ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ምስ ዞባ ኣወስትራልያ ኣኼባ ኣካይዱ

2022-04-18 19:23:31 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 887 times

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብ17 ሚያዝያ 2022 ምስ ኣባላት ዞባ ኣወስትራልያ ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዱ። ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ’ቲ ኣኼባ ካብ ዝተዛረበሎም ዛዕባታት ምዕባለታት ሰዲህኤን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን፡  ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን፡ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ እናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምርግጋእ፥ ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ሓይልታት ዝፍጸሙ ዘለዉ ምትእትታዋትን ውድድራትን፥ ብሰንኪ ውግእ ዝሰዓበ ህልቂት፡ ስንክልና፡ ምፍንቓልን፡ ስደትን ቁጠባዊ ውድቀትን ዘስዓቦ ናህሪ መነባብሮ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓሌታዊ ጽልእታትን ኣብነታት ናይ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሶማልያን የመንን እናጠቐሰ ብሰፊሑ  ኣብሪሁ።

ንጥፈታት ሰዲህኤ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ዋላ’ኳ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 እቲ ብኣካል ዝግበር ንጥፈታትን ርክባትን ተጐናዲቡ እንተጸንሐ እቲ ብዙም ወይ ሳይበር ዝካየድ ንጥፈታት ግን ቀጻሊ ምህላው ሓቢሩ። ብደረጃ ሰልፊ ኣኼባታት መሪሕነት ይኹን ዞባታትን ጨናፍርን፥ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ዜና ማዕከናት ዝግበሩ ቃለ-መሓትታትን ብዙሓት ምንባሮም ጠቒሱ። ብቤት ጽሕፈት ዜና “ባህግና” ብዝብል ስም ብዩ-ትዩብ ዝፍኖ መደባት ድማ ኣድማዒ ግደ ይጻወት ምህላዉ ኣብሪሁ። ዞባታት ሰዲህኤ ኣብ ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ጉባኤታተን ከምዘካየዳን፡ ኣብ መዳይ ወፈያታት ብኣባላትን ደገፍትን ሰልፊ ዝግበር ዘሎ ኣበርክቶ ዝንኣድ ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ ናይ’ቲ ሰራዊት ኤርትራ ዝተሓወሶ ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ መንጐ ክልል ዓፋርን ክልል ትግራይን ዝተኻየደ ውግኣት ከምዝዀኑ ጠቒሱ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተፈጸሙ ኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ ግህሰታት ብኣህጉራዊ ሰብኣዊ ማሕበራት ዝተረጋገጹን ዝተሰነዱን ኢዮም ኢሉ። ካብ ኢትዮጵያ ብሰራዊት ኤርትራ ተጨውዮም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ እውን ኣስፊሩ።  

ሓው መንግስተኣብ፡ ሰዲህኤ ነቲ ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዝተባርዐ ኩናት፡ ቅድሚ ምጅማሩ ይኹን ድሒሪኡ ደጋጊሙ እቲ ጐንጺ ብልዝብ፤ ኩሉ ሸነኻት ዝሳተፈሉ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክግበረሉ፥ ናይ ተኹሲ ደው ምባል ስምምዕ ክግበር፥ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ህዝቢ ትግራይን ካልኦት በቲ ውግእ ዝተሃስዩ ኣካላትን ከምዝበጽሕ ምግባር፥ ሰራዊት ኤርትራ ካብ’ቲ ኣትይዎ ዘሎ ዘይምልከቶ ውግእ ክስሕብ፥ ዝተፈጸሙ ሰብኣዊ ግህሰታት ብናጻን ሻራ ዘይብሉን ኣካል ተመርሚሮም ፈጸምቱ ብሕጊ ተሓተቲ ክዀኑ ደጋጊሙ ክጽውዕ ምጽናሑ ካብ 2019 ዓ.ም ኣትሒዞም ክወጹ ዝጸንሑ ሰነዳቱ ከምዘረጋግጽዎ ኣስሚርሉ።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ብሰንኪ ኣብ መንጐ ቤኒ ዓምር ብሓደ ሸነኽ፡ ሃደንድዋን ኑባን ከኣ ብኻልእ ሸነኽ ዝተባርዐ ዓሌታዊ ጐንጽታት ብዙሕ ህልቂት፡ ምብራስ ናይ ንብረትን ምዕጻው ናይ ወደብ ፖርትሱዳንን ከምዘስዓበን ጌና ድማ መዕለቢ ዘይተገብረሉን ጐንጺ ምዃኑ ዘኪሩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ግዳይ ማእሰርትን ናህሪ መነባብሮን ይዀኑ ከምዘለዉ ኣብ’ቲ ቦታ ዝርከቡ እሙናት ምንጪታት ዘረጋገጽዎ ኢዩ ኢሉ።

ብዛዕባ ብፖለቲካዊ ሓይልታት (ፖሓኤ) ኤርትራ ኣመልኪቱ ንኽልተ ዓመታት ዝተኸደ ጉዕዞ ናይ ተዋሃሂድካ ምስራሕ ዝርዝር መብርሂ ሂቡ። ኣብዚ እዋንዚ ንሰፊሕ ጽላል ንምቛም ዘድሊ ንድፍታት ቻርተር፡ ህንጻ ሕግን መርሖ-ጐደናን (Road Map) ብናይ መጽናዕቲ ሽማግለ ተዳልዩ ምህላውን  ሰፊሕ ጽላል ንምምስራት ዘድሊ ምድላዋት ይገብር ምህላዉን ገሊጹ። ኣብ መንጐ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ ውን ተስፋ ኣብ ዝህብ ደረጃ ከምዝርከብን ናይ ሓባር መረዳድኢ ሰነድ ኣብ ምውጻእ ከም ዝተበጸሐ ጠቒሱ።

ኣብ መደምደምታ ኣኼበኛታት ነቲ ዝተገብረሎም መብርሂ ብምምስጋን ሕቶታት፡ ርእይቶታትን  ለበዋታትን ኣቕሪቦም።  ብፍሉይ ዝበለ ኣትኩሮ ካብ ዝሓተትዎን ዝተዛረብሉን ድማ። ኣብ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዘትኰረ መደባት ምዕዛዝ፥ ነዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣውሮጳ ዝርአ ዘሎ ናይ መንእሰያት ምቅትታል ደው ንምባል ዘድሊ ሞያዊ ምኽርታት፡ ብምሁራት ኤርትራውያን ይኹን ወጻእተኛታት ምድላው፥ ናይ ኤርትራውያን ማሕበረ-ኮማት ንምቛም ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምውሳእ፥ ዝብሉ ይርከብዎም።

ኣብ ዞባ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ኣባላትን ተደጋገፍትን ኣብ 2020 ብርክት ዝበለ ገንዘባዊ ደገፍ ንሰዲህኤ ከምዘበርከቱ ዝፍለጥ ኢዩ።

Last modified on Monday, 18 April 2022 21:36