
ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ንቐርኒ ኣፍሪቃ 85 ሚልዮን ዶላር ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ለጊሳ
Thursday, 10 March 2022 21:53 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ትሕቲ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ደርቅን ማሕበራዊ ቅልውላውን ንምክትታል ዝሰርሑ ዘለዉ ተሓጋጋዚ ማርቲን ግሪፍትስ ብ10 መጋቢት 2022 መግለጺ ሂቦም። ንሶም ኣብቲ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንኢትዮጵያ ወሲኽካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ማሕበራዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝሕግ 85 ሚሊዮ ዶላር ከም ዝለገሰት ሓቢሮም። እዚ ሓበሬታ ብመንግዲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ኣህጉራዊ ምትሕብባር ኢማራት እዩ ተዘርጊሑ።
በቲ ማርቲን ግሪፍትስ ዝሃብዎ መብርሂ መሰረት፡ እቲ ሓገዝ ብመንገዲ ዝተፈላለያ ናይ ረዲአት ትካላት እዩ ናብ ተጠቀምቲ ክቐርብ። እተን በቲ ዝተለገሰ ገንዘብ ኣቢለን ኣብ ምፍታሕ እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝሳተፋን ካብቲ ሓገዝ ዝካፈላን፡ ፡ ትካል መግቢ ዓለም፡ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ጉዳይ ህጻናት ሕቡራት ሃገራትን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ከም ዝኾና እቲ መብርሂ ጠቒሱ። እዚ ዝተዘርዘረ ሓበሬታ ካብቲ ንሰብኣዊ ጉዳያትን ምውህሃድ ህጹጽ ሓገዝን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ እዩ።
ኣብቲ ሓገዝ ዝተለገሰሉ ኣጋጣሚ፡ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሃገሮም ኣብ ምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም እትግደስ ገሊጾም። እቶም ሚኒስተር ኣተሓሒዞም ኣብቲ ዞባ ዘጋጠመ ምቅይያር ኩነታት ኣየር ነቲ ሰብኣዊ ጸገም ከም ዘጋድዶ ጠቒሶም። ቀጺሎም ከኣ ንልግሶ ዘለና ሓገዝ ናይ ሰብኣዊ ረዲአት ትካላት ብዝግባእ ተዓጢቐን ኣብቲ ህጹጽ ረዲአት ዘድልዮ ዞባ ንከድምዓ እዩ ክብሉ ገሊጾም።
እዚ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ፡ ነቲ ብናይታ ሃገር ዝካየድ ስረሓት ቀይሕ ወርሕን ከሊፋ ፋውደሽንን ዝያዳ ዘሕይል እዩ። እዘን ናይ ኢማራት ትካላት ክሳብ ናይ ኣየርን መርከብን መጐዓዝያ ኣገልግሎት ዝህባ እየን።
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ: ንሓላፊ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ምሕዝነት ደገፍቲ ሕብረት ኣሲሮም
Thursday, 10 March 2022 12:08 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ሱዳን ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፡ 8 መጋቢት 2022 ንሓላፊ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ምሕዝነት ደገፍቲ ሕብረት ባብከር ፈይሳል ከም ዝኣሰሩ መርበብ ሱዳን ትሪቡንን ካለኦት ማዕከናት ዜና ሱዳንን ሓቢረን። እዚ ስጉምቲ ኣካል ናይቲ ኣንጻር ኣባላት ምሕያል ኣወጋዲ ኮሚተ ዝካየደ ዘሎ ወፈራ ምዃኑ እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ጠቒሱ።
ባበክር ፈይሳል ኣብ ካርቱም ዝተኣስሩ፡ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ዓብደል ወሃብ ሻኣራን ዝተበሃሉ ፍሉጥ መራሒ ሃይማኖት ሱፊ “ጽንዓት ይሃብኩም” ክብሉ እንከለዉ ምዃኖም ተፈሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2022 ሰብ መዚ ሱዳን ሓላፊ ናይቲ ምሕያል ኣወጋዲ ኮሚተ ዝበሃል ኣካልን ኣባል ባይቶ ልኡላውነት ሱዳንን ኣልፋቂን ካለኦት ካልድ ዑመር ዩሱፍ፡ ዋግዲ ሳልሕን ጠሃ ዑስማንን ዝተባህሉ ናይ ቅድም ኣባላት ካቢነን ዝርከብዎም ኣገደስቲ ባእታታት ዝርከብዎም ከም ዝኣሰሩ እቲ ዜና ሓቢሩ። ሱዳን ትሪቡን ብዝገበሮ ምክትታል ባበከር ፈይሳል ከምቶም ቅድሚኦም ዝተኣስሩ “ምትእምማን ምልሕላሕ” ብዝብል እዮም ተኸሲሶም።
ምሕዝነት ደገፍቲ ሕብረት ኣቐዲሙ፡ ብ7 መጋቢት 2022፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ዝተወስደ ናይ ማእሰርቲ ወፈራ ነጺጉ ዝእሰርሉ ዘለዉ ምኽንያት ፖለቲካዊ ኮይ ኑ፡ ሕጋዊ መሰረት ከም ዘየብሉ ገሊጹ ነይሩ።
ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮልከር ፐርተዝስ፡ ናብ ኣቦመንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጅነራል ኣልቡርሃን ቅድሚ ሕጂ ዝተኣስሩ ፖለቲከኛታትን ንጡፋት ተሳተፍትን ክፈትሑን ሓደስቲ ከይእስሩን ብተደጋጋሚ ምሕጽንታ ከም ዘቕረቡ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሳ። እቲ እሱራት ምፍታሕን ሓደስቲ ዘይምእሳርን ኣብ መጻኢ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ብዘተ ንምፍታሕ ዝግበር መስርሕ ከም ዝሕግዝ እቶም ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሮም።
ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኖም እቲ ማእሰርቲ ብመንገዲ ዓቃብ ሕጊ ዝተወስደን ምስ ሚኒስተሪ ገንዘብ ናይታ ሃገር ዝተሓሕዝ እዘለዎንዩ ዝብል መልሲ ከም ዝሃቡ ተፈሊጡ።
ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ለውጢ ክጅመር እንከሎ ንሱዳን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኩነታት ኤርትራን ካለኦት ጐረባብትን እውን ኣውንታዊ ጽልዋ ከሕድር ትጽቢት ነይሩ። ብግብሪ ግና ኣብ ሱዳን እውን ክሳብ ሎሚ ሰላምን ምርግጋእን ከውሕስ ኣይከኣለን። ናብ ዝኸፈአ ከይምዕብል ከኣ ስግኣት ኣሎ።
ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፈይስቡኩ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ፡ ንተበዓት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ክብርን ምድግጋፍን ዕዙዝ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ኤምባሲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሓሳበን ስለ ዝገለጻ ጥራይ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ይሓቃ ከም ዘለዋ ሓቢሩ። ብመንግስቲ ኤርትራ “ዘይሕጋዊ” ናይ ዝበሃል ሃይማኖት ሰብዓብቲ ተባሂለ ከምኡ ድማ 15 ዓመት ዝዕድሚኣ መንእሰይ ኣቡኣ ብዓል መዚ መንግስቲ ስለ ዝነበረ ዝተኣስረት እትርከበን፡ ግዳይ ማእሰርቲ ብዘይፍርዲ ይኾና ከምዘለዋ ኣብቲ ናይ ክብርን ምሕዝነትን መልእኽቱ ኣስፊሩ።
እቲ መልእኽቲ ምሕዝነት ናይቲ ኤምባሲ ኣተሓሒዙ፡ እተን እሱራት ብዙሓት ብምዃነን ኩለን ምዝርዛር ከምዘይከኣል ብምጥቃስ፡ ካብተን ዝዘከረን ኣደታት፡ ኣሓትን መንእሰያትን ነተን ንግዳያት፡ ይውከላ እየን ንዝበለን ኣስማተን ረቚሑ ኣስፊሩ። በዚ መሰረት ኣስቴር ዮሃንስ፡ ኣስቴር ፍሰሃጼን፡ ሚርያም ሓጐስ፡ ሰናይት ደበሳይ፡ ፋይዛ ሰይድን ሲሃም ዓልን ኢሉ ጠቒሱ፡ “ኣይረሳዕናክንን ንመጻኢ እውን ኣይንርሰዓክንን ኢና” ከኣ ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ንኹለን ኣብ ኣብያተ- ማእሰርቲ ዘለዋ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ንክፈትሐን ንምሕጸን ኢሉ። “ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ጐኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ትብል” ብዝብል ከኣ መልእኽቱ ዛዚሙ።
ፖሓኤ፡ ንመርገጺ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ዩክረይንን ሩሲያን ዝኹንን መግለጺ ኣውጺኡ
Monday, 07 March 2022 22:15 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ነቲ ዓመጸኛ መንግስቲ ኤርትራ ብዘሕዝን ኩነታት፡ ኣንጻርቲ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩኩረይን ዝኹንን ብ2 መጋቢት 2022 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተወሰነ ውሳነ ብምቅዋምን ኣብ ጐኒ ሩሲያ ብምስላፍን ንዝወሰዶ ዘይሓላፍነታዊ መርገጽ ብምኹናን ብ5 መጋቢት 2022 መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ ውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 141 ሃገራት ብዝደገፈኦ ዓብላሊ ድምጺ ዝተመሓላለፈ ኮይኑ፡ ኣብቲ መስርሕ 35 ሃገራት ድምጸን ክዕቅባ እንከለዋ ኤርትራን ሩሲያን ዝርከበአን 5 ሃገራት ከኣ ተቓዊመን።
እቲ ብፖሓኤ ዝወጸ መግለጺ ኣተሓሒዙ ኤርትራ ኣብቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብ4 መጋቢት 2022፡ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዩክረይን ትፍጽሞ ዘላ ግህሰታት ንምኹናንን ነቲ ኩነታት ዘጻሪ ኮሚሽን ንክቐውምን ብናይ 32 ሃገራት ደገፍን ናይ 13 ሃገራት ድምጸ-ተዓቅቦን ብዝለዓለ ድምጺ ዘመሓላለፎ ውሳነ እውን ንሩሲያ ኣሰንያ ከም ዝተቓወመት እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ኤርትራ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ እንኮ ንውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣካሉን ተቓዊማ ምስ ወራርን ግህሰትን ሩሲያ ምስላፋ ዘመልክቶ ድርቅና ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ከም ዘስፈሮ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመታት ቃልሲ ኣንጻር መግዛእትን ናይ ግዳም ወረርትን ብ1991 ተዓዊታ ናጻ ዝወጸት ሓዳስ ሃገር ክነሳ፡ ኣብ ክንዲ ኣንጻር ወራር ምስላፍ፡ ንወራር ሩሲያ ዝደገፈት እንኮ ሃገር ኣፍሪቃ ምዃና ከም ዘገርም እውን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። እቲ መግለጺ ምስቲ ን30 ዓመታት ንህዝብና ደም ዘንበዖ ዘሎ ባህርያት ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እቲ ዝተወስደ ዘይሓላፍነታዊ መርገጽ እትጽበዮ እዩ ኢሉ።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ግና ኣብ ጐኒ ህዝቢ ዩክረይን ኣንጻር ወራር ሩሲያ ከም ዝስለፉ እዚ መግለጺ ኣረጋጊጹ። ደጊሙ ከኣ መግንስቲ ኤርትራ ኣንጻርቲ ንወራር ሩሲያ ዘወግዝ ውሳነ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዩክረይን ዝተፈጸመ ግህሰታት ዝምርምር ኮሚሽን ክቐውም ዝተበጽሐ ስምምዕን ምስላፉ ኣትሪሩ ኰኒኑ።
ኣብ መወዳእታ ፖሓኤ ንተግባራት ሩሲያ እናኾነነ ውግእ ኣብ መንጎ ሃገራት ንዘጋጥም ጐንጺ ርትዓዊ መፍትሒ ከም ዘይከውን ኣነጺሩ። ክልቲኦም ወገናት ውግእ ኣቋሪጾም ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ብመንገዲ ዘተ መፍትሒ ክረኽብሉ ጸዊዑ።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ንኤርትራን ስሪላንካን ዝምልከት ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ
Sunday, 06 March 2022 12:37 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ስሪላንካ ብዛዕባ ዘሉ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ብ4 መጋቢት 2022 ፍሉይ ኣኼባ ከም ዘካየደ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዘስፈሮ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብዚ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራን ስሪላክናን ዝተዘተየሉ ፍሉይ ኣኼባ፡ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ተሳቲፎም።
መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ ናይ ቃል ጸብጻብ ኣቕሪቦም። ኣብዚ ጸብጻቦም ክኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ከምቲ ናይ ቀደሙ ብዘይለውጢ ይቕጽል ከምዘሎ ሓቢሮም። ከም ኣብነት ናይቲ ሕማቕ መግለጺ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ከኣ፡ ብኩራት ኣድማሳዊ ሲቪላውን ዲሞክራስያውን መሰላት ብዝኸፈአ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ ኢሎም። መንግስቲ ኤርትራ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምእካብ፡ ምምስራት ማሕበራትን እምነትን ከም ዘየፍቅድ ኣስፊሮም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ግዱድ ወታደራዊ ኣገልግሎት ከም ዝቐጸለን ቀንዲ ጠንቂ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ኮይኑ ከም ዘሎ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ሓቢሮም።
መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር፡ ኣተሓሒዞም፡ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ንኤርትራ ብዝምልከት ዘቕረብዎ ናይ 2021 ጸብጻባት ኣወዳዲሮም ዝኾነ ኣውንታዊ ምዕባለ ከምዘየለ ብምሕባር፡ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ’ውን፡ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ፡ ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ፡ መንግስቲ ዝነቕፉ ጋዜጠኛታት፡ መራሕትን ሰዓብትን ሃይማኖትን ተባሂሎም ብጃምላ ተኣሲሮም ንነዊሕ ግዜ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ኣይተፈትሑን ኢሎም። ንኣተሓሕዛ እቶም እሱራት ብዝምልከት ከኣ፡ ኣብ ርእስቲ ተነጽሎን ናብ ፍርዲ ዘይምቕራቦምን ክሳብ ስቓይ ዝግለጽ ስልታዊ በደላት ኣብ ልዕሊኦም ከም ዝፍጸም ሓቢሮም። ኮሚሽነር መሓመድ ምስዚ ኣተሓሒዞም ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ግዳያት ንክፈትሖም ተጽዕኖኡ ከሕይል ጸዊዖም።
ኣብዚ ዘተ፡ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ልዕልና ፍትሒ ዘረጋግጽን በዂሮም ዘለዉ መሰረታዊ መሰላት ዘውሕስን ለውጢ ክግበር መሰረታዊ ምዃኑ ተጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ ናጻ ናይ ብዙሃን መዲያ ዘይምህላዉ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ሓበሬታ ንምርካብ ከም ዘጸግም እውን ተጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ እቲ ዝተሓተ ናይ መራኸቢ መንግዲ ተጠቒምካ ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ሓበሬታ ንምርካብ መስመር ኢንተርኔት ዘይፍቀድ ምኹኑ ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ ከም ሓደ ካብ ጸገማት ቀሪቡ።
ኮሚሽነር መሓመድ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ዘሎ ውግእ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ከም ዘጋደዶ እውን ኣይሓብኡን። ከም ኣብነት ግዱድ ወታደራዊ ኣገልግሎት ከይቋረጽ ካብ 1998 ጀሚሩ ከም ምኽንያት ካብ ዝቐርቡ ነጥብታት ምቕጻል ውግእ ምዃኑ ሓቢሮም። ናይዚ ዘይምቁራጽ ናይ ብዙሓት መንእሰያት ስደት ከም ዘኸተለ ድማ ኣብ ጸብጻቦም ኣስፊሮም። ኣብ ትግራይን ዓፋርን ተዓቚቦም ናይ ዝነበሩ ክሳብ 80 ሺሕ ዝግመቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኩነታት ኣዝዩ ኣሻቓሊ ከም ዘሎ ከኣ ንተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ተሓቢሩ።
ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ከምቲ ልሙድ ገሃሲ ተግባራቱ ብምሕባእ፡ ዝያዳ ሓላይ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ ክቕርብ ከም ዝፈተነን ነቶም መሰል ብምግሃሱ ዝነቕፍዎ ኣካላት ከም ዝኸሰሰን ናይቲ ኣኼባ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ ኣኼባ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ስሪላክና ብዝምልከት፡ ሚቻየል ባቸለት ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ ምስ ናይ ኤርትራ ተመሳሳልነት ዘለዎ ኮይኑ፡ ናይ ምምሕያሽ ምልክታት ከም ዘለዉዎ ግና የመላኽት።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝከታተሉ ኮሚሽነራት መዚዙ
Thursday, 03 March 2022 19:03 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣርጀንቲናዊ ፕረሲደንት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣንበሳደር ፈደሪኮ ቪለጋስ፡ ሰለስተ ጉዳይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዝምርምሩ ኮሚሽነራት ምምዛዞም ብ2 መጋቢት 2022 ከም ዘፍለጡ ጉዳይ ኢትዮጵያ እትከታተል መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢራ። እቶም ዝተመዘዙ ኮሚሽነራት፡ ጋምቢያዊት ፋቴው ቤነሰውዳ፡ ኬንያዊት ካሪ በቲ፡ ማሩንግን ኣሜሪካዊ ስተቨን ራትነርን እዮም። ወይዘሮ ቤነሰውዳ ከኣ ናይቲ ሰለስተ ዝኣባላቱ ኮሚሽን ኣደመንበር እየን። እዘን ኣደመንበር ክኾና ዝተመዛ ወይዘሮ ኣብ ዳኝነትን ኣኽባሪ ሕግን ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦን ተመኩሮን ከም ዘለወን ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።
ፕረሲደንት ኣንበሳደር ፈደሪኮ ቪለጋስ ነዞም ኮሚሽነራት ዝመዘዙ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ኢትዮጵያ ዝከታተሉ ኮሚሽነራት ንክመዙ ብ17 ታሕሳስ 2021 ኣብ ዝተኻየዶ ጉባአኡ ብዝሃቦም ሓላፍነት እዩ። ብውሳነ ናይቲ ባይቶ መሰረት ናይዚ ኮሚሽን ሓላፍነት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 4 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ብኹሎም ናይቲ ውግእ ተሳተፍቲ ኣካላት ዝተፈጸመ ግህሰታትን ጥሕሰት ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ዘይምኽባር ንስደተኛታት ዝምልከት ኣህጉራዊ ውሳነታት ኣብ ኢትዮጵያን ብዘይኣድልዎን ሻራነትን መርሚርካ ምጽራይ እዩ።
እዚ ሰለስተ ዝኣባላቱ ኮሚሽን ኣብ ስርሑ፡ ጭብጥታ ክረክብን መዝጊቡ ክሕዝን፡ ኩነታት ናይቲ ጥሕሰታትን ዓመጻትን ዝተፈጸመሉ ከባቢ ከጽንዕን፡ ከምኡ እውን ናይቲ ተግባር ተሓተቲ ከለልን ኣተሃላልወኦም ክፈልጥን፡ ካብዚ ሓሊፉ ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ብቐሊሉ ዝርከበሉን ዝሓለፈን መጻእን ተሓታትነት ኣብ ግምት ዘእተወ ጌይሩ ንክሕዝ ሓላፍነት ተዋሂብዎ።
ምስቲ ምቛምዚ ኮሚሽን ዘፍቀደ ውሳነ፡ እቲ 47 ዝኣባላቱ ባይቶ እዚ ሓድሽ ኮሚሽን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ዝተገብረ መርመራ ኣብ ግምት ከእትዎን ንመግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ተሓታትነት፡ ዳግመ-ርኢቶ ምግባርን ነቲ ኩነታት ኣብ ምሕዋይን ዘኽእሎ ተክኒኣዊ ለበዋታት ብምቕራብ ንክተሓጋገዝ ከም ዕማም ሂብዎ።
እዚ ኮሚሽን ብምሉእ ዓቕሙ ክሰርሕን ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሓምለ 2022 ዝካየድ መበል 50 ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ናይ ቃል መግለጺ ከቕርብ፡ ኣብ መስከረም ወይ ጥቅምቲ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ዝግበር መበል 51 ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ከኣ ብደረጃ ጽሑፍ ጸብጻቡ ከቕርብ ከም ዕማም ተዋሂብዎ።
(ስእሊ ካብ መርበብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት)
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ2 መጋቢት 2022 ብጉዳይ ዩክረይን ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶን ካብ ዓለም ነጺልዋ ንዘሎ ገበን ብምኹናን ብቕልጡፍ ካብ ዩክረይን ንክትወጽእ ዝጽውዕ ውሳነ ብዝለዓለ ድምጺ ኣሕሊፉ።.
ኣብዚ ኣኼባ ካብ ዝተሳተፋ 193 ሃገራት፡ 141 ነቲ ንድፊ ደጊፈን 35 ሃገራት ተዓቅቦ ከመዝግባ እነከለዋ ኤርትራ እትረከበን 5 ሃገራት ከኣ ንተግባራት ሩሲያ ደጊፈን ኣድሚጸን። እዘን ምስ ኤርትራ ንተግባራት ሩሲያ ደጊፈን ኣንጻር ብዙሓት ዘድመጻ ሃገራት፡ ቤላሩስ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሱርያን ንባዕላ ሩስያን እየ።
እቲ ውሳነ ነቲ ሩሲያ ፈደረሽን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ ብኣዝዩ ሓያል ቃላት እዩ ኮኒኑ። ኣስዒቡ ከኣ ሩሲያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝወሰደቶ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ከተቋርጽን ብህጹጽ፡ ብምሉእን ብዘይቀድመ ኩነትን ኩሉ ወታደራዊ ሓይላ ተውጽእ ይብል። እዚ ውሳነ ሕጋውን ቀያድን’ኳ እንተዘይኮነ፡ ርኢቶ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ሩሲያን መሓዙታን ኣብየናይ ደረጃ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
ሩሲያ በዚ ውሳነዚኳ ጉዕዞኣ እንተዘይተዓገተ፡ ንዩክረይን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ንኹሎ ኣብ ጐነን ዝተሰለፉን ኣካላት ኣገዳሲ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ምዃኑ፡ ሪቻርድ ጎዋን ዝተባህሉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዲረክተር ጉዳይ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ገሊጾም።
ኣንበሳር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፈልድ ብወገነን ቅድሚ ምድማጽ ኣብ ዘስመዐኦ ቃል ንተግባራት ሩሲያ ምስ ሳዕቤን ተግባራት ናዚ ኣብ ኤውሮጳ ኣወዳዲረን ገሊጸንኦ። እተን ኣንበሳድር ኣተሓሒዘን፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ደቂ ሩሲያን ዩክረይንን ኣብ ኤውሮጳ፡ ሓደ ዲክታቶር ብዘይዝኾነ ይኹን ምኽንያት ካልእ ኤውሮጳዊ ጐረቤት ሃገሩ ኣጥቂዑ ግዝኣቱ ከዕቢ ክፍትን እንከሎ ዘኸትሎ ሳዕቤን ናብ ሓደገኛ ውግእ ዘምርሕ ምዃኑ ንድሕሪ ተመሊሶም ከምስተብህሉ ይግባእ ኢለን።
ናይ ዩክረይን ቀማዊ ኣንበሳደር ሕቡራት ሃገራት ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ሃገራት እቲ ወራር ጉዳየይ ኣይኮነን ኢለን ድምጸን ከይዕቅባ ጸዊዖም። ኣተሓሒዞም ከኣ ድምጽኻ ምሕባእ ጌጋ እዩ፡ ምኽንያቱ እዚ ጀሚሩ ዘሎ ወራር ኣባና ዘየብቅዕ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ኣንጻሩ ንምዕዋት ቀጻሊ ቃልሲ ምክያድ የድሊ ምስ በሉ፡ እንተደኣ ስቕ ኢልና ርኢናዮ ግና መመሊሱ ክቕጽል እዩ ኢሎም። ነቲ ውሳነ ብዝምልከት ከኣ እዚ ሓደ ካብቲ ሩሲያ ናብ ዩክረይን ከይትቕጽል መዕገቲ መንገድታት እዩ ብዝብል ገሊጸምዎ።
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ብ27 ለካቲት 2022 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ካብቶም 15 ኣባላት 11 ንወራር ሩሲያ ዝተቓወሙ፡ ሩሲያ ንበይና ዝደገፈትሉ ቻይና፡ ሕቡራት ዓረብ ኢሚረይትን ህንድን ከኣ ተዓቅቦ ዘመዝገባሉ ውሳነ ከም ዘመሓላለፈ ዝዝከር እዩ።
ብዙሓት ተዓዘብቲ ከም ዝሰማምዕሉ፡ እተን ኣብዚ ሓፈሻዊ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ንሩሲያ ደጊፈን ዝተቓወማ ኤርትራ እትርከበን 5 ሃገራት፡ ቀንዲ መንቀሊአን ሩሲያ ንምሕጋዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ሃገራተን ዝምረሓሉ ጨቛኒ ምምሕዳር ንምሕላው እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ዝተሓዝ መርገጽ ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ምምሕዳር ስለ ዝኾነ።
ሱዳን ናይ ሩሲያ ስጉምቲ ከተውግዝ ብሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ትሮይካን ተሓቲታ
Tuesday, 01 March 2022 11:23 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሱዳን ንወራር ሩሲያ ከተወግዝን ንግዝኣታዊ ሓድነት ዩኩሬን ክትድግፍን ብሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ትሮካን ከምዝተሓተተትሱዳን ትሪቡን ካብ ካርቱም ሓቢራ። (ትሮይካ፡ ኣብ ሃገራት ግሪኽ፡ ሳይፐርስ፡ ኣየርላንድ፡ ፖርቱጋልን ስፐይንን ከም ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዓይነቱ መጸውዒ ናይ ሓባር ቃል እዩ)
እዚ መጸዋዕታ ናብ ሱዳን ዝቐረበ፡ ናይ ሱዳን ግዝያዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ብ27 ለካቲት 2022 ካብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ትሮይካ፡ ካናዳን ስዊዘርላንድ ኣጋይሽ ኣብ ዝተቐበልሉ፡ ብዛዕባ ዘይቅቡል መጥቃዕቲ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩኩረይን ዝምልከት በቶም ኣጋይሽ መግለጺ ምስተዋህቦም፡ መርገጽ ሃገሮም ከነጽሩ ኣብ ዝተሓተትሉ እዩ።
ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሱዳን፡ ሮበርትቫንደንዱል፡ ኣብቲ ናይ ካርቱም ርክብ ሱዳን ብግልጺ ኣንጻር ሩሲያ ንጹር ናይ ውግዘት ቃላ ከተስምዕ ሓቲቶም። ኣተሓሒዞም ድማ ብፍላይ ናይ ሱዳን መርገጺ ኣብ ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕብራት ሃገራት ክንፈልጥ ንደሊ ኢና ከምዝበሉ እቲ ዜና ሓቢሩ።
እዚ ኣብ ካርቱም ዝተገብረ ኣኼባ ነቲ ናይ ሱዳን ምክትል ወታደራዊ ኣዛዚ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ሩሲያ ዝገበርዎ ዑደት ተኸቲሉ እዩ። እቶም ሱዳናዊ ምክትል ወታደራዊ ኣዛዚ ጀነራል መሓመድ ሓመቲ ዳጋሎ ናብ ሩሲያ ምጋሾም ጥራይ ዘይኮነ፡ ፕረሲደንት ፑቲን ነተን ኣካል ዩኩሬን ዝኾና ክልተ ኣውራጃታት ከም ናጻ ኣካላት ምስፈረሙለን፡ ደጊፎም እዮም። እንተኾነ ግዝያዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ነቲ ናይ መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ደገፍ ምሃብ ነጺጎም፡ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ሱዳን ዝተዋህበ’ዩ ኢሎም ኣሪመሞ እዮም።
እቶም ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ዝያዳ ሓሳቦም ንምትራር መራሕቲ ሱዳን ንግዝኣታዊ ሓድነት ዩክረይን ዳግማይ ኣፍልጦ ክህቡን ፕረሲደንት ፑቲን ንዶንባስን ሉጋንስክን ብዝምልከት ዝሃብዎ ናይ ናጻነት ኣፍልጦን ክቃወሙን ኣገንዚቦም። ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ልኡኻት ሱዳን ኣካልቲ ሩሲያ ብቅልጡፍ ተካይዶ ዘላ ወራር ኣቋሪጻ ካብ ዩክረይን ክትወጽእ ዝጽውዕ ዘሎ ሕብረተ-ሰብዓለም ክትከውን ጸዊዖም።
ከምዚ ዝረአ ዘሎ ኩነታት እንተተሪሩ፡ እሞ “መርገጽካ ኣፍልጥ” እንተቀጺሉ፡ ካብቲ ናብቲ እናበላካ ብምዕራባውያን ሓገዝ ንምርካብ መርገጻተን ክቐያይራ ንዝጸንሓ ሃገራት ዘጸግመን እዩ ዝመስል።
(ከፊል ካብ መራሕቲ ኢጋድ)
ሱዳን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2022 ኣብ ዩጋንዳ ክካየደ ኣብ ዝተጸወዐ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ከምዘይትሳተፍ ከም ዘፍለጠት ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ትሪቡን (SUDAN TRIBUNE) ኣፍሊጣ። ሱዳን ናብዚ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ሱዳን ዝዝቲ ኣኼባ ኣይሳተፍን ዝበለትሉ ምኽንያት እቲ ኣኼባ ብናይቲ ትካል ዋና ጸሓፊ ዝተጸወዐ ምዃኑ እቲ ኣገልግሎት ዜና ገሊጹ።
ነዚ ኣኼባ ብዝምልከት ብሱዳን ኣብ ዝወጸ መግለጺ፡ ናይ ሱዳን ግዝያዊ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዓሊ ኣል ሳዲቕ ምስ ወኪል ኢጋድ ኣብ ሱዳን በላይል ተራኺቦም፡ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ናይ ኢጋድ ኣቦመንበርነት ናይ ሱዳን ምዃኑን ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገርን ገሊጸምሉ። ኣተሓሒዞም ከኣ ሱዳን ኣብቲ ኣኼባ ምስታፍ ዝነጸገትሉ ምኽንያት እቲ ኣኼባ ናይ መራሕቲ ሃገራት ክነሱ፡ ብዋና ጸሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ ስለ ዝተጸወዐ ምዃኑ ኣብሪሀምሉ።
እቶም ሱዳናዊ ግዝያዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣተሓሒዞም “እዚ ናይ ኣኼባ ዕድመ ንሱዳን ዘገድሳ ኣይኮነን” ምኽንያቱ ድማ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ብዘይ ናይ ሱዳን ዓዳምነት ክጋባእ ኣይክእልን እዩ ኢሎም። ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ኢትዮጵያዊ ወርነህ ገበየሁ፡ ቅድሚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2022 ናብ ሱዳን ምጋሾም፡ ናብ ኡጋንዳ ከይዶም እቲ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልያን ዘሎ ዘይምርግጋእ ዝዝቲ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዩጋንዳ ዝካየደሉ ኩነታት ንምፍጣር ምስ ፕረሲዳነት ዩወሪ መሱቪኒ ተዘራሪቦም እዮም። እዚ ዞባዊ ትካል ኢጋድ፡ ምስ ክፍሊ ጸጥታን ፖለቲካን ሕብረት ኣፍሪቃ እናተወኻኸሰ ብዛዕባ ዘጋጥሙ ጸገማት ሰላማውን ፖለቲካውን ፍተሓት ዘናዲ እዩ። ናይዚ ኣብ መንጎ ኢጋድን ሱዳንን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ቀንዲ ምኽንያት ኢጋድ ንሱዳን ድሕሪቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ሱዳን ኣባልነታ ምንጥልጣሉ እዩ። እዚ ከኣ ወታደራዊ መራሕቲ ሱዳን ናይ ሃገሮም ኣቦመንበርነት ኢጋድ ምንጥልጣሉ ከም ዘሕረቖም ዘመልክት እዩ።
እቶም ሱዳናዊ ላዕለዋይ ሓላፊ፡ ንልኡኽ ኢጋድ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሱዳን ናይ ኢጋድ ኣኼባ ኣብ ቀረባ ግዜ ንምጽዋዕ ኣብ ናይ ምምኽኻር መስርሕ ከም ዝጸንሐት ጠቒሰምሉ። መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ጐኒንጐኒ እቲ ብ6 ለካቲት 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 35 ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንሱዳን ዝምልከት ጸብጻብ ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ምስ ሰምዑ እዮም ኣብ ወርሒ መጋቢት 2022 ኣኼባ ከካይዱ ተሰማሚዖም።
ኢጋድ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣስታት 5.2 ሚልዮን ትርዒት ኪሎሜትር ስፍሓት መሬት ዝሽፍን ዞባዊ ትካል ኮይኑ፡ ኣባል ሃገራቱ ከኣ፡ ጅቡቲ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማሊያ፡ ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን እየን። ከባቢ 291.5 ሚልዮን ህዝቢ ከም ዘለዎ ከኣ ይግመት
ሚኒስተር ዜና ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብዚ ቀረባ መዓልታ ኣብ ትዊተር ገጹ ንዘውጸኦ ሓጺር ጽሑፍ ተኸቲሉ፡ ኤምባሲ ኣሜሪክ ኣብ ኤርትራ ንዓኡ ዘቃልዕ መልእኽቲ ብመንገዲ ትዊተር ዘርጊሑ። የማነ ኣብቲ ዘውጸኦ ጽሑፍ፡ “ገለ ሓይልታት፡ ንሉኣላውነት፡ ኣህጉራዊ ሕግን ግዝኣታዊ ሓድነትን ናይ ሃገራት ዝጻረር፡ ጸጥታአን ምኽባር ዘኽእል ኣዕኑድ ንምጥሓስ ይሰርሓ ኣለዋ” እዩ ኢሉ። ጠመተኡ ከኣ ነቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሓለፍትን ትካላትን ህግደፍን ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዝን ዝወሰነቶ እገዳ ንምቅዋም እዩ።
ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ብወገኑ ኣበሃህላ ኣቶ የማነ ገ/መስቀል ንምቅላዕ ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፍ፡ ኣቐዲሙ ናይ የማነ ሓበሬታ ግጉይ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ድማ መንግስቲ ኣሚሪካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍን ወታደራዊ ኣዛዝን እገዳ ዝወሰነ፡ህግደፍ ብግጉይ ሓበሬታ ተመሪሑ ኣብ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ኢድ ኣእትዩ ነቲ ኩነታት ናብ ሕማቕ ኣቕጣጫ ስለ ዝወሰዶ እዩ ኢሉ። ነቲ ኣብቲ ውግእ ብወገን ሰራዊት ኤርትራ፡ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለት ህጻናት፡ ምዕጻው መሰረታዊ ሰብኣዊ ቀረባት፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣገዲድካ ምምላስ ከም ጠንቂ ናይቲ እገዳ ዘርዚሩ። እዚገበናት ናይ ኢትዮጵያ ኣኽባር ሕግን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን፡ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ብዙሓት ትካላትን መዝጊበንኦ ዘለዋ ምዃኑ ድማ ገሊጽዎ።
ኣብ ርእሲዚ መንግስቲ ኣሜሪካ ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍን ንቐጻልን ካብ ኢትዮጵያ ይውጻእ ከምዝበለ ናይቲ ኤምባሲ መልሲ ነቲ ግጉይ መልእኽቲ የማነ ገብረመስቀል ጠቒሱ። ናይ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ምቕጻልን ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋዲዱ፡በመንገዲ ብዘተ መፍትሒ ንከይመጽእ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ጠቒሱ።