ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ንቐርኒ ኣፍሪቃ  85 ሚልዮን ዶላር ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ለጊሳ

2022-03-10 20:53:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 835 times

ኣብ ትሕቲ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ደርቅን ማሕበራዊ ቅልውላውን ንምክትታል ዝሰርሑ ዘለዉ ተሓጋጋዚ ማርቲን ግሪፍትስ ብ10 መጋቢት 2022 መግለጺ ሂቦም። ንሶም ኣብቲ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ  ንኢትዮጵያ ወሲኽካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ማሕበራዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝሕግ 85 ሚሊዮ ዶላር ከም ዝለገሰት ሓቢሮም። እዚ ሓበሬታ ብመንግዲ  ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ኣህጉራዊ ምትሕብባር ኢማራት እዩ ተዘርጊሑ።

በቲ  ማርቲን ግሪፍትስ ዝሃብዎ መብርሂ መሰረት፡ እቲ ሓገዝ ብመንገዲ ዝተፈላለያ ናይ ረዲአት ትካላት እዩ ናብ ተጠቀምቲ ክቐርብ። እተን በቲ ዝተለገሰ ገንዘብ ኣቢለን ኣብ ምፍታሕ እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝሳተፋን ካብቲ ሓገዝ ዝካፈላን፡ ፡  ትካል መግቢ ዓለም፡ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ጉዳይ ህጻናት ሕቡራት ሃገራትን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ከም ዝኾና እቲ መብርሂ ጠቒሱ። እዚ ዝተዘርዘረ ሓበሬታ ካብቲ ንሰብኣዊ ጉዳያትን ምውህሃድ ህጹጽ ሓገዝን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ እዩ።

ኣብቲ ሓገዝ  ዝተለገሰሉ ኣጋጣሚ፡ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሃገሮም ኣብ ምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም እትግደስ ገሊጾም። እቶም ሚኒስተር ኣተሓሒዞም ኣብቲ ዞባ ዘጋጠመ ምቅይያር ኩነታት ኣየር ነቲ ሰብኣዊ ጸገም ከም ዘጋድዶ ጠቒሶም። ቀጺሎም ከኣ ንልግሶ ዘለና ሓገዝ ናይ ሰብኣዊ ረዲአት ትካላት ብዝግባእ ተዓጢቐን ኣብቲ ህጹጽ ረዲአት ዘድልዮ ዞባ ንከድምዓ እዩ ክብሉ ገሊጾም።

እዚ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ፡ ነቲ ብናይታ ሃገር ዝካየድ ስረሓት ቀይሕ ወርሕን ከሊፋ ፋውደሽንን ዝያዳ ዘሕይል እዩ። እዘን ናይ ኢማራት ትካላት ክሳብ ናይ ኣየርን መርከብን መጐዓዝያ ኣገልግሎት ዝህባ እየን።

Last modified on Thursday, 10 March 2022 21:57