ኣብ ክንድ ነቲ ዝፈላልየና፡ ነቲ ዘቀራርበና ዘይነተርንዕ!

2018-01-24 19:39:23 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2467 times

ከም ሰባት ክንነብር እንከለና ፍጹም ከነወግዶም ዘይንኽእል ዝፈላልዩና መምዘንታት ኣለዉና። ዘቀራርቡና’ውን ከምኡ። እንተኾነ ኣብክንዲ ነቶም ዝፈላልዩና ነቶም ዘቀራርቡና ከነጉልሕ እንከለና፡ ብሓባር ንነብር ጥራይ ዘይኮነ ብዙሕ ሓባራዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ተግባራት ንፍጽም። ከም ዜጋታት ናይ ሓባር ሃገርን ልኡላውነትን ነውሕስ። ንኹልና ብዘማእክል ሕግን ስርዓት ድማ ንመሓደር። ካብዚ ሓሊፉ፡ ብባህሪ፡ ብዕድመ፡ ብጾታ፡ ብደረጃ መነባብሮ፡ … ውዘተ ዘለዉና ፍልልያት ንቕድሚት ኣምጺእና እንተነጉልሖም እቶም ኣቐዲምና ዝገለጽናዮም ናይ ሓብር ክብርታት ክንውንን ኣይመኸኣልናን።

በቲ ካልእ ማእዝን ናብ ህልዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞና እንተመጻእና፡ ከነወግዶም’ኳ እንተዘይከኣልና ንቕድሚት ኣምጺእና ከነጉልሖም ዘይግበኣና መፈላለዪ ነጥብታት ኣለዉና። ከከም ኩነታቱን ግዜኡን ከኣ እንዳተበራረዩ ነቲ ዘመሳስለና ኣተሓሳስባታት ከም ዝሃስይዎ ክንዕዘቦም ጸኒሕናን ኣለናን። በዚ መሰረት ኣብ ሕድሕድና፡ ሚዛና ኣብ ሕቶ ሃይማኖት፡ ኣገባብ ቃልሲ፡ ኣመዛዝና ስርዓት ህግደፍ፡ ዝምድናና ምስ ዘይኤርትራዊ ሓይልታት ዝኣመሰሉ ፍልልያት፡ እቲ ሓደ ክሃድእ እንከሎ እቲ ካልእ ንቕድሚት እንዳመጸ እንዳተበራረዩ የረሓሕቑና ኣለዉ። ብሓባር ክድመሩ እንከለዉ ከኣ ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፍልልያት እዮም ዝፈጥሩ። ብፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ፍልልይ ምፍጣር ብፍላይ ኣብዚ ንነብረሉ ዘለና ኩልኻ ሰዓራይ እትኾነሉ ዓለማዊ ርኢቶ፡ ብጥሪኡ እምብዛ ዘጻልእን ዘተፋንን ኣይኮነን። ብሰንኪ ኣብ ኣተሓሕዛኦም ዝፍጠር ጸገማትን ኣምላኺ ሰዓራይን ተሰዓራይን ምዃንን ግና እነሆ ፍልልይ ነጊሱ። ከም ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞ፡ ኣባና ዝንጸባረቕ ዘሎ ከኣ ንሱ እዩ።

ከምቲ “ካብ ልቢ እንተሓዚንካ ንብዓት ኣይኣብን’ዩ” ዝበሃል፡ ልባዊ ድሌትና ስኒትን ብሓባር ምስራሕን እንተኾይኑ፡ ነቲ ዝፈላሊ ከም ዘይነተባብዕ ባህርያዊ እዩ። ብንቕሓትን ምሉእ ሕልናን ንስኒትን ሓቢርካ ምስራሕን እንተ ተቢዕና ከኣ፡ እቲ እነጉልሖ እቲ ዘቀራርበና እዩ። ንጉዳያት እንተደኣ ብዓይኒ ቅንዕና ዘይሒዝካዮም ዘባእሱ ከም ዝኾኑ ከኣ እነሆ ብግብሪ ይረአ ኣሎ። ከምቲ “እምብዛ እንተጠሚትካዮ ጸባ’ውን ይጽልም” ዝበሃል። ኣብ ጉዳይ ተቓውሞና እቲ ቀንዲ ጸገም ናይ ፖሊሲ ፍልልይ ከምዘይኮነ ብብዙሕ ምኽንያታት ክመሳኸር ይኽእል። ብቐዳምነት ናይ ፖሊሲ ፍልልያት እንተሃለወ እውን ውሕልነትን ሓልዮትን እንተ ኣሰንይዎ ሓቢርካ ንምኻድ ዕንቅፋት ከምዘይከውን ብዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ዝተመስከረ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብዙሓት ብዘይካ ኣዝዩ ውሱን ነጥብታት ናይ መትከል ፍልልያት ዘይብልና ክነስና፡ ሰለስተ ኣርባዕተ ውድባት ኮይና ንኸይድ ምህላውና ካልእ ህያው ምስክር እዩ። “እዚ ስለምንታይ ይኸውን?” ኢልካ ክትሓትት እንከለኻ ውዱእ መልሲ ምርካብ ዓሚቝ መጽናዕቲ ዘድልዮ እዩ። ኣብ ኣተገባብራ ዝፍጠሩ ሜላውን ምምሕዳራውን ፍልልያት ክትጻወር ዘይምኽኣል፡ ናይቶም ተዋሳእቲ ናይ ባህሪ ፍልልያትን፡ ኩሉ ነገር ምሉእ ብምሉእ ከምቲ እትደልዮ ክኾነልካ ምድላይን ከኣ ናብ መልሲ እቲ ሕቶ ዝቐረቡ ምናልባታት ምዃኖም ምግማት ዘይከኣል ኣይኮነን። ባዕልኻ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ንዘጽደቕካዮ ሕግታት ምእዙዝ ዘይምዃን’ውን ኣብዚ መዳይ ዓብይ እጃም ዝሕዝ እዩ።

ብዛዕባ ብሓባር ምስራሕ ክትሓስብ እንከለኻ፡ እዞም ብሓባር ንዘይምስራሕ ምኽንያታት ክኾኑ ይኽእሉ ዝበልናዮም ከጋጥሙ ከም ዝኽእሉን ተዳሊኻሎም ምጽናሕ ከም ዘድሊ ምግንዛብ ይግባእ። ምስዚ ብዝተኣሳሰር ከም ውድብ ኮነ ከም ውልቀ ባእታ ከምቲ ንስኻ ናትካ ሓሳብን ህርፋንን ዘለካ፡ እቲ ካልእ መሻርክትኻ ወገን’ውን ከምኡ ዓይነት ዝንባለ ከምዝህልዎ ምርዳእ ካልእ ክንግዘቦ ዝግበኣና እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነታዊ ኣረኣእያ እንተዘየልዩ ግና ናይ ሓባር ረቛሒ ክርከብ ኣይክእልን እዩ። ናይ ሓባር ረቛሒ ኣብ ዘየብሉ ከኣ ከቶ ናይ ሓባር ስራሕን ጉዕዞን ኣይህሉን። ብሓባር ምስራሕ ዘይምህላው፡ ዓቕምኻ ከም ዘዳኽምን መፍቶ’ቲ ናይ ሓባር ጸላኢኻ ከም እትኸውንን ከኣ ኩነታትና ባዕሉ መስካሪ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከምዚ ዝኣመሰለ ክለሰ-ሓሳባዊ መረዳእታ እንዳሃለዋና ናብ ተግባር ዘይንተግህ ምህላውና እዩ። ኣብ ውሽጥኻ ካልእ ሓሳብ እንዳሃለወካ ነቲ ኩነታት ንምምሳል ኣብ ኣደባባይ ዝረአ ናይ ቃልዓለም ኣቀራርባ ከኣ ካልእ ጸገም እዩ። ብዛዕባዚ ክንዛረብ እንከለና ሓደ ብጻይ “ኣብ ግዜ ሓደ ዓይነት ጃኬት በበይኑ ኣተሓሳስባ ኢና ዘለና” ዝብለኒ ሕጂ ትዝ ይብለኒ።

ንትሕዝቶ ኣተሓሳስባ ምስቶም ነቲ ኣተሓሳባ ዘቕርቡ ኣካላት ምትእስሳር ልሙድ ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ “መን እዩ በሃሊ?” ምቁማት “እንታይ እዩ እቲ ዝተባህለ?” ምጉላሕ ሃናጺ ኣተሓሕዛ እዩ ዝብል ተረደኦ ኣለና። ነቲ ሓሳብ ዘቕርብ ወገን ውድብ ይኹን ባእታ ስለ ዝጸላእካዮ ነቲ ሓሳቡ ምንጻግ  ሓደገኛ እዩ። እቲ ሓደጋ እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ነቲ ሓሳብ ዘቕርብ ውድብ ይኹን ባእታ ስለ ዝፈተኻዮ፡ ንሱ ንዘቕርቦ ሓሳብ ዘየድምዕ እንዳሃለወ ምቕባሉ’ውን ከኣ ካልእ ገጽ ናይቲ ሓደጋ እዩ። ስለዚ “መን ኣቕሪብዎ” ንዝብል ኣይንገደሰሉ’ኳ እንተዘይበልና ቀንዲ ቆላሕታና ግና ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐርብ ሓሳብ ዘዕዘዘ ክኸውን ይግባእ። 

Last modified on Wednesday, 24 January 2018 20:42