ኤምባሲ ኣሜሪካ ንዝኽሪ ግዳያት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ

2022-03-08 19:33:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 841 times

ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፈይስቡኩ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ፡ ንተበዓት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ክብርን ምድግጋፍን ዕዙዝ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ኤምባሲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሓሳበን ስለ ዝገለጻ ጥራይ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ይሓቃ ከም ዘለዋ ሓቢሩ። ብመንግስቲ ኤርትራ “ዘይሕጋዊ” ናይ ዝበሃል ሃይማኖት ሰብዓብቲ ተባሂለ  ከምኡ ድማ 15 ዓመት ዝዕድሚኣ መንእሰይ ኣቡኣ ብዓል መዚ መንግስቲ ስለ  ዝነበረ ዝተኣስረት እትርከበን፡ ግዳይ ማእሰርቲ ብዘይፍርዲ ይኾና ከምዘለዋ ኣብቲ ናይ ክብርን ምሕዝነትን መልእኽቱ ኣስፊሩ።  

እቲ መልእኽቲ ምሕዝነት ናይቲ ኤምባሲ ኣተሓሒዙ፡ እተን እሱራት ብዙሓት ብምዃነን ኩለን ምዝርዛር ከምዘይከኣል ብምጥቃስ፡ ካብተን ዝዘከረን ኣደታት፡ ኣሓትን መንእሰያትን ነተን ንግዳያት፡ ይውከላ እየን ንዝበለን ኣስማተን ረቚሑ ኣስፊሩ። በዚ መሰረት ኣስቴር ዮሃንስ፡ ኣስቴር ፍሰሃጼን፡ ሚርያም ሓጐስ፡ ሰናይት ደበሳይ፡ ፋይዛ ሰይድን ሲሃም ዓልን ኢሉ ጠቒሱ፡ “ኣይረሳዕናክንን ንመጻኢ እውን ኣይንርሰዓክንን ኢና”  ከኣ ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ንኹለን ኣብ ኣብያተ- ማእሰርቲ ዘለዋ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ንክፈትሐን ንምሕጸን ኢሉ። “ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ጐኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ትብል” ብዝብል ከኣ መልእኽቱ ዛዚሙ።

Last modified on Tuesday, 08 March 2022 20:49