ሱዳን ናይ ሩሲያ ስጉምቲ ከተውግዝ ብሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ትሮይካን ተሓቲታ

2022-03-01 10:23:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 741 times

ሱዳን ንወራር ሩሲያ ከተወግዝን ንግዝኣታዊ ሓድነት ዩኩሬን  ክትድግፍን ብሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ትሮካን ከምዝተሓተተትሱዳን ትሪቡን ካብ ካርቱም ሓቢራ። (ትሮይካ፡ ኣብ ሃገራት ግሪኽ፡ ሳይፐርስ፡ ኣየርላንድ፡ ፖርቱጋልን ስፐይንን ከም ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዓይነቱ መጸውዒ ናይ ሓባር ቃል እዩ)

እዚ መጸዋዕታ ናብ ሱዳን ዝቐረበ፡ ናይ ሱዳን ግዝያዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ብ27 ለካቲት 2022 ካብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ትሮይካ፡ ካናዳን ስዊዘርላንድ ኣጋይሽ ኣብ ዝተቐበልሉ፡ ብዛዕባ ዘይቅቡል መጥቃዕቲ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ  ዩኩረይን ዝምልከት በቶም ኣጋይሽ መግለጺ ምስተዋህቦም፡ መርገጽ ሃገሮም ከነጽሩ ኣብ ዝተሓተትሉ እዩ።

ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሱዳን፡ ሮበርትቫንደንዱል፡ ኣብቲ ናይ ካርቱም ርክብ ሱዳን ብግልጺ ኣንጻር ሩሲያ ንጹር ናይ ውግዘት ቃላ ከተስምዕ ሓቲቶም። ኣተሓሒዞም ድማ ብፍላይ ናይ ሱዳን መርገጺ ኣብ ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕብራት ሃገራት ክንፈልጥ ንደሊ ኢና ከምዝበሉ እቲ ዜና ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ካርቱም ዝተገብረ ኣኼባ ነቲ ናይ ሱዳን ምክትል ወታደራዊ ኣዛዚ ኣብዚ ቀረባ  መዓልታት ናብ ሩሲያ ዝገበርዎ ዑደት ተኸቲሉ እዩ። እቶም ሱዳናዊ ምክትል ወታደራዊ ኣዛዚ ጀነራል መሓመድ ሓመቲ ዳጋሎ ናብ ሩሲያ ምጋሾም ጥራይ ዘይኮነ፡ ፕረሲደንት ፑቲን ነተን ኣካል ዩኩሬን ዝኾና ክልተ ኣውራጃታት  ከም ናጻ ኣካላት ምስፈረሙለን፡ ደጊፎም እዮም። እንተኾነ ግዝያዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ነቲ ናይ መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ደገፍ ምሃብ ነጺጎም፡ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ሱዳን ዝተዋህበ’ዩ ኢሎም ኣሪመሞ እዮም።

እቶም ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ዝያዳ ሓሳቦም  ንምትራር መራሕቲ ሱዳን ንግዝኣታዊ ሓድነት ዩክረይን ዳግማይ ኣፍልጦ ክህቡን ፕረሲደንት ፑቲን ንዶንባስን ሉጋንስክን ብዝምልከት ዝሃብዎ ናይ ናጻነት ኣፍልጦን ክቃወሙን ኣገንዚቦም። ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ልኡኻት ሱዳን ኣካልቲ ሩሲያ ብቅልጡፍ ተካይዶ ዘላ ወራር ኣቋሪጻ ካብ ዩክረይን ክትወጽእ ዝጽውዕ ዘሎ  ሕብረተ-ሰብዓለም ክትከውን ጸዊዖም።

ከምዚ ዝረአ ዘሎ ኩነታት እንተተሪሩ፡ እሞ “መርገጽካ ኣፍልጥ” እንተቀጺሉ፡ ካብቲ ናብቲ  እናበላካ ብምዕራባውያን ሓገዝ ንምርካብ  መርገጻተን ክቐያይራ ንዝጸንሓ ሃገራት ዘጸግመን እዩ ዝመስል።

 

Last modified on Tuesday, 01 March 2022 11:49