ኤርትራ 5ይ ርእሳ፡ ኣንጻር 141 ሃገራት ኣድሚጻ

2022-03-02 21:59:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 875 times

(ስእሊ ካብ መርበብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት)

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ2 መጋቢት 2022 ብጉዳይ ዩክረይን ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶን ካብ ዓለም ነጺልዋ ንዘሎ ገበን ብምኹናን ብቕልጡፍ ካብ ዩክረይን ንክትወጽእ ዝጽውዕ ውሳነ ብዝለዓለ ድምጺ ኣሕሊፉ።.

ኣብዚ ኣኼባ ካብ ዝተሳተፋ 193 ሃገራት፡ 141 ነቲ ንድፊ ደጊፈን 35 ሃገራት ተዓቅቦ ከመዝግባ  እነከለዋ ኤርትራ እትረከበን 5 ሃገራት ከኣ ንተግባራት ሩሲያ ደጊፈን ኣድሚጸን። እዘን ምስ ኤርትራ ንተግባራት ሩሲያ ደጊፈን ኣንጻር ብዙሓት ዘድመጻ ሃገራት፡   ቤላሩስ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሱርያን ንባዕላ ሩስያን እየ።

እቲ ውሳነ ነቲ ሩሲያ ፈደረሽን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ ብኣዝዩ ሓያል ቃላት እዩ ኮኒኑ። ኣስዒቡ  ከኣ ሩሲያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝወሰደቶ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ከተቋርጽን ብህጹጽ፡ ብምሉእን ብዘይቀድመ ኩነትን ኩሉ ወታደራዊ ሓይላ ተውጽእ ይብል። እዚ ውሳነ ሕጋውን  ቀያድን’ኳ እንተዘይኮነ፡  ርኢቶ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ሩሲያን መሓዙታን ኣብየናይ ደረጃ ከም ዘሎ  ዘመልክት እዩ።

ሩሲያ በዚ ውሳነዚኳ ጉዕዞኣ እንተዘይተዓገተ፡  ንዩክረይን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ንኹሎ ኣብ ጐነን ዝተሰለፉን ኣካላት ኣገዳሲ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ምዃኑ፡ ሪቻርድ ጎዋን ዝተባህሉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት  ዲረክተር ጉዳይ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ገሊጾም። 

ኣንበሳር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፈልድ ብወገነን ቅድሚ ምድማጽ ኣብ ዘስመዐኦ  ቃል ንተግባራት ሩሲያ ምስ ሳዕቤን ተግባራት ናዚ ኣብ ኤውሮጳ ኣወዳዲረን ገሊጸንኦ። እተን ኣንበሳድር ኣተሓሒዘን፡  ብዕድመ ዝደፍኡ ደቂ ሩሲያን ዩክረይንን ኣብ ኤውሮጳ፡ ሓደ ዲክታቶር ብዘይዝኾነ ይኹን ምኽንያት ካልእ ኤውሮጳዊ ጐረቤት ሃገሩ ኣጥቂዑ ግዝኣቱ ከዕቢ ክፍትን እንከሎ ዘኸትሎ ሳዕቤን  ናብ ሓደገኛ ውግእ ዘምርሕ ምዃኑ ንድሕሪ ተመሊሶም ከምስተብህሉ ይግባእ ኢለን።

ናይ ዩክረይን ቀማዊ ኣንበሳደር ሕቡራት ሃገራት ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ሃገራት እቲ ወራር ጉዳየይ ኣይኮነን ኢለን ድምጸን ከይዕቅባ ጸዊዖም። ኣተሓሒዞም ከኣ ድምጽኻ ምሕባእ ጌጋ እዩ፡  ምኽንያቱ እዚ ጀሚሩ ዘሎ ወራር ኣባና ዘየብቅዕ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ኣንጻሩ ንምዕዋት ቀጻሊ ቃልሲ ምክያድ የድሊ ምስ በሉ፡ እንተደኣ ስቕ ኢልና ርኢናዮ ግና መመሊሱ ክቕጽል እዩ ኢሎም። ነቲ ውሳነ ብዝምልከት ከኣ እዚ ሓደ ካብቲ ሩሲያ ናብ ዩክረይን ከይትቕጽል መዕገቲ መንገድታት እዩ ብዝብል ገሊጸምዎ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ብ27 ለካቲት 2022 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ካብቶም 15 ኣባላት 11 ንወራር ሩሲያ ዝተቓወሙ፡ ሩሲያ ንበይና ዝደገፈትሉ ቻይና፡ ሕቡራት ዓረብ ኢሚረይትን ህንድን ከኣ ተዓቅቦ ዘመዝገባሉ ውሳነ ከም ዘመሓላለፈ ዝዝከር እዩ።

ብዙሓት ተዓዘብቲ ከም ዝሰማምዕሉ፡ እተን ኣብዚ ሓፈሻዊ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ንሩሲያ ደጊፈን ዝተቓወማ ኤርትራ እትርከበን 5 ሃገራት፡ ቀንዲ መንቀሊአን ሩሲያ ንምሕጋዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ሃገራተን ዝምረሓሉ ጨቛኒ ምምሕዳር ንምሕላው እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ዝተሓዝ መርገጽ ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ምምሕዳር ስለ ዝኾነ።

Last modified on Wednesday, 02 March 2022 23:26