ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሩ

2024-02-26 19:55:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 294 times

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣንቶነ ጋሊንዶ ዝተባህለ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ብ22 ለካቲት 2024 ከም ዝኣሰሩ ጋዜጠኛ ዘጋርዲያን ሓቢሩ። ኣቶም ኣሰርቲ እቲ ጋዜጠኛ ህውከት ኣብ ናይ ምፍጣር ውዲት ተሳቲፉ ብዝብል ክኸስዎ እንከለዉ፡ “ንናጽነት ፕረስ” ዝተባህለ ጉጅለ ብወገኑ፡ እቲ ክሲ መርተዖ ዘየብሉ ምዃኑ ጠቒሱ እቲ ጋዜጠኛ ብህጽጹ ንክፍታሕ ጸዊዑ። ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ብወገኑ እዚ ኣብ ፓሪስ ንዝመደበራ፡ ኣፍሪካን ኢንተንጀንስ/Africa Intelligence፡ ዝተባህለት መርበብ ዜና ዝሰርሕ  ኣንቶነ ጋሊንዶ፡ ሲቪል ብዝተኸዱ ኣባላት ጸጥታ፡ ኣብ ስካይ ላይት ሆቴል ከም ዝተኣስረ ኣፍሊጡ።

እቲ ግዜኡ ዘይሓለፈ ቪሳ ዝነበሮም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምህላዉ ብመንግስቲ ኣፍልጦ ዝተዋህቦን ጋዜጠኛ፡ ኣብቲ ዝተኣስረሉ ግዜ ባተ ኡርገሳ ምስ ዝተባህለ ወሃቢ ቃል ብሕጊ ዝተመዝገበ ግንባር ነጽነት ኦሮሞ (ግነኦ) ቃለ መጠይቕ የካይድ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ቃለ መጠይቕ ዝህብ ዝነበረ ኡርገሳ እውን ሓቢሩ ከም ዝተኣስረ እቲ ዜና ሓቢሩ።

እታ ዝሰርሓላ መርበብ ዜና፡ ነቲ ማእሰርቲ መሰረት ዝየብሉን ክሳብ ክንድዚ ንዝነወሐ ግዜ ናጽነት ዝግድብን ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ ብህጽጹ ንክፍታሕ ጸዊዓ። ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ግና ናይቲ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ጠበቓ  ብዋሕስ ንክፍታሕ ዘቕረቦ ጥርዓን ብምንጻግ፡ ፖሊስ ብዝሓተቶ መሰረት ተለፎኑ ከይተረፈ ዝሓዞ ሰነዳት ክሳብ ዝጻረ፡  ኣብ ቤት ማእስርቲ ጸኒሑ 1 መጋቢት 2024 ናብ ቤት ፍርዲ ንክቐርብ ቆጸራ ሂቡ።

ሓላፊት ፕሮግራም ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣንገላ ቁይንታል ብወገና፡ መሰረት ዘየብሉን ዘይፍትሓውን ማእሰርቲ እቲ ጋዜጠኛ፡ ሞያዊ ግቡኡ ከይፍጽም ዝዕንቅፍ ስለ ዝኾነ፡ ሰበ መዚ ኢትዮጵያ ብቕልጡ ብዘይ ቅድመ ኩነት ንክፈትሕዎ ጸዊዓ።

ናይቲ ጋዜጣጃ ማእሰርቲ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ፡ ብምእሳር ጋዜጠኛታት ሒዛቶ ዘላ 2ይ ደረጃ ዘጋድድ ምዃኑ፡ ነቲ ዜና ዘሰናድአ ሪፖርተ ኣፍሊጡ።

Last modified on Monday, 26 February 2024 21:01