ስዊዘርላንድ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ንምግታእ ዝዓለመ ገንዘባዊ ደገፍ ትልግስ

2017-12-14 20:07:44 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2369 times

 

 

f

ገርሃርድ ሴግፈሬድ ወኪል ልምዓትን ምትሕብባርን ዚዊዝን ሱዛን ንጎንጊ ዊኪል ፕሮገራም ልምዓት ው.ሕ. ኣብ ኤርትራ ውዕል እናተፈራረሙ Image copyright UNDPEritrea/Elizabeth Mwanik ናይ ምስሊ መግለጺ ሃገራት ኣውሮጳ ነቲ ካብ ኤርትራ ዝምንጩ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ገንዘባዊ ሓገዛት ንኤርትራ ክህባ ይራኣያ ኣለዋ

መንግስቲ ስዊዘርላንድ፡ ሞያዊ ዓቕሚ መንእሰያት ኤርትራ ንምምዕባልን ስደት ንምግታእን፡ ክልተ ሚልዮንን ሚእትን ዓሰርተ ክልተ ሽሕን ዶላር ($2,112,000) ንፕሮግራም ልምዓት ወዱብ ሕቡራት ሃገራት (ዩ.ኤን.ዲ.ፒ.) ኣብ ኤርትራ ክህብ ቃል ብምእታዉ ስምምዕ ከም ዝፈረመ ተፈሊጡ።

ብመሰረት እቲ ተወጢኑ ዘሎ ፕሮገራም፡ ነዚ ንምዕዋት $25 ሚለየን ዶላር ከም ዘድልን፡ ፕሮግራም ልምዓት ብወገኑ ኣስታት $7.8 ሚልየን ዶላር ሰሊዑ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

"ዕላማ ናይቲ ፕሮጀክት፡ መንእሰያት ባህጊታቶም ኣብ ሃገሮም ከተግብርሉ ዘኽእሎም ቁጠባዊ ዕድላት ብምፍጣርን መንግስቲ ንውሑስ፡ ስሩዕን፡ ዝተረጋገአን ፍልሰት ንምድንፋዕ ዘድልዮ ናይ ምሕደራ ዓቕሚ ብምስሳንን ዘይዉሑስ ፍልሰት ምጉዳል" ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እንተኾነ ግን፡ እዚ ኽዕወት እንተድኣ ኾይኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ቁጠባውን ፓለቲካውን ፖሊስታቱን ዝኽተሎ ዘሎ ኣተሓሕዛ መንእሰያትን ክልውጥ ኣለዎ ይብሉ ተንተንቲ።

"እቲ ዝሓሸ፡ እዚ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ እንተወሪዱ፡ እቲ መንእሰይ ግቡኡ ፈጺሙ፡ ኣብቲ ቁጠባዊ ንጥፈታት ብምስታፍ ናብርኡ ከመሓይሽን ስድርኡ ክኣልን እንተ ኺኢሉ፡ ኣብ ሃገሩ ክነብር ዘለዎ ባህጊ ክውስኽ ይኽእል።

"እቲ ንቁጠባ እታ ሃገር ሓኒቑ ሒዝዎ ዘሎ ፓሊሲ እቲ መንግስቲ ድማ ክልወጥ ኣለዎ፡ እንተዘይኮነ፡ ነቲ መንእሰይ ከረጋግእ ዝኽእል ኩነታት ክፍጠር ኣይክእልን'ዩ" ይብል ደራስን ተመራማራይ ጉዳያት ኤርትራ፡ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ካብ ሳውዝባንክ ዩኒቨርሲቲ።

ነቲ ስምምዕ፡ ዝፈረሙ ብወገን መንግስቲ ስዊዘርላንድ ወኪል ክፍሊ ልምዓትን ምትሕብባርን፡ ሓላፊ ምብራቕ፡ ሰሜንን ደቡባዊ ኣፍሪቃን ዝኾነ ሚስተር ገርሃርድ ሴግፈሬድ ክኸውን እንከሎ፡ ብወገን ፕሮግራም ልምዓት ወዱብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ወኪል ናይቲ ውድብ ኣብ ኤርትራ ሚስ ሱዛን ንጎንጊ እዮም።

ብመገዲ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተምሃሮን ኤርትራ (ሃማመተኤ) ኣብ ውሽጢ 5 ዓመታት ክትግበር ምዃኑ እውን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

እዚ ናይ ስዊዘርላንድ ደገፍ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ መንግስታት ኖርወይን ጃፓንን ዝለገስዎ ደገፍ ዘደንፍዕ ምዃኑ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝኾኑ ኤርትራውያን ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ኣብ ስዊዘርላንድን ካልኦት ኣውሮጳውያን ሃገራት ተዓቚቦም ከም ዘለዎ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ዝሓለፋ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ኤርትራ ከም ዝወጹ ጸብጻባት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-42356847

Last modified on Thursday, 14 December 2017 21:13