ኤምባሲ ኣሜሪካ፡ ኤርትራ ሕጊ ፕረስ ከተኽብርን እሱራት ክትፈትሕን ተማሕጺኑ

2022-05-03 20:16:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 839 times

ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ኤርትራ ሕግታት መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ከተኽብርን ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ዝኣሰረቶም ክትፈትሕን፡ ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ገጹ ተማሕጺኑ። እቲ ኤምባሲ ን3 ጉንበት ዓለም ለኸ መዓልቲ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝዘርገሖ ስምዕታ፡ ንሓያሎ ካብቶም ሓሳቦም ብምግላጾም ጥራይ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ ይሓቁ ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብኣስማት ዘርዚሩ።

እቶም “ኣይንርሰዓኩምን ኢና” ብዝብል ነዚ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር  ብኣስማቶም ዝጠቐሶም፡ ዳዊት ይስሃቅ፡ ስዩም ጸሃየ፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ማቴዎስ ሃብተ፡ ፍሰሃየ ዮሃንስ፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ተመስገን ገብረእየሱስ፡ ስዒድ ዓብደልቃድር፡ ዩሱፍ ማሕሙድ ዓሊን መድሃኔ ሃይለን እዮም።

እቲ ኤምባሲ ከም ዝገለጾ እዚ ዕለት ብደረጃ ዓለም ዝዝከረሉ ምኽንያት፡ መንግስታት  ኣድላይነቱ ተረዲኦም ንትግባረ ናይ ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍትን ምሁራትን መሰልን ናጽነትን ሓሳባ ምግላጽ ንከኽብሩ ንምዝኽኻሮም ምዃኑ ጠቒሱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ኣስማቶም ዝተጠቕሱን ካለኦት ብቅሉዕ ሓሳቦም ስለ ዝገለጹ ጥራይ ዝተኣስሩን ግዳያት ንክፈትሖምን ኣንጻር ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ኣንቢርዎ ዘሎ እገዳ ከልዕሎን ተማሕጺኑ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣፍሪቃ፡ ኣብ ናይ 2007 ውሳነኡ ከም ዘመልከቶ፡ ኤርትራ ናይ ኣፍሪቃ ቻርተር ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ከም እትጥሕስ ኣመልኪቱ ከም ዝነበረ እዚ ናይቲ ኤምባሲ መልእኽቲ ኣዘኻኺሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ኩሉ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር ፕረስ ዝገብሮ እገዳታትን ዘካይዶ ማእሰርትን ምስ ተልእኮን መንፈስ እቲ ቻርተር ሰብኣዊ መሰል ከም ዝጻረር ኣስፊሩ። 

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ናይ ሎሚ ዕለት 03 ጉንበት 2022 ንናይ ፕረስ ነጻነት ዝምልከት ዝወጸ ዓመታዊ ኣህጉራዊ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ድማ፡ ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ነጻ ፕረስ ኣብ መበል 179 ካላኣይቲ ብድሕሪት ተመይጊባ ምህላዋ ተረጋጊጹ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ኢራንን ሰሜን ኮርያን ምህላዋ ዘመልክት ጸብጻብ እዩ። እተን ብናይ ፕረስ ነጻነት ሕጋጋት ምሕላው ቅድሚት ዝስራዓ ሰለስተ ሃገራት ድማ ፊንላንድ፡ ኖርይን ሽወደንን ከምዝኾና ተፈሊጡ ኣሎ።  

 

Last modified on Tuesday, 03 May 2022 22:43