መግለጺ ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ጀርመን: ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት

2017-11-11 20:32:32 Written by  ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ጀርመን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2007 times

መግለጺ ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት

ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ጀርመን

11 ሕዳር 2017

ዝኸበርክን ኣሓትን ዝኸበርኩም ኣሕዋትን

ንኩልኹም ተኻፈልቲ ናይዚ ሰላማዊ ሰልፍን ነቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያትት ሎሚ ምሳና ኣብዚ ክሳተፍ ዘይካኣላ ደላይ ለውጢ ዝኾነን፡ ብኣውራኡ ድማ ነቲ ኣብትሕቲ ምልኪ ህግደፍ ዝምቋሕን ዝሳቐን ዘሎ ህዝብና ብሓፈሻን ልዑል ሃገራዊ ሰላምታና  ይብጻሕኩም ይብጻሓዮ።

ንዝተገብረልኩም መጸዋዕታ ሰላማዊ ሰልፊ ኣኽቢርኩም፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ህግዲፍ ግዳይ ተዂስን ራዕድን ኮይኑ ዝቐነየን ዘሎን ህዝብና ኣውያቱ ንምግላጽ ኣብዚ ምውዓልኩም ድማ፡ ናይ ኩልና ሓበን ንህዝብና ድማ ተስፋ ብምዃኑ ዝላዓለ ምስጋና ይብጻሕኩም።

ኩልና ተገንዚብናዮ ከምዘለና፡ ዕላማ ናይዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ፣ ነቲ ኣብ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ህዝቢ ኣስመራ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ኣኽርያ ዘካየዶ ናዕቢ ደገፍና ንምግላጽን፡ ናብዚ ናዕቢዚ ዘብጽሐ ማእሰርቲ ኣካያዳ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል-እስላምያ ብዘልማድ ድማ ቤት ትምህርቲ እስታዝ/መምህር በሽር መሓመድ ኑር ዝባሃል ቤት ትምህርቲ፡ ኣቦና ሙሳ መሓመድን ካልኦት መሳርሕቶምን  ሓራ ንኽፍትሑ ዝጽውዕ እዩ። ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ከኣ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ እቲ ንዳርጋ ፍርቂ ዘመን ዝጸንሐ ምሕደራን ኣመራርሓን ናይዚ ዝተጠቕሰ ቤት ትምህርቲ ኢደ ወነናዊ ስጉምቲ ወሲዱ፡ ባህ ከምዝበሎን ንሱ ብዝቘጻጸሮን ኣገባብ ከካይዶ ስለዝፈተነን፡ ምስዘይኮንሉ ድማ ክዕጾ ስለዝገበረን እዩ።

ሓላፊ ቤት ትምህርትን መማህራንን ነቲ ብመሓውራት መላኺ ስርዓት ዝተዋህበ ውሳኔ ምቅያር ዝጸንሐ ሰነ-ስርዓት ቤት ትምህርቲ ስለዝተቓወሙ ጥራሕ እዮም ህዝቢ ንምርዓድን ንምጅጅውን ብለይቲ ካብ ገዛውቶም ተጨውዮም ዝተኣስሩ። ህዝቢ ኣኽርያ ብፍላይ፡ ህዝቢ ኣስመራ ድማ ብሓፈሻ ግን ብዘራጊ ተግባራት መጋበርያታት ህግደፍ ኣይራዓደን ኣይሰንበደን፡ እዃ ዳኣ ንባህላውን ሃይማኖታውን ግህሰታት ስርዓት ህግዲፍ ንምብዳህ እዩ፣ ትብዓትን ኒሕን ለቢሱ ብዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ደገ ንሰላማዊ ሰልፊ ዝተዓጥቀ። በዚ ዘይዕጸፍ ህዝባዊ ናዕቢ ዝሰንበደ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ነቲ ጥራሕ ኢዱ፡ በታ ዘይትዕጸፍ ልሳኑ ጥራሕ ድልየቱ ዘቃልሕ ዝነበረ ህዝቢ ብተዂሲ ኣድራጋ ጠያይት ክብትኖን ክምልሰሉን ውዒሉ። ድሕሪ ሰላማዊ ሰልፊ ንመሰሎምን ክብሮምን ዝተኣስሩን ብለይቲ ዝተሰወሩን መንእሰያት እውን ኣለዉ። ተኲስን ጠያይን ምናልባሽ ንግዝያኡ ነት ናዕቢ ዘህደኦ ክመስል ይኽእል እዩ፡ ነባሪ ዋሕስ ሰላምን ርግኣትን ክኸውን ከምዘይካል ግን ዝተፈልጠ እዩ።

ሎሚ፡ ስለምንታይ እዩ? ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ኣሽካዕላል ኣብ ልዕሊ ህዝብን ባህልታቱን ልምዱን ኣትዩ ከምድላዩ ዝዕንድር ዘሎ ዝብል ሕቶ ኣልዒና ምምላስ የድልና ይኸውን እዩ። እቲ መልሲ ንሕና ተቓወቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ማሕበራትን ወልቀ ሰባትን  ከምቲ ክንኮኖ ዝግባኣና ስለዘይኮና ጥራሕ ዝብል እዃ እንተኾነ፡ ንመለኽቱ ዘምልኽ ኣብ ክንዲ ሃገራዊ ረብሐ ውልቃዊ ረብሓ ዘቐደመ ኣካላት ስለዘሎ እውን እዩ። እንተዘይ ኮይኑ ስርዓት ህግደፍ በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ግፍዕታትን ግህሰታትን ክሳብ ሎሚ ኣይምጸንሐን ነይሩ።

ህግደፍ ማሕበራውን ናይ እምንቶን ግህሰታትን፡ ዜግነት ምቕንጣጥን ካብዝጅምር ልክዕ 23 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ንምዝኽኻር ዝኣክል፡ ብዕለት 25 ጥቅምቲ 1994 ርእሰ ምልኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ነበር ካብ ዝጻሓፎ መልእክቲ፡ ናይ ‘ጅሆቫ’ ዝባሃል እምነት -------------- ኣብ ረፈረንዱም ኣይንሳተፍን ኢሎም ዜግነቶም ባዕሎም ስለዝሓኸኹ፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይነበርክትን ኢሎም ስለዝሓንገዱ፡

  1.  ኣብዝኾነ መንግስታዊ ትካል ክሰርሑ ኣይፍቀደሎምን እንተልዮም ከኣ ክወጹ፣
  2. ዝዀነ ንግዳዊ ፍቓድ ከይዋሃቦም፡ እንተልይዎም ከኣ ክሳሓብ፣
  3. ናይ መጋየሺ ይኹን ናይ መንነት ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ሰነድ ከይዋሃቦምን ከይሕዙን ምኽልካል ግቡእ ስለዝዀነ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እቲ ዝግባእ ስጉምቲ ኪወስድ እዘኻክር” ይብል።

 

ኢሳያስ ከምዚ ምግባሩ ኣየገርመናን እዩ። እቲ ዘገርም “ጭሕሚ ብጻይካ ክላጸ ጭሕምኻ ማይ ልኸ” ዝባሃል ምስላ ተረሲዑ፡ ህዝቢ ዓገብ ክብል ኣይተበገሰን፡ ጽቡቕ ገበሮም ዝብሉ እውን ኣይተሳኣኑን ነይሮም። ናይ ሓደ ሰብ መስል ምግሃስን ናይ ኣማእት መስል ምግሃስን ሓደ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ ነይሩ። በዝሐ ዋሓደ ዝባሃል ግህሰት የለን። መሰኻክር ጅሆቫ መሰሎም ክጋሃስ ከሎ መላእ ህዝቢ ኮነ ሰዓብቲ ናይቲ ሃይማኖት ግቡእ ስጉምቲ ዘይምውሳዶም ምልኪ ዕንትርና ፈጢሩ። እቲ ዝገርም ድማ ገለ ሰዓብቲ መሰኻኽር  ጅሆቫ እሞ ኸኣ፣ ንኢሳያስ ንጸልየሉ ናብ ልቡ ክምለስ ክብሉ ተሰሚዖም። ንምልኪ ትገጥሞ እምበር ብጸሎት ክትመልሶስ ዘበት እዩ። እንተዝኸውን ነይሩ ሰይጣን እውን ካብዚ ኩሉ መዋእላትስ ሓንቲ መዓልቲ እውን  ምስ ኣማልኽቲ ዝጽዋዓላ ኣይምስተሳእነትን ነይራ።  

እዚ ጥራሕ መኣስ ኮይኑ፡ ንብረት ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ዝኮነት መንፈሳዊት ጋዜጣ ሓቕን ሂይወትን ክትእገድ ከላ፡ ንብረት መዋኣለ ህጻናት ክዝመት ከሎ፡ ክስታና ኣስላምና ዘስምዕ እምቢታን ኣቤቱታን ተጽዕኖን ከይንፈጥር ኣጽቂጥና  ኣሕሊፍናዮ። እዚ ማለት ግን ሰማዓይ ዝሳኣኑ ዓገብ ዝብሉ ወለድን ተቓለስትን ኣይነበሩን ማለት ከምዘይኮነ ክሳሓት ኣይግባኣን፡ ንስጉምትታት ምልኪ ሰጋእ ወይ ደው ዘብል ግን ኣይነበርን፡ ምኽንያቱ ተሳትፎ መላእ ህዝቢ ስለዝበኾረ።

ኣስዒቡ መኣስ ንብረት ወንጌላዊት ቤት ክርስትያን እውን ዘይራሰየ ኮይኑ፡ ግን ከምቀደሙ ህዝቢ ኮነ ምእመናን ‘ንመሰልና ኣለና ባዕላና’ ኢሎም እንተዘይተላዒልም፡ ዲክታቶርነት ክግብልን ኣብ ርእሲ ህዝቢ ሸሸ ክብልን ዓጋቲ ስለዝሰኣነ ከምድላዩ ክፍጽምን ናይ ግድን እዩ።

ድሕር’ዚ ኩሉ በደልን ግፍዕን ድማ፡ ንናይ ተዋህዶ ቤት ክህነት ኣቡን/ጳጳስ ኣሲሩ፡ ልክዕ ከምታ ዲክታቶር መንግስቱ ሃይለማርያም ንብጹእ ወቕዱስ ኣቡነ ቴወፍሎስ ኣሲሩ ምስኣውረዶም መተካእትኦም ዝገበረ፡ ህግደፍ ድማ ካብ ሕግን ንቡርን ቤት ክህነት ወጻኢ ብኢደ ወነኑ ንሱ ዝመረቆም ኣቡን/ጳጳስ ሸይሙ። ነዚ ንዝተቓወሙ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መላእ ምእመናን ቤተ ክርስትያንን ህዝቢ ብሓፈሻን ክስዕብዎም ዝግባእ እኳ እንተነበረ ኣይተገብረን። ስዒቡ ኣድባራት ምዕጻው፡ መራሕቲ ሃይማኖት ምዕስካርን፡ ምእሳርን ኣኸቲሉ። ብስሪዚ ድማ ቤተ ክህነት ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ደጋፍን ተቓዋምን ዝብል ስም ለቢሱ ይኸይድ ኣሎ። ህግደፍ  ድማ ህዝቢ ከፋፊሉን ኣተፋኒኑን ካድራቱ ልኢኹ ደቂሱ ይሓድር ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ህግደፍ ብዝኣለሞ ሜላትት ይበታተን ኣሎ። እቲ ሓቂ ግን ህግደፍ ሃይማኖትን ወገንን ከምዘየገድሶ ፈሊጥና፡ ኤርትራ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ንቃወም ንደግፍ ብዘየገስ ናይ ሓባርና ምዃናን፡ ነፍሲ ወከፍና ድማ እንስዕቦ ዝተፍላለየ መንፈሳዊ ሃይማኖት ክህልወና ከምዝኽእል ኣሚና፡ ኣንጻር ምልኪ ሓቢርና ደው ክንብል እዩ ዝግባእ ዝነበረ።

ስቕታን እንታይ ገደሰንን ስለዝበዝሐ፡ ምቅዋም ንውሱናት ኣካላት ስለዝተገድፈ ድማዩ ስርዓት ህግደፍ ከምቀደሙ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣልእስላምያ ኣትዩ ኢደ ወነናዊ ስጉምቲ ክወስድ ስለዝጀመረ፡ “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን” ከምዝባሃል፡ ደው በል። ንሕናን ዝጸንሐ ኣገባብናን ባህልናን፡ ሓሊና ክንከይድ ኢና ዝብሉ ወለድን መንእሰያትን ዝተላዕሉ። ስርዓት ህግደፍ ነዚ ተግባራትዚ ክወስድ ከሎ፡ መኣዝን ናይቲ ክኸይድ ዝጸንሐ ናይ ኣድባራት ሽግር ንምቕያርን ጠሪሱ ምልኩ ንምርግጋጽን ክኸውን ይኽእል’ዩ። ምልክን ጭቆናን ግን ህዝባዊ ናዕብን እምቢታን ኣምሪሑ ውድቀት መለኽቲ ከምዘረጋግጽ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ዝማሃሮ ኣይኮነን።

ህዝብና ብጠያይት ባዕዳውያን ገዛእቲ ክቕተል፡ ንብረቱ ክዝመትን፡ መንበሪ ኣባይቱ ብሓዊ ክነድድን፡ መምሃሪ ቋንቋኡ ክቕየርን እንከሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብሓበራ ኢዱን ኣግሩን ኣጣሚሩ ስለዘይራኣዮ ተቓሊሱ ተዓዊቱ፡ ስለዚ ድማ ንሕና ኩልና ደለይቲ ለውጢ ብዘይዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ቁልዒ ንኸይቅህም፡ ንህግደፍ ኣሊና ርህውትን ሰላማዊትን ኤርትራ ከነረጋግጽ፡ ከምቲ ኣቦና ሙሳ መሓመኑር ኣብ ባህሉን ክብረቱን ሰብ ክእሰርን ክመውትን ኣለዎ፡ ክንፈርሕ የብልናን ዝበልዎ፡ እዚ መኸተዚ ኣብ ቅድሚ ኩልና ምህላዉ ፈሊጥና ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ሎሚ ንተንስእ ክንብል ኣለና።

ህግደፍ፡ ነዚ ባዕሉ ዝጻሕተሮ ናዕቢ፡ ከምኣመሉ ህዝቢ ንምፍልላይን ንምንቋትን ካልእ ትርጉምን ስምን ክህቦ ክፍትን እዩ። ንሕና  ግን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ፡ ናይ ግዜ ፍልልይ እንተዘይኮይኑ፡ ንኹሉ ማዕረ ምዃኑ ተገንዚብና ብሓባር ምምካቱ ከድልየና እዩ። ገለ ግሩሃት ግን ከኣ ዘይእዱባት፡ ንምልኪ ዝቃለሱ ዘለዉ መሲልዎም ንፍልልያት ዝዕድም ብሂላት ክስንዝሩ ይኽእሉ ይኾኑ፡ ምእላዮምን ምእራሞምን ግን ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ። ስለዚ ሓድነትናን ሃገርናን ከም ቢለን ዓይንና ክንሕልዎም ኣለና። ሎሚ ኮነ ጽባሕ፡ ኩለን ሃይማኖታዊ እምነታት ህዝብናን፡ ኣውራጃታቱን ብሄራቱን ማሕበራዊ ክፍልታቱን ኣብ ኣካላትና ሰኲዕና ንሓባራዊ ዕዮን ረብሓን ክንብገስ ሓደራ ዘየድልዮ መጸዋዕታ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ሰራዊት ኤርትራ ንባዕልኻውን ግዳይ ናይቲ ጨቋኒ ስርዓት ስለዝኾንካ፡ ብረትካን ጠያይትኻን ናበይ ከምተቕንዖ ብምግንዛብ፡ ኣብ ጎኒ ኣሕዋትካን ወለድኻን ደው ክትብል፡ ዝተኣስሩን ዝተጨውዩን ከተፍትሕ ካብዚ መድረኽ ሰላማዊ ሰልፊዚ ንጽውዕ። ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ እውን፡ ተቓውሞና ንምልኪ እምበር፡ ንኤርትራን ልኡላውነታን ከምዘይኮነ ፈሊጥኩም፡ እቲ ስርዓት ዝፈጥሮ ፈላሊኻ ናይ ምግዛእ ሜላ ተገንዚብኩም ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ደው ንኽትብሉ መጸዋዕታና ነቕርብ። ንሕና ወትሩ ምስህዝብና፡ ሃምናን ቀልብናን ድማ ኤርትራ እያ።

ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ጀርመን

ስለ ሰማዕኩምና ነመስግን

     

Last modified on Saturday, 11 November 2017 21:40