ኣብ ሃምቦርግ፡ ጓል 25 ዓመት ኤርትራዊት ብካራ ተወጊኣ ሞይታ

2022-02-24 21:55:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 749 times

ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ሃምቦርግ፡ብ20 ለካቲት 2022 ብርኽቲ ዝተባህለት 25 ዓመት ዝዕድሚኣ ኣደ ሓደ ቆልዓ ኤርትራዊት ብካራ ተወጊ ከምዝሞተ ፖሊስ ናይታ ከተማ ከምዝሓበረ፡ ቢልድ Bild ዝተባህለትጋዜጣ ጀርመን ኣብ ናይ 23 ለካቲት 2022 ሕታማ ሓቢራ። ናይታ መዋቲት ጐረቤት ናይ ደም ምልክት ርእያ ሓበሬታ ምስሃበት ኣባላት ፖሊስ መጺኦም ነቲ ኩነታት ከምዝተኸታተልዎ እቲ ዜና ገሊጹ።
እዛ ብኻራ ዝተወግአት ዋላኳ ህይወታ ንምድሓን ናብ ሕክምና እንተተወስደት፡ መውጋእታ ከቢድ ስለ ዝነበረ ግና ኣብ ሆስፒታል ከምዝዓረፈት ተፈሊጡ። ፖሊስ ከተማ ሃምቦርግ  ንበዓል ቤት እታ መዋቲት ከም ቀዳማይ  ጥርጡር ብምሓዝ ንኣመዋውተኣ ብዝምልከት የጻሪ ከምዘሎ ከኣ እቲ ዜና ሓቢሩ። ፖሊስ ነቲ ጠንቂ “ግዝያዊ ዘይምርድዳድ ዘሶዓቦ” ካብ ምባል ሓሊፉ ተወሳኺ ዝርዝር ዛጊት ኣይሃበን።
መርማሪ ፖሊስ ፍሉይ ገበናት ቅትለት፡ ነቲ ጉዳይ ክከታተሎ ጀሚሩ ከም ዘሎ ዝጠቐሰ ፖሊስ ሃምቦርግ ድሕሪ ምጽራይ ጉዳይ ናይቲ ወዲ 35 ዓመት ጥርጡር ኤርትራዊ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቦ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።
ከምዚ ኣደ ሞይታ፡ ዝተጠርጠረ በዓል ቤታ ዝተኣስረሉን ውላዶም ዝዝኽተመሉን፡ ዝኣመሰለ ተደጋጊሙ ተግባራት ኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት  ሰብ ሓዳር ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ኣብ ባህሊ ኤርትራ ልሙድ ኣይነበረን። ህዝቢ ኤርትራ ብሕግን ስርዓትን ምምእዛዝ እምበር፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዓመጽ፡ ጭካነን ኢደ ወነናዊ ቅትለትን ኣይፍለጥን እዩ። ስለዚ እቲ ጸገም ናይቶም ውሱናት ግዳያት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይሕብረተሰብና ሕማቕ መለለዪ ይኸውን ስለዘሎ፡ ብሓፈሻ ኩሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ከኣ ናይ ሰባት ኣእምሮ ናይ ምርግጋእ ትምህርትን ተመኩሮን ዘለዎም ክኢላታት ተገዲሶም ክሰርሕሉ ዝግባእ እዩ። ኤርትራውያን  ብሓፈሻ፡ መንእሰያት ድማ ብፍላይ፡ ቕትለት ተወሳኺ ገበን የስዕብ  ምበር ፍታሕ ከምዘይኮነ ተገንዚብና፡ ብመጀመርታ ንነብስናን ስድራናን ሃዲእና ክንሓስብ የድልየና።

Last modified on Thursday, 24 February 2022 23:29