ስእሊ ፋስ ዝሓዘ፡ ማርቲን ፕላውት ካብ ዘውጽኦ ጽሑፍ 06.05.2024

ደቂ 35ን 33ን ዓመት ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ 5 ጉንበት 2024 ኣብ እስራኤል ከተማ ተልኣቪቭ ብፖሊስ ዞባ ኣያሎን ከም ዝተኣስሩ፡ ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝነጥፍ፡ ጋዜጠኛ፡ ተመራማርን ደራስን እንግሊዛዊ ማርቲን ፕላውት ሓቢሩ። ዝረኸቦ ሓበሬታ: እቶም ዝተኣስሩ ተተኳሲ ነገራትን ፋስን ዝተዓጥቁን ነቶም ኣንጻሮም ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ከጥቅዑ መደብ ዝነበሮም ምዃኖም ድማ ጠቒሱ። እቶም ዝተኣስሩ ኣቐዲሞም ብፖለቲካዊ ምኽንያት ኣንጻሮም ንዝተሰለፉ ከጥቅዑ መደብ ሰሪዖም ዝተበገሱ ምንባሮም ድማ ኣቃሊዑ።

ኣብ ወርሒ መስከረም 2023 ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን ናይቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ስርዓት ዓብይ ናዕቢ ተላዒሉ ምንባሩ እቲ ዜና ኣዘኻኺሩ። እቶም ናይ ሽዑ ተቐናቐንቲ ሓዲኦም ሰማያዊ እቶም ካለኦት ድማ ቀይሕ ዝለበሱ ምንባሮም ማርቲን ኣብዚ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ኣብቲ ሽዑ ብኣእማንን ካራሩን ዝተኻየደ ሓያል ግጥም፡ 30 ናይ ፖሊስ እስራኤል መኮነናት ዝርከብዎም 135 ሰባት ቆሲሎም ብውሕዱ 39 ድማ ተኣሲሮም። እዚ ናይ ዕለት ትንሳኤ 5 ጉንበት 2024 ግጥም እውን ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ ከተማ ተልኣቪቭ ዝርከብ ፍሉይ ዕጡቕ ሓይሊ ቀልጢፉ እንተዘየህደኦ ተመሳሳሊ ጉድኣት ናይ ምኽታል ዕድል ከም ዝነበሮ’ውን እቲ ጋዜጠኛ ኣብቲ ሓጺር ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ኣብ እስራኤል፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ስርዓት ህግደፍ ዘዋፈረ ንተዋፈረ ክኸምሆ ዘይከኣለ፡ ዘይሰዓር መንእሰያዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ግዜ  ኢትዮጵያዊ ህዝባዊ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ግንባር (ኢህወደግ)፡ ወሳኒ ፖለቲካዊ ግደ ካብ ዝነበሮም መራሕቲ ሓደ ዝኾነ ኣቶ በረኸት ስምኦን፡ ብ6 ጉንበት 2024 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ዝተሰደ ግዮን ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ።

ኣቶ በረኸት ስምኦን ቃልሱ ካብ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ (ኢህሰሰ/ ኢህኣፓ/ EPRP፡ ዝጀመረ ኮይኑ; ድሕሪ ናይ ኢህኣፓ ምድኻም ኢትዮጵያዊ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (ኢህድን)  ብዝብል ንብሄር ኣምሓራ ዝውክል ውድብ መስሪቶም፡ ምስ ህወሓትን ዲሞክራሲያዊ ውድብ ኦሮሞን ብሓባር ደርጊ ስዒሮም መሰጋገሪ መንግስቲ ካብ ዝመስረቱ ባእታታን ሓደ እዩ።

ኣቶ በረኸት ስምኦን ኣብቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝመርሖ  መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብደረጃ ሚኒስተር ዜና፡ ሓላፊ ሚኒስተሪ ርክባት፡ ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ 2005ን ኣብ ካልኦት ጽፍሒ ሓላፍነታትን ተመዲቡ ዝሰርሐ፡ ሓያል ተጽዕኖ ፈጣሪ ኣባል ፈጻሚ ኮሚተ ኢህወደግ እዩ ነይሩ።

ኣብ ግዜ ናይ ዶር ኣብይ ምንቅስቓስ ምድማር፡ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕብረት ኢውሮጳ ክኸውን ተመዚዙ ድሕሪ ምሕሳሙ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ “ምጥፍፋእ” ብዝብል ጉልባብ ተኣሲሩ፡ ን6 ዓመታት ክእሰርድዎተፈሪዱ፡  ልዕሊ 4 ዓመታት ተኣሲሩ ዝተፈትሐ እዩ። ኣቶ በረኸት ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት 2ተ ኣገደስቲ መጻሕቲ ዝደረሰ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ናይ ዶር ኣብይ ኣብ ስልጣን ምምጻእ ሓደገኛ ምዃኑ ንምግላጽ “እዚ ዝረአ ዘሎ ኣካይዳ ንመራሕቲ ክልል ኣምሓራ እውን ተመሊሱ ክበልዖም እዩ” ብዝብል ኣበሃህላኡ እዩ ዝዝከር።

በረኸት ኣብ ኣሚሪካ ዕቑባ ከም ዝሓትት ዝተሓብረ ኮይኑ፡ እንተኾነ “ናብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ይምለስዶ ኣይምለስን?” ከምዘይፍለጥ እቲ ዜና ሓቢሩ። ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዳላስ ምስ በጸሐ ብበዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣሰፉ ፈንተን ከም ኣቶ ህላወ ዮሴፍ ዝኣመሰሉ ናይ ቀደም መቃልስቱን ከም ዝተቐበልዎ ከኣ ተፈሊጡ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ (ግምት)፡ ብ6 ጉንበት 2024 ኣብ ዘወጸኦ መግለጺ፡ ነቲ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን፡ “ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ምስ መንግስታዊ ሰራዊት ሱዳን ኮይኑ ወጊኡኒ” ዝበል ንዘቕረቦ ክሲ ብትሪ ኮኒንዎ። እቲ ናይ ተወርዋሪ ሓይሊ ሰራዊት ሱዳን፡ ከምዚ ዝኣኣመሰል ክሲ ምቕራቡ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ህይወት ኣሸሓት ዝበልዐ ውግእ ሕድሕድ ዓለም ለኻዊ መልክዕ ንምትሓዙ ዝተሃንደሶ መሰረተ ኣልቦ እዩ ኢልዎ።

እቲ መግለጺ በቐዳምነት ህወሓት ዝእዝዞ ስሩዕ ሰራዊት ዘየብሉ ፖለቲካዊ ውድብ ምዃኑ ኣስፊሩ። ብኻለኣይ ደረጃ ድማ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ሱዳን ብተግባር ዝተፈተነን ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐን ሕውነት ዘለዎ ህዝቢ እዩ ኢሉ። ኣብ ትግራይ ውግእ ምስተኸፍተ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዝነበረ ትግራዋይ ናብ ካለኣይቲ ሃገሩ ሱዳን ዝወሓዘሉ ምኽንያት እውን ዘርዚሩ። ህዝቢ ሱዳን ምስ ኩሉቲ ዝነበሮ ብደሆታት ንሓዉ ህዝቢ ትግራይ ንምቕባል ንዘርኣዮ ልግስን ተገዳስነትን ጠቒሱ ድማ፡ ብመንጽርዚ ትግራይ ጉዳይ ሱዳን ንምግዳድ ኢዳ እተእትወሉ ምኽንያት ከምዘየለ ኣስፊሩ።

ህዝቢ ትግራይ እቲ ዘጋጠሞ ናይ ቀረባን ርሑቕን ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳዩ ዘውረደሉ ዕንወትን ጉድኣትን ካብኡ ንላዕሊ ዝርደኦ የለን ኢሉ። ብምቕጻል ድማ ክልቲኦም ሱዳናውያን ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ክንዲ ነቲ ኩነታት ኣብ ምግዳድ ዝጽመዱ ናብ ዘተ ክቢ ጠረጴዛ ክመጹ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ውግእ መቕጻል መፍትሒ ዘየምጽእ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ነቲ ሳዕቤን ከም ዘጋድዶ ኣፍሊጡ።

ኣብ መወድእታ ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ሱዳን ዝሳቐዩ ዘለዉ ተጋሩ ስደተኛታት፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ምስ ፍደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐራሪቡ ይሰርሕ ከምዘሎ፡  በቲ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

ካብ ናይ ዲረክተር ጀነራል ንላዕሊ መዝነት ዘለዎም፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ፡ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕን (ህግደፍ) ሓላፍነት ዝሓዙ፡ ከምኡ እውን ምስ ናይዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት ተመሳሳሊ ሓላፍነት ዘለዎምን፡ ትሕቲ 21 ዓመት ዝዕድመኦም ደቆምን እቲ ኣብ ልዕሊኦም ተነቢሩ ዝጸንሐ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዘእቱ ቪዛ ናይ ምርካቦም መሰል እገዳ ከም ዝቕጽል ተሓቢሩ። ነዚ ዝሓበረ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ብዘውጸኦ መግለጺ እዩ።

ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ነሃሰ 2021፡ ብሰንኪ ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢድ ምእታዋ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንሓለቓ ስታፍ ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ቀጺሉ ድማ ንሓላፊ ሃገራዊ ጸጥታ ህግደፍ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ሓልፊ ገንዘባዊ ጉድያት ህግደፍ ሓጎስ ገ/ህይወት ወልደኪዳንን ኣብ ዝርዝር ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዘይፍቀደሎም ተደለይቲ ባእታታት ከም ዘእተዎም ይዝከር።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ኣስመራ ብዝርከብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈቱ ካብ 14 ጉንበት 2024 ጀሚሩ፡ ነቲ ካብ 13 መስከረም 2017 ንደሓር ኣቋሪጽዎ ዝጸንሐ፡ ንኤርትራውያንን ነበርቲ ኤርትራን  ስሩዕ ናይ ቪዛ ኣገልግሎት ከም ዝህብ ኣብ ዝሓበረሉ ዜና እዩ።

ምምሕዳር ህግደፍ እዚ ናይ ኤምባሲ ኣመሪካ ሓድሽ ኣውጅ ቪዛ፡ ብመጽርቲ ኣብ መጎኦም ዝጸንሓ ናይ ነዊሕ ግዜ ምክሳስ ክቐበሎ ድዩ ኣይቅበሎን ዝተፈልጠ የለን።

 ክቡራንን ክቡራትን፡ እነሆ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ክርስቶስ  2024 ናይ ዮሃና መልእኽተይ ኣመሓላልፈልኩም። ብፍላይ ኣብ ጾም ዝጸናሕኩም  ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ ድማ መላእ ኤርትራውያን፡ “እንኳዕ  ጾመ-ልጓም ፈቲሑ፡ ኣብጻሓኩም ኣብጻሓና” እናበልኩ  ሰናይ ምንዮተይ እገልጸልኩም።

በዓል ትንሳኤ ነቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ጸገማትን ምክልባትን ስዒርና፡ ራህዋ ናብ ዘምጽእ፡ ውግእን ወረ ውግእን፡ ስደትን ምክልባትን ኣብቂዑ፡ ሰላምን ርግኣትን ዝፍጠረሉ ክኾነልና፡ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት   ደጊመ  አመሓላልፈልኩም።

ኣብ መወዳእታ፡ ጾመ-ኣርበዓ ብሓያል እምነትን ጸሎትን ተዛዚሙ፡ ናብ ምኽባር ትንሳኤ  እንቋዕ ኣብቅዓና እናበልኩ ብስም መላእ ኣባላት ሰዲህኤ   ዮሃና እብለኩም።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

5 ጉንበት 2024

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝርከብዎ ጉጅለ 18 ሃገራት ምዕራባዊ ዲፕሎማሲያዊ ማሕበረሰብ፡  ኢትዮጵያ ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ኣሲራቶም ዘላ ጋዜጠኛታት ክትፈትሕ ብሓባር ጸዊዑ። ነዚ መጸዋዕታ ዘቕረቡ 3 ጉንበት ዓለምለኸ መዓልቲ  ናጻ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር ምዃኑ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ (Addis Abeba)  ኣፍሊጣ።

መዓልቲ ናጻ ፕረስ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምሕላው “ናጻነት ፕረስን መሰል ናይቶም ምእንቲ ሓቂ ዝቃለሱ ጋዜጥኛታትን መዲያን’ እተዘኻኽር ምዃና ዝገለጸ እቲ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መሰል ምዝራብን ፕረስን ክዕቀቡ ዝግበኦም መሰረታዊ መሰላት ምዃኖም እውን ኣዘኻኺሩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ እቶም  መግለጺ ዘውጽኡ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣብ ስረሖም እናሃለዉ ከም ዝእሰሩ ብምጥቃስ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም፡ ንመሰል እቶም እሱራት ከም ዝሕለቑን  ጋዜጠኛታት ብናጽነት ዝጽብጽቡላ ናጻ ዓለም ንምፍጣር ክንሰርሕ ኢና ከም ዝበሉን ተሓቢሩ።

ናይዚ ዓመት መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ትዝከር ዘላ፡  ኣብ ዝርዝር ናጻ ፕረስ ተንቆልቁል ኣብ ዘላትሉ ምዃኑ እቲ መግለጺ ጠቒሱ። ኢትዮጵያ ብመሰረት ጸብጻብ ዓለም ለኸ ትካል “ሪፖርተራት ብዘይዶብ”  ኣብዚ እዋንዚ 15 ጋዜጠኛታት ኣብ ግቡእ ስረሖም እንከለዉ ብምእሳር፡ ካብ 180 ሃገራት ካብቲ ኣብ 2022 መበል 114፡ ኣብ 2023 መበል 131 ዝነበረት ኢትዮጵያ ኣብ 2024 ናብ መበል 141 ምውራዳ በዚ ድማ ሓንቲ ካብተን ጋዜተኛታት ብምእሳር ዝፍለጠ 3 ሃገራት ሳብሳህራን ምዃና’ውን ተገሊጹ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሕዛ ፕረስ ካብቲ ዝነበረቶ ብራኸ መመሊሳ ትወርድ ዘላ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ምኽታም ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ እውን  በብግዜኡ ዝምዕብል ዘሎ  ሕድሕድ ውግኣት ምዃኑ እቲ በቶም ዲፕሎማሲ ጉጅለ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣዘካኺሩ።

ኤርትራ ኣብ 2023፡ ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፡ “ንነዊሕ ግዜ ጋዜጠኛታት ብምእሳርን ንዝያዳ 20 ዓመታት ናጻ ፕረስስ ብምእጋድን ብደረጃ ዓለም ተወዳዳሪ ዘየብላ ሃገር” ተባሂላ ከም ዝተገልጸትን ድሕሪኡ ዝገበረቶ ምምሕያሽ ከምዘየለን ይፍለጥ።

.

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ(ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ) ብ27 ሚያዝያ 2024 ኣብ ኣውስትራልያ ናይ ዝርከቡ ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ብቤት ጽሕፈት ውደባን ፋይናንስን እተጸውዐ ኣኼባ ኩሎም ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝርከቡ ኣባላት ናይ’ተን ጽላል ዘቖማ ሰለስተ ውድባት ተኻፊሎም ነይሮም።

እቲ ኣኼባ ብሓፍትና ተጋዳሊት ኣድያም ተፈራን ብሓው ጐይትኦም መብራህቱ ዝሃብዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል ቃል ድሕሪ ምኽፋቱ፥ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣቦ መንበር ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፥ እዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ልፍንቲ ንምቛም ዝተኸደ ጒዕዞን ዝተሳለጡ ዕማማትን ብዝርዝር ገሊጹ።  ብድሕር’ዚ፡ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈታት ነቶም ተሳተፍቲ ኣኼባ ድሕሪ ምምስጋን፥ ኣብ ዝተወከልሉ ኣብያተ-ጽሕፈታት ዘሳለጥዎ ዕማማት ብዝርዝር ኣቕረቡ።

ስዒቡ፡ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባን ፋይናንስን፡ ብሓፈሻ ሓያልን ድኹምን ጐድንታት ደምበ ተቓውሞ፥ ድኽመታት መሰጋገሪት ኣካል ፖ.ሓ.ኤ ድማ ብፍላይ ብዝርዝር ገሊጹ። ከምኡ’ውን ካብ ሕሉፍ ጉድለታትና ተማሂርና ነዚ ናይ ህልውን መጻእን ዕድላት ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከምዝግብኣና ብሰፊሑ ኣብሪሁ።

ብ10 ልውካቲ  2024 ከኣ፡ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ መግለጽታት ንኹሎም እቶም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕን ካልእ ቦታታትን ዝርከቡ ኣባላት ብሓባር ኣብ ዝተዳለወ ኣኼባ ሰፊሕ መብርሂ ምሃቡ ዝዝከር ኢዩ።

.

ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ነዊሕ ግዜ ሒዛቶ ዝጸንሐት፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ብዘይሕጊ ብጃልቡ ናብኣ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስጋር መደባ ከተግብሮ ከም ዝጀመረት ቢቢሲ ሓቢራ።

እቶም እዚ ናይ ምስግጋር መደብ ዝምከቶም ስደተኛታት ናብታ ሃገር ካብ 1 ጥሪ 2022 ንደሓር፡  ካብ ፈረንሳን ካለኦት ሃገራት ኤውሮጳን ብዘይሓዊ ኣገባብ ብጀላቡ ዝኣተዉ እዮም። በቲ ዜና መሰረት እቶም ናብ ሩዋንዳ ዝሰግሩ ስደተኛታት ኣብኡ ኮይኖም ናብ ሳልሳይ ሃገር ዑቑባ ናይ ምርካብ መስርሖም ክቕጽልዎ መሰል ክህልዎም እዩ። ኣብ ርእሲዚ ምርጨኦም እንተኮይኑ፡ ኣብ ሃገር ሩዋንዳ ብቐጻሊ ናይ ምንባር ዕድል እውን ክወሃቦም እዩ።

ኣብቲ ቀዳማይ ድሕሪ  10 ወይ  12 ሳምንቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2024 ዝጅመር ጉዕዞ፡ ክሳብ መወዳእታ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ 5700 ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክሰግሩ መደብ ወጺኡ ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ዘለዉ እሞ ጉዕዞ ናብ ሩዋንዳ ዝምልከቶም፡ ኣብ 2024 ዝኣተዉ ጥራይ 7500  ከም ዝበጽሑ እቲ ዜና ሓቢሩ። ሰበስልጣን ዓብይ ብሪታንያ ነዚ ስጉምቲ ዝወስዱ ነቲ ስደተኛታት ብዘይውሑሳት ጀላቡ ክኣትዉ እንከለዉ ዘጋጥሞም ሓደጋ ንምቁራጽ ምዃኑ ይገልጹ።

እዚ መደብ ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ብዙሕ ከሰሓሕብን ብደረጃ ቤት ፍርዲ ክእገድን ክፍቀድን እኳ እንተጸነሐ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ነቲ ናይ ቅድም ብይናት ብምስዓር ጣቕላሊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይታ ሃገር እዩ ኣጽዲቕዎ።

ኣካላት ጸጥታ ዓብይ ብሪንያ ከም ኣካል ምድላው ናይቲ ምስግጋር ናብ ሩዋንዳ ድሮ ኣብ ልዕሊ ሕጋውያን ኣይኮኑን ዝበልዎም ዝደተኛታት ማእሰርቲ  ጀሚሮም ከም ዘለዉ ድማ ተፈሊጡ። ብዛዕባ ናይ ሩዋንዳ ቅሩብነት ብዙሕ ዘዛርብኳ እንተኾነ ብመትከል ከም ዝተቐበለቶ  ክሕበር ዝጸንሐ እዩ።

ሩዋንዳ ቅድሚ ሕጂ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ካብ ሊቢያ ክትቅበል ከም ዝጸንሐት ዝዝከር እዩ።

ከም ዝዝከር ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ቀዳም 20 ሚያዝያ 2024 ዞባዊ ጉባኤ ኣካይዶም ነሮም። እዚ ብባህልን ቅዋምን ሰልፊ መሰረት ኣብ ነፍስ-ወከፍ ክልተ ዓመት ዝካየድ ጉባኤ ሽውዓተ (7) ዝኣባላታ መሪሕነትን ክልተ (2) ተጠባበቕትን መሪጹ።

ቀዳም 27 ሚያዝያ 2024 ሓዳስ ዞባ ሽማግለ ምስ ናይ ቅድም ዞባ ሽማግለ ብምእካብ ከም ልሙድ ባህሊ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምትሕልላፍን ምርካብን ከምኡውን ናይ ተመክሮ ምቅይያርን ኣካይደን። እዚ ተመክሮዚ ጠባያት ናይ ስልጣን ብሰላም ምትሕልላፍ ዘርኢ ባህሊ እዩ።

ድሕሪ’ዚ ዞባ ሽማግለ ኣብዘን ዝስዕባ ኣጀንዳ ተመርኵሳ ኣኼበኣ ቀጺላ፥

  1. ነፍሰ ስርርዕ ምግባር
  2. ንኡሳን ሽማግለታት ምቛም
  3. ኣብ ጉባኤ ዝተወሰነ መደባት ምትርጓም

ድሕሪ እኹል ምይይጥ ብምልኣት ስምምዕ ኣባላት ዝተሰነየ፡ ዞባ ሽማግለ ንነፍሰ-ወከፍ ቤት-ጽሕፈት ሓላፊ መዚዛትሉ። ብምቕጻል ከኣ ንነፍሳ ኣብ ሰለስተ ንኡሳን ሽማግለታት ብምውጋን ኣብ ስራሕ ክትዋፈር ቅርቡነታ ኣረጋገጸት።

ኣብ መደምደምታ ኣባላት ዞባ ሽማግለ ኣባላት ዘሰከምዎም ሓላፍነት ከቢድ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ንምትግባሩ ኩሉ ዝጥለቦም ንኸማልኡ ድሉዋት ምህላዎም ገሊጾም።

ክንዕወት ኢና

 

ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኣወሃህባ ቪዛ ንኢትዮጵያውያን ዝተወሰኑ ሕግታት ክድረቱ ከም ዝወሰነ ብ29 ማዝያ 2024 ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቪዛ ዝሓቱ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ከይረኽቡ ካብ ዝበሎም፡  ብኢትዮጵያውያን ቪዛ ንምርካብ ዝቐርቡ መረጋገጽታት፡ ሕቶ ድርብ ቪዛን ምንጻግ ናጻ ቪዛ ፍሉይ (ቪኣይቪ) ፓስፖርት ንዝሓዙን ከም ዝርከብዎም እቲ ውሳነ ናይቲ ሕበረት ኣፍሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ቪዛ ንምርካብ 15 መዓልታት ዝወስድ ዝነበረ መስርሕ ናብ 45 መዓልታት ከም ዝደይብ እውን ተፈሊጡ።

ሕብረት ኤውሮጳ ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ አክውስን ዘገደዶ ኢትዮጵያ ኣብ ኤውሮጳ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ዝተረኽቡ ዜጋታታ ክትቅበል እተርእዮ ምትሕብባር እኹል ዘይምዃኑ  ኣብቲ መግልጺኡ ተጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዜጋታቶም ክቕበሉን ናይ ህጹጽ ግዜ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ክህቡ ተሓቲቶም ብቕንጡፍ ዘይምልሱ ምዃኖምን ምስ ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ዘይምትሕብባሮምን ተወሳኺ ምኽንያት ነቲ ውሳነ ምዃኑ ኣስፊሩ።

እዚ ንኢትዮጵያውያን ቪዛ ኣብ ምሃብ ናይ ምንጥልጣል ውሳነ ግዝያዊ ኮይኑ፡ መዓስ ከም ዘብቅዕ ኣይተጠቕሰን። ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ውሳነ መዓስ ከም ዝቕይሮ ከጽንዖ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም።

Page 5 of 141