ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ብርግጽ የባዕልግ ኢዩ

2017-11-19 17:17:52 Written by  ብርሃነ ኣብርሃ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2775 times

ታሪኽ ዚምባብወን ታሪኽ ኤርትራን ዝተፈላለየ’ኳ እንተዀነ፡ ዘመሳስለንን ዘራኽበንን ነገራት ግን ኣሎ። ፕረሲደንት ሮበርት ሙጋበን ፕረሲደንት ኢሳያስን ኣብ ስልጣን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑ መራሕቲ ምዃኖም፡ ሓደ ካብ’ቲ ተመሳሳሊ ባህርያት ክህልዎም ዝገብር ምኽንያት ኢዩ።

ፕረሲደንት ሮበርት ሙጋበ ይኹን እቶም ሕጂ ዝቃወምዎ ዘለዉ ኣብ ከባቢኡ ዝጸንሑ ወተሃደራውን ሲቪላውን መራሕቲ፡ ኣንጻር ስርዓት ጽዓዱ ገዛእቲ (apartheid) ናይ ቀደም ሮደዝያ ዝነበሩ ተቓሊሶም ዝተዓወቱ ሰውራውያን ኢዮም ነይሮም። ኣብ መጀመርያ ስልጣን ምስ ሓዙ ድማ፡ ኣብ መዳይ ትምህርትን ሕክምናን ዘመዝገብዎ ለውጥታት፡ ህዝባዊ ደገፍ እናረኸቡ ክኸዱ ኣኽኢልዎም ነይሩ ኢዩ።

ኣብ ስልጣን ንብዙሕ ዓመታት ምስ ጸንሑ ግን፡ ብብልሽውናን ናይ ስልጣን ሕሳባትን እናተዋሕጡ ስለ ዝኸዱ፡ ንዝገበርዎ መብጽዓታት ክጠልሙ ጀመሩ። እዚ ድማ፡ ጠንቂ ምፍልላይ ናይ’ቲ ኣብ መንጐ’ቶም ትማሊ ናይ ቃልሲ ብጾት ዝነበሩ ኣባላት ስልፊ ናይ ዚምባብወ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ሕብረት-ሓርበኛዊ ግንባር (Zimbabwe African National Union-Patriotic Front) ኰነ።

ፕረሲደንት ሙጋበ፡ ብ1980 ኢዩ ናብ ስልጣን መጺኡ። ን37 ዓመታት ድማ ንዚምባብወ ቅድም ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ድሒሩ ድማ ከም ፕረሲደንት መሪሕዋ። ስልጣን እናጠዓሞ ስለዝኸደ፡ ነታ ተቐናቐኒቱ ዝነበረት ናይ ዚምባብወ ኣፍሪቃዊ ህዝባዊ ሕብረት (Zimbabwe African People’s Union-ZAPU) ደምሲሱ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ደገፍታ እውን ኣጽኒቱ። ብድሕር’ዚ፡ ብሞርጋን ስቪንጊራይ ዝምራሕ፡ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (Movement for Democratic Change) ዝብሃል ተቓዋሚ ሰልፊ ተመስሪቱ ኣንጻር ስርዓት ሙጋበ ክቃለስ ጸኒሑን ኣሎን።

መራሕቲ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ናጻ ጋዜጠኛታትን፡ ግዳይ ናይ ውጽኢት ምርጫታት ምጭዋይ፡ ማእሰርትን ምስጓጕን ምስ ኰኑ፡ ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክስደዱ ከምዝጸንሑ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ንኣብነት፡ መቀናቕንቱ ዝነበረ ኣቦ መንበር ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሞርጋን ስቪንገራይ ሓደ ካብኦም ኢዩ።

ሮበርት ሙጋበ፡ ሕሉፍ ሓሊፍዎ፡ ነቲ ቅዋም ናይ ዚምባብወ ዕሽሽ ብምባል፡ ስልጣን ናብ ሰበይቱን ስድራቤቱን ንምስግጋር ምድላዋት ክገብር ጸኒሑ። ነዚ ባይታ ንምምችቻእ ድማ፡ ነቲ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ናይ ጽዓዱ ዕብለላ ይኹን ኣንጻር ናይ ዚምባብወ ኣፍሪቃዊ ህዝባዊ ሕብረትን (Zimbabwe African People’s Union-ZAPU) ኣንጻር ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ኣብ ጐድኑ ደው ብምባል ንነዊሕ ዓመታት ዝደገፎ ኤመርሰን ምናናጋግዋ ዝተባህለ ምኽትሉ፡ ካብ ሓላፍነቱ ድሕሪ ምውራዱ፡ ንሰበይቱ ወራሲት ናይ መንግስቱ ክትከውን ባይታ ከንጽፈላ ጀመረ። ኤመርሰን ድማ ከም ስቪንግራይ፡ ናብ ጐረቤት ሃገር (ደቡብ ኣፍሪቃ ) ክስደድ ተገደደ።

ካብ’ዚ ተበጊሶም ኢዮም ደገፍቲ ናይ ኤመርሰን ምናናጋግዋ ዝዀኑ ወተሃደራት፡ ብመሪሕነት ሓለቓ ወተሃደራዊ ስታፍ  ጀነራል ኮንስታንቲኖ ቺዋንጋ፡ ንትካላት መንግስቲ ክቆጻጸሩን ንፕረሲደንት ሙጋበ ድማ ኣብ ማሕዩር ከእትዉን ዝተራእዩ።

ሕጂ፡ እቶም ናብ ስደት ኣምሪሖም ዝጸንሑ ኤመርሰን ምናናጋግዋን ናይ ሙጋባ ቀንዲ ተቓዋሚ ዝነበረ ሞርጋን ስቪንገራይን ኣብ’ቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምስታፍ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ ዝብል ሓበሬታ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ከኣ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ንመቀናቕንቱ ዝዀነት ተሓኤ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብምትሕብባር ኢዩ ብ1981 ካብ ሜዳ ክትወጽእ ብምግባር ንበይኑ ዝበሓቶ። ነዚ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ዝነብሮ ዘሎ ናይ ሓደ ሰልፊ ምልካዊ ግዝኣት ባይታ ዘጣጥሐ ድማ እዚ ኣብ ልዕሊ ተሓኤ ዝተወስደ ውዲታዊ መጥቃዕቲ ነበረ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንህግሓኤ መሪሑ ብ1991 ንኣስመራ ምእታዉን ብቅዋም እትምራሕ ብዙሓት ሰልፍታት ዝዋስኡላ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምህናጽ መብጽዓታት ምግባሩን ንግዚኡ ህዝባዊ ደገፍ ከም ዝረክብ ገይርዎ ነይሩ ኢዩ።

ድሒሩ ግን፡ ግዜ እናበለዐ ምስ ከደ ስልጣን ስለዝጠዓሞ፡ ድሕሪ ሕጂ ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይነፍቅድን ኢና ዝብል ነጋሪት ብምህራም ንዝገበሮ መብጽዓታት ልክዕ ከም ፕረሲደንት ሙጋበ ነቲ ዝኣተዎ ቃል ሓደ ድሕሪ ሓደ ከዋድቖ ጀመረ። ብዛዕባ’ቲ ነርባዕተ ዓመት ዝተደኽመሉ ቅዋም ይኹን ብዛዕባ ምፍቃድ ንህግዲፍ ዝወዳደራ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምዝራብ ሕማም መርዘን  ኮኖ። ንቅዋምን ሕግታት ምምስራት ሰልፍታትን ኣብ ግብሪ መታን ከየውዕል ከኣ፡  ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብሓፈሻ፡ ምስ ኢትዮጵያ ድማ ብፍላይ ናይ ውግእን ወረ ውግእን ሃዋህው ከምዝኽሰት ገበረ።

ውግእ ንኸይጅመር ንዝግበረሉ ዝነበረ ዝተፈላለየ መጸዋዕታት ተሓሲሙ፡ ኣብ ልዕሊ ባድመ ፍሹል ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣካየደ። ኣብ’ቲ ውግእ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ሰፊሕ ክፋል ካብ መሬት ኤርትራ፡ ካብ ቍጽጽር ሰራዊት ኤርትራ ወጻኢ ዝገብር ስምምዓት ክቕበል ተገደደ። ክሳብ ሕጂ ከኣ፡ ስርዓት ኢሳያስ ነዚ መሬት’ዚ ብልዝብ ይኹን ብውግእ ክመልሶ ኣይከኣለን ዘሎ። ኢሳያስ እምበኣር ንልዕላውነት ናይ ኤርትራ ዘድፈረ፡ ንክብሪ ኤርትራውያን ዘሕሰረ መራሒ ምዃኑ ታሪኽ ክዝክሮ ክነብር ኢዩ።

ኢሳያስ፡ ብፍሽለቱን ኣብ ህዝቢ  ኣውሪድዎ ብዘሎ ኣደራዕን ኣብ ክንዲ ዝኣምንን ሓላፍነት ዝስከምን፡ ንዝዀነ ይኹን ኣብ ኤርትራ ዝኽሰት ሽግር፡ ልክዕ ከም ሙጋበ፡ ንኣመሪካ፡ ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ምስካም ድማ ዕለታዊ ስርሑ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ነቶም ናብ ስልጣን ዘብጽሕዎ ናይ ቃልሲ ብጾቱ፡ ከም ቁማር ዝጻወትሉ ወረቓቕቲ ከምድላዩ ክብውዞምን ከናሽዎምን ምጽናሕ ከይኣኽሎ፡ ኣኼባ ክግበረሎም ስለዝሓተቱ ጥራሕ፡ ኣብ ማእሰርቲ ከብልዮምን ብሕማምን ብስዉር ኣገባብን ከጥፍኦምን ድሕር ኣይበለን። አረ ንገሊኦምሲ፡ ሬሳታቶም ካብ ግዳም ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ክኽልክል እውን ተራእዩ ኢዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ፡  ዲፕሎማሰኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ወጻኢ ዑቝባ ክሓቱ ተገዲዶም ኢዮም። ኣብ መወዳእታ፡ ሕፍር ከይበለ ቅዋም ሞይቱ’ዩ ዝብል መግለጺ ብምሃብ እቲ ሓቀኛ ድሌቱ ቅዋም ምቕታል ምንባሩ ብምንጻር ነቲ ንነዊሕ ከታልሎ ዝጸንሐ ህዝቢ ባዕሉ ብኣፉ መርድእ ነጊርዎ።

ኣብ መወዳእታ፡ ስርዓት ህግዲፍ ብብልሽውና ዝጠስጠሰ ስርዓት ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ኣዐርዩ ዝፈልጦ ጕዳይ ኢዩ። መቕተልቲ ናይ ፍቕረን መውጋእቲ ናይ ስምኦን ገብረድንግልን፣ ዓበይቲ ወተሃደራውን ጸጥታውን ሰበስልጣን ኣብ ንግዲ ደቂ ሰባት ክሳተፉ ከለዉ፣ ዘይሰርሕዎ ኣባይቲ ንዋናታቱ ኣባሪሮም ክሕዝዎ ከለዉ፣ ኣብ መስተን ምንዝርናን ዘጥፍእዎ በሽሓት ዶላራት ዝቝጸር ገንዘብ ምህላዉ ምጥቃስ እኹል ኢዩ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ እውን ከም ሙጋበ፡ ንወዱ ኣብርሃም፡ ኣብ ሓይሊ ኣየር ክብ ዝበለ ናይ ሓላፍነት ቦታ ምሃቡን ምስ ካልእ ምስ ስልጣን ዝምድና ዘለዎ ቦታታት ከላሊ ይፍትን ምህላውን፡ ንኣብርሃም ተካኢኡ ንክኸውን ዝግበር ዘሎ ምድላው ኢዩ ዝብል ትርጕም ዝሃብዎ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይኰኑን። ስልጣን ዘባዕልግ ምዃኑ ኵሉ ዝኣምነሉ ስለዝዀነ፡ ኢሳያስ ኣይገብሮን ኢዩ ወይ ኣይሓስቦን ኢዩ ኢልካ ክትዛረበሉ ኣይከኣልን ኢዩ። ከም’ዚ ዝብል መደብ ወይ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ክውዕል እንተደኣ ፈቲኑ ግን፡ ከም’ዛ ናይ ሙጋበ ናይ መወዳእታኡ ክትከውን ምዃና ዘጠራጥር ኣይኰነን።

Last modified on Sunday, 19 November 2017 18:23