ሱዳን ኣብ ዩጋንዳ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ኢጋድ ኣይሳተፍን ኢላ

2022-02-28 09:36:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 739 times

(ከፊል ካብ መራሕቲ ኢጋድ)

ሱዳን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2022 ኣብ ዩጋንዳ ክካየደ ኣብ ዝተጸወዐ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ከምዘይትሳተፍ ከም ዘፍለጠት ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ትሪቡን (SUDAN TRIBUNE) ኣፍሊጣ። ሱዳን ናብዚ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ሱዳን ዝዝቲ ኣኼባ ኣይሳተፍን ዝበለትሉ ምኽንያት እቲ ኣኼባ ብናይቲ ትካል ዋና ጸሓፊ ዝተጸወዐ ምዃኑ እቲ ኣገልግሎት ዜና ገሊጹ።

ነዚ  ኣኼባ ብዝምልከት ብሱዳን  ኣብ ዝወጸ መግለጺ፡  ናይ ሱዳን ግዝያዊ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዓሊ ኣል ሳዲቕ ምስ ወኪል ኢጋድ ኣብ ሱዳን በላይል ተራኺቦም፡ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ናይ ኢጋድ ኣቦመንበርነት ናይ ሱዳን ምዃኑን ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገርን ገሊጸምሉ። ኣተሓሒዞም ከኣ ሱዳን ኣብቲ ኣኼባ ምስታፍ ዝነጸገትሉ ምኽንያት እቲ ኣኼባ ናይ መራሕቲ ሃገራት ክነሱ፡ ብዋና ጸሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ ስለ ዝተጸወዐ ምዃኑ ኣብሪሀምሉ።

እቶም ሱዳናዊ ግዝያዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣተሓሒዞም “እዚ ናይ ኣኼባ ዕድመ ንሱዳን ዘገድሳ ኣይኮነን”  ምኽንያቱ ድማ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ብዘይ ናይ ሱዳን ዓዳምነት  ክጋባእ ኣይክእልን እዩ ኢሎም። ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ኢትዮጵያዊ ወርነህ ገበየሁ፡ ቅድሚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2022 ናብ ሱዳን ምጋሾም፡ ናብ ኡጋንዳ ከይዶም እቲ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልያን ዘሎ ዘይምርግጋእ ዝዝቲ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዩጋንዳ ዝካየደሉ ኩነታት ንምፍጣር ምስ ፕረሲዳነት ዩወሪ መሱቪኒ ተዘራሪቦም እዮም። እዚ ዞባዊ ትካል ኢጋድ፡ ምስ ክፍሊ ጸጥታን ፖለቲካን ሕብረት ኣፍሪቃ እናተወኻኸሰ ብዛዕባ ዘጋጥሙ ጸገማት ሰላማውን ፖለቲካውን ፍተሓት ዘናዲ እዩ። ናይዚ ኣብ መንጎ ኢጋድን ሱዳንን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ቀንዲ ምኽንያት ኢጋድ ንሱዳን ድሕሪቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ሱዳን ኣባልነታ ምንጥልጣሉ እዩ። እዚ ከኣ ወታደራዊ መራሕቲ ሱዳን ናይ ሃገሮም ኣቦመንበርነት ኢጋድ ምንጥልጣሉ ከም ዘሕረቖም ዘመልክት እዩ።

እቶም ሱዳናዊ ላዕለዋይ ሓላፊ፡ ንልኡኽ ኢጋድ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሱዳን ናይ ኢጋድ ኣኼባ ኣብ ቀረባ ግዜ ንምጽዋዕ ኣብ ናይ ምምኽኻር መስርሕ ከም ዝጸንሐት ጠቒሰምሉ። መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ጐኒንጐኒ እቲ  ብ6 ለካቲት 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 35 ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንሱዳን ዝምልከት ጸብጻብ ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ምስ ሰምዑ እዮም ኣብ ወርሒ መጋቢት 2022 ኣኼባ ከካይዱ ተሰማሚዖም።

ኢጋድ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣስታት 5.2 ሚልዮን ትርዒት ኪሎሜትር ስፍሓት መሬት ዝሽፍን ዞባዊ ትካል ኮይኑ፡ ኣባል ሃገራቱ ከኣ፡ ጅቡቲ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማሊያ፡ ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን እየን። ከባቢ 291.5 ሚልዮን ህዝቢ ከም ዘለዎ ከኣ ይግመት

Last modified on Monday, 28 February 2022 10:53