
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ሃገሮም ኣኼባ መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ናይ ምትእንጋድ መደብ ከም ዘለዋ ብ20 ሓምለ 2022 ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ምሕባሮም፡ ካብ ዋሽንግተን ተገሊጹ። ሩሲያ ብወገና ካለኣይ ርክብ መራሕቲ ሩስያን ኣፍሪቃን ንምስንዳእ ላዕልን ታሕትን ትብል ኣላ።
እቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝሳተፍሉ ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ኣብ መጻኢ ወርሒ ታሕሳስ 13-15፡ 2022 ዝካየድ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ካብ ጸገም ውሕስነት መግቢ ጀሚርካ፡ ክሳብ ምቅይያር ኩነታት ኣየር ንፍሪቃ ዝጋጥምዋ ዘለዉ ብደሆታት ከም ዝዝቲ ተሓቢሩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቀጻሊ ተገዳስነት ዘርኢ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ቀጻሊ ዝምድናን ምትሕብባርን ክሊቲኡ ኣህጉራት ዘመልክት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ ዝህልዉ ሓባራዊ ቀዳምነታት ምትሕግጋዝ ንምልላይ ዘኽእል ምዃኑ ጠቒሶም።
ብኻልእ ወገን ድማ ሩሲያ ነቲ ኣብ ወርሓት ሕዳር ወይ ታሕሳስ 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ካለኣይ ርክብ መራሕቲ ሩሲያን ኣፍሪቃን ንምድላው ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ምስ መገሻ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሩሲያ ሰርገይ ላቭሮቭ ናብ ኣፍሪቃ ተተሓሒዙ ተሓቢሩ። ላቭሮቭ ኣብዚ ሃገሮም ምስ ምዕራባዊ ዓለም ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ዩክረይ ዝፈጸምቶ ወራር ኣብ ሕማቕ ዝምድና ዘለወትሉ እዋን፡ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ዘለዉ ርክብ ሃገሮም ኣብቲ ፍታሕ ንኣፍሪቃ ብኣፍሪቃ ዝብል መትከል ከም እትኣምንን ሰፊሕ መደብ ቁጠባዊ ወፍሪ ከም ዘለዋን ይገልጹ ኣለዉ። ቀዳማይ ርክብ መራሕቲ ሩሲያን ኣፍሪቃን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 እዩ ተኻይዱ። ላቭሮቭ ኣብዚ ጉዕዘኦም ኣብ ግብጺ ምስ መራሕቲ ዓረብ ሊግ እውን ተራኺቦም እዮም።
እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋንዚ ምስቲ ዝረአ ዘሎ ናይ ዓለምና ውዑይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ሓድሽ ኣሰላልፋ ሓያላት ኣካላትን ብሓፈሻ ናብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ቆላሕታ ዘርእይሉ ዘለዉ እዩ። ብዙሓት ናይ ቁጠባን ፖለቲካን ቀጸለውቲ ኣካላት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉያት ልኡኻት ይመዙ ምህላዎምን ኣኼባታት ኣሜሪካን ሩስያን ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ።
ኤርትራ ኣብ ወራር ዩክረይን ብወግዒ ምስ ሩሲያ ዝወገነት እንኮ ሃገር ኣፍሪቃ ክንሳ፡ ኣብ ዝርዝር እተን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሩሲያ ዝበጽሕወን ዘለዉ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ኡጋንዳ ረፑብሊክ ኮንጎን ኣይተጠቕሰትን።
ብዓለምለኸ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተመዙ ኣባላት ኮሚሽን ክኢላታት ምርመራ ሰብኣዊ መሰል፡ 25 ሓምለ 2022 ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ እሙናት ምንጭታት ገሊጾም። እቶም ሰለስተ ኣባላት ናይቲ ኮሚሽን ክኢላታት፡ ኬንያዊት ካሪ በቲ ሙራኒ ኣደመንበር፡ ስሪላንካዊት ራድሂካ ኩማራስዎሚን ኣሜሪካዊ ስተቨን ራተርን ድማ ኣባላት እዮም። ናይዚ ኮሚሽን ክኢላታት ናብ ኢትዮጵያ ምምጻእ፡ ኣብታ ሃገር መስርሕ ምጽራይ ናይቲ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብኸመይ ከም ዝካየደ ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ንኣገባብ ኣብ ዝምልከት ንምዝርራብ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ነዚ ሰለስተ ዝኣባላቱ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያን ጥሕሰት ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ናይ ምምርማር ሓላፍነት ዘለዎ ኮሚሽን ክኢላታት ብ17 ታሕሳስ 2021 እዩ ኣቚምዎ። ብዘይካዚ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውግእ ትግራይ ንስደተኛታት ዝምልከቱ ዓለምለካዊ ሕግታት ብኹሎም ወገናት ብዛዕባ ምጥሓሶምን ዘይምጥሓሶምን ክምርምር እዩ።
እዚ ኮሚሽን ክኢላታት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይረአ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝምልከት፡ ብ30 ሰነ 2022 ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ናይ ቃል ጸብጻብ ኣቕሪቡ ነይሩ። ኣደመንበር ናይቲ ኮሚሽን ክኢላታት ኣብቲ ዘቕረብኦ ናይ ቃል ጸብጻብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኣዝዩ ሓደገኛ ምህላዉ ሓቢረን፡ ብፍላይ ናይ 18 ሰነ 2022 ፍጻመ ቅትለት ኣማኢት ሰቪላት ምዕራብ ወለጋ ንኣብነት ጠቒሰን። ኣተሓሒዘን ከኣ ኣብቲ ጸብጻበን ዓሌት መሰረት ጌርካ ዝቐርቡ መደረታትን ጐስጓሳትን ዘርኣውን ጾታውን ፍልልያት ፈጢሮም ናብ ዝገደደ ገበን ዝወስዱ ምዃኖም ኣጠንቂቐን። ናይ መግቢ፡ መድሃኒትን ካልእ ሰብኣዊ ቀረባትን ዕጽዋታት ድማ ቅልውላው ዘጋድዱ ምዃኖም ዘርዚረን።
ኣብ መወዳእታ እተን ኣደመንበር ናይቲ ኮሚሽን ስራሕ ምጅማር ጠቒሰን፡ ክሳብ ሕጂ ብሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበረሉ ዘሎ ምትሕብባር ኣውንታዊ ምዃኑ ሓቢረን። ኣብ መጀመርያ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምዛዝ እዚ ኮሚሽን ተቓዊሙ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። እዚ ኮሚሽን ክኢላታት 30 ሓምለ 2022 ብዛዕባ ጉዕዘኡ ናብ ኢትዮጵያ መግለጺ ከውጽእ ትጽቢት ኣሎ።
ሃገርና ኤርትራ ክሳብ ሎሚ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ንምምርማር ብሕቡራት ሃገራት ንዝተመዙ ኣካላት ዕጽውቲ ምህላዋ ዝዝከር እዩ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ነቲ ካብ ዝባራዕ ክልተ ዓመቱ ቀሪቡ ዘሎ ውግእ፡ ብዘተ ክፈትሕዎ ብመትከል ቅሩባት ምዃኖም ብተደጋጋሚ ብናይ ዜና ማዕከናቶም ይገልጹ ኣለዉ። በዚ መሰረት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ 7ተ ዝኣባላታ፡ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን እትምእከል ነቲ መስርሕ ዘተ እትመርሕ ኣካል ከም ዘቖመን ስረሓ ከም ዝጀመረትን ኣፍሊጡ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ ንዘተ ድልዊ ምዃኑን ኣባላታ’ኳ ብኣስማት ተዘይተገልጹ ተመሳሳሊት ኣካል ኣቚሙ ከም ዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ዝሕሰብ ዘሎ ዘተ፡ መዓስ ከም ዝጅመር ብንጹር ኣይተፈልጠን። ብዘይካዚ መን ከም ዘዛትዮምን ኣበይ ከም ዝዛተዩን ከሎ ጌና ዘሰሓሕቦም ኮይኑ ዘሎ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዘዛቲ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ክኸውን እቲ ዘተ ዝካየደሉ ቦታ ከኣ ታንዛንያ ከም ዝኸውን ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ዘዛቲ ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታን ካለኦት ተዓዘብቲ ዝርከብዎን ኮይኑ፡ ኣብ ናይሮቢ ክኸውን ምርጫኡ ምዃኑ ይገልጽ ኣሎ። እዚ ፍልልይ እዚ ኣብቲ ቀንዲ ቁምነገር ቅድሚ ምብጸሖም ዘሰሓሕብ ቅድመ-ኩነት ኮይኑ ኣሎ።
ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዘተ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር እዩ ዝካየድ ዝብል ኩነት ኣስፊሩ ኣሎ። እዚ በቲ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ኣብ ሓንቲ ሃገር ኢትዮጵያ ክልተ ሰራዊት ምክልኻል ኣይህሉን ብዝብል ናብ ዕጥቂ ምፍታሕ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝዓለመ ስለ ዝኸውን፡ ናይቲ ዘተ ናይ ምዕዋት ዕድል ካብ ዘጽብቡ ሓደ ምኽንያት ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ። ብኻልእ ወገን ከኣ ከባብታት ራያን ወልቃይትን ብዝምልከት ብወገን ክልል ትግራይ ናብ ዘተ ዘይቀርብ ኣካል ምምሕዳር ትግራይ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ምምሕዳር ትግራይ ክምለስ እዩ ዝብል ተሪር ቅድመ-ኩነት ኣሎ። ብወገን ኣምሓራ ከኣ ጉዳይ ክልቲኡ ከባብታት ውዱእ እዩ፡ ራያን ወልቃይትን ናብ ትግራይ ክምለስዩ እዩ ማለት ዘበትዩ ዝብል መደምደምታ ስለ ዘለዎ፡ ካልእ ንምዕዋት እቲ ዘተ ዘጸልምት እዩ ተባሂሉ ዝፍራሕ እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ዘተ ዝሳተፍ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይኑ ዘይኮነ፡ ኣካልቲ ውግእ ኮይነን ዝጸንሓ ክልላት ኣምሓራን ዓፋር ነብሰን ክኢለን ክሳተፋ ዝብል ርኢቶ ኣሎ። ብወገን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ’ ባይቶ ዓባይ ትግራይ፡ ውድብ ናጽነት ትግይን 3ይ ወያነ ትግራይን ዝታባህላ ተቓወምቲ ውድባት፡ ብተደጋጋሚ የውጸአኦም ብዘለዋ መግለጽታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ በይኑ ክዛተ ሕጋውነት የብሉን ዝብል መርገጻተን ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።
ብዙሓት ነዚ ኩነታት ብቐረባ ዝዕዘቡን ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግደሱን ከም እንግሊዛዊ ማርቲን ፕላውት ዝኣመሰሉ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ እቲ መስርሕ ዘተ ምትእምማን ኣብ ዘይተፈጥረሉ ይእቶ ስለ ዘሎ፡ ኣጸጋምን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ከም ዝኸውን ግምታቶም ይህቡ ኣለዉ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር፡ ነዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ዝግበር ዘተ ንምትብባዕ ካብ 25 ሓምለ 2022 ጀሚሮም ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገሾም ኣለዉ። ብዘይካ ናብ ኢትዮጵያ ናብ ግብጽን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን እውን ክበጽሑ እዮም።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ፖለቲካዊ ወጥሪ ምስ ተፈጥረ ኮነ፡ ናብ ደረጃ ውግእ ምስ ተሰጋገረ፡ ናይቲ ጸገም መፍትሒ ዘተን ልዝብን ጥራይ ምዃኑ፡ ከተንብህ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።
ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት፡ ንኤርትራውያን ዝምልከት ምሕጽንታ ሕቡራትሃገራት ደጊፉ
Monday, 25 July 2022 13:55 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት (CPJ) ፡ ምስ ካለኦት ሸውዓተ ማሕበራት ኮይና፡ ኣካልቲ ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕን ካለኦት 15 ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ዝከታተልን ጃምላዊ ማእሰርቲ ዝቃወምን ማእከል ሕቡራት ሃገራትን ጠበቓታትን ከም ዝኾነት ብ21 ሓምለ ብዘውጸኣቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።
እቲ CPJ እትርከቦ ጋንታ፡ ዳዊት ኢሳቕ ዝርከቦም፡ ብዘይ ኣፍልጦ ቤት ፍርዲ ብጃማላ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመ-ኩነት ንክፍትሑ፡ ወይ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ምስቶም ንነዊሕ ግዜ ዝተፈልይዎም ቤተሰቦምን ጠበቓታትን ክራኸቡን ጸዊዑ። እዚ ናይ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት በዚ ኣገባብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምጽናሕ፡ ብደረጃ ዓለም ዝነወሐ ግዜ ምዃኑ እውን እቲ ኮሚተ በዚ ስምዕታኡ ሓቢሩ።
መሓመድ ኣብደልሰላም ባብከር፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል “ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ንኩነታት እቶም ብ2000 ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኹሎም እቶም ንመንግስቲ ሰለ ዝነቐፉ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝሓቁ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝውከል እዩ” ከም ዝበሉ እቲ መግለጺ ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ሓቢሩ።
ኣብቲ ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣተሓባባሪት ናይቲ ኮሚተ ፕሮግራም ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣንጌላ ኩይንታል፡ ንጉዳይ ዳዊት ኢሳቕን ብጾቱን ኣብ ዝምልከት ብዝኾነ ፍትሓዊ መንገዲ ድፍኢት ምግባር ክንቅጽሎ ኢና ኢለን። ካብተን ምስ ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ኮይነን መግለጺ ዘውጸጋ ማሕበራት ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት፡ ኣህጉራዊ ኣባላት ፓርላማ ንተግባርን ፔን ኢንተርናሽናልን ይርከብአን።
ኣብዚ እዋንዚ ዝጸንዐ ምቁጽጻር ሓበሬታ (Censore)፡ ዘዘውትራ ዓሰርተ ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ቱርኩሚስታን፡ ሳዑዲ ዓራቢያ፡ ቻይና፡ ቬትናም፡ ኢራንን ኢኳቶርያል ጊኒን እየን ምዃነን ምስቲ መግለጺ ተተሓሒዙ ወጺኡ።
ቀዳማይ ሚኒስተርን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርን እስራኤል፡ ላይር ላፒድ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኤምባሲ ሃገሮም ዓጽዮም ናይቲ ኤምባሲ ሰራሕተኛታት ከም ዘፋነዉ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም ዝሓበሩ መርበብ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ/ Eritrea Hub / ፍሊጣ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ”ህዉኽን ናይ ሕርቃንን ይመስል” ዝተባህለ ስጉምቲ ክወስዱ ዝደረኾም ኤርትራ ንምቕባል ዝተመዙ እስራኤላዊ ኣንበሳደር ንምቕባል ዝያዳ ክልተ ዓመታት ስለ ዘደንጐየቶ ምዃኑ እውን እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
እቲ ጉዳይ ብዙሓት ሕቶታትን ግምታትን ዘኸትልኳ እንተኾነ፡ ኣብ ግምታዊ ሓሳብ ከይኣተኻ ዝለዓሉ ነጥብታት ከም ዘለዉ እቲ ዜና ይጠቅስ። መንግስቲ እስራኤል ኣብ ወርሒ ሓምለ 2020 እዩ ናብ ኤርትራ ኣንበሳደር መዚዙ። ድሕሪ ምምዛዙ ከም ልሙድ ኣሰራርሓ፡ ንሓለፍቲ ኤርትራ ኣፍሊጡ፡ ኣፍልጦ ክህብዎም እሞ እቶም ኣንበሳደር ናብ ኣስመራ ተጓዒዞም ዝረሖም ክጅምሩ ሓቲቱ። ድሕሪ እዚ ሓለፍቲ ኤርትራ ንመዝነት ናይቶም ኣንበሳድር ኣየጽደቑን ናይ ዘይመጽዳቖም ምኽንያ’ውን ኣየብርሁን። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቶም ኣንበሳድር እስራኤል ናብ ኤርትራ ከይዶም ስረሖም ምጅማር ከም ዘይከኣሉ እቲ ዜና ጠቒሱ። ንተግባራት ሓለፍቲ ኤርትራ ድማ ብመንጽር ዲፕሎማስያዊ ቀጥዒ ዝይቅቡል ኢልዎ።
እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ ኤርትራ ናይ ዘይምቕባል መሰል ከም ዘለዋ ጠቒሱ፡ እቲ ዘይልሙድ ናይ ዘይምቕባላ ብቑዕ መብርሂ ከተቕርብ ዘይምኽኣላ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ንሰሙናት ዝኣክል ዘጋጥም ምድንጓይ ኮይኑ፡ እስራኤል ግና ንክንድዚ ዝኣክል ነዊሕ እዋን ስለምንታይ ከም ዝተዓገሰቶ? ብዝብል እቲ ዜና ይሓትት።
ብዘካይዚ፡ ዝምድና ሃገራት ኣብ መትከል ናይ ሓባር ረብሓ ዝምስረት ኮይኑ፡ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ ኣብ ሃገራ ግቡእ ንጥፈታቱ እናካየደ እንከሎ፡ ንሳ ግና ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ወኪል ኣብ ዘይብላ ናይ እስራኤል ረብሓ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዝብል ተወሳኺ ሕቶ እውን እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣስፊሩ።
ዓመታዊ ኣኼባ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣባላት’ቲ ምምሓድር ኣብ ዝተረኽቡሉ ብ16 ሓምለ 2022 ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ብመሰረት ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብጻይ ብርሃነ ደበሱ ዝቐረበሉ ጸብጻብ ስራሕ ናይ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ተመያይጡ፤ ንእዋናዊ ኩነታት ሃገርና፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ካልኦት ኣገደስቲ ኣህጉራዊ ምዕባለታትን ኣመልኪቱ ብዕምቆት ዘትዩ።
ኣኼባ ብዝቐረበሉ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብቲ ንምምስራት ሃገራዊ ጽላል ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ክክየድ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይሕለል ጻዕርታት ንተራ ሰዲህኤ ኣብቲ መስርሕ ኣሞጊሱ። ነቲ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ብሓባር ኮይኖም ምስ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዝተፈራረሙዎ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ። ዋሕስ ዓወትና፡ ሓድነትና ስለዝኾነ፡ ሰልፍና ምስ ኩሎም ጸረ-ምልኪ ሓይልታት ኤርትራ ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎ ጽኑዕ መርገጺ ንምትግባር ንጥፈታቱ ብልዑል ናህሪ ክቕጽሎ ዘለዎ እምነት ኣረጋጊጹ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ንዘለዎ ዝምድናታት ብምሕያል፡ ካልእ ሓደስቲ ዝምድናታት ኣብ ምፍጣር ብዘርኣዮ ሰፊሕ ምንቅስቓስን ዝጨበጦም ዓወታትን ዝተሰምዖም ዕግበት ብምግላጽ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ምስ ዓለምለኻዊ ምሕዝነት ገስገስቲ ንዓመታት ሒዙዎ ዝጸንሐ ዝምድና ብዝሓየለ ደረጃ ዓቂቡ ይኸይድ ምህላዉ ከምዘሐጎሶም ኣባላት ኣኼባ ኣብ ዘካየዱዎ ዝርርብ ኣረጋጊጾም።
ኣኼባ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት፡ ንኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ሰፊሕን ዓሚቕን ምይይጥ ኣካይዱ። ከም ዝፍለጥ ሰዲህኤ ብፍላይ ንጉዳይ ትግራይ ኣመልኪቱ፡ እቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ፍልልይ ፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ስለዝኾነ፡ ኣብ እዋኑ ብዘተ ጥራይ ክፍታሕ እምበር ናብ ኲናት ከምርሕ ከምዘይግባእ ኣተሓሳሲቡ ከምዝነበረ ዘኪሩ። እቲ ውግእ ምስ ተጀመረ ድማ ብቕልጡፍ ጠጠው ንኽብልን ንህዝቢ ትግራይ ዝዋሃብ ኣገልግሎታት ንኸይቋረጽን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝከኣሎ ጻዕሪ ክገብር ጻውዒቱ ኣቕሪቡ እዩ። ንሓው ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ብዝወረዶ ዕንወትን ሓደጋን ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ እዩ።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ምእታዉ ካብ ተፈጥሮኣዊ ባህርያት ናይቲ ስርዓት ዝብገስ እምምበር፡ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ፡ ሰዲህኤ ኣረጋጊጹ፡ ነቲ ወራር ብምኹናን ህግደፍ ሰራዊቱ ቀልጢፉ ካብ ትግራይ ከውጽእን ህዝቢ ኤርትራ ተጽዕኖኡ ኣብ ልዕሊቲ ጉጅለ ከሕይልን ኣብ እዋኑ ጸዊዑ እዩ። እንተኾነ ህግደፍ ሎሚውን ናይ ውግእ ነጋሪት ይሃርም ምህላዉ ኣኼባ ተገንዚቡ፡ ነዚ ናይ ህግደፍ ኲናት መርገጺ ደጊሙ ብምኹናን እቲ ጉዳይ ትግራይ ብሰላም ንምፍታሕ ተጀሚሩ ዘሎ ጻዕሪ ዕዉት ንኽኸውን ኣኼባ ትጽቢቱ ገሊጹ። ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያን ዝተፈጸመ ገበን ብሻራ ዘይብሉ ወገን ተጻርዩ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡ ንምግባር ንዝካየድ ጻዕሪ ድማ፡ ብኣጽንዖት ደጊፉ።
ምስዚ ተዛሚዱ ኣኼባ እቲ ኣብ ሃገረ ሱዳን ዝርኤ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንሕቶ ህዝቢ ሱዳን ብዝምልስ ሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ልባዊ ትምኒቱ ይገልጽ። ከምኡውን እቲ ስርዓት ህግደፍ ዝደገፎ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ደው ክብልን፡ ንሉዑላውነትን ነጻነትን ዩክረይን ብዘረጋግጽ መንገዲ ክዛዘምን ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ኣኼባ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ንሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ምቅላስ ዝምልከት ብዕቱብ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ጻውዒቱ እናኣቕረበ፡ ሰልፍና ምስ ኩሎም ደለይቲ ስላም፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝገብሮ ዘሎ ዝምድናታት ኣሐይሉ ክቕጽሎ ብምትሕስሳብ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዘለዎም ድሉውነት ደጊሞም ብምርግጋጽ ዓመታዊ ኣኼባ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሰዲህኤ ተደምዲሙ።
ኣፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ስቴቨን ሲ ዌከር ብ16 ሓምለ 2022 ብመንገዲ ናይ ፌስቡክ ገጾም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ተልእከኦም ኣብ ኤርትራ ፈጺሞም ካብ 17 ሓምለ 2022 ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱ ኣፍሊጦም። ኣብቲ መልእኽቶም ኣብ ኤርትራ ናይቲ ኤምባሲ ላዕለዋይ ሓላፊ ኮይኖም ክሰርሑ ምጽነሖም፡ ንሞያኦም ክብርን ድምቀትን ከም ዝሃቦ ሓቢሮም።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሕሉ ግዜ እቲ ዝዓበየ መግለጺኡ፡ ምስ ህዝቢ ክራኸቡ ምኽኣሎም ምንባሩ ስቴቨን ሲ ዌከር ጠቒሶም። ኣብዛ እትድነቕ ዝበልዋ ሃገር ኤርትራ “ኣዝዩ ምዉቕ ኣቀባብላ ዝገበርኩምለይ” ንዝበልዎም ኤርትራዊ ወገናት፡ ሃብታም ባህሎምን ታሪኾምን ስለ ዘካፈልዎም፡ ብፍላይ ከኣ ኤርትራውያን በቲ ኣብ 1993 ዘረጋገጽዎ ልኡላውነት ሕቡናት ብምዃኖም ከም ዘመስገንዎም ኣብቲ ናይ ፈነወ መልእኽቶም ኣስፊሮም።
እቶም ኣንበሳድር ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ከም ዝተማህሩ ጠቒሶም፡ በቲ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣጸጋሚ ብዘይካ ካብ ሃገርካ ናብ ስደት ምውጻእ ካልእ ዕድል ዘይህብ ኩነታት ይሓልፎ ብዘሎ ህይወት “ተመሲጠ ኣለኹ” እውን ኢሎም። እቶም ኣንበሳድር ካብቲ ተስፋኹም እካፈል እየ ኢሎም፡ መንግስቲ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መስተንክር ዓቕሚ ዕድል ዝኸፍት ፖለቲካውን ቁጠባውን ጽገናታት ክገብር ከም ዝትስፈዉ ኣብቲ መልእኽቶም ኣስፊሮም።
ኣንበሳደር ስቴቨን ሲ ዌከር፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዋላኳ ንሓቂ ክትክሕዱን ክትጠልሙ ዝደፋፍእ እንተሃለወ፡ ኣነን ካለኦት ብዙሓትን ግና ብዛዕባቲ ትብዓትኩም፡ ክብርኹም፡ መስዋእትነትኩምን ቃልስኹምን ንፈልጥ ኢና፡ ዝብል ናይ ምትብባዕ ቃል ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣመሓላሊፎም።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ኣስመራ ክብገሱ ኣብ ዝዳለውሉ እዋን ዓሚቕ ትሕትናን ምስጋናን ከም ዝስመዖም ገሊጾም። ህዝቢ ኤርትራ ወትሩ ካብ ሓሳቦምን ጸሎቶምን ከምዘይፍለ ምስ ጠቐሱ ከኣ፡ ኣግዚኣብሄር፡ ንኤርትራውያን ስድራቤታትን ንሃገሮም ኤርትራን ክባርኻ ተመንዮም።
ኣንበሳደር ስቴቨን ሲ ዌክር፡ ኣብ ስፖዚየምን መደብ ተለቪዥን ኤሪሳት 2022፡ ካብ ኣስመራ ብቐጥታ ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾኑ። ብኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፡ሰላምን ዲሞክራስን ናእዳን ኣድናቖት ዝረኸቡ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት እዮም።
ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ጅረፍ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምዕው ኣፍራሲ ተንኮላት ይፍሕስ ከም ዘሎ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ናይቲ ስርዓት ልኡኻት ነታ
ነባር ቤት ትምህርቲ ካርቱም ጅረፍ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሮም ንምእታው ንነዊሕ ግዜ ዘካየድዎ ጐስጓስ ምስ ፈሸለ፡ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ሓድሽ ተንኮል ምሂዞም ከም ዘለዉ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣካላት ኣቃሊዖም።ኣካላት ህግደፍ ነታ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሮም ከእትውዋ ካብ ነዊሕ እዋን ፈቲኖም ዘይተዓወቱላ ቤት ትምህርቲ ንምዕጻዋ፡ ኮነ ኢሎም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ታሸዓይ ክፍሊ ክምህራ እየን ዝብልወን ክልተ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ከባብታት ሰሓፋን ጅረፍን ከፊቶም ተመሃሮ ምምዝጋብ ጀሚሮም ኣለዉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይታ ቤት ትምህርትን ወለዲ ተመሃሮን ቁጠባዊ ጸገማት መዝሚዞም እቲ ዝኸፍትዎ ዘለዉ ኣብያተ-ትምህርቲ ብናጻ ኣገልፍሎት ክህብ እዩ ዝብል ምልዕዓላት ይገብሩ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ናይዚ ስጉምቶም ቀንዲ ዕላማ ነቶም ተመሃሮ ጀሆ ሒዝካ፡ ስርዓተ ትምህርትን በብግዜኡ ዝወሃብ ሓፈሻዊ መርመራታትን ካብ ኣስመራ ከም ዝጽበዩ ንምግባር እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ ተመሃሮ ኣብ ኤርትራ ዝሳቐይዎ ዘለዉ ከም ዝሳቐዩ ንምግባር እዩ።
ስለዚ ኤርትራውያን ወለዲ፡ ተመሃሮ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኣዕናዊ ኩነታት ብኻልእ ክንገሮም ክጽበዩ ኣይግበኦምን። እዛ ብዙሓት ፈላጣት ዘፍረየት፡ ደቆም ዝመሃሩላ ዘለዉ፡ ሃብታም ተመኩሮ ዝደለበት ኤርትራውያን ግዱሳት ብደረጃ ማሕበራት ይኽን ብውልቀ ኣፍልጦን ሓገዝን ክልግሱላ ዝጸንሑ፡ ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካርቱም ተዓጽያ ደቆም መፍቶ ህግደፍ ከይኮኑ፡ ከሎ ጌና ንከይትዕጾ ኩሉ ዝከኣሎ ጻዕሪ ክገብሩ ይግበኦም።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት በረኸት ሰለሙን ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ መንእሰይ፡ ኣብ ብሪጣንያ ካብ ከተማ ለንደን ንወገን ሰሜን ውጽእ ኢላ ኣብ እትርከብ፡ ስቲቨነጅ ዝተባህለት ቦታ ብኢድ ሰብ ሞይቱ ተደርብዩ ከም ዝተረኽበ ናይታ ሃገር ፖሊስ ኣፍሊጡ። ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ሃገር ጀርመን ዛህራን ዩስራን ዝተባህላ ኤርትራውያን መሓዙት መንእሰያት ኣብ ከተማ ሙኒካ ብዝነብር ኤርትራዊ መንእሰይ ከም ዝተቐትላ ብማሕበራዊ መራኸብታት ዘደንጹ መዛረቢ ኮይኑ ኣሎ። ብዘይካዚ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ፈረንሳ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሕድሕዶም ተባኢሶም ሓደ ከም ዝሞተ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ሓደ ኣገራብ ዝበዝሖ ቦታ ሞይቱ ዝተረኽበ መንእሰይ በረኸት ሰለሙን፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ምዃኑ ፖሊስ እዩ ሓቢሩ። እዚ ወዲ 20 ዓመት በረኸት ሰለሙን፡ ትሕቲ ዕድመ ኮይኑ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወን ዑቕባ ዝተዋህበን ምንባሩ ፖሊስ ጠቒሱ፡ ከምዚ ዓይነት ገበን ከይድገምን ውሕስነት ጸጥታ ክረጋገጽን ጐስጓስ ከም ዘድሊ ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቡ።
ንጠንቂ ሞት እተን መንእሰያት መሓዙት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝምልከት፡ ፖሊስ ጀርመን ከም ዝገለጾ፡ እቲ በቲ ቕትለት ተጠርጢሩ ተታሒዙ ዘሎ ሰብ ንሓዲአን ንመርዓ ሓቲቱ ከም ዝነበረ እሞ ከም ዝኣበየቶ፡ በዚ ምስሕሓብ ምስተፈጥረ ከኣ ናብተን ግዳያት ከይከይድ ብፖሊስ መጠንቀቕታ ተዋሁብዎ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ።
በዚ ዝደጋገም ዘሎ ድንገተኛ ሞት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ወጻኢ ዝሰንበዱ ኤርትራውያን ወገናት፡ ብውልቂ ይኹን ብማሕበራት ኣብ ስደት ዘለዉ መንእሰያት ንክረጋግኡ ዘኻል ናይ ምኽርን ምትህድዳእን ሓገዝ ክግበረሎም ይጽውዑ ኣለዉ። ንሓናውን መንእሰያት ጸገም ከጋጥሞም እንከሎ፡ ሰባት ምቕታል ወይ ከኣ ነብስኻ ምጥፋእ ጸገም ዝፈትሕ ዘይኮነስ፡ ተወሳኺ ጸገም ዘኽትል ምዃኑ ተረዲኦም ብህድኣት ክሓብሉ ነዘኻኽር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንዳግመ-ህንጸት ትግራይ ዝምልከት ስምምዕ ምስ ሕቡራት ሃገራት ተፈራሪሙ
Wednesday, 13 July 2022 12:25 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤመንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፕሮጀክትታትን ንዳመ-ህንጻ ዝዓነወ ትሕተ ቅርጻ ትግራይ ዝምልከት ስምምዕ ከም ዝተፈራረሙ፡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን። በቲ ነዚ ስምምዕ ኣመልኪቱ ሚኒስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ መግለጺ መሰረት፡ ብሰንኪ ውግእ ኣብ ትግራይ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጻን ትካላትን እንደጋና ንምህናጽን ንምሕዋይን፡ ወጻኢኡ ብባንኪ ዓለም ዝከኣል ኰይኑ፡ ብሳልሳይ ኣካል ዝትግበር ፕሮጀክት ከምዝኸውን ተፈሊጡ። ነዚ መደብ ክተግብር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተስማሚዑ ዘሎ ሳልሳይ ኣካል፡ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፕሮጀክትታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [UNOPS] ምዃኑ ድማ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
እቲ መደብ፡ ነቶም ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዘለዉ ኣገልግሎታት ናብቲ ዝነበርዎ ንምምላስ ዘኽእል ክኸውን እንከሎ፡ ምስ ህዝቢ ክልል ትግራይ ብምምኽኻር ዝትግበር’ ከምዝዀነ ነቲ መግለጺ ዝጠቐሱ ዜናታት ሓቢሮም። እዚ ኣብ ትግራይ ብሳልሳይ ኣካል ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ መደብ ዳግመ-ህንጻ፡ ኣካል እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ውግእ ዝዓነዉ ትካላት ናብ ንቡር ንምምልሳስን ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝን ዝተታሕዘ መደብ እዩ። እቲ ንህንጸት ዝወሃብ ገንዘብ፡ ባንክ ዓለም ኣቐዲሙ ንኢትዮጵያ ንዳግመ ህንጻ ንክውዕል ክህቦ መዲብዎ ዝነበረ 300 ሚልዮን ዶላር እዩ።
ድሕርቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ መንጎ ሓይልታት ክልል ትግራይ ውግእ ምጅማሩ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ዕጽዋ ወዲቓ ኩሉ ኣገልግሎታት ተቛሪጽዋ ዘላ እያ። ቅድሚ ዝተወነ ኣዋርሕ ስብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ዘኽእል፡ ብግዝያውነት ተኹሲ ጠጠው ምባሉ ተኸቲሉ፡ ናብ ትግራይ ክኣትው ጀሚሩ ዘሎ ሓገዝ ምስ ስፍሓት እቲ ጸገምን ሕጽረት ነዳድን ኣዝዩ ውሑድ እዩ።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነዚ ሓድሽ ፕሮጀክት ብዝምልከት ዝሃቦ መላሽ ዘይተፈልጠ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቲ ኣብ መንጎ ምንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ ኣብ ዘይተዓወተሉ፡ እዚ ናይ ህንጸት ፕሮጀክት ክትግበር ዘለዎ ዕድል ዝጸበበ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ እምነት እዩ።