ልኡኽ ኣሜሪካ ምስ ውድባት ትግራይ ርክብ ኣካይዱ

2024-02-21 22:23:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 378 times

ኣንበሳድር ማይ ሃመር ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሚሪካ፡ ሚሲንጋ ኣንበሳድር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ሚስ ጀኒን ሓላፊት ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣብቲ ኢንባስን፡ ብኣባልነት ዝርከብዎ ልኡኽ ብ21 ለካቲት 2024 ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተራኺቡ ዝተፈላለዩ ቦታታት እውን ከም ዝበጸሐ ማዕከናት ዜና ክልል ትግራይ ሓቢረን።

እቲ ልኡኽ ምስ ተወከልቲ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ብዛዕባ ውዑል ፕሪቶሪያን ኣተገባብራኡን ብሰፊሑ ዝተላዕለ ክኸውን እንከሎ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥሜት፡ ምምላስ ብሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ተታሒዙ ዘሎ መሬት ትግራይን ተመዛበልቲ ናብ ቦታኦም ምምላስን ዝምልከት፡ ከምኡ እውን ጉዳይ ዲሞክራስን ናጽነትን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ከም ዝተመያየጡ ናይተን ውድባት ተወከልቲ ኣፍሊጦም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቲ ልኡኽ ምስ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ኣቦመንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እውን ተራኺቡ። ምስ ዶ/ር ደብረጽዮን ዝተዘራረበሎም ጉዳያት ምስቶም ናይ ተቓወምቲ ውድባት ተመሳሰልቲ ኮይኖም፡ ዶር ደብረጽዮን ካብ ውዑል ፕሪቶርያ ሓያሎ ዝተተግበሩ ነጥብታት ከም ዘለዉ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ንምጥያስ ተጋደልትን ምምላስ ተመዛበልቲ ናብ ቦታኦምን ዝምልከት ኣዕዚዙ ከም ዝተዛረበ ተፈሊጡ።

ብዘይካዚ እቲ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ርእሲቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካይድዎ ዝቐነዩ ርክብ ኣብ መቐለ እውን ምስ ፕረሲደንት ጌታቸው ረዳ ተራኺቡ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባታት ተዘራሪቡ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ልኡኽ ኣብ ከተማ መቐለ 800 ኣንበብቲ ዘተኣናግድ ዝነበረ፡ ሎሚ ግና ህንጻኡ ስለ ዝፈረሰ ኣገልግሎቱ ዘየለ ቤተ መጻሕፍቲ ምስተዓዘበ፡ ኣንበሳድር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ንምምላሱ ክሰርሑ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

Last modified on Wednesday, 21 February 2024 23:33