ሰልፊ ብልጽግና 1ይ ጉባአኡ ጀሚሩ፡ ድምጺ ህግደፍ ግና ኣይተሰምዐን

2022-03-11 19:22:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 808 times

ኣብ ኢትዮጵያ መስራቲ ጉባአ ከየካየደ ተመሪጹ ክመርሕ ዝጸንሐ ሰልፊ ልጽግና፡ ንሰለስተ መዓልታት ዝቕጽል ቀዳማይ ጉባአኡ  ብ11 መጋቢት 2022 ጀሚሩ። ኣብዚ ጉባአ 1600 ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎም ዝርከብዎም 2000 ሰባት ይሳተፉ ከም ዘለዉ ናይቲ ጉባአ ኣሰናዳኢ ኣካል ሓቢሩ። ኣብዚ ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈ መኽፈቲ፡ ቃል ዘስምዑ ናይቲ ሰልፊ  ፕረሲደንት ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ሰልፎም ናብዚ ጉባአ ንምብጻሕ ዝሓለፎ ጉዕዞን ኣብ መጻኢ ናይ ሰልፎ ናይ ስራሕ ቋንቋታት ካብ ሓደ ንላዕሊ ከም ዝኸውንን ኣመላኺቶም። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ከኣ “ብልጽግና ካብ ማይ ምስ ዝወጽእ ዝመውት ዓሳ ዘይኮነ፡ ከም ኣባ ጓብየ ኣብ ማይ ሕጻን ዝነብር እዩ” ኢሎም። ኣባላት እዚ ሰልፊ ልዕሊ 11 ሚልዮን ስለ ዝኾኑ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ እዩ እውን ኢሎም። ኣብ መጻኢ ምስቶም ተፈኻኸርቲ ዝብልዎም ተቓወምቲ ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ድማ ቃል ኣትዮም። ንህልዊ ቅልውላውን ናይ ምብትታን ሓደጋን ኢትዮጵያ ዝምልከት ግና ዋላ ሓንቲ ኣይበሉን።

ኣብዚ ጉባአ ዝተሳተፉ ዕዱማት ኣብ ሃሃገሮም ይመርሑ ናይ ዘለዉ ሰልፍታት ተወከልቲ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቱርኪ፡  ዩጋንዳ፡  ጅቡትን ደቡብ ሱዳንን ናይ ምሕዝነት ቃል ኣስሚዖም። ተወካሊ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ናይ ኢትዮጵያን ከባቢኣን ፍሉጣት ባእታታት ክሰምዩ እንከለወ፡ ስም  ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ምጥቃሶምን ክውድኡ እንከለዉ “ዓወት ንሓፋሽ” ምባሎምን ቆላሕታ ዝሰሓበ ነይሩ። እዞም ቃል ምሕዝነት ዘቕረቡ ተወከልቲ ብዘይካ ንዶ/ር ኣብይን ብልጽግናን ምውዳስ ብቐጥታ ንህልዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ ዝምልከት ዝበልዎ ኣይነበረን። ብኩራት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ህግደፍ ኣብቲ ናይ ምሕዝነት መልእኽታት ከኣ ነብሱ ዝኸኣለ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ብልጽግና ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ናይ ተሳተፍቲ ጉባአ ኮንፈረንስ ንመጻኢ ዝምረሓሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ስለ ዘጽደቐ፡ እዚ ሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ጉባአ ስነስርዓታዊ ጥራይ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ገሊጾም። በቲ ዘጽደቖ ሰነዳት መሰረት ብልጽግና ኣብ መጻኢ ኣብ ህንጸት ሃገረ-መንግስቲ፡ ቁጠባዊ ዕቤትን ጸጥታዊ ምርግጋእን ከተኩር እዩ። ኣም በጻኢ ናይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋታት፡ ኣምሓርኛ፡ ኦሮሞኛ፡ ዓፋር፡ ትግርኛን ሶማለኛን ክኾኑ እዮም ዝብል ትጽቢት ክህሉ እንከሎ፡ ኣዲስ ኣበባ ከኣ “ኣዲስ ኣበባ-ፊኒፊነ” ተባሂላ ክትስየም ትጽቢት ኣሎ። ብዙሓት ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝጸንሑ ሓለፍቲ ከም ዝወርዱ ድማ ምልክታት ኣሎ።

ብዙሓት ኢትዮጵያውያን እዚ ጉባአ ንኢትዮጵያ ካብዚ ዘላቶ ቅልውላው ዘውጽኣ ለውጢ ከምዘየምጽእ ብማሕበራዊ መዲያ ርኢቶኦም የገልጹ ኣለዉ።

Last modified on Friday, 11 March 2022 20:38