ጨንፈር ቶሮንቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ስሩዕ ኣኼባኡ ብዓወት ዛዚሙ

2018-01-23 01:48:38 Written by  EPDP Information Office in North America Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2983 times

 

ጨንፈር ቶሮንቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.) ብዕለት 21 ጥሪ 2018 ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ወዲኡ። ኣኼባ 16 ኣባላት ዝተሳተፍዎ ክኸውን ከሎ 4 ካብኦም ከኣ ሓደሽቲ መንእሰያት ነይሮም። ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከኣ ተመያይጦም ናይ ስራሕ መደብ ኣውጺኦም። 

  1. ሌላ ምስ ሓደሽቲ ኣባለት፤ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ያሲን ዑስማን ንሓደሽቲ ኣባላት ምስ ጨንፈር ድሕሪ ምልላይ፣ ምስ ኣሰራርሓ ጨንፈር ከም ኣኼባ፣ ጉባኤ፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣብሪህሎም።
  2. ህልዊ ኵነታት ሰልፊ፤ ሓው ትኩእ ተስፍይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሰልፍና ብውሽጥን ብደገን ዘጋጥሞ ብደሆታት ኣዕሚቁ ገሊጹ። መሰረታት ሰሜን ኣመሪካ ንናይ ደገ ዑሱባት ኣብ ፍረ ከይበጽሐ ምብርዓኖም ኣመጒሱ።
  3. ጉባኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፤ ጨንፈር ኣብዚ መጨረሽታ ወርሒ ጥሪ ክግበር ተቀሪቡ ዘሎ ናይ ዞባ ጉባኤ ኣስፊሖም ተመያይጦም። ካብ ኣምራጺት ሽማግለ ዝመጾም መምርሒ ተኸቲሎም ንጉባኤ ዕዉት ንኽገብርዎ ወሲኖም።
  4. መደባት ጨንፈር፤ ኣብ ናይ መጻኢ መደባ ጨንፈር ክትዓብን ክትሰፍሕን ወሲና። ነዚ ኣብ ግብሪ ከተውዕል ከኣ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ኢድ ንኢድ ኮይና ክትሰርሕ ኣረጋጊጻ።

 

ህዝባዊ ቃልሲ መተካእታ የልብሉን!

Last modified on Tuesday, 23 January 2018 03:04