ፍልልያት ምህላው ጸገም ኣይኮነን

2018-01-30 22:38:40 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2251 times

ኣብ ዓለምና ዘይተኣደነ ፍልልያትን ሽግራትን ከም ዘሎ ንማንም ስዉር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ዝካየድ ምንቅስቓሳት ናይ ግድን እዩ ምፍሕፋሕ ክህሉ። እዚ ምፍሕፋሕ እወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ክወልድ ድማ ባህሪያዊ እዩ። ይኹን እምበር ነቲ ኣሉታውን እውንታውን ፈላሊና ዘርበሓናን ዘየርበሓናን ኣብ ምጥማት  ስስዕቲ ስለ እነቕድም ኣብ ግርጭትን ፍልልያትን ንኣቱ።

ንፍልልያት ዝፈጥር ሽግራት ክህሉ ናይ ግድን እዩ። እቲ ፍልልያት እቲ ግና ኣብ ምንታይ ዝተመርኰሰ እዩ፡ ነቲ ፍልልያት ክወልድ እንክሎ ምጽናዕ ድማ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ሽግር ኣሎ ኢልካ ጥራሕ ፍልልያት ንምግፋሕ ክትጥቀመሉ ግን ካብ ፍትወት ነፍስን ኣነነትን ዝነቅል ፖለቲካዊ በለጽ እውን እዩ ክኸውን። ኣብዚ ክንግንዘቦ ዝግበኣና ነቲ ካብቲ ሽግራት ዝፍጠር ፍልልያት ኣብ ረብሓ ዝተመርኮሰ ዲዩ ወይ ኣብ መትከል፥ ኣብ ውሽጢ እዚ እቲ ፍልልያት ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ዲዩ ወይ ኣብ ናይ ኣፈጻጽማ ስራሓት ፈሊኻ ምንጻር እውን ዝያዳ ኩሉ ተደላይነት ኣለዎ። ኣፈጻጽማ መዓልታዊ ስረሓት ምስቲ መትከል ከተጽንዖን ወልቂ ረብሓኻ ከተቐድምን ምዃንካ ርዱእ እዩ።

ደቂ ሰባት ኣብ ክንዲ ብፍንው ብሓደ ዝነብርሉን ዘሰማምዕሉን ሕግታት ክሕንጽጹ ኣድላይነት ኣለዎ። ብዘይጠማሪ ሕጊ ምኻድ ግን ደቂሰባት ኣብ ነንሓድሕዶም ንዘቀራርቦም ይኹን ንዝየራኽቦም ፍልልያት መዕለቢ ክገብሩ ብጣዕሚ ክሽገሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ እዚ ዘይበሃል ምትፍናንን ግርጭታትን እዮም ክጥሕሉ። ከም’ዚ ክርከብ እንከሎ ድማ እቲ ምዕብልና ንድሕሪት ተጐቲቱ ናተይ ጥራሕ ስምዑ፥ ኣነ ዝበልክኹም ግበሩ ዝብል ናይ ምብሓት መንፈስ ይስዕርር። ናይ ምብሓት መንፈስ ክስዕርር እንከሎ ድማ እቲ ክክፉኡ ንካልኦት እንዳለጠፍካ፥ ንስኻ ንጹህ መሲልካ ምርኣይ ይስዕብ። ክሳብ ነቲ ጭቡጥ ስነ-ፍልጠታዊ ዝኾነ ኣምር እውን ብግልባጡ ክትጥቀመሉ ትህቅን። ኣብ ከምዚ ኩነታት  ከኣ እቲ ዲሲፕሊን ይጠፍእ እሞ ነቲ ብሓባር ከናብረካ ዝኽእል መትከል ዓነውነው ተብሎ። ውጽኢት ናይዚ ከኣ ቅድም ምርሕሓቕ ድሕሪ ምርሕሓቕ ከኣ ጽልኢ ድሒሩ ድማ ምጽልላምን ንሓድሕድካ ምትህርራምን የስዕብ።

ደቂሰባት ብባህሪኦም ዝፈላለዩሉን ዝሰማምዕሉን ጉዳያት ክህሉ ናይ ርዱእ እዩ። ገሊኡ ክጭክን፥ ከንበርክኽ፥ ክመልኽ፥ ኣነ ጥራይ እየ ቅኑዕ ... ወዘተ ይብል ። ገሊኡ ከኣ ክሰማማዕ፥ ክረዳዳድእ፥ ንሰናይ ዘበለ ክፍትሽን ካብ ትምክሕትን ኣነነትን ርሒቑ ነቲ ጌጋኡ ዝእርምን ብሓባር ናይ ምንባር ወጸዓ ደቂሰባት ወጽዕኡ ምዃኑ ዝኣምንን ኣብ ዝብሉ ባህሪያት ወይ ክፈላለዩ ወይ ከኣ ክመሳሰሉ ይኽእሉ። ብውሽጥኻ ብሓባር ንምንባርን  ንኣምር ድሞክራሲ ንምትግባርን እንዳነጸግካ፥ ምስ ካልኦት ኰንካ ንኹሉ ዘርብሕ ክትስርሕ ይኹን ሽግራት ወይ ፍልልያት ኣብ ዝረኣዩሉ ብስልጡን ኣገባብ ፍታሕ ክተናዲ ማለት ዘበት እዩ። እንታይደኣ ኣብ ክንድኡ ምርሕሓቕ ንከዓሙቕ ዝዕድም ዘይምስልኻ ሒዝካ ነቲ ገፈል መፈል ኣብ ካልኦት ክትነግፎ ናብ ምጽላምን ሽምጠጣን ገጽካ ተድህብ። ኣብ ከምዚ ህሞት ከኣ እቲ ምፍራስ እምበር ምህናጽ ዝብል ሓሳብ ካብ ኣእምሮ ደቂሰብ ስለ ዝሕከኽ ነቲ ፍልልይ ዝፈትሕ ሓሳብ ኣብ ምቕራብ ኣይዕወቱን።

ስለዚ እቲ ኣብ ደቂ ሰባት ክርከብ ዝኽእል ፍልልያት ከም ውሁብ ተወሲዱ፥ ነቲ ፍልልያት ናይ ምምእካሉን ኣካሉ ናይ ምዃንን ብሓደ ተጣሚሩ ዝኸይድ እዩ። በቲ ፍልልያት ከይተገዛእካ ነቲ ንኹሉ ዘርብሕ ሕልና ምሓዝን ምትግባርን ቅድመ ተደላይነት ኣለዎ። ከመይሲ ንሱ እዩ ሓደ ካብቲ ኣካላት ናይቲ ፍታሕ።

 

Last modified on Tuesday, 30 January 2018 23:41