ቢንያም ግርማይ ክሳብ 2026 ምስ ክለቡ ዘጽንሖ ውዑል ፈሪሙ
2022-05-01 20:02:18 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1271 timesኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ልዑል ብቅዓት ብምርኣይ ታሪኽ ዝሰርሐ፡ ምስ ቤልጅማዊት ክለብ ኢንተርማርች-ዎንትይ ጎቦርት ዝወዳደር፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ፡ ምስታ ዝጸንሓ ክለብ ክሳብ 2026 ዘጽንሖ ውዕል ከም ዝፈረመ፡ ንወግዓዊ መርበብ እታ ክለብ ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ሓቢራ።
በልጅማዊት ክለብ ኢንተርማርች-ዋግ፡ ኣብቲ ዘውጸኣቶ ዜና “ቢንያም ግርማይ ኣብ ገዝኡ ዘጽነሖ ስምምዕ ፈሪሙ” ብዝብል ሓጐሳ ከም ዝገለጸት እቲ ዜና ብተወሳኺ ገሊጹ።
ኣብ ቻምፕዮን ዓለም ናይ መጀመርታ ዓወት ንኤርትራ ዘውሃባ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ታሪኽ ውድድራት ክላሲክ ነዚ ዓወት ከመዝግብ ዝበቐዐ ናይ መጀመርያ ተቐዳዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ውድድራት ዘካይዱ ዘለዉ ክኢላታት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ዝነኣድ ዓወታት የመዝግቡ ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።