መግለጺ ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ፍራንክፈርትን ከባቢኡን

2018-03-18 21:11:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1835 times

ብዕለት 17 መጋቢት2018 ብሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዝተዳለወ ዝኽሪ መበል 54 ዓመት በዓል ቶጎሩባ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ተኻይዱ። ኣብቲ በዓል ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ካብ ገዳይም ተጋደልትን መንእሰያትን ተሳቲፎም ነይሮም። እቲ በዓል ብሓው ኢሳቕ ወልደማርያም ሰናይ ትምኒትን ሰላምታን ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ሓው ኢሳቕ ንተሳተፍቲ በዓል ብምምስጋን፡ ነቲ በዓል ኣብ ምድላው ክረኤ ንዝኽእል ሕጽረታት እቕሬታ ድሕሪ ምሕታት፡ ሽማግለ ህዝቢ ንምእካብን ንምጥርናፍን ኣብ ቃልሲ ግዲኡ ከበርክትን፡ ዝካኣሎ ጻዕርታት ምክያዱ እውን ገሊጹ። እቲ ጎስስ ግን፡ ኣብ ሽማግለ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ዕማም ከምዝኮነን ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ክንከዶ ዘለና ስራሕን ጻዕርን ከምዝኮነ ብምሕባር መድረክ ንኣቦ-መንበር ሽማግለ ሓው ዓብደልቃድር ሽፋ መግለጽ ንኸቕርብ ምርካቡ ይፍለጥ።

ዝቐረበ መግለጺ ከምዘለዎ እነሆ። 

Abdelkhadir shifa 17.03.2018

መግለጺ በዓል ሰራዊት ሓርነት (በዓል ቶጎሩባ)

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተኻፈልቲ ዝኽሪ መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት - ቶጎሩባ

ብመጀምርያ ንዕድመና ኣኽቢሩኩም ብምምጻእኩም ነመስገና

ኣንቛዕ ድሓን መጻኹምን መጻእክንን ድማ ንብል።

ብምቅጻል ሎሚ ማዓልቲ ሰራዊት ሓርነት ማለት ቶጎሩባ ከንብዕሎ ተዳሊና ንርከብ።

ቅድሚ 54 ዓመታት ብ15.03.1964 ድሕሪ ናይ 2 ዓመትን ፈረቓን ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ኤርትራ፣ እቶም ንነጻነት ሃገርና ኤርትራ ንምምጻእ ብረት ሒዞም ዝቃለሱ ዝነብሩ ተጋደልቲ ወይ ሰርዊት ሓርነት ኤርትራ ነቲ ብብዝሒ ይኹን ብዕጥቂ ዝዕብልሎም ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጽያ ንመጀምርያ ጊዘ መጥቓዕቲ ብምግባር ዝተዓወትሉ መዓልቲ እዩ። ኣብዚ ውግእ እዚ 87 ሰርዊት ጸላኢ ዝመትሉን ብብዝሒ ዝቆሰሉሉን ክኸውን ከሎ ብወገን ተጋደልቲ 17 መስዋእቲን ከምኡውን ገለ መቕሰልትን ተኸፈለ። ውግእ ቶጎርባ ሰራዊት ሓርነት ወይ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ንጸላኢ ኣብ ቦታኡ ወይ ድፍዓቱ ከድካ ኣጥቂዕካ ከም ትስዕረሉ ዘተረጋገጸሉን ፣ ብኡ መሰረት ጸላኢ ብዝተናውሔ ቃልሲ ካብ ምሉእ ሃገር ተሓግሒጉ ክወጽእ ምዃኑ ዝሕብር መዓልቲውን እዩ። ምስቲ ናይ ሽዑ ጊዘ ዝነበረ ቁጽሪ ሰራዊት ሓርነት እቲ ዝተክፍለ መስዋእትን ኣዛሚድካ እቲ ቃልሲ ብርክት ዝበለ ኩቡር ዋጋ መስዋእቲ ጀጋኑ ክሓትት ምዃኑ ክርዳእ ተኻኢሉ። ሓደ ኣብቲ ጊዘ ዘተርእየ ክጥቀስ ዘለዎ ተርእዮ፣ ጸላኢ ንገለ ስውኣት ወሲዱ ኣብ ከተማታት ብምጥንጣል እቲ ኣረመናዊ ተግባራቱ ዘርእየሉን፣ ኣብ ልዕሊ ሂወቶም ዝሓለፉ ደቂ ሰባት ናይ እግዝኣብሀር ፍርሒ ከምዘይብሉ ዘመስከረሉን መዓልቲ እዩ። እዚ ግን ነቲ ቃልሲ መሊሱ ከምዘበርትዔ ታሪኽ ዝምስክሮ እዩ።

ብድሕርዚ ፈላሚ ኩናት ናይ ቶጎሩባ ኩላትና ከምንፈልጦ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ዝኣክል ሰራዊት ሓርነት ማእለያ ዘይብሉ ጅግንነታዊ ውግኣት ከም ንከተማታት ነጻ ምውጻእ ይኹን ካልእ ናይ ተረባረብ ውግኣት ኣኻይዱን ዓወታት ኣመዝጊቡን ኣብ መጨረሻ ድማ ብውግእ ነጻነት ሃገር ኣምጺኡ እዩ። ንኹሉ ዝተኻየደ ውግኣትን ጅግነነታዊ ተግባራትን ሰራዊት ሓርነት ወይ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ክትጽብጸብ ከምዘይክኣል ርድእ ይኸውን። ከም ኣብነት እቲ ናይ ባጽዕ ናይ መጨረሻ ነጻ ምውጽእ ዝተገብረ ውግእ (ብስርሒት ፈንቅል ዝፍለጥ) ፣ በቶም ጸላእቲውን ከይተረፈ ዓቢ ኣድናቖት ዘትረፈን ኩናት ክጥቀስ ይከኣል። እዚ ውግእ እዚ ኣብ ልዕልቲ ጅግነንትን ውፉዩነትን ናይ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት፣ በቲ ካብ ጸላኢ ዝተማረኸ ናይቲ ጊዘ ዘመናዊ መሳርሒ ውግእ ተጠቒሞሞ ብዝልዓለ ናይ ውግእ ስልትን ብልሓት ንዝነበራ ዝተፈላለየ መደበራት ብሕሉፍ ቅልጣፈ ዝተቆጻጸረን ንባጽዕ ንሓንሳብ ንሓዋሩን ነጻ ዘውጽኤ ኣዝዩ ዝድነቕን መንግስታዊ ደርጃ ዝሓዘ ኩናት ከም ወካሊ ምጥቃሱ ይከኣል። ኣብዚ ሕጂ እዋን ምልካዊ ስርዓት ነዚ ኩናትዚ ከም መሳርሒ ናይ ፕሮፖጋንድኡ ክጥቀመሉ ክትርኢ ከለኻ ዘሕዝን ኣዩ።

መዓልቲ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ወይ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኢልና ከነብዕል ከለና ነቶም ካብ 1961 ክሳብ 1991 ማለት ን30 ዓመት ምእንቲ ነጻነት ሃገር ኢሎም ከርተት ዝበሉን ዝተሰውኡን ይኽን ብሂወቶም ዘለው (ዝሰነክሉን ዘይሰንከሉን) ከምኡውን ነቶም ድሕሪ ነጻነትውን ዘርከበሎም ሓድሽ ወለዶውን ብምጥቅላል ኢና ንዝክሮ። ክብርን ምስጋናን ንኩሎም ብዘይ ኣፈላላይ ይግባእ።

እዚ ኩሉ መስዋእትን ስንክልናን 30 ዓመት ከርተትንስ እቲ ዝደለ ሽቶታትከ ብሙሉኡ ሃሪሙ ዶ ዝብል ሕቶ ክንርእን ክንፍትሽን ድማ ናይ ግድን ይኸውን። እወ ነጻነት መጺኣ። ሃገርና ከም ሃገር ኣብ ዓለም ተፈሊጣ። እቲ ምምሕዳር በቲ ናይ ሃገር ቋንቋ ኮይኑ። ግን እቲ ዝደለ መሰል ወዲ ሃገር ፣ እቲ ዝደለ ፍትሓውን ቅዋማውን መንግስቲ፣ እቲ ዝደለ ደሞክራስያዊ ቅርጽታት፣ እቲ መሰል ምምራጽን፡ መሰል ምዝራብን፡ መሰል ምጽሓፍን፣ መሰል እምነትን ዝኣመሰሉኸ ኣለውዶ ንዝብል ሕቶ፡ እቲ መልሲ የለውን ጥራይ ዘይኮነ ነዚ መሰልዚ ኣብ ኤርትራ ይረጋገጽ ኢሉ ንዝሓተተ ብዘይ ገለ ንሕስያ፣ መን ምዃኑ፣ እንታይ ኣበርክቶ ኣብ ቃልሲ ገሩ፣ ክንደይ ዕድሙኡ፣ እንታይ እዩ ጾትኡ ብዘይገድስ፡ ኣብ በት ማእሰርቲ ይዳጐን። ሓንቲ ገበን ዘይብሎም ጋዘጠኛታት ናይ ሃይማኖት መራሕትን ላዕሎዎት መራሕቲ መንግስትን ኣሽሓታት ካልኦት ዜጋታትን ኣብ ማእሰቲ ይእትው። ምስተኣስረ ዝኾነ ዓለምለኻዊ መሰለ ናይ እሱር ድማ ይንፈጎም። መሰል ናይ ጠበቓ ፣ መሰል ናይ ቤተ-ሰብ ምብጻሕ፣ ኣብ ፍርዲ ምቕራብ ዘይብሉ ፣ ኣብ ኣሰቃቂ ዝኾነ ቤት ማእሰርቲ ክሳብ ትመውት ትእሰር። ናይ ሓርበኛ ሃይለ ድሩዕን ናይ ሓርበኛ ኣቦና ሽኽ ሙሳን መስዋእቲ ሎሚ ቐነ ንከታተሎ ዘለና እዩ።

ብዙሓት ካብዞም ሎሚ ነብዕለሎ ዘለና ሰራዊት ሓርነት ነታ ብንእስነቶም ብድለየቶም ከርተት ዝበሉላ ሃገር ድሕሪ ነጻነት እታ መሬታ ገና ጨሪሶም ዘይረገጹን ኣለውን። ገለውን ከይረገጽዋ ካብዛ ዓለም ተፈልዮም። ካልኦትውን ካብታ ባዕሎም ነጻ ዘውጽእዋ ሃገር ብዘይድለየቶም ኣምሊጦም ኣብ ፈቐደ ስደት ከርተት ክብሉ ይረከቡ።

ሃገርና ዝኾነ ዘይቀስነላ ዓባይ ማእሰርቲ ወይ መደበር እያ ኮይና ዘላ። ዕደሚኦም ገና ዘይመልኡ መንእሰያት ካብ ስድርኦም ተመንጢሎም ኣብ ሳዋ ንዓመት ድሕሪ ምዕጣቕ ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ይሽኹዑ። ኣንጸርጺሮም ድማ ሃገር ጠንጢኖም ከምዝወጹን ይኾኑሞ ክንደይ ሽግራትን ጸበባን የሕልፉ። ገለ ካብእቶም ኣብ ሰሃራ መጻወቲ በደዊንን ገለውን ኣብ ባሕሪ ተዋሒጦም ይተርፉ።

ሃገርና ሓደ ምስ ሰዓብቱ ዝዋንኣ ካብ ዓለም ንጽልቲ ሃገር እያ ኮይና ዘላ። ጌና ኣብ ግዜ ቃልሲ ኮሎ ዝጀመሮ ስልጣን ብሒትካ ምሓዝን፣ ንዝወዳደሩ ወይ ዘይምእዘዙ እናእጥፋእካን ነቲ ካልእ ብተፈላለየ ሜላታት ማለት ብሃይማኖትን ኣውራጃን ዓለትን ከምዝፈላለ እናገበርካን ኣናኣፈራራሕካን ስልጣንካ ምንዋሕ ንነዊሕ ዝተጠቀመሉን ገናውን ዝጥቀመሉ ዘሎ ኣገባብ እዩ።

ሃገርና ብዘይካ ኣዝዮም ውሑዳት ዜጋታት እንተዘይኮይኖም፣ ዝኾነ ወዲ ሃገር ነብሱ ክኢሉ ክነብረላ ትኽእል ኣይኮነትን። እቲ ዝርካቡ ሰራሕተኛ ሓረስታይ ታሕተዋይ ሸቓጣይ ይኹን ዋላውን ዝለዓለ ትምህርቲ ዝተማህረ ነብሱ ዘይክእለላ ሃገር እያ። እተን ዝወሃብኡ ደሞዝ ካብ ገዛ ክራይ ዘይሓልፋ እየን። ናይ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ዝገብሩ ዜጋታት እዃ ዘይጥቃሱ እዩ ዝሓይሽ። ኣብ ጊላነት እዮም ዝርከቡ። ሎሚ ኩሉ ስድራታት ኤርትራ ካብ ሓገዝ ኣብ ወጽኢ ዝርከቡ ቤተ-ሰብዩ ዝነብር። ቤተ-ሰብ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘይብሉ ድማ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ዘሎ።

ህግደፍ ብኣህጉራዊ ደርጃ መንነቱ ካብ ዝግለጽ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። መራሒ ህግደፍ ብገበን ኣብ ልዕሊ ሰብእውነት ንምኽሳሱ ገና ኣብ መስርሕ ይረከብ። ኣብ ሆላንድ ኣብዚ ቀርባ ንሪኦ ዘለና ምዕብላናታት ዘሐጉስ እዩ። ናይ ፈልድሆፈን ተርእዩ ይኹን ናይ ህግደፍ ዲፕሎማት ምስጓጒ ንርኢ ኣለና። ኣብዚ ንቕምጦ ዘለና ሃገር ጀርመን ብፓርላማ መሰረት ብኹሉን ሰልፍታት እዃ ኣይኮነን እምበር፡ እቲ ዘድሊ ናይ ዲፕሎማሲ ምቁራጽ ስጉምትታት ምስ ህግደፍ ይኹን፡ ንተቓወምቲ ተግባራዊ ሓገዛት ምሃብ ዛጊት ኣይተወስደን። ናይቶም ዓቕሚ ዘለዎም ኣካልት ምብልሓት ከድሊ እዩ።

ሰራዊት ሓርነት ስውኣት ይኹን ህልዋት ክኸብርሉን ክምስገንሉን እቲ ንነጻነት ዝተኻይደ ቃልሲ ቅኑዕን ኣድላይ ምዃኑን ክፍለጥ ኣለው። እዚ ብሰንኺ ናይ መላኽን ሰዓብቱን መርሪር ጽቅጠት መሰረት ጌርካ ነቲ ዝተኻየደ ቃልሲ ንኹሉ ኣብ ምልክት ሕቶ ምእታው ቅኑዕ ኣይኮነን። ነዞም ኩሉም ንእስነቶም ዝገደዶም ዘይብሎ ብድልየቶም ራሕሪሖም ንዓመታት ከርተት ዝበሉን ስውኣት ይኹን ህልዋት ክብሪ ክንሕልው ይግባእ። ተኸባቢርካን ሓቢርካን ምስራሕ እምበር፡ እዚ ናይ ዓቅሊ ጽበትን ናይ ሕሉፍነትን ተርእዮታት ነቲ ሓቢርና ከነውድቖ ንደሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፣ ብሰሪ ዘየድሊ ምስሕሓብና ፖሊቲካዊ ስንቂ እና ንህቦ ዘለና።

ካልእ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ተቓውሞ ደንበ ብዙሓት ካብ ህግደፍ ዘተኣታትዎ ዝንባለታት ካብ ሓንጎሎም ዘይወጸሎም ወይ ገሊኦም ጸኒሖም ዘጥርይዎ ዘለው ናይ ሃይማኖትን ኣውራጃን ብሔርን መበቆላት ሃሰስ እናበሎ ክፈላልዩናን ዝደልዩ ተቓወምቲ ከነለልዮምን ክንጥንቐቐሎምን ክንምክቶምን ኣለና። ኣብ ጊዘ ተቓውሞ ይኹን ብድሕርኡ ወልቃዊ ረብሓ ክጥሪ ዝኽእል ኣካል ክፍሊ ሕብረተሰብና የለን። ኩሉ ምእንቲ ደሞክራሲን ፍትሕን ንስለ ህዝብናን፣ ኣንጻር እቲ ዓሚጺ ስርዓት ሃገርና እዩ ዝቃለስ ዘሎ። እቲ ኣብ ቃልሲ ዘይሳተፍ ዘሎ፣ በብሸነኩ ክሳተፍን ክኣትውን ድእ ንቃልስን ንጉስጉስን እምበር መነጸር ናይ መበቆልን እምነትን ብምሓዝ ነዚ ሰንከልከል ዝብል ዘሎ ተቓውሞ ደምበ መሊስካ ምድኻም ቅኑዕ ኣይኮነን።

ክብረትንምስጋናንንሰራዊትሓርነት

ዝኽሪ ንስዋትና

ጽን ኢልኩም ስለ ዝሰማዕኩምና ነመስግን

ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ፍራንክፈርትን ከባቢን

Last modified on Sunday, 18 March 2018 22:19