የማነ ገ/መስቀልን ኤምባሲ ኣሜሪካን ተሰሓሒቦም

2022-02-26 18:12:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 770 times

ሚኒስተር ዜና ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብዚ ቀረባ መዓልታ ኣብ ትዊተር ገጹ ንዘውጸኦ ሓጺር ጽሑፍ ተኸቲሉ፡ ኤምባሲ ኣሜሪክ ኣብ ኤርትራ ንዓኡ ዘቃልዕ መልእኽቲ ብመንገዲ ትዊተር ዘርጊሑ። የማነ ኣብቲ ዘውጸኦ ጽሑፍ፡  “ገለ ሓይልታት፡ ንሉኣላውነት፡ ኣህጉራዊ ሕግን ግዝኣታዊ ሓድነትን ናይ ሃገራት ዝጻረር፡ ጸጥታአን ምኽባር ዘኽእል ኣዕኑድ ንምጥሓስ ይሰርሓ ኣለዋ” እዩ ኢሉ። ጠመተኡ ከኣ ነቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሓለፍትን ትካላትን ህግደፍን ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዝን ዝወሰነቶ እገዳ ንምቅዋም እዩ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ብወገኑ ኣበሃህላ ኣቶ የማነ ገ/መስቀል ንምቅላዕ ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፍ፡  ኣቐዲሙ ናይ የማነ ሓበሬታ ግጉይ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ድማ መንግስቲ ኣሚሪካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍን ወታደራዊ ኣዛዝን እገዳ ዝወሰነ፡ህግደፍ ብግጉይ ሓበሬታ ተመሪሑ ኣብ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ኢድ ኣእትዩ ነቲ ኩነታት ናብ ሕማቕ ኣቕጣጫ ስለ ዝወሰዶ እዩ ኢሉ። ነቲ ኣብቲ ውግእ ብወገን ሰራዊት ኤርትራ፡ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለት ህጻናት፡ ምዕጻው መሰረታዊ ሰብኣዊ ቀረባት፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣገዲድካ ምምላስ ከም ጠንቂ ናይቲ እገዳ ዘርዚሩ። እዚገበናት ናይ ኢትዮጵያ ኣኽባር  ሕግን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን፡ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ብዙሓት ትካላትን መዝጊበንኦ ዘለዋ ምዃኑ ድማ ገሊጽዎ።

ኣብ ርእሲዚ መንግስቲ ኣሜሪካ ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍን ንቐጻልን ካብ ኢትዮጵያ ይውጻእ ከምዝበለ ናይቲ ኤምባሲ መልሲ ነቲ ግጉይ መልእኽቲ የማነ ገብረመስቀል ጠቒሱ። ናይ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ምቕጻልን ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋዲዱ፡በመንገዲ ብዘተ መፍትሒ ንከይመጽእ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ጠቒሱ።

Last modified on Saturday, 26 February 2022 19:35