ኣምኒስት፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ህጹጽ ኣዋጅ ከይጥቀሙ ጸዊዑ

2024-02-19 23:32:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 396 times

ኣምኒስት ኢንተርናሽናል/AMNESTY INTERNATIONAL፡ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ኩነታት ህጹጽ ኣዋጅ ብምጥቃም፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ንዝቃወሙ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኝናታትን ብኣልማማ ካብ ምእሳር ንክቑጠቡ ጸዊዑ። እቲ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካል ብ19 ለካቲት 2024 ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣረገ ሜላን ህጹጽ ኣዋጅን ብምጥቃም፡ ናይ ሰባት መሰል  ምግሃስ ክቋረጽ ይግበኦ ኢሉ።

ጸብጻብ ኣምኒስት ኢንተርናሽናል፡ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኩነታት ህጹጽ ኣዋጅ ንቀጻሊ 4 ኣዋርሕ ኣናዊሑ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖን ይካየድ ብዘሎ  ብውግእ ዝተፈጥረ ወጥሪ ብወተሃደራዊ ኣገባብ ክፈትሕ ምውሳኑ ዘይቅኑዕ ምዃኑ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ብውግእ ክልል ትግራይ ድማ ብማሕበራዊ ቅልውላው ይሕመሳ ከምዘለዋ ናይቲ ትካል ዞባዊ ዳይረክተር ቲገረ ቻውታህ ብምጥቃስ ኣስፊሑ ዘርዚሩ።

ጸብጻብ ኣምኒስቲ፡ ናይቲ ህጹጽ ኣዋጅ ድሕረ-ባይታ ዘርዚሩ፡ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝትግበር ዘሎ ኣዋጅ ኣብ ናይታ ሃገር ነጋሪት ጋዜጣ ከምዘይትሓትመን፡ ህውከት  ካብ ምግዳድ ሓሊፉ መፍትሒ ከምዘየምጸአ ገሊጹ። ብጉልባብ እዚ ኣዋጅ ዝተኣስሩ፡ ዶር ደሳለ ጫነ፡ ክርስቲያን ታደለን ዮሃንስ ባያሎውን ዝርከብዎም ፖለቲከኛታትን ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ጉዳዮም ናብ ፍርዲ ቀሪቡ ብዘይሻራዊ ዳንነት ከምዘይተራእየ ድማ ኣስፊሩ።

Last modified on Tuesday, 20 February 2024 00:41