ኣብ ኢትዮጵያ ሓደስቲ ሚኒስተራት ተሸይሞም

2024-02-08 10:38:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 399 times

ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ ኣቶ ታየ ኣጽቀስላሴ፡ ዶ/ር መቅደስ ዳባ 

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዚቢ (ፓርላማ) ኢትዮጵያ፡ ብ8 ለካቲት 2024 ብቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝቐረብሉ ናይ ሚንኒስተራት መዝነት ከም ዘጽደቐን እቶም ዝተሸሙ ቃለ-መሓላ ከም ዝፈጸሙን ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢራ። በዚ መሰረት ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣቶ ታየ ኣጽቀስላሴ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ከምኡ ድማ ዶክተር መቅደስ ዳባ ሚኒስተር ጥዕና ኮይኖም ተሸይሞም።

ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ ናይ ሰልፊ ብልጽግና ምክትል ኣቦመበርነት፡ ምክትል ቀዳማይ ሚንስተረትን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትርነትን መዝነቶም ንዝወረዱ ኣቶ ደመቀ መኮነን ተኪኦም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኖም ዝተመዙ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ እዮም። ኣቶ ተመስገን ኣብ ውትህድርና ናይ ሻለቃነት መዓርግ ዘለዎም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሲቪላዊ ደረጃ ሓላፍነት ዝሰርሑ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ግዜ ድማ ዳይረክተር ሃገራዊ ደህንነት ኮይኑም፡ ናይቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተወሲኑ ዘሎ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት ሓላፊ ኮማንድ ፖስቲ ኮይኖም ዘተግብሩ ዘለዉ እዮም።

ንኣቶ ደመቀ መኮነን ተኪኦም ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኮይኖም ዝተሸሙ ኣንበሳደር ታየ ኣጽቀስላሴ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ወኪል ኢትዮጵያን ምክትል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርን ወሲኽካ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሲያዊ ሓላፍነታት ክሰርሑ ዝጸሑ እዮም። ብዛዕባ ተመኩሮ እተን ንዶክተር ልያ ታደሰ ተኪአን ሚኒስተር ጥዕና ኮይነት ተመዚዘን ዘለዋ ዶክተር መቅደስ ዳባ ግና  ዝተዋህበ  ዝርዝር የለን።

ነቲ ኩነታት ዝተከታተሉ ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፡ እቲ ናይ ሚኒስተራት ምቅይያር ዝቕጽል ኮይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ሓላፍነት ካብ ዝርከቡ ከምዚ ዓይነት ምትዕርራይ ናይ ሚኒስተራት ዘካይዱ ዘለዉ ን8ይ ግዜኦም እዩ።

Last modified on Thursday, 08 February 2024 12:01