላለ እዩ እቲ ቀንዲ ጻዕርን ቃልስን።
ኣብ ኣርበዓታት ዝተኻየደ ፍሕሶታት ናይ ዓበይቲ ሓያልን መንግስታት ከም ታሪኽ ዝምህረና ዓቢ ተመኲሮ ኣሎ። በሰንኪ እዚ ድማ ኣመሪካ ንኤርትራ ብምኽንያት ሰላምን ጸጥታን ናይ ኣመሪካ ተባሂሉ ምስ ዘውዳዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽትቁረን ዝተበጽሐ ውሳኔ እዩ። ከምዚ ንኽገብሩ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ብሃይማኖትን ብጆኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን ክኸፋፍለዎን ክንደይ ዘይጸዓሩ።
ህዝቢ ኤርትራ ግን ሓደ ክንስና ተፈላሊና ካብ ምንባር ነታ ዕረ ዝኾነት ስሚ ክንውሕጣ ኣሎና ብማለት ንፈደረሽን ተቐቢሉ። እቲ ናይ ሽዑ ፍሕሶታት ግን ክሳብ ሎሚ ፈጺሙ ደው ኣይበለን። ዋላ እቲ ነጻነት ምስተረኽበ እቲ ዘሎ ስርዓት ንስልጣኑ ክብል ከፋፊልካ ግዛእ መርሆ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ገና ኣይሓደጎን። ስለዚ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ ሸነኻቱ ዝፈታትንዎ ሓይልታት ብዙሓት ምዃኖም ክግንዘብን፥ ነዚ ግንዛቤ እዚ ከኣ ኣብ ክንዲ እቲ ንፋስ ብዝነፈሶ ምኻድ ርግእ ኢሉ ኣብ ምንታይ ጸድፊ ኢዩ ከእትወና ኢሉ ክሓስብን ከስተውዕልን የድሊ።
ቅድሚ ሎሚ መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ መላኺ ስርዓት ኣብ ለንደን ካብ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነጺላ ንበይኑ ንሰላምን ምርግጋእን ህዝቢ ኤርትራ ዘየውሕስ ስልጣን ከም ዝጭብጥ ገይራቶ። ተመሊሳ ከኣ ንኣልሸባብ ይሕግዝ ኣሎ ብማለት ናይ ብረት ሸመታ ማዕቀብ ገይራትሉ። ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ከኣ ማዕቀብ ክግበር ኣለዎ፥ ማዕቀብ ክግበር እባ የብሉን ኣብ ዝብል ፍልልያት ከርኢ ጀሚሩ። ሕጂ ከኣ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ናይ 10 ሕዳር 2017 ብትግርኛ ዝፍኖ ብድምጺ ኣመሪካ ዝተመሓላለፈ ተመልከት፡፡ መስመር ናተይ’ዩ። “ዋሽንግተን — ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚቴ እገዳ ኤርትራን ሶማልያን፡ ኤርትራ ንኣልሸባብ ከም እትድግፍ ንራባዓይ ግዜ መረጋገጺ ስለ ዘይረኸበ፡ባይቶ ጸጥታ ነቲ ኣብ ኤርትራን ሶማልን ዘቐመጦ ማዕቀብ ከወግዶ ጸዊዑ።” እቲ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘሕዝንን ከኣ እቲ ማዕቀብ ብካልኦት ሃገራት ከም ዝተሓተ ዘምስል ምስክርነት ምሃቡ እዩ። ንሱ ድማ፡ “ኤርትራ ንኣልሸባብ ትድግፍ’ያ ዝብል ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ንዞባዊ ኣመሓደርቲ ሶማል ዝተረኽበ ሓበሬታ ብዝምልከት እቲ ኮሚተ ነቲ ክስታት ዝድግፍ መርትዖ ከምዘይረኸበ’ውን ገሊጹ`ሎ።”
ስለምንታይ እየ ነዚ ክጥቕሶ ዝፍትን ዘሎኹ እቲ ብደገ ዝግበር ውዲታት ንረብሓ እቲ ጨቋኒ ስርዓት ዝውዕል ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ተጠርኒፉን ሓድነቱ ኣደልዲሉን ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንኸይተክልን ኣብ ንሓድሕዱ እናተጠራጠረ ምትእማምን ከም ዝስእን ዝግበር መናወራት እዩ። ከመይሲ እታ ኢሳያስ ዝብላ ዝነበረ ማለት “ መንግስቲ ኣመሪካ ረብሓኣን ረብሓ ጐረባብቲ ሃገራትን ክትሕሉ ክትብል ብጐረባብቲ ሃገራት ዝተማህዘ ክስን ጠለበን ተመርኲሳ’ያ ንህዝቢ ኤርትራ ከይምዕብልን ከይብልጽግን ማዕቀብ ዝወስነት።” ዝበሎ፡ ሎሚ እቲ መርትዖታት ሓቂ እናመሰለ ንደምበ ተቓውሞ ዘዳኽም ምዃኑ ብሩህ እዩ።
ካልእ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ሓደ ሸኽ ዶክተር ዓብድልሃዲ ዩሱፍ ዝበሃል ምሁር፡ ብዛዕባ ስምረትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ብዝዘርግ ኣገባ ዘቕረቦ መደረ፡ ንረብሓን ቀጻልነት ስልጣን ኢሳያስን እምበር ንእስላምን ንክርስትያንን ዘተሓቛቑፍ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ኢሰያስ “ኣይበልናኩምንዶ” እንዳበል ክሽቅጠሉ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣመንቲ እስላምናን ክርስትያናን ናይ ደገ ሓይልታት ዝብልዎ ተመሲጥና ሓጋዚና ኢዩ ወይ እውን ሽግርና ኣቃሊሑልና ብዝብል፡ ካብ መንገዲ ተኣሊና ኣብ ክንዲ ንኤርትራዊ ሃገራውነትና ዘራጉድን ዘስስንን፡ ደድሕሪ ዘይሓላፍነታዊ መደረ ወጻእተኛታት ክንስዕብን ሓድነትና ክንሃስን ኣይግበኣና። ኣብ ኤርትራ መን ይበዝሕ፥ መንከ ይውሕድ፥ ክርስትያንዶ እስላማይ ኣብ ዝብል እንተኣቲና መፍቶ ድኽመትናን ውድቀትናን ምንቛትናን ዝምነዩን ጸላእትና ኮይና ኢና ኣፍደገ ምፍልላይ ኣይንኽፈት። ከምታ ኣቦታትና ዘጽንሑልና እስላማይ ኣብ መስጊዱ፥ ክርስታናይ ከኣ ኣብ ቤተክርስትያኑ፥ ኮይና ኣብ ጉዳይ ሃገር ከኣ ሓድነትና ኣጽኒዕና ክንቅጽል ይግበኣና።
ኣብዛ ኣህዛብ ዝነብሩላ ዓለም፥ ብሕብሪቆርበት፥ ዓሌት፥ ሃይማኖት፥ ባህልን ልምድን ዝተፈላለዩ እዮም። ኣብ ከምዚ ኩነት እዚ ዋላ እውን ሓደ ህዝቢ ኣብ ሓንቲ ሃገር ብኹሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓደ ዓይነት እንተዝኸውን ብዘይ ግርጭት ክነብር ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዓለማዊውያን ይትረፍ ኣብ መንፈሳውያን እውን ከይተረፈ ዘይምስምማዕን ምስሕሓባትን ይርከብ እዩ። ነዚ ዝርከብ ምፍሕፋሓት ወይ ዘይምርድዳኣት ብኣገባብ ናይ ምእላዩን ነቲ ናይ ምድራዊ ንምድራዊ ነቲ ናይ መንፈስ ከኣ ንመንፈሳዊ ኣተኻኺልና ምስ እንጎዓዝ ክከባበርን ሓቢሩ ክነብርን ይኽእል እዩ።
ብዛዕባ ኣብ ምህናጽ ሃገር ምስቲ ዘሎ ሃይማኖታዊ ይኹን ቀቢላዊ ወይ እንዳዊ ኣተሓሳስባ ተኣሳሲሩ ክሃንጽ ኣብ ኣብዝፍትነሉ ግዜ እቲ ሸይጣን ወይ ድያብሎሳዊ ኣተሓሳስባ ኣብቲ ባህሪ ዘየሰማምዕ እዩ ዝምርኰስ። እዚ ከኣ ኩሉ ነንሃይማኖቱ፥ ነንወገኑ ነንኣውራጃኡ ወይ ዓሌቱ ብዘርብሕ ሕልናን ኣተሓሳስባን ይዕብለል። ኣብዚ እቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ እምነትን ካልእን ንመሰል ናይ እምነት ናጽነት ዘስሕት መስመር ይሕዝ እሞ ኣብ ግርጭታትን ፍልልያት ምግፋሕን ይብጻሕ።
ብመጀመርያ ሃይማኖት ብዛዕባ መንፈስ ክግበር ዘለዎ ነንኣማኒኡ ዘስተምህረሉ ወይ እውን መስመር ዘትሕዘሉ እዩ። ኣብዚ እታ ሃገር ኣብ እትህነጸሉ ጉዕዞ ግና እዚ ናይ ሃይማኖት ይኹን እንዳ ወይ ቀቢላ በቲ ስምዒት በቲ ዝተፈላለየ እምነታት ዝፍታሕ ወይ ዝመሓደር ኣይኮነን። እንታይ ደኣ በቲ ንምድራዊ ዓለም ዘማእክል ሕጊ ማለት እቲ ህዝቢ በቲ ኩሉ መልክዓቱን እምነታቱን ሓቢሩ ብዝሕንጽጾ ቅዋም ተቐይዱ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ማዕረ ዝኾነሉ ኣገባብ እዩ ዝመሓደር። እዚ ናብቶም ሓባራዊ እንውንኖም ነገራት ኣብ ምፍታሽ ዝሕግዘናን ኣሳናይን ኣታዓራቕን መገዲ ክንሕዝ ይሕግዝ።
ሃይማኖትን ፖለቲካን ሓደ ስለዘይኮኑ ኣጸቢቖም ዝፈላለዩሉ ምኽንያት ኣሎ። ንሱ ድማ ኣብ ፖለቲካ ካብ ምንታይ ነቒሉ እንታይ እዩ እቲ ኣወንታ ኣሉታን ክትካታዕን ዝቕየር ክትቅይርን ክትማጎትን ትኽእል። ኣብ ሃይማኖት ግና ጉዳይ እግዚኣብሄር ስለዝኾነ ኣሎዶ የሎን ኢልካ ተኻቲዒካ ኣብ መደምደምታ ዘይትበጽሓሉን ክትሰማማዕ እውን ዘይትኽእለሉን እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ኣዳም እቲ ቅኑዕ እዩ ኢሉ ዝኣምነሉ እምነት ክህልዎን ነቶም ካልኦት ከምቲ ናቱ እምነት ዘይሓዙ ከኣ ክኽብርን ብእወንታ ክጥምትን ይግባእ። እዚ ማለት ሓደ ሃይማኖት ነቲ ካልእ ሃይማኖት ክዕብልል ወይ እውን ብኣሉታ ክመዝን መሰል የብሉን ብሕጊ እውን ኩልኩል እዩ ክኸውን። ኣብ ሃይማኖት ከምቲ ናይ ፖለቲካዊ ድሌታትካ ሰዓቢ ክትረክብ ጐስጓስ ኣየካይድን እዩ። ኣብ ናይ ካልእ ሃይማኖት ጉዳይ ኣትዩ እውን እዝን ከምዝን ኢዩ ኢሉ ክፈርድ ይኹን ክመዝን መሰልን ናጽነትን የብሉን። ሃይማኖት እቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝእዝዞ ምትግባር እምበር ንሃይማኖታዊ እምነትካ ገዲፍካ ናባና እቶ ኢሉ ኣይሰብኽን እዩ።
ሃገር ኣብ ምህናጽ እምበኣር እቲ ቀዳማይ ዝስራዕ መሰረት ንብዙህነትን ሓድነትን ብዝሕሉ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካል እዩ። እዚ ዝትከል ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ሃይማኖት ጣልቃ ዘይኣቱን ንመሰል ሃይማኖት እውን ዘይነፍግን ሕጊ ተኸቲሉ ዝዳኒ እዩ። ሃይማኖት እውን ነቲ ናይ ብዙህነትን ሓድነትን ሚዛን ሓልዩ በብእምነቱ ክሰብኽን ከስተምህርን ነጻነት ሃልይዎ ካብቲ ዝተሓንጸጸ ሕጊ ወጻኢ ምስ ዝኸይድ ከኣ ብሕጊ ይሕተት። ፖለቲካ ካብ ሃይማኖት፥ ወይ እውን ሃይማኖት ካብ ፖለቲካ ነጻ ክኸውን ኣለዎ ማለት ንሃይማኖትካ ግደፍ ወይ ኣውን ምድኻም ናይ ሃይማኖት ከምዘይኮነ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ መሰል ናይ ምእማንን ዘይምእማንን ነጻነት ከምኡ እውን ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብዝደለዮ እምነት ክኣምን ብሕግን መትከልን ቅቡል ስለዝኾነ።
ስለዚ ሃገር ክንሃንጽ እቲ ኣተሓሳስባና ነመላእ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ተፋቒሩን ተሳንዩን ብሕጊ ተቐይዱን ዝነብረላ ኮይና ክትህነጽ የድሊ። እዚ ከኣ ሓደ ነቲ ሓደ ልዕልና ይኹን ዕብለላ ዘየርእየሉ፡ ንሃብቲ ሃገርን ስልጣንን ብማዕረ ዝመቓረሓሉ ቅዋም ምሕንጻጽ እቲ ቀንዲ እምነ መሰረት ናይ ህንጸት ሃገር እዩ። ብዝተረፈ በብዝደለናዮ ዝተፈላለየ እምነታትን፥ መንነትን ማለት ኣውራጃ ዲዩ ቀቢላ ዎላ እንዳ ኣቢልካ ዝህነጽ ሃገር የለን።
እቲ ሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ ብረታዊ ቃልስና ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ተኸታታሊ ኣርዑት መግዛእታዊ ሓይልታት ይጥቅዑ ካብ ዝነበርሉ ነጻ ንክኾኑ ኣኽኢሉ’ዩ። ነጻ ክበሃል እንከሎ እቲ ህዝቢ ወናን ሃገሩ ክኸውን በቒዑ ማለት እዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ እቲ ልኡላውነት መሬት ተረጋጊጹ ዝተረፈ እንተልዩ ልኡላውነት ህዝቢ እዩ። እዚ ከኣ ውሕሉል፡ ንቑሕን ፍትሓውን ዝኾነ ሕብረተሰብ ብምህናጽ ብመስርሕ ዝብጻሕ እምበር ብቅጽበት ተላዒሉ ዝፍጸም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኩርኳሓትን ዓቐበቁልቁለትን ስለ ዘለዎ።
ኣብ ግዜ በረታዊ ቃልስና ዝነበረ ህዝብን ሰራዊትን ሓደ ኢድ ኮይኑ ናብቲ ዝድለ ዝነበረ ቀንዲ ፍታሕ ብሓባር ከይሰልከየ ኣንጻር ጎባጢ ስርዓት ተረባሪቡ እዩ። ኤርትራ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ድሕሪ ምውጽኣ እውን ከይተረፈ እቲ ንዓመታት ከርተት ዝበለ ሰራዊት ነታ ሃገር ክሕሉ እዚ ዘይበሃል ስቓይን መከራን ተጻዊሩ ኣብ ጥራሕ ከብዱ መሰላት ተሓሪምዎ ኣብ ጐዳጉዲ ሰፊሩ ይርከብ። ናይቲ ስርዓት ሰበስልጣንን ሓለፍትን ግና በዚ “ሚኒስተር ሕጊ ንትምህርቲ ብዝምልከት ዘውጽኦ ኣካይዳ ዘይተኸተላ ናይ ኮቶሊክን እስልምናን ኣብያተ-ትምህርቲ ከም ዝተዓጽዋ ተፈሊጡ ኣሎ”ዝብል ብስም “ሃገራዊ ድሕነት” ናይ ፈስ-ቡክ መጸዊዒ ኣብ ዕለት 10-11-2017 ኣብ መስከረም ዝተጠቀዐ ጽሑፍ ኣሽካዕላል ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝምልከት ከኣ ከምዚ ይብል።
“ሰራዊት ኤርትራ ደሞዝ ከይተጀመረሉ እንከሎ ንሓያሎ ዓመታት ስኑ ነኺሱ ዝኸደ ናይ ስድራ ቤትን ደቅን ሽግር ስለዘይብሉዶ ይመስለኩም? ንሕና ንዕረፍቲ ክንመጽእ እንከለና ብዙሓት ኣባላትና ደሓን እዚአ ንሰበይተይ ተማለኣላይ ብምባል ዝልእኹና ዝነበሩ ውሕዳት ኣይኮነን ኔሮም። ከምኡ ዝገብሩ ከኣ ባባ እዚኣ ግዝኣለይ ካብ ዝብሉ ቆልዑት ንምድሓን እዩ ኔሩ፡” ዓጀብ! እስኪ ኣስተውዕል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፥ እቶም ንስኻ ነተን ቁሩብቁራቦ ንሰበይተይ ሃበለይ ኢልካ እትልእኮም ተመሊሶም ከኣ ባባ እዚኣ ግዝኣለይ ተባሂልካ ብደቅኻ ከይትሕተት ኣብ ጎዳጉዲ ተዳጒንካ ከም ዘለኻ ንዕረፍቲ ዝኸዱ ሰባት ዝገልጹ መንእዮም። እዚ እቲ ስርዓት ንኣኻ ንምስዳዕ ዘዋፍሮም ወይጦታት ከም ዘለዉ እዩ ዝሕብር።
እቶም ከም ድላዮም ኣመሳሚሶም ንዕረፍቲ ዝኸዱ ተረባሕቲ ወይ ከኣ ሓለፋታት ዝወሃቦም ምዃኖም ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ስቅያትካ ግን ሎሚ ምስ ህዝብኻ ኰንካ ነዚ ጅሆ ሒዙካ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ንራህዋኻን ንሰላምካን ዝሓስብ ከምዘይኮነ ልዕሊ ማንም ንስኻ ትርድኦ ኢኻ። እዚ ጨቋኒ ስርዓት ካብ ህዝቢ ክፈልየካን፥ ኣብ ጐኒ ህዝቢ ደው ከይትብልን ዝምህዞ ፍሕሶታት፡ ሽጣራታትን ሽርሒታትን ደጊም ክትከታተሎ ኣሎካ። እዚ ጨቋኒ ስርዓት እዚ በትሪ ስልጣኑ እናተሸምቀቐ ክኸይድ እምበር ክድልድል ኣይክእልን እዩ። በትሪ-ስልጣኑ ከደልድል እንተኾይኑ ከኣ ንኣኻ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ ደው ንኸይትብል ምስ ዝጥብረካ ጥራሕ እዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ምስ ሰራዊት ሓደ ኢድ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እታ ምልኪ ትበሃል እትመሓወሉ መሰራታዊ ነጥቢ እዩ። እቲ ምንታይሲ ውጹዓት ክሓብሩ እንከለዉ ወጻዒ ዝውግዱሉን ተመሊሶም ከይውጽዑ ዘኸትሙ ብምዃኖም።
ዝኾነይኹን ጨቋኒ ስርዓት እታ እንኮ ተስግኦ ነጥቢ ሰራዊት ምስ ህዝቢ ክሓብርን ሓቢሩ ድማ እምቢ ንምልኪ ከይብልን እዩ። እወ! ህዝቢ ምስ ሰራዊት ከበሃል እንከሎ፥ እቲ ህዝብን ሰራዊትን ኣብ ነንሓድሕዱ ዘለዎ ርክብን ዝምድናን ንፍትሒ፡ ሰላም፡ ብልጽግናን ቅሳነትን ዘራጉድ እምበር ንምልኪ ዘጣጥሕ ኣይከውንን። ብተወሳኺ እቲ ተጨቊኑ ዘሎ ህዝቢ ንሰራዊት ፈሪሑ ነቲ ምልኪ ንኸይግዛእን ንፍርሒ ክቕንጥጥን ይሕግዝ። ከምኡ እውን እቲ ህዝቢ ተመሊሱ ቁማር ከይበሃል ካብቲ ዝሓለፈ ተመኲሩ ወጽዓ ንሓዋሩ ዝመሓወሉ መንገዲ ክሕዝ ውሕስነት ይረክብ።
ስለዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እቶም ምእንቲ ረብሓኦም ምስቲ ስርዓት ዝወገኑ ሓይልታት ከየታልሉኻን ከይትግራህን ሓደራ። እቲ ብሕጂ እውን ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳብ ንሓድነት ህዝቢ ዘይተጓደአን ዘይተፈታተነን ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ ኰንካን ምእንቲ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ብልጽግናን ሰናይ ምሕደራን ነዛ ሃገርን ህዝብን ንኣኻን ክትብል መሰል ንዝሓትት ህዝቢ ብዝኾነ ይኹን መልክዕ ኣይትኹለፎፎ። ብፍላይ ከኣ በቲ እቲ ስርዓት ውህደት ሰራዊት ምስ ህዝቢ ክዘርግ ዝውንጭፎ መናፍሓት ከይሰዳዕካ በኣንጻሩ መላእ ህዝቢ ሃይማኖቱ፥ ኣውራጃኡ፥ ቀቢላኡ፥ ኮነ ሕብሪ ቈርበቱ ብዘየገድስ ሓድነቱ ከደልድል ከም ዘለዎ ገርካ ክትሕልዎ ደጊምና መጸዋዕታና ነቕርበልካ። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብስንክቶም ኣብ ውሽጥኻ ዘለዉ ውሑዳት ተረባሕቲ ኣገልጋሊ እቲ ጨቋኒ ስርዓት እኳ እንተተበሃልካ ነዚ ክኢልካ ንህዝብኻ እምበር ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ከምዘይተገልግል ብግብሪ ክተርኢ ንላበወካ።
ኣብ ከምዚ ሎሚ ኤርትራውያን ዘለናዮ፡ ኣብ ቃልሲ ክትጽመድ እንከለኻ ሓደ ፍታሕ ዘድልዮ ዘይተፈትሐ ሕቶ ምህላዉ እዩ ዘመልክት። ኣብ ጉዳይና ክንመጽእ እንከለና ኤርትራውያን 30 ዓመታት ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ዘካየድና ዘይተፈትሐ ሕቶ ነጻነትን ልኡላውነትን ሃገር ስለ ዝነበረና እዩ። ሎሚ ንቃለስ ዘለና ድማ ዘይተፈትሐ ሕቶ ደሞክራሲ፡ ሰላም፡ ልምዓትን ሰብኣዊ መሰልን ስለ ዘለና እዩ። ነዚ መሰረታዊ ጸገም ንምፍታሕ ከኣ ድሌትን ቅሩብነትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ዓቕምኻ፡ ባህሪ ናይ’ቲ ኣንጻሩ እትቃልሶ ወጻዒ ሓይሊ፡ ባህጊ ናይ’ቲ ምእንትኡ እትቃለሰሉ ህዝብን ከባብያዊ ኩነታትን ብዝሰማማዕ ኣገባብ ክትውደብን ሜላ ኣተገባብራ ዕላማኻ ክተነጽርን ግድን እዩ። ኣብ ተመኩሮና ክንመጽእ እንከለና ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኣገባባት ተጠቒምና ሎሚ ድማ ገሌና ዘይጐነጻዊ ኣገባብ፡ ገሌና ኩሉ ኣገባብ ገሌና ከኣ ጐነጻዊ ኣገባብ መሪጽና ኣለና። እቲ ናይ ኣገባብ ምርጫ ፍልልይ ግና ኣየረሓሕቐናን እዩ። ምኽንያቱ ናይዚ ኩሉ ኣገባባት ውጽኢት ናብ ሓደ ነጥበ ምውጋድ ወጽዓ ህግደፍ ዘቕነዐ ብምዃኑ።
ብዝተፈላለየ ኣገባብ ብሰልፊ፡ ብውድብ ወይ ሲቪላዊ ማሕበር ክንውደብ እንከለና ኣማዕዲና እንርእዮ ናይ ሓባር ሸቶ ነቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩን ብገዛእ መስዋእቱ ኣብ ዘረጋገጾ ልኡላውነትን ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ኣብ በሪኽ ናይ ምውሳን ሰገነት ዝቕመጠሉ ኩነታት ምፍጣር እዩ። እዚ ቀንዲ ተጠቃሚ ህዝቢ እዩ ማለት ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ቃልሲ ብሓልዮትን ተሳትፎን ህዝቢ እዩ ዝሕይልን ዝዕወትን ዝብል’ውን እዩ። እቲ ውዳበታት ኩነታት ዘሳልጥ እምበር ንመሰረታዊ ሓላፍነት ህዝቢ ዝትካእ ኣይኮነን።
ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ምቅላስ ሓደ ፍታሕ ዘድልዮ ጉዳይ ክትፈትሕ ምጽዓት ማለት ካብ ኮነ፡ እቲ መፍትሒ ካብቶም ኣብቲ መስርዕ ቃልሲ ተሰሊፎም ዘለዉ ወገናት ክመጽእ ባህርያዊ እዩ። ነቲ ካብ ሓደ ኩርናዕ ናይቲ ቃልሲ ዝቐርብ ፍታሕ ኣብ ምቕባሉ ወይ ዘይምቕባሉ ንምውሳን ዝምልከቶም ኣካላት መዕቀኒ ክህልዎም ርዱእ እዩ። ኣብ ምምዛን ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐርብ ሓሳብ፡ ትሕዝቶ እቲ ሓሳብን ኣቕራቢኡን ምርዳእ ቅድሚት ዝስዑ ምዃኖም ፍሉጥ እዩ። እቲ ቀንዲ ቆላሕታ ክወሃቦ ዝግባእ ግና ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐርብ መፍትሒ ሓሳብ ክኸውን’ዩ ዝግበኦ። ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ሓደ ውዳበ ወይ ውልቀሰብ ኣሉታዊ ሚዛን ክህልወና ይኽእል። እንተኾነ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣካል ወይ ውልቀሰብ ቅኑዕ ሓሳብ ክመጽእ ኣይክእልን እዩ ኢልና ኣቐዲምና ናይ ምቕባል ሸውሃትና ክንዓጹ ኣይግበእን። ካብዚ ንምድሓን ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሓሳብ ኣቕራቢ ዘለና ትዕዝብቲ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ነቲ ዘቕርቦ ሓሳብ ብግቡእ ኣስተማቒርና፡ ክንነጽጎ እንተኮይና እውን ዘይንፈትዎ ኣካል ስለ ዘቕረቦ ብድብድቡ ዘይኮነ፡ ትሕዝቶ እቲ ሓሳብ ከምዘይጠቅም ብምኽኑይን ርትዓውን ምኽንያት ክንመዝኖ ይግባእ። እቲ ሎሚ ዘዕግብ ሓሳብ ዘየቕረበ ኣካል ጽባሕ ካልእ ሃናጺ ሓሳብ ሒዙ ክቐርብ ከም ዝኽእል ከኣ ትስፉው ዕድል ክንህቦ ይግበኣና። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ሓደ ወገን ሓሳብ ክንነጽግ እንከለና ኣብቲ ዛዕባ ናትና መተካእታ ሒዝና ናይ ምቕራብ ሃናጺ ባህሊ ከነማዕብል የድልየና።
ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝቀርቡ ሓሳባት ኣብ ዝመምይሉ መድረኻት ምስታፍ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብቲ ምስታፍ፡ በቲ ሓደ ወገን ንስኻ’ውን ኣብቲ መድረኽ ሓሳባትካ ኣቕሪብካ ነቲ መስርሕ ናይ ምህብታሙ ዕድል ትረክብ። ብካለኦት ወገናት ዝቐርብ ሕሳባት ብዝምልከት ኣብ ክንዲ ብማዕዶ “ከምዚ ያኢ ተባሂሉ” ትበሃል፡ ባዕልኻ ትሰምዕ’ሞ ካብኡ ነቒልካ ነቲ ኩነታት ተመዝኖን ቦታኻ ኣበይ ከም ዘሎ ትርዳእን። ኣብ ሓደ ጉዳይ ዝተፈላለዩ መፍትሒ ሓሳባት ኣብ ዝቐርብሉ ኣየንኡ ከም እትመርጽ ክትውስን እንከለኻ፡ ነቲ ኣብ ፍልልይ ዝገታተር ኣካላት ብዘቀራርብ ኣገባብ ምሓዙ፡ ብሓባር እንተተጓዒዞም ጥራይ ዝጥቀሙ ኣካላት ከይረሓሓቑ ኣብ ምሕጋዝ ረብሓ ኣለዎ።
ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብሓባር ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ተቓሊስካ ንምዕዋት የኽእሉ ዝበሃሉ ዝተፈላለዩ ሕሳባት ብዝተፈላለዩ ወገናት ይቐርቡ ኣለዉ። ንኣብነት ብ4 ሰነ 2017 ዝቐረበ እማመ ሓባራዊ ስራሕ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፤ ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፤።” ዝብሉ ሓሳባት ማእከል ዝገበረ’ዩ። ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ገዲፍና ድሕርዚ እማመና ምዝርግሑ ኣብ ዝተጋብኡ ናይ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ኣኼባታት፡ ሰሚናራት፡ ጉባአታትን ኮንፈረንሳትን ዝተንጸባረቑ ሓቢርካ ንምስራሕ ዝምልከቱ ሓሳባት መሰረታዊ ፍልልያት የብሎምን። እዚ ካብ ኮነ እምበኣር እቲ ዝተርፈና “መን ኣንቂድዎ በዘየገድስ እንተዋጺኡና” ዝብል ሓሳብ ሰኒቕካ ነዞም ርኢቶታት ምውሳቕ ጥራይ እዩ ።
መግለጺ ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ጀርመን: ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት
Saturday, 11 November 2017 21:32 Written by ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ጀርመንመግለጺ ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት
ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ጀርመን
11 ሕዳር 2017
ዝኸበርክን ኣሓትን ዝኸበርኩም ኣሕዋትን
ንኩልኹም ተኻፈልቲ ናይዚ ሰላማዊ ሰልፍን ነቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያትት ሎሚ ምሳና ኣብዚ ክሳተፍ ዘይካኣላ ደላይ ለውጢ ዝኾነን፡ ብኣውራኡ ድማ ነቲ ኣብትሕቲ ምልኪ ህግደፍ ዝምቋሕን ዝሳቐን ዘሎ ህዝብና ብሓፈሻን ልዑል ሃገራዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም ይብጻሓዮ።
ንዝተገብረልኩም መጸዋዕታ ሰላማዊ ሰልፊ ኣኽቢርኩም፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ህግዲፍ ግዳይ ተዂስን ራዕድን ኮይኑ ዝቐነየን ዘሎን ህዝብና ኣውያቱ ንምግላጽ ኣብዚ ምውዓልኩም ድማ፡ ናይ ኩልና ሓበን ንህዝብና ድማ ተስፋ ብምዃኑ ዝላዓለ ምስጋና ይብጻሕኩም።
ኩልና ተገንዚብናዮ ከምዘለና፡ ዕላማ ናይዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ፣ ነቲ ኣብ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ህዝቢ ኣስመራ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ኣኽርያ ዘካየዶ ናዕቢ ደገፍና ንምግላጽን፡ ናብዚ ናዕቢዚ ዘብጽሐ ማእሰርቲ ኣካያዳ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል-እስላምያ ብዘልማድ ድማ ቤት ትምህርቲ እስታዝ/መምህር በሽር መሓመድ ኑር ዝባሃል ቤት ትምህርቲ፡ ኣቦና ሙሳ መሓመድን ካልኦት መሳርሕቶምን ሓራ ንኽፍትሑ ዝጽውዕ እዩ። ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ከኣ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ እቲ ንዳርጋ ፍርቂ ዘመን ዝጸንሐ ምሕደራን ኣመራርሓን ናይዚ ዝተጠቕሰ ቤት ትምህርቲ ኢደ ወነናዊ ስጉምቲ ወሲዱ፡ ባህ ከምዝበሎን ንሱ ብዝቘጻጸሮን ኣገባብ ከካይዶ ስለዝፈተነን፡ ምስዘይኮንሉ ድማ ክዕጾ ስለዝገበረን እዩ።
ሓላፊ ቤት ትምህርትን መማህራንን ነቲ ብመሓውራት መላኺ ስርዓት ዝተዋህበ ውሳኔ ምቅያር ዝጸንሐ ሰነ-ስርዓት ቤት ትምህርቲ ስለዝተቓወሙ ጥራሕ እዮም ህዝቢ ንምርዓድን ንምጅጅውን ብለይቲ ካብ ገዛውቶም ተጨውዮም ዝተኣስሩ። ህዝቢ ኣኽርያ ብፍላይ፡ ህዝቢ ኣስመራ ድማ ብሓፈሻ ግን ብዘራጊ ተግባራት መጋበርያታት ህግደፍ ኣይራዓደን ኣይሰንበደን፡ እዃ ዳኣ ንባህላውን ሃይማኖታውን ግህሰታት ስርዓት ህግዲፍ ንምብዳህ እዩ፣ ትብዓትን ኒሕን ለቢሱ ብዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ደገ ንሰላማዊ ሰልፊ ዝተዓጥቀ። በዚ ዘይዕጸፍ ህዝባዊ ናዕቢ ዝሰንበደ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ነቲ ጥራሕ ኢዱ፡ በታ ዘይትዕጸፍ ልሳኑ ጥራሕ ድልየቱ ዘቃልሕ ዝነበረ ህዝቢ ብተዂሲ ኣድራጋ ጠያይት ክብትኖን ክምልሰሉን ውዒሉ። ድሕሪ ሰላማዊ ሰልፊ ንመሰሎምን ክብሮምን ዝተኣስሩን ብለይቲ ዝተሰወሩን መንእሰያት እውን ኣለዉ። ተኲስን ጠያይን ምናልባሽ ንግዝያኡ ነት ናዕቢ ዘህደኦ ክመስል ይኽእል እዩ፡ ነባሪ ዋሕስ ሰላምን ርግኣትን ክኸውን ከምዘይካል ግን ዝተፈልጠ እዩ።
ሎሚ፡ ስለምንታይ እዩ? ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ኣሽካዕላል ኣብ ልዕሊ ህዝብን ባህልታቱን ልምዱን ኣትዩ ከምድላዩ ዝዕንድር ዘሎ ዝብል ሕቶ ኣልዒና ምምላስ የድልና ይኸውን እዩ። እቲ መልሲ ንሕና ተቓወቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ማሕበራትን ወልቀ ሰባትን ከምቲ ክንኮኖ ዝግባኣና ስለዘይኮና ጥራሕ ዝብል እዃ እንተኾነ፡ ንመለኽቱ ዘምልኽ ኣብ ክንዲ ሃገራዊ ረብሐ ውልቃዊ ረብሓ ዘቐደመ ኣካላት ስለዘሎ እውን እዩ። እንተዘይ ኮይኑ ስርዓት ህግደፍ በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ግፍዕታትን ግህሰታትን ክሳብ ሎሚ ኣይምጸንሐን ነይሩ።
ህግደፍ ማሕበራውን ናይ እምንቶን ግህሰታትን፡ ዜግነት ምቕንጣጥን ካብዝጅምር ልክዕ 23 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ንምዝኽኻር ዝኣክል፡ ብዕለት 25 ጥቅምቲ 1994 ርእሰ ምልኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ነበር ካብ ዝጻሓፎ መልእክቲ፡ ናይ ‘ጅሆቫ’ ዝባሃል እምነት -------------- ኣብ ረፈረንዱም ኣይንሳተፍን ኢሎም ዜግነቶም ባዕሎም ስለዝሓኸኹ፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይነበርክትን ኢሎም ስለዝሓንገዱ፡
- ኣብዝኾነ መንግስታዊ ትካል ክሰርሑ ኣይፍቀደሎምን እንተልዮም ከኣ ክወጹ፣
- ዝዀነ ንግዳዊ ፍቓድ ከይዋሃቦም፡ እንተልይዎም ከኣ ክሳሓብ፣
- ናይ መጋየሺ ይኹን ናይ መንነት ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ሰነድ ከይዋሃቦምን ከይሕዙን ምኽልካል ግቡእ ስለዝዀነ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እቲ ዝግባእ ስጉምቲ ኪወስድ እዘኻክር” ይብል።
ኢሳያስ ከምዚ ምግባሩ ኣየገርመናን እዩ። እቲ ዘገርም “ጭሕሚ ብጻይካ ክላጸ ጭሕምኻ ማይ ልኸ” ዝባሃል ምስላ ተረሲዑ፡ ህዝቢ ዓገብ ክብል ኣይተበገሰን፡ ጽቡቕ ገበሮም ዝብሉ እውን ኣይተሳኣኑን ነይሮም። ናይ ሓደ ሰብ መስል ምግሃስን ናይ ኣማእት መስል ምግሃስን ሓደ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ ነይሩ። በዝሐ ዋሓደ ዝባሃል ግህሰት የለን። መሰኻክር ጅሆቫ መሰሎም ክጋሃስ ከሎ መላእ ህዝቢ ኮነ ሰዓብቲ ናይቲ ሃይማኖት ግቡእ ስጉምቲ ዘይምውሳዶም ምልኪ ዕንትርና ፈጢሩ። እቲ ዝገርም ድማ ገለ ሰዓብቲ መሰኻኽር ጅሆቫ እሞ ኸኣ፣ ንኢሳያስ ንጸልየሉ ናብ ልቡ ክምለስ ክብሉ ተሰሚዖም። ንምልኪ ትገጥሞ እምበር ብጸሎት ክትመልሶስ ዘበት እዩ። እንተዝኸውን ነይሩ ሰይጣን እውን ካብዚ ኩሉ መዋእላትስ ሓንቲ መዓልቲ እውን ምስ ኣማልኽቲ ዝጽዋዓላ ኣይምስተሳእነትን ነይራ።
እዚ ጥራሕ መኣስ ኮይኑ፡ ንብረት ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ዝኮነት መንፈሳዊት ጋዜጣ ሓቕን ሂይወትን ክትእገድ ከላ፡ ንብረት መዋኣለ ህጻናት ክዝመት ከሎ፡ ክስታና ኣስላምና ዘስምዕ እምቢታን ኣቤቱታን ተጽዕኖን ከይንፈጥር ኣጽቂጥና ኣሕሊፍናዮ። እዚ ማለት ግን ሰማዓይ ዝሳኣኑ ዓገብ ዝብሉ ወለድን ተቓለስትን ኣይነበሩን ማለት ከምዘይኮነ ክሳሓት ኣይግባኣን፡ ንስጉምትታት ምልኪ ሰጋእ ወይ ደው ዘብል ግን ኣይነበርን፡ ምኽንያቱ ተሳትፎ መላእ ህዝቢ ስለዝበኾረ።
ኣስዒቡ መኣስ ንብረት ወንጌላዊት ቤት ክርስትያን እውን ዘይራሰየ ኮይኑ፡ ግን ከምቀደሙ ህዝቢ ኮነ ምእመናን ‘ንመሰልና ኣለና ባዕላና’ ኢሎም እንተዘይተላዒልም፡ ዲክታቶርነት ክግብልን ኣብ ርእሲ ህዝቢ ሸሸ ክብልን ዓጋቲ ስለዝሰኣነ ከምድላዩ ክፍጽምን ናይ ግድን እዩ።
ድሕር’ዚ ኩሉ በደልን ግፍዕን ድማ፡ ንናይ ተዋህዶ ቤት ክህነት ኣቡን/ጳጳስ ኣሲሩ፡ ልክዕ ከምታ ዲክታቶር መንግስቱ ሃይለማርያም ንብጹእ ወቕዱስ ኣቡነ ቴወፍሎስ ኣሲሩ ምስኣውረዶም መተካእትኦም ዝገበረ፡ ህግደፍ ድማ ካብ ሕግን ንቡርን ቤት ክህነት ወጻኢ ብኢደ ወነኑ ንሱ ዝመረቆም ኣቡን/ጳጳስ ሸይሙ። ነዚ ንዝተቓወሙ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መላእ ምእመናን ቤተ ክርስትያንን ህዝቢ ብሓፈሻን ክስዕብዎም ዝግባእ እኳ እንተነበረ ኣይተገብረን። ስዒቡ ኣድባራት ምዕጻው፡ መራሕቲ ሃይማኖት ምዕስካርን፡ ምእሳርን ኣኸቲሉ። ብስሪዚ ድማ ቤተ ክህነት ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ደጋፍን ተቓዋምን ዝብል ስም ለቢሱ ይኸይድ ኣሎ። ህግደፍ ድማ ህዝቢ ከፋፊሉን ኣተፋኒኑን ካድራቱ ልኢኹ ደቂሱ ይሓድር ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ህግደፍ ብዝኣለሞ ሜላትት ይበታተን ኣሎ። እቲ ሓቂ ግን ህግደፍ ሃይማኖትን ወገንን ከምዘየገድሶ ፈሊጥና፡ ኤርትራ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ንቃወም ንደግፍ ብዘየገስ ናይ ሓባርና ምዃናን፡ ነፍሲ ወከፍና ድማ እንስዕቦ ዝተፍላለየ መንፈሳዊ ሃይማኖት ክህልወና ከምዝኽእል ኣሚና፡ ኣንጻር ምልኪ ሓቢርና ደው ክንብል እዩ ዝግባእ ዝነበረ።
ስቕታን እንታይ ገደሰንን ስለዝበዝሐ፡ ምቅዋም ንውሱናት ኣካላት ስለዝተገድፈ ድማዩ ስርዓት ህግደፍ ከምቀደሙ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣልእስላምያ ኣትዩ ኢደ ወነናዊ ስጉምቲ ክወስድ ስለዝጀመረ፡ “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን” ከምዝባሃል፡ ደው በል። ንሕናን ዝጸንሐ ኣገባብናን ባህልናን፡ ሓሊና ክንከይድ ኢና ዝብሉ ወለድን መንእሰያትን ዝተላዕሉ። ስርዓት ህግደፍ ነዚ ተግባራትዚ ክወስድ ከሎ፡ መኣዝን ናይቲ ክኸይድ ዝጸንሐ ናይ ኣድባራት ሽግር ንምቕያርን ጠሪሱ ምልኩ ንምርግጋጽን ክኸውን ይኽእል’ዩ። ምልክን ጭቆናን ግን ህዝባዊ ናዕብን እምቢታን ኣምሪሑ ውድቀት መለኽቲ ከምዘረጋግጽ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ዝማሃሮ ኣይኮነን።
ህዝብና ብጠያይት ባዕዳውያን ገዛእቲ ክቕተል፡ ንብረቱ ክዝመትን፡ መንበሪ ኣባይቱ ብሓዊ ክነድድን፡ መምሃሪ ቋንቋኡ ክቕየርን እንከሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብሓበራ ኢዱን ኣግሩን ኣጣሚሩ ስለዘይራኣዮ ተቓሊሱ ተዓዊቱ፡ ስለዚ ድማ ንሕና ኩልና ደለይቲ ለውጢ ብዘይዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ቁልዒ ንኸይቅህም፡ ንህግደፍ ኣሊና ርህውትን ሰላማዊትን ኤርትራ ከነረጋግጽ፡ ከምቲ ኣቦና ሙሳ መሓመኑር ኣብ ባህሉን ክብረቱን ሰብ ክእሰርን ክመውትን ኣለዎ፡ ክንፈርሕ የብልናን ዝበልዎ፡ እዚ መኸተዚ ኣብ ቅድሚ ኩልና ምህላዉ ፈሊጥና ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ሎሚ ንተንስእ ክንብል ኣለና።
ህግደፍ፡ ነዚ ባዕሉ ዝጻሕተሮ ናዕቢ፡ ከምኣመሉ ህዝቢ ንምፍልላይን ንምንቋትን ካልእ ትርጉምን ስምን ክህቦ ክፍትን እዩ። ንሕና ግን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ፡ ናይ ግዜ ፍልልይ እንተዘይኮይኑ፡ ንኹሉ ማዕረ ምዃኑ ተገንዚብና ብሓባር ምምካቱ ከድልየና እዩ። ገለ ግሩሃት ግን ከኣ ዘይእዱባት፡ ንምልኪ ዝቃለሱ ዘለዉ መሲልዎም ንፍልልያት ዝዕድም ብሂላት ክስንዝሩ ይኽእሉ ይኾኑ፡ ምእላዮምን ምእራሞምን ግን ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ። ስለዚ ሓድነትናን ሃገርናን ከም ቢለን ዓይንና ክንሕልዎም ኣለና። ሎሚ ኮነ ጽባሕ፡ ኩለን ሃይማኖታዊ እምነታት ህዝብናን፡ ኣውራጃታቱን ብሄራቱን ማሕበራዊ ክፍልታቱን ኣብ ኣካላትና ሰኲዕና ንሓባራዊ ዕዮን ረብሓን ክንብገስ ሓደራ ዘየድልዮ መጸዋዕታ እዩ።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ሰራዊት ኤርትራ ንባዕልኻውን ግዳይ ናይቲ ጨቋኒ ስርዓት ስለዝኾንካ፡ ብረትካን ጠያይትኻን ናበይ ከምተቕንዖ ብምግንዛብ፡ ኣብ ጎኒ ኣሕዋትካን ወለድኻን ደው ክትብል፡ ዝተኣስሩን ዝተጨውዩን ከተፍትሕ ካብዚ መድረኽ ሰላማዊ ሰልፊዚ ንጽውዕ። ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ እውን፡ ተቓውሞና ንምልኪ እምበር፡ ንኤርትራን ልኡላውነታን ከምዘይኮነ ፈሊጥኩም፡ እቲ ስርዓት ዝፈጥሮ ፈላሊኻ ናይ ምግዛእ ሜላ ተገንዚብኩም ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ደው ንኽትብሉ መጸዋዕታና ነቕርብ። ንሕና ወትሩ ምስህዝብና፡ ሃምናን ቀልብናን ድማ ኤርትራ እያ።
ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ጀርመን
ስለ ሰማዕኩምና ነመስግን
ንስርዓት በትሪ ኢሳያስ ብፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት ክንትክኦ ሓድነትና ነትርር፣ ቃልስና ነሕንን
Wednesday, 08 November 2017 13:33 Written by ፍስሃየ ሓጎስሃገርና ኤርትራ ብተባዕን ውፉይን ህዝባ ናጻ ወጺኣ ልዑላውነታ ኣረጋጊጻ ክንብል እንከለና፤ ብኸቢድ መስዋእቲ ናይ ኣማእት ኣሽሓት ደቃ ዝተረኽበ ዓወት ምዃኑ’ውን ከነስምረሉ ዝግብኣና ታሪኻዊ ሓቂ እዩ። ዕላማ ዝተኸፍለ መስዋእትነት፣ ኤርትራ ካብ ጭቆናን መግዛእትን ሓራ ዝወጸት፣ ብፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት እትመሓደር፣ ሰላምን ርግኣትን ዝሰፈና ብልጽግቲ ሃገር ብምምስራትን ምህናጽን መጻኢ ወለዶታት ተሓጕሶም ብሓበን ዝነብሩላ ንኽትከውን እዩ ነይሩ።
ኣቃውማ ሕብረተሰብና ብብዙሕነት ናይ ባህልታትን እምነታትን ዝግለጽ ምዃኑ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ። ናይ ኵሎም ባህግን ድልየትን ሓደ ብምንባሩ ድማ ንልዑላውነት ኤርትራ ኵሎም ተቓሊሶምን መስዋእቲ ከፊሎምን ዘረጋገጽዎ ዓወት ምዃኑ ታሪኽ ዝመዝገቦ እዩ ኢልካ ጥራይ ዝሕለፍ ዘይኰነስ፣ ህሉዊ ወለዶታት’ውን ህያው ምስክር’ዩ። እቲ ዘሕዝን ውጽኢት ግን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ይሕመስን ይሳቐን ምህላዉ፣ ብሰንኩ ዝሰዓበ ዋሕዚ ስደት፣ ህልቀት ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ንምሉእ ህዝቢ ዓለምን መንግስታትን ዘስካሕከሐን ዘሻቕልን ኮይኑ ምህላዉ እዩ።
ሰንሰለታዊ ገዛእቲ ሓይልታት፣ ኤርትራ ንምግዛእ ክጥዕሞም ዘዘውትርዎ ዝነበሩ መቓቓልን ጻሕታርን ሃይማኖታዊ ሽርሕታት፣ ክሳብ ሸፋቱ እናዕጠቑ ንዘይዓጠቐ ህዝቢ ከርዕዱን ከንበርክኹን ዝፍትንዎ ዝነበሩ ግፍዕታትን ምዝማት ንብረትን፡ ህዝብና ከይተደናገረ ሓድነቱ ሓልዩ መኪቱዎን ኣፍሽልዎን እዩ። ኣብ እዋን ተጋድሎ ንናጽነት’ውን ኣብ ጎድኒ ሰውራኡ ብምስላፍ ልዑላውነቱ ብሓባር ዘረጋገጸ ተባዕ ህዝቢ እዩ። ሕጂ’ውን ከምወትሩ ከይተደናገረ ንስርዓት ምልኪ ንምልጋስ ሓድነቱ ኣትሪሩ ክቃለስ’ዩ።
መንቀሊ ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ እቲ ብዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ብውልቀ-መላኺ ስርዓት ዚተፈጸመ ምዕጻው ናይ ኣብ ኣኽርያ እትርከብ ቤት ትምህርቲ “ኣልድያእ ኣል እስላምያ “ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊን ሳዕበናቱን እዩ።
ከምቲ ናይ ሲቪካዊ ምንቅስቓስ መራሒ ኣመሪካዊ ስዉእ ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግ “ኣብ ሓደ ክፋል ሕብረተ-ሰብና ጭቆና እንተልዩ፣ ኣብ መላእ ሕብረተ-ሰብና ጭቆና ከም ዘሎ ኢና ንቖጽሮ” ዝበሎ፤ እዚ ኣድማሳዊ ሓቂ’ዚ ነቲ ኣንጻር ምዕጻው ቤት ትምህርቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ንምብታን፣ ብበትርን ተዅስን ዝተፈጸመ ግፍዕን ዝወረደ ጉድኣትን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘቖጥዐን ዘላዓዓለን ኣጋጣሚ ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ። እዚ ምሉእ ዓለም ዝተኸታተሎ ግጉይን ግፍዓውን ስጉምቲ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ራዕዲ ኣእትዩሉ ከምዘሎ ምስጢር ኣይኰነን።
ስርዓት ኢሳያስ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብዘይ ገለ ሓደጋ ተረጋጊኡ ከምዘሎ ናይ ሓሶት ዜና ክፍኑን ደገፍቱ ድማ ጻሕታሪ ሃይማኖታውን ወገናውን መደረታት ብስቱርን ብጋህድን ኣብ ናይ ምዝርጋሕ ወፈራ ይርከቡ። ኣብዚ እዋን’ዚ ነዚ ድሑር ፈተነ’ዚ ዝቕበል ባይትኡ ዝጸበበ ወይ ዘይብሉ ምዃኑ በቲ ብደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስያውያን ሓይልታትን ኣብ ድያስፖራ ዝካየድ ዘሎ ዓበይቲ ሰላማዊ ሰልፍታት፣ ዝጸሓፍ ዘሎ ናይ ኩነነ ኣዋጃትን መግለጽታትን፣ ኣብ ፓልቶክ ገዛውቲ ዝካየድ ምይይጥን ክትዓትን ነቲ ስርዓትን ግፍዕታቱን ዘወግድ ለውጢ ዝጠልብን እዩ። ኣቦ መንበር ሰ.ደ.ህ.ኤ ኣቶ መንግስትኣብ ኣስመሮም ሓደ ካብቶም ብቕጽበት ነቲ ግፍዒ ዝዀነኑ ካብ ዝሃቦ መግለጺ እዚ ዝስዕብ ንጠቅስ፡ “ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ነዚ ጥርዓንን ተቓውሞኡን ብሰላማዊ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ዝገልጽ ዝነበረ ኣጽዋር ይኹን ዕጥቂ ዘይብሉ ህዝቢ ብወተሃደራት ህግደፍ ዝተፈነወሉ ናይ ጠያይቲ ተዅስን ማህረምትን ይኹንን። ስርዓት ህግዲፍ ነቶም ኵሎም ኣሲርዎም ዘሎ መምህራንን ወለድን ተመሃሮን ብህጹጽ ክፈትሖም ድማ ይጠልብ። መላእ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ድማ፡ ኣብ ጐድኒ እቶም ግፉዓቱን ውጹዓትን ደው ክብሉን ንኣውያቱ ከቃልሑን ይምሕጸን።” ብምባል ብመርበብ ሓርነት ዶት ኦርግ መልእኽቱ ንህዝቢ ኣመሓላሊፉ።
ስርዓት ኢሳያስ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንዅለን እምነታት ኣብ ትሕቲኡ ንምእታውን ክቆጻጸረንን በብተራ ኣብ ምሕደራአን ኢዱ ብምእታው መራሕተን ክኣስርን ከሳቕን ጸኒሑ፣ ሕጂ ኣብ ኣኽርያ ክገብሮ ዝፈተነ ግን ገንፊሉ ናይ ተቓውሞ ባርዕ ወሊዑ ኣሎ። እዚ ተርእዮ’ዚ እምበኣር ውድቀት ስርዓት ኢሳያስ ርሑቕ ከምዘይኰነ ኣብሪሁ ዘርኢ እዩ።
ኢሳያስ ብቕዋም ንኸይሕተትን ከይቅየድን ነቲ ኣጽዲቐዮ ዝበሎ፡ ናይ 1997 ቅዋም ወንዚፍዎ ድሕሪ ምጽናሕ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ሞይቱ እዩ ካልእ ክንነድፍ ኢና ክብል ኣዊጁ። እታ ኣዋጅ ንቕዋም ቅበጽዋ ብዛዕባኣ ኣልዒሉ ዝዛረብ ድማ ኣብኣ ይረኽባ ማለቱ ምንባሩ ህዝብና ኣይሰሓቶን።
ቅዋም ንመንግስታውን ብሕታውን ትካላት ዘመሓድር ዝለዓለ ሕጊ እዩ። ቅዋም እንተዝነብረና እዚ ኣብ ኣኽርያ ይኹን ኣብ ናይ ኵለን እምነታት ዝተራእየ ዓመጻዊ ስጉምትታት ከቶ ክርአ ኣይምኸኣለን። ናይ ሃይማኖት ትካላት ኣብያተ ጸሎትን ትምህርትን ዋላ ብገዛእቲ ሓይልታት’ውን ክሳብ ክንድዚ ተደፊሩ ኣይፈልጥን፡ ህዝብና ምስ ኣብዝሓ እምነታቱን ባህሉን ተኸባቢሩን ኣሳንዩን ዘንብሮ ያታዊ ሕጊ እንዳባ’ውን ነይሩዎ እዩ።
ኤርትራ ሎሚ ንመዋእሎም ዝተቓለሱ መራሕቲ፣ ካድራት፣ ጋዜጠኛታትን ዜጋታትን ዝተኣስሩላ ሃገር እያ። እሱር ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ናይ ምክልኻል መሰሉ ዘይረኽበላን፡ ኣብ ክንዲ “ክሱስ ወይ እሱር ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ገበኑ ክሳብ ዘይተረጋገጸ ንጹህ’ዩ” ዝብል ኣድማሳዊ ሕጊ ምኽባር፡ “ክሱስ ወይ እሱር ክሳብ ንጽህንኡ ዝረጋገጽ ገበነኛ እዩ” ብዝብል ህግደፋዊ ሕጊ፣ ዜጋታት ዕድሜኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይበሊ ኣሎ። ሎሚ ኤርትራ ካብ ኣብያተ ትምህርትን ሕክምናን፣ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበዝሓ፣ እታ ሃገር ንርእሳ ዳርጋ ከም ቤት ማእሰርቲ እትግለጽ፣ ካብተን ዜጋታተን ሰብኣውን ፖሊቲካውን መሰል ዘይረኽቡለን ገፋዕቲ ስርዓታት ምስ ሰሜን ኮርያ ኣብ ጭራ እትስራዕ እያ።
ኤርትራ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ቅርጻ ዘለዎ መንግስቲ ዘይብላ፣ ብህዝቢ ዝተመርጸ ባይቶ ዘይብላ፡ ብውልቀ-መላኺ ስርዓት ተሓሚሳ እትነብር ሃገር እያ ኰይና ዘላ። ኣብ ኤርትራ ሰላም፣ ብልጽግና፡ ራህዋን ቅሳነትን የለን ጥራይ ዘይኰነ ኣይተጀመረን’ውን። ህዝቢ ዝዓስሎ ፖሊትካውን ስቪካውን ሓይልታት ጠርኒፍና ነዚ ስርዓት በትሪ ኣልጊስና ብቅዋማዊ ሕጊ፣ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት ተኪእና፣ መሰረታዊ ፍታሕ ከነረጋግጽ ቃልስና ከነሕንን ንለዓል።
ዕንወት ንምልኪ
ዓወት ንፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት
ንሕና ኣብ ኣምስተርዳምን ከባቢኣን እንርከብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ብተባዕ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝተባርዐ ህዝባዊ ናዕቢ እናደገፍና ፥ ነቦና ሓጅ ሙሳን ነቶም ኣውሃሃድቲ ህዝባዊ ሰልፍን፡ ንዝገበርዎ ናይ መሰል ሕቶ ብትብዓት ፥ ኣድናቖትናን ደገፍናን ንገልጽ።
ስርዓት ህግደፍ ነዚ ሕጂ ተላዒሉ ዘሎ ሕቶ መሰል ዘበገሶ ህዝባዊ ናዕቢ፥ ከም ኣመሉ መእዝኑ ንከስሕቶ ኰነ ኢሉ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ርዱእ እዩ ። ልክዕ ከምቲ ምንቅስቓስ ናይ ፎርቶ ክገብሮ ዝፈተነ ፡ ሕጂ’ውን ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ፡ ሃይማኖታዊ ጸጊዕ ከምዘለዎ ገሩ ከቕርቦ ይህቅን ኣሎ።
መራሒ ህግደፍ ኣቶ ኢሰያስ ፣ ናይ ጥፍእት መሃንድስ ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ፣ ህዝቢ ንመሰሉ ምስዝሓትት ፣ ዝተፈላልለየ ሽም እንዳሃበ ፣ ሓንሳብ ኣውራጃውያን ፣ ሓንሳብ ሃይማኖታውያን እንዳበለ ንህዝቢ ኤርትራ ብምእሳርን ፣ ብምፍርራሕን ፣ ጸቒጡ ረጊጽዎ ይርከብ ኣሎ።
ሕጂ ግን መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ነቒሑሉ ኢዩ ። ይኹን እምበር ገለ ማሕዮታት፥ ገና ኣብ ውልቃዊ ጠቕሚ አእምሮኦም ዝደስከለ ክሳብ ሕጂ ከአ ሐንጎሎም ዘይተበራበረ ፣ ዜጋታት ከምዘለዉና ክንዝንግዕ አይግብአናን።
እዚ ሕጂ ተላዒሉ ዘሎ ተቓውሞ ፥ ህዝባዊ ተቓውሞ እዩ። ንዘልኣለም ተጨቊኑን ተረጊጹን ዝነብር ህዝቢ የለን። መዓልቱ ምስ ኣኸለ ፡ እቲ ጨቛኒ ስርዓት’ውን ከም ቀደሙ ክገዝእን ክጭፍልቕን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ ዝበጽሕ ፥ ህዝቢ ይኣክል ብምባል ህዝባዊ ናዕቢ ከምዘልዕል ካብ ታሪኽ ዝተመሃርናዮ ሓቂ እዩ። እዚ ኸኣ እዩ እዚ ሕጂ ኣብ ኣስመራ ዝተጀመረ ህዝባዊ ናዕቢ ናብ ካልኦት ዞባታት’ውን ክልሕም ዝኽእል። እዚ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ሃይማኖታዊ ፡ብሄራዊ ወይ’ውን ቀቢላዊ ( ኣውራጃዊ ) ኣይኰነን ። ጭቆና ዝወለዶ ህዝባዊ ዓመጽ እዩ። እቲ ሕቶ መሰል ፡ ሕቶ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ፡ ንሃገራዊ ነጻነትይ ክብል ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተላዒሉ ሰፍ ዘይብል ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ነጻነቱ ዝጨበጠ ፥ ሕጂ’ውን ከም ትማሊ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተላዒሉ ሰብኣዊ መሰሉን ሃገራዊ ሓርነቱን ከውሕስ ኣለዎ። ሰብእዊ መሰላትና ከነውሕስ ፥ ሃገራዊ ሓርነትና ክንጓናጸፍ እንታይ ክንገብር ኣሎና ?
- ተበታቲንካን ፡ ተጐጃጂልካን ዝግበር ቃልሲ ኣየዕውትን እዩ ። ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ብዘይ ዝዀነ ኣፈላላይ ፥ ሓቢሩ ንመሰሉ ክቃለስ ኣለዎ ። ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ኣብ ዝነብረሉ ሃገር ዝቕመጠሉ ከተማ ክጥርነፍ (ክውደብ) ኣለዎ።
በዚአጋጣሚ ክንብሎ እንደሊ ሐይልታ ምክልኻል ኤርትራ፣ መሰረታዊ ዕላማኡ መባእታዊ መሰል ህዝብን ክብርታቱን ንምሕላው ስለዝዀነ አብ ጐኒ ህዝቢ ተሰሊፎኩም ሞትን ስደትን ህዝብና ሐንሳብን ንሐዋሩን ንኸብቅዕ ፥ ምስ ህዝቢ ተሰሊፍኩም ሃገርን ህዝብን ንከተድሕኑ ታሪኻዊ ሓላፍነትኩም እዩ ። ሓይልታት ምክልኻል ፥ ነቲ ስልጣኑ ንምንዋሕ ፥ ህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን ስርሐይ ኢሉ ሒዝዎ ዝጸንሐን ዘሎን ናይ ጥፍእት ስርዓት መሳርሒ ንኸይከውን ነማሕጽን ።
ሰብእዊ መሰላትናን ሃገራዊ ሓርነትናን ንምውሓስ ብጽንዓን ሓድነትን ንቃለስ !!
ምልኪ ይፍረስ ፥ ሕጊ ይንገስ !!!
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!!!
ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን