መግለጺ ሰላማዊ ሰልፊ ሽወደን ስቶኮሆልም

2017-11-18 20:04:02 Written by  ኣዋሃህዲ ሽማገለ ሰላማዊ ሰልፊ ሽወደን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2017 times

መግለጺ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ጒጅለ ህግደፍን ምሕዝነት ምስ ሰፊሕ ህዝብናን።

ኣዋሃህዲ ሽማገለ ሰላማዊ ሰልፊ ሽወደን ስቶኮሆልም።

17 ሕዳር 2017።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ።

ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ምስዚ ኣጋጣሚ ሰላማዊ ሰልፍና: ንሰፊሕ ህዝብና ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ህግደፍ ተቖሪኑ ንኹሉ ኣደራዕ ሽበራ: ስእንተ ሰላም: ጥሜት: ጽምኢ- ማይ: ዕርቃን: ባህላዊ ዱርቆሳን ማሕበራዊ ምብትታንን ተጻዊሩን ተጸሚሙን ምእንቲ ልዑላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝቡ ንምዕቃብን ብትዕግስቲ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ክቡር ሰላምታና ነቕርብ።

ቀጺልና ድማ እዞም ኣብዚ ተኻፊልኩም ዘለኹም ሓርበኛታት ኤርትራውያን: ነዚ ዝተጠቕሰ ብፍጹም ጭካኔ ዝተባዕጠ ርኹስ ምምሕዳር ህግደፍ ንምቁዋም ኢልኩም ግዜ ስራሕኩም; ትምህርቱኹም ኮታ ኩሉ ውልቃዊ ዕማምኩም ገዲፍኩም ንምሕዝነት ሰፊሕ ጩቁን ህዝብና ደው ምባልኩም ምስጋናና ዓቢ ምዃኑ እናገለጽና: ነቶም ሎሚ ኣብዚ ክርከቡ ዘይከኣሉ ብሓሳብን ርእይቶን ብመንፍስ ናይዚ ቅዱስ ዕላማ ጽምኣት ፍትሒ ኣብ ውሽጥና ስለዘለው ሰላምታና ይብጽሓዮም። ነቶም ኣብ ዝተፋላለያ ክፍሊ ዓለማት ዝርከቡ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ብህዝባዊ ክድዓት ዝግለጽ ስርዓተ ህግደፍ ንምቁዋም ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዞም ብቐጻሊ ዝገብርዎ ዘለው ሰንሰለታዊ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣድናቖትና ብምሃብ ምሳኹም ኢድ ንኢድ ተጣሚርና ኣሎና ብምባል ክቡር ሰላምትና ንህቦም። ኣውራ ግን ነቶም ኣብ ጋህስታትን ቤት ማእሰርትን ብዘይ ሕጋዊ ፍርዲ ተመቁሖም  ሂወቶምውን ዝስእናዋ ዘለውን ኤርትራውያን ኣናዘከርና: ዓሙቚ ምሕዝነታዊ መልእኽትና ብምትሕላፍ: ጒጅለ ህግደፍ ብዘይ ቅድመ ኲነት ክፈትሖም በዚ ኣጋጣሚውን ጠለብና ምዃኑ ነረጋግጽ ኣለና።

ክቡራትን ክቡራንን ተኻፈለቲ ሰላማዊ ሰልፊ: እዚ ናይ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ መቐጸልታ ናይቲ ብዕለት 3 ሕዳር ኣብ ቅድሚ ህንጻ ባይቶ ሽወደን ዝገበርናዮ ዕውት ብዝሒ ተኻፈልቲ ዝዓሰሎ: ልዕሊ ኩሉ ድማ ተኻፋልነት ደቀንስትዮን እቶም ናይ ጽባሕ ተስፋ ሃገረ ኤርትራ ዝኾኑ መንእስያት ዝዓብለልዎ ምንባሩ ተስፋ ሓርነትና ብግብሪ ዝትርጎመሉ ግዜ ነዊሕ ዘይምትራፉ ዘርኢ ፍጻመ ምንባሩ  ብኽብሪ ክንዝክሮ ይግባእ።

ሰላማዊ ሰልፍታትና ድሕሪ ክድዓት ህግደፍ ንስርዓተ ሕግን ቁዋምን ደረት ዘይብሉ ግፍዓዊ ምምሕዳሩን ብዓለምና ዝተፈንፈነ: መስጎጒትን  ማእሰርትን ቅትለትን ኤርትራውያን: ብዘበጎሶ ነድሪ ክሳብ ሕጅስ ብሰላማዊ መገድን ጥርዓነ ጽሑፋትን ንሕልናና ንምርጋእን ንዓለም ጥርዓን ከነቕርብ ጸኒሕና። ብኡ መጠን ናይ ህገደፍን: መራሒኡ መሃንድስ ኩሉ ምብታን ህዝብን: መሓውር ስለያዊ ሰኬዕቱን ዘርጊሑ ብዝሰፍሐ ንህዝቢ የናዕብ ኣሎ።

እዚ ሎሚ ኣብዚ ናይ ምስላፍ ምኽንያት ኮይኑና ዘሎ ኸኣ መቐጸልታ ጽዩፍ ዕለታዊ ስራሕ ህግደፍ ዝኾነ: እቲ ብዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ህዝቢ ኣስመራ ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ኣኽርያ ዘካየዶ ህዝባዊ ናዕቢዩ። ምእሳር ኣካያዲ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላምያ ብልምዲ ድማ ቤት ትምህርቲ እስታዝ በሽር  መሓመድ ኑር ዝበሃል ቤት ትምህርቲ: ንኣቦና ሙሳ መሓመድን ካልኣት መሳርሕቶምን ነጻ ንኽፍትሑ ዝጽውዕዩ። ንኣቦና ሙሳ መሓመድ ኣብነት ናይቶም ኩሎም ኣብ መቓውሕ ግፍዕኛ ስርዓተ ህግደፍን ብድዐኛ መራሒኡን ዝርከቡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ገርና ኢና ንዝክሮም ዘለና። ልዕሊ ኹሉ ግን እዚ ብዘይ ሕጊ ብኢደወነናዊ ንባህልን ኣቃውማን መሰረተ ሪም ኤርትራውያን ዝግህስ ዘሎ ስርዓት ጽልእና ኣግሂድና ንሓዋሩ ብሕቡር ቅልጽም ህዝብና ክስወር ዘለና ባህግን ሕልምን ንምግላጽውንዩ።

ክቡራት ተኻፈልቲ! ድሕሪዚ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ባህላዊ ድርቆሳ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል እስላምያ: ህግደፍን መሓውራት ስለያኡን ዝዝርግሕዎን ዘቃልሕዎን ዘለው ነውሪ ንዕዘቦን ንምልከቶን ኣለና። ሕቡእ ኣጀንደኦም ብዝያዳ ዝቐልዕሉ ዘመተ የካይዱ ኣለው። ንኹለን እምነታት ሃይማኖት እዶም ብምእታው: ከሳውርዎን ከተግብርዎን ዝጸንሑ ገበናት: ንኽብሪ ባህልታት ህዝቢ ኤርትራ ዝዘርግን ንርጉእ ናይ ነዊሕ ምትሕብባርን ምክብባርን ዝጸንሖን ዘለዎን እምነተ ሃያማኖታት ብምትንዃል: ምጽሕታር ሓዊ ህግደፋውያን ንርኢ ኣሎና። እዚ ግን ንሓርነታዊ ህዝባዊ ቓልስና መኣዝኑ ብግቡእ ከትሕዞ ዘለዎምበር ክፍንጥሖ የብሉን። መርዛም ተንኮል እስያስያዊ መስርሕ ከይነውሕን ብኡ ምጠን ሽግር ህዝብና ጸበብኡ ከይዓምቚን ንሕና እዞም ደለይቲ ፍትሒ ቀላጽምና ምሕባር ብዝያዳ ሎሚዩ ዘድልየና። ምልኪ ዕምሩ ኣብ ዝሓጽረሉ ግዜ ኣጥፊኡ ንምጥፋእ ነቲ ብጀጋኑ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ዝተረኽበ ዓወት ልዑላዊት ኤርትራና ካብ ኢድና: ህግደፋውያን ከየጥፍእዋ ፍጹም ንቑሕ ሓድነታዊ ቆላሕታና ክህመል የብሉን።

ነዚ ብኽልተ መገዲ ክንዕወተሉ ንኽእል ኢና። እቲ ቐዳማይ ሃይማኖትናን ውደባዊ መሳርዓትናን ኣብ ቦትኡ እናኣዘውተርና ነዛ ኩልና ንበኽየላ ዘለና ሃገርና ድማ ናይ ሓባር ዋንነት ምግባራ: እቲ ኻልኣይ ነዛ ህግደፍ ምስ ኩሉ መናውርኦም ብፖለትካኦም ነዞም ኣብ ሽወደን እንነብር ዘለና ዝጻወትሉ ዘለው ማሕበረ ሰብና ሓራ ንምውጻእ ንኹሉ ደምክራስያውን ፍትሓውን ቃልስና መሳርሒ ዝኾነና ናይ ሓባር ማሕበር ምህናጽን ምምዕባልን ንቃልስናን ዕላማናን ከቃላጥፎ ከምዝኽእል ምእማን ክህልውናዩ ዝግባእ። እዚ ምድላዋትዚ ደጊምሲ ብዘይ ወዓል ሕደር ክግበር ዘለዎዩ። ናይ ሎሚ ሕቡር ፍትሓዊ ቃልስና ነታ ድሕሪ ስርዓት ህግደፍ እንሃንጻ ኤርትራ መገዲ ዝጸርግ ውደባዊ መሳርሒ ምግባር ክብሪ መጻኢ ብሩህ ራኢናዩ።

ኣብ ምወዳእታ ንኹሉኹም ደለይቲ ፍትሒ ልባዊ ምስጋናና እናኣቕረብና: ነዚ ተሪፉ ዘሎ ግዜና ሓጺር መደረታት ብምቕራብ ወጅሂ ሰላማዊ ሰልፍና ክንቅጽል ኢና።

ውድቀት ንህግደፋውያን።

ዓወት ንፍትሓዊ ህዝባዊ ቃልስና።

ፍትሕን ሰላምን ንሰፊሕ ህዝብና

Last modified on Saturday, 18 November 2017 21:10