ልዕሊ 2.6 ሚልዮን ሱድናውያን ናብ መረበቶም ተመሊሶም
2025-10-19 09:41:17 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 138 timesባንዴራ ሒዛ ዘላ ሱዳናዊት ናብ ከተማ መደኒ ካብ ዝተመልሱ ሓንቲ’ያ።
ኣብ ሱዳን ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ካብቶም ብሰንኪ ውግእ ተመዛቢሎም ዝነበሩ 2.6 ሚልዮን ሱዳናውያን፡ ሰራዊት መንግስቲ ሓደሓደ ቦታታት ክቆጻጸር ምስ ከኣለ ናብ መረበቶም ከም ዝተመልሱ ዓለምለኻዊ ውድብ ሰደተኛታት (IOM)፡ ብ16 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ናይቶም ካብ ወርሒ ሕዳር 2024 ክሳብ መስከረም 2025፡ ናብ ቦታኦም ምምላስ ምስ ምምሕዳራት ሲናር፡ ጋዛን ካርቱምን በቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ምትሓዝ ከም ዝተሓሓዝ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ። ካብቶም ናብ መረበቶም ዝተመልሱ ልዕሊ 2.6 ሚልዮን እቶም 2.1 ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ዝነበሩ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ከኣ ግብጺ፡ ሊቢያን ደቡብ ሱዳንን ካብ ዝርከብአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተመለሱ ምዃኖም እውን እቲ ዓለም ለኻዊ ውድብ ስድተኛታት ኣብቲ ጸብጻቡ ኣፍሊጡ።
ናይቲ ዓለም ለኻዊ ውድብ ጸብጻብ ብተወሳኺ ከም ዘመልከቶ፡ ካብቶም ተመለስቲ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ናብ ከተማ ካርቱም፡ ልዕሊ 97 ሺሕ ናብ ጀዚራ፡ 194 ሺሕ ናብ ሲናር፡ 168 ሺሕ ናብ ብሉ ናይልን 102 ሺሕ ከኣ ናብ ሰሜን ዳርፎር ምዃኖም ዝሕብር ዝርዝር ኣቕሪቡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ካብቲ ካብ ከተማ ካርቱም ተመዛቢሉ ዝነበረ 3.7 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ቀረባ ግዜ እቲ ናብ ንቡር መነባብሮኡ ዝምለስ 2.7 ክበጽሕ እዩ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ።
ኣብ ሱዳን ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ልዕሊ 4.3 ሚልዮን ህዝቢ ናብ ዝተፈላለዩ ጐረባብቲ ሃገራት ከም ዝተመዛበለ ጸብጻባት ክጠቕሱ ምጽነሖም ዝዝከር እዩ።