EPDP News

ቀዳም 15 ጥቅምቲ 2022 ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ መብዛሕትኦም ኣባላት ዝተሳተፍዎ ዕዉት ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ኣካይዱ። ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ዛዕባታት ብዕምቆት ተመያይጡ፡

1. ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 25 መስከረም ኣባላት ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝተሳተፍዎ ሰልፋዊ ሰሚናር ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዞናናን መዚኑ ዝወጠኖ መደባት ዞባና ከመይ የተግብሮ

2. ምስ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ከመይ ብሓባር ንሰርሕ

3. ኣብ ነፍስ-ወክፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝካየድ ጉባኤ ሰልፊ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት 2023 ከመይ ነዕውቶ

4. ሓጻይት ሽማግለ ሰልፊ፡ ብቕዓትን ናይ ኤርትራ መልክዕን ዝውንን መሪሕነት ምእንቲ ክምረጽ ዝተለመቶ መደባት ምርኣ

5. ዞባዊ ጉባኤ ዝካየደሉ ግዜን ኣገባብን ንምርኣይ መባእታዊ ድህሰሳ ምግባር

ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣብ ነፍስወከፍ ኣርእስቲ ዝኣክል ግዜን ተገዳስነትን ሂቡ ዓሚቕን ሰፊሕን ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ ኣብ ሓባራዊ ነጥብታት ደምዲሙ።

ኣኼባ ህድኣትን ምክብባርን ዝዓሰሎን ሞራል ኣባላት ክብ ዘበለ ኮይኑ ብዓወት ተዛዚሙ። እዚ ኣኼባ’ዚ

ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ ብምልኣት ዝተሳተፍዎ ምንባሩ ተወሳኺ ድምቀት ሂቡዎ ውዒሉ።

ኣብ ዝመጽእ ግዜ ደሃይ ሰዲህኤ ሰሜን ኣሜሪካ ሒዝና ክሳብ ንመጽእ ተኸታተልትና ሰላም ቀንዩ።

 

የቐንየልና።

ምልኪ ይፍረስ! ፍትሒ ይንገስ!

ክንዕወት ኢና!

ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

10-15-2022

ኣብ ሻምፒዮን ቅድድም ብሽክለተ ኣውስትራልያ ካብ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ፡ ሹዱሽተ ኣብ ኣወስትራልያ ዑቕባ ከም ዝሓተቱን መስርሕ ምሕታት ዑቁባኦም ከም ዝጀመሩን ካብቲ ቦታ ዝበጽሓ ሓበሬታ ብምጥቃስ ቴለቪዣን ኤሪሳት ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጻ ሓቢራ።

ሃገራዊት ጋንታ ብስክሊት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2022 ኣብ ኣወስትራሊያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ተሳቲፋ እያ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ እቶም ነቶም ዑቕባ ዝሓተቱ ሽዱሽተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ዝተሓጋገዝዎም ዘለዉ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ንመስርሕ ሕቶ ዑቕባን ካልእ ተመሳሳሊ ወጻኢን ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብ ኤርትራውያን በብዓቕሞም ንከበርክቱ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።

ኣብዚ እዋንዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ተጸሚዱ፡ ኣደዳ በብዓይነቱ ክሳራታት ይኸውን ኣብ ዘለሉን ኤርትራውያን ብዘያፈላላይ ብጭካነ ብኣልማማ ይገፍፍ ምህላዉን እቶም ተወዳደርቲ ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ኣገዲድዎም ከም ዝኸውን ይግመት።

ጠቕላላ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ብ12 ጥቅምቲ 2022 ንጎበጣ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ዩክረይን ዝምልከት፡ ብመብዛሕትአን ኣባል ሃገራት ዝተደገፈ ውሳነ ኣሕሊፉ። እቲ ውሳነ ሩሲያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ “ረፈረንደም ኣካይደን” ብዝብል ጉልባብ 4 ናይ ዩክረይን ኣካላት ንዝነበራ ከባብታት ናብ ግዝኣታ ንምጥቕላል ንዝወሰደቶ ዘይሕጋዊ ጎበጣ ኩለን ኣባል  ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ከይህባ ዝጽውዕ እዩ።

ኣብቲ ዝተዋህበ ድምጺ 143 ሃገራት ኣንጻር ሩሲያ ነቲ ውሳነ ሓሳብ  ደጊፈን፡ 5 ሃገራት ነቲ ሓሳብ ደጊፈን ንደገፍ ሩሲያ  ከድምጻ እንከለዋ፡ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብኣተን ኤርትራ ዝርከበአን 35 ሃገራት ድማ ድምጸን ከም ዝዓቀባ መግለጺ ናይቲ ኣኼባ ሓቢሩ። ካብተን ድምጸን ዝዓቀባ ብዘይካ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ’ ቻይና፡ ህንድን ደቡብ ኣፍሪቃን ይርከበአን። እተን ንደገፍ ሩሲያ ዘድመጻ ድማ፡ ቤላሩስ፡ ሰሜን ኮሪያ፡ ኒካራጉዋ፡ ሱሪያን ሩሲያን እየን። ኤርትራ ክሳብዚ ኣኼባ ንጉዳይ ሩሲያን ዩክረይንን ኣብ ዝምልከት ካብተን ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ሓንቲ ኮይና ንሩሲያ ደጊፋ ከተድምጽ ከም ዝጸንሐት ዝዝከር እዩ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ውሳነኡ፡ ምክልኻል መትከላት ሕቡራት ሃገራት፡ ዶነትስክ፡ ከኢርሶን፡ ሉሃንስክን ዛፖሪዝሂያን ዝበሃላ 4 ክልታት ዩክረይን ብሩሲያ ዝተወስዳሉን ዝተጎብጣሉን ኣገባብን ምግሃስ ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን ዩክረይንን መበገሲ ዝገበረ ምዃኑ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ተጠቒሱ።

ጠቕላላ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ኣኼባ ኣካይዱ ክመያየጥ ዝተገደደ፡ ሩሲያ ብዘለዋ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰል፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ዩክረይ ንዘካየደቶ ከባብታት ዩክረይን ናብ ግዝኣታ ብምጥቕላላ ኣንጻራ ከይውስን ምስተቓወምት እዩ። ስለዚ እዚ ውሳነ ኩለን ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ንጎበጣ ሩሲያ ኣፍልጦ ንከይህባን ውሳነኣ ንክትቕይር ተጽዕኖአን ንከሕይላን ምዃኑ ተጠቒሱ። እቲ ውሳነ ንናይ ክሳብ ሕጂ ጻዕሪ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ኣባል መንግስታትን ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ተጽዕኖ ክፈጥራ ብምጽንሐን ድማ ኣመስጊኑ

ኣውስትራልያ፣ ደንማርክ፣ ጀርመን፣ ሆላንድ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ሰብኣዊ ቅልውላውን እናገደደ ምምጽኡ ከምዘሻቐለን  ምግላጸን ቤት ጽሕፈት ወሃብ ቃል  ወጻኢ ጉዳይ ኣሚሪካ ብ12 ጥቅምቲ 2022 ኣፍሊጡ። ላዕለዎት ሓለፍቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ወተሃደራዊ ግጭት ኣብ ሓጺር ግዜ ጠጠው ከብሉ’ውን መግለጺ ናይዘን ሽዱስተ ሃገራት ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ናይዘን ሃገራት፡  እቲ ክቐርብ ጸኒሑ ዝተቛረጸ፡ መሰረታዊ  ሰብኣዊ ሓገዝ ከምቲ ጀሚርዎ ዝነበረ ከም ዝቕጽል ክገብሩን ናብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምራሕ ተመዲቡ ዘሎ መስርሕ ዘተ ተሳቲፎም ናብ ዘተኣማምን ስምምዕ ንክበጹ እውን እቲ ናይ ሓባር መጸዋዕታ ናይዘን ግዱሳት ሃገራት  ኣመልኪቱ።

ናይዘን ሽዱሽተ በቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ደማውን ኣዕናውን ውግእ ኣዝየን ዝተሻቐላ ሃገራት መግለጺ፡ ነቲ መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ኤርትራ ብትሪ ኮኒኑ። ኣተሓሒዘን ከኣ መንግስቲ  ኤርትራ  ዘካይዶ ዘሎ  ወተሃደራዊ ስርሒት ጠጠው ኣቢሉ  ብቕልጡፍ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ጸዊዐን። ኩሎም ነቲ ውግእ ዘጋድዱ ዘለዉ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኢዶም ክስሕቡ ድማ እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።

ብሓፈሻ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት፡ ብፍላይ ድማ፡ ናይ ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ናይ ሓባር ኣጻራይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡  ኩነታት ኢትዮጵያ ዝከታተል፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ናይ ክኢላታት ኮሚሽን  ኣብዚ ቀረባ ዝቐረበ ጸብጻባት ከም ዝተኸታተሎ  እቲ መግለጺ ጠቒሱ። በቲ ናይ ክሳብ ሎሚ ጸብጻባት መሰረት፡ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ትግራይን ከምኡ ከኣ ከም ፋኖ ኣምሓራ ዝኣመሰሉ ዝተዓጥቁ ሓይልታት፡ ሰብኣዊ ግህሰታት ከም ዝፈጸሙ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።

ካብ ዝርዝር ናይቲ ሰብኣዊ ግህሰታት ድማ፡ ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ኣካላዊ ሰብኣዊ ጉድኣትን ጾታ ዝመሰረቱ ዓመጻትን ከም ዝርከቦ ተሓቢሩ።  ምስዚ ኣተሓሒዙ እቲ መግለጺ በቲ ብትካላት ሰብኣዊ መሰል ዝቐረበ ጸብጻባት ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ ጠቒሱ፡ ጥሜት ናይ ውግእ መሳርሒ ይኸውን ኣሎ ንምባል ዘኽእል ባይታ ከም ዘሎ’ውን እቲ ጸብጻብ ኣዘኻኺሩ።

ደቡብ ሱዳን መብዛሕቶም ኤርትራውያንን ኢትዮጵውያንን ዝኾኑ ልዕሊ 20 ወጻእተኛታት ካብ ሃገራ ክትሰጉግ ምዃና ብቢሲ ሓቢራ፡ ብኻልእ ወገን ድማ ፈደራላዊ ምምሕዳር ቤት ፍርዲ ጀርመን ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ጉዕዞ ሰነድ ንምርካብ ካብ ኤምባሲ ሃገሮም ወረቐት ከቕርቡ ንኸይግደዱ ከም ዝወሰነ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ኣፍሊጡ።

እዞም ካብ ደቡብ ሱዳን ናይ ምስጓግ ሓደጋ ኣጋጥምዎም ዘሎ ኤርትራውያን ዜጋታት ካብ ሃገሮም ምስ ወጹ፡ ናብ ጁባ መበግሲኦም ከተማ ካርቱም ኮይና፡ ምኽንያት ጉዕዘኦም ከኣ ደሕንነቶም ንምሕላው  ምዃኑ ተፈሊጡ። ንሳቶም ካብ ካርቱም ነቒሎም በንትዩ ወይ ፓሎት ካብ ዝበሃላ ናእሽቱ  ከተማታት ናብ ጁባ ብዘይ ፓስፖርት ብናይ ውሽጢ ሃገር በረራ ዝተጓዕዙ ምዃኖም እቲ ዜና ጠቒሱ።

ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ደቡብ ሱዳን  ሓላፊ ጉዳይ ኢሚግረሽን፡ ሌተናል ጀነራል ኣተም ማሮል ቢያር፡ እቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተኣስሩን ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ናይ ግድን ዝኾነሉን ምኽንያት ዘርዚሮም። ንሶም እቶም ሰባት ናይ ጉዕዞ ሰነድ ዘይብሎም ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ምስ ዘለዋ ትካላት ዝኾነይኹን ምትእስሳር ስለ ዘየብሎም እሞ ንጸጥታ ሃገሮም ጠንቂ ከይኮኑ ብምስጋእ እዮም ዝጥረዙ ኢሎም።

እቶም ስደተኛታት ንግዜኡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዘይሰነድ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝኣትዉ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ኣብ ዝጸንሕሉ ኮሎሎ ዝበሃል ቦታ ኣብ ዝርከብ ናይ ኢሚግረሽን ፍሉይ ትካል ከም ዘለዉ ናይ ደቡብ ሱዳን መዲያታት እውን ሓቢረን ኣለዋ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ፈደራላዊ ምምሕዳር  ቤት ፍርዲ ጀርመን ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ጀርመን ናይ ጉዕዞ ሰነድ ንምርካብ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ወረቐት ከቕርቡ ንኸይግደዱ ከም ዝወሰነ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ኣፍሊጡ። በቲ ውሳነ መሰረት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኤምባሲ ኤርትራ ዝኾነ ቀጥዒ ንክመልኡ ኣይክግደዱን እዮም። እዚ እቲ ከም ዝተጠዓሱ መረጋገጺ ክህቡ ክግደድሉ ዝጸንሑ ምኽንያት እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ምምሕዳር ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ጀርመን፡ ዝኾነ ሰብ ፓስፖርት ንክረክብ “ገበነኛ እየ”  ክብል ክግደድ ከይዘይግባእ ኣዕዚዙ ገሊጹ።

ናይ ኤርትራውያን ብዘይዝኾነ ይኹን ናይ ጉዕዞ ሰነድ እንዳቖራረጽካ ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ፡ እሞ ኣብዚ ኣትየምዎ ዘለዉ ጸገም ምውዳቐሞ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ሃገርና ኣብዚ እዋንዚ  ዝካየድ ዘሎ   ጨካን መደብ  ግፋ ህግደፍ እዩ።

ናይ ቅድም ፕረሲደንት ረፐብሊክ ኬንያ እህሩ ከኒያታ ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተመዲቡ ዝነበረ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያን ትግራይን ከምዘይሳተፉ ገሊጾም።  እቶም ፕረሲደንት ኬንያ ነበር፡ ንዘይምስታፎም ዝሃብዎ ምኽንያት ናይ መደባት ምድርራብ እዩ።

እቶም ፕረሲደንት ነበር ብዘይካብቲ ኣጋጢሙኒ ዝበልዎ ናይ መደባት ምድርራብ፡ ኣብቲ መጸዋዕታ ዳብዳበ ተመልኪቱ ዘሎ መማያየጢ ዛዕባታት፡ ምቑራጽ ተጻበኦ፡ ተኹሲ ጠጠው ምባልን ተቛሪጹ ዘሎ ቀረብ ሓገዝ ምቕጻልን ከም ቅድመ ኩነታ ንዘተ ኮይኑ ክቐርብ ዝብል ሓሳቦም እውን ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ናይ ቅድም ፕረሲደንት እሁሩ ከኒያታ፡ ናይቶም ኣብቲ መጸዋዕታ ሰፊሮም ዘለዉ ጥብታት ምንጻር ንቐጻሊ ኣዛታይነቶም ክዳለዉ ከም ዝሕዞም ኣስፊሮም። ኣብዚ መልእኽቶም ሓላፍነቶም ኣብቲ መስርሕ ዘተ ክፈልጡ ከም ዝደልዩ’ውን ኣመልኪቶም ኣለዉ። እዚ ከምዚ እንከሎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እውን ነቲ መጸዋዕታ ተቐቢሉ መልሲ ክህብ እንከሎ ኣብተን ከኒያታ ዝጠቐስወን ነጥብታት ትዕዝብቲ ከም ዘለዎ ኣስፊሩ ነይሩ እዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ዜና፡ እቲ ናይ 8ን 9ን ጥቅምቲ 2022 መደብ ዘተ መዓስ ምዃኑ ንዘይተፈልጠ ግዜ ከም ዝተሰጋገረ ጠቒሱ፡ ዝቕረቦ ምኽንያት ከኣ ናይ ቀረብ (ሎጂስቲክስ) ጸገም ምዃኑኳ እንተ ጠቐሰ፡ ናይ እህሩ ከንያታ ኣብቲ ኣካይዳ ዘምስምማዕ እውን ነብሱ ዝኸኣለ ምኽንያት ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዘተ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝካየድ ደጊሙ መግለጺ ኣውጺኡ። በዚ መሰረት ቅድሚ ውግእ 2020 ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበረ ከባብታት ራያን ወልቃይትን ብቐጥታ ናብ ትግራይ ስለ ዝመልስ፡ ኣብ ማሕብረሰብ ኣምሓ ዓብይ ሻቕሎት ኣሕዲሩ ኣሎ። ብዘይካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ካብ ሎሚ ንደሓር “ፈጣሪ ራዕዲ/ኣሸባሪ” ዘይኮነ “ዓመጸኛ ጉጅለ/ኣማጺ ቡድን” ንበሎ ዝብል መንግስታዊ መግለጺ ስለ ዘውጸአ፡ እዚ ናይ ፓርላማ ስልጣን እምበር ዝኾነ መንግስታዊ ኣካል ዝቕይሮ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ የልዕል ኣሎ

ዩጋንዳ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ፡ ሶማላውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ስደተኛታት ከም ዝኣሰረት ቢቢሲ ሓቢራ። ቢቢሲ ንቤት ጽሕፈት ምቁጽጻር ዜግነት ዩጋንዳ ጠቒሳ ከም ዝገለጸቶ እዞም ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ስደተኛታት ዝተኣሰሩ፡ ሓይልታት ጸጥታ ከተማ ካምፓላ ብ5 ጥቅምቲ 2022  ቦንጋ፣ ካባላጋላ፣ ካንሳንጋን ሙያንጋን ኣብ ዝበህሉ ከባብታት ኣብ ዝተገብረ ዳህሳስ፡ ብዘይብቑዕ መንበሪ ፈቓድ ዝተረኽቡ እዮም።

ናይቶም ዝተኣስሩ ዝርዝር ዜግነት 116 ኤርትራውያን፡ 62 ሶማላውያንን 5 ኢትዮጵያውያንን እዩ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ካብቶም ግዳይ ማእሰርቲ ዝኾኑ ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ኣብ 1990ታት ዝተወልዱ ዕሸላት እዮም።

ዝርዝር መእሰሪኦም ምኽንያታት፡ ገሊኦም ዝኾነ ወረቐት ዘይነበሮም እዮም። ናይ ገሊኦም ፈቓድ ድማ መዓልቱ ዝሓለፈ እዩ። ካብዚ ዝሓለፈ ናይ ስራሕ ፈቓድ ዘየብሎምን ካብ ዝይተፈቕደሎም ዓይነት ስራሕ ወጻኢ ዝተረኽቡን ይርከብዎም። በቲ ዜና መሰረት እዞም እሱራት “ኣብ ዩዳንዳ ብዘይሕጋዊ መንግዲ ምንባር” ብዝብል ክሕተቱ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ ብምዝውዋር ሓሽሽን ብዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰባትን ዝጠጠሩ እንተልዮሞም ብዝኸበደ ደረጃ  ዝተሓዙ ከም ዝኽእሉ እቲ ዜና ኣስፊሩ።

ዩጋንዳ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ካብ ዝርከቡለን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ኰይና፡ ብፍላይ ኣብ ከተማ ካምፓላ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከም ዝነጥፉ ጸብጻበት ይሕብሩ። ብሕጋዊ መንግዲ ናብ ወጻኢ ንምኻድ ካብ ዘሳልጡንን ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ዘይክእሉ መንእሰያት ካብ ዝምርዓዉለንን ሃገራት እውን ዩጋንዳ ሓንቲ እያ።  ቅድሚ ሕጂ እውን ኤርትራውያን በመንግዲ ኬንያ ኣቢሎም ናብ ዩጋንዳ ክእትዉ እንከለዉ ብተደጋጋሚ ክእሰሩ ዘኒሖም እዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ከቃልዖም ከም ዝኽእል ክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስግኣት ከም ዝሓደሮም መርበብ ሓበሬታ ሰቲት መድያ/SEቲት MEDIA ኣቃሊዓ። እቶም ክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንክቲ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ጀሚሩ  ኣብ ኢትዮጵያ/ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝጸንሑ  ህጻናት፡ ኣዴታትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣደዳ ነጋዶ ደቂ ሰባት ገይርዎም ከም ዘሎ ጠቒሶም።

ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብፍላይ ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ንጾታዊ ምዝመዛ፡ እቶም ዝተረፉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ድማ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ከይቃልዑ ዘለዎም ሻቕሎት ምግላጾም እታ መርበብ ሓቢራ። እቲ ንዘይሕጋዊ ተግብራ ምቅላዕ ብዘይ ናይ ዕድመ፡ ጾታን ብሄርን ኣፈላላይ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝፍጸም እውን እቶም ሻቕሎት ዝሓደሮም ክኢላታት  ሕቡራት ሃገራት ሓቢሮም። ነዚ ዘይሰብኣዊ ተግባር ንምክልኻል ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ህጽጹ ናይ ተሓታትነት ስጉምቲ ምውሳድ ከም  ዘድሊ ከኣ  ጸዊዕም። ኣብ ርእሲዚ በቲ ዝተፈጥረ ሃንደበታዊ ውግእ ምስ ስድራቤቶም ዝተጣፍኡ ህጻናት ስለ ዘለዉ፡ ነቲ ጸገም ዝያዳ ከም ዘጋድዶ ኣፍለጡ።

ብትዕዝብቲ ናይቶም ክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ርዱእ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ክሳብ ሎሚ እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት ሕጋዊ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ይውሰድ ዘይምህላዉ ኣገንዚብም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ድማ ነቶም ግዳያት፡ ሕክምናውን  ስነኣእምሮኣውን  ደገፍ  ንኽገብሩ ናብ ኩሎም እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም መሻርኽቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት  መጸዋዕታ ከም ዘቕረቡ እቶም ግዱሳት ክኢላታት ሓቢሮም።

ቅድሚ ሕጂ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከባቢቲ ዝተዓቑብሎም ኣብ  ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን  ዝርከብ መደበራት ንመጭወይቲ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ገንዘባዊ ምዝመዛ፡ ምስዋርን ሞትን ክኾኑ ከም ዝጸንሑ  እውን እቲ ዜና ኣዘኻኺሩ።

ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገን ሑመራ ናብ ኤርትራ እናሰገረ፡ ብተሰነይ፡ ሃይኮታን ካለኦት ከባብታትን  ኣቢሉ ናብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ይጽጋዕ ከምዘሎ፡ ምንጭታት ሰዲህኤ ካብ’ቲ ከባቢ ሓቢሮም። እቲ ምጉዕዓዝ ናይ ሰራዊት ብመካይን ጥራይ ዘይኮነ ብነፈርቲ እውን ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራ ኣብያተ-ሕክምና ብውጉኣት ስለ ዝተታሕዘ ሲቪል ኤርትራውያን ኣገልግሎት ይረኽቡ ከም ዘየለወምን ብዘለዎ ሕጽረት መግቢ፣  ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ነቲ ሆስፒታላት ዝኸውን መግቢ ብጉልባብ “ወፈያ” ከቕርቡ ይግደዱ ከም ዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቲ ሓበሬታ ኣብ ኣመጋግባ ናይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ናይ ኤርትራ ዝሓሹ ምዃኖም ካብቶም ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎም ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘረድእ   ከባቢ ዝርከቡ  ምንጭታት ሰዲህኤ ዝተረኽበ ሓበሬታ’ውን የረድእ።እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብስግረ-ዶብን ካልእ ምኽንያታትን ተኣሲሮም ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ወተሃደራት ዝነበሩን ተገዲዶም ካብቲ ዝተኣስርዎ ወጺኦም ብቐጥታ ናብተን ናይ ቅድም ኣሃዱታቶም ከም ዝውሰዱን እቶም ወተሃደራት ዘይነበሩ ድማ፡ ናብ ናይ ሰሙናት ወተሃደራዊ ታዕሊም ይውሰዱ ከም ዘለዉ እዞም ምንጭታት ብተወሳኺ ጠቒሶም።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብኣፍልጦ መንግስቲ ካብ ውትህድርና ተሰናቢቶም ዝነበሩ፡ ናይ ቀደም መዛግቦም እናተገንጸለ፣ ብግዲ ናብ ሰራዊት ይውሰዱ ከም ዘለዉን ኣብ ልዕሊ ፈቓደኛታት ዘይኮኑ ድማ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ከም ዝውሰዱን ካብቲ ዝበጻሓና ሓበሬታ ምርዳእ ተኻኢሉ። ካብቲ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝወስዶ ዘሎ ኣገራሚ ስጉምታታት ድማ፣  ናይቶም ዘይተረኽቡ ኮነ ናይ ቤተሰቦም  ንብረት ዝኾና እንስሳ ዘቤት እንዳዘመተ፡ ቀለብ ሰራዊት ይኾና ምህላወን እቲ ሓበሬታ ኣቃሊዑ።

ኣንበሳድር ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ጆን ጎድፍረይ ምስ ጋዜጣ ቲያር Tayyar newspaper/ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መጠይቕ፡ ሱዳን ንሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መደበር ክትምስርት እንተ ፈቒዳትላ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ከም ዝኸውን ከም ዘጠንቀቑ እታ ጋዜጣ ካብ ካርቱም ሓቢራ።

እቶም ኣንበሳደር ኣሜሪካ ኣብቲ ምስታ ጋዜጣ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ፡ ሩሲያ ነቲ ብ2017 ምስቲ ካብ ስልጣኑ ብ2019 ዝተወገደ ዑመር ኣልበሽን ዝተፈራረመቶ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ዝሕብሩ ጸብጻባት ከም ዘለዉ ጠቒሶም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ከምዚ ዝኣመስለ ምንቅስቓስ ንሱዳን ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ከም ዝንጽላን ክትረኽቦ ዝግበኣ ረብሓ ከም ዘስእናን ገሊጾም። ኣንበሳደር ጎድፍረይ ዝኾነት ሃገር ምስ ካልእ ሃገር ናይ ምዝማድ ልኡላዊ መሰልኳ እንተለዋ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ግና ሳዕቤን ዘኸትል እዩ ኢሎም።

ኣንበሳደር ጆን ጎድፍረይ ኣሜሪካ ሓቀኛ መሓዛ ሱዳን ክትከውን ከም እትኽእል ጠቒሶም፡ እዚ ዝኸውን ግና ሱዳን ብምምስራት ሲቪላዊ መንግስቲ ኣቢላ፡ ናብ ዲሞክራሲ ምስ እተምርሕ ጥራይ ምዃኑ ሓቢሮም።

ናይዞም ኣንበሳደር ቃለ-መጠይቕ ተኸቲሎም፡ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ሱዳን ሌተናል ጀነራል መሓመድ ዑስማን ኣል ሓሰን ብወገኖም መግለጺ ሂቦም። እቶም ጀነራል ኣብቲ መግለጺኦም ብዛዕባ ምምስራት መደበር ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ሩሲያ ውዱእ ስምምዕ ከምዘይተበጽሐ ጠቒሶም፡ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክልቲአን ሃገራት ግና ቀጻሊ ከምዘሎ ገሊጾም።

ሩስያ ቱደይ/ Russia Today ብወግና ፕርሲደንት ፑቲን ብ16 ሕዳር 2020 ነቲ ንምምስራት  መደበር ሩሲያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ስምምዕ ከም ዘጽደቕዎ ሓቢራ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ርእሲቲ ዘለዎ ውግኣትን ቅልውላዋትን እዚ ክውሰኾ እንከሎ መሊሱ ከም ዝገድድ ናይ ብዙሓት ግዱሳት ወገናት ስግኣት እዩ።