ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝከታተሉ ኮሚሽነራት መዚዙ

2022-03-03 18:03:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 759 times

ኣርጀንቲናዊ ፕረሲደንት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣንበሳደር ፈደሪኮ ቪለጋስ፡ ሰለስተ ጉዳይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል  ኢትዮጵያ ዝምርምሩ ኮሚሽነራት ምምዛዞም ብ2 መጋቢት 2022 ከም ዘፍለጡ ጉዳይ ኢትዮጵያ እትከታተል መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢራ። እቶም ዝተመዘዙ ኮሚሽነራት፡ ጋምቢያዊት ፋቴው ቤነሰውዳ፡ ኬንያዊት  ካሪ በቲ፡ ማሩንግን ኣሜሪካዊ ስተቨን ራትነርን እዮም። ወይዘሮ ቤነሰውዳ ከኣ ናይቲ ሰለስተ ዝኣባላቱ ኮሚሽን ኣደመንበር  እየን። እዘን ኣደመንበር ክኾና ዝተመዛ ወይዘሮ ኣብ ዳኝነትን ኣኽባሪ ሕግን ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦን ተመኩሮን ከም ዘለወን ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።

ፕረሲደንት ኣንበሳደር ፈደሪኮ ቪለጋስ   ነዞም ኮሚሽነራት ዝመዘዙ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ኢትዮጵያ ዝከታተሉ ኮሚሽነራት ንክመዙ ብ17 ታሕሳስ 2021 ኣብ ዝተኻየዶ ጉባአኡ  ብዝሃቦም  ሓላፍነት እዩ። ብውሳነ ናይቲ ባይቶ መሰረት ናይዚ ኮሚሽን ሓላፍነት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 4 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ብኹሎም ናይቲ ውግእ ተሳተፍቲ ኣካላት   ዝተፈጸመ ግህሰታትን ጥሕሰት ዓለም ለኻዊ  ሕግታትን  ዘይምኽባር ንስደተኛታት ዝምልከት ኣህጉራዊ ውሳነታት ኣብ ኢትዮጵያን  ብዘይኣድልዎን ሻራነትን መርሚርካ ምጽራይ እዩ።

እዚ ሰለስተ ዝኣባላቱ ኮሚሽን ኣብ ስርሑ፡ ጭብጥታ ክረክብን መዝጊቡ ክሕዝን፡ ኩነታት ናይቲ ጥሕሰታትን ዓመጻትን ዝተፈጸመሉ ከባቢ ከጽንዕን፡ ከምኡ እውን ናይቲ ተግባር ተሓተቲ ከለልን ኣተሃላልወኦም ክፈልጥን፡ ካብዚ ሓሊፉ ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ብቐሊሉ ዝርከበሉን ዝሓለፈን መጻእን ተሓታትነት ኣብ ግምት ዘእተወ ጌይሩ ንክሕዝ  ሓላፍነት ተዋሂብዎ።

ምስቲ ምቛምዚ ኮሚሽን ዘፍቀደ ውሳነ፡ እቲ 47 ዝኣባላቱ ባይቶ እዚ ሓድሽ ኮሚሽን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ዝተገብረ መርመራ ኣብ ግምት ከእትዎን ንመግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ተሓታትነት፡ ዳግመ-ርኢቶ ምግባርን ነቲ ኩነታት ኣብ ምሕዋይን ዘኽእሎ ተክኒኣዊ ለበዋታት ብምቕራብ ንክተሓጋገዝ ከም ዕማም ሂብዎ።

እዚ ኮሚሽን ብምሉእ ዓቕሙ ክሰርሕን ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሓምለ 2022 ዝካየድ መበል 50 ጉባአ  ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ናይ ቃል መግለጺ ከቕርብ፡ ኣብ መስከረም ወይ ጥቅምቲ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ዝግበር  መበል 51 ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ከኣ  ብደረጃ ጽሑፍ ጸብጻቡ ከቕርብ ከም ዕማም ተዋሂብዎ።

Last modified on Thursday, 03 March 2022 19:26