ትካል ገንዘብ ዓለም (IMF) ንኤርትራ እንደጋና ዘሊልዋ
2025-10-19 19:14:32 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 23 timesትካል ገንዘብ ዓለም (IMF)፡ ኣብ ዝገበሮ ቁጠባዊ ዳህሳስ፡ ብሰንኪ እኹል ኣሃዛዊ ሓበሬታ ዘይምርካብ ንኤርትራ ካብ ዝርዝር ናይ ሃገራት ዳግማይ ከም ዝዘለላ ኣፍሊጡ። ነዚ ኩነታት መሰረት ገይሩ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ካብ ዓለምለኻዊ ገንዘባዊ ቀጥዒ ወጺኣ ዘላ ሃገር ዘርኢ እዩ’ውን ኢሉ።
እቲ ትካል ነዚ ንኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ዘውጸአ፡ ኣብ 14 መስከረም 2025 ኣብ ዝዘርግሖ ፍርቂ ዓመታዊ ጸብጻብ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት ዓለማዊ ቁጠባዊ ዕቤት፡ እቲ ኣብ 2025 ናይ 3.2% ዝነበረ ናይ 2026 ድማ 3.1% ከም ዝኸውን ኣሚቱ። በቲ ትንበያ መሰረት መብዝሕትአን ሃገራት ዝርዝር መጻኢ ቁጠባዊ ዕቤተን ከመይ ከም ዝመስል ዝሕብር ዝርዝር ክረኻ እንከለዋ፡ ኤርትራ ግና ካብቲ ዝርዝር ስለ ዝተሰረዘት ንዓኣ ዝምልከት ሓበሬታ ከምዘይወጸ ጠቒሱ፡ እዚ ድማ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክደጋገም ዝጸንሐ ምዃኑ ሓቢሩ።.
ትካል ገንዘብ ዓለም፡ ግቡእ ትልሚ ንዘየውጸኣን ኣሃዛዊ ሓበሬታ ናይ ዘየቕርባ ሃገራት ግምት ከቕርብ ከምዘይክእል ጠቒሱ፡ ኤርትራ ከኣ ብመሰረት እቲ ዓንቀጽ 4 ዝበሃል ምምኽኻር፡ ብዘይካ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019 ሓደ ግዜ ንዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመታት ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶታ፡ ዓቐን ዝቕባበኣ፡ ልቓሕን ንግዳዊ ኣፈጻጽማን ዝሃበቶ ሓበሬታ ከምዘየለ ኣቃሊዑ።
ብሰንኪ’ዚ ንገንዘባዊ ኣጠቓቕማኣ ዘርኢ ኣህጉራዊ ምልክታ ዘይምህላዉ ካብቲ ዝርዝር ናይ ሃገራት ክትስረዝ ግድን ኮይኑ ኢሉ። በዚ መሰረት ምስ ጐረባብታ ሃገራት ክረአአይ እንከሎ ኣቀራርባኣ ዘይብሩህ ምዃኑ ሓቢሩ፡ ኢትዮጵያ’ኳ ሳላ’ቲ ንትካል ገንዘብ ዓለም ዘቕረበቶ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ኣብ 2024 ኣስታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክትረክብ ምኽኣላ ኣስፊሩ።
ናይ ኤርትራ ካብቲ ዝርዝርን መርኣያን ናይቲ ትካል ምብኳር፡ ንትካላዊ ቁጠበኣ ኣዝዩ ከም ዘድክሞ ኣስፊሩ፡ እታ ሃገር ብሰንኪ ክቱር ቁጠባዊ ምቁጽጻር፡ ውሑድ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዕቋርን ኣዝዩ ድሩት ኣጠቓቕማ ባንክን፡ ድሕሪት ትተርፍ ኣላ ኢሉ። እቲ ብ2019 ኣቕሪባቶ ዝነበረት ጸብጻብ’ውን፡ መርእያ ዝሕተላን መጠንቐቕታ ከቢድ ሕጽረትን ምንባሩ እዩ ኣመልኪቱ።