ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ንኤርትራን ስሪላንካን ዝምልከት ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ

2022-03-06 11:37:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 750 times

ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ስሪላንካ ብዛዕባ ዘሉ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ብ4 መጋቢት 2022 ፍሉይ ኣኼባ ከም ዘካየደ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዘስፈሮ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብዚ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራን ስሪላክናን ዝተዘተየሉ ፍሉይ ኣኼባ፡ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ተሳቲፎም።

መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ ናይ ቃል ጸብጻብ ኣቕሪቦም። ኣብዚ ጸብጻቦም ክኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ከምቲ ናይ ቀደሙ ብዘይለውጢ ይቕጽል ከምዘሎ ሓቢሮም። ከም ኣብነት ናይቲ ሕማቕ መግለጺ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ከኣ፡  ብኩራት ኣድማሳዊ ሲቪላውን ዲሞክራስያውን መሰላት ብዝኸፈአ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ ኢሎም። መንግስቲ ኤርትራ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምእካብ፡ ምምስራት ማሕበራትን እምነትን ከም ዘየፍቅድ ኣስፊሮም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ግዱድ ወታደራዊ ኣገልግሎት ከም ዝቐጸለን ቀንዲ ጠንቂ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ኮይኑ ከም ዘሎ ንተሳተፍቲ  ኣኼባ ሓቢሮም።

መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር፡ ኣተሓሒዞም፡ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ንኤርትራ ብዝምልከት ዘቕረብዎ ናይ 2021 ጸብጻባት ኣወዳዲሮም ዝኾነ ኣውንታዊ ምዕባለ ከምዘየለ ብምሕባር፡ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ’ውን፡ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ፡ ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ፡ መንግስቲ ዝነቕፉ ጋዜጠኛታት፡ መራሕትን ሰዓብትን ሃይማኖትን  ተባሂሎም ብጃምላ ተኣሲሮም ንነዊሕ ግዜ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ኣይተፈትሑን ኢሎም። ንኣተሓሕዛ እቶም እሱራት ብዝምልከት ከኣ፡ ኣብ ርእስቲ ተነጽሎን ናብ ፍርዲ ዘይምቕራቦምን  ክሳብ ስቓይ ዝግለጽ ስልታዊ በደላት ኣብ ልዕሊኦም ከም ዝፍጸም ሓቢሮም። ኮሚሽነር መሓመድ ምስዚ ኣተሓሒዞም ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ግዳያት ንክፈትሖም ተጽዕኖኡ ከሕይል ጸዊዖም።

ኣብዚ ዘተ፡ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ልዕልና ፍትሒ ዘረጋግጽን በዂሮም ዘለዉ መሰረታዊ መሰላት ዘውሕስን ለውጢ ክግበር መሰረታዊ ምዃኑ ተጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ ናጻ ናይ ብዙሃን መዲያ ዘይምህላዉ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ሓበሬታ ንምርካብ ከም ዘጸግም እውን ተጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ እቲ ዝተሓተ ናይ መራኸቢ መንግዲ ተጠቒምካ ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ሓበሬታ ንምርካብ መስመር ኢንተርኔት ዘይፍቀድ ምኹኑ  ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ ከም ሓደ ካብ ጸገማት  ቀሪቡ።

ኮሚሽነር መሓመድ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ዘሎ ውግእ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ከም ዘጋደዶ እውን ኣይሓብኡን። ከም ኣብነት ግዱድ ወታደራዊ ኣገልግሎት ከይቋረጽ ካብ 1998 ጀሚሩ ከም ምኽንያት ካብ ዝቐርቡ ነጥብታት ምቕጻል ውግእ ምዃኑ ሓቢሮም። ናይዚ ዘይምቁራጽ ናይ ብዙሓት መንእሰያት ስደት ከም ዘኸተለ ድማ ኣብ ጸብጻቦም ኣስፊሮም። ኣብ ትግራይን ዓፋርን ተዓቚቦም ናይ ዝነበሩ ክሳብ 80 ሺሕ ዝግመቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኩነታት ኣዝዩ ኣሻቓሊ ከም ዘሎ  ከኣ ንተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ተሓቢሩ።

ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ከምቲ ልሙድ ገሃሲ ተግባራቱ ብምሕባእ፡ ዝያዳ ሓላይ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ ክቕርብ ከም ዝፈተነን ነቶም መሰል ብምግሃሱ ዝነቕፍዎ ኣካላት ከም ዝኸሰሰን ናይቲ ኣኼባ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።  

ኣብዚ ኣኼባ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ስሪላክና ብዝምልከት፡ ሚቻየል ባቸለት ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት  ዝቐረበ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ ምስ ናይ ኤርትራ ተመሳሳልነት ዘለዎ ኮይኑ፡ ናይ ምምሕያሽ ምልክታት ከም ዘለዉዎ ግና የመላኽት።

Last modified on Sunday, 06 March 2022 13:05