ማ/ኮ ህወሓት፡ ብዛዕባ ኣብ ግዜ ውግእ ኣብ ኢድ ጸላኢ ዝወደቑ ኣባላቱ ወሲኑ

2024-02-23 20:36:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 392 times

ማእከላይ ኮሜት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ብ22 ለካቲት 2024 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ውግእ ብዘተፈላለየ ምኽንያት “ኣብ ኢድ ጸልኢ ወዲቖም” ተኣሲሮም ጸኒሖም፡ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ዝተፈትሑ 8 ኣባላቱ ከም ዝወሰነ ናይቲ ውድብ መግለጺ ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት ኣብ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኣደመንበር ዝነበረት ወ/ር ኬርያ ኢብራሂምን ኣብ ፈደራል ሚኒስተሪ ትራንስፖርት ምክትል ሚኒስተር ዝነበረት ወ/ሮ ምሉ ገ/እዚኣብሄርን ምሉእ ብምሉእ ካብ ሓላፍነትን ኣባልነትን ውድብ ክወጻ ወሲኑ። ነዚ ውሳነኡ ከም ምኽንያት ዝጠቐሶ ድማ “ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝነበራሉ ግዜ ምስጢር ውድብ ኣሕሊፈን ሂበን” ዝብል እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣባላት ፈጻሚ ኮሚተ ዝነበሩ ዶ/ር ኣዲስኣለም ባለማን ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተን በቲ ዝነበርዎ ናይ ፈጻሚ ሽማግለ ኣባልነት ክቕጽሉ፡ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ዝነበሩ ዶ/ር ሰለሞን ኪዳነ፡ ወ/ሮ ኪሮስ ሓጐስ፡ ኣቶ ኣጽበሃ ኣረጋዊን ዶ/ር ረዳኢ በርሀን ድማ  ናይ ማእከላይ ኮሚተ ኣባልነቶም ክምለሰሎም ከም ዝወሰነ ተፈሊጡ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ እተን ካብ ሓላፍነትን ኣባልነትን ህወሓት ምሉእ ብምሉእ ዝተሰናበታ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት ዝነበራ፡ ጌጋአን ኣሚነን ከም ዝተጣዕሳን ኣብ መጻኢ ህዝበን ክኽሕሳ ቃል ከም ዝኣተዋን ተፈሊጡ።  

Last modified on Friday, 23 February 2024 21:43