
ኤርትራ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ዘስዕብ ወተሃደራዊ ምትእትታው ደው ከተብሎ ኣመሪካ ከም ዝጸወዐት መርበብ ቢቢሲ/BBC ብ4 ጉንበት 2022 ብዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ብ4 ጉንበት 2022 ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ “ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ይዝርግሕ ኣሎ” ክብል ብትሪ ነቒፉ።
እቲ ኤምባሲ የማነ ገብረመስቀል፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነታ ብስም ዘይጠቐሳ ዳይረክተር ትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ ዩኤስኤኣይድ/USAID ብዛዕባ ኤርትራ ስኑዕ ሓበሬታ ትዝርግሕ ኣላ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ ግብረ-መልሲ ክህብ ከም ዝተገደደ እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኸበ ዜና ሓቢሩ።
እቲ ዜና፡ የማነ ገብብረመስቀል ብ29 ማዝያ 2022 “ዳይረክተር ዩኤሰአይድ ክትገልጾ ዝኸብድ ግጉይ ሓበሬታ ናይ ምዝርጋሕ ክእለት ኣለዋ” ከም ዝበለ ጠቒሱ፡ ከም ምንጪ ተጠቒማትሉ ዝበሎ ከኣ “ሁማኒታርያን” ዝበሃል መርበብ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ብተወሳኺ፡ "ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ይዝርግሕ ኣሎ" ዝብል ግብረመልሲ ብምሃብ፡ "ሓይልታት ኤርትራ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለት ቆልዑን ዝርከቦ ኣሰቃቒ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ፡ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ሰኒዶሞ እዮም" ክብል ብትሪ ወቒሱ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ሓይልታቱ ካብ ትግራይ ከውጽእን፡ ነቶም ግፍዕታት ዝፈጸሙ ብሓላፍነት ክሓቶምን ኤምባሲ ኣመሪካ ክጽውዕ እንከሎ፡ ኤርትራ ብወገና ነቲ ሓይልታታ ኣብ ትግራይ ፈጺሞም ዝብሃል ግፍዕታትን ግህሰት መሰላትን ክትነጽጎ ምጽንሓ ይፍለጥ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ጠቕሊሎም ክወጹ ምዃኖ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገሊጾም ምንባሮም ዜና ቢቢሲ ኣዘኻኺሩ።
ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ብዓውታ ኣንጻር ግጉይ መግለጺታት ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝህቦ ዘሎ ግብረ-መልሲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቓልቦ ብዙሓት ኤርትራውያን ይረክብ ምህላዉ ዝዝከር እዩ።
ኤምባሲ ኣሜሪካ፡ ኤርትራ ሕጊ ፕረስ ከተኽብርን እሱራት ክትፈትሕን ተማሕጺኑ
Tuesday, 03 May 2022 22:16 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ኤርትራ ሕግታት መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ከተኽብርን ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ዝኣሰረቶም ክትፈትሕን፡ ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ገጹ ተማሕጺኑ። እቲ ኤምባሲ ን3 ጉንበት ዓለም ለኸ መዓልቲ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝዘርገሖ ስምዕታ፡ ንሓያሎ ካብቶም ሓሳቦም ብምግላጾም ጥራይ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ ይሓቁ ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብኣስማት ዘርዚሩ።
እቶም “ኣይንርሰዓኩምን ኢና” ብዝብል ነዚ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር ብኣስማቶም ዝጠቐሶም፡ ዳዊት ይስሃቅ፡ ስዩም ጸሃየ፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ማቴዎስ ሃብተ፡ ፍሰሃየ ዮሃንስ፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ተመስገን ገብረእየሱስ፡ ስዒድ ዓብደልቃድር፡ ዩሱፍ ማሕሙድ ዓሊን መድሃኔ ሃይለን እዮም።
እቲ ኤምባሲ ከም ዝገለጾ እዚ ዕለት ብደረጃ ዓለም ዝዝከረሉ ምኽንያት፡ መንግስታት ኣድላይነቱ ተረዲኦም ንትግባረ ናይ ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍትን ምሁራትን መሰልን ናጽነትን ሓሳባ ምግላጽ ንከኽብሩ ንምዝኽኻሮም ምዃኑ ጠቒሱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ኣስማቶም ዝተጠቕሱን ካለኦት ብቅሉዕ ሓሳቦም ስለ ዝገለጹ ጥራይ ዝተኣስሩን ግዳያት ንክፈትሖምን ኣንጻር ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ኣንቢርዎ ዘሎ እገዳ ከልዕሎን ተማሕጺኑ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣፍሪቃ፡ ኣብ ናይ 2007 ውሳነኡ ከም ዘመልከቶ፡ ኤርትራ ናይ ኣፍሪቃ ቻርተር ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ከም እትጥሕስ ኣመልኪቱ ከም ዝነበረ እዚ ናይቲ ኤምባሲ መልእኽቲ ኣዘኻኺሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ኩሉ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር ፕረስ ዝገብሮ እገዳታትን ዘካይዶ ማእሰርትን ምስ ተልእኮን መንፈስ እቲ ቻርተር ሰብኣዊ መሰል ከም ዝጻረር ኣስፊሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ናይ ሎሚ ዕለት 03 ጉንበት 2022 ንናይ ፕረስ ነጻነት ዝምልከት ዝወጸ ዓመታዊ ኣህጉራዊ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ድማ፡ ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ነጻ ፕረስ ኣብ መበል 179 ካላኣይቲ ብድሕሪት ተመይጊባ ምህላዋ ተረጋጊጹ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ኢራንን ሰሜን ኮርያን ምህላዋ ዘመልክት ጸብጻብ እዩ። እተን ብናይ ፕረስ ነጻነት ሕጋጋት ምሕላው ቅድሚት ዝስራዓ ሰለስተ ሃገራት ድማ ፊንላንድ፡ ኖርወይን ሽወደንን ከምዝኾና ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ልዑል ብቅዓት ብምርኣይ ታሪኽ ዝሰርሐ፡ ምስ ቤልጅማዊት ክለብ ኢንተርማርች-ዎንትይ ጎቦርት ዝወዳደር፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ፡ ምስታ ዝጸንሓ ክለብ ክሳብ 2026 ዘጽንሖ ውዕል ከም ዝፈረመ፡ ንወግዓዊ መርበብ እታ ክለብ ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ሓቢራ።
በልጅማዊት ክለብ ኢንተርማርች-ዋግ፡ ኣብቲ ዘውጸኣቶ ዜና “ቢንያም ግርማይ ኣብ ገዝኡ ዘጽነሖ ስምምዕ ፈሪሙ” ብዝብል ሓጐሳ ከም ዝገለጸት እቲ ዜና ብተወሳኺ ገሊጹ።
ኣብ ቻምፕዮን ዓለም ናይ መጀመርታ ዓወት ንኤርትራ ዘውሃባ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ታሪኽ ውድድራት ክላሲክ ነዚ ዓወት ከመዝግብ ዝበቐዐ ናይ መጀመርያ ተቐዳዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ውድድራት ዘካይዱ ዘለዉ ክኢላታት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ዝነኣድ ዓወታት የመዝግቡ ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ሱዳን ከባብያዊ ውግእ ክሳብ ከተማ ጀነይና ከም ዝተዘርሐ ተሓቢሩ
Thursday, 28 April 2022 11:46 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ሱዳን ግዝኣት ምዕራብ ዳርፎር ከም ብሓድሽ ብዝተፈጥረ ዓሌታዊ ጐንጺ፡ ብ25 ሚያዝያ 2022 ክሳብ ናይታ ግዝኣት ዋና ከተማ ጀነይና ከም ዝለሓመን ኣብቲ ግጨት ናይ ቀደም ዕጡቓትን ኣባላት ህጹጽ ሓይሊ ሱዳንን ከም ዝተሳተፉ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። እዚ ኣብ መንጎ ዓሌታት ዓረብን ማሳሊትን ካብ ዋና ከተማ ናይታ ግዝኣት 80 ኪሎ ሜተራት ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከረነይክ ከም ዝቐጸለ እውን ተፈሊጡ።
ናይ ሱዳን ሓካይም ናጻ ኣካል ማእከላይ ኮሚተ ብ25 ማዝያ 2022 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ግጭት ኣብ ጀነይና ከም ዝተኻየደ ኣረጋጊጹ፡ ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ክኢላታት ሕክምና ንህይወቶም ክብሉ ከም ዝሃደሙ ሓቢሩ። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብ ጀነይና ነታ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣባላት ህጽጹ ሓይልን ብካሚስ ኣብካር ዝምርሑ ኣባላት ቃልኪዳን ሓይልታት ሱዳን ከም ዝተሳተፉ ኣረጋጊጹ። ካሚስ ኣብካር ኣብ ልዕሊ ወታሃደራዊ ኣዛዝነቱ፡ ናይታ ግዝኣት ኣመሓዳሪ ኮይኑ ካብ ዓሌት ማሳሊት እዩ።
ሙሳ ሙስጠፋ ዝተባህለ ኣባል ቃልኪዳን ሓይልታት ሱዳን፡ ህጹጽ ሓይሊ ሱዳን ዓሌት ምኽንያት ብምግባር ሲቪል ከም ዝቐተለ ከሲሱ። ሙሳ መስጡፋ ኣተሓሒዙ እቲ ደባይ ሓይሊ፡ ኤሊያስ ሙስጡፋ ንዝተባህለ ናይ ዓሌቱ ወተሓደራዊ ኣዛዚ ዝነበረ ከም ዝቐተልዎ ሓቢሩ። ኣብ ዋና ከተማ እታ ግዝኣት ብዝተኻየደ ውግእ ስድራቤታት ካብታ ከተማ ክለቁ ከም ዝተገደዱ ተሓቢሩ። ሓደ ነባሪ ኣል-ጀበል፡ ኣብቲ ቦታኡ ብሰንኪ ብዕጡቓት ሚሊሻ ዝተኻየደ ደብዳብ፡ 2ተ ሰባት ሞይቶም 4ተ ከም ዝቖሰሉን ሓያሎ ኣባይቲ ከም ዝዓነወን ምስክርነቱ ሂቡ።
ፈጻሚ ዳይረቶር ከባቢ ከረነይክ ናስር ኣልዛይድ ንሱዳን ቱሪብን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብመሰረት መባእታዊ ዝርዝር ኣብዚ ሓድሽ ጐንጺ 150 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣት ንምቁጽጻር ብዙሓት ወተሃደራት ተዋፊሮም ኣለዉ።
ናይቲ ከባቢ መራሕቲ እቲ ስጉምቲ ዝወሰደ ዕጡቓት ሓይልታት ካብ ካልኦት ግዝኣታት፡ ምናልባት እውን ካብ ከም ቻድ ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት ዝመጹ ከም ዝርከብዎ ኣቃሊዖም።
ሰላሳ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ፡ ብገበን ነይሩ እንተዝኸውን፡ ብፍርዲ እንተዝኸውን፡ መሰላት እሱራት ብዝተኸብረሉ መንገዲ እንተዝኸውን ግዲ ኣይምበለን። እቲ ዘደንጹን ዘሕዝንን ግን እዚ ኢዩ በደልኩም ከይተባህሉ ብዘይ ክሲን ፍርድን፡ ዝበጽሖምን ዝርእዮምን ናይ ቀረባ ይኹን ርሑቕ ቤተ-ሰብ ዘይብሎም ጩራ ብርሃን ኣብ ዘይብሉ ጸልማት ን30 ዓመታት ክነብሩ እንከለው ኣዚዩ መሪርን ኣቐንዛውን ኢዩ። እዚ፡ ኣብዚ ዘመንዚ ብዘይካ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ዘጋጠመ ተግባር ኣይኮነን።
ብዘይካ ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ ካልእ ናይ ልምዓት ህንጻታት፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ይኹን ኣብያተ-ሕክምና ኣብ ዘይህነጻ ኤርትራ ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ተኣሲሮም ዘለዉ፡ ብዝኸፍአ ድማ፡ ብህሉው ስርዓት ሂወቶም ዝጠፍኡ ቁጽሮም ዝፍለጥ ኣይኮነን። ኣብ ትሕቲ ምልኪ ኣብ እትነብር ዘላ ኤርትራ ዜጋኣ ዘይተሰዋኣላ፡ ዘይትኣሰረላ፡ ዘይተቐተለላን ዘይተሰጐላን ሓራ መዓልቲ የለን። ዕለታት ኣብ ኤርትራ ኩለን ከም መዓልቲ እሱራት፡ መዓልቲ ስዉኣትን መዓልቲ ጭቁናትን ተባሂለን ንዝኽሪታቶም እንተዝቕመጣ እኹላት ኣይምኾናን። ሎሚ መበል ሰላሳ ዓመት ማእሰርቲ ናይ ክልተ ብጾት ተቓለስቲ ንዝክር ኣሎና። ንብጾትና ከኣ ብኣድናቖትን ብኣኽብሮትን ኢና ንዝክሮም።
ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ብ26 ሚያዝያ 1992፡ ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት ሓደ ዓመት ኣብዘይመልአ ግዜ ማለት ኢዩ፡ ሃገር በቲ ዝተረኽበ ዓወት ናጽነት ገና ኣብ ሓጎስን ፈንጠዝያን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እዮም ተጋደልቲ ወልደማርያም ባህልቢን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ምስ ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር ካብ ሱዳን፡ ከሰላ ተኣሲሮም ዝተወስዱ። ክልቲኦም፡ ነባራት ተጋደልቲ ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ኢዮም። እቲ ናይ ኩሉ ሃሚ፡ ቀልብን ተስፋን ዝነበረ ከመይ ጌርካ ነዛ ብነዊሕን ክቡርን መስዋእቲ ናጻ ዝወጸት ሓዳስ ሃገር ኢደይ ኢደይ ኢልካ ትሃንጻ ኢዩ ነይሩ። ከመይ ገይሩ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኹ ከም ናጻ ህዝቢ ዝኣትዎ ዘሎ ታሪኻዊ ምዕራፍ፡ ወሳኒ ኣብ ጉዳዩ ኮይኑ ዝኸደሉ መንገዲ እንዳተሓስበ ኢዩ ነይሩ። ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝቃለስ ዝነበረ፡ መሪሑ ናጽነት ዘምጽአ ውድብ፡ ካብ ጸላኢ ዝማረኾም ከይተረፈ ዝምሕር ዝገበረ ውድብ ኩሉ ህዝቢ ናብኡ ተስፋታቱ ኣንቢርሉ ዝነበረ ውድብ፡ ኣብ ናጽነት ሃገሮም ግደኦም ዘበርከቱ ኣብ ምህናጻ እጃሞም ከበርከቱ ንዝኽእሉን ኤርትራውያን ምእሳር ዕብዳን ጥራይ ኢዩ ነይሩ ክበሃል ዝከኣል።
እቲ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ኣደንጻዊ ዝገብሮን ነቲ ጠላምን ከሓድን ኣሰራርሓ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ዘቃልዖን ታሪኽ ዘለዎ ምዃኑ ኢዩ። ኣብ መንጎ መሪሕነታት ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ንዓመታት ዝጸንሐ ናይ ምዝርራብ ዝምድና ነይሩ። መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ነቲ ዝምድና ብናቱ ኩነት ክዛዝሞኳ ዝደሊ እንተነበረ፡ ንውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ብዝነበሮ ተቐባልነትን ኣጽቂጡ ክሰግሮ ዘይከኣል ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ኣብ እንካን ሃባን ንምብጻሕ ብዝተፈላለየ ጽፍሒታት ውድብ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ልኡኻት ህዝባዊ ግንባር ጽዑቕ ርኽክባት ይካየድ ነይሩ። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ብወድዕነት ምምዛን ከም መእተዊ ናይቲ ዝስዕብ መድረኻት ስለዝነበረ ክልቲኦም ሸነኻት ኣብኡ ኣተኲሮም ይዝትዩ ነይሮም። ብ30 ሰነ1991 ብኣቦ መንበር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝተዳለወት መዘክር ናብ ዋና ጽሓፊ ህዝባዊ ግንባር ኤርትራ (መራሒ ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ) ብኢድ ወኪሎም ኣብ ከሰላ ንክትበጽሕ ተዋሂባ።
እቲ ዝተኻየደ ዘተታት ሓልዮትን ሓላፍነትን ዝመልኦ ናብ ዝሓሸ መንገዲ ንምብጻሕ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ስልጣን ንምክፋል ጠለብ ኣይነበሮን። ናይ ግዚያዊ መንግስቲ ዕማማት ክሳብ መሰጋገሪ መንግስት ዝቐውም ብህዝባዊ ግንባር ክካየድ ሰውራዊ ባይቶ ድሉው ነይሩ። ውድባዊ ሃለዋቱ ከየፍረሰ ንግዚያዊ ኣመራርሓ ህዝባዊ ግንባር ተቐቢሉ ኣብ ህንጻ ሃገርን ምትካል ዲሞክራስያዊ ስርዓትን እጃሙ ከበርክት ቅሩብ ነይሩ። ሓድነት ሓይልታት ሰውራ ኤርትራ ካብ ቅድም ብዝለዓለ ተጠላቢ ምንባሩ፡ ብሓዲሽ መንፈስ ንምርግጋጹ ጻዕሪ ክካየድ ከምዝግብኦ ይርኢ ነይሩ። ብኣንጻሩ ህዝባዊ ግንባር ህላወ ካለኦት ውድባት ብምኽሓድ ብዉልቀ ደረጃ ዝገብርዎ መጸዋዕታ ቅቡል ኣይነበረን። ኣብቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ንኣብዝሓ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ከም መሳርሒ ንርጉእን ስልጡንን ሕብረተሰብ ምህናጽ’ምበር ከም ዕላማ ይውሰድ ኣይነበረን።
ብወከልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝቐርብ ዝነበረ፡ ኤርትራ ከም ዝተዓወተት፡ እቲ ሽዑ ዝነበረ ስራሕ ምህናጽ ሃገር ምዃኑ፡ ህዝባዊ ግንባር ናይ ቃልሲ ባይታ ስለዝኾነ ኣብ ውሽጡ ምእታው ከምዘድሊ፡ ናይ ውድባት ጉዳይ ምስቲ ክትከል ዝምረጽ ፖለቲካዊ ስርዓት ዝተኣሳሰር ከም ዝኾነ ይገልጹ ነይሮም።
እቲ ኣብ ከሰላ ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ፡ ኣብ ኣስመራ ንክቕጽል ስምምዕ ተበጺሑ። ብወገን ተሓኤ ሰ.ባይት፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ሰውራዊ ባይቶ ኣሕመድ ናስር ዝመርሖ ዝለዓለ ናይ ዘተ ልኡኽ ቆይሙ። ካብ ካርቱም መገሽኡ ናብ ኣስመራ ኣብ ዘምርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ካርቱም ብዝነበረ ወኪሎም እቲ መገሻ ከምዝተሰረዘ ተሓቢሩ። እቲ ምኽንያት ናይቲ መሰረዚ ግን ኣይተገልጸን። ብወገን ሰውራዊ ባይቶ እዚ ምውሳእ ናይዚ ክልተ ኣካላት ምድልላይን ኣወንታዊ ዝምድናን ዘመልክት ኢዩ ዝብል ግምት ነይሩ። ናይ ተጋደልቲ ወልደማርያምን ተኽለብርሃን (ወዲ ባሻይ)ን ተራ ኣብዚ መዳይዚ ዕዙዝ ነይሩ። መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ነዚ እንኮ መድሕን ፖለቲካዊ መስርሕ ኤርትራ ዝነበረ ጽምዶ፡ ምስ ካልኦት ሓይልታት ውን ክገብሮ ዝነበሮ ጠሊምዎ ኢዩ። ነዚ ኣሳታፊ መርገጽ ነጺጉ ከኣ ናብ ጨዋዪ፡ ኣሳርን ረሻንን መርገጻት ተሰጋጊሩ።
መዓስ ኢዩ ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ካብ መዛቲይቲ ናብ ኣስጋኢ ተቖጺሩስ፡ ንምቕንጻሉን ንምድምሳሱን ዝወሰነ? ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ቂምን ቅርሕንትን ዘይነብር፡ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተሻሪኹ ኣብ ልዕሊኡ ንዝፈጸሞ ሃገራዊ ገበን ንታሪኽ ገዲፉ ኣብ ምትሕግጋዝ ዝኣተወ ኢዩ። ኣብ ፍሉይ እዋን ክጥቀመሉ ንዘይከኣለ ከብድቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣብ ጠቕሚ ሰውራ ንክውዕል ንመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኣረኪቡ። ኩሉ ግዜ ቀዳምነት ዝህቦ ህዝብን ሃገርን ስለ ዝነበረ፡ ህዝባዊ ግንባር ከምኡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝግደስ ነይሩ እንተዝኸውን ስግኣት ኣይምኾኖን። ትጽቢት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር፡ ሰውራዊ ባይቶ ወይ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዩ ክእሰር ወይ’ውን ኣብ ግዳም ኮይኑ ሓንቲ ዘይገብር፡ ለሚሱ ንክነብር ኢዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዘይካ ነቲ ዝተሰለፈሉ ህዝባዊ ዕላማን መትከላትን ጽኑዕ ኮይኑ ምቕጻል ካልእ ምርጫ ኣይነበሮን።
ስለዚ ሰውራዊ ባይቶ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝተንፍጎ ናይ ቃልሲ ባይታ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኮይኑ ክቕጽሎ መደብ ኣውጽአ። ክልተ ኣብ ሜዳ መሻርኽቲ ዝነበሩ፡ ተመሓዝዮም ንተሓኤ ዝሃረሙ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን መንግስታት ኮይኖም። ብኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣቢልካ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ዝመስል ኣይነበረን። እንተኾነ ግን ኢትዮጵያ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝዋስኡላ ሃገር ስለዝነበረት፡ በቲ ሓደ ሓይሊ እንተተዓጸኻ በቲ ካልእ ሓይሊ ክኽፈተልካ ስለዝኽእል መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ ንኹሉ ዕድላት ዳህሰሰ። ኣብቲ ድህሰሳ ግን ዋላ እቲ ናይ ህዝባዊ ግምባር መንገዲ ክኽተል ኢዩ ተባሂሉ ዝተፈርሐ ህዝባዊ ወያነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲና ክንንቀሳቐስ ከም እንኽእል ፈቐደ። እዚ እዋንዚ ቅድሚ ረፈረንደም ስለ ዝነበረ ኤርትራዊ ክነስኻ ኢትዮጵያዊ መሲልካ ምንቅስቓስ ዘጸግም ብዘይ ምንባሩ ኢዩ።
ገለ ኣባላት መሪሕነትን ላዕለዎት ካድራትን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ሚያዝያ 1992 ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣተዉ። እዚ ንመሪሕነት ህዝባዊ ግምባር መንጸሮር ዘትሕዝ ዜና ኮነ። ድሕሪ'ዚ ድማ፡ መራሕትን ካድራትን ናይዚ ውድብ ክጨውዩ፡ ክኣስሩን ክቕንጽሉን ከም መደብ ሓዙዎ። ቀለስትን ኣዋፈርትን ዝነበሩ ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ ተጋደልቲ ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን ኣብታ ወርሒ ብ26ሚያዝያ 1992 ኣብ ከሰላ ምስ ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር ካብ ገዛ ናይ ዘመዶም ጨወይዎም። ሽዑ ምስ ወሰድዎም ኣበይ ኣለዉ ዘይበሃሉ እነሆ ንሰላሳ ዓመታት ኩነታቶም ስዉር ኣሎ።
መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ናይ ምእሳርን ምቕንጻልን መደባቶም ብምቕጻል፡ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዝገበርዎ ሓያል ድፍኢት 26 ተቃለስቲ ብ28 ሚያዝያ 1994 ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐይዶም። እንተኾነ ግን፡ ውድብ ሰውራዊ ባይቶ ብዝገበሮ ሓያል ጻዕርን ተጽዕኖን ማእሰርቶም ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ስለዝተጋውሐን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓደኛ ስለዘይኮነን “ኣረኩብኒ” ዝብል ጠለብ መንግስቲ ኤርትራ ኣይተዓወተን። መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያን ኤውሮጳን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለዉ ፖለቲካዊ ዑቕባ ብምሃብ ከኣ ነናብ ሃገረን ወሲደንኦም። ዝተረፉውን ብሜላ ናብ ድሕነት ዝረኽብሉ ሃገራት ተሰዲዶም።
መሪሕነት ናይዚ ክሳብ 1994 ህግሓኤ ካብ 1994 ንደሓር ድማ ህግደፍ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘሎ ግንባር፡ ናይ ኣስማት ፍልልይ እንተዘይኮይኑ ናይ ተግባርን ባህሪን ፍልልይ የብሉን። ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላቶም ንዘዘውተሩ ብቐጻሊ ብውልቀ ይኹን ብእኩብ ኣሲሮም ኩነታቶም ኣብ ዘይፍለጥ ደርብዮሞም ሃለዋቶም የጥፍእዎም። መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ልዕሊቲ ዘርዚርናዮ ዘሎና እከይ ስራሓቶም፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1992 መሻይኽን መምሃራንን ዝርከብዎ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ታሕሳስ 1994 ብርክት ዝበሉ ንጹሃት ዜጋታት ካብ ከረንን ከባቢኡን ኣቑርደትን ጨውዮም ብምውሳድ ኣበይ ከምዘእተዉዎም ኣጥፊኦሞም ኢዮም።
ስም ውድቦም ናብ ህግደፍ ምስ ቀየሩ ድማ፡ ኣብ መስከረም 2001 ኣብ መንግስቲ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰብ ስልጣንን ጋዜጠኛታትን ብብዝሒ ኣሲሮም የሳቕይዎም ኣለዉ።
ነዚ ከም ኣብነታት ድኣ ንጠቕሶ ኣለና እምበር ብፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኦምን ሃይማኖታዊ እምነቶምን ንዓመታት ተኣሲሮም ዝማሰኑ ብዝሓት ኢዮም። ህዝቢ ኤርትር ንገዛእ ርእሱ እታ ዝነኣሰት ሰብኣዊ መሰሉ ከተኽብረሉ ዘይከኣለት ሃገሩ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኮይናቶ ኣላ።
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብ17 ሚያዝያ 2022 ምስ ኣባላት ዞባ ኣወስትራልያ ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዱ። ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ’ቲ ኣኼባ ካብ ዝተዛረበሎም ዛዕባታት ምዕባለታት ሰዲህኤን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን፡ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን፡ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ እናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምርግጋእ፥ ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ሓይልታት ዝፍጸሙ ዘለዉ ምትእትታዋትን ውድድራትን፥ ብሰንኪ ውግእ ዝሰዓበ ህልቂት፡ ስንክልና፡ ምፍንቓልን፡ ስደትን ቁጠባዊ ውድቀትን ዘስዓቦ ናህሪ መነባብሮ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓሌታዊ ጽልእታትን ኣብነታት ናይ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሶማልያን የመንን እናጠቐሰ ብሰፊሑ ኣብሪሁ።
ንጥፈታት ሰዲህኤ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ዋላ’ኳ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 እቲ ብኣካል ዝግበር ንጥፈታትን ርክባትን ተጐናዲቡ እንተጸንሐ እቲ ብዙም ወይ ሳይበር ዝካየድ ንጥፈታት ግን ቀጻሊ ምህላው ሓቢሩ። ብደረጃ ሰልፊ ኣኼባታት መሪሕነት ይኹን ዞባታትን ጨናፍርን፥ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ዜና ማዕከናት ዝግበሩ ቃለ-መሓትታትን ብዙሓት ምንባሮም ጠቒሱ። ብቤት ጽሕፈት ዜና “ባህግና” ብዝብል ስም ብዩ-ትዩብ ዝፍኖ መደባት ድማ ኣድማዒ ግደ ይጻወት ምህላዉ ኣብሪሁ። ዞባታት ሰዲህኤ ኣብ ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ጉባኤታተን ከምዘካየዳን፡ ኣብ መዳይ ወፈያታት ብኣባላትን ደገፍትን ሰልፊ ዝግበር ዘሎ ኣበርክቶ ዝንኣድ ምዃኑ ጠቒሱ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ ናይ’ቲ ሰራዊት ኤርትራ ዝተሓወሶ ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ መንጐ ክልል ዓፋርን ክልል ትግራይን ዝተኻየደ ውግኣት ከምዝዀኑ ጠቒሱ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተፈጸሙ ኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ ግህሰታት ብኣህጉራዊ ሰብኣዊ ማሕበራት ዝተረጋገጹን ዝተሰነዱን ኢዮም ኢሉ። ካብ ኢትዮጵያ ብሰራዊት ኤርትራ ተጨውዮም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ እውን ኣስፊሩ።
ሓው መንግስተኣብ፡ ሰዲህኤ ነቲ ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዝተባርዐ ኩናት፡ ቅድሚ ምጅማሩ ይኹን ድሒሪኡ ደጋጊሙ እቲ ጐንጺ ብልዝብ፤ ኩሉ ሸነኻት ዝሳተፈሉ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክግበረሉ፥ ናይ ተኹሲ ደው ምባል ስምምዕ ክግበር፥ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ህዝቢ ትግራይን ካልኦት በቲ ውግእ ዝተሃስዩ ኣካላትን ከምዝበጽሕ ምግባር፥ ሰራዊት ኤርትራ ካብ’ቲ ኣትይዎ ዘሎ ዘይምልከቶ ውግእ ክስሕብ፥ ዝተፈጸሙ ሰብኣዊ ግህሰታት ብናጻን ሻራ ዘይብሉን ኣካል ተመርሚሮም ፈጸምቱ ብሕጊ ተሓተቲ ክዀኑ ደጋጊሙ ክጽውዕ ምጽናሑ ካብ 2019 ዓ.ም ኣትሒዞም ክወጹ ዝጸንሑ ሰነዳቱ ከምዘረጋግጽዎ ኣስሚርሉ።
ኣብ ምብራቕ ሱዳን ብሰንኪ ኣብ መንጐ ቤኒ ዓምር ብሓደ ሸነኽ፡ ሃደንድዋን ኑባን ከኣ ብኻልእ ሸነኽ ዝተባርዐ ዓሌታዊ ጐንጽታት ብዙሕ ህልቂት፡ ምብራስ ናይ ንብረትን ምዕጻው ናይ ወደብ ፖርትሱዳንን ከምዘስዓበን ጌና ድማ መዕለቢ ዘይተገብረሉን ጐንጺ ምዃኑ ዘኪሩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ግዳይ ማእሰርትን ናህሪ መነባብሮን ይዀኑ ከምዘለዉ ኣብ’ቲ ቦታ ዝርከቡ እሙናት ምንጪታት ዘረጋገጽዎ ኢዩ ኢሉ።
ብዛዕባ ብፖለቲካዊ ሓይልታት (ፖሓኤ) ኤርትራ ኣመልኪቱ ንኽልተ ዓመታት ዝተኸደ ጉዕዞ ናይ ተዋሃሂድካ ምስራሕ ዝርዝር መብርሂ ሂቡ። ኣብዚ እዋንዚ ንሰፊሕ ጽላል ንምቛም ዘድሊ ንድፍታት ቻርተር፡ ህንጻ ሕግን መርሖ-ጐደናን (Road Map) ብናይ መጽናዕቲ ሽማግለ ተዳልዩ ምህላውን ሰፊሕ ጽላል ንምምስራት ዘድሊ ምድላዋት ይገብር ምህላዉን ገሊጹ። ኣብ መንጐ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ ውን ተስፋ ኣብ ዝህብ ደረጃ ከምዝርከብን ናይ ሓባር መረዳድኢ ሰነድ ኣብ ምውጻእ ከም ዝተበጸሐ ጠቒሱ።
ኣብ መደምደምታ ኣኼበኛታት ነቲ ዝተገብረሎም መብርሂ ብምምስጋን ሕቶታት፡ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም። ብፍሉይ ዝበለ ኣትኩሮ ካብ ዝሓተትዎን ዝተዛረብሉን ድማ። ኣብ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዘትኰረ መደባት ምዕዛዝ፥ ነዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣውሮጳ ዝርአ ዘሎ ናይ መንእሰያት ምቅትታል ደው ንምባል ዘድሊ ሞያዊ ምኽርታት፡ ብምሁራት ኤርትራውያን ይኹን ወጻእተኛታት ምድላው፥ ናይ ኤርትራውያን ማሕበረ-ኮማት ንምቛም ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምውሳእ፥ ዝብሉ ይርከብዎም።
ኣብ ዞባ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ኣባላትን ተደጋገፍትን ኣብ 2020 ብርክት ዝበለ ገንዘባዊ ደገፍ ንሰዲህኤ ከምዘበርከቱ ዝፍለጥ ኢዩ።
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ናብ ኤውሮጳ ኣቕኒዖም ተሳፊሮምዋ ዝነበሩ ጀልባ ስለ ዝጠሓለት ብውሕዱ 35 ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ብ16 ማዝያ 2022 ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት {International Organization for Migration (IOM)} እታ ስደተኛታት ተሳፊረሙዋ ዝነበሩ ጀልባ ኣብ ምዕራባዊ ሊቢያ ጥቓ ከተማ ሳብራታ ከም ዝጠሓለት እዩ ሓቢሩ። ከተማ ሳብራታ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብባሕሪ መዲተራንያን ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ሓደገኛ ጉዕዞ ንምጅማር ዝእከቡላ እያ።
እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ኣተሓሒዙ፡ ናይ ሽዱሽተ ስደተኛታት ኣስከሬን ኣብ ባሕሪ ክርከብ እንከሎ፡ ናይቶም 29 ኣሰር ግና ከምዘይተረኽበን ሞይቶም ዝብል ግምት ከምዘሎን ብተወሳኺ ሓቢሩ። እታ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ጀልባ ስለምንታይ ከም ዝጠሓለት ብኣጋኡ ዝተገልጸ ምኽንያት ከም ዘይነበረ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ።
ሬድዮ ኤረና ብወገና፡ ቁጽሪ ብማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝሃቅኑ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተዓጻጸፈ ይውስኽ ከም ዘሎ ኣፍሊጣ። እቲ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ፡ ብሓፈሻ ዓመተ 2022 ካብ እትኣቱ፡ ልዕሊ 4 ሽሕ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እንከለዉ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ክምለሱ እንከለዉ፡ ብውሑዱ 417 ሰባት ከኣ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ናይ ዝምልከቶም ትካላት ጸብጻብ ብምጥቃስ ኣመልኪታ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኣብኣ ካብ ዘለዉ ሓተትቲ ዑቕባ ኣሸሓት ማይላት ርሒቓ ናብ እትርከብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሩዋንዳ ከተሰጋግር መደብ ከም ዘውጸአት ኣሶሼት ፕረስ (ASSOCIATED PRESS) ብ14 ማዝያ 2022 ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜና ሓቢራ። እቲ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስግጋር መደብ ናብ ብሪታንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ምእታው ንምዕጋት ተባሂሉ ከም ዝተተለመ እቲ ዜና ብተወሳኺ ገሊጹ።
ናይ ብሪታንያ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ጉዳይ ስደተኛታት ዘገድሶም ጉጅለታትን ብወገኖም እቲ መደብ ምስግጋር፡ ዘይሰብኣዊ፡ ዘይተግባራውን ገንዘብ ዘባኽንን እዩ ብዝብል ኮኒነሞ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ነቲ ተግባር ሰብኣዊ ሻቕሎት ዘሕድር እዩ ኢልዎ። እቲ ወጺኡ ዘሎ መደብ፡ ናብ ብሪታንያ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብመካይን ወይ ብጃላቡ ተሓቢኦም ናብ ዝኣተዉ ዘተኩር ከም ዝኸውን እውን ተመልኪቱ።
ስድተኛታት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ብሪታንያ ንምእታው፡ ከም መንጠሪ ዝጥቀሙላ ሰሜናዊ ፈረንሳ ምዃና እቲ ዜና ጠቒሱ። በዚ መሰረት ብስንኪ ኮቪድ-19 ብ2020 ዕጽዋ ካብ ዝካየድ ንደሓር 8 ሺሕን 500 ዘይሕጋውያን ከም ዝኣተዉን ካንዚኣቶም እቶም 27 ዝሓለፈ ሕዳር 2021 ዝኣተዉ ምዃኖምን ተሓቢሩ።
ብ14 ማዝያ 2022 ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪታንያ ቦሪስ ጆንሶን ብዛዕባቲ መደብ መግለጺ እናሃቡ እንከለዉ፡ ህጻናት ዝርከብዎም፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተብዕትዮን ብጀላቡ ዶቨር ናብ ዝተባህለ ወደብ ከም ዝተወሰዱ ተፈሊጡ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጥቓ እቲ ወደብ ኣብ ዘሎ መዓርፎ ነፈርቲ ንወተሃደራትን ሰራሕተኛታት ሓለዋን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ “ናብ ብሪታንያ ብዘይሕጊ መንግዲ ዝኣተወ ናብ ሩዋንዳ ክሰጋገር እዩ”፡ ከም ዝበሉ እቲ ዜና ጠቒሱ።
መንግስቲ ሩዋንዳ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ከም መጀመሪ ን5 ዓመታት ከም ዝጸንሕ ገሊጹ፡ ብሪታንያ 120 ሚልዮን ፓውንድ ( 158 ሚልዮን ዶላር) ንሩዋንዳ ከም ዝኸፈለ ብምጥቃስ እዚ ገንዘብ ኣብ ምህናጽ ኣባይትን ነቶም ስደተኛታት ንምርግጋእን ከም ዝውዕል ተሓቢሩ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩዋንዳ ቪንሰት ቢሩታ ብወገኖም በቲ ስምምዕ መሰረት፡ ስደተኛታት ሕሉዋት፡ ዝተኽበብሩን መጻኢኦም ንክመሓይሹ ዝተባብዑን ምዃኑ ሓቢሮም። ስደተኛታት ድሌቶም እንተኮይኑ ብቀዋምነት ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዘፍቅድ ምዃኑ ድማ ብተወሳኺ ገሊጾም።
ኣብ ርእሲዚ ሩዋንዳ ደቂ ኮንጎ፡ ሊቢያን ፓኪስታንን ወሲኽካ ናይ 130 ሺሕ ስደተኛታት መዕቆቢት ኮይና ከም ዘላ እቶም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ጠቒሶም። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪታንያ፡ ነቲ እቲ መደብ “ሓልዮትን ተገዳስነት ዝጐደሎ እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ነጺገምዎ። ዘይሩዘይሩ ሕጋዊ ብደሆታት ከም ዘኸትል ግና ኣይከሓዱን።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ከም ዝሰገሩ ዝዝከር እዩ። ኣብዞም ካብ ብሪታንያ ናብ ሩዋንዳ ዝሰግሩ ዘለዉ ስደተኛታት ኤርትራውያን ብዛዕባ ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ግና ዝተጠቕሰ የለን።
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ፡ ዳቪድ ሳተርፊልድ ምክትሎም ፓይቶን ክኖፕፍ ኣኸቲሎም ብ13 ማዝያ 2022 ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝተጓዕዙ ናይታ ሃገር ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ሓቢሩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ መጺሐት ፎረይን ፖሊሲ (FOREIGN POLICY) እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ መዘቶም ከም ዝወርዱ ኣፍሊጣ።
እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ወከልቲ ሰብኣዊ ትካላትን ዲፕሎማትን ከም ዝራኸቡ እቲ ዜና ሓቢሩ። ዕላማ መገሸኦም ነቲ ኣሜሪካ ቅድሚ ሕጂ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት፡ ህውከት ጠጠው ንምባል፡ ቀጻሊ ዋሕዚ ሰብኣዊ ሓገዝ ንጽጉማት ንምቕራብ፡ ግሉጽ ምጽራይ ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ግህሰትን ጥሕሰትን ንምትግባርን እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ብዓብይኡ ብዘተ ንክፍታሕን ክትገብሮ ዝጸንሐት ጻዕሪ ምቕጻል ምዃኑ ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ መጺሐት ፎረይን ፖሊሲ (FOREIGN POLICY) ብዛዕባቲ ጉዳይ ብቐረባ ይፈልጡ ዝበለቶም ብምጥቃስ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትሕቲ ናይ 6 ኣዋርሕ ግዜ ብምግልጋልን ናይቲ ከባቢ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ዘይረገኣሉን ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ መዝነቶም ከም ዝወርዱ ሓቢራ። ናይዞም ልኡኽ ካብ መዝነት ምውራድ ኣብ ትጽቢት ከምዘይነበረን ምክትሎም ብግዝያውነት ከም ዝትክእዎምን ድማ ጠቒሳ።
ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ናይ ፍሉያት ልኡኻት ኣሜሪካ ብተደጋጋሚ ምቅይያር፡ ምምሕዳር ፕረሲደንት ባይደን ናይቲ ዞባ ጸገማት ንምፍታ ብዛዕባ ዘለዎ ቅሩብነት ሕቶ ዘልዕል ምዃኑ እቲ ዜና ኣመልኪቱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ናብ ኩሎም ተዋሳእቲ ወገናት ዝዓለመ ሕቶታት ክለዓል ከም ዝጸንሐን፡ ሱዳን ብወገና ኣብ ዝተመሳቐለ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ከም እትርከብ እቲ ዜና ኣስፊሩ።
ዜናዊ ጸብጻብ፡ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኣብ መርበብ “ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት” መብርሂ ሂቡ፡
Saturday, 09 April 2022 12:00 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ መርበብ ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት፡ ”ኣረኣእያ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን ኣንጸላልዩ ዘሎ ምዕባለታት” ብዝብል ኣርእስቲ መግለጺ ክህብ ብዝተገብረሉ ዕድመ መሰረት ብ8 ሚያዝያ 2022 ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ኣብ መብርሂኡ ሃለዋት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ መርገጻት ሰዲህኤ ኣብቲ ምዕባለታትን ግደ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ንዝብሉ ዛዕባታት ቆላሕታ ሂቡ።
ብጻይ ተስፋይ ኣብቲ ዝርዝር መግለጺኡ፡ ከም መበገሲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝበሃል ከባብን ኣብዚ ከባቢ ዝሕቆፋ ሃገራትን ኣላልዩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ክሳዳዊ ኣገዳስነት ናይዚ ከባቢ ዳህሲሱ በብግዜኡ ክረኣዩ ዝጸንሑ ምዕባለታትን ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ውሱናት ሃገራት ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ዘርዚሩ። ኤርትራ ኣብዚ ከባቢ እትርከብ ሃገር ብምዃና ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ናይ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ቆላሕታ ክትስሕብ ምጽነሓን ብሰንኩ ክወርዳ ዝጸንሐ ተጽዕኖታትን ገሊጹ።
ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዘሰክፍ ውግእ እሞ ኤርትራ እውን ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ምምሕዳር ህግደፍ ኣካሉ ብምህላዋ ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራን ህዝባን ሓደገኛ ምህላዉ ጠቒሱ። ኣብ ርእሲዚ እቲ ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ውግእ፡ ክሳብ ሕጂ ዘለዎ ደረጃን ኣውሪድዎ ዘሎ ማህሰይትን ገሊጹ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሱዳን ዝተጀመረ ለውጢ፡ ተነቢርሉ ዝነበረ ተስፋን ሎሚ ዘለዎ ደርጃ ኣብሪሁ። ጉዳይ የመን ዝሓልፎ ዘሎ ናይ ዕንወት ኩነታት እውን ጠቒሱ። እዘን ሃገራት ጐረባብትና ጥራይ ዘይኮና ኣብ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ምስ ዝነበረን ታሪኻዊ ግደ ጽልወአን ኣብ ኤርትራ ዕዙዝ ምዃኑ ኣስፊሑ ገሊጹ።
ሰዲህኤ ነዚ ሎሚ ናይ ብዙሓት ወገናት ኣሻቓሊ ኣጀንዳ ኩይኑ ዘሎ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ውግእ ምጅማሩን ድሕሪኡን ክከታተሎን መርገጻት ክወስደሉ ከም ዝጸንሐን ኣብሪሁ። በዚ መሰረት ሰዲህኤ ቅድሚ ውግእ ብሰላማዊ መንገድን ዘተን ክፍታሕ ተስፋ ከም ዝነበሮ፡ ውግእ ምስ ተጀመረ ከኣ ኣብ ርእሲቲ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝተወስደ ቅልጡፍ መርገጺ፡ ካብ 3ይ ጉባአኡ ጀሚሩ ናይ ዝተፈላለዩ ሰልፋዊ ጽፍሕታት ኣኼባታት ብምክያድ መርገጻት ክሕዘሉ ምጽንሑ ጠቒሱ መርገጻቱ ከኣ፡ ኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ዝኹንን፡ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ነዚ ኢድ ኣእታውነት ንምግታእ ተጽዕነኦም ከሕይሉ ዝጽውዕ፡ ውግእ ጠጠው ኢሉ ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ዝዕድም፡ ኩሎም ወገናት ኣብ ከባብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ንዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓለዋ ክገብርሎም ዘዘኻኽር፡……..ወዘተ ምንባሩ ዘርዚሩ። እዚ መርገጻት እዚ ክሳብ ሕጂ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝድግፍዎን ንምትግብራሩ ዝጽዕርሉን ዘለዉን ምዃኑ ከኣ ኣዘኻኺሩ። ብእምንቶ ሰዲህኤ ምስ ጐረባብቲ ኮነ ካለኦት ሃገራት ዝግበር ዝምድና ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዘውሕስ፡ ኢድ ምትእትታው ዘየፍቅድን ንናጻ ውሳነና ዘይጻባእን ክኸውን ከም ዝግበኦ ጠቒሱ።
ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብዚ ህልዊ ምዕባለ ኣድማዒ ጽልዋ ክህልዎም፡ ከረጋግጽዎ ካብ ዘለዎም ብሓባር ዘቃልስ ሰፊሕ ጽላል ምምስራት ከም ዘድልዮምን ናብኡ ንምብጻሕ ሰዲህኤ ከም ወትሩ ግደኡ ከበርክት ቅሩብ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ናብ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ንምብጻሕ ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ጻዕሪ ጠቒሱ ድማ ተስፋ ኣብ ዝህብ ደረጃ ምህላዉ ሓቢሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ኩሎም ወገናት ነዚ ንምዕዋት ዝሕተት ዋጋ ንክኸፍሉ ኣዘኻኺሩ።
ድሕሪዚ ኣዝዩ ሰፊሕ መብርሂ፡ ብተሳተፍቲ ካብ ዝቐረቡ ብዙሓት ሕቶታት፡ ብዛዕብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝበሃል ውግእ እንታይ ኣፍልጦ ኣለኩም፡ እቲ ውግእ እንተተኻይዱኸ ናበይ ገጹ ክምዕብል ይኽእል?፡ ኣብዚ እዋንዚ ንትግራይ ከም ኣካል ኢትዮጵያ ዲኹም ትርእይዋ?፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ብኣገዳስነት ምምስራት ጽላል ዝሰማምዑ ክነሶም፡ ስለምንታይ ኣብ ምትግባሩ ይድንጉዩ?፡ እቲ ዝምስረት ሰፊሕ ጽላል ነቲ ዘይተወደበ ግና ኣብ ቃልሲ ዘሎ ኤርትራዊ ኣካላት ብኸመይ ከመሓድሮ እዩ?፡ ዝብሉ ይርከብዎም። ብጻይ ተስፋይ ነዞም ሕቶታት ግዜ ወሲዱን ብተመኩሮታት ኣሰንዩን ሰፊሕ መልሲ ሂብሎም።
ኣብ መወዳእታ ብጻይ ተስፋይ ነቲ ኣኼባ ንዝወደቡ ኣካላትን በቲ መጸዋዕታ መሰረት ንዝተሳተፉን ሃናጻ ሓሳባት ንዘቕረቡን ምስጋናኡን ናእዳኡን ኣቕሪቡ። እቶም ዝዓደሙ ኣመሓደርቲ ናይታ መርበብ እውን ስለቲ መጸዋዕታኦም ኣኽቢሩ ምምቕላሉን መርገጽቲ ዝመርሖ ሰልፊ ብግቡእ ምቕራቡን ንኣቦመንበር ተስፋይ ኣመስጊነምዎ።