ኣምበሳደር ሰመረ ርእሶም ካብ ኢትዮጵያ ተሰናቢቱ

2022-03-11 12:58:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 841 times

ኣብ ዝሓለፈ 4ተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣንበሳድር ኤርትራ ኮይኑ ዝጸንሐ ሰመረ ርእሶም ብ10 መጋቢት 2022 ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰናበተ ፋና ዝተባህለት መንግስታዊ ተለቪዥን ኢትዮጵያ ሓቢራ። ናይ ኢትዮጵያ ፕረሲደንት ወይዘሮ ሳህለ ወርቅ ዘውደ ኣብቲ ምፍናው ሰመረ ንምሕያል ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሰርሕ ስለ ዝጸንሐ ኣመስጊነንኦ። ብዛዕባ ንሰመረ ርእሶም ዝትከኦ ሰብ ምምዛዝን ዘይምምዛዝን እቲ ዜና ዝበሎ የለን።ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብወገኑ ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ኢትዮጵያውያን ደገፍቲ ብልጽግና ኣብ ዘሰናድእዎ ሰላማዊ ሰልፍታት ይሳተፉ ስለ ዘለዉ ምስግናኡ ኣቕሪቡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኢትዮ-ፎረም ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ሚድያ፡ ቀንዲ ስራሕ ኣንበሳደር ሰመረ ኣብ ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ህግደፍ ዝቃወሙ ኤርትራውያን ምእሳርን ምስዋርን ከም ዝነበረ ኣቃሊዑ። ኢትዮ-ፎረም ኣተሓሒዙ ክም ዝገለጾ፡  ኢትዮጵያ ድሕሪ ኣቶ ሬርድዋን ሑሴን ናብ ሃገሮም ምስተመልሱ ኣብ ኤርትራ ኣንበሳደር የብላን።ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዚ እዋንዚ ካብቲ ኣብ 2018 ክሕደስ እንከሎ ዝነበሮ ደረጃ የንቆልቁል ከም ዘሎ ናይ ብዙሓት ትዕዝብቲ እዩ።

ሰመረ ርእሶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ኣብ ናይ 2019 ኣከባብራ በዓል ጥምቀት ኣብ ከተማ ጎንደር ተዓዲሙ፡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝቐረበ ምርኢት ካርኒቫል ንኤርትራ ከም ኣካል ኢትዮጵያ ዘገልጽ ኣዝዩ ዓብይ ካርታ ኢትዮጵያ ርእዩ ብዘይምቅዋሙ ኣዛራቢ ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Friday, 11 March 2022 14:03